Saturday, September 24, 2011

ካብ ዝፈጥራ አትኂዙ ብዝኾነ ይኹን ኣይረኸሰትን

ወኢረኵሰት በምንትኒ እምዘፈጠራ (ሃይማኖተ አበው ዘቴዎዶጦስ ፶፫፥፳፪/5322)

ካብ ዝፈጥራ አትኂዙ ብዝኾነ ይኹን ኣይረሰትን

ነቢየ እግዚአብሔር ኢሳይያስ ምሥጢር ነገረ ድኅነት ተገሊጹሉ፡ ዝኃለፈን ዘሎን ዝመጽእን አገናዚቡ ኪናገር ከሎ ''ወሶበ አኮ እግዚአብሔር ዘአትረፈ ለነ ዘርአ ከመ ሶዶም እምኮነ: ወከመ ገሞራ እመሰልነ'' (ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ዘርኢ እንተ ዘየትርፈልና ነይሩ፡ ከም ሰዶም ምኾንና፡ ከም ገሞራ'ውን ምመሰልና ነይርና) (ኢሳ፩፥፱/1፥፥9) ኢሉ ነይሩ። እዚ ድማ ፍጻሜኡ ንቅድስት ድንግል ማርያም ዝተነግረ ትንቢት እዩ። ከምኡውን ብዘየሻሙ ቃል ደረቕ ትንቢት ኪናገር ከሎ ''ስለዚ ይታ ባዕሉ ምልክት ኪህበኩም፡ እንሆ ድንግል ክትፀንስ ወዲ'ውን ክትወልድ ስሙ'ውን አማኑኤል ኢላ ክትሰምዮ እያ።'' በለ (ኢሳ ፯፥፲፬/714)ለዚ እኒ ኢሳይያስብታ ጥንተ ኣብሶ ፈጺሙ ዘይበጽሓ ቅድስት ድንግል ማርያም ተስፋ ይገብሩ ነበሩ። ነዚ ከኣ እዩ ''እግዚአብሔር ዘር እንተዘየትርፈልና ነይሩ....'' ዝበልዎ፡ እግዚእትነ ማርያም ካብ አዳማዊ ርስሓት ገና ብንግሆኡ ንጽሕቲ ኮይና ዝተዳለወት ጥንተ መድኃኒት እያ።

ጥንት ማለት መጀመርታ፡ ሡር መሠረት፡ መበገሲ፡ ርካቢ፡ መርከቢ ምኽንያት ማለት'ዩ። አብሶ ማለት በደል፡ ኃጢአት፡ ኣበሳ ማለት ኪኽወን ከሎ ''ጥንተ አብሶ'' ማለት ድማ ቀዳማይ ወይ ጥንታዊ ኣበሳ ማለት እዩ። እዚ ጥንተ ኣብሶ እዚ ካብ አዳም ኣኂዙ ብዘይካ ንድስት ድንግል ማርያም ናብ ኵሎም ደቁ ዝመኃላለፍ ተዋራራሲ አበሳ እዩ።

ንግል ብክልኤ ናይ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ክብሪ፡ ልዕልና፡ ሕሊና ወዲ ሰብ ሓሲቡ ክበጽሖ ኣይልን'ዩ። ነቲ ሰማይን ምርን፡ ባሕርን የብስን፡ ሰብን መላእኽን፡ እንሰሳን ኣራዊትን፡ አዕዋፍን ለመምታን፡ ብሓፈሻ ዝርኣን ዘይርኣን ዝፈረ ኣምላ ብድንግልና ፀኒሳ፡ ብድንግልና ዝወለደት ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኣዳም ዝተመኃላለፈ አብሶ (ጥንተ አብሶ) ዘይረኸባ መርገመ ሥጋ መርገመ ነፍስ ዘይብላ ንጽሕቲ ዘርኢ እያ። ካብ ኢያቄምን ሓናን ድሚ ምውላዳ ብሕሊና አምላኽ ተሓሲባ ዝነበረት እያ። ''እግዝእትነ ማርያም ነበረ እም ቅድመ ዓለም በሕሊና አምላክ'' ኣብ ልማድ ብን፡ ኣብ ሕሊና ደቂ ኣዳምን ካብ ዚበጽሕን ዚመጽእን ሥጋዊ ፍቓድ ዝተሓለወትን ዝተፈልየትን ንጽሕተ ንጹሓን፡ ቅድስተ ቅዱሳን እያ። ጥበበኛ ሰሎሞን’ውን ነዚ ክገልጽ ከሎ ኣብ ትንቢቱ “ኣቲ ፍትውተየ፡ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ሕፍቲ የብልክን። ኢሉዋ እዩ (መኃ ፬፥፯/47)

ቅድስት ድንግል ማርያም በቲ ኣብ ቅድሚ ዙፋን እግዚአብሔር ዚቐውም ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ “ኦ ምልእተ ጸጋ ባህ ይበልኪ ተሓጐሲ” ተባሂላ ዝተመስገነት ካብ ጥንቲ ጀሚራ ቅድስተ ቅዱሳን ብምዃና መኅደሪኡ ንኽትከውን ኣቐዲሙ እግዚአብሔር ስለዝመረጻ እዩ። ሉቃ ፩፥፴-፴፰/130-38 መዝ ፴፪፥፲፫/3313) ካብ ኵለን ኣንስቲ ፈልዩ ብድንግልና ንኽትወልዶ ዝመረጻን ዘብቅዓን ኸኣ ንጽሕናኣን ቅድስናኣን ድንግልናኣን እዩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ብሥጋዊ ድንግልና ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብሕሊና’ውን ድንግል እያ። ስለዚ ከኣ “ድንግልተ ሥጋ ወሕሊና” እናተባህለት ክትውደስ ትነብር። እግዚአብሔር ኣምላኽ ንድኅነት ዓለም ሰብ ኣብ ዝኾነሉ ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ነሢኡ ተዋሒዱ ንኽውለደላ ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ኣብ ሕሊንኡ ዝነበረት ቅድስት ድንግል ስለዝኾነት መርገመ ሥጋ መርገመ ነፍስ ናይ ኣዳም ዘይበጽሓ እያ። ካብ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ማለት ኣብ ሃይማኖተ ኣበውን ኣብ ካልኦት ጥንታዊያን መጻሕፍተ ቤተ ክርስቲያን ንጽሕናኣን ቅድስናኣን ድንግልናኣን ካብ ምግላጽን ምውዳስን ሓሊፎም ኣዳማዊ ሓጢኣት ነይርዋ ዝብል ፈጺሙ ኣይተጻሕፈን። ንኣብነት ቅዳሴኣ ዝጸሓፈ አባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም “እግዚአብሔር አብ (ኣቦ) ንጽሕናኺ ርእዩ ንገብርኤል ዚብሃል ብርሃናዊ መልኣኽ ናባኺ ኪመጽእ፡ ኃይሊ ልዑል’ውን ኪጋርደኪ እዩ በለኪ” ይብል (.፵፭/45)። ኣብዚ ክስተውዓል ዘለዎ “እግዚአብሔር አብ ንጽሕናኺ ምስ ረኣየ ነቲ ቀዳማይን ካልኣይን ዘይብሉ ዚፈትዎ ወዱ ናባኺ ለኣኸ” በለ እምበር “ጥንተ ኣብሶ ምስ ረኣየ” ዝብል ቃል ኣይጸሓፈን። ውዳሴኣ ዝጸሓፈ ቅዱስ ኤፍሬም’ውን “እግዚአብሔር አብ (ኣቦ) ኣብ ሰማይ ኮይኑ ረኣየ፡ ጠመተ። ግና ከማኺ ስለዘይረኸበ ንወዱ ናባኺ ለኣኾ እሞ ካብ ሥጋኺ ሥጋ፡ ካብ ነፍስኺ ነፍስ ወሲዱ። ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ኮነ” ይብል (ውዳሴ ማርያም ዘረቡዕ)። ነታ ንጽሕት ብሥጋን ብሕሊናን ንዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ እዩ መመክሒት ኣኽሊልና መሠረት ንጽሕናና ዝበላ። “አክሊለ ምክሕነ ወቀዳሚተ መድኃኒትነ መሠረተ ንጽሕነ ኮነ በማርያም ድንግል” (ውዳሴ ማርያም ዘሠሉስ)

ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ኣዳም ዚመኃላለፍ ጥንተ ኣብሶ እንተ ዚነብራ ቅዱስ ገብኤል መልኣኽ ''ንስኺ ካብ ኣንስቲ ተፈሊኺ ዝተባረኽኪ ኢኺ'' ኪብላ ኣይምተረኽበን። ምኽንያቱ ኃጢአት ዘለዎ ሰብ ''ቡሩኽ ኣይበሃልን'ዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ቅድስተ ቅዱሳንን ንጽሕተ ንጹሓንን ብምዃ''ካብ ኣንስቲ ተፈሊኺ ዝተባረኽኪ ኢኪ'' እናተባህለት ብቅዱሳን መላኽቲ ክትምስገን ትነር አላ። ቅዱስ ያሬድ'ውን ''ማርያምሰ ተኃቱ ውስተ ከርሡ ለኣዳም ከመ ባሕርይ ፀዓዳ'' (ማርያምሲ ከም ፃዕዳ ዕንቊ አብ ከርሢ ኣዳም ኮይና ተብርህ ነበረት) በለ። ኣብ ሃይማኖተ አበው'ውን ''ወሰመያ ለእግዚእትነ ማርያም ድንግል ወላዲቶ፡ ወፂኦ እምከርሣ እንዘ ድንግል ይእቲ ወኢረኵሰት በምንትኒ እምዘፈጠራ፡ (ብድንግልና ካብኣ ተወልደ። አደይ ከኣ በላ፡ ካብ ዝፈጥራ አትኂዙ ብዝኾነ ይኹን ኣይረሰትን) ሃይ. በው ፶፫፥፳፪/5322። ብምባል ቅዱሳን አበው ገሊጾምዋ ኣለዉ። ”ሶበ ረከበ ሥጋሃ ቅዱ: ለዛቲ ድንግል ወነፍሳ ቅድስተ: ፈጠረ ሎቱ መቅደሰ ዘቦቱ ነፍስ::” (ንጽሕቲ ሥጋን ንጽሕቲ ነፍሳን ምስ ረኸበ፡ ነፍስ ዘለዎ ሥጋ ኪወሓሓድ ፈጠረ) ክብል ድማ አብ ምዕራፍ ፷፮/66 ደጊሙ ንናይ ጥንቲ ንጽሕና ብዘየሻሙ ቃል አነጺሩ ገሊጽዎ አሎ (ሃይ. በው. ፷፮፥፲፬ /6614)

እዚ ቃል እዚ የማነ ጸጋም ዘየብል እኹል ምስክር እዩ አብ ቤተ ክርስቲያንና ዝትረኽ ሓደ ታሪኽ አሎ። ሰሎሞን ድኅሪ ብዙኅ ኃጢአት ምፍጻሙ ክንሳሕ ናብ እግዚአብሔር ምስ ተመልሰ እግዚአብሔር "በል አጆኻ መርገመ አዳም ዘይብላ ንጽሕቲ ዘርኢ ካብ ባህርይ አዳም ተኸፊላ አብ አካል ሴት ተቐሪጻ አላ። ካብ ሴት ናብ ኖኅ: ካብ ኖኅ ናብ ሴም: ካብ ሴም ናብ አብርሃም: ካብ አብርሃም ናብ ይሓቅ: ካብ ይስሓቅ ናብ ያቆብ: ካብ ያቆብ ከአ ናብቶም ዓሰርተው ሓደ አይከደትን እንታይ ደአ ካብ ይሁዳ ናብ ዕሤይ: ካብ ዕሤይ ናብ ዳዊት: ካብ ዳዊት ናባኻ: ካባኻ ናብ ሮብኣም ተቐሪጻ ኣላ እሞ ብድኅሪ እዚ ካብኣ አምላኽ ክውለድ እዩ:: ምስ ተወልደ ድማ ወገናት ሮብኣም ዝኾኑ ኣይሁድ ነቲ ካብኣ ዝተወልደ አምላኽ ቀኒኦም ሰቒሎም ክቐትልዎ እዮም" በሎ:: ካብ´ዚ አተኃኂዙ ክሳዕ ምምጻእ ክርስቶስ ዘፍጸም ነገር ነጊሩ ከብቅዕ "ኣጆኻ ንኣ ዝወለደ ፍዳ የብሉን” ኢሉ ከም ዝነገሮ ታሪኽ ይነግረና።

ዝተፈተኹም ሕዝበ እግዚአብሔር ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ወንጌላዊ ሉቃስ ዘይጸሓፎ: ቅዱስ ገብርኤል ዘይተናገሮ: ንጽሕተ ንጹሓን: ቅድስተ ቅዱሳን: ድንግል ማርያም ወላዲተ አምላክ አብ ዝኾነ ይኹን ጥቕሲ መጽሓፍ ዘይተረኽበ ብናይ ልብ ወለድ አተሓሳስባ ጥራይ ብምብጋሶም "እቲ መልኣኽ ምስ አበሰራ ካብ ሓጢኣት አዳም ነጽሐት” ኢልካ ብታ ደ አምላኽ ብድፍረት ምዝራብን ምእመናን ምግጋይን ስለምንታይ ኣድለየ

እወ አቦና ኣዳምን ደቁን ብጥንተ ኣብሶ ተታኂዞም ዝበደለን ዘይበደለን ኣብ ፍዳ ኃጢኣት ምንባሮም ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ ኣሎ (ሮሜ ፭፥፲፬/514)። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ንጽሐ ሥጋ: ንጽሐ ነፍስ: ንጽሐ ልቦና ዘይተፈለያ: ከምኡ'ውን ከም'ቲ ካብ ኣዳም አትሒዙ ክሳዕ ሮብኣም ዝተጠቕሱ ምንም እኳ ንሳቶም ጥንተ ኣብሶ እንተለዎም ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ፍልይቲ ዘርኢ ኮይና እያ ተወሊዳ። ምናልባሽ ንብዙኃን ምእማኑ ይሽግሮም ይኸውን:: ”ጥንተ ኣብሶ ካብ ዘለዎም ተወሊዳ ክንሳ ከመይ ኢላ ንሳ ክትነጽሕ ከኣለት፧” ብምባል ዝሽገሩ እንተደኣ ኣልዮም: ዝወሃቦም መልሲ "እስመ አልቦ ነገር ዘይሰኣኖ ለእግዚኣብሔር” (ንእግዚኣብሔር ዝሰኣኖ ነገር የልቦን) ዝብል እዩ:: ንኣብነት፦ ኣብ ትንቢተ ዳንኤል ፫፥፩−፳፭/31-25 ተጻሒፉ ዘሎ ታሪኽ ሠለስተ መንእሰያት እስራኤል ምስ እንርኢ: እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ብዘይ በደልዎ ናብ እቶን ሓዊ እኳ እንተተደርበዩ፡ ይትረፍ ብሓዊ ክቃጸሉ ንጸጉሪ ርእሶምን ክዳኖምን እኳ ፍጹም ክትንክፎም'ውን ኣይከኣለን:: ብኣንጻሩ እኳ ደኣ እቶም አብ ግዳም ዝነበሩ ሓለውቲ ብሓዊ ተለቝመጹ ነቶም ለስተ መንእሰያት ፈጣሪኦም ኣብቲ ውሽጢ እሳት መልኣኹ ሰዲዱ ከም ዝፆሮም፡ ብዛዕባ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ "እምሊቃነ መላእክት ይፀውሩ ኪያሃ ብእሲተ፡ ከመ ሕርይ ፅዕዱተ ወብርህተ: ለውሉደ ሰብእ ትኩን መድኃኒተ (ካብ ሊቃነ መላእክቲ ንኣ ነ ም ዕንቈ ባሕርይ ፃዕዳን ብርህትን ንደቂ ሰብ መድኃኒት እትኸውን ሰበይቲ ይፆርዋ ነበሩ:” (ድጓ ፳፱/29 መጋቢት) ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። በዚ መሠረት እዚ ልዑል ፈጣሪ አቐዲሙ ብሕሊናኡ ዘዳለዋ: ብጥበቡ ዝዓቀባ: ብቕዱሳን መላእኽቱ ሓለዋ ምኽንያቱ ''ንእግዚአብሔር አምላኽ ዝሰአኖ ነገር የልቦን'' ዝብል ቃል ንዘክር (ሉቃ. ፩፥፴፯/137) ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ'ውን አብ ወንጌል ''እዚ ንሰብ ኣይከአሎን እዩ፡ ብእግዚአብሔር ገና ኵሉ ይከአል እዩ። (ማቴ ፲፱፥፳፮/1926) በለ። ጻድቕ ኢዮብ'ውን ''ኵሉ ከም እትኽእልን ነቲ ዝመደብካዮ ነገር ካብ ምግባር ዝኽልክለካ ከምዘየልቦን ፈለጥኩ'' (ኢዮ. ፵፪፥፪-/422-7፣ ዘካ. ፰፥፮/86) ይብል።

ከም'ቲ አዳም መርገም ካብ ዘይብጽሓ ምድሪ ኣዲኡ ዝተረኽበ፡ ድኂሩ ግና ናብ ምድሪ ብስሕተት አዳም ወዳ መርገም ዝመጽኣወላዲተ አምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ መርገመ፡ ሥጋ መርገመ ነፍስ ዘይበጽሓ ንጽሕትን ቅድስትን እያ። ኣቐዲሙ ጥንተ አብሶ ነይርዋ'ዩ እንተ ኢልና ግና ካብ'ዛ ዳኅረወይቲ ምድሪ (ድንግል ማርያም) እታ ቐዳመይቲ ምድሪ ትበል ከም ባል'ዩ ዚኾነና። ከም'ዚ እንተኾኑ ከኣ ኣዳም ድኂኑ፡ ተኻሒሱ ናብ ክብሩ ተመሊሱ ምባል ኣይከኣልን እዩ። ከመይ እቲ ዝተሓተ ነቲ ዝለዓለን ዝበለጸን ናብ ክብሪ ከደይቦ ኣይከአልን እዩ። ስለዚ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ንቅድስት ድንግል ማርያም “ኃጢኣት አዳም ዘይበጽሓ፡ወኢኵሰት ምንትኒ እምዘፈጠራ'' ኢላ እትምህሮ ቅኑዕ ምኑ በዚ እዩ ዝፍለጥ። ምኽንያቱ እምነት ተዋሕዶ ንሓድሕዱ አይጋጮን እዩ። አብ ቅዱሳት መጽሓፍቲ አብ ትንቢት ነቢያት ዝተዋህቡና፡ አብ ስብከት ሓዋርያት፡ አብ ትምህርቲ ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያንና ''ቅድስት ድንግል ማርያም በደል ኣዳም ዘይረኸባ ወትረ ድንግል፡ ብኣማላድነታ ምረት እተውህብ፡ ንጽሕት፡ ክብርት፡ ቅድስት፡ መድኃኒት ዓለም እያ'' ኢላ ትኣምን። ''ወይዘክሩ ስኪ በኵሉ ትውል ትውልድ'' (ስምኪ ንውሉድ ወለዶ ክዝክሩ እዮም) (መዝ. ፵፫፥፲፯/43-17) ከም ዝበሎ ልቢ አምላኽ ቅዱስ ዳዊት ልደታ፡ ዕረፍታ፡ ዕርገታ፡ ወቦ ዘተርፈ ተኽብር።


ናይ መድኔ ዓለም ክርስቶስ ምሕረትን ለውሃትን፡ ናይ አዴና ቅድስት ድንግል ማርያም አማላድነትን አየፈለየና።


(ምንጪ፦ ካብ መጽሔት ኔስታሊ 1ይ ዓመት ቊ.1 /////መድኃኔ ዓለም ሆስታል ኣሥመራ ፯ ግንቦት ፳፻፫ ዓ..)

1 comment:

  1. btaemi des zebil tintane u amlak xegu yebzhalekum tebareku.

    ReplyDelete