Thursday, September 27, 2012

መስቀልና ይቕበር ከይህሉ?

በስመ አብ ወወልድ መንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ዓመት መጸ ፲፯ መስከረም ብዓቢ ድምቀት ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ እነኽብሮምን፤ መልእኽቶምን ትርጉሞምን ብዝግባእ ካብ እነስተንትኖምን በዓላት ሓደ ክቡር መስቀል እዩ። ካብ ቀዳማይ ኣቦና ኣዳም ጀሚሮም ኵሎም ደቂ ሰባት ኣብ ዘመነ ብሉይ ንዝጽበይዎ ዝነበረ ተስፋ ድኅነት ድኅሪ ፭ሺ፭፻ ዓመት ክውን ዝገበረ፤ ንደቂ ሰባት ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፤ ካብ ገቢረ ኃጢኣት ናብ ገቢረ ጽድቅ፤ ካብ መርገምን ኵነኔን ናብ ምሕረት፤ ካብ ባርነት ናብ ናጽነት፤ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ዘስገረ ወልደ እግዚአብሔር ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ኣብ መስቀል ብዝፈጸሞ መግለጺ ዘይርከቦ ድንቂ ናይ ፍቕሪ ሥራሕ እዩ። እዚ ኸኣ ስሌና ተበጅዩ ጸዋተወ መከራ ተቐቢሉ፤ ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሸንኪሩ ብምማቱን፤ ነቲ ኵሉ ኣብ ልዕሌና ተጻዒኑ ዝነበረ መርገም ብምርሓቑን እዩ።

እምበኣር መድኅን ዓለም ክርስቶስ፤ ነዚ ዓቢይ ግብሩ ኣብ ፳፯ መጋቢት ዝፈጸሞ እኳ እንተኾነ፤ ነቲ ድንቂ ግብሩ ክፍጽመሉ ዝመረጾን፤ ቅዱስ ሥግኡ ቆሪሱ፤ ክቡር ደሙ ኣፍሲሱ ንድኅነት ዓለም መሥዋዕቲ ኮይኑ ከድኅን ዝኃረዮን ዘኽበሮን ቅዱስ መስቀሉ፤ ብፍሉይ ኣብዚ ሎሚ እነብዕሎ ፲፯ መስከረምን ከምኡውን ፲ መጋቢትን ከነኽብሮን ክንዝክሮን ንነብር ኣሎና።
ከምቲ ዓመት መጸ’ውን ምኽንያት በዓሉ ዝንገር፤ ጥንቲ ጸላኢና ዲያብሎስ ዝሓፈረሉን ዝተሰዓረሉን እቲ ክቡር መስቀሉ፤ ድኅሪ ስቅለት ክርስቶስ እንተኾነ’ውን ድንቂ ድንቂ ዝኾኑ ተኣምራት ብቀጻሊ ይገብር ብምንባሩን፤ ብዙኃን ድማ ይኣምኑሉን ይምክሕሉን ብምጅማሮም፤ እቶም ሰቃልያነ ክርስቶስ ዝኾኑ ኣይሁድ ቀኒኦም፤ ምእንቲ ክኸወለሎም ካብ ኢየሩሳሌም ወጻኢ ኣብ ጕድጓድ ከምዝቕበርን፤ ነበርቲ ኢየሩሳሌም ድማ ብኣዋጅ ጓሓፍ ከምዝድርብዩሉ ብምግባሮም፤ እቲ ጓሓፍ’ውን ክንዲ ጎቦ ኮይኑ ነቲ ክቡር መስቀል ደብዪዎ ከምዝነበረ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ተመዝጊቡ ዘሎ ሓቂ እዩ። ጊዜኡ ምስ ኣኸለ ዘይፍጸም ነገር ስለዘየልቦ ድማ፤ ድኅሪ ኣስታት ፫፻ ዓመት ኣብ ዘመነ ንግሥነት መፍቀሬ ሃይማኖት ቈስጠንጢኖስ፤ ፍቕሪ ቅዱስ መስቀል ኣብ ልባ ብዝነደደ ኣዴኡ ዕሌኒ ንግሥት ዳግማይ ክድለይን ክርከብን ተኻእለ። ነቲ ቅዱስ መስቀሉ ዝተረኽበሉን ዜናኡ ድማ ኣብ ኵሉ ንዝበጽሓሉን ኣገባብ ድማ ኣዝዩ ደስ ብዘብል ሥርዓተ ዳሜራን ጸሎትን፤ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ከተኽብሮ ትነብር ኣላ።

እንሆ ከኣ ወትሩ ብመስቀሉ ንዝረኸብናዮ ጸጋን ሕይወትን እናዘከርና፤ እቶም ዝኣመንና መስቀል ኃይልነ፤ መስቀል ጽንዕነ፤ መስቀል ቤዛነ፤ መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ እናበልና ክንውድሶን ዝግባእ ክብሪ ክንህቦን ንርከብ ኣሎና። ብዙኃን ነቲ ብኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝረኸብናዮ ብርሃን ከጸልምቱልና፤ ንዝተዋህበና መድኃኒት ከንቱ ክገብሩ፤ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ተዛሪብዎ ዝነበረ፤ ኣብ ዘመንና ብብዙኅ መገዲ ኣንጻር ቅዱስን ክቡርን መስቀሉ እኳ እንተተንሥኡን እንተተመላለሱን፤ ቤተ ክርስቲያን ግና ነቲ ብፍሩይ ቀለም ንእተነግረ ክብሪ መስቀል ወትሩ ኣጕሊሓ ክትምስክረሉ ትነብር ኣላ። መስቀል ሰላምና እዩ፤ መስቀል ዓርማ ዓወትና እዩ፤ መስቀል እንድገፈሉ መመኪሕና እዩ፤ መስቀል በረኸትና እዩ፤ መስቀል መገዲ ክርስትናና እዩ፤ መስቀል ዓንዲ ምሕረትና እዩ፤ መስቀል መሠረት ቤተ ክርስቲያን እዩ፤ … ። እናበልና ደጋጊምና ክንብል፤ ክብሪ መስቀሉ ክንምስክር ድማ ሰብ ጸግኡ ኢና።

እምበኣር ደለይቲ መንግሥቲ ኣምላኽ ካብ ኮንና ከኣ፤ ወትሩ መስቀሉ ጸይርና፤ ናብራ መስቀል እናነበርና ንክርስቶስ ክንስዕብ ግዱዳት ኢና። ብዘይ መስቀል ጉዕዞ ክርስትና የልቦን። መስቀል በቲ ሓደ ገጹ ከኣ ኣመንቲ ስለ ወንጌሉ ዝጸግብዎ መከራን፤ ክፍጽምዎ ዝግባእ መንፈሳዊ ተጋድሎን ዘመልክት እዩ። ምእመናን ሃገርና ኣብ መስቀል ብዘለዎም ፍሉይ ፍቕሪ ድማ በረኸት ክረኽቡን፤ ክባረኹን ድማ ኣጥቢቖም ይስዕምዎን ይሳለምዎን ይሰግዱሉን፤ ብትእምርቱ ድማ የማዕትቡ። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዝኾነ ዘዀርዕ ሥርዓትና ድማ እዩ። ከምቲ ዝፍለጥ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳት ንዋያታ ኵሎም ብመስቀል ዝተባረኹን፤ ብመስቀል ዝወቀቡን እዮም። ብዝተዋህቦም መንፈሳዊ ሥልጣን ዝባርኹ ካህናታን ጳጳሳትን ድማ መስቀል ወትሩ ካብ ኢዶም ኣይፈልዩን እዮም። ኵልሳዕ ድማ ካብቲ ፍቓዳት ዓለም ርሒቖም፤ ሥራሕ መስቀል እናፈጸሙ፤ ንኣባጊዕ ክርስቶስ እናጓሰዩ ክነብሩ ተኣዚዞም እዮም። ሎሚ ግና ከመይ ኣሎና?

ዘሎናዮ ዘመንን ኵነታት ዓለምን፤ ኣብዚ ሎሚ ኮይንና ክንዕዘብ ከሎና ግና፤ ኣንጻር እቲ ዝቐደመ ዘመን፤ ሰባት “ኣመንቲ” ወይውን “ኣገልገልቲ” ተባሂሎም ከም ሰይጣን ካብ ገጽን ናብራን ሓቀኛ ትርጉም መስቀል ዝርሓቑሉ፤ ክሕደት ዝበዝኃሉ፤ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝኸብረሉ መንፈሳዊ ሕይወት ዝሃጸጸሉ፤ ብመስቀል ዝተረኽበ ክብሪ ከንቱ ንምግባር ሰይጣን ልዕሊ ዝኾነ ጊዜ ዝፋጠነሉ፤ ኣብ መስቀል ንዝተሠረተት ቤተ ክርስቲያን ብብዙኅ ማዕበላት ሓሶትን ኣምሰሉን ከናወጽ ዝፍትነሉ፤ ከም ዕምበባ መሮር ሎሚ ተራእዩ ጽባሕ ዝቕምሰል ሰብ፤ ፈሪሃ እግዚአብሔርን፤ ፍቕሪ መስቀሉን ሃሲሱ ፈሪሃ ሰብን፤ ፍቕሪ ነፍስኻን ዝዓብለሉ፤ መስቀል ዝማእከሉ ሕይወት ክርስትና ከም ጊዜኡ ዝሓለፎ ቅዲ ሸለል ዝተባህለሉ፤ መልክዕ ኣምልኾ ዝተቐየረሉ፤ መዝነት ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ኣብዚ ወጻኢ መስቀል እትሽከመሉ ዘይኮነስ ረብሓካ ከተደልድል ባይታ እትረኽበሉ፤ ኣገልግሎት መስቀል ቅድስናን ተወፋይነትን፤ ምስካም ጾርን መከራን ምዃኑ እናተረፈ ውልቃዊ ክብርኻ እተሓንፀሉ መገዲ ኮይኑ ምህላዉ ካብ ዝኾነ ኣማኒ ዝተኸወለ ኣይኮነን።

ካብ ኮነ ድማ ዓመት መጸ፤ ብርሃን ንዝኾነን፤ ብብርሃን ንእንገልጾን ቅዱስ መስቀል ካብቲ ተደርበየሉ ስፍራ ተፋሒሩ ወጸ፤ ተረኽበ እናበልና ከነኽብሮ ከሎና፤ ሎሚ’ከ ኣብ መስቀል ቀራንዮ ንዝተሠረተት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፤ ከመይ ኣላ? ኣበይ ኣላ? ኢልና ብዛዕባኣ ክንሓስብን ክንሓትንን ግቡእና እዩ። ምኽንያቱ፤ እቲ ክቡር መስቀላ ጥንቲ ካብቲ ጕድጓድ ተፋሒሩ ወጺኡ’ኳ እንተኾነ፤ ሎሚ ግና ብዝተፈላለየ ኣገባብ ደጊሙ ክቕበር ዝወዳደሉ ኣገባብ ስለዘሎ፤ ነቲ ዘሎ ኵነት ብደረጃ ዓለም ምምርማሩ የገድስ እዩ። እቲ ኣብዚ ምዕራባዊ ዓለም ዘሎ መልክዕ ኣምልኾን ክሕደተ መስቀል ዝመልኦ ኣካይዳን ካብ ዝኾነ ትርጉም መስቀል ዝፈልጥ ኣካል ዝተሰወረ ኣይኮነን። በብእዋኑ ከም ቃንጥሻ ዝበቝሉ ሓሰውቲ “ነቢያትን መምህራንን” ዓለምና ንመስቀልን ንትርጉም ክርስትናን ናበየናይ ማእዝን ከጸግዕዎ፤ ናበየናይ ጕድጓድ’ውን ክድርብይዎ ይደልዩ ከምዘለዉ ካብ ዓይንናን ኣእዛናን ዝተኸወለ ኣይኮነን።

ናብ ሃገርና ምልስ ክንብል ከሎና ካልእ ምዅዓት ጕድጓድ ክንዕዘብ ንኽእል። ሓቀኛ መንፈሳዊያን መራሕታ ኣብ ልቦም ዘሎ ቅኑዕ ሓሳብን ትምህርተ ወንጌልን ከይገልጹ ብሕይወቶም ዝተቐብሩላ፤ ሊቃውንታ ተደርብዮምን ተጓሒፎምን፤ ብኣንጻሩ ድማ ከፍርስዋ ዝተዓጥቑ ውሉደ መናፍቓን ቦታ ዝረኽቡላን ናብ ዓውደ ምሕረታ ቅልቅል ዝበሉላን፤ ዋካ ዝኾኑ ቅዱሳት መጻሕፍታ ከይኅተሙን ከይንበቡን ትሕቲ ከብሒ ዝተቐብሩላን፤ ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ከም ድሌት ውልቀ ሰባት እናተጠምዘዘ ሓቂ ዝተቕበረሉ፤  ክብሪ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተገሃሰሉ፤ ኣብ መስቀል ዝተሠረቱ ገዳማት ክዳኸሙን ክቕበሩን ስውር ዕላማታት ኣብ መድረኻት ኣብያተ ጽሕፈት ዝምክረሉ፤ ካብ ኵሉ ዝኸፈአ ድማ ክብሪ ክህነትን ካህናትን ተደፊኑ ኣብ ክንዲ መስቀል ጐይታ “ካልእ መስቀል” ክጾሩ ዝተገደዱሉ፤ ኣብ ክንዲ ሓቀኛ ወንጌል “ካልእ ወንጌል” ንዝሰብኩ ፍቓድ ዝወሃበሉ ወዘይመስሎ… ጊዜ ንርከብ ስለዘሎና፤ መስቀል ኣዕሚቕካ ንምቕባር ዝግበር ዘሎ እኩይ ዕላማ ክሳዕ ክንደይ ኣብ ዘሕዝን ደረጃ  ከምዝበጸሐ መረጋገጺ እዩ።  

ወዮ ደኣ ምስትውዓሉን ምኽሩን ከሊኡና እምበር፤ መስቀል ጐይታ ካብቲ ዝተቐብረሉ ንዝወጽእ ምኽንያት ካብ ዝኾንዎ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ፤ “በዝ ትእምርተ መስቀል ትመውዕ ፀረከ” (በዚ ምልክት መስቀል ጸላእትኻ ክትሥዕር ኢኻ) ተባሂሉ፤ ምልክት ካብ ሰማይ ስለዝተዋህቦ ኣብ ኵሉ ኣጽዋሩን፤ ንዋቱን ኣፍራሱን ትእምርተ መስቀል ብምግባር ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ከምዝተዓወትን ነዚ መዘክርታ ድማ መስቀል ካብ ዘለዎ ተፋሒሩ ንኽወጽእ ምስ ኣዴኡ ዓቕሙ ከምዝገበረ እነኽብረሉ እዩ ነይሩ። ሎሚ በዓለ መስቀል እነኽብሮ ዘሎና ግና ከምቲ ዝሰማዕ ዘሎ ብኣንጻሩ ነቲ ኃይሉ ዘመስከረን ተፋሒሩ ዝወጸን ቅዱስ መስቀል ዳግማይ ንኽቕበር ጕድጓድ ብምዅዓት እዩ። መስቀሉ ንዝጾሩ ካህናት፤ ምስ መስቀልኩም ካልእ ብረት ተሸከሙ ተባሂሎም ብረት ዝዓጠቑሉ ዘመን፤ መስቀሉን ኃይሉን ምድፋንን ምጕሓፍን ካብ ዝደሊ ሕሊና ዝነቐለ እዩ እሞ፤ ናይ ሎምዘመን በዓልና ምስቲ ትርጉም በዓል ብመሠረቱ ይጋጮ እዩ።  ምስቲ መዳርግቲ ኣልቦ መንፈሳዊ ኣጽዋር ዝኾነ መስቀል፤ ካልእ ኣጽዋር ዓለም ንካህናት ምዕዳሉ ንመን የረብሕ? ንጸወርቲ መስቀል ዝኾኑ ካህናት ክሳዕ ምዕጣቕ ብረት ዲና’ኸ በጺሕናን፤ ቤተ ክርስቲያን ተደፊራን ዘላን? መራሕታ’ከ ከምዘይሰምዑን ከምዘይረኣዩን ኮይኖም ድዮም ኣብ ክንዲ ኣይፋል፤ ትም ኢሎም ክሓልፍዎ? መስቀል ካህናት እናተደፍነ፤ መስቀል ወጸ ኢልና ክንዝምር የምሕረልና ዶ? እቲ ረቂቕ መንፈሳዊ ዕጥቕን ኃይልን ዝኾነ መስቀል ዝዓንዱ ጸሎት፤ ጾም… ወቦ፤ ነቲ ገባሪ እከይ ዘራጊ ሰላም ዝኾነ ዲያብሎስ ከምዝስዕሮ ከመይ ገይሩ እዩ ዝሥወረና ዘሎ? “እግዚአብሔር ንኸተማ እንተዘይሓለዋ፤ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቕሕ” ዝብል እሙን ቃል ኣበይ ተገድፈ? ሽግር ምስ መጸ ካህናት ሕዝቦም ጠርኒፎም ንማህለል ኢሎም መስቀል ኣምሪሖም ታቦቶም ጸይሮም ይልምኑ እምበር፤ ከም ጭዋን ታራን ሰብ መስርዕ ክሕዙ ክትሓስቦ ከሎኻ ዘሰንብድ ነገር እዩ። ኦ ነዚ እከይ ሓሳብ ዝሓሰብኩምን እተፈጽሙ ዘሎኹምን፤ ጸሎት ካህናት ውስተ ኖኀ ሰማይ በጺሑ፤ ዕርዲ ከምዝኸውን እንተዘይዘንጋዕና፤ ክብሪ መንፈሳዊ ሥልጣን’ውን እንተዘይደፈርና ጽቡቕ እዩ። ኣብ ሃገርናን ሕዝብናን’ውን መዓት እምበር ምሕረት ኣይወርድን እዩ እሞ ጌጋና ንፍለጥ። ብርግጽ ኃጢኣትና ኮይኑ እምበር፤ ነቶም ገበርቱ’ውን ጥዕና ዝህበኩም ኣይኮነን። ሰብ ስቕ እንተበለ’ውን እግዚአብሔር ግና ብርግጽ ይርኢ እዩ እሞ ንእግዚአብሔር ንፍራህ!

እምበኣር ዘመንና ክፉእ እዩ እሞ፤ እቲ ዘመን ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል፤ ዕርፊ መስቀል ምጽናዕ ቅዱሳን ኣቦታት ንእግዚአብሔር ዘሥመሩሉ እቲ ሓቀኛ መገዲ ወንጌለ ሕይወት እዩ። ካብ ኮነ ድማ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዘበልና ካብቲ እዚ ዘመን’ዚ ዘንፍሶ ሕማቕ ተግባራትን ኣካይዳን ምእንቲ ጽድቂ ርእስና ክንእድብ ይግብኣና እዩ። ኣብ ከውሒ መስቀል ዝተሠረተ ቤት ሕይወት፤ ነፋስን ወሓይዝን እኳ እንተመጸ ኣይናወጽን እዩ። ኣብ ሑጻን ምስሉይን ዘይጽኑዕን ዝተሠረተ ቤት ግና ይትረፍ ነፋስን ወሓይዝን ኃሊፍዎ ኣብኡ ከሎ እኳ ንውደቀት ዝተቓለዐ እዩ እሞ ኣበየናይ መገዲ ከምዝተሠረትና ርእስና ምምርማር ከድልይና እዩ። ፍቕሪ መስቀሉ ኣብቲ ማእከል ኣእምሮና ወትሩ ስፍራ ክንህቦ የድሊ። ኣብ መሠረት ልቦናና ወትሩ ትኹል ኮይኑ ክነብር ይግባእ። ዝቐደሙ ኣበው፤ ሕይወቶም ብመስቀል ዝተነድቐ ብምዃኑ፤ ንኵሉ እቲ ዝገጥሞም ዝነበረ ተጻብኦ ብዓወት ሰጊሮሞ እዮም። ንሕና’ውን ነዚ ዘመን ብዓወት ክንሰግሮ እንተደኣ ኾይንና፤ ነቲ መሠረት ዝኾነ መስቀል ጐይታ፤ ትምክሕትናን፤ ኃይልናን ገይርና ክንጓዓዝ ይግባእ። ናብራ መስቀል ድማ ናብራ ወንጌል እዩ። ናብራ ቅድስናን ተጋድሎን እዩ እምበር ናብራ ምቾት ሥጋን ኣሽካዕላልን ኣይኮነን። ኵሉ እቲ ሥጋዊን ዓለማዊ ኣካይዳ ኣብ ቅድሚ መስቀል፤ ከም ሓሰር ኣብ ቅድሚ ሓዊ እዩ።

ሰባት ብዝደለዪዎ ሓሳብ ይኺዱ፤ ኣብ ጊዜኦም’ውን ምርኡያት ኮይኖም ይረኸቡ፤ ሓደ ክዝንግዕዎ ዘይብሎም ሓቂ ግና ኣሎ። መስቀል ተቐቢሩ ከምዘይተርፍ እዩ። ከምቲ ናይ ትማሊ ሰይጣን ብዝደፍዖም ሰባት ዝተቐብረ መስቀል ኣብ ጊዜኡ ብኽብሪ ከምዝወጸ፤ ብኽፍኣት ሰባት ሎሚ’ውን ክቕበር ዝፈሓረሉ ዘሎ መስቀል ጽባሕ ኣብ ጊዜኡ፤ ናብቲ ብርሃን ብዓወት ከምዝወጽእ ዝጠራጠር የልቦን። ምስ መስቀል ኮይኑ ዝዓየየ እምበር ኣንጻሩ ገጢሙ ዝተዓወተ የልቦን እሞ፤ ዘመነ እምነት፤ ዘመነ መስቀል ክመልሰልና ንምነ። ነቶም ብሥጋዊ ሓሳብ ጥራይ ተመሪሕና፤ ኣንጻር መስቀሉ ንኸይድ ዘሎና ድማ ምስትውዓሉ ይሃበና።
እምበኣር፤ ኵሉ ዘዘመን ስለዘለዎ፤ ክብርን ብርሃንን መስቀል ንኵሉ ዓለም እዩ እሞ፤ ደጊሙ ደሚቑ ከብርሃልና ተስፋ እናገብርና፤ ንሕናውን ሰብ መስቀል ኮይንና ክንርከብ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።  

መወከሲ ጥቕስታት፦ ማቴ ፳፯፥፴፪/27፥32 ማር ፲፭፥፳፱-፴/15፥29-30 ዮሐ ፲፱፥፲፯-፲፱/19፥17-19 ቈሎ ፩፥፳/1፥20 ፪፥፲፬/2፥14 ዕብ ፲፪፥፪/12፥2 ኤፌ ፪፥፲፮/2፥16 ፊል ፪፥፱-፲/9-102 ቀዳማይ ቆሮ ፩፥፲፰-፲፱/18-19 ፊል ፫፥፲፱-፳/3፥19-20 መዝ ፻፴፩፥፯/132፥7 ኢሳ ፶፫/53 ማቴ ፯፥፳፬-፳፱/7፥24-29  

1 comment:

  1. enke bselam abshan ab meskel krstos .nhadnet betkrstyana wdit diyablos bhadnt nsili.

    ReplyDelete