Wednesday, September 28, 2011

ከፋሌ ባሕር አቡነ ኤዎስጣቴዎስ (ካልኣይ ክፋል)

5.0 ስብከተ ወንጌልን ሓዋርያዊ ተልእኾን ኣብ ሃገርና

ድኅሪ ማዕርገ ክህነት ምቕባሎም ድማ ካብ እግዚአብሔር ዝተላእከ ቅዱስ ሚካኤል “ቃል እግዚአብሔር ዝራእ፤ ሕገ እግዚአብሔር ንገር” በሎም። በቲ ብልኡኽ እግዚአብሔር ዝተዋህቦም ትእዛዝ ብሓደ ወገን እናፈጸሙ ከለዉ፤ ገለ ክፋል ትምህርቶምን ተግሣጾምን ነቶም ንጉሥን መኳንንትን ከምኡውን ጳጳሳት ግብጺ ስለዘየሐጐሰ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙኅ ከይጸንሑ ካብቲ እቲ ንጉሥ ዝቖጻጻሮ ክልል ግዝኣት ርሒቖም ብምውጻእ ከምቲ እግዚአብሔር ዝገለጸሎም ናብ ደቡባዊ ክፋል ሃገርና ኣትዮም ክምህሩን ስብከተ ወንጌል ከስፋሕፍሑን ጀሚሮም። ብዙኅ ከይደንጐየ ድማ ትምህርቶምን ሰናይ ግብሮምን ትሩፋቶምን ኣብ ሕዝቢ ይኹን ኣብቶም ሹመኛታትን ገዛኢ ዝነበረ ባሕረ ነጋሢን ጽቡቕ ተቐባልነት ረኸበ። ካብ ትግራይ ናብ ሃገርና ኣብ ዝኣተዉሉ’ውን ምስ ውሱናት መነኮሳት ተምሃሮኦምን ኣርድእቶምን ከምዝነበረ ይፍለጥ። ጸኒሑውን ብዙኃን መነኮሳትን ተምሃሮን ድማ ትምህርቶምን ብቕዓቶምን ገቢረ ተኣምራቶምን ርእዮም ክስዕብዎም ጀመሩ።


ኣቦና ብነገሥታት ኢትዮጵያን ጳጳሳት ግብጽን ተቓውሞ ይግጠሞም ደኣ እምበር ጸኒዖም ስለቲ ካብ ቅዱሳን አበው እናተመሓላለፈ ንዝተቐበልዎ ሓቀኛ ትምህርቲ ካብ ምግዳል ወጻኢ ካብቲ ዝኣምኑሉ ጥንታዊ ትምህርቲ የማነ ጸጋም ኣየልገሱን። ጸኒዖም’ውን ተዓወቱ ደኣ እምበር ገድሎም ንኸንቱ ኣይተረፈን። ኵሉ መደብ እግዚአብሔር ስለ ዝነበረ ድማ ናቶም ናብ ሃገርና ምምጻእ ንበረኸት ኮነ። እዚ ኸኣ ሃገርና ብእኦም ክትባረኽን ብርእዮ ድማ ቤተ ክርስቲያን ትንሣኤኣ ክገሃድን ክዕምብብን ምኽንያት ኮኑ። በዚ መሠረት ኸኣ ሃገርና ማእከል ስብከቶምን፡ መትኒ ሓረገ ምንኵስናኦም ኮነት።

ብዘይካ እቲ ቃለ እግዚአብሔር ኣብ ልቢ ምእመናን እናዘርኡ ስብከተ ወንጌል ኣብ ከባቢ ዞባ ደቡብን ማእከልን ዘስፍሕዎን ዝተጋደልዎን ድማ ኣዝዩ ብዙኅ ኮይኑ፤ ማእከል መዋፈሪ ስብከቶምን ብሕትውናኦምን ዝነበሩ ከባቢ ደብረ ድማኅ ቆላ ሠራየ፡ ዝባን ቡር ኣከለ ጉዛይ፡ ከባቢ ማይምነ ቆሓይን፡ ከምኡውን ጐዳይፍ ኣሥመራ ብፍሉይ ዝጥቀሱ እዮም። ከም ኣካል ምስፋሕ ስብከተ ወንጌል ከኣ ክሳብ ሕጂ ጠሊ በረኸቶም ዘይተጋደፈና ንሶም ብፍሉይ ዝልለዩሎም ዓበይቲ ስርሓት’ውን ፈጺሞም እዮም፦ እዚኣቶምም ከኣ ብሥርዓተ ጳኵሚስ ዝካየዳ ናይ ሓድነት ገዳማት ብምስፋሕ ምንኵስና ምጽናዕ፥ በብዝኸድዎ ድማ ከም ኣብቲ ኅብረተሰብ ሳሕቲ በቚሉ ንዝረአ ዝነበረ ባዕድ ኣምልኾን ልማድ ኣሕዛብን ካብ ሱሩ ምምሓው፥ ካብ ሕገ እግዚአብሔር ወጻኢ ኣብ ጽዩፍ ተግባራት ተዋፊሮም ንዝነበሩ ነገሥታትን መኳንንትን ምግሣጽ እዩ ነይሩ። ብተወሳኺ’ውን እቲ ብፍሉይ ዝጥቐሱሉ ድማ ስለ ክብሪ ቀዳሚት ሰንበት ዝነበሮም ጽኑዕ ትምህርትን፡ ስሌኣ ዝገበርዎ ተጋድሎን እዩ። ኵሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣበርክትኦምን ተጋድሎኦምን በብኣርእስቱ ምስቲ ታሪኻዊ ድኅረ ባይትኡ ብዙኅ ክጸሓፈሉን ክትንተነሉን ዝግባእ እኳ እንተኾነ፤ ንሎሚ ንበረኸት ክኾነና ኣሕጽር ኣቢልና ክንተናኽፎ።

5.1 ምስፋሕን ምጽናዕን ትምህርተ ሃይማኖት
ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ሕዝቢ ብዝረኸብዎ ተቐባልነት፡ ሕቖኦም ተዓጢቖም መብራህቶም ኣብሪሆም ናብ ብዙኅ ከባቢታት ደቡብ ክፋል ሃገርና እናተዘዋወሩ ስብከተ ወንጌል የስፍሑ ነበሩ። ኣጽኒዖም ኸኣ ፲ቱ ሕገ ኦሪትን ፮ተ ቃላተ ወንጌልን መሃሩ። ኣቦና ኤዎስጣቴዎስ ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ኣብ ዝፍጽሙሉ ዝነበሩ ንብዙኃን ዝተጋገዩ ካብ መገዲ ጌጋኦም እናመለሱ፡ ንዝሓመሙ ኃይሊ እግዚአብሔር ተቐኒቶም፡ በቲ ምሉእ እምነቶም እናሕወዩ ብዙኅ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብሩ ነበሩ።

ቅዱስ ኣቦና ምስቲ ኵሉ ዝጋደሉሉ ዝነበረ ምስፋሕ ስብከተ ወንጌል፤ ሓደ ካብቲ ብቀዳምነት ዝጸዓሩሉን ድማ ኣእማደ ምሥጢር ብፍላይ ድማ ትምህርተ ምሥጢረ ተዋሕዶ ብንጹርን ብዕምቈትን ምምሃር እዩ ነይሩ። ብገለ መሲሎም ክኣትዉ ንዝደለዩ መናፍቓን ኸኣ በቲ ርቱዕ ትምህርቶም ኣብ ጉባኤ እናተረኽቡ ይረትዕዎምን የሕፍርዎምን ከምዝነበሩ ታሪኽ ሕይወቶም ይገልጽ።

በቲ ካልእ ድማ ቅዱስ ኣቦና መጻሕፍተ ብሉይን ሓዲስን ኣዛሚዶምን ኣመሥጢሮምን ኣብ ምምሃር ተጊሆም ዝዓየዩ እዮም ነይሮም። ገሊኦም ይፍትንዎ ከምዝነበሩ ማለት ንሕግን ነቢያትን (ብሉያት) ኣትሒትካ ብምርኣይን ግዲኦም ብምዝንጋዕን ኣብ ሓዲስ ጥራይ የተኵሩ ከምዝነበሩዎ ዘይኮነስ፤ ጐይታ ሕግን ነቢያትን ክፍጽም እምበር ክሥዕር ኣይመጻኹን ከምዝበሎ ብሉይ መሠረት ናይ ሓዲስ ምዃኑን ክልቲኦም በብመልእኽቶም ከም ሓደ ተሰማሚዖም ዝኸዱ ምዃኖም ኣጽኒዖም ይምህሩ ነበሩ። እዚ ኸኣ ብሉይ ምሳሌ ትንቢት፡ ሓዲስ ድማ ኣማናዊ ፍጻመ፤ ብሉይ ጽላሎት፡ ሓዲስ ኣካል ምዃኖም ኣሰማሚዖም እቲ ሓደ ብዘይካ እቲ ካልእ ዘይተረኽበን ዘይርከብን ምዃኑ ኣመሥጢሮም ይምህሩ ነበሩ።

ኣቦና ስብከተ ወንጌል የስፍሑሉ ኣብ ዝነበረ ዘመን (እንተላይ ቅድሚኦምን ድኅሪኦምን) ኣብ ውሱናት ርእሲ ነገራት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ሞንጎ ሊቃውንቲ ተዋሕዶ ኣብ ምትርጓም ምሥጢራት ገለ ፍልልያት ዝተራኣየሉን፡ በቶም ነገሥታት ዝምእከሉ ዝተፈላለዩ ጉባኤታት ድማ ይሥራዕ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ገለ ሊቃውንቲ ድማ ነዚ ሥውር ምትእትታው ይቓወምዎ ነበሩ። ቅዱስ ኣቦና’ውን ነታ ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ እግዚአብሔር ካብ ኵሉ ግብሩ ንዘዕረፈላ ሰንበት፡ ኣብ ሓዲስ’ውን ከምታ ሰንበተ ክርስቲያን ክትኽበር ኣለዋ ብምባሎም ተቓውሞታት ካብ ገለ ክፋል ሊቃውንቲ ገጢምዎም ነበረ። ይኹን ደኣ እምበር ንኵሉ ተቓውሞታት ነጺጎም ኣጽኒዖም ብምምሃሮም ነዚ ፍልልይ ንምፍታሕ ጉባኤታት ኣብ ሞንጎ ሊቃውንቲ ይግበር ነበረ።

ቅዱስ ኣቦናን ብድኅሪኡ ድማ ደቆምን ደቂ ደቆምን ምስቲ ማእከል ጳጳሳት ግብጺ ዝነበሩ ከተማታትን ሃጸያትን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝነበሮም ሓውሲ ብቱኽ ታሪኻውን ሃይማኖታውን ዝምድናታት፡ ናጻን ኃያልን ዝኾነ ገዳማት ዘማእክልዎ ኣድያመ ስብከት ብምቛም ምምሕዳራውን ጒስነታውን ስራሕ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ኣካይዶም እዮም። እዚ ኸኣ ብሰንኪ ነገረ ሰንበት ንኣስታት ፻፳ ዓመታት ብጋህዲ ቀጺሉ እኳ እንተተራእየ፤ እዚ ቅርጺ ምምሕዳር ክሳብ ምእታው ጥልያን ናብ ሃገርናን ድኅሪኡ ድማ ክሳብ ምቛም ብጳጳሳት ኢትዮጵያ ዝምርሑ ኣብያተ ጽሕፈት ሰበካ ጉባኤታት ብግብርስ ክስርሓሉ ጸኒሑ ነይሩ እዩ። ብዓመታት እንተደኣ ሓሲብናዮ ኸኣ ኣስታት ፭፻ ዓመት ዝኣክል ማለት እዩ።

ለቡ፦ ብምኽንያት ክብሪ ሰንበት ዝግበር ዝነበረ ጉባኤ፡ ምስቲ ድኅሪኦም ብምኽንያት ካቶሊካውያን ኣብ ልዕሊ ትምህርተ ተዋሕዶ ብዝዘርእዎ ኑፋቄ (“ቅብዓትን ጸጋን”) ንዝተፈጠረ ኣፈላላዪ ንምፍታሕ ምስ ተገብሩ ካልኦት ጉባኤታት ሓዋዊሶም ዝጽሕፉ ጸየቕቲ ታሪኽ ከምዘለዉ ድማ ምስትውዓልን ምጥንቃቕን የድሊ። ክልቲኡ ኣርእስቲ በበይኑ ደኣ እምበር ዘራኽብ’ውን የብሉን። እምበርኣርከስ ቅዱስ ኣቦና ስለታ ሓቀኛን ጥንታውን ተዋሕዶ ሃይማኖቶም ብምግዳል እዮም ስብከተ ወንጌልን ትምህርተ ሃይማኖትን ኣስፊሖም። ነዚ ምስክር ዝኾኑ ድማ ሕጂውን ህልዋን ዘለዉ ብተዋሕዶ ሃይማኖቶም ጸኒዖም ዝጋደሉ ዘለው ብደቆምን ደቂ ደቆምን ዝተመሥረቱ ዓበይቲ ገዳማት ሃገርና እዮም።

5.2 ምጽናዕ ሥርዓተ ምንኵስና
ሥርዓተ ምንኵስና ብርእሰ መነኮሳት ዝኾኑ ብኣባ እንጦንስ ኣብ ፬ይ ክፍለ ዘመን ኣብ ግብጺ እኳ እንተተጀመረ፤ ብዙኃን ቀልጢፎም ክስዕብዎም ነቲ ናይ ምናኔ ሕይወት ክመርጽዎን ተራእዮም እዮም። ጽኑዕ ናይ ሓድነት ሥርዓት ድማ ብአባ ጳኲሚስ ተገብረሉ። ኣብ ሃገርና ድማ ሽዑ ንሽዑ እዩ ብጊሓቱ ክተኣታቶ ክኢሉ። ብዘይካ ኣብ ግብጺ ከይዶም ዝመነኑ መነኮሳት ሓበሻ፡ ብኢድ ኣባ ጳኵሚስ ዝመንኮሱ ከም ኣባ ሊባኖስ ኣባ ዮሓኒ ዝኣመሰሉ ቅዱሳን መነኮሳት ናብ ሃገርና ብምምጻእ ክርስትና ኣስፊሖምን፡ ንእኦም ዝመስሉ ብዙኃን መነኮሳት ኣፍሪዮምን፡ ዓሰርተታት ገዳማት መሥሪቶምን እዮም።

እዚ ብኣባ ሊባኖስ ዝተተኽለ ሓረገ ምንኵስና ድማ ካብ ዘመን ናብ ዘመን፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሳገረን እናኃየለን እናሰፈሐን ክመጽእ ይኽኣል ደኣ እምበር ኣብ ገለ ክፍለ ዘመናትሲ ብዙኅ ተጻብኦን ምድኻምን የጋጥሞ ነበረ። ኣብ ፲፫-፲፬ ክፍለ ዘመን ድማ ኣብ ገለ ምድኻሙ እንደገና ኃይሊ ዝኾንዎን፡ ንትንሣኤኡን ዕቤቱን ድማ ዓቢይ ግደ ዝፈጸሙ ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ እዮም። ኣብቲ ዘመን (፲፪ ክፍለ ዘመን) እቲ ኣብ ማእከላይ ኢትዮጵያ (ሽዋ) ምስ ምምጻእ ካልእ ሓረገ ምንኵስናን (ቤት ተክለሃይማኖት) ሥርወ መንግሥትን (ዛጒዌ) ብነገሥታት ኢትዮጵያ እናተደገፈ ጽልውኡ የስፍሕ ደኣ እምበር፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሐ ጒንዲ ምንኵስና ዝያዳ በዞም ቅዱስ ኣቦ ክኅይልን ጽልውኡ ድማ ክሳብ ሰሜን ኢትዮጵያ (ጣና) ከስፍሕን ክኢሉ ነይሩ።

እቲ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝተኸተልዎ መገዲ ድማ ፍጹም ምናኔ ዝዓብለሎ ናይ ጳኲሚስ ናይ ሓድነት ሥርዓት እዩ ነይሩ። ቅዱስ ኣቦና ድማ ነዚ ሕግ ወሥርዓት ንተምሃሮኦም ኣብነት ብምዃን ዝያዳ ኣጽኒዖም ክሕዝዎ ይምህርዎምን ይላበውዎምን ነበሩ። መነኮሳት ብንጽሕና፡ ብድንግልና፡ ብጽኑዕ ሥርዓተ ኣምልኾ እናተመላለሱ ብፍጹም ፍቕሪ ንእግዚአብሔር እናምለኹ ክፍጽምዎም ካብ ዝግብኦምን፡ ብአባ ጳኲሚስ ካብ ዝተሠርዓሎም ገለ ካብ ሕግታት ወሥርዓት ድማ ስሩዕ ኃባራዊ ጸሎተ ማኅበር ገዳም (መነኮሳት)፡ ሕደ ዓይነትን ብኃባር ምምጋብን፡ ኃባራዊ ንብረት እምበር ናይ ውልቂ ንብረት ካብ ምውናን ምኽልካል፡ እቶትን ወጻእን ኃባራዊ ክኸውን፡ ሕደ ዓይነት ልበሰ ምንኵስና ክህልዎም፡ ቃለ እግዚአብሔርን ቅዱሳት መጻሕፍትን ኣብ ምንባብን ምስማዕን ክተግሁ፡ ሰሪሖምን ጽዒሮምን ክበልዑ ወቦ ዘተርፈ ዝብሉ ቀየድቲ ናይ ተዓቅቦ ሕግታት ይርከብዎም።

ብፍላይ ኸኣ ደቆም መነኮሳት ንዝምገብዎ ባዕሎም ከዳልዉ እምበር ዝጠዓመን ዝጸበቐን፡ ብኣንስቲ ንዝተዳለወን ከይለኽፉ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ይላበዉ ነበሩ። ርእሰ ምርኮሳ ዝዓንዱ ሕጊ ክኽተሉን ንመናባብሮኦም ዘድልዮም ዘበለ ድማ ባዕሎም ጽዒሮምን ደኺሞምን ሓሪሶም ክበልዑ እምበር፡ ካብ መሳፍንትን መኳንንት’ውን ከምኡውን ሹመኛታትን ሰብ ጸጋን መጠበሪ ዝኾኖም ረድኤት ወይውን ህያባት ከይቕበሉ ይእዝዝዎም ነበሩ። እዚ ኸኣ እቶም ገዳማት ኣብ ውሳኔታቶም ይኹን ኣካይዶኦም ብፍጽምናን ብናጽነትን ምስ ሕግን ፍቓድን እግዚአብሔር ክጓዓዙ ደኣ እምበር፡ በቶም ዓለማውያን ከይጽለዉን ፈጸምቲ ፍቓድ ነገሥታት ኮይኖም ከይተርፉ ንምጥንቃቕ ነበረ። በቲ ካልእ ድማ እቶም መነኮሳት ኣብ ጒዳይ ዓለማዊ ሥልጣንን ምምሕዳርን ኢዶም ከየእትዉ ንኽዕቀቡ ምእንቲ እዩ።

ኣቦና ንርእሶም ኣብነት ኮይኖም ብጽኑዕ ተባሕትዎ ዝተጋደሉሎም ስፍራታት ኣዝዮም ብዙኃን እዮም። ንምሳሌ ኣብ ከባቢ ዓረዛ ጥቓ ደብረ መርቆሪዎስ (ደብረ ድማኅ) በርቋሕ ኣብ ዝተባህለት ጐቦ በዓቲ ብምዕጻው ን፯ ዓመት ዝኣክል ጸሎት ብምግባር ምስ ኣምላኾም ይራኸቡ ነበሩ። ብዙኅ ራእይ ድማ ይግለጸሎም ነበረ። ካልእ ድማ ኣብ ቆሓይን ንተንኮል ሰይጣን ዘፍረሱሉን ንሕዝቢ ዝመሃሩሉን ድማ ተወሳኺ ምሳሌ ኮይኑ ክጥቐስ ይከኣል። እዚ ኵሉ ክፍጽሙ ከለዉ ድማ ምስ ደቆም መነኮሳት ብምዃን ስለዝነበረ፤ ኵሎም ኣበየናይ ማዕርግ ቅድስና በጺሖም ከምዝነበሩ ዘረድእ እዩ።

5.3 ምስፋሕ ገዳማትን ሓረገ ምንኵስናን

ቅዱስ ኣቦና አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝመሃርዎምን፡ ብሥርዓተ ምንኵስናን መንፈሳዊ ተጋድሎን ብጸጋ ዝወለድዎምን ኣቦታት፡ ኣዝዮም ብዙኃን እዮም። በዚ መሠረት ኸኣ ናይቲ ዳኅረዋይ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዳግም ናይ ዝዓምበቡ ገዳማት ኤርትራ ኣቦ ወይውን ርእሲ እዮም ክብሃል ይከኣል።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ሓረገ ምንኵስና ሃገርና ካብ አቡነ ሊባኖስ ዝጅምር እዩ። እዚ ኸኣ ካብቲ ሡር ምንኵስና ዝኾኑ አቡነ እንጦንስ ብዙኅ ዘይርሕቕ እዩ። ከመይሲ አቡነ ሊባኖስ ምንኵስናኦም ካብ አባ ጳኵሚስ ኮይኑ፡ ምንኵስና አባ ጳኲሚስ ድማ ካብ አቡነ መቃርስ እዩ። ናይ አቡነ መቃርስ ምንኵስና ድማ ኣቡነ እንጦንስ ብምዃኑ ኣብቲ ሱሩ ቀልጢፉ ይበጽሕ ኣሎ ማለት እዩ። ስለዚ ፈላሚ ሓረገ ምንኵስና ኤርትራ ዝኾኑ አቡነ ሊባኖስ ካብ እንጦንስ ኣብ ሣልሳይ ወለዶ ዝርከቡ ኮይኖም፤ ካብቲ ንሕገ ምንኵስና ድልዱል መሠረት ዘንበሩ አቡነ ጳኵሚስ ግና ኣብቲ ቀዳማይ ወለዶ ዝተረኽቡ እዮም ነይሮም።

ካብ ኣቡነ ሊባኖስ ናብ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ክንመጽእ ከሎና ድማ እቲ ሓረገ ምንኵስና ከምዚ ዝስዕብ ኮይኑ ንረኽቦ። አቡነ ሊባኖስ ንአባ አድኃኒ ወለዱ። አባ አድኃኒ ንአባ ዖፅ ወለዱ። አባ ዖፅ ድማ ንአባ ጰላድዮን ወለዱ። አባ ጰላድዮን ንአባ ቅቡእ እግዚእ ወለዱ። አባ ቅቡእ እግዚእ ንአባ አትናቴዎስ ወለዱ። አባ አትናቴዎስ ድማ ንአባ ይስሐቅ (ዘታኪታ) ወለዱ። አባ ይስሐቅ ንእምነሰንበት ወለዱ። እምነሰንበት ንአባ ዳንኤል ወለዱ። አባ ዳንኤል ድማ ነቶም ኣርእስቲ ጽሑፍና ዝኾኑ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ወለዱ።

አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ድማ ብዙኃን ገዳማት ኤርትራ ንዝመሥረቱ ኣቦታት ብምንኵስና ዝወለዱ እዮም። ዳርጋ ዝበዝኁ ህልዋት ገዳማት ሃገርና ብደቆም (አቡነ መርቆሪዎስን አቡነ አብሳዲን) ካብ ደቆም ብዝተወልዱ (ምንኵስና) ደቂ ደቆም (አቡነ ፊልጶስ፡ አቡነ እንድርያስ ዕፉን፡ አቡነ ቡሩክ፡ አቡነ ብፁዓ አምላክ፡ አቡነ ዮናስ… ዝጥቐሱ እዮም)።

እቶም ቀዳሞት ምስ ቅዱስ አቦና ናብ ሃገርና ዝኣተዉን ብኢዶምን ብደቆም ዝመንኮሱን፡ ብፍሉይ ከም ሓንቲ ስድራ (ደቂ ቀሲስ ቶማስን ኣደይ ሰሎሜን) እትጥቀስን፡ ምልእቲ ስድራ ኣብ ናብራ ብሕትውና ተጸሚዳ ዝነበረትን እያ። እዛ ስድራ ድማ ንወለዶምን ን፫ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን ዝሓቈፈት እያ ነይራ። ንሳቶም ድማ አቡነ መርቆሪዎስ (ደብረ ድማኅ ዓረዛ ዝመሥረቱ)፡ አቡነ አብሳዲ (ገዳም ደብረ ማርያም - ደብረ ክሳሔ ቆሓይን ዝመሥረቱ)፡ አቡነ ማቴዎስ (ደብረ በርበሬ ትግራይ ከባቢ ዓድዋ ዝገደሙ) ሓፍቶም መክበበ ድንግልን ብዓመጽ ዝተወልደ ወደን አቡነ ቴዎድሮስን (ርሒብ ባይታ ከባቢ መረብ ዝገደሙ) እዮም። ብሓፈሻ ኣብ ሃገርና ጥራይ ብደቅን ደቂ ደቅን አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝተገደሙን ሎሚ ህልዋት ኮይኖም ዝረኣዩ ገዳማት ፲፪ ይበጽሑ። መበል ፲፫ ምባል ዝከኣል እንተኾይኑ ድማ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሩባ መረብ ዝተሠረተ ኮይኑ ብስም አቡነ ቴዎድሮስ ገዳም ዝተገደመ እዩ።

ለቡ፦ ሕመረት ጽሑፍና ናይ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ብምዃኑ ብእኦም ንዝቐጸለ ሓረገ ምንኵስና ኣተኲርና ንዝርዝር ኣሎና ደኣ እምበር፡ ኣብ ሃገርና ክልተ ሓረገ ምንኵስና ከምዘሎ ስሒትና ወይውን ዘንጊዕና ኣይኮነን። እቲ ሓደ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ናይ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ክኸውን ከሎ ዋና ጨንፈሩ አቡነ ሊባኖስ እዮም፤ እቲ ካልእ ጨንፈር ናይ አቡነ ተክለ ሃይማኖት ኮይኑ ዋና ጨንፈሩ ድማ አቡነ ቴዎድሮስ እዮም። ገለ ካብ ደቂ እቲ ካልኣይ ጨንፈር ድማ አቡነ ሰይፈ ሚካኤልን አቡነ እንድርያስን (ሰፍአ) ይርከብዎም።እዞም ዋናታት ክልተ ጨናፍር አቡነ ሊባኖስን አቡነ ቴዎድሮስን ድማ ደቂ አቡነ ጳኲሚስ እዮም፤ ኣብኦም ድማ ይራኸቡን ሓደ ይኾኑን።

5.4 ምምሓው ባዕድ ኣምልኾ
አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከም ክፋል ምስፋሕ ስብከተ ወንጌል፡ እግረ መገዶም ኣብቲ ሕዝቢ ከም ክርዳድ ስሕት ኢሉ ዘጋጥሞም ንዝነበረ ባዕድ ኣምልኾ ኣብ ምጥፋእን ምምሓውን ጠንኪሮም ሰሪሖም እዮም።

ንምሳሌ ኣብ ኣድያመ ጽልማ ከባቢ ድባርዋ (ዱባ ኣብ ሩባ) ኣብ ፲፪/12 ዓበይቲ ድማታት ብናይ ጣዖት ስርዓተ ስብሒ እንዳምከኹ፡ ጤለ በጊዕ እናሓረዱ፡ ግብሪ ሰይጣን ዝፍጽሙለን ዝነበሩ ኣእዋም ብኃይሊ እግዚአብሔር ቆሪጾም ብሓዊ ኣቃጺሎም ነቶም ካብ እምነቶም ተመዛቢሎም ዝነበሩ ሰብ ጽልማ ናብቲ ሓቀኛ ኣምልኾ እግዚአብሔር መለስዎም።

5.5 ምግሣጽ መኳንንትን ነገሥታትን
ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከም መጥምቀ መለኮት ገጽ ርእዮም ዘየዳልዉ ሓቀኛ መምህርን፡ ሰዓቢ ክርስቶስን ስለዝነበሩ ነቶም ኣብ ዘመኖም ዝነበሩ እሞ ካብ ሕገ እግዚአብሔር ወጻኢ ብምኻድ ነቲ ሕዝቢ ንዝገዝእዎን ንዝብድልዎን ሹመኛታት ኣግሂዶም ይወቕስዎም ነይሮም። በዚ ኸኣ ተባዕ መምህር ከምዝነበሩ ገድሎምን ዜና ታሪኾምን ይገልጽ። ሓደ ካብቲ ነቶም ገዛእቲ ካብ ዝቓወምዎም ዝነበሩ ተግባራት ኸኣ ብንግዲ ገላዩ ዝፍለጥ ዝነበረ ንግዲ ወዲ ሰብ እዩ ነይሩ። እዚ ንክብሪ ሰብ ናብ እንሰሳ ዘውርድ ጽዩፍ ተግባር ብሕገ ክርስትና ኽልኩል ኮይኑ ከብቕዕ፡ በቶም ክርስቲያን ኢና ዝብሉ ነገሥታት ይፍጸም ስለዝነበረ፤ ኣቦና ነቶም ገበርቱ ይግሥጽዎም ነበሩ። ኣብ ገሊኡውን ክሳብ ምውጋዝ በጺሖም እውን ምስቶም ነገሥታት ዝበኣሱሉ ጊዜ ነይሩ እዩ።

እቲ ናይ ኣቦና ተቓውሞ ኣብዚ ጥራይ ኣይበቕዐን። እንታይ ደኣ እቶም መኳንንትን ነገሥታትን ኣብ ዘይምልከቶም ጒዳይ ሃይማኖት ኢዶም ብምእታው ክውስኑን፤ ኣብ ገለ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን’ውን ገበርትን ሓደግትን ኮይኖም ክረኣዩ ይፍትኑ ብምንባሮም “ኢድኩም ኣልዕሉ” ዝኣመሰለ ተቓውሞ ብትብዓት ካብ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ይቃላሕ ነበረ። በዚ ምኽንያት ኸኣ እዮም ካብቲ ማእከል ነገሥታት ካብ ዝነበሩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ክግዕዙን ናብ ደቡብ ኤርትራን ክመጹን ምኽንያት ዝኾኖም።

ቅዱስ ኣቦና ሃይማኖትን (ቤተ ክህነትን) ዓለማዊ ምምሕዳርን (ቤተ መንግሥትን) በብናቱ ነናቱ ክገብር እምበር ክተሓዋወስ ፍቓዶም ኣይነበረን። መትከል ቅዱስ ኣቦና ንጹር እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ቅዱስ ሕገ እግዚአብሔር ክትፍጽምን ከተፈጽምን፡ ቃለ እግዚአብሔር ጥራይ ድማ መምርሒኣ ገይራ ክተሰርሕ ደኣ እምበር ንካልኦት ዓለማውያን መሳርሒ ወይውን እቶም ቅዱሳን ኣቦታት ሰዓብትን ሰበኽትን ሰማያዊ መንግሥቲ ካብ ምዃን ሰጊሮም ኣብ ጒዳይ ዓለማዊ መንግሥቲ ደገፍትን ተቓወምትን ኮይኖም ከይርከቡ ዘጠንቅቕ ነበረ።

ኣቦና ቀንዲ መምርሒ ገይሮም ዝጥቀሙሉ ኣብ ብሉያትን ሓዲሳትን ሰፊሩ ንዘሎ ሕገ እግዚአብሔር ነበረ። ሐዋርያት ንዘጽንዕዎ መገዲ ተኸቲሎም ድማ ነቲ ጽኑዕ ቃል እግዚአብሔር ብዘይ ምሽርማም ክፍጽሙ ይጋደሉ ነበሩ። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዝኽተልዎ ዝነበረ ሥርዓት ድማ ጐይታ ድኅረ ትንሣኤኡ ቅድሚ ዕርገቱ ንሓዋርያት ንዝመሃሮም መጽሓፈ ኪዳንን፡ ሓዋርያት ብሲኖዶሶም ንዝወሰንዎ ሥርዓትን እዩ ነይሩ።
                                                                                                                                     ይቅጽል...                                                                                                                                                                                           


No comments:

Post a Comment