Thursday, September 22, 2011

መስቀል (ካልኣይን መወዳእታን ክፋል)

ክብሪ ቅዱስ መስቀል 
ብዛዕባ ክብሪ ቅዱስ መስቀል ኣብ መጻሕፍቲ ብዝግባእ ተጻሒፉ ይርከብ። ቤተ ክርስቲያን’ውን መሠረታ መስቀል ቀራንዮ፤ ጉዕዞኣ መስቀል፡ ዕላምኣ መስቀል እዩ። ስለዚ ኸኣ ንኵሉ ንዋያታ ብመስቀል ተኽብሮምን ትባርኾምን፤ ምልክት መስቀል ድማ ትገብረሎምን። በዚ መሠረት ኸኣ ንሕና ምእመናን ንመስቀለ ክርስቶስ ፍሉይ ክብሪ ንህቦ። ምኽንያቱ መስቀል፦ 
  • ኣምላኽና ክንደየናይ ከምዘፍቅረና ንዝክረሉን ነስተንትነሉን እዩ። “ንሱ ንሕይወቱ ኣብ ክንዳና ስለዘሕለፈ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጦ ኣሎና” (ቀዳማይ ዮሐ ፫፥፲፮/3፥16) ነቲ ፍጹም ፍቕሩ ክገልጸልና ዝመረጾ ስፍራ ክቡር መስቀሉ ስለዝኾነ፤ ንጐይታናን መድኃኒትናን ኢየሱስ ክርስቶስ እነፍቅር ኵልና፡ መስቀሉ ከነፍቅር ናይ ግድን እዩ። ጐይታ በጃ ኣባጊዑ ብሥልጣኑ ንርእሱ ንናይ መስቀል ሞት ኣኅሊፉ ምሃቡ ሓቀኛ ጓሳና ምዃኑ ዘረድእ እዩ። ብወርቅን ብሩርን ዘይኮነሲ ብክቡር ደሙ እዩ ዓዲጉናን፡ ካብ መግዛእቲ ዲያብሎስ ሓራ ኣውጺኡናን። ስለዚ ማኅተም ፍቕሩ ኣብ መስቀሉ ንረኽቦ ኢና እሞ ናብ መስቀሉን ፍቕሩን ነቕልብ። 
  • ቅዱስ ሥግኡ ዝተቖረሰሉ ክቡር ደሙ ዝፈሰሰሉ ዙፋኑ እዩ። አምላከ ሰማይ ወምድር ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምድራዊ ዙፋኑ ክኸውን ዝመረጾ ቅዱስ መስቀሉ እዩ። ምኽንያቱ ንሕና ክንክብር ምእንቲ፡ ምእንታና ተሰቒሉ ቅዱስ ሥግኡ ቆሪሱ ክቡር ደሙ ኣፍሲሱ እንኩ ብልዑ እንኩ ስተዩ ኢሉ ንዓለም ሕይወት ዝሃበሉ ስለዝኾነ። እቶም ናቱ ዝኾኑ ኸኣ ክቕመጠሉ ንመረጾ መንበሩ ይፈትዉ (ሉቃ ፳፪፥፲፮-፲፱/22፥16-19)። 
  • ዲያብሎስ ዝሓፈረሉ፡ ሞት ዝተሣዕረሉ፡ ደቂ ኣዳም ካብ ሲዖል ሓራ ዝወጸሉ እዩ። (ኤፌ ፪፥፲፮/2፥16) ኣቐዲሙ ብሰንኪ ውድቀት ኣዳም ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ሞት ነጊሡ ነበረ። (ሮሜ ፭፥፲፪-፲፬/5፥12-14) ይኹን ደኣ እምበር ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ንጸላኢና ዲያብሎስ ካብ መገዲ ኣወጊድዎ። ኣብ ልዕሌናውን ኃይሊ ከምዘይህልዎን ከምዘይሥልጥን’ውን ገበሮ። ዲያብሎስ ብመስቀል ስለዝተሣዕረ ኸኣ መስቀል ምልክት ኃይልና ክኸውን ድማ ስለዝተዋህበናን ወትሩ ጸሎትናን ካልእ ጕዳያትናን ብትእምርተ መስቀል ገጽና ብምምዕታብ ንጅምርን፤ ንዝጻብኣና ዘበለ ካባናን ካብ ከባቢናን ነርሕቕን። ዲያብሎስ ኃይሉ ዝሰኣነሉ ዝሓፈረሉን ዝተዋረደሉን መስቀል ጐይታ ብምዃኑ ድማ መስቀል ትምክሕትና እዩ። “ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ። ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም።” (ቈሎ ፪፥፲፬/2፥14) ጐይታና ኣብ መስቀል ሞይቱ ንሞት ካባና ስለዘወገደልና ከምዚ ኢልና ክንዛረብ ክኢልና፦ “ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፤ ኣታ ሲዖል ኣበይ ኣሎ ዓወትካ” (ቀዳማይ ቆሮ ፲፭፥፶፬/15፥54) 
  • ጥበብ ዲያብሎስ ዘፍርሰሉን፡ ጥበብ ጠቢባን ከንቱ ዝገበረሉን እዩ። ዲያብሎስ ብሥጋ ከይሲ ተሠዊሩ፡ ብዕፅ ትምኒት ኣምላኽነት ኣኅዲሩን ኣታሊሉን፡ ንኣዳምን ሔዋንን ካብታ ጽብቕቲ ስፍራ ገነት ካብ ልዑል ጐይትኦም እግዚአብሔር ፈለዮም። ጐይታ ድማ ጥበብ ዲያብሎስ ክሥዕር ኣብ ዕፅ ተሰቒሉ ሕይወትን ጸጋን ሃቦም። እግዚአብሔር ድንቂ ሥራሕ ዝሰርሓሉ ኣገባብ፡ ሰባት ብዘይጽበይዎን ብዘስተናዕቕዎን ነገራት ምዃኑ ቅዱስ መጽሓፍ ብሰፊሑ ዘረድኣና እዩ። ባሕሪ ኤርትራ ክኸፈል በትሪ ሙሴ እዩ መሪጹ፤ ንእስራኤላውያን ካብ ሞት ከድኅኖም ከሎ ኣስራዚ ተመን ጥራይ ከምዝጥምቱ እዩ ገይርዎም። ንሞት ንምሥዓር’ውን ንሞቱ መረጸ እምበር ሰይፍን ሠራዊትን ኣይጸወዐን። ጥበብ ጠቢባን’ውን ከንቱ ንምግባር ነቲ ሰባት ዝንዕቕዎ መረጸ፤ ንዲያብሎስ ኸኣ ብዘይተጸበዮ ጥበብ መጾ። “ግና፡ ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኼሕፍርሲ፡ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ፡ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ። ሥጋ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕውን፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣነ ገለ እየ፡ ዚብል ከንቱ ምእንቲ ኺገብር፡ ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ገለ ዘይኰነን ሐረየ።” (ቀዳማይ ቆሮ ፩፥፳፯/1፥27) 
  • ዝተዓጽወ ኣፍ ደገ ናይ ገነት ዝተራኅወሉ እዩ። ብምኽንያት በደል ኣዳም እግዚአብሔር ንኽገዝኣን ከመሓድራን ካብ ዝተዋህበቶ ጽብቕቲ ስፍራ ገነት ወዲ ሰብ ተሰጐ። ዳግማይ ከይምለሳውን ብሰይፊ ኪሩቤል ተዓጽወት። ጐይታናን ኣምላኽናን ግና ኣብ መስቀል ተሰቒሉ፡ ናይ ቀደም ርስትና ንዝኾነት ገነት ከፊቱልና። “ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ክትከውን ኢኻ” ዝብል ናይ ብስራት ድምፂ ኸኣ ኣስምዓና። (ሉቃ ፳፫፥፵፫/23፥43) ስለዚ መስቀሉ ኣብ እንርእየሉ ደቂ ሰባት ን፭ሺሕን ፭፻ ሚእትን ዓመታት ዝኣክል ናይ ዝተጸበይዋ ርኅወተ ገነት ንዝክር። 
  • መንፈሳዊ ኃይሊ ንረኽበሉ፤ ዕዮና ንባርኸሉ እዩ። መስቀል ንኣጋንንቲ ዘርሕቕ በረኸት ዘውህብ ብምዃኑ፡ ዕዮና ካብ መጻወድያ ኣጋንንቲ ኣርሒቑ ዝተባረኸ ይገብሮ። “ቃል መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንዓና ንእንድኅን ግና ኃይሊ ኣምላኽ እዩ” ከምዝበሎ፡ ንተንኮላትን ተጻብኦን ጸላኢና ዲያብሎስን ኃጢኣተ ዓለምን ንሥዕረሉ ኃይሊ ብመስቀሉ ንረክብ። (ቀዳማይ ቆሮ ፩፥፲፰/1፥18) ነገረ መስቀሉ ወትሩ ኣብ ልቦናና ምስ እንስተንትኖ፡ ጐይታና ስሌና ዝገበሮን ዝተቐበሎን መከራ ኣብ ልብና ምስ እንኃትሞ፡ ወትሩ ክፍትነናን ብኃጢኣት ክወግኣና ዝደሊን ሥጋዊ ፈቓዳትና ኃይሉ ይደክም፤ ዝፍተናንውን ካባና ይርሕቕ። ስም ቅድስት ሥላሴ ጸዊዕና ናትና እንብሎ ንብረትናን ሥራሕናን ብመስቀሉ ምስ እንባርኾ፤ ኵሉ ዝተባረኸ ይኸውን። ስለዚ ኸኣ እዩ ክባርኹ ሥልጣን ዝተዋህቦም ኣዕይንተ እግዚአብሔር ካህናት፡ ካብ ኣእዳዎም መስቀል ዘይፍለይን ንኵሉ ድማ ብመስቀል ዝባርኹን። ንሕና’ውን ነዚ በረኸት ንምርካብ እዩ ክንቕልጥፍን፤ ክንተግህን ምዕዶ ዝወሃበና። 
  • መስቀል መመክሒና እዩ። “በቲ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ብእኡ ንዓይ እተሰቕለት፤ ኣነ እውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተዘይኮይኑስ ትምክሕቲ ዘበለ ካባይ ይርሓቕ” በለ እቲ ዓቢይ መምህር ቅዱስ ጳውሎስ። ብክርስቶስ ክርስቲያን ዝኾነ ዘበለ ብኣምላኽ ዝተዋህቦ ስለዝኾነ ነዚ መመክሒ ክድገፈሉ ዝግባእ እዩ። (ገላ ፮፥፲፭/6፥15) 
  • መስቀል ሰላምና እዩ። ወዲ ሰብ ብሰንኪ ሕጉ ምፍራሱ ካብ እግዚአብሔር ስለዝተፈለየ፤ ተዋሂብዎ ዝነበረ ሰላምን ጸጋን ስኢንዎ ነበረ። ኣብ ሓዘንን ጭንቀትን እናነበረ ኸኣ ዘመናት ኣሕለፈ። እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ዘተስፈዎም ጊዜ ምስ ኣኸለ ሰላምና ክምልስ ጐይታ ፍቓዱ ምስ ኮነ፡ እቲ ናይ ሰላምና ምልክት ንመስቀል ገበሮ። “አምላኽ በቲ ወዱ ኣብ መስቀሉ ዘፍሰሶ ደም ገይሩ ሰላም ገበረ፤ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ምስ ገዛእ ርእሱ ዓረቖ” (ቈላ ፩፥፳/1፥20) 
  • ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ህያብ ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንዝክረሉ እዩ። (ዮሐ ፲፱፥፳፭/19፥25) ጐይታና ኵሉ ዝመጸሉ ዕላማ ፈጺሙ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኣብ ዝተሰቕለሉ፡ ነታ ክብርት ወላዲቱ ኣብ እግሪ መስቀሉ ኮይና ክትሓዝን ከላ ስቕ ኣይበላን። ኣብቲ ብሰብ መግለጺ ዘይርከቦ ጽንኩር ናይ መስቀል እዋን፤ ትንቢት ነቢያት፤ ተስፋ ኪዳን ብኣኣ ከምዝተፈጸመ ብዝረገጋጽ ቃላት “እንሃት ኣዴኻ” ብምባል ንዮሓንስ ኣብ ክንዲ ኵልና ኣደ ክትኾኖ ብሓደራ ሃቦ። ንሱ’ውን ተቐቢሉ ናብ ቤቱ ወሰዳ። ንዓዓ ዝሃበና እግዚአብሔር ይመስገን፤ ናብ ኣባይቲ ልቦናና ክንወስዳን ከነእትዋን ኣብ መስቀል ብኣምላኽ ህያብ ዝተዋህበትና ቅድስት ድንግል ኣዴና እያ። ስለዚ መስቀሉ ብዝረኣናን ብዝተሳለምናን፡ ኣብ ቀራንዮ ኣብ እግረ መስቀሉ ብጸጋ ኣደ ክትኮነና ንዝተዋህበትና ቅድስት ድንግል ማርያም ንዝክር፤ ክብርቲ ህያብ ጐይታ ስለዝኾነት። 
ንመስቀል ዝግብኦ ናይ ፀጋ ስግደት 
ነቢየ እግዚአብሔር ዳዊት ብትንቢት “ናብ ማኅደሩ ንኣቱ ኣብ መርገጽ እግሩ እውን ንሰግድ” (መዝ ፻፴፩፥፯/132፥7) ከምዝበለ፡ ኣብ ዝባነ ኪሩብ ደው ዝብላ ኣእጋር ንድኅነት ደቂ ሰባት ኣብ መስቀል ዝወዓለሉ ብምዃኑ፡ መስቀል ናይ መድኃኔ ዓለም ዝፋን ቀራንዮ ስለዝኾነ ንሳለሞን ንሰግደሉን። 

ደጊሙ’ውን ቅዱስ ዳዊት “ቅዱስ እዩ እሞ ኣብ ድኳ እግሩ ስገዱ” ከምዝበለና ጐይታ መርገጽ እግሩ ንዝገበሮን ብደሙ ንዝቐደሶን መስቀል፤ ቅዱስ እዩ እሞ ንሰግደሉ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “እምበኣርከስ ክብሪ ንዝግብኦ ክብሪ፤ ፍርሃት ንዝግብኦ ፍርሃት፤ ክብረት ንዝግብኦ ክብረት፤ ንዅሉ እቲ ዝግብኦ ሀብዎ” ከምዝበለና መስቀል ድማ ብደም ክርስቶስ ዝኸበረ ከም ምዃኑ ኣዝዩ ልዑል ክብሪ ይግብኦ። ናይ ጸጋ ስግደት ድማ ንሰግደሉ።

ኣጽራረ መስቀል 
ቅዱስ ጳውሎስ “ብዙኃትሲ ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኮይኖም ይመላለሱ ኣለዉ” ከምዝበለ ንመስቀል ዘየኽብሩ ኣለዉ። እዚኣቶም ግና ፍጻሜኦም ጥፍኣት እምበር ሕይወት ከምዘይኮነ ቅዱስ መጽሓፍ ብግልጺ ይነግረና እዩ። (ፊል ፫፥፲፰/3፥18) ኣምላኽ ንድኅነተ ዓለም ኢሉ ጸዋተወ መከራ ንዝተቐበለሉን፡ ንዝሞተሉን፡ ፍቕሩ ብምግላጽ መድኃኒት ንዝዓደለሉን ድንቂ ግብሪ ካብ ምክሓድ ዝዓቢ እንታይ ዕሽነት ክርከብ። 

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ቃል መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ። ንዓና ንእንድኅን ግን ኃይሊ ኣምላኽ እዩ” (ቀዳማይ ቆሮ ፩፥፲፰/1፥18) ኢሉ እዩ። ኮይኑ ግና ኣብ ልቦና ሰባት ክፉእ ምኽሪ እናመኸረ፡ ሰባት ነቲ ዝድኃኑሉ መስቀል ከየኽብርዎን ከየፍቕርዎን ዝገብር እቲ ናይ ጥንቲ ጸላኢና ዲያብሎስ እዩ። ምኽንያቱ ብዛዕባ መስቀል ነኸየስተውዕሉ ስለዝገበሮም እዩ። “ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ከም ስቑል ኮይኑ ነበረ። ንሓቂ ከይትእዘዙ ደኣ መን ኣዘመኩም” (ገላ ፫፥፩/3፥1) 

ንመስቀል ምቕዋም ማለት ንክርስቶስን ነቲ ዝገበሮ ኵሉ ዓበይቲ ግብርታት ምቕዋም እዩ። ብመስቀል ዝተጐድአን ዝረሓቐን ዋና ጽልኢ ዝኾነ ዲያብሎስ እዩ። መድኅን ዓለም ክርስቶስ ንመስቀል ሸለል ክንብሎ ዘይኮነሲ እኳ ደኣ ንኵሉ ገዲፍና መስቀሉ ጸይርና ክንስዕቦ እዩ ኣዚዙና። (ኤፌ ፪፥፲፮/2፥16 ቈሎ ፪፥፲፬/2፥14) 

መስቀል ኣብ ሃገርናን ባህልናን 
ምእመናን ምስ መስቀለ ክርስቶስ ዘለዎም ዝምድና ኣዝዩ ልዑል እዩ። ኣብ መስቀል ዘለዎም ፍቕሪ እምነት ተስፋ መግለጺ’ውን ዝርከቦ ኣይኮነን። ኣብ ኵሉ ዝበለጸን ዝደመቐን ነገር መስቀል ምሥዓልን ምቕራጽን ልሙድ ነገር እዩ። ዝኾነ ምእመንውን ብትእምርተ መስቀል ዘየማእትብን ኣብ ክሳዱ ማዕተበ መስቀል ዘይኣስርን ንመስቀል ዘይሰግድውን ኣይርከብን። መስቀል ኣብ ዝረኸቡሉ ድማ ፍቕሮም ብምስዓም ይገልጽዎ። 

ቅንያት መስቀል ኣብ ኅብረተሰብና’ውን ናቱ ባህላዊ ኣገላልጻ ኣለዎ። ፀሓይ ዝበርቐሉ፤ ብሓዲሽ ሰዊትን ኣእታርን ሰብ ዝጸግበሉ፤ እንሰሳታት ጸጊበን ኣብ ሸኻታት ዝእንድራሉ፤ ምድሪ በብዓይነቱ ዕምበባ እተጊጸሉን እትኽደነሉን፤ ብዝተፈላለየ ዜማታትን ድምጺ ኣኽናፍን ምልኩዕ ሕብርታት ቂሐ ጽልሚ ኣእዋፍ መስቀልን ጽምብላሊዓትን ነፍሳትን ዝምልኣሉን እዩ። ብሓፈሻ ቅንያት መስቀል መሬት ብልምላሜን እምባባታትን ክትገልጾም ብዘይትኽእል ሕብረ ነገራትን (ሕብሪ፡ ድምፂ፡ ዓይነት) እንሰሳትን እትውቕበሉ እዋን እዩ። 

ድሮ መስቀል ድማ ተዘሪኡን በቝሉን ፈርዩን ዝነበረ ሓዲሽ ኣእኻል ንገሊኡ ናብ ኣፍ እተብለሉ ሸዊት እትጥመሉ እዋን እዩ። ጠረሾ ሓዲሽ እኽሊ ሒዞም ነተን ጥሪት ኣብ ማእከል ብምግባር ሽግ ኣብሪሆም ዓኾኳይ ዓኾዃይ እናበሉ ጠረሾ ድሕሪ ምቅብባል፡ እቲ ጠረሾ ኣብ ዝባን ዝፈትውዎ ጥሪት ምሸት ይቑረስ። ነዚ ዘብጽሖም እግዚአብሔር እናመስገኑ ኸኣ ከም ባርኾት ነቲ ዝተቖርሰ ጠሮሾ ተኻፊሎም ይጥዕምዎ። ድኅሪ እዚ ገዓት ሓዲሽ እኽሊ ተጋዒቱ ብጠስምን ርጉኦን ይድረሩ፡ ኣብ ርእስ ኵሉ ድማ ጽንዒ ይእሰር። ምስ መሰየ በዓል ሽግ በዓል ሽግ ተባሂሉ ምስ ተጸወቱን ታቱላ ምስ ኣድመጹን ልክዕ ከምቲ ድሮ ቅዱስ ዮውሐንስ ሽግ ዝሓዘ ሽጉ ሒዙ ኣብቲ ባይቶ ዓዲ ይእከቡ፡ መርዑትን ኣዋልድን ድማ ከበሮአን ሒዘን ይቐርባ። ድኅሪ እዚ ሽግ ተወሊዑ ሆየ ይብሃል። ኣዋልድን መርዑን ኸኣ እናተጻወታ ደድኅሪ ሽግ ሆየ ሆየ ይጓዓዛ። 

“ገልገለ መስቀለ ደሓን ተቐልቀለ። ቍራዕ ሓምሊ ውጻእ ገዓት ጠስሚ እቶ” እናተባህለ ይድገም። ድኅሪ ሆየ ምብቃዕ ድማ ሽግ ተሰጊሩ ካህናት ዓዲ ብመሳቕሎም ነቲ ዓዲን ሕዝብን ይባርኹ። እቶም መንእሰያት ኸኣ ጸዋትኦም ይቕጽሉ። 

ንጽባሒቱ ኣብ መዓልቲ መስቀል ድማ ጻዕዳ ክዳን ተኸዲንካ ምብጽጻሕ ይቕጽል። ዓበይቲ ሰብኡት ገገዛ እናኸዱ እንቋዕ ናብ ብርሃነ መስቀል ኣብጽሓና ኣብጽሓኩም የብሃሃሉ። ምእመናን’ውን ብዝተፈላለየ መልክዕን ጌጽን ዝወቀበን ዝጻዕደወን ኣልባሳቶም ለቢሶም ንበዓለ መስቀል ብዝደመቐ ኣገባብ ብሓባርን ሓድነትን ከብዕልዎ ምርኣይ ኣዝዩ ባህ ዘብል ባህሊ እዩ። 

በቲ ካልእ ኸኣ ቅንያት መስቀል ክረምቲ ንምሕላፉ ቀውዒ ንምቕባሉን ናብ ስራሕ ንምእታዉን ምሽብሻብ ዝግበረሉ እዩ። ኵሉ ድማ ካብቲ ጸጊቡ ክጻወቶ ዝቐነየ ናብ ስርሑ ክወፍር ይጅምር። 

መጠቓለሊ 
መስቀል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቲ ሰባት ዝቐብርዎን ካብ ዓለም ክኸውልዎን ዝፈተኑሉ ስፍራ፡ ድኅሪ ፫፻ ዓመት ቅድስት እሌኒ ደልያ ናይ ዝረኸበቶን ቤተ ክርስቲያን ናይ ዘኅነጸትሉን ዘኽበረትሉን በዓል ቤተ ክርስቲያን ክብ ብዝበለ ሥነ ስርዓት ተኽብሮ እያ። መስቀል ኃይልና፤ መስቀል ጽንዓትና፤ መስቀል ቤዛና፤ መስቀል መድኃኒት ናይ ነፍስና ስለዝኾነ ኸኣ ንሕና ክርስቲያናት ብሓጐስን ብምስጋናን ብፍሉይ ኣገባብን ሥርዓትን ከነኽብሮ ንነብር ኣሎና። 

በረኸትን ረድኤትን መስቀሉ ኣይጋደፈና። 

ወስብሐት ለእግዚአብሔር

No comments:

Post a Comment