በስመ አብ ወወልድ መንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
ገዳማትና መሠረትን ኣዕኑድን ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና
ኵሉ
ሕዝበ ክርስቲያን ከምዝርድኦን፡ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያንን ውሉደ ክህነትን ከኣ ብዝያዳ ኣጸቢቖም ከምዝፈልጥዎን፡ ኣብ ታሪኽን ሕይወትን
ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ መሠረትን ኣዕኑድን ተዋሕዶ ሃይማኖትና ኮይነን ብቀዳምነት ዝጥቀሳ ቅዱሳት ገዳማትና እየን። ክርስትና ብወግዒ ካብ ዝተቐበልናሉ ፬ይ ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ፡ መካናተ ቅዱሳንን
መንፈሳዊ ተጋድሎን፡ ማእከላት ሓዋርያዊ ተልእኾን ስብከተ ወንጌልን፡ ጥንታዊያን መንፈሳዊ ኮሌጃትን መካናተ ፍልጠትን፡ ጽኑዓት ዓንድታት
ሃይማኖትን ምዕላደ ጥበብን፡ ሕመረት ሓድነትን ሰናይ ግብርን፡ መመሳኸሪ ሕግታትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን፡ መዛግብት ታሪኽን ቅርስን፡
ማእከላት መንፈሳዊ ምምሕዳራትን ዳንነትን፡ መጋባእያ ዕርቅን ሰላምን፡ ምስካየ ሕዙናንን ጸወነ ጽጉማትን ወዘይመስሎ ኮይነን ኣገልግሎተን
ክፍጽማ ዝጸንሓን ዘሎዋን ቅዱሳት ገዳማትና እየን። እዘን ገዳማትና ድማ ከም ብሌን ዓይኒ ዝጥመታን፡ ብዝኾነ ዋጋ ዘይሽነና ክቡራት
መንፈሳዊ ኣዕንቍ ቤተ ክርስቲያንን ሃብቲ ሃገርን እየን።
ይኹን
ደኣ እምበር፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝተሰናሰለን ኣሽሓት ዓመታት ዘቝጸረን ታሪኽ ዝመዝገቦ ሕያው ኣገልግሎተን ክፍጽማ ዝኽኣላ፡
ብኸምኡ ወይውን ብቀሊሉ ዘይኮነስ፡ መግለጺ ብዘይርከቦ ኃያል ጻዕርን፡ ቃላት ዘይገልጾ መንፈሳዊ ተጋድሎን ምዃኑ ምስትውዓሉ ኣገዳሲ
እዩ። ሰማእትነት ክሳብ ምኽፋል ንኵሉ ኣብ ልዕሊኦም ንዝወረደ ጸዋተወ መከራን ስቓይን ብአኰቴትን ብጸጋን ተቐቢለን መንፈሳዊ ዕዮአን
ብትዕግሥቲ ስለዝተግበራ እዩ እምበኣር ሎሚ’ውን ታሪኸንን ሃብተንን ዓቂበን ብተጋድሎ ሃይማኖት ጸኒዐን ጕዕዞአን ክቕጽላ ንርእየን
ዘለና። እቲ ፈተናን መከራን በብጊዜኡ ይቐጽል እምበር፡ ምትንሣእን ምድኻምን መናብርተን እንተኾነ’ውን፡ ብኃይሊ እግዚአብሔር እቲ
ጕዕዞ ገዳማትና ተቋሪጹ ኣይፈልጥን እዩ። ከምኡ እንተዘይከውን ናይ ሎሚ ወለዶ ብዛዕባ ገዳማት ብታሪኽ “ነይረን” እናበለ ከዘንቱ
እምበር ብግብሪ ክርኢን ክሳተፍን፡ ኣይመኸኣለን ነይሩ። ንምሳሌ ዝጠቕሰን’ውን ኣይምረኸበንን፡ ብዛዕባ ናብራ ፍጽምና ገዳማት ንከመሳኽርውን
ንወጻኢ ሃገራት መማዕደወ ነይሩ። እግዚአብሔር ግና ኣይገደፈናን፡ ኣቦታትና ተጋዲሎም ሎሚ ንእንረኽበን ገዳማት ኣጽኒሖሙልና ኣለዉ።
ገዳማትና ሎሚን ናትና ተገዳስነትን?!
እቲ
ትማሊ መልክዑን መገዱን እናቐያየረ ንኣገልግሎተን ዕብየተንን ዝተጻብአ፡ ንህላዌአን ዝተፈታተነ ጸላኢ ሎሚ’ውን ብርግጽ ኣሎ። መካነ
ቅድስናን፡ ፍኖተ እግዚአብሔርን ንዝኾና ገዳማትና፡ ቀንዲ ጸላኢአን ካልእ ዘይኮነስ ጸላኢ ሰናይ ዲያብሎስ እዩ። በብዘመኑ ከኣ ንዕንወትን
ዓመጻን ብዝተዓደለ ሕሱር ኣእምሮ ብዝናበሩ መጋብርቱ ኣቢሉ፡ ነተን ብርሃነ ወንጌል ደሚቑ ንዝበርሃለን፡ ዓጽሚ ቅዱሳን ንዝዓረፈለን፡
ቅዱሳት መካናት ክፈታተንን፡ ብዝተፍላለየ ረቂቕ መገዲ ከኣ ንምድኻመን ክጽዕት ተራእዩ እዩ። ገዳማት ብዘይካ እቲ ሓደ ሕያው እግዚአብሔር
ኣምላኽን፡ ቃል ኪዳን እቶም ቅዱሳንን ካልእ ጸግእን መምክሒን የብለንን። ስለዝኾነ ድማ በብዘመኑ ክስገር ንዘይመስል፡ ኣብ ልዕሊአን
ንዝተዋደደ መፈንጠራን፡ ትምክሕትን ምፍርራህን ኃያላት፡ ተንኮል ዲያብሎስን ውዲት ገበርቲ እከይን ብመንፈሳዊ ተጋድሎ እናሰገራ፡
ዘመናትን ወለዶታትን ኣሕሊፈን ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን’ዚ በጺሐን ኣለዋ።