Saturday, October 1, 2011

ከፋሌ ባሕር አቡነ ኤዎስጣቴዎስ (ራብዓይን መወዳእታን ክፋል)

8. ከፋሌ ባሕር ኤዎስጣቴዎስን ናይ መወዳእታ ጒዕዞኦምን

ቅዱስ አቦና ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜ ምስ ገለ ደቀ መዛሙርቶም መቃብር ጐይታ ንምስላም ቅድም ሕጂ ክልተ ጊዜ ነጊዶም ነበሩ። ሣልሳይ ድኅሪ እቲ ብዓወቶም ዝተዛዘመ ጉባኤ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ግና ናይ መወዳእታ ነበረ። እቲ ምኽንያት ኸኣ ከምቲ እግዚአብሔር ዝገለጸሎም ንሕዝበ አርመንያ ሐዋርያ ምእንቲ ክኾኑን እዩ። እግረ መገዶም ድማ ነገረ ሃይማኖትን ሥርዓትን ምስ ኣቦታት ግብጺ ንምዝርራብ ነበረ። እቲ እዋን እውን ኣብ ፲፫፻፯ (1327)ዓ.ም. ከባቢ ከምዝነበረ ይእመን። 

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኸኣ ድኅሪ ምስ መራሕቲ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ምዝርራቦም ድማ ነጀው ከይተመልሱ እግዚአብሔር ብዘመልከቶም ጒዕዞኦም ናብ ኢየሩሳሌም ቀጸሉ። ቅዱሳት መካናት ኢየሩሳሌም ድማ ተሳለሙ። ብድኅሪኡ ድማ ናብ ፈለገ ዮርዳኖስ ብምውራድ ድማ ካብቲ ማየ ጸሎት ድኅሪ ምሕጻብ ናብ ኣርመንያ ክሰግሩ ሓሳብ ገበሩ እሞ ኣብ ባሕረ ገሊላ በጽሑ። 
ኣብዚ ጊዜ እዚ ነቲ ባሕሪ ተሳጊሮም ክኸዱ ግድን ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኢያሪኮ ምስ በጽሑ፡ ንሓደ በዓል መርከብ ንአርማንያ ክማልኦም ሓተትዎ። ንሱ ግና “ገንዘብ ክፈሉ” በሎም። ዝኸፍልዎ ገንዘብ ከምዘይብሎም ምስ ሓበርዎ ግና ክትከፍሉ እንተዘይክኢልኩም ኣይማልእን ኢሉ ኣበዮም። ድኅሪ’ዚ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ነቶም ሾብዓተ ደቆም “ደቀይ ኣብ ልብኹም ቂም በቐል ከይህሉ ይቕረ ተብሃሃሉ ሕሰም ከይበጽሓኩም ኢሎም መዓድዎም። ድኅሪኡ ነዊኅ ጸሎት ጸልዮም ወወገረ ዓፅፍ ውስተ ባሕር ከምዝብል ንዓጽፎም ብስም ሥላሴ ብትእምርተ መስቀል ባሪኾም ኣብ ሠለስተ ዓጺፎሞ፤ እታ ዓፅፍ ድማ ሰፍሐት። ንሶምን ደቆምን እናተንሳፈፉ ከኣ ጒዕዞ ጀመሩ። እግዚአብሔር ድማ ብየማንን ጸገምን ዝሕልዎም ፬ተ መላእኽቲ ለኣኸሎም። ነቲ ኃዲግዎም ዝኸደ በዓል መርከብ ድማ ኣርከብዎ። እቲ ዋና መርከብ ምስ ርኣዮም ድማ ሰምቢዱ “ሃይማኖትካ እንታይ እዩ፡ መን’ከ ትብሃል፧” ኢሉ ሓተቶም። ኣቦና ድማ “ኣነ ሃይማኖተይን ስመይን ክርስቲያን እዩ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኃይለይ እዩ” በልዎ። 

ጒዕዞ እናቀጸሉ ኣብ ማእከል ባሕሪ ካብቶም ሾብዓተ ደቆም ሓደ የማነ ብርሃን ዝተባህለ፡ ነቲ ዝነበሮ ቂም በቀል ስለ ዘይገደፎ ብቀዳድ ናይ ዓጽፎም ሞሊቑ ጠሐለ። ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዓሠርተው ትሽዓተ መዓልትን ለይትን ምስ ገበሩ፤ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዝርከባ ደሴታት ክልተ ልሳን ኣውፂአን “ኣነ እየ ዝቕበሎ፡ ኣነ እባ” ብምባል ከም ዝተቐዳደማ መጽሓፍ ገድሎም ይሕብረና። 

ኣብ ሃገረ አርማንያ ዝሞተ ሕጻን ንምቕባር ዝተኣከቡ ሕዝቢ በቲ ገምገም ባሕሪ ክሓልፉ ከለዉ ኣብ ልዕሊ ዓጽፊ ሰባት ተፃዒኖም ከመጽኡ ምስ ረኣዩ፡ ነቲ ነገር ምእማን ስኢኖም ነቲ ሬሳ ኣንቢሮምን ብኽያቶም ኣቋሪጾምን ብምግራም ‘እዞም ብዘይ መርከብ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዝኸዱ ዘለዉ ሰባት ድዮም መላእኽቲ ወይስ ምትሓት?’ እናበሉ ከለዉ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን ደቆምን ናብ ምድሪ በጽሑ። እቶም ሕዝቢ ድማ ብጒያ ናብኦም ቀሪቦም ሰገዱሎም “ንስኻ ሰብ ዲኻ ኣምላኽ?” ኢሎም ኸኣ ሓተትዎም። እቲ በዓል መርከብ ድኅሪኦም ናብ ምድሪ በጽሐ’ሞ ከምዚ እናበለ ነቶም ሕዝቢ መስከረሎም። “እዞም ኣቦ እዚኦም ክርስቲያን እዮም። ዓቢይ ጸጋ እግዚአብሔር ዘለዎም ሰብ እዮም” ኢሉ ብዓውታ ጨዲሩ ተዛረበ። እቶም ሕዝቢ ብፍርህን ብምግራምን ተመሊሶም ናብቲ ሬሳ ገጾም ብምኻድ ክቕበርዎ ከልዕልዎ እንተ በሉ፡ ኣቦና ኤዎስጣቴዎስ ሓንሳእ ኣዕርፉ ብምባል ብሸነኽ ምብራቕ ኮይኖም ኣእዳዎም ዘርጊሖም ከምዚ እናበሉ ጸለዩ “ኦ ጐይታ ጸሎተይ ስማዓኒ፡ ከምቲ ንኤልያስ ጸሎቱ ሰሚዕካ ዝሞተ ሕጻን ወዲ እታ ሰበይቲ በዓልቲ ሰራጵታ ዘተንሣእካ፡ ንኣይ’ውን ጸሎተይ ስምዓኒ” ብምባል ኣብ ልዕሊ እቲ ምዉት በጥ ብምባል ጸሎቶም ቀጸሉ፤ ነፍሲ እቲ ሕጻን ኸኣ ኣብ ቦታኡ ተመልሰት። እቶም ሕዝቢ በዚ ነገር እዚ ኣዝዮም ፈርሁ እቲ ወረ’ውን ኣብ ምሉእ ኣርማንያ ተሰምዐ። 

ድኅሪ’ዚ ሊቀ ጳጳሳት ናይ አርማንያ ብጽቡቕ ኣቐባብላ ተቐበልዎም። ንኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ባሪኾም ትምህርቲ ወንጌል ክምህሩ ኣፍቀዱሎም። በዚ ኸኣ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ብስብከተ ወንጌል ንምሉእ አርማንያ ን፲፬ተ ዓመት ዞርዋ። ንብዙኃን አርማናውያን ናብ እምነት ክርስትና መለሱ። ብርግጽ ድማ “ቅሩብ እግዚአብሔር ለየዋሀነ ልብ” ከምዝብል ብንጽሕና ልብን ትሑት መንፈስን ዝጽውዕዎ ቀረብኦም ስለዝኾነ ንብዙኃን ኣእመኑ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሐዋርያት እምነት ወስኸና ምስ በልዎ “ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተልያትኩም ነዚ እምባ’ዚ ካብቲ ናብቲ ገዓዝ እንተበልክምዎ ይግዓዝ ዘይከኣለኩም ነገር የልቦን ከምዝበሎ ብዙኅ ድንቂ ተኣምራት ፈጸሙ። (ማቴ ፲፯፥፳/17፥20) 

አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኅሩይን ቅዱስን ስለ ዝነበሩ፡ እዚ ኣደናቒ ተኣምራት’ዚ (ባሕሪ ኢያሪኮ ምስጋር) ብ፲፭ ታኅሣስ ብፍሉይ ይኽበር። 

9. ዕረፍትን ቃል ኪዳንን 

አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣብ አርማንያ ብዙኅ ምስ መሃሩ ቅድሚ ምዕራፎም ጐይታ ተገሊጹ እዚ ዝስዕብ ቃል ኪዳን ኣተወሎም። “ተዝካርካ ዝገበረ፡ ገድልኻ ዝጸሓፈን፡ ዘጽሓፈን፡ ቤተ ክርስቲያንካ ዝሓንፀን ኣምኃ ዘቕረበን፡ ኣነ በረኸት ሥጋን ነፍስን ክህቦ እየ፤ መንግሥተ ሰማያት ከውርሶ እየ” ዝብል ዓቢይ ቃል ኪዳን ኣተወሎም። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ንደቆም ባሪኾምን ኣጽኒዖምን ኣብ አርማንያ ብሰላም ፲፰ መስከረም ዓረፉ፤ ኣብ ሰማእት ቅዱስ መርምህናም ቤተ ክርስቲያን ድማ ተቐብሩ። ካብቲ መቓብሮም ፍቕዲ ዘይብሎም ተኣምራት ተገብረ። ደቆም ድማ ዕረፍቲ ኣቦኦም ርእዮም ለበዋኦምን ትምህርቶምን ተሰኪሞም ናብ ሃገርና ተመሊሶም መንፈሳዊ ተጋድሎኦም ቀጸሉ። 

ዝተፈላለዩ ጽሑፋት አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣብ (፲፪፻፷፮ )1273 ዓ.ም. ተወሊዶም ኣብ ከባቢ መስከረም (፲፫፻፵፭) 1352 ዓ.ም. ኣብ 79 ዓመት ዕድሜኦም ከምዝዓረፉ ይነግሩ። 

ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ፲፯ ክፍለ ዘመን (ከባቢ 1678) ካብ ፓትርያርክ ግብጺ ናብ ሃጸይ ኢትዮጵያ ዮሓንስ ቀዳማዊ ተላኢኾም ዝመጹ ዮሐንስ (Hovannes) ዝስሞም ኣርመናዊ ጳጳስ፡ ኣብቲ ተማሊኦሞ ዝመጹ ሰታሪት፡ ዓፅመ ኢደ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ይርከቦ ነበረ። ኣብ ጐንደር (ኢትዮጵያ) ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ኸኣ ብኽብሪ ተዓቂቡ ይቕመጥ ነበረ። 

ገድሊ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ’ውን ንመጀመርታ ጊዜ ዝተጻሕፈ ኣብ መወዳእታ ፲፬ ክፍለ ዘመን ወይውን ምጅማር ፲፭ ክፍለ ዘመን ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን ምዃኑ ድማ ይንገር። 

10. መጠቓለሊ 

አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ታሪኾምን ተጋድሎኦምን ብሰፊሑ ክፍለጥን ክጽናዕን ዝግብኦም፡ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ ቅዱሳን ኣቦታት ሓደ እዮም። 

በቲ ምሕደሮኦምን ጽኑዕ ተጋድሎኦምን ድማ ገዳማት ኤርትራ ክዕምብባን፤ ምእመናን ብሃይማኖትን ሰናይ ግብርን በርቲዖምን ጠንኪሮምን ክርከቡን፤ ቤተ ክርስቲያን’ውን ሓውሲ ናጽነታ ኣዊጃ ክትጒዓዝ ዝኸኣለትሉን ዘመን ተባሂሉ ክጥቐስ ይከኣል። እዞም ቅዱስ ኣቦ ንዝኾነ ጸቕጥን ምፍርራህን ከይተንበረከኹ፤ እንተላይ ጥንታዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ገዲፎም ንዝኸዱ ጳጳሳት ግብጺ ብመጽሓፍን ብተኣምራትን ስዒሮም ዝመሃሩን ዝኣረሙን እዮም። 

እዚ ትምህርታዊ ገድሎም ከኣ ነቶም ኣብዚ ዘመን ዘሎና ደቂ ተዋሕዶ ንጹር ትምህርቲ ከምዝህበና ዘከራኽር የብሉን። ኣቦታትና ብኸመይ ታሪኽን ተጋድሎን ነዛ ክብርቲ ሃይማኖትና ከምዝዓቀቡልና ምስትውዓል የድሊ። እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ ድማ ንብል። 
መምህረ ፍትወተ ዓለም መናኒ
ፍኖተ ወንጌል ደጋኒ
ሐሰሰ መስቀል ከመ እሌኒ
በሐመረ ልብሱ ባሕረ ኢያሪኮ ዘይዋኒ
ወይሰውረኒ እምሰይጣን ኮናኒ ወተቃራኒ
ወይምሀረነ ኀበ ፍኖት ዘይኄይ ወይሰኒ
ረድኤቱ ይክፈለነ ይእዜኒ ወዘልፈኒ። 
በረኸቶምን ረድኤቶም ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ንዘለዓለም ጽኒዑ ይንበር። 

መወከሲ 
  • ገድሊ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ 
  • ገድሊ ኣቡነ አብሳዲ 
  • ገድሊ መርቆሪዎስ 
  • ገድሊ አቡነ ፊልጶስ 
  • ስንክሳር ፲፰ መስከረም 
  • ይትባረክ በርሀ (ዘውገ ምሁራን)፡ ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ 
  • Taddesse Tamrat, Church and State in Ethiopia 
  • The Coptic encyclopedia, volume 4, 
  • መጽሔት ደብረ መድኃኒት (ት/ሰ/ደ/መ/ኤዎስጣቴዎስ አሥመራ ቍ. 1 ግንቦት ፳፻ወ፪/2010 ዓ.ም.) 
  • ዝተፈላያዩ ጽሑፋዊ ምንጭታት ካብ ኢንተርኔት፤ 

No comments:

Post a Comment