Sunday, October 9, 2011

ደብረ ክሳሄ አቡነ ኣብሳዲ (ካልኣይን መወዳእታን ክፋል)

ሕይወት ምንኵስና መንፈሳዊ ተጋድሎን
ኣቦና አቡነ አብሳዲ ካብ ኣኮኦም መንፈሳዊ ትምህርቲ ድኅሪ ምቕሳሞም፡ ደብረ ሽማና ኣብ ዝብሃል፡ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ናብ ዝርከቡሉ ቦታ ሰደድዎም። ካብ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ድማ ፹፩ዱ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተምሃሩ። ኣብ ፳፰/28 ዓመቶም ድማ አስኬማ ዘመላእክት ተቐበሉ (መንኰሱ)። ብአቡነ አዎስጣቴዎስ ድማ አብሳዲ ዝብል ስም ምንኵስና ተዋህቦም። አብሳዲ ማለት አበ ብዙኃን ከም ማለት እዩ።

አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣብ ልዕሊ አቡነ አብሳዲ ሓዲሩ ዘሎ ጸጋ ብምስትውዓል፤ ኣጸቢቖም ባረኽዎም። ሰዓምዎምን ከኣ። ኣብቲ ዝሰዓምዎም ኣካሎም ድማ ጠለት ተሰምዖም። ጻዕዳ ጸጒሪ ከኣ አብቖለት።

አቡነ አብሳዲ ብሕትውና ኣጥቢቖም ዝፈትውዉ፤ ኣብዚኆምን ጾምን ጸሎት ሰጊድን ዘዘውትሩ ነበሩ። ሓደ እዋን ካብ ብዝኂ ትሕርምቲ ድማ ኣካላቶም ደኺሙ ክፈላለ ቀሪቡ ነበረ። ነዚ ዝረኣዩ ሓደ ባሕታዊ መጺኦም ቅዱስ ሥጋን ክቡር ደምን ክርስቶስ ኣቐቢሎሞም። በዚ ድማ ሰብነቶም ተሓዲሱ። ነቲ ናይ ቀደም ተጋድሎኦም ድማ ብዝኃየለ መገዲ ቀጸልዎ።

አቡነ አብሳዲ ካብ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ብዙኅ ከይተፈለዩ ስብከተ ወንጌል ምስፋሕ፡ ጐኒ ጐኒ ብሕትውናዊ ናብርኦም ጀመርዎ። ብኸምዚ መገዲ ኸኣ ብብሕትውና ተጸሚዶም ድኅሪ ምጽናሕ ካብ መቐለ ክሳብ ደብረ በርበረ ማይ ወንጌል መሃሩ።

ስብከተ ወንጌል ኣብ ሃገርና
አቡነ አብሳዲ ካብቲ ዝነበርዎ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓቢሮም “ሑር ውስተ ሃገረ ሐማሴን” ናብ ሃገረ ሐማሴን ኪድ ተባሂሎም ንአቡነ ኤዎስጣቴዎስ ስዒቦም ናብ ሃገርና ኣተዉ። መጀመርታ ኸኣ ኣብ በራቒት (ቆሓይን) ኣዕረፉ። በቲ ጊዜ እቲ ድማ ካብቲ ከባቢ ሓሊፎም፡ አብ ማእከላይን ሰሜንን ኤርትራ (ዞባ ደቡብ ዞባ ማእከል ዞባ ዓንሰባ) ኣብ ቆላ ከኣ ኣብ ሓልሓል ቦጎስ ማርያ ቀይሕን ማርያ ጸሊምን ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ፈጺሞም እዮም።

አቡነ ኤዎስጣቴዎስ፡ ደቀ መዛሙርቶም ተፋንዮም ናብ ሃገረ አርማንያ ቅድሚ ምኻዶም ነቶም ደቀመዛሙርቶም ካብቲ ዝተላበውዎን ዝመረቕዎን ድማ ‘ቡራኬ ለአብሳዲ መንበር ለመርቆሬዎስ’ ዝብል ስለዝነበረ አቡነ አብሳዲ ብድኅሪኦም’ውን ደቂ ኣብ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣብ ዘለዎ ናይ ምብራኽ ሓላፍነት ናቶም እዩ ነይሩ። ብዓል አቡነ መርቆሬዎስ ንአቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከሰንዩ ናብ አርማንያ ከይዶም ኣብ ዝነበሩሉ ዓመታት’ውን፡ አቡነ አብሳዲ ምሉእ ሓላፍነት ናይቲ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝገደፍዎ ማኅበር ተሰኪሞም ብትግሃት ከምዘመሓደሩን ነቲ ማኅበር’ውን ዝያዳ ከምዘቖምዎ ዝፍለጥ እዩ።

አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ብ፲፫፻፳፯/1327 ዓ.ም. ናብ ሃገረ አርማንያ ኣብ ዝተበገሱሉ እዋን ንአቡነ አብሳዲ ንደቀ መዛሙርቶም ሓቚፎም መንፈሳዊ ስብከቶም ክቕጽሉ ሕድሪ ስለዝሃብዎም፡ ነዚ ዝሃብዎም ሕድሪ ተቐቢሎም ኣብ ከባቢ ኣሥመራ እትርከብ ዘበያት ኣብ እትብሃል ቦታ ከምዝተቐመጡን ብድኅሪኡውን ኣብ ጎዳይፍን ከባቢኣን ወንጌል እናመሃሩ ንሓደ ዓመት ምሉእ ከምዝጸንሑን ታሪኽ ይነግር። እታ ደው ኢሎም ዝምሃሩሉ ዝነበሩ ኦም ድማ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ገዲፎማ ከይዶም ዝጠጠዐትን ዓባይ ገረብ ዝኾነትን መወጽ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ እያ።

አቡነ አብሳዲ በቲ ዝግለጸሎም ዝነበረ መንፈሳዊ ጸጋ ናብ ደቡብ ተመሊሶም ብተባሕትዎን በመንፈሳዊ ትምህርትን ንሰብዓ ዓመታት ኣብቲ ከባቢ ተቐመጡ። ካብዚ ብምብጋስ ከኣ እዛ ክሳብ ሎሚ ስብዓ ብዝብል ስም እትጽዋዕ ዓዲ ሽዕኡ ዝወጸላ ስም እዩ። ስብዓ ኣብ ከባቢ ዓረዛ እያ እትርከብ።

አቡነ አብሳዲ ብሕትውናኦምን ምንኵስናኦምን አጽኒዖም ብምግዳል፤ ስብከተ ወንጌል የስፍሑ ኣብ ዝነበሩሉ ሓደ እዋን፤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብመልክዕ ህጻን ተገሊጹ ጻዕዳ ልብስን ወርቃዊት መጽሓፍን ሃቦም።

ሃይማኖታዊ ገድሊ

ኣብቲ ኣቦና ዝነበሩሉ ጊዜ፡ ገለ ሚሲዮናት መን ኣሎ ከማና መጽሓፍ ቅዱስ ዝፈልጥን፤ ብኸምኡ ዝምራሕን እናበሉ ንካህናት የሸግርዎም፤ ይፍትንዎምን ነበሩ። እዞም ደቂ ልዮን ዝኾኑ ሰባት ኣንጻር ተዋሕዶ ምስ አቡነ አብሳዲ ዓዲ ሳምራ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ (ከባቢ ዓረዛ ደብረ ድማኅ) ጉባኤ ገበሩ። ናይ ክልቲኦም ናይ መጽሓፍ ክትዕ ንምስማዕ ኣዝዩ ብዙኃት ሊቃውንትን ሕዝብን ድማ ተኣኪቡ ነበረ። ኣብቲ ጊዜ እቲ ድማ እቶም ልዮናውያን ብርቕርቕ ዝብል ዝወቀበ ልብሰ ጳጳሳትን ዓበይቲ ማዕርጋት ተኺዲኖም ክርከቡ ከለዉ፤ አቦና ግና ቍርጽራጽን ልግብጋብን ቆርበት ተኸዲኖም ቀረቡ። ነዚ ፍልልይ ኣብ ግምት ኣዕይንቶም ዘእተዉ ፈራዶ ድማ ነቲ ሓቂ ክጠውዩን ከሻርዉን ጀመሩ። ቅድስና ብኽዳንን ሥጋዊ ሃብትን ከምኡውን ግዳማዊ ጽባቐን ዘይኮነስ፡ ብሚዛን ቃለ እግዚአብሔር ስለዝኾነስ እቶም ደያኑ ኣጽሊሎምላ ዝነበረት ዓባይ ዳዕሮ ሻቡ ነቀጸት። ሽዑ ሓደ ካብቶም ተጋባእቲ ዓው ኢሉ “ፍትሒ ይጐድል ድኻ ይብደል ኣሎ” ብምባል “ዋላ ኣልባሶም ቀዳድ መዳድን ዘይምርዑይን ይኹን ደኣ እምበር እዞም ፈላሲ እዚኦም ሓቀኛ እዮም፤ ፍትሒ ኣይትዓምጽዎም” ኢሉ ጨደረ።

እቶም ፈራዶ’ውን እቲ ዘይቅኑዕ ተግባሮም ጋህዲ ከምዝወጸ ምስ ፈለጡ፡ ናብ ልቦም ተመሊሶም ሓቂ ፈረዱ። በዚ መሠረት ኸኣ ስለቲ ሥዕረቶም፡ ነቲ መኮንን ዓዲ ገንዘብን ገጸ በረኸትን ድኅሪ ምሃቦም፤ ደጊም ምስ አቡነ አብሳዲ ከምዘይንዛረብ ፍለጡልና ኢሎም ለመንዎ። ሓፊሮምን ተዋሪዶምን ድማ ናብ ቦትኦም ተመልሱ። እታ ፍርዲ ምስ ቀነነ ነቂጻ ዝነበረት ኦም ንዕለቱ ጠጠዐት።

አቡነ አብሳዲ ኣብ ዝበዘኀ ከባቢታት ሃገርና እናተዘዋወሩ ስብከተ ወንጌል የስፍሑ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ “ወልድ ፍጡር” ዝብሉ ተረፈ አርዮሳውያን፡ ነቲ ሕዝቢ ካብታ ርትዕቲ ወልድ ዋሕድ እትብል ሃይማኖት ክዝንብል ይህውኽዎ ነበሩ። ንትምህርቲ አቦና’ውን ይቃወምዎ ነበሩ። ኣቦና ግና ብኣፍ ብመጽሓፍ ንኵሉ ዘቕረቡሎም ዝነበሩ ናይ ኑፋቄ ሕቶታት ምላሽ እናሃቡ፡ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ የሕፍርዎምን ይረትዕዎም ነበሩ። ነቲ ሕዝቢ’ውን ካብቶም ትንቢት ዝተነግረሎም ሓሰውቲ መምህራን ክዕቀብ፤ ጋሻ ብዝዓይነቱ ትምህርቲ ከይዕንቀፍ ብሃይማኖትን ሰናይ ግብርን ክጸንዕ ይምዕድዎን የጠንቅቕዎን ነበሩ። እቲ ሕዝቢ ድማ ብትምህርቶም ኣብ ተዋሕዶ ሃይማኖቱ ጸኒዑ ይርከብ ነበረ።

ብካልእ ድማ ከምቲ ኣቦኦም አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ክብሪ ቀዳም ሰንበት ኣጽኒዖም ዝተረኽቡ ብምንባሮም፤ ብነገሥታት ኢትዮጵያ ቀጻሊ መከራ ይወርዶም ነበረ። ብፍላይ ንሶም ድኅሪ ምዕራፎም ብዘመን ሃጸይ ዳዊት፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ንእኦም ዝተክኡ ደቆም ትምህርቲ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ክገድፉ ጸቕጢ እንተተገብረሎም ጽኒዖም ስለዝተረኽቡ ኣብ መወዳእታ ፲፬ ክፍለ ዘመን ክሳብ ሰማእትነት ዝኸይድ መከራ ተቐቢሎም እዮም።

ምስፍሕፋሕ ምንኵስናን ገዳማትን
ቅዱስ አቦና ብዘይካ እቲ ለይትን መዓልትን ዝጽዕሩሉ ዝነበሩ ጒስነት ምእመናን፡ ምምራሕ ገዳሞምን ማኅበሮምን፡ ከምቲ አቦኦም አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝመሃርዎምን ተነቢዮሙሎም ዝነበሩን፡ ንሶም’ውን ኣብ ምስፋሕ ገዳማትን ሕይወት ምንኵስናን ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሓዋርያ ሃገርና ኤርትራን ኢትዮጵያን እዮም። በዚ መሠረት ኸኣ አእላፍ መነኮሳት ብመንፈስ ክወልዱ ከለዉ፡ ብደቆምን ደቂ ደቆምን ዝተገደሙ ልዕሊ ፻፳/120 ዝኾኑ ገደማት(ገዳማተ መነኰሳትን ገዳመተ መነኰሳይትን) ኣብ ሃገርናን ኢትዮጵያን ከምዝነበሩን ገሊኦም’ውን ክሳብ ሕጂ ጸኒዖም ከምዘለዉ ዝተኣምነ ነገር እዩ።

እዚ ኸኣ ደቆም ኣብ ማዕርገ ቅድስና በጺሖም፡ ርእሶም ክኢሎም ገዳማት ኣብ ምምሥራትን ምስፋሕን ተጊሆም ይዓዩ ከምዝነበሩ ዘመልክት እዩ። ካብቶም ደቆም ኣብ ሃገርና ዝመሥረትዎም ገዳማት ድማ ደብረ ኮል አቡነ ቡሩክ (መራጉዝ)፡ ገዳማት አቡነ ዮናስ (ደብረ ድኁኃን ቆሓይን፡ ደብረ ጽጌ ትምዛእ፡ ደብረ ሣህል ዛይዶኮሎም)፡ ደብረ አቡነ ሙሴ (ማይ ጎርዞ)፡ ደብረ ሲና አቡነ ድምያኖስ (ምድሪ ወዲ ሰበራ)፡ ደብር ሐዋርያት አቡነ ሴት (ዓዲ ቂታ)፡ ደብረ ማርያም (ዓይላ) ከም ኣብነት ምጥቓስ ይከኣል። ናይ ሃገርና ጠቕስና እምበር ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ደቂቀ አቡነ አብሳዲ ዝመሥረትዎም ገዳማት ኣዝዮም ብዙኃት ከምዘለዉ ዝተፈልጠ ነገር እዩ።

ስለዝኾነ ድማ አባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ኣብ ሰዓታት ድርሰቱ ከምዚ ኢሉ ዘኪርዎም ኣሎ።
ሰአል ለነ አብሳዲ አበ ብዙኃን
ወላዲ አእላፍ መምህራን
በደብረ ማርያም መካን።
ቤተ ክርስቲያን ድማ በረኸቶም ብምምኅፃን ወትሩ ኣብ ናይ ጾም እዋን (ዘሌሊት) ክትዝክሮም ትነብር።

ካብ ተኣምራቶም
ገለ ካብ ዝፈጸምዎ ተኣምራት ሕልፍ ሕልፍ ኢልና ክንጠቅስ ጸኒሕና እኳ እንተኾንና፤ ሓደ ክንውስኽ። ሓደ እዋን ማይ ኣብ ዝተሳእነሉ ጊዜ ተምሃራይ ኣብ ሞንጎ ክልተ መንቂዕ እናኳዓተ እንከሎ ጡፍ ዝበልዎ ጥፍጣፍ ናይ ብሓቂ ዝስተ ማይ ኮይኑ ወጸ። ገዳሞም ድማ ከም ድላዮም ማይ ሰተዩ። ክሳዕ ሕጂ ኸኣ ዓባይ ተባሂላ ትጽዋዕ ማይ ኣላ። ኣብ ጥቃ ገዳም ደብረ ማርያም እያ ኸኣ እትርከብ።

ናይ ክልል ትግራይ ዋና ከተማ ዝኾነት መቐለ’ውን ስማ፡ አቡነ አብሳዲ ካብ ዝፈጸምዎ ናይ ዳዕሮ ተኣምር ዝረኸበቶ ምዃኑ እዩ ታሪኽ ብሰፊሑ ዝገልጽ።

ቃል ኪዳንን ዕረፍትን
አቦና ነቲ ነዊሕ ዘመን ዝወሰደ ተጋድሎኦም ኣብ ኣጋ ምፍጻሞም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣቡነ አብሳዲ ንካልኣይ ጊዜ ተገሊጹ፡ ናብዛ ጐቦ (ገዳም) ንወገን ሰሜን ዘላ ቦታ ባሪኸልካ እየ እሞ ምስ ደቕኻ ኣብኡ ንበር ኢልዎም ተሠወረ። ንሳ ድማ እዛ ሕጂ ብስሞም ትጽዋዕ ዘላ ደብረ ማርያም ደብረ ክሳሄ እያ።

ሓደ እዋን ብመንፈስ ዝተራኸቡ ሠለስተ ቅዱሳን (አቡነ መርቆሬዎስን አቡነ አብሳዲን አቡነ ፊልጶስን) ኣብ ጊዜ ጸሎቶም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዳኅራይ ዝገብረልና ነገር ንመነ ተብሃሃሉ። ኣብ ትምኒቶም ኸኣ ኣቡነ አብሳዲ እዛ ደብረይ መቓብረይ ይግበረለይ፤ ናብዛ ደብሪ ዝነገደን ኣብኣ ዝተቐበረን ንመንግሥተ ሰማያት ድልዊ ይግበረለይ። ደቀይን ተዝካረይ ዝገብሩ ድማ ይብዝኁለይ” ዝብል ትምኒት ገበሩ። ከምቲ ዝተመነኻዮ ይኹን ዝብል ድማ ካብ ኣምላኽ ድምጺ መጾም።

ቅዱስ ኣቦና አቡነ አብሳዲ ምሉእ መዋዕሎም ከይሰልከዩን ከይደኸሙን ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ፈጺሞም ቅድሚ ምዕራፍም ንደቆም ኣኪቦም ቃል ምዕዳን ሃብዎም። ብድኅሪኦም’ውን ንክመርሕዎም ንአቡነ ዘካርያስ ሸሙሎም። ካብ እግዚአብሔር ድማ ምሉእ ቃል ኪዳን ተቐቢሎም ኣብ መበል ፻፩ ዓመቶም ኣብ ቆሓይን (ደብረ ማርያም) ኣብ እትርከብ ገዳሞም ገዳም ደብረ ክሳሄ ብ፴ መስከረም ፲፫፻፹፫/1383 (?) ዓ.ም. ዓሪፎም ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ተቐብሩ። ፍልይ ዝበለ ኪዳን ዝተቐበልዎ ድማ “ሀበ ጽላሎታ ዘበጽሐ ኢይሬኢ ደይነ” (ኣብ ጽላሎት ናይታ ጎቦ ዝበጽሐ ሲኦል ኣይርእይን እዩ) ዝብል እዩ። ብተወሳኺ’ውን ኣብ ዕለተ ዕረፍትካ ናብ ገዳምካ ዝነገደ ከም ንግደት ኢየሩሳሌም ከምዝነገደ፤ ምእንቲ ስምካ ጽቡቕ ዝገበረ ምሒረልካ ኣለኹ ዝብል ይርከቦ።

ድኅሪኦም ኸኣ ካብቶም ኣርድእቶም ዝኾኑ አቡነ ዘካርያስ፡ አቡነ ሮማኖስ (ግብጻዊ) ከምኡውን አቡነ ተወልደመድኅን በብተራ ነቲ ዝመሥረትዎ ማኅበር ብምምራሕ ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ፈጺሞም እዮም። ገድሎም’ውን ብድኅሪኦም ኣብ መጀመርያ ፲፭ ክፍለ ዘመን ሓደ ካብቶም ደቀ መዛሙርቶም ብዝኾኑ አባ ዮስጢኖስ ከምዝተጻሕፈ ታሪኾም ይገልጽ።

በረኸትን ረድኤትን አቡነ አብሳዲ ምስ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ምንጪ፦
- ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ብመምህር ተወልደብርሃን ዝተጻሕፈ
- Lusini G., Il “Gadla Absadi” (Dabra Maryam, Sera’e), 1996, VI-94 p.
- ከምኡውን ካብ ካልኦት ታሪኾም ዝጠቐሱ መዛግብቲ

No comments:

Post a Comment