Wednesday, October 5, 2011

ማኅሌተ ጽጌ (ቀዳማይ ክፋል)

አዘክሪ ድንግል...

መእተዊ
ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዕለት ፳፮ መስከረም ክሳብ ፭ ኅዳር ዘሎ እዋን ዘመነ ጽጌ፡ ወርኃ ጽጌ፤ ዝጽወም ጾም ጾመ ጽጌ፤ ዝቐርብ ምስጋና ድማ ማኅሌተ ጽጌ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብዘን ዕለታት ኸኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳን ሓላዊኣ ኣረጋዊ ዮሴፍን ከምኡውን ሰሎሜ ናብ ምድረ ግብጽ ዝተሰደዱሉን ኣብኡ ዝጸንሑሉን እዋን ይዝከር።


ምኽንያት ስደት
ስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ሃንደበት ዘይኮነስ ከምቲ ካልእ ጐይታ ዝፈጸሞም ነገራት፡ ትንቢት ዝተነግረሉ ምሳሌ ዝተመሰለሉ እዩ። ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ነቢያት ዝኾነ ልዑለ ቃል ኢሳይያስ “እግዚአብሔር ኣብ ደመና ተወጢሑ ናብ ግብጺ’ውን ይመጽእ” ብማለት ተነብዩ ነበረ። ንጐይታ ሓዚላ ናብ ግብጺ ዝተሰደት፡ ኣማናዊት ደመና ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ (ኢሳ ፲፱፥፩/19፥1)። ምኽንያት ስደት ድማ ሄሮድስ ንጉሥ ኣብ ግዝኣቱ ንጉሥ ከምዝተወልደ ሰሚዑ ስለዘይቀሰነ፤ “ምስ ረኸብኩምዎ፡ ኣነ ኸኣ መጺአ ኽሰግደሉ፡ ኣፍልጡኒ” ኢሉ ነቶም ብኮኸብ ተመሪሖም ዝመጹ ሰብአ ሰገል ከታልሎም እኳ እንተፈተነ፡ ንሳቶም እግዚአብሔር ብዝገለጸሎም መገዲ ቀይሮም ናብ ሃገሮም ምስ ተመልሱ፡ ሰብአ ሰገል “ከም ዝተላገጹሉ” ብምሕሳብ ትሕቲ ፪/2 ዓመት ንዝኾኑ ሕጻናት ቤተ ልሔም ኣቕቲሉ እዩ።

ሽዑ መልኣኽ እግዚአብሔር ንጻድቕ ዮሴፍ “ሄሮዶስ ነዚ ህጻን ክቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ ተንሥእ፤ ነዚ ሕጻንን ኣዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም ክሳዕ ዝነግረካ ከኣ ኣቡኡ ጽናሕ” ኢሉ ብዝነገሮ እቲ ስደት ናብ ግብጺ ተጀመረ። ክሳዕ “እቶም ነፍስ እዚ ሕጻን ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንሥእ፡ ነዚ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ” ተባሂሉ እቲ መልኣኽ ገሊጹ ክሳዕ ዝነግሮ ድማ ኣብ ግብጺ ጸንሑ። (ማቴ ፪፥፲፫፤ ፳/2፥13,20) ኣብ ግብጺ ብስደት ዝጸንሑሉ እዋን ድማ ሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ኣዋርሕን እዩ።ብዜና ገድልታትን ትውፊትን ድማ ጐይታን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ብግብጽ ኣቢሎም ንሃገርና ካብኡ ሓሊፉውን ክሳዕ ደቡብ ኢትዮጵያ ከምዝበጽሑ ይንገር። ምምላስ ካብ ግብጽ ናብ ምድረ እስራኤል’ውን ብሆሴዕ ኣቐዲሙ ትንቢት ዝተነግረሉ እዩ ነይሩ፦ “ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ” (ሆሴ ፲፩፥፩)

እቲ ምሳሌ’ውን ቀደም ከም አብርሃም ያዕቆብ ዝኣመሰሉ አበው በብምኽንያቱ ናብ ግብጺ ተሰዲዶም እዮም። ኵሉ ዝከኣሎ ጐይታ ከም ናትናኤል፡ መጥምቀ መለኮት ዮሐንስ ንዝኣመሰሉ ኣቦታት ካብቲ ቅትለት ከምዝሰወሮም ንርእሱ ከምኡ ምግባር ዝሰኣኖ ኮይኑ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ምስዳድ ጐይታ ምኽንያት ስለዝነበሮ እዩ። እዚ’ውን ነቲ ዝተነግረ ትንቢትን ዝተመሰለ ምሳሌን ንምፍጻም ዝገብሮ ስለዝኾነ እዩ። ካብ ገነት ናብ ምድረ ፋይድ (ሲኦል) ዝተሰደ ኣዳም ስለዝነበረ፤ ምምጻእ ጐይታ ድማ ስደት ኣዳም ተሰዲዱ ብምኽሓስ፡ ንኣዳም ናብ ዝቐደመ ክብሩ ንምምላስ ስለዝነበረ እዩ። ከመይሲ ኣዳም ብሰንኪ በደሉ ክቕበሎ ዝግባእ ጸዋተወ መከራ፡ ሕማምን ሞትን ጐይታ ኣብ ኵሉ ኣትዩ ኵሉ ሕማማት ኣዳም ጸይሩ ንኣዳም ክሒሱ፤ ብሞቱ ንሞቱ ደምሲሱሉ እዩ። ስደቱ’ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን። በዚ መሠረት ኸኣ ጐይታ ንኣዳም ክብል ብገነት ካብ እትምሰል ኢየሩሳሌም ናብ ሲኦል እትምሰል ግብጺ ተሰደሉ። ብኻልእ ድማ ነቲ ጣዖታት ግብጺ ራዕራዕ ክብሉ እዮም ዝብል ትንቢት ክፍጸም ናብ ግብጺ ተሰዲዱ ጣዖታት ሰባቢሩ እዩ።

ኣብ ግብጽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ዳኅራይ ብፍጽምና ንእኡ ንዝስዕቡ ቅዱሳን ስፍርኦም ዝኾኑ ገዳማት ንምብራኽውን እዩ። በቲ ካልእ ድማ ስደት ቅዱሳን ጻድቃን ሰማእታት ባሪኹ ንክህበና ቅዱስ ፈቓዱ ስለዝኾነ እዩ ኣብነት ብምዃን ተሰዲዱ።

ትርጉምን ተምሳልን ጽጌን ፍረን
ማኅሌት ማለት ምስጋና ወረብ ለዘብ መወድስ ማለት እዩ። ጽጌ ኸኣ ዕምበባ፡ ምልክት ወይውን ኣደ ፍረ ማለት ክኸውን ከሎ፤ ማኅሌተ ጽጌ ማለት ኸኣ ብዕምበባ ዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያምን፤ ብፍረ ዝተመሰለን ፍረ ማኅጸና ዝኾነ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝምስገኑሉ ናይ ዕምበባ ምስጋና ማለት እዩ። ከመይሲ ፍረ ካብ ዕምባባ ከምዝርከብ፡ መድኃኒተ ዓለም ንዝኾነ ነቲ ፍቁር ወልዳ ዝፈረየት ኣማናዊት ዕምባባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። እወ ተስፋ ኣዳም ከምዝተፈጸመ፡ ትንቢት ነቢያት ከምዝበጸሐ ዘበሰረት ምልክት ድኅነትና ንሳ እያ። ባዕሉ ጐይታ ምልክት ክህበኩም እዩ ተባሂሉ ብነቢይ ኢሳይያስ ዝተናገረላ ንሳ እያ። (ኢሳ ፯፥፲፬)

እቲ ምሳሌያዊ ስያመ ኸኣ ምስቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ እዋን ዕምበባ ዝተኣሳሰረ እዩ። ምጅማር ናይዚ ማኅሌት ኸኣ ምስ ጸዓተ (ምብቃዕ) ክረምትን ምዕንባብ ምድርን ምእታው መጸውን (ቀውዕን) ዝዛመድ እዩ። ደድኅሪ ዘመነ ክረምቲ ዘሎ ድማ ዘመነ ጽጌ ይብሃል። እዚ እዋን እዚ ጸልማት ክረምቲ ምሉእ ንምሉእ ተቐንጢጡ፡ ብርሃነ ፀሓይ ብዘይ ከልካሊ ዝበርቀሉን ዝደምቀሉን፤ ሰማያት ብከዋክብቲ ዘማዕርጋሉ፤ ጥበበኛ ሰሎሞን ምስቲ ኵሉ ጥበቡን ክብሩን እኳ ክንድኦም ክኽደኖ ዘይተኻእሎ፡ ዕምበባታት ብኢደ ሰብእ ንዘይተዳለወ ልብሶም ለቢሶም ንኣኽራናትን ጐላጉልን ዘሠርግውሉን ዝኸድኑሉን እዋን እዩ። (ሉቃ ፲፪፥፳፯) እዚ እዋን እዚ ድማ ንዓይኒ ዝማርኽ ትርኢት ተፈጥሮ ዝረኣየሉ፤ ኣእምሮ ዝሕድስ ቀልብ ዝውንን ኅብረ መልክዕ ዝንጸባረቐሉ፤ ንኣፍንጫ ዝዕውድ ጥዑም ሽታን መዓዛን ዝነፍሰሉ፤ ኣእዛን ብጥዑም ዝማሬ ኣእዋፍን ኣናህብን ዝምልኣሉ ኮይኑ ንረኽቦ። ስለዚ እዩ ድማ እቲ ማኅሌት ነዚ እዋን ወርኃ ጽጌ ተኸቲሉ ስሙ ዝረኸበ።

ዘመነ ጽጌ ብኸምዚ ኣገባብ ምሥርጋዉ ክግለጽ ከሎ፡ በቲ ካልእ ድማ ናይ ጽጋብን ራኅዋን ዘመን ምምጽኡ ዘበስር እዩ። ወርኃ ክረምቲ ዘርኢ ገና ኣብ ምድሪ ስለዝኾነ፡ ኣብ ቆፎታት (ማእከናት) ዘሎ እኽሊ ይጽንቀቕ እዩ። መሶብ ከም ቀደሙ ኣይመልእን እዩ። ክረምቲ ብሓምልታትን ዓይነቶምን ዝኣመሰሉ ሲሳይ ዕለት እያ ትሕለፍ። ዘሎካ እናከኣኣልካ ዝሕለፈሉ ጥሜት እምበር ከም ድሌትካ እትጸግበሉ ኣይኮነን። ካብ ሓድሽ ዓመት ጀሚሩ ግና ተስፋ ይልምልም። ሸዊት ክጠዓም ይጅምር። ኵሉ ፍጥረት’ውን ክሕጐስ ክዝምር ዝረኣየሉ እዩ። (መኃ ፪፥፲፫) ኵሉ ኣኽራናትን ጐላጒልን ድማ ብዕምበባታት ክምላእ ምስ ጀመረ፡ ዘመን ጥሜት ኣብቒዑ ዘመን ጽጋብ ከምዝበጸሐ ዘበስር እዩ። ናይዚ ተምሳሉ ኸኣ ምግቢ ድኅነት ርሒቕዎ፡ ማየ ጽድቅ ስኢኑ፡ ኣብ በረኻ ሲኦል፡ ብጥሜት ጽድቂ ንዘመናት ዝተሳቐየ ኣዳም፤ ብምሕረት እግዚአብሔር ድኅነት ዝረኽበሉ፡ ብቅዱስ ሥጋን ክቡር ደምን ወልደ እግዚአብሔር ነፍሱ ዝጸግበሉ ዘመን ከምዝበጸሐ ዘመልክተት እምባባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ።

ኣብዚ ናይ ጽጌ (ዕምበባ) እዋን እምበኣር፡ ሕይወት ንዝኾነ ክርስቶስ ንዝፈረየትልና ብዕምበባ ንእትምሰል ቅድስት ድንግል ምስ ፍሪኣ ንዝክራ።

ጾመ ጽጌ

ነዚ ብዙኅ ድኻምን መከራን ዝተሓወሶ ጕዕዞ ስደት፡ ኣዴና ንወዳ ሒዛ በረኻታት ግብጽን እስራኤልን ቆሪጻ ናብ ምድረ ግብጽ እያ ብምእታዋ ነዚ መከራ ፍቓዶምን ዝኾኑ ኣገልገልትን ምእመናንን ብጾም የኽብርዎ።

እዚ ጾም እዚ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ስዩማን ካህናት ኮኑ ዲያቆናት፤ ከምኡውን ምእመናን ብፍቕሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ተደሪኾም ስደታ ብምዝካር በረኸታ ንምርካብ ዝጾምዎ ጾም እዩ። ካብቶም ፯/7 ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ዘይኮነሲ ናይ ፍቓድ ጾም ኸኣ እዩ።

ደራሲን ድርሰትን ማኅሌተ ጽጌ 
ደራሲ እዚ ፍሉይ ጣዕመ ዜማ ዝውንን ናይ ምስጋና ድርሰት እዚ ኣብ መበል ፲፬ ክፍለ ዘመን ዝነበረ አባ ጽጌ ድንግል እዩ። ንሱ ኸኣ ንድንግል ማርያምን ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስን ሓንሳብ ብሓረገ ወይን ሓንሳብ ብእምበባ ጽጌረዳ ብኻልእን ተዛመድቲ ምሳሌታት እናመሰለ ግሩም ናይ ጸሎት መጽሓፍ ዘዳለወ እዩ። ብኸምዚ ኣገባብ ድማ በብ፭/5 መስመር ቤት እናቖመ ኣስታት ፻፶/150 ዝኣክል ዝደረሰ እዩ። ርቀት ምሥጢሩ፤ ውህደት ምሳሌኡን ትምህርቱን፤ ግጥማዊ ኣቀራርብኡ፤ ምልክታን መልእኽቲ ዜምኡን፤ ወዘተ እምብዛ መሳጢ ኸኣ እዩ።

መሠረቱ ኸኣ ልዑለ ቃል ኢሳይያስ እዩ። ነቢይ ኢሳይያስ ብዛዕባ ልደት ጐይታ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ክዛረብ ከሎ ካብ ዘርኢ እሴይ ንዝተረኽበት ኣዴና ብበትሪ፡ ንወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብጽጌ መሲሉ እዩ ተነብዩ ነይሩ። “ትወጽእ በትር እምሥርወ እሴይ፡ ወየዓርግ ጽጌ እም ጒንዱ።” (ካብቲ ኽሩት ጒንዲ እሰይ ከኣ ሓደ ጠጥዒ ኺጭብጭብ እዩ፡ ሓደ ጨንፈርውን ካብ ሱሩ ፍረ ኺፈሪ እዩ።) (ኢሳ ፲፩፥፩/11፥1) ኣባ ጽጌ ድንግል’ውን ድርሰቱ ብኸምዚ ኣገባብን መልክዕን ንኣዴናን ንወዳን ኣተሓባቢሩ ብጽጌን ብፍረን እናመሰለ፤ ምስኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳኑ መንክር ንዝኾነ ስራሕ እግዚአብሔር ብምሥጢር፡ ብታሪኽ፡ ብጸሎት፡ ብተግሣጽ፡ ብሉያትን ሓዲሳትን ከምኡውን ሊቃውንትን ገድልታትን ወዘተ ኣሥሚሩ ብዝምስጥ ኣገባብ ኣወሃሂዱ ኣቕሪብዎ ኣሎ። ንኣብነት ክሳብ ፹፭ ዝኣክል ታሪኽ’ውን ኣብዚ ድርሰት ተጠቒሱ ኣሎ። ብሓቂ ድማ ከምቶም ንዝቐደሙ ቅዳሴኣን ውዳሴኣን ዝደረሱ አበው፡ አባ ጽጌ ድንግል’ውን ኣብ ኣዴና ዝነበሮ ፍቕሪ ፍሉይ ብምንባሩ ነዚ ማኅሌታ ክደርስ ምሥጢር ተገሊጹሉ እዩ።

እግዚአብሔር ከም አባ ጽጌ ድንግል ጸጋ ዝሃቦን ፍቕሪ ቅድስት ድንግል ዘለዎን ምስጋናኣ ይዛረብ። ምሳሌን ትንቢትን ምስ ትርጉም ኣወሃሂዱ ምሥጢር ይገልጽ። ውዳሴን ቅዳሴኣን ንዝደረሱን ንዘመሥጠሩን ቅዱሳን አበው መሠረት ገይሩ ማኅሌታ ይጽሕፍ። ፍቕሪ ጐይታ ዘለዎም ኣደ ጐይታ ኢሎም ብትሕትና ይዛረቡ። ኵሎም ቅዱሳን እግዚአብሔር ክብርን ንጽሕናን ቅድስናን ቅድስተ ቅዱሳን፤ ንጽሕተ ንጹሐን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብዝጥዕም ቃላት ካብ ልቦም የፈልፍሉ ነይሮም። ሎሚ ኸ ከመይ ኣሎና? እግዚአብሔር ዘስተውዕል ልቦና ይሃበና።

                                                                                                      ይቕጽል...

1 comment:

  1. bhaki des zebl semienayo anbibnayon zeynfelt tmhrti kndey amlak hibku sle kdst dngl maryam ktzerebu kttshfun aser abotat yketlena yehwat enber bflay hjis betekrstian zenawtsu nu fakia zzeru manafkan wey ewn tehadso zbehalu nenwet betekrstian tensiom alewu emo ajokum bertu egzabher ms kulatna ykun...btaemi tshufatkum des eluni melewo

    ReplyDelete