Friday, October 7, 2011

ደብረ ክሳሄ አቡነ ኣብሳዲ (ቀዳማይ ክፋል)

 ሓጺር ታሪኽ ገዳም ደብረ ማርያም 
 ስያመ ገዳም 
 ምሉእ ስም እዚ ገዳም እዚ ገዳም ደብረ ማርያም አቡነ አብሳዲ ይብሃል። ብናይ ጥንቲ ስሙ ድማ ገዳም ደብረ ክሳሄ አቡነ አብሳዲ ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ እዩ። ደብረ ክሳሄ ዝብል ስያምኡ ኸኣ ካብቲ እቲ ገዳም ካብ ዝተገደመሉ እምባ (ወግረ ክሳሄ) ዝመጸ ምዃኑ ይንገር። እቲ ከባቢ ናይቲ እምባ ኣብዚ እዋን እዚ ደብረ ማርያም ብዝብል ስም እዩ ዝፍለጥ። ክሳሄ ማለት ምኡዝ ዝጨንኡ ሮዛ ዕንባባ ማለት እዩ።




ቦትኡን መልክዓ ምድሪን 
 እዚ ገዳም እዚ ኣብ ዞባ ደቡብ ካብ ዝርከቡ ጥንታውያን ገዳማትና ሓደ ኮይኑ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ማይምነ (ቆሓይን) ካብ ሓውሲ ከተማ ማይምነ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ይርከብ። ኣብ ከባቢ ምድማር ሩባ ዑበልን ሩባ መረብን ድማ ይርከብ። ዝተገደመሉ ስፍራ’ውን ኣብ በሪኽ እምባ ኮይኑ ቅድሚኡን ከባቢኡን ግና ብዙኅ እኳ እንተዘይኮነ’ውን ልሙዕ ጐልጉል ዝርከበሉ ስፍራ ኣሎ። ይኹን ደኣ እምበር መገዲ እዚ ገዳም ዓቐብን ቍልቁልን ዝበዝኆ ኮይኑ ናብቲ ገዳም ዝርከበሉ ርእሲ እምባ ንምድያብ ድማ እናተጠዋወኻ ካብ እግሩ ኣትሒዝካ ንኣስታት ክልተ ሰዓት ዓቐብ ክትጓዓዝ ናይ ግድን ይኸውን። 

ከምቲ ስሙን ምሳሌኡን እዚ ገዳም ኣብ ደብሪ እዩ ተደኲኑ ዝርከብ ዘሎ። ኣብ ርእሲ ናይቲ ገዳም ምስ በጻሕካ ግና ነቲ ብክንደይ ኃይሊ ዝደይብካዮ መገዲ ክትርእይን ኣብ እግሩ ኣብ ዝርከብ ጐላጉል ንዘሎ ሸኻታት ምርኣይ ክንደይ ባህ ዘብል እዩ። ትርኢቱ መሳጢ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፤ ቅድስና ናይቲ ገዳም ተወሲኽዎ ኣብኡ ንሓዋሩ ክትቕመጥ እምበር ካብቲ ገዳም ውጻእ ውጻእ ዘብለካ ኣይኮነን። 


ዘመን ምምሥራት 

 እዚ ገዳም’ዚ ኣብ መበል ቀዳማይ ርብዒ ፲፬/14 ክፍለ ዘመን (፲፫፻፴፪/1332 ዓ.ም.) ከባቢ ከምዝተመሥረተ ይእመን። ገሊኦም ጸሓፍቲ ታሪኽ ካብቲ ዝተጠቕሰ ቅሩብ ዓመታት ድኂሩ ብ፲፫፻፴፭ (1335) ዓ.ም. ከምዝተገደመ ይገልጹ። ገለ ካብዚ ፍልይ ዝብል ኸኣ ከም ሉሲኒ ዝኣመሰሉ ጸሓፍቲ ታሪኽ ድማ መጽናዕቲ ብምክያድ ኣብ ከባቢ 1374 ዓ.ም. እቲ ገዳም ከምዝተገደመ ይገልጹ። እቲ ዝተመሥረተሉ ዘመን ኸኣ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ምስቲ ናብ አርመንያ ዝገብርዎ ጒዕዞኦም ዝቐራርብ ዘመን እዩ። 

ታሪኻዊ ቅርሳዊን ሓድጊ 
ኣብዚ ክብር ገዳም እዚ ክረኣዩ ዝግብኦም ኣዝዮም ብዙኃት ጥንታውያንን ቅዱሳንን መካናትን ቅርስታትን ንዋያትን ከምዘለዉ ዝተፈልጠ እዩ። እዚ ገዳም እዚ ኣብ መዋዕል ታሪኹ ዘሕለፎምን ዝዓቀቦምን ታሪኻት ድማ ኣዝዮም ክብሪ ዝግብኦም ንመላግቦ ታሪኽ ዞባና ወሰንቲ እዮም ክብሃል ይከኣል። ንገሊኦም ንምጥቓስ፦ 
  • መቃብር አቡነ አብሳዲን አቡነ ዘካርያስን 
  • ኣብ ካልኦት ገዳማት ዘይርከቡ ጥንታውያንን ታሪኻውያን ብርናታት 
  • ተኣምር ዝተፈጸመሎም ከባቢታት 
  • አቡነ ዘካርያስ ተሰኪሞም ዘምጽእዎ ፪ ኩንታል ትኸውን እምኒ (ጥቓ እንዳ መጋቢ) 
  • ለይትን መዓልትን ተብርህ ዝነበረት ዕፅ ኣውሊዕ (እንዳ መጋቢ) 
  • አቡነ ዘካርያስ መውረዲ ማይ ዝጥቀሙላ ዝነበሩ 
  • አዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወረደትሉ (እንዳ መጋቢ) 
ካልእ ክድህሰሱን ክጽንዑን ዝግብኦም ታሪኻት ድማ ብዝያዳ ነቶም ኣቦታት ተወኪስናን መዛግብቲ ታሪኽ ፈቲሽናን ምፍላጡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። 

ታሪኻዊ ዝምድና ገዳምን ኣየጣዕስን 
ኣብ ሞንጎ ኣብቲ ከባቢ ገዳም ዝቕመጡ ዓድታት ደቂቀ ኣየጣዕስን ገዳምን ዘሎ ዝምድና፡ ምስቲ ዕድመ ገዳም ዝመጣጠን ታሪኻዊን ተኣምራታዊን እዩ ክብሃል ይከኣል። ከመይሲ እቲ ዝምድና ብመሥራቲ ናይዚ ገዳም ዝኾኑ አቡነ አብሳዲ ዝጀመረ ስለዝኾነ። 

ሓደ መዓልቲ አቡነ አብሳዲ ካብቲ ወፊሮሙሉ ዝነበረ ተልእኾ ናብ ገዳሞም ክምለሱ ከለዉ ፀሐይ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ኮይና በርትዓቶም። ክሳዕ ዝሕል ዝብለሎም ንኸጽልሉ ድማ ኣብ ሓደ ዓዲ ናይቲ ከባቢ ናብ ሓንቲ ቤት ኣላገሱ። ዋና ብዓልቲ ቤት ድማ ንጋሻ ብዝግባእ ኣቀባብላ ብጽቡቕ ኣእንገደቶም። ተቐላጢፋውን ኣእጋሮም ሓጸበቶም። ክብርን ቅድስናን እዞም ኣቦ ብምርዳእ ድማ ነቲ ሕጻብ እግሮም ሰተየቶ። ናብቶም ኣቦ ቅርብ ኢላ ድማ ብትሕትና “ውላድ ዝሰኣንኩ መካን እየ እሞ ናብ ረቢ ጸልዪለይ” በለቶም። ንሶም ኸኣ “ውላድ እንተተውሃቢ ኸ ንዓይ ዶ ምሃብክኒ?” ዝብል ሕቶ ኣቕረቡ። ንሳውን ይርከብ ደኣ እምበር ሕራይ ኢላ መብጽዓ ኣተወት። ንሶም ድማ ስሌኣ ጸሎት ኣብጽሑ። 

እቲ ዝተማባጽዓትሉ ውላድ ድማ ረኸበት። ግና ከምቲ ቃላ ኣይሃበቶምን። እቲ ቆልዓውን ዓበየ። ሓደ መዓልቲ ድማ ኣቦና ናብኣ ኣላጊሶም “እንታይ ደኣ ከምቲ ቃልኪ ዘይሃብክኒ፤ ተጣዒስኪ ዶ?” በልዋ። ንሳ ግና “ረቢ ኣየጣዕስ፤ ኣይተጣዕስኩን” ኢላ ነቲ ውላዳ ሃበቶም። በቲ ረቢ ኣየጣዕስ ዝበለቶም ድማ ኣቦና ‘አየተጣዕስ’ ኢሎም ሰመይዎ። አየተጣዕስ ተጠሚቑ ድማ ረድኦም ኮነ። ዳኅራይ ድማ ንኣርባዕተ ማይ ቤት ደቂ አየጣዕስ ዝፈረየ ኮነ። እዚኦም ድማ ንብዙኅ ሕዝብን ዓድታትን ዝፈረዩ እዮም። እምበኣርከስ ክሳብ ሎሚ ዝቕጽል ዘሎ ከም ሓጺን ዝተረረ ዝምድና ደቂ አየጣዕስን ገዳም አቡነ አብሳዲን ሡሩ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ታሪኽ እዩ። 

እቲ ዝያዳ መትረሪ ዝምድናኦም ኮይኑ ዝተረኽበ ካልእ ፍጻመ ድማ ዕረፍቲ አቡነ አብሳዲን ኣየጣዕስን ጸጽባሕ ምዃኑ እዩ። እዚ ከኣ ዕረፍቲ አቡነ አብሳዲ (፴/30 መስከረም) ጽባሕ ዕረፍቲ ደቂ አየጣዕስ (፳፱ መስከረም) ብምዃኑ እዩ። በዚ መሠረት ኸኣ ደቂ አየጣዕስ በዓል ኣቦኦም ፳፱ መስከረም ዘኪሮም፡ ብጽባሒቱ በዓል አቡነ አብሳዲ ንምኽባር ናብ ገዳም ደብረ ማርያም ይነግዱ። 

ነዚ ዝምድና ዝያዳ ዘኅይል ሓድጊ ታሪኽ ድማ ኣብ ገዳም ዝርከብ ህንጻ ቤተ ክርስቲያን ካብ ከባቢ ዓድታት ደቂ አየጣዕስ ብዝመጸን ብዝተጸረበን እምኒ እዩ ተሃኒጹ። ነዞም ዓበይቲ ኣእማን ካብ ናብ ንምግዕዓዝ ክሳብ ክንደይ ሃልኪ ከምዝነበሮን፡ እቶም ዝቐደሙ ኣበው ነቲ ሓሳቦም ንምፍጻም ክሳብ ክንደይ ጥበበኛታትን ጻዕራማትን ከምዝነበሩ ክንርዳእ ንኽእል። ንመንፈሳዊ ጸጋን ዕላማ ክሳብ ክንዲ’ዚ ምውፋይ ኣብዚ ወለዶ እዚ ዝሓጽጽ ዘሎ ሰናይ ተግባር እዩ እሞ ክሕሰበሉ ዝግባእ እዩ። ነዚ ኵሉ ዝድርኽ ግና ፍቕሪ ምዃኑ ኵልና ከነስተውዕሎ ዘሎና ጒዳይ እዩ። ፍቕሪ እንተሎ እቲ ዘይከኣል ዝመስል ከምዝክኣል፡ ደቂቀ አቡነ አብሳዲን ደቂ ኣየጣዕስን መሳካኽር እዮም። እቲ ብኸምዝ ጻዕሪ ዝተኸልዎ ህንጻ ድማ ሓውልቲ ኮይኑ ፍቕሮም ክምስክር ይነብር ኣሎ። 

ርስተ ጒልቲ 
ገዳም ደብረ ደብረ ማርያም ክሳብ ሎሚ በቲ አቡነ አብሳዲ ዝሓንጸጽዎን ዝሓገግዎን ናይ ሓድነት ሕጊ ይመሓደር ኣሎ። እዚ ገዳም እዚ ኣብ ጊዜ አቡነ ተወልደመድኅን ብጊዜ ገብረ ክርስቶ ንጉሠ ሠራዔ (ሠራዬ) ብ፲፫፻፴፭/1335 ዓ.ም. እዩ ገዳም ተባሂሉ። ከምኡ’ውን ኣብቲ ገዳም ኣትዮም ከምዝተምሃሩ ብዝንገረሎም ኃፀይ ዘርአ ያዕቆብ ኣብ ዘመነ ንግሥነቶም ርስተ ጉልቲ ከምዝተጎለተት ታሪኽ ይሕብር። በዚ መሠረት ኸኣ ከባቢ ስብዓ ብዙኅ ርስተ ጒልቲ ከምዝነበሮም መዝገብ ታሪኽ ዝሰነዶ እዩ። 

ክብረ በዓል 
ገዳም ኣቡነ አብሳዲ ከም ቀንዲ መንፈሳዊ ወዶም ንአቡነ ኤዎስጣቴዎስ ቀቅድሜኦም (፲፰/18 መስከረም) ንዝርከብ በዓለ ኤዎስጣቴዎስ ዝዝክሩ እኳ እንተኾነ፤ እቲ ቀንዲ በዓሎም ግና መሥራቲ እዚ ገዳም ዝዓረፉሉ ፴/30 መስከረም እዩ። 

እዚ ክብረ በዓል ድማ ካብ ኵሉ ኵርንዓት ሃገር ብዝመጹ ምእመናን ዝንገድ እኳ እንተኾነ፤ ብዝበለጸ ግና ብደቂ እቲ ከባቢ ካብኡ ናብኡ ድማ ብደቂ ኣየጣዕስ ብድምቐት ይኽበር። 

ሓጺር ታሪኽ አቡነ አብሳዲ 
ትውልዲ 
እዞም ንቅዱስ ዕላማን መንፈሳዊ ተጋድሎን ዝተኃርዩ ኣቦ፡ ኣብ ትግራይ (ኢትዮጵያ) ኣውራጃ እንደርታ ወረዳ መንበርታ ደበሽን እንዳ ማርያም (ደብረ ሲና) ኣብ ዝተባህለ ቦታ እዮም ተወሊዶም። ፍሉይ ስም ቦታ ትውልዶም ድማ ሐይቀ መሳሕል ትብሃል። ፈራህያነ እግዚአብሔር ዝነበሩ ወለዶም ብሃይማኖት ጽኑዓት፡ ብሰናይ ግብሪ ውቁባት፡ ፍተውቲ ምናኔ እዮም ነይሮም። ስም ኣቦኦም ቀሲስ ቶማስን ክብሃሉ ከለዉ፡ ኣዲኦም ኸኣ ቅድስት ሰሎሜ (ጓል ሕይወት ብነ) ይብሃላ። 

ቀሲስ ቶማስ ንበኵሪ ወዶም አቡነ መርቆሬዎስ ምስ ወለዱ ንቅድስት ሰሎሜ ከይነገሩ፤ እዛ ዓለም እዚኣ ኃላፊት እያ እሞ ናብታ ዘይትሓልፍ ምቕዳሙ ይሓይሽ ኢሎም ናብ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኸዱ። ንሶም ግና ብዘይ ፍቓድ ሰበይቶም ከምዝመጹ ተረዲእዎም ናብ ቤቶም መለስዎም። ቀሲስ ቶማስ ድማ ናብ ቤቶም ተመሊሶም ከም መምለቚ ዝሓሰብዎ መመኽነይታ ኵሉ ምስላጥ ኣበዮም። አቡነ ኤዎስጣቴዎስ’ውን ኵሉ ብመንፈስ ተረዲኦም ወቐስዎም። ስለቲ ዝፈጸምዎ ነገር ይቕሬታ ንሰበይቶም ሰሎሜ ክሓቱ’ውን ነገርዎም። ምንኵስና ክፍሎም ከምዘይኮነ ብምንጋር ድማ “ሀለዉ አርጋብ ንጹሐን ዘይትወለዱ እምኔከ” ብምባል ካልኦት ውላድ ከምዝወልዱ ተነበዩሎም። በቲ ግብሮም ተጣዒሶም ድማ ናብ ሰበይቶም ተመልሱ። 

ኣይጸንሑን ኸኣ ንአቡነ አብሳዲ ድኅሪኡ ድማ ንማቴዎስን ንመክብበ ድንግልን ወለዱ። መክብበ ድንግል ንአቡነ ቴድሮስ ዝወለዳ እየን። አቡነ አብሳዲ ድማ ፲፮ የካቲት ኣብ ፲፪፻፹፪/1282 ዓ.ም. እዮም ተወሊዶም። ኣብ ጥምቀቶም ኸኣ ሀሎ ክርስቶስ ተሰምዩ። 

አቡነ አብሳዲ ጥራይ ዘይኮነሲ ብሓፈሻ ስድራ ቀሲስ ቶማስ ፈታዊን ሰዓብን አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝነበሩ ኮይኖም፤ እቶም ወለድን ኵሎም ደቆምን ድማ ኣርድእት አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኮይኖም ዘገልገሉን ኣብ ዓቢ ማዕረገ ቅድስና ዝበጽሑን፡ ብዙኅ ሓዋርያዊን መንፈሳዊን ተጋድሎ ዝፈጸሙ እዮም። 

ኣተዓብባያ 
አቡነ አብሳዲ ኣብ ጊዜ ንእስነቶም ኣብ ትሕቲ ስድርኦም ኮይኖም እናገልገሉ ዓበዩ። ኣብ ጉስነት ናይ ስድርኦም ጥሪት ከለዉ ድማ ለጋስ፡ ርህሩህ ፈቃርን ገና ካብ ጊዜ ንእስነቶም ኣትሒዞም ምናኔ ዝፈትዉ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ከም ኣብነት’ውን ዝጥቐስ ብኣድጊ እናተመላለሰ ብልማኖ ዝናበር ሓደ መጻጉዕ (ስንኩል) እቲ ዘመላልሶ ዝነበረ ኣድጊ ስለዝሞተ ኣዝዩ ጒህዩ ነበረ። ሀሎ ክርስቶስ ድማ ኵነታት እቲ መጻጒዕ ኣደንጊጽዎም፡ ካብቶም ጥሪት ስድራኡ ሓደ ኣድጊ ወፈየሉ። 

ኣብ ቤት ኣቦኦም ኮይኖም ፲፪/12 ዓመት ምስ መልኦም፡ ብዘይ ፈቓድ ስድርኦም ናብ ኣኮኦም አቡነ ጳውሎስ (መምህር ገብረመስቀል) መንፈሳዊ ትምህርቲ ንክምሃሩ ከዱ። ኣኮኦም ግና ስለምንታይ ከምዝመጽእዎም ምስ ሓተትዎም “ዓለም ከም ጽላሎትን ብርሃን ጸሓይን ሓላፊት እያ፤ ስለዚ ነታ ዘይትሓልፍ ዓለም ክረኽባስ ኣመንኵሱኒ” በልዎም። አቡነ ጳውሎስ ግና ነዚ ሓሳብ ሀሎ ክርስቶስ ንወለዶም ሓተትሉ። ወለዶም’ውን መጺኦም እንተለመንዎም ንድኅሪት ከምዘይምለሱ ነጊሮም ኣቕበጽዎም። ስለዚ በቲ ሓሳብ ምንኵስና ጸንዑ።

                                                                                                                                        ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment