Thursday, May 3, 2012

እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጸ?

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

እምአይቴ እንከ ሎቱ ዝንቱ ክርዳድ? (ማቴ ፲፫፥፳፯/13፥27)

ምሳሌ ስርናይን ክርዳድን

እዚ ቃል’ዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ካብ ዝመሃሮም ምሳሌታት፤ ንመንግሥተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ብዝዘርአ ሰብ ኣብ ዝመሰለሉ ካብ እተዛረቦ ምሳሌ ዝተወስደ ቃል እዩ። ነዚ ሕቶ ዝሓተቱ ከኣ ኣገልገልቲ እቲ ዘራኢ እዮም። ዋና መንግሥተ ሰማያት ዝኾነ ጐይታ፡ ትንቢት ነቢያት ክፍጽም ምእንቲ፡ ኵሉ ትምህርቱ ብምሳሌ ዝተሰነየ ነበረ፤ ብዘይ ምሳሌ’ውን ኣይመሃረን። (መዝ ፸፰፥፩-፪/78፥1-2 ኢሳ ፮፥፱-፲፫/6፥9-13 ማር ፬፥፲፫-፳/4፥13-20 ሉቃ ፰፥፲፩-፲፭/8፥11-15)

ወንጌላዊ ቅዱስ ማቴዎስ ብፍላይ ኣብዚ ክፋል መጽሓፉ’ዚ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነታ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን እንጽበያን እንትስፈዋን መንግሥተ ሰማያት ብ፰ በብዓይነቱ ምሳሌታት መሲሉ ንዝመሃሮ ትምህርቲ፡ ንዓና ክንምርሓሉን ክንልብመሉን መዝጊቡ ሓዲጉልና ኣሎ። ሓደ ካብቶም ምሳሌታቱ ከኣ ምሳሌ ክርዳድን ሥርናይን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይርከብ። እዚ ምሳሌ’ዚ፡ ጐይታ ነዚ ምሳሌ መሲሉ ንሕዝቡ ድኅሪ ምምሃሩ፡ ካብቲ ሕዝቢ ብሕት ኣብ ዝብለሉ ዝነበረ እዋን ሓዋርያት ትርጉሙ ካብ ዝሓተትዎን ባዕሉ ተርጒሙ ካብ ዝነገሮምን ውሑዳት ምሳሌታት እቲ ሓደ ኸኣ እዩ።

ጐይታናን ኣምላኽናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምስላ’ዚ፦ ሓደ ሰብ ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ከምዝዘርአ እሞ፤ እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ፤ ጸላኢኡ ከምዝመጸ እሞ ኣብቲ ማእከል ግራት ስርናይ፡ ክርዳድ ዘሪኡ ከምዝኸደ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ዝተዘርአ ምስ በቘለን ፈረየን ግና ሽዑ እቲ ክርዳድ ተራእየ። እቶም ኣገልገልቲ ዋና ግራት መጺኦም “ጐይታይ፡ ኣብ ግራትካስ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን? እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጸ?” ኢሎም በቲ ዝረኣይዎ እሞ ዝደንጸዎም ነገራት ተገሪሞም ከምዝሓተትዎ ይነግረና። እቲ ጐይታ ግና እቲ ክርዳድ ካብቲ ዝተዘርአ ጽቡቕ ዘርኢ ዘይኮነሲ ጸላእ ዝገበሮ ምዃኑ እዩ ነጊርዎም። ኣስዒቦም’ውን እቶም ኣገልገልቲ ዘራኢ ክርዳድ ጸላኢ ካብ ኮነሲ ኬድና ኽንኣርዮዶ ትፈቱ ኢኻ ኢሎም ምስ ሓተትዎ፤ ንሱ ግና ክርዳድ ክኣርዩ ክብሉ ነቲ ስርናይ ከይልክምዎ ብምሕሳብ “ሕደግዎ” ብምባል ከልኦም። ግና ነገረ ክርዳድ ናቱ ጊዜ ስለዘለዎ፤ ሸለል ዝብሃል’ውን ስለዘይኮነ እቲ ጐይታ ነቶም ኣገልገልቱ ክሳዕ ቀውዒ ክጽበዩ ነገሮም። ብሓደ ምስ ዓበዩ ኣብ እዋን ቀውዒ ንዓጻዶ ቅድም ነቲ ኽርዳድ ክኣርዩ ከምዝነግሮምን፤ በብእንዳእቲ ከኣ ክኣስርዎን ከንድድዎን፤ ነቲ ስርናይ ግና ኣብ ቆፎኡ ክእኽብዎ ከምዝእዝዞም ነገሮም ይብል እቲ ምሳሌ።
ባዕሉ ከምዝተረጐሞውን ዘራኢ ስርናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስእቲ ግራት ዓለም፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ከኣ ደቂ መንግሥተ ሰማያት፡ እቲ ክርዳድ ግና ደቂ እቲ እኩይ ዲያብሎስ እዮም። ዘራኢ ክርዳድ ከኣ ጥንተ ጸላኢና ዲያብሎስ እዩ። ቀውዒ ከኣ ፍጻሜ ዓለም፤ እቶም ዓጻዶ ከኣ ቅዱሳን መላእኽቲ እዮም። ከምቲ ቃሉ ዝብሎ ከኣ ወልደ እጓለ እምሕያው ቅዱሳን መላእኽቱ ኣብቲ ግራት ልኢኹ፤ ነቶም ክርዳድ ኮይኖም ዝተረኽቡ መዓንቀፍትን ዓመጽትን ንዘበሉ ዅሎም ካብ መንግሥቱ ክእኽብዎም፤ ኣብቲ ዘይጠፍእ ሓዊ ኪድርብይዎም እዮም። ጻድቃን ግና ኣብታ መንግሥቲ ኣቦኦም ከም ፀሓይ ክበርሁ ክደምቑ እዮም ይብል። (ማቴ ፲፫፥፴፮-፵፫/13፥36-43)

ጐይታ ነዚ ምሳሌ’ዚ ዝመሃረ፡ ምሳሌ ዘርኢን ዘራኢን መሲሉ ድኅሪ ምምሃሩ እዩ። ምሳሌ ዘርኢ ዘራኢን ከኣ ደቂ ሰባት ኵሎም ኣብ ግራት ልቦናኦም ብእግዚአብሔር ንእተዘርአ ጽቡቕ ዘርኢ ተቐቢሎም፡ ኣብ ክንዲ ብሃይማኖት ዝጸንዑን ሰናይ መንፈሳዊ ፍረ ዘፍርዩን፤ ልቦና ግራቶም በበይኑ ስለዝኾነ፤ እቲ ዝተዘርአ ዘርኢ ሓንሳብ ኣብ ወሰን መገዲ በቚሉ ኣዕዋፍ (ዲያብሎስ) ከምዝኣረይዎ፤ ገሊኡ ከኣ ኣብ ከውሒ ወዲቑ ቀልጢፉ ከምዝሃጐጐ፤ ገሊኡ ከኣ ኣብ ማእከል እሾኽ ወዲቑ ምስ በቘሉ ግና ብእሾኽ ተሓኒቑ ከምዝተረፈ፤ እቲ ሓደ ክፋል ጥራይ ኣብ ጽቡቕ መሬት (ልስሉስ) ወዲቑ ኣፍርዩ ከምዝተረኽበ ይምህረና እዩ። (ማቴ ፲፫፥፬-፱/13፥4-9) እዚ ድማ ኣብ ነፍስ ወከፍና ንዝርከብ ልቦናን ቃለ እግዚአብሔርን ዝገልጽን ዝውክል ምሳሌ እዩ። ኮይኑ ድማ ሓደ ሰብ እቲ ዝድለን ዝግብኦን ጽድቂ ዘውህብ መንፈሳዊ ፍረ ከየፍሪ ዝዓግቶ ነገር ኵነተ ግራት ልቦናኡን ከንቱ ኣተሓሳስብኡን፤ ነቲ ዝሰምዖ ሕይወት ዘፍሪ ዘርኢ (ቃለ እግዚአብሔር) ተቐቢሉ ብሰናይ ግብሪ ዘይምስናዩን፤ ንምፍራይ ክዕንቅፎ ካብ ዝኽእል ከንቱ ነገራት ብትዕግስቲ ተዓቂቡን፡ ጸኒዑ ተኸላኺሉን ክነብር ዘይምኻኣሉን ምዃኑ እዩ ምሂሩና። ኣስዒቡ ከኣ ብዝመሃሮ ምሳሌ ክርዳድ፤ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ግራት ዓለም ዝዘርኦ ጽቡቕ ዘርኢ ብኸመይ መገዲ ተጻብኦ ከምዝገጥሞን፤ ካብቲ ኣብ ግራቱ ዝዘርኦን ዘብቝሎን ስርናይ ከኣ፤ ኣብ ክንዲ ስርናይ ክርዳድ ተሓዊስዎ፤ እቲ ፍርያቱ ብኸመይ መገዲ ክጽየቕ ከምዝኽእል ክንልብመሉ ዝግባእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርቲ ምሂሩና እዩ። ንሱ ኸኣ ደድኅሪ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዝራእ ነገረ ‘ክርዳድ’ እዩ። ስለዚ እዮም ከኣ እቶም ኣገልገልቲ፤ ጐይትኦም ዘይዘርኦ ዓይነት ዘርኢ ኣብቲ ግራት ምስቲ ጽቡቕ ዘርኢ ስርናይ ተሓዊሱ በቚሉ ምስ ረኣዩ ብምግራም ንጐይትኦም “እዚ ክርዳድ ደኣ ካበይ መጸ?” ኢሎም ዝሓተትዎ። ክርዳድ ዝኣተዋ ግራት ከመይ ከምእትኸውን እቲ ኣብ ግራት ዝውዕል ሓረስታይ እዩ ዝፈልጦ። ንሕና’ውን ኣብቲ ሃይማኖትን ጽድቅን ዝበቝለላ ጽቡቕ ግራት ቤተ ክርስቲያን፡ ‘ክርዳድ’ ምስ እንርኢ እዚ ክርዳድ ደኣ ካበይ መጸ ክንብል ባህርያዊ እዩ። መምህራን ከኣ ነቲ ክርዳድ ትምህርቲ፤ ክርዳድ እንተዘይበልዎን ካብቲ ስርናይ ፈልዮም እንተዘይነገሩና ደኣ ናይቲ መጽሓፍ ምሳሌ ኣበይ ደኣ ክፍጸም? ንሰራቒ፡ ሰራቒ እንተዘይተባህለ ደኣ ዋና እንድዩ ዝኸውን።  ክርዳድ’ከ ግና እንታይ ይመስል?

ክርዳድ እንታይ እዩ?

ክርዳድ ክበሃል ከሎ ንስርናይ ዝመስል፤ መሲሉ'ውን ዝበቝል፤ ብመሠረቱ ጸረ ኣዝርእት፤ ጸላኢ ጽቡቕ እኽሊ፤ ድኻምን ጻዕርን ሓረስታይ ከንቱ ዝገብር፤ ነቲ ክሕፈሶ ዝግባእ መጠን ምህርቲ ዝንኪ ተጻይ ዘርኢ እዩ። ገሊኦም 'ሓሳዊ ስርናይ' (Darnel, the false wheat) ኢሎም ይጽውዕዎ። ክርዳድ ነቲ ጽቡቕ ዘርኢ ካብ ምጽባብን ምጽባእን ሓሊፉ፡ እንተተበልዐ ወይ ኣብ ስዋ ኣትዩ እንተተሰትየ’ውን ንሰብነትካ ጥዕና ዘይህብ፤ ጣዕሚ ምግቢ ዘበላሹ፤ ርእሲ ዘሕምም፤ ኣእምሮ ዕረፍቲ ዝኸልእ ስሚ ኣዝርእቲ እዩ። ምስ ስርናይ እንተበቘለ’ውን ነቲ እቲ ስርናይ ክረኽቦ ንዝግባእ መግቢ መሬት ወይውን ማዕድን እቲ ክርዳድ ከም ሕሱም ስለዝሻመዎ ወይውን ስለዝማቐሎ እቲ ስርናይ እናሃጐጐን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናቐመሰለን ከምዝኸይድ ዝገብሮ እዩ። እቲ ክርዳድ ግና ብዋጋ ናይቲ ስርናይ ለምሊሙን ዝያዳ ፈሪዩን ይርከብ። እቲ ስርናይ ከኣ ከምቲ ዝግባእ ፍረ ኣይህብን። እቲ ሓረስታይ ከኣ ትጽቢቱ ከንቱ ስለዘተርፍ ንርእሱ ኣይኮነን ሸይጡውን መኽሰብ ዝረኽበሉ ኣይኮነን። መሬት ክበላሸውን ፍርያምነቱ ከንቆልቍልን ከሎ’ውን ክርዳድ ጥራይ እዩ ዘፍሪ።

ሓረስታይ ንሥራሕ ትጉህን ንቑሕን ከም ምዃኑ ግራቱ ብዝግባእ ክሓርስን፤ ከደላድልን፤ ኣእሻዅ ክዓሪ ቖጥቋጥ ከንድድ፤ ጸሃያይ ክጽሂ ድኅሪ ምሕጋዩ ወርኃ ዘርእ ምስ በጸሐ ሓረስታይ ዘርኡ ክርዳድ ከይርከቦ መላሊሱ ድኅሪ ምሕሓይ፤ ነቲ ጽቡቕን ምሩጽን ዘርኢ ዘሪኡ ሰናይ ፍርያት ብተስፋን እምነትን ይጽበ። ይኹን ደኣ እምበር እቲ እተዘርአ ሥርናይ ጽቡቕ ክነሱ፡ ክርዳድ ኣብቲ ግራት በቚልዎ ይርከብ። ስለዚ እዩ ከኣ እዚ ክርዳድ ደኣ ካበይ መጸ ዝተባህለ? ኣብ ክንዲ ዘይተጸባኻዮ፤ ካልእ ክጸንሓካ ከሎ ዘየደንጹን ዘየተሓታትትን ኣይኮነን። 

ኣብ ቅድስት ቤቱ፡ ብጐይታ ኮነ በቶም ልኡኻቱ ዝኾኑ ሓዋርያት ቀጺሉ’ውን ሰዓብቶምን ተካእቶምን ብዝገበሮም ሓዋርያነ አበው፤ ሊቃውንትን መምህራን ዝዝራእ ዘርኢ ወትሩ ሰናይ ዘርኢ እዩ። እቲ ዝዝራእ’ውን ክበቝልን ፍረ ክህብን ትጽቢት ዘራኢ እዩ። እቲ ግራት ድማ እዚ ዓለም’ዚ እዩ። እምበኣር ኣብዚ ዓለም’ዚ ጽድቅን ሃይማኖትን ዝፍሬኦም ስርናያት ክርከቡ ከለዉ፤ በቲ ካልእ ከኣ ነቲ ስርናይ ብምድኻም ከምቲ ዝድለ ፍረ ከይህብ ዝጻብኡ ክርዳዳት ከምዘለዉ እዩ ቅዱስ መጽሓፍ ዝነግር። ኮይኑ ድማ ኣብ ሞንጎ እቲ ሰናይ ዘርኢ ስርናይ ደድኅሪ ዘራእቱ፤ ጸልማት ተጐልቢቦም፤ ኣጸምዮም ዝመጹ ጸላእቲ ኣለዉ። እዚኦም ከኣ ወትሩ ምድቃስ ናይቶም ዘራእቱ ዝጽበዩ እዮም፤ መጺኦም ከኣ ክርዳድ ይዘርኡ። እቲ ክርዳድ ግና እቲ ስርናይ ከይበቘለን ከይፈረየን ከሎ ኣይፍለጥን እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ ጐይትኦም ሰናይ ዘርኢ ጥራይ ከምዝዘርአ ዝፈልጡ ኣብ ግራቱ ዝወዓሉ ኣገልገልቱ ክርዳድ ኣብ ሞንጎ ስርናይ ከም ዝበቖል ምስ ፈለጡ ዝሓተትዎን፤ ነቶም ብዛዕባ’ዚ ነገር’ዚ ተገሪሞም ንዝሓተትዎ ኣገልገልቱ ከኣ ጐይታ ብርግጽ “ጸራዊ” (ጸላኢ) መጺኡ ከምዝዘርኦ ዝነገሮም። እምበኣር ኣብ ግራት ቤተ ክርስቲያን፤ ኣብ ግራት ልቦና ሰባት’ውን ክርዳድ እናዘርኡ፤ ፍረ ስርናይ ዝጻብኡ ክርዳዳት ደቂ እቲ እኩይ ምዃኖም ነስተውዕል። ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝነግረና ዘራኢኦም ድማ ዲያብሎስ እዩ። ሎሚ ከ ኣብቲ ግራት ስርናይ ክንደይ ክርዳድ ተዘሪኡ ይኸውን?!

እዚ ምሳሌያዊ ትምህርቲ’ዚ በብእዋን ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ክፍጸም ብርግጽ ተራእዩ እዩ። እምብዛ ከኣ ብዙኅ ጭብጥ ታሪኻት ካብ ጥንቲ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ዘላ  ቤተ ክርስቲያን ክጥቐስ ይከኣል እዩ። ብግብሪ ደቂቀ ዲያብሎስ ዝኾኑ ቢጽ ሓሳውያን ደድኅሪ ቅዱስ ጳውሎስ ዝኣመሰሉ ሓዋርያት ኣብ ሞንጎ ምእመናን እናተረኽቡ ትምህርቲ ሓዋርያት ዝቃወም ትምህርቲ ይምህሩ ከምዝነበሩ፤ ፍሉጣት መናፍቃን ከም እኒ ኣርዮስ፡ ሓዋርያት ድኅሪ ምድቃሶም (ምሕላፎም)፤ ከም እኒ መቅዶንዮስ፡ ሠለስቱ ምእት ሊቃውንቲ ዘኒቂያ ድኅሪ ምሕላፎም፤ ከም እኒ ንስጥሮስ፡ ሚእትን ኃምሳ ሊቃውንቲ ዘቍስጥንጥንያ ድኅሪ ምሕላፎም ወዘይመስሎ  ተላዒሎምን ክርዳድ ዘሪኦምን ነበሩ። ሎሚ’ውን ክርዳድ እናዘርኡ ነቲ ኣብ ጽድቅን ሃይማኖትን ዘሎ ሰብ ከጠራጥሩ፤ ከኽሕዱ ይነብሩ ኣለዉ፤ ግና ብቀሊሉ ዝፍለጡ ኣይኮኑን።

ክርዳድ ከይበቘለ ከሎ ከምዘይልለን ከምዘይፍለጥን፡ ወዲ መዝሙር ከኣ ኣብ ትሕቲ መምህሩ ከሎ ክሕደቱ፡ ኑፋቄኡ ስለ ዘየግህዶ ኣይፍለጥን እዩ። ምስ ተሸመን፡ ርእሱ ክኢሉ በይኑ ምምሃር ምስጀመረን፡ ጊዜ በሊዑ ትምህርቱ ምስ በቘለን ፈረየን ግና ሽዑ ብርግጽ ይልለ። ምስቶም “ምስማዕ ትሰምዑ ኢኹም ኣይተስተውዕሉን፤ ምርኣይ ትርእዩ ኢኹም ኣይተስተብህሉን” ተባሂሎም ትንቢት ዝተነግረሎም ከይንኸውን ደኣ እምበር ብርግጽ ትምህርቲ ኑፋቄ ምስ ጊዜን ፍርያትን፤ ብቀንዱ ከኣ ሰዓብቲ ምስ ምስ ምግባርን ኣጸቢቑ ይለለ እዩ። ጐይታ’ውን ካብ ነቢያት ሓሶት ተጠንቀቑ ኢሉ፡ ብግሁዶ ዘይኮነሲ መሲሎም “ብውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም” ከምዝመጹ ኣብ ዝመሃረሉ ክንፈልጦም እንኽእልሉ መገዲ ምስ በቘሉን ምስ ፈረዩን ምዃኑ እዩ ኣረዲኡና። ደጋጊሙ ከኣ “ወእምፍሬሆሙ ተአምርዎም” (ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም) ብምባል ከኣ ኣጠንቂቑና። ምስቲ ምስላ ክርዳድ’ቲ ብዝሰማማዕ ቃል ከኣ ብዛዕባኦም መደምደምታኡ ክህብ ከሎ “ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ። ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቚረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።” ይብለና። (ማቴ ፯፥፲፭-፳/7፥15-20)

ሎሚ ከ?

በብዘመኑ ምስቲ ኵሉ ተጻብኦታት እኩያን፡ ኣብቲ ጐይታ ዝመሃሮን ሓዋርያት ዘስፍሕዎን፤ ሊቃውንቲ ኣቦታትና እናተርጐሙ ናባና ዝበጸሐ ግራት ሰናይን ጽቡቕን ዘርኢ ዝመልኦ እዩ ነይሩ። ሎቱ ስብሐት ንኣኣቶም ኃይልን ጸጋ ተጋድሎን ዝሃበ እግዚአብሔር ክብሪ ምስጋና ይኹኖ እሞ ኣቦታትና ግራት ስርናዮም ብጥንቃቐ ይሕልዉ ስለዝነበሩ ነቲ ዘዝራእ ክርዳድ ቀቀሊጢፎም ኣለልዮም፡ ንስርናዮም ዝግባእ ክንክን ብኣፍን ብመጽሓፍን ይህቡ ብምንባሮም እቶት ስርናዮም ዝምስገን እዩ ነይሩ። ሎሚ ግና ጸራውያን (ጸላእቲ) ዝኾኑ ደቂቀ ዲያብሎስ ክርዳዶም እናዘርኡ ክነሶምሲ፡ እቶም ሓለውትሲ ንዋም ዝበርትዖም ይመስል። ንሕና’ከ ሎሚ፡ ጸራውያን ከምቲ ናይ ግብሪ ኣቦኦምን ደቁን ኣብቲ ግራት ስርናይ ቤተ ክርስቲያን ክርዳድ ይዘርኡ ከም ዘለዉን ነስተውዕል ዶ ኣሎና? ብዙኃት ከኣ ብሰንኪ መምህራን ንደቆም ተጊሆም ብዘይምምሃሮምን ምሕላዎምን ግዳይ ናይ ውሉዱ ለእኩይ (ደቂ ክርዳድ) ከምዝኾኑ ኵልና በብዘለናዮ ኵርናዕ ዓለም ንርእዮ ዘሎና እሙን ነገር እዩ። ቅድሚ ኵሉ ግና ኣርጊጽና ክንፈልጦን ክንዝንግዓሉ ዘይብልና ነገር እንተሎ፡ ክርዳድ ዝዘርእ ጸራዊ ወትሩ ምቹእ ኣጋጣሚታት እናደለየ፤ መምህራን ኣብ ዘይብሉን ዘይርከበሉን ቦታ ኣጸምዩ፡ ስርናይ ዝመስል ክርዳዱ ካብ ምዝራእ ዘይገድፍ ምዃኑ እዩ። ክዘርእ ከሎ ከኣ ንርእሱ ሓዋርያ ኣምሲሉን ተመሳሲሉን፤ ክሳዕ ዝፍለጥ ከኣ ከም ነፋሒቶ ርእሱ እናቐያየረን ምኽንያት እናብዘኀን እዩ። እዚ ተግባር’ዚ ከኣ ኣብ ነዊሕ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዝተራእየን ዝተመስከረሉን ክውን ሓቂ እዩ። ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ነዊሕ ተጋድሎ ኣቦታትናን ዝገልጹ መዛብግቲ ታሪኽ እንተዝኽፈቱ ክንደይ ምነገሩና?!

እቲ ብግዳም መጺኡ ዝዝራእ ክርዳድ ኣብ ቦትኡ እንከሎ፤ ካብ ውሽጢ ብዝበቖሉ እሞ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ግራት ተዋፊሮም ካብ ዘለዉ ስርናያት’ሲ ገለ ዶ ክርዳድ ኣይርከቦምን ኢልና ክንዛረብ ንደፍር ኢና? ፈተውታ መሲሎም ዝመጽይዋ፤ ኣገልገልታን ሓለውታን መሲሎም ንኣባጊዓ ዘባርሩ፤ ንርእሶም ምሕላው እምበር ናይ ካልእ ዘይግድሶም፤ ብዛዕባ ዕብየትን ልዕልናን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክሕሰብን ክዝረብን ከሎ ወትሩ ድኅሪት ክትጐተት ዝጽዕቱ፤ ሓድነት ኣብ ሞንጎ ኣቦታትን ኣገልገልታን ምእመናንን ከይህሉ ንሕድሕዳ ዝፈላልዩ፤ ሓቢርና ከይንሰርሕን ከይንቀራረብን ዕብየታ ዝዕንቅጹን ዘቕምስልዋን ክርዳዳት የለዉን ድዮም? ገንዘብ ደኣ እምበር ክሰርሕ እየ፤ ክሕግዝ እየ፤ ከበርክት እየ ንዝብል ዘምክኑ መምሰልቲ መራሕቲ የለዉን ድዮም?

ቅዱስ ክህነቶም ዓቂቦም፤ ሓላፍነቶም ተረዲኦም ኣብ ደገ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ካብ ከተማ ናብ ከተማ እናተዘዋወሩ፤ ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ፈቐዶ ርሑቕ ገጠራት ጎቦን ሽንጥሮን እናበተኹ፡ ስለ ቃለ እግዚአብሔር ምእንቲ ኣባጊዕ ክርስቶስ ተጊሆም ዝጓስዩ ክንደይ ሰናይ ዘርእታት ኣብ ዘለዋ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፤ ካልኦት ግና ውሑዳት ብጻማ ናቶም ጉስነት ክነብሩ ዝፍትኑ፤ ኣገልግሎቶምን ሓላፍነቶምን ብገንዘብ ዝትምንዎን ዝሻየጡሉን፤ ተዀይጦም ምኽፍፋል ዝሰብኩ፤ ብስም ቤተ ክርስቲያን ዝሽቕጡ “ገንዘቦም/ከርሶም ዝኣምላኾም” ክርዳዳት የለዉን ድዮም? ስርናይ ብክርዳድ ተዋሒጡ እናረኣዩ ብ“እንታይ ገደሰኒ” ብሂል ህኩይ መንፈስ ዝተጐልበቡ መራሕቲ የለዉን ድዮም? ንጽሕ ዓቂቦም ብጾምን ጸሎትን ሰጊድን ኣብ በዓቶም ገዳሞምን ጸኒዖም ዝጋደሉ መናንያን መነኮሳት ኣብ ዘለዋ ቅድስት ሃገር፡ ቆብዕ ደፊኦም ኣብ ሒሳባት ባንኮም ኣሽሓት ዶላራት ዘዋህልሉ ነጋዶ መነኮሳት ኣብ ከባቢና የለዉን ድዮም፤ እምበኣር ክርዳዳት እዚኦም እንተዘይኮይኖም መን ደኣ ክርዳድ ክበሃል እዩ? ብሰንኪ እዞም ክርዳዳት እንድዩ ነቶም ስርናያት ተኸዊሎምና ምርኣዮም ንስእን ዘሎና።

ኣብ ኵሉ እንተዘይበልና’ውን ኣብ ብዙኅ ከባቢታት ግና፤ ኣብዚ ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገርና ኣብ ዘለዉ ምእመናን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንእሰያት ብዛዕባ ርቱዕ ሃይማኖትን ሥርዓት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ “ርድኢት”ን ኣተሓሳስባን ከምቲ ጐይታ ዝዘርኦ፤ ከምቲ ሓዋርያትን ድኅሪኦም ዝተንሥኡ ሊቃውንቲ ብቃሎም ይኹን ብግብሮምን ብተጋድሎኦምን ዝተኸናኽንዎ ንጹሕ ስርናይ ሎሚ ሎሚ ብሓቂ ኣሎ ዶ ክንብል ዝከኣል ድዩ? ኣብቲ ስርናይ፤ ክርዳድ ትምህርቲ ይሕወሶ ዶ ኣየሎን? እምበኣር ኣብ ነፍስ ወከፍ ግራት ልቦናና ተዘሪኡ ኣብ ዘሎ ክርዳድ ተሓዊስዎ ከይህሉ እሞ ጒያና ከንቱ ከይከውን ውሽጥና ንፈትሽ። ርእስና ንመርምር!

እምበኣር ዓጻዶ ዝተባህሉ ቅዱሳን መላእኽቲ ካብ እግዚአብሔር ኣምላኾም ብዝረኸብዎ ፍልጠት፤ ጐይታ ሰናይ ዘርኢ ዘሪኡ (ትምህርቲ ምሂሩ) ከብቕዕ፡ ደቂ ሰባት ክሕደት ኑፋቄ ካበይ ደኣ ኣምጽእዎ ኢሎም ኣብ ዝመርመሩሉ፤ ብርግጽ ምንጪ ኵሉ ክፍኣትን ክሕደትን ኑፋቄን ዲያብሎስ ምዃኖም ምርድኦም የመልክት። መን እኩይ መሳርሒኡ ኮይኑ የገልግል ኣሎ ኢልካ ንምፍላይ ደኣ እምበር ብርግጽ ምንጪ ኵሉ ኑፋቄን ክሕደትን ዲያብሎስ እዩ። ነቶም ብግብሪ ንዝመስልዎ ከኣ “ብርሃን” “ሓዋርያት” ክመስሉ የዕጥቖም። ነቲ ክፉእ ካብ ጽቡቕ፤ ነቲ ሓጥእ ካብቲ ጻድቅ፤ ነቲ መናፍቕ ካብቲ ኣማኒ  ክጽህዩ ፍቓዱ እንተኾይኑ ንጐይታ “ትፈቅድኑ ንሑር ንጻሕይዮ?” ኢሎም ኣብ ዝሓተቱሉ’ውን ነቲ እኩይ ከጥፍኡ ክብሉ ነቲ ሰናይ ከይልክምዎ፡ ጐይታ ከምዝራኅረኀ ካብ መልሱ ክንርዳእ ንኽእል። ቅዱሳን መላእኽቲ’ውን ከምቲ ዘመን ኖኅ፤ ዘመን ሎጥ ዝኾነ ምፍላይ ኃጥኣን ካብ ጻድቃን ዘጸግሞም ኮይኑ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ጐይታ ባዕሉ ዝፈልጦም ካብቶም ኃጥኣን ዝውለዱ ናብ መገዲ የማን፡ ናብ መገዲ ጽድቅን ርቱዕ ሃይማኖትን ዝምለሱ ስለዘለዉ ስሌኦም ደንጊጹን ተዓጊሡን ደኣ እምበር ኑፋቄን መናፍቃንን እናዘርኡ ኣብ ቤቱ ኮይኖም ከሽካእልሉን ከባጨዉን፤ በብመንገዱ ጸኒሖም ነቶም ውሉደ መንግሥት - ደቂ ሃይማኖት ከጋግዩ ፈትዩ ኣይኮነን። ስለዚ እዩ ኸኣ ንሱ ዝገብረሉ መዓልቲ “ጊዜ ማዕረር - ቀውዒ” ስለዘሎ ሕደግዎም ዝበለ።

ካብ ኮነ ድማ በብጽፍሑ ዘለዉ መራሕቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ንሓዋርያት መሲሎም ተጊሆም ክዓዩ ዝግባእ። ሓላፍነቶም ዘንጊዖም ክብሮምን ልዕልንኦም ንምዕቃብ ጥራይ ንሶም ኣብ ዘገድሶም ደኣ እምበር፤ እቲ ዝጓስይዎ ኣባጊዕ ኣበይ ከምዘሎ እንታይ ይገጥሞ ከምዘሎ ዘይጨንቖምን ዘይግደሱን ወይ ከኣ እቶም ብድኅሪኦም ዘለዉ ስለዝበልዎም ጥራይ መልሲ ክህቡ ዝፍትኑ እንተደኣ ኮይኖም ዋና ዘመን ዝኾነ እግዚአብሔር ኣብ መዓልቱ ክፋረዶም እዩ። ስለ ቤተ ክርስቲያንን ቃለ እግዚአብሔርን ኢልና ካብ ሰብ ንእግዚአብሔር ምእዛዝ ከምዝግባእና ዝስዕቦ ተሳኢኑ እምበር ዘይፈልጦስ የልቦን።

እምበኣር ንሕና ኣብታ ቅድስት ተዋሕዶ ሃይማኖት ዘሎና ኵልና ደቂቀ ሃይማኖት፤ ብሰንኪ ድኻም ሥጋ ደቂ ሰባት ዘሎ ጉድለትን ኢንታን ብዘየገድስ ሓንሳብ ንቅዱሳን ኣብ ዝተዋህበት ካልኣይን ሣልሳይን ኣብ ዘይብላ ቅድስት ሃይማኖት ጸኒዕና ንንበር። ኵልሳዕ ኣብቲ ግራት ጽሩይ ስርናይ፤ ብዙኅ ዝዓይነቱ ክርዳድ (ናይ ትምህርቲ፤ ናይ ኣተሓሳስባ፤ ናይ ክፉእ ኣብነትን ግብርን፤ … ) ዝዘርእ ከምዘሎ ፈሊጥና ርእስና ንዓቅብ። እቲ ዘመን ከፊኡ ክሕደትን ኑፋቄን እንተበዝሐ’ውን፤ ነቲ ቃሉ ዝዛረብ እምበር ዝነብሮ ንኽትርኢ ዘጸገም እዋን’ውን እንተኾነ፤ ምንጪ ሓቂ ብውቅያኖሳት ሓሶት ዝተደፍነት እንተመሰለት’ውን፤ ቦ ጊዜ ለኵሉ ስለዝኾነ ንሕና ጥራይ ጸኒዕና ብሃይማኖትን ሰናይ ግብርን ብተጋድሎን ንነብር። ንሕና ዘይንፈልጦም እግዚአብሔር ዝፈልጦም ብዙኃን ቅዱሳን ዝነበራን ዘለዋን ቤተ ክርስቲያን ምዃና ኣይንስሓት። ጸላኢ በብእዋኒ በብዓይነቱ ክርዳድ እንተዘርአ’ውን ንስርናይ’ውን ከጥፍኦ እንተፈተነ፤ ኣምላኽ ስለ ዝሕልዎ፤ እቲ ስርናይ ኣብ ቆፎ መንግሥተ ሰማያት ዝእከበሉ ጊዜ ከም ዘሎ፤ ክርዳድ ከኣ ተኣኪቡ ዝነደሉ ጊዜ ከምዘሎ ንዘክር። ቅዱሳን ኣቦታትናን ሊቃውንትናን ንቃለ እግዚአብሔር መሪሕን ጸግዕን ገይሮም ኣብ ዝውዓልዎ ግራት ስርናይ፤ ክርዳድ በቚሉ ክሳብ ዝረኣና "እዚ ክርዳድ ደኣ ካበይ መጸ" ምባልና ኣይተርፍን እዩ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ንቤተ ክርስቲያንናን ደቃን ካብ ክርዳድ ይሓልወልና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።    
  

1 comment:

  1. ቃለ ሂይወት የስማልና ብሩካ የሕዋት እግዚኣብሄር ጸጋኡን ምሕረቱን የዓድልኩም። ኣፍጣኒተ ረዲአት ድንግል ማርያም ትባርኹም ። ብርቱ ኢኩም ፡ ቀጽልዎ !!!!!!!!!!!

    ReplyDelete