Wednesday, September 28, 2011

ከፋሌ ባሕር አቡነ ኤዎስጣቴዎስ (ካልኣይ ክፋል)

5.0 ስብከተ ወንጌልን ሓዋርያዊ ተልእኾን ኣብ ሃገርና

ድኅሪ ማዕርገ ክህነት ምቕባሎም ድማ ካብ እግዚአብሔር ዝተላእከ ቅዱስ ሚካኤል “ቃል እግዚአብሔር ዝራእ፤ ሕገ እግዚአብሔር ንገር” በሎም። በቲ ብልኡኽ እግዚአብሔር ዝተዋህቦም ትእዛዝ ብሓደ ወገን እናፈጸሙ ከለዉ፤ ገለ ክፋል ትምህርቶምን ተግሣጾምን ነቶም ንጉሥን መኳንንትን ከምኡውን ጳጳሳት ግብጺ ስለዘየሐጐሰ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙኅ ከይጸንሑ ካብቲ እቲ ንጉሥ ዝቖጻጻሮ ክልል ግዝኣት ርሒቖም ብምውጻእ ከምቲ እግዚአብሔር ዝገለጸሎም ናብ ደቡባዊ ክፋል ሃገርና ኣትዮም ክምህሩን ስብከተ ወንጌል ከስፋሕፍሑን ጀሚሮም። ብዙኅ ከይደንጐየ ድማ ትምህርቶምን ሰናይ ግብሮምን ትሩፋቶምን ኣብ ሕዝቢ ይኹን ኣብቶም ሹመኛታትን ገዛኢ ዝነበረ ባሕረ ነጋሢን ጽቡቕ ተቐባልነት ረኸበ። ካብ ትግራይ ናብ ሃገርና ኣብ ዝኣተዉሉ’ውን ምስ ውሱናት መነኮሳት ተምሃሮኦምን ኣርድእቶምን ከምዝነበረ ይፍለጥ። ጸኒሑውን ብዙኃን መነኮሳትን ተምሃሮን ድማ ትምህርቶምን ብቕዓቶምን ገቢረ ተኣምራቶምን ርእዮም ክስዕብዎም ጀመሩ።

Tuesday, September 27, 2011

ጽንዒ

ጸንዐ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝተረኽበ እዩ። ትርጉሙ ኸኣ ምጽናዕ፡ ምኅያል፡ ምጽንካር፡ ምብርታዕ፡ ምትራር፡ ምጥንካር ወዘተ ዝብል ኮይኑ ከከም እቲ ኣተኣታትውኡን ኣጠቃቕምኡን ዝተፈላለየ ግና ተወራራሲ ትርጉም ይህብ። ብባህላዊ ኣገባብ’ውን ጽንዒ ብዘይካ እቲ ቀዲሙ ዝተጠቕሰ ትርጉም፡ ፍሉይ ዓይነት ሳዕሪ ንዝርከበሉ ስፍራ መጸውዒ ኮይኑ የገልግል እዩ። ሓሓንሳብ’ውን ነቲ ኣብዚ እዋን መስቀል ኣብ ርእሲ ንዝግበር ዝተጠምረ ሳዕሪ፡ ጽንዒ ኢልና ክንጽውዖ ንርከብ።

Saturday, September 24, 2011

ካብ ዝፈጥራ አትኂዙ ብዝኾነ ይኹን ኣይረኸሰትን

ወኢረኵሰት በምንትኒ እምዘፈጠራ (ሃይማኖተ አበው ዘቴዎዶጦስ ፶፫፥፳፪/53፥22)

“ካብ ዝፈጥራ አትኂዙ ብዝኾነ ይኹን ኣይረኸሰትን”

ነቢየ እግዚአብሔር ኢሳይያስ ምሥጢር ነገረ ድኅነት ተገሊጹሉ፡ ዝኃለፈን ዘሎን ዝመጽእን አገናዚቡ ኪናገር ከሎ ''ወሶበ አኮ እግዚአብሔር ዘአትረፈ ለነ ዘርአ ከመ ሶዶም እምኮነ: ወከመ ገሞራ እመሰልነ።'' (ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ዘርኢ እንተ ዘየትርፈልና ነይሩ፡ ከም ሰዶም ምኾንና፡ ከም ገሞራ'ውን ምመሰልና ነይርና) (ኢሳ፩፥፱/1፥፥9) ኢሉ ነይሩ። እዚ ድማ ፍጻሜኡ ንቅድስት ድንግል ማርያም ዝተነግረ ትንቢት እዩ። ከምኡውን ብዘየሻሙ ቃል ደረቕ ትንቢት ኪናገር ከሎ ''ስለዚ ጐይታ ባዕሉ ምልክት ኪህበኩም፡ እንሆ ድንግል ክትፀንስ ወዲ'ውን ክትወልድ ስሙ'ውን አማኑኤል ኢላ ክትሰምዮ እያ።'' በለ (ኢሳ ፯፥፲፬/7፥፥14)። ስለዚ እኒ ኢሳይያስ ኣብታ ጥንተ ኣብሶ ፈጺሙ ዘይበጽሓ ቅድስት ድንግል ማርያም ተስፋ ይገብሩ ነበሩ። ነዚ ከኣ እዩ ''እግዚአብሔር ዘርኢ እንተዘየትርፈልና ነይሩ....'' ዝበልዎ፡ እግዚእትነ ማርያም ካብ አዳማዊ ርስሓት ገና ብንግሆኡ ንጽሕቲ ኮይና ዝተዳለወት ጥንተ መድኃኒት እያ።

Friday, September 23, 2011

ከፋሌ ባሕር አቡነ ኤዎስጣቴዎስ (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

1.0 መእተዊ
ብቅድስናኦምን በቲ ዝፈጸምዎ መንፈሳዊ ገድልን ተኣምራትን፡ ብዝሠረትዎ ሓረገ ምንኵስና፡ ከምኡውን ስለ ክብሪ ቀዳሚት ሰንበት ብዝገብርዎ ተጋድሎ ብቀንዱ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብኡ ሓሊፎምን ኣብ እስክንድርያን ኣርመንያን ካብ ዝፍለጡ እቶም ብቀዳምነት ዝጥቐሱ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ጻድቕ እዮም።

እዞም ኣቦ’ዚኦም ብስሞም ዝጽዋዕ ገዳም ኣብ ኤርትራ እኳ እንተዘይብሎም፡ ዳርጋ ንመብዛኅትኦም ሓዋርያ ተልእኾኦም ብምፍጻምን መንፈሳዊ ገድሊ ብምግዳልን፡ ሎሚ ህልዋን ኮይኖም ብቀዋምነት ንዝርከቡ ገዳማት ኤርትራ መሥሪቶም ዝሓለፉ ቅዱሳን አበው መምህርን ኣቦን እዮም። ኣብ ብዙኅ ከባቢታት ሃገርና ብፍላይ ኸኣ ሎሚ ብዘሎ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ዞባ ደቡብን ማእከልን ብምዝውዋር ኸኣ ስብከተ ወንጌል ዘስፍሑን ብተባሕትዎ ዝተጋደሉን ኣቦ እዮም። ናብ እስክንድርያን ኢየሩሳሌምን ብኡኡ ኣቢሎም ድማ ናብ አርመንያ ቅድሚ ምኻዶም ንከባቢታት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዞባ ዓንሰባ ከምኡውን ጋሽ ባርካ እግረ መገዶም ቃለ እግዚአብሔር እናሰበኹ ተኣምራት እናፈጸሙ ከምዝባረኽዎ ታሪኾም ይገልጽ። በዚ ኸኣ ዳርጋ ዘይረገጽዎን ዘይባረኽዎን ክፋል ሃገርና የሎን ክበሃል ይከኣል። 

Thursday, September 22, 2011

መስቀል (ካልኣይን መወዳእታን ክፋል)

ክብሪ ቅዱስ መስቀል 
ብዛዕባ ክብሪ ቅዱስ መስቀል ኣብ መጻሕፍቲ ብዝግባእ ተጻሒፉ ይርከብ። ቤተ ክርስቲያን’ውን መሠረታ መስቀል ቀራንዮ፤ ጉዕዞኣ መስቀል፡ ዕላምኣ መስቀል እዩ። ስለዚ ኸኣ ንኵሉ ንዋያታ ብመስቀል ተኽብሮምን ትባርኾምን፤ ምልክት መስቀል ድማ ትገብረሎምን። በዚ መሠረት ኸኣ ንሕና ምእመናን ንመስቀለ ክርስቶስ ፍሉይ ክብሪ ንህቦ። ምኽንያቱ መስቀል፦ 
  • ኣምላኽና ክንደየናይ ከምዘፍቅረና ንዝክረሉን ነስተንትነሉን እዩ። “ንሱ ንሕይወቱ ኣብ ክንዳና ስለዘሕለፈ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጦ ኣሎና” (ቀዳማይ ዮሐ ፫፥፲፮/3፥16) ነቲ ፍጹም ፍቕሩ ክገልጸልና ዝመረጾ ስፍራ ክቡር መስቀሉ ስለዝኾነ፤ ንጐይታናን መድኃኒትናን ኢየሱስ ክርስቶስ እነፍቅር ኵልና፡ መስቀሉ ከነፍቅር ናይ ግድን እዩ። ጐይታ በጃ ኣባጊዑ ብሥልጣኑ ንርእሱ ንናይ መስቀል ሞት ኣኅሊፉ ምሃቡ ሓቀኛ ጓሳና ምዃኑ ዘረድእ እዩ። ብወርቅን ብሩርን ዘይኮነሲ ብክቡር ደሙ እዩ ዓዲጉናን፡ ካብ መግዛእቲ ዲያብሎስ ሓራ ኣውጺኡናን። ስለዚ ማኅተም ፍቕሩ ኣብ መስቀሉ ንረኽቦ ኢና እሞ ናብ መስቀሉን ፍቕሩን ነቕልብ። 
  • ቅዱስ ሥግኡ ዝተቖረሰሉ ክቡር ደሙ ዝፈሰሰሉ ዙፋኑ እዩ። አምላከ ሰማይ ወምድር ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምድራዊ ዙፋኑ ክኸውን ዝመረጾ ቅዱስ መስቀሉ እዩ። ምኽንያቱ ንሕና ክንክብር ምእንቲ፡ ምእንታና ተሰቒሉ ቅዱስ ሥግኡ ቆሪሱ ክቡር ደሙ ኣፍሲሱ እንኩ ብልዑ እንኩ ስተዩ ኢሉ ንዓለም ሕይወት ዝሃበሉ ስለዝኾነ። እቶም ናቱ ዝኾኑ ኸኣ ክቕመጠሉ ንመረጾ መንበሩ ይፈትዉ (ሉቃ ፳፪፥፲፮-፲፱/22፥16-19)። 

Wednesday, September 21, 2011

ሓጺር ታሪኽ ሕይወትን ኣበርክቶን ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዑቁባጊዮርጊስ

(ሣልሳይን ክፋል)
፭.፪.፫ ምድላውን ምእራምን መጻሕፍቲ 
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣቦና ኣብ ምድላው ንምእመናንን ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ዝጥቕሙ ሓደሽቲ መጻሕፍቲ ጥራይ ዘይኮነሲ፡ ንሶም ብዝመርሕዎ ጉባኤ መጻሕፍቲ እናተማእከሉ እናኣረሙን እናዳለዉን ዘኅተምዎም መጻሕፍቲ ኣዝዮም ብዙኃን እዮም ነይሮም። ሓቂ እዩ ኣብ ምድላውን ምእራምን መጻሕፍቲ ጥራይ ዘይኮነሲ ብኡ መጠን’ውን ብቀጻሊ ይኅተማ ኣብ ዝነበራ ጋዜጣታትን ሓጸርቲ ጽሑፋትን ተመሳሳሊ ስራሕ ይሰርሑ ከምዝነበሩ ዝተፈልጠ እዩ። ገለ ካብተን መጻሕፍቲ ንምጥቓስ ኸኣ ብሉይ ኪዳን (በብክፋል መጻሕፍቱ)፡ ሓዲስ ኪዳን፡ ፍትሓ ነገሥት መንፈሳዊ ወሥጋዊ (ብግእዝ) ወቦዘተ ምጥቓስ ይከኣል። 

እዞም መጻሕፍቲ ከምቲ ኣብ ካልእ ቦታ ጠቒስናዮ ዘሎና’ውን ኣዝዮም ብዙኅ ጊዜን ጉልበትን ኣእምሮን ዝፈሰሰሎም እዮም ነይሮም። ብጽቡቕ ስለዝተኣረሙ ኸኣ መወከሲ ኮይኖም ክሳብ ሕጂ የገልግሉ ኣለዉ። ብኸምዚ መገዲ ኣቦና ዝጀመርወንን ክፍጽምዎም ድማ ልዑል ባህግን ጸሎትን ዝነበሮም መጻሕፍቲ ዝርከብዎም ከኣ እዮም። እዚ’ውን ጥራይ ዘይኮነሲ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ብቀሊሉን ብጥርኑፍን ክርከባ ዘይክእላ መጻሕፍቲ ካብ ዝተፈላለዩ መምህራንን ሊቃውንትን ገዳማትን ብምእካብ፡ ብጽፉፍ መገዲ ናይ ምኅተም መደብ ከምዝነበሮም ዝዝከር እዩ። ንኸምዚ ዓቢይ ናይ ምእካብ ሥራሕ ድማ ንቡረ እድ ቀሺ ድሜጥሮስ ኣብ ቤተ ክህነት ኣዲስ ኣበባ (ብሓፈሻ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ) ንዝነበሮም መዝነትን ተሰማዕነትን ብዝግባእ ይምዝምዝዎን ይጥቀሙሉን ነይሮም። 

Tuesday, September 20, 2011

መስቀል (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። 

እንቋዕ ንብርሃነ መስቀሉ ብሰላም ኣብጽሓና፡ ኣብጽሓኩም። 
“ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፤ ከመ ያምስጡ እምገጸ ቅስት፤ ወይድኀኑ ፍቁራኒከ” መዝ ፶፱፥፬ 
(“ነቶም ዝፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም ፈተውትኻ ምእንቲ ክናገፉ” መዝ 60፥4) 

መስቀል ኣብ ዘመነ ብሉይ 
መስቀል ቅድሚ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት በበይኑ ትርጉምን ዕላማን ከምዝነበሮ ይንገር እዩ። ኣብ ፈሪሳውያን፡ ፋርሳውያን፡ ከለዳውያን፡ ሮማውያንን ከም መቕጽዒ ገበነኛ፤ ኣብ ኣይሁድ ከም ምልክት መርገም ወቦ ዘተርፈ ይውሰድን ይጥቐሙሉን ነበሩ። (ዘዳ ፳፩፥፳፪/21፥22) ብኸምኡ ኸኣ ብዙኃት ገበነኛ ምዃኖም ዝተበየነሎም ሰባት፡ ብመስቀል ተቐጺዖምን ጽዋዕ ሞት ኣልዒሎምን እዮም። 

ዋላ ሓደ በደል ንዘይተረኽቦ ጐይታ፤ እኩያን ሰባት ንሞት ክፈርድዎ ከለዉ ነቲ ንሳቶም ዝኸፈአ መቕጽዒ ኢሎም ንዝሓሰብዎ ናይ መስቀል ሞት መሪጾም ነበሩ። ይኹን ደኣ እምበር ሰባት ብኽፍኣቶም ብኸምኡ ይሕሰቡ ደኣ እምበር፡ እግዚአብሔር ንኵሉ ብመደብ ስለዝገብሮ፤ ጐይታ ብፍቓዱ ኣብ መስቀል ክስቀል ምምራጹ፡ ኣቐዲሙ ምሳሌ ዝተመሰለሉ ትንቢት ዝተነግረሉ ምንባሩ ደቂ ሰባት ኣየስተውዕልዎን ነበሩ። ነቲ ትንቢት ይፍጽሙ ከምዘለዉ ኣይርድኦምን ነበረ። ብሓቂ ድማ መድኃኒታ ኣብ ቅድሚኣ ተሰቒሉ ከሎ እስራኤል ኣይፈለጠቶን ነበረት። ስለዚ ኸኣ ነገረ መስቀል ጐይታ ሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነሲ ኣቐዲሙ ትንቢት ዝተነግረሉ ሱባኤ ዝተቖጽረሉ ምዃኑ መጻሕፍቲ ዝምስክርዎ ምዃኑ ምስትውዓል ይግባእ እዩ።