Tuesday, September 27, 2011

ጽንዒ

ጸንዐ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝተረኽበ እዩ። ትርጉሙ ኸኣ ምጽናዕ፡ ምኅያል፡ ምጽንካር፡ ምብርታዕ፡ ምትራር፡ ምጥንካር ወዘተ ዝብል ኮይኑ ከከም እቲ ኣተኣታትውኡን ኣጠቃቕምኡን ዝተፈላለየ ግና ተወራራሲ ትርጉም ይህብ። ብባህላዊ ኣገባብ’ውን ጽንዒ ብዘይካ እቲ ቀዲሙ ዝተጠቕሰ ትርጉም፡ ፍሉይ ዓይነት ሳዕሪ ንዝርከበሉ ስፍራ መጸውዒ ኮይኑ የገልግል እዩ። ሓሓንሳብ’ውን ነቲ ኣብዚ እዋን መስቀል ኣብ ርእሲ ንዝግበር ዝተጠምረ ሳዕሪ፡ ጽንዒ ኢልና ክንጽውዖ ንርከብ።
ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዕለተ ሆሳዕና እንገብሮ ስየ፡ ከምኡውን ኣብ ዕለተ ቀዳም ስዑር ኣብ ርእስና እንኣስሮ ሰቲ ነናቱ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሠረትን ትርጉምን ከምዘለዎ ዝተፈልጠ እዩ። ሕጂ ግና ብፍሉይ ኣብዚ ሓጺር ጽሑፍ ንትምህርቲ ክኾነና፡ ምስቲ ዘሎናዮ እዋን መስቀልን እቲ ጽንዒ ተባሂሉ ተሰምዩ ዘሎ ቃልን ምሳሌያዊ ተዛምዶን ምትእስሳሩን ገለ ክንብል።

ኣብ እዋን መስቀል ኣብ ርእሲ ከም ኣኽሊል ዝእሰር ሳዕሪ ጽንዒ ተባሂሉ ክጽዋዕ ምስማዕ ልሙድ ነገር እዩ። ዓቢይ ንእሽቶይ፤ ሰብኣይ ሰበይቲ ከይፈለየ ኵሉ እኳ ዝገብሮ እንተኾነ’ውን ብፍላይ ግና ኣዋልድ ምስቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝበቝል እምባባታት ገልገለ መስቀል ብምጥማር ኣኽሊል ሰሪሐን ኣብ ርእሰን ክገብርኦ ይረአ፤ መልክዕ ድማ ይህብ እዩ።

ምትእስሳር በዓል መስቀልን እዚ ሳዕሪን ኸኣ ትርጉም እቲ ቃል ዘመንጨዎ እዩ። መስቀል ናይ ክርስቲያናት ጽንዓትን ኃይልን ምዃኑ ርጉጽ ነገር እዩ። ስለዚ ኸኣ ወትሩ “መስቀል ኃይልነ፡ መስቀል ጽንዕነ፡ መስቀል ቤዛነ፡ መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ” ንብል። ብተምሳሉ ኸኣ ነቲ ኣብ ርእሲ ተጠሚሩን ተተቲዑን ዝግበር ሳዕሪ - ሳዕሪ ጽንዒ ኢልና ንጽውዖ። ጸናዕቲ ኢልና እንጽውዖ ብቐሊሉ ዘይርከብ፡ ክትበጽሖ’ውን ዘጸግም ጸዳፍን፤ ንኽትሕዅሮ ዘሸግርን ዘይጥዕምን ቦታ ማለት እዩ። እቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸዳፍ ቦታ ዝበቝል ሳዕሪ ኸኣ ጥሪት ብቐሊሉ ከርክቦኦ ስለ ዘይክእላ ሳዕሪ ጸናዕቲ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ጽኑዕ ዝሰፈረ፤ ንኽትበጽሖ’ውን ጽንዓት ዝሓትት ማለት እዩ።

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሳዕሪ ዓቢይ ጥቕሚ ዝህበሉ ጊዜ ኣለዎ። እዋን ሓሲሙ ደርቅን ጥምየትን ኣብ ዝኾነሉ ጊዜ ወይውን እቲ ኵሉ ብቀሊሉ ክርከብን ክብላዕን ዝኽእል ተወዲኡ ጥሪት ዝብላዕ ምስ ሰኣና፡ ሰብ ጥሪቱ ከዕንግል ተጣቢቡ ናብቲ እንሰሳታት ክበጽሐኦ ዘይከኣላ ጸናዕቲ በጺሑ፡ ነቲ ተዓቂቡ ዝጸንሐ ሳዕሪ ዓጺዱ ቀለብ ከብቱ ይገብሮ። ካብዚ ብምብጋስ ከኣ እዮም ማሰኛታት ንገለ ሰባት ክውድሱ ከለዉ “ከም ሳዕሪ ጸናዕቲ ትኾኑና ንሕሱም መዓልቲ” እናበሉ ዝገጥሙ።

በዚ መሠረት ኸኣ ነቲ ኣብ ጽኑዕ ስፍራ ንዝርከብን፤ ንክትረኽቦ ጽንዓት ንዝሓትትን፤ ንጊዜ ጸገም ንዝኸውንን ሳዕሪ - ሳዕሪ ጸናዕቲ ተባሂሉ ምጽውዑ ናይ ጽንዓት ምሳሌ ኮይኑ ስለዝተረኽበ እዩ። መስቀል’ውን ናይ ክርስቲያናት ጽንዓት፤ ኣብ ኵሉ መከራኦምን ፈተናኦምን መጽንዒ ስለዝኾነ ነዚ ንምዝካር ኸኣ ኣዋልድ ኣብ ጊዜ መስቀል ብሳዕሪ ገይረን ኣኽሊል ድኅሪ ምስራሕ ኣብ ርእሰን ክገብርኦ ይረኣያ። መስቀል ጽንዕና፡ መስቀል ኣኽሊልና ንምባል እዩ።

ብሓደ ወገን ኸኣ በረኸተ መስቀል ንምርካብ ብሃይማኖትን ሰናይ ግብርን ጸኒዕካ ምንባር ከምዝግባእ ዘመልክት እዩ። ምኽንያቱ ጐይታ ክስቀል ዝመረጸሉ ስፍራ ኣብ ብርኽ ዝበለ ቀራንዮ ስለዝኾነ። እዚ ኸኣ ወትሩ መስቀል ቀራንዮ ናይ ቤተ ክርስቲያን መሠረት ስለዝኾነ፤ ቤተ ክርስቲያን ክትሥረት ከላ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝበረኸ እምባ እዩ። ምሳሌኡ ትርጉሙን ኸኣ ብዙኅ እዩ። ብሓደ ወገን ጐይታ ምሥጢራቱ ክፍጽምን ከርእይን ዝመረጾም ስፍራታት ኣብ እምባታትን ደብርታትን እዩ። ደብረ ሲና፡ ደብረ ዘይት፡ ደብረ ታቦር፡ ደብረ ቆሮንቶስ ወዘተ ምጥቓስ ይከኣል። ከምቲ ደብሪ ንምድያቡ ጻዕርን ጽንዓትን ዝሓትት ምሥጢር ንምርካብን በረኸቱ ንምስታፍን ጻዕሪን ተጋድሎን ከምዝሓትት ዘመልክት እዩ። ድኅሪ ኵሉ ጻዕሪ ኣብ ላዕሊ ምስ ደየብካ፡ ኵሉ ኣብ ትሕቴኻ ዘሎ ብቀሊሉ ክትርእዮ ከምእትኽእል፤ ብጽንዓት ኣብ ሃይማኖቱ ዝተጋደለ ኸኣ በረኸትን ጸጋን ምስ ረኸበ ኵሉ እቲ ዝሓለፎን ዝፍትኖን በቲ ሓደ፡ ነቲ ከቢድ ምሥጢራት ኵሉ በቲ ኻልእ ብቀሊሉ ክርድኦ ከምዝኽእል ዘመሳኽር እዩ። እዝን ከምዝን ዝኣመሰለ ምትእስሳር ከኣ ይርከቦ።

ስለዚ ባህልና ምስ ሃይማኖትና ዘለዎ ዝምድና ጥቡቕ ምዃኑ ፈሊጥና ምዕቃቡ ዝግባእ እዩ። ብተወሳኺውን ምስዚ ብምትሕሓዝ ኸኣ እዚ እዋን መስቀል ምድሪ ብዝተፈላለየ ሳዕርን እምባባታትን ዝኽደነሉን ዝውቅበሉን እዋን ስለዝኾነ፤ ነዚ ክፍለ ዓመት ብዝዘካኽር ኣገባብ በዓለ መስቀል፤ ብኸምዚ ሳዕርን እምበባን ደሚቑ ክረአ ንርእዮ። ምኽንያቱ እዋን ልምላመ ናብ ደረጃ ጽጌ (እምባባ) ከምዝበጸሐ ዘርእይ ስለዝኾነን በዓለ መስቀል ድማ ኣብዚ እዋን ጽጌ ከምዝኽበር ንምርዳእ እዩ።

እምበኣርከስ ንሕና በቲ ትሑት ዓቕምና፡ ነቲ ምሳሌ ዘለዎ ትውፊታዊ ምልክት ሳዕሪ ብኸምዚ ኣገባብ ከምዝኽበር ጠቒስና ኣሎና። ብወገንኩም ድማ እትፈልጥዎ ትምህርቲ እንተሎ ክትውስኽሉ ንላቦ።

በረኸትን ረድኤትን ቅዱስ መስቀሉ ምሳና ጸኒዑ ይንበር። ቡሩኽ በዓለ መስቀል ይግበረልና።

No comments:

Post a Comment