Monday, February 27, 2012

መልሲ ነቲ ተላዒሉ ንዝነበረ ኑፋቄያዌ ትምህርቲ (ካልኣይ ክፋል)

ቡርክት አንቲ እምአንስት - ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ 

እምበኣር እግዚአብሔር ማኅደሩን፡ ኣብ ምድሪ ከኣ ዙፋኑ ክትከውን ዝኃረያ ቅድስት ድንግል ማርያም፤ ብድንግልና ጸኒሳ ብድንግልና ንኣምላኽ ምውላዳ ጥራይ ዘይኮነስ ብኵሉንተናኣ ቅድስቲ ንጽሕቲ ካብ ኵለን ኣንስቲ ተፈልያ ብርኽቲ ብምዃና ብምድራውያን ጥራይ ዘይኮነስ ብሰማያውያን ከይተረፈ ተመስኪሩላ እዩ። ዓቢዪ ዜና ብስራት ዝጾረ ቅዱስ ገብርኤል ድማ እቲ ቀዳማይ ምስክርና እዩ። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቐውም ቅዱስ ገብርኤል ኣብሳሬ ትስብእት ኮይኑ ናብታ ቅድስት ድንግል ኣብ ዝተለኣኸሉ እዋን፡ ካብቲ ዘቕረበላ ሰላምታን ዘቕረቦ ውዳሴን ከኣ ብእግዚአብሔር ንዝተዋህባ ክብሪ ክንርዳእ ንኽእል። ካብቲ ብዙኅ እቲ ሓደ ኸኣ “ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ” ዝብል ይርከቦ። ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ ምባሉ ኸኣ መርገመ ሥጋ መርገመ ነፍስ ዘይብልኪ፤ በረኸት ሥጋን በረኸት ነፍስን ዘሎኪ (እተውህቢ)፤ ካብ ልማደ ኣንስት ፈጺምኪ ዝረሓቕኺ፤ ካብ ኣንስቲ ኵሉ ዝተፈለኺ ዝተባረክኺ ማለቱ እዩ። እታ ንቅድስት ድንግል ከተመስግና መንፈስ እግዚአብሔር ንዝገለጸላ ምሥጢር ኤልሳቤጥ’ውን ብዓቢይ ቃል ዝበለቶ ምስ ቅዱስ ገብርኤል ዝመሳሰል እዩ። “ወመልአ መንፈስ ቅዱስ ላዕለ ኤልሳቤጥ ወከልሐት በዐቢይ ቃል ወትቤ፡ ቡርክት አንቲ እምአንስት” (ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልአ፤ ብዓቢይ ድምፂውን ዓው ኢላ ንስኺ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ) በለታ። (ሉቃ ፪፥፵፪/2፥42) 

ጓል መብጽዓ ዝኾነት ድንግል ማርያም ኣብ ኢድ ወለዳ ሠለስተ ዓመት ድኅሪ ምግባራ ኣብ ቤተ መቅደስ ከምዝተቐመጠትን ፲፭ ዓመት ምስ መልኣ፡ ክፍኣት ዘይምልኦም ኣይሁድ ቤተ መቅደስና ከይተርክሰልና ትውጽኣልና ኢሎም ከምዝነበሩ ይዝከር። ይኹን ደኣ እምበር ንሳስ ካብ ማኅፀን ኣዴና ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣትሒዛ መንፈስ ቅዱስ ስለዝዓቀባን ቅድስትን ንጽሕትን ስለዝኾነት ኣብ ኣንስቲ ዘሎ ልማድ የብላን። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናይዚ ዓለም ሥጋዊ ፍቓድን ጠባይዓ አንስት (ልማደ አንስት) ይትረፍ ብገቢር ብኃልዮ ዘይብላ እግዚአብሔር ንፍሉይ መደቡ ዝኃረያን ዘኽበራን ዝቐደሳን ልዕል ዘበላን እያ። አበው “ተወልደ በተድላ መለኮት” ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ንመለኮት ብዝግባእ ልደት ተወልደ ክብሉ ከለዉ እንበለ ዘርእ፡ እንበለ ሩካቤ ብኅቱም ድንግልና ተፀኒሱ ብኅቱም ድንግልና ብዘይ ኣቦ ምውላዱ፡ ቅድመ ዓለም ካብ አብ ብዘይ ኣደ ንዝተወልደ አካላዊ ቃል ንእግዚአብሔር ወልድ ብሓቂ ዝግባእ ልደት እዩ ማለቶም እዩ። ብኣንጻሩ ግና ወልደ እግዚአብሔር ንሥጋ ብዝግባእ ተፈጥሮኣዊ ልደት ተወሊዱ እንተዝኸውን ነይሩ፤ ብዘርኢ ብሩካቤ ተፈትሖ ማኅፀን ካብ ዘለዋ ሰበይቲ ምትወልደ ነይሩ ማለት እዩ። ኣብ ቅድስት ድንግል ዝተፈጸመ ነገር ዕፁብ ድንቂ ስለዝኾነ “ነኪር ነገሩ በእንቲአኪ ሀገረ እግዚአብሔር” ተባሂሉ ከምዝተነግረ፡ ንሳ’ውን ዓቢይ ነገር ገይሩለይ ብምባል ኣመስጊናቶ እያ። (መዝ ፹፮፥፫/87፥3 ሉቃ ፩፥፵፱/1፥49)

ከምዝፍለጥ ብመሠረት ብይን እግዚአብሔር፡ ሕርሲ ጻዕሪን ሕማምን ዘለዎ ኣዝዩ ከቢድን ኣድካምን ዝኾነ ዘጨንቕ ኣብ ኣንስትዮ ጥራይ ዝርከብ ግብሪ እዩ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ልዑለ ባህርይ እግዚአብሔር ድኅሪ ኃጢኣትን ውድቀት ኣዳምን ሔዋንን፤ ንቀዳሚት ሔዋን “መከራኽን ጻዕር ጥንስኽን ኣዝየ ኸብዝኆ እየ፡ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ” ኢሉ ስለዝፈረዳ እዩ (ዘፍ ፫፥፲፮/3፥16)። ይኹን ደኣ እምበር እዚ ኣምላኻዊ ፍርዲ’ዚ ፍሬ ኃጢኣት፡ ውጽኢት መርገም እንተኾነው’ን ዳግሚት ሔዋን ድንግል ማርያም ብንጽሐ ሥጋ ብንጽሐ ነፍስ ብንጽሐ ልቦና ዘጌጸትን ዝተሸለመትን ብምዃና እዚ ኵሉ ኣይረኸባን፤ ኣይበጽሓን።

ልደት ጐይታ ሕማምን ጻዕርን ኣየሰነዮን 

ከምቲ ልዕል ኢሉ ክግለጽ ዝጸንሐ፡ ልደት ጐይታ ድንቅን ዕፁብን እዩ። ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃን ምሥጢር መግለጺ ዘይርከቦ ዓቢዪ እዩ። አምላኽ ሰብ ኮይኑ ካብ ቅድስት ድንግል እንተተወልደ’ውን፡ ከም ልደት ካልእ ሰብ ፃዕርን ሕማምን ዘሰነዮ ኣይነበረን። ጽንሰቱን ልደቱን ብፍሉይ ድንግልና ክኸውን ዝመደበ ኣምላኽ፤ ልደቱ ‘ጻዕርን ሕማምን ነበሮ’ ማለት ምሥጢር ዘፋልስ፤ ፍሉይ ክብርን፡ ድንግልናን ንጽሕናን ኣዴና ቅድስት ማርያም ዝጻረር እዩ። ብዕፁው ማዕጾ (ማኅተመ ድንግልና) ኣትዩ ከምዝወጽእ ኣቐዲሙ ዝኣወጀ እግዚአብሔር፤ ብኸመይ እዩ ጻዕርን ሕማምን ኣብ ክብርት ወላዲቱ ከምጽእ ዝኸኣል (ሕዝ ፵፬፥፩-፪/44፥1-2 ኢሳ ፯፥፲፬/7፥14)። ምናልባሽ ከምዚ ክብሉ ዘይሓፍሩ ሰባት ኣዴና ቅድስት ድንግል መርገም ሔዋን ሓሊፋዋ ነይሩ ንማለትን መመሳመሲ ጥንተ አብሶ ንማለት ክምቸዎም እንተደኣ ኮይኑ ኣይፋልኩምን፤ እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ምሥጢሩ ምስ ነስተውዕል ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ዘለዓለማዊ ድንግልናን ንጽሕናን እንምሃረሉ ስለዝኾነ ናብ ልብናን ትምህርትን መገዲ ኣቦታትናን ንመለስ ኢልና ክንምዕዶም ንፈቱ። ኣቦታትና ዘጽንሑልና ትምህርቲ ናይቲ ምሥጢር ብኸፊል ኣብዚ ዚስዕብ ተጠቒሱ ኣሎ እሞ አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ንኣቦታትና ዝገለጾ ምሥጢር ብምሕረቱ ንዓና’ውን ይግለጸልና። 

ቀዳሚት ሔዋን ምክረ ከይሲ ሰሚዓ ንሓዉ ኣቤል ንዝቐተለ ቃየል ብጭንቂ ብጻዕሪ ብሕማም ወሊዳቶ ነበረት። ብኣንጻሩ ድማ ዳግማዊት ሔዋን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንሰላምታን ዜና ብስራትን ቅዱስ ገብርኤል ሰሚዓ “ይኩነኒ በከመ ትቤለኒ” ኢላ ብምቕባላ ስለ ሕዝቡ ርእሱ ኣኅሊፉ ብምሃብ ንዝሞተን፡ ብሞቱ ንሞት ደምሲሱ ሕይወት ንዝህብ ኣምላኽ ብዘይ ሕማምን ብዘይ ጭንቅን ወለደት። 

ነዚ ተነጻጻሪ ነገረ ምሥጢረ ድኅነት ኣመልኪቱ ቅዱስ ኤፍሬም ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ዘመስገነሉ ውዳሴኡ “… ዘፈትሐ ላዕለ ሔዋን ትለድ በፃዕር ወሕማም። አንቲሰ ማርያም ሰማዕኪ ዘይብል ተፈሥሒ ኦ ምልዕተ ጸጋ። ወለድኪ ለነ ንጉሠ እግዚአ ኵሉ ፍጥረት መጽአ ወአድኃነነ” ቀዳሚት ሔዋን ብሕማም ብፃዕሪ ውለዲ ዝብል ድምፂ መርገም ሰሚዓ ምኽንያት ሞተ ሰብ (ሓዉ) ንዝኾነ ንቃየል ወለደት። ዳግሚት ሔዋን ድንግል ማርያም ግና ተፈሥሒ ኦ ምልእተ ጸጋ ምልእተ ክብር ዝኾንኪ ድንግል ደስ ይበልኪ ዝብል ድምፂ በረኸት ሰሚዕኪ ንኵሉ ፍጥረት ዝገዝእ፡ ሰብ ኮይኑ ንሰብ ዘድኃነ ንጉሥ ክርስቶስ ወለድክልና ብማለት ዳግሚት ሔዋን ኣዴና ምክንያተ ሕይወት፡ ምክንያተ ድኅነት፡ ምክንያተ በረከት ምዃኑ ኣርጊጹ ጽሒፉልናን መስኪሩልናን እዩ። 

ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ወትሩ ዝዝመር ምስጋና “… ኦ ዕሙቅ ብዕለ ጥበቡ ለእግዚአብሔር። ከርሥ ዘፈትሐ ላዕሌሃ ትለድ በፃዕር ወሕማም ወኃዘነ ልብ። ወኮነት ፈልፈለ ሕይወት። ወወለደት ዘእንበለ ዘርዐ ብእሲ ዘይሥዕር መርገመ እምዘመድነ…” ልዑለ ባህርይ እግዚአብሔር ናይ ጥበቡ ምልአትን ስፍሓትን ክንደይ ይረቅቕ ክንድይሲ ይዓሙቕ ብጻዕሪ ብሕማም ክትወልድ ዝፈረዳ ማኅፀን ምንጪ ሕይወትን ድኅነትን ኮነት። ካብ ባህርይና መርገመ ሥጋ መርገመ ነፍስ ዘጥፍኣልና ጐይታ ዘርኢ ምኽንያት ከይኮና ወለደቶ ይብል። (ውዳሴ ማርያም) ኤርቅሊስ ዝተባህለ ሊቅ’ውን “ወኀበ አርዌ ምድር ቄዓ ሕምዞ በኢሰሚዕ ህየ ቃል በዊኦ በሰሚዕ አሕየወ” ዲያብሎስ ኣብ ኣካለ ከይሲ ተሠዊሩ ብልሳነ ከይሲ ተዛሪቡ፡ ነቲ መርዙ ኣብ ዕዝኒ ሔዋን ከምዘፍሰሶ፤ ዳግማዊት ሔዋን ዝተባህለት ቅድስት ድንግል ማርያም ብስራት ቅዱስ ገብርኤል ሰሚዓ ብምቕባላ፡ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ኣብ ማኅፀና ኃዲሩ ኣድኃነና ይብል። 

ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያን’ውን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብኅቱም ድንግልና ጸኒሳ ብኅቱም ድንግልና እንበለ ሕማም ወፃዕር ንመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ምውላዳ ምሥጢር ብምሣሌ ከረድኡ ከለዉ፤ ወዝ (ረሓጽ) ካብ ግምባር ክወጽእ ከሎ ሕማም ከምዘይስማዕን፡ በዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ግምባርና ዝኾነ ጕድኣት ከምዘይበጽሕ፡ ከምኡ ድማ መዓዛ ቅዱሳን ዝኾነ ምዑዘ ባህርይ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ክውለድ ከሎ ማኅተመ ድንግልናኣ ኣይተለወጠን፤ ወላዲቱ ድንግል ማርያም’ውን ዝኾነ ሕማም ኣይተሰምዓን ክብሉ ይምህሩ እዮም። ብኻልእ ምሳሌ’ውን ሰብ ሰብነቱ መስትያት ከይተሰብረ ኣብቲ ውሽጢ መስትያት ከምዝረኣይ፤ ናይ ኣዴና ንጐይታ ምውላድ’ውን እንበለ ሕማም ወፃዕር ከምዝነበረ ጠቒሶም የረድኡ። 

ብኅቱም ማኅፀን ተጸኒሱ፡ ብኅቱም ድንግልና ከምዝተወለደ፤ ከምኡ ድማ ብዕለተ ትንሣኤኡ ብኅቱም መቃብር ምትንሥኡን፡ ድኅሪ ትንሣኤኡ ከኣ ብኅቱም ማዕጾ ኣብ ዝተሸጐረ ቤት ኣብ ማእከል ሓዋርያት ምርካቡ፡ ካብ ዝተጸንሰሉ ኣትሒዙ ናይ መለኮትን ናይ ትስብእትን ኣካላዊን ባህርያዊን ፍጹም ተዋሕዶ ጊዜያዊ ዘይኮነስ ዘለዓለማዊ ምዃኑ ዘረድእ ምሥጢር እዩ። ድኅሪ ተዋሕዶ ኣብ ሞንጎ ሥጋን መለኮትን ምፍልላይ ፈጺሙ የልቦን። ብኅቱም ማዕጾ ኣብ ዝኣተወሉን፡ ካብ ኅቱም መቃብር ኣብ ዝወጸሉን ከኣ ዝኾነ ጭንቅን ጸበባን ኣይነበሮን። እኳ ደኣ ኣብ ሞንጎኦም ግብተ ደው ምባሉ ክንርዳእውን ንስንባደ ሓዋርያት ምስትውዓሉ ይኣኽል። (ሉቃ ፳፬፥፴፯/24፥37) 

ልደተ ሔዋን እም ገቦ አዳም ከምዝብል፡ ናይ ቤተ ክርስቲያናን መተርጒማን ናይ ኣዴና ሔዋን ካብ ኅቱም ገቦ አዳም (ጐኒ ኣዳም) ብዘይ ሕማምን ብዘይ ጒድለትን ምርካብ፤ ዳግማዊ ኣዳም መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኅቱም ማኅፀነ ማርያም እንበለ ሕማም እንበለ ሕፀፅ ንምውላዱ ምሳሌ ምዃኑ የረድኡ። ብተወሳኺ’ውን ኣዳም ንሔዋን “ኣደ ኵሎም ሕያዋን” ኢሉ ምስማዩ (ዘፍ ፫፥፳/3፥20) ዳግማዊት ሔዋን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ እመ ሕይወትን እመ ሕያዋንን ምዃና ብምሥጢር ዝገልጽ ቃለ ትንቢት እዩ። (ትርጓሜ ወንጌል ቅዱስ፡ ተአምረ ማርያም) 

እምበኣር ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ምሥጢራዊን ምሳሌያዊን ዝምድና ከነስተውዕል ከሎና፤ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እንበለ ፃዕር ወሕማም ንጐይታ ምውላዳ ንሳ ዳግማዊት ሔዋን ምዃና ዘረጋግጽ፡ እቲ ዝወለደቶ ጐይታ’ውን ዳግማዊ ኣዳም ተባሂሉ ዝስመ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል። እቲ ዝተወልደ ጐይታ’ውን ብፍጹም ተዋሕዶ (ናይ መለኮትን ትስብእትን ተዋሕዶ) ዝተወልደ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ። ስለዚ እቲ ጐይታ ዝፈጸሞ ኵሉ ብምሳሌን ብምሥጢርን ዝዛመድ ግብሩ መርሚርና’ውን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንጐይታ ምውላድ እንበለ ፃዕርን ሕማምን ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል። ቀዳማዊ ልደት ወልደ እግዚአብሔር ካብ ናይ ባህርይ ኣቡኡ አብ እንበለ ድካም ከምዝኾነ፤ ካልኣይ ልደቱ ድማ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም እንበለ ሕማም ወፃዕር ምዃኑ ኣቦታት ኣመሥጢሮም’ውን ይምህሮም እዩ። 

እምበኣር ብውሑዱ ኣብ መሠረቱን ምሥጢራዊ ትርጉሙን ተመርኲስናን ኣቦታትና ንዝመሃርዎ ትምህርቲ መበገሲ ገይርና ቍሩብ ካብ ጠቐስና፤ እቶም ዝቐደሙ ስለታ ርትዕት ሃይማኖት ዝተጋደሉ ቅዱሳንን ሊቃውንትን ኣበው ካብ ዝጠቐስዎ ትምህርቲ ንገሊኡ ኣስዒብና ከነቕርብ ኢና።
                                                                                                                                        ይቅጽል...

1 comment:

  1. kale hiwot yesmalena! neti zekexel kifal dema aytednguyuna!

    ReplyDelete