Wednesday, September 21, 2011

ሓጺር ታሪኽ ሕይወትን ኣበርክቶን ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዑቁባጊዮርጊስ

(ሣልሳይን ክፋል)
፭.፪.፫ ምድላውን ምእራምን መጻሕፍቲ 
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣቦና ኣብ ምድላው ንምእመናንን ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ዝጥቕሙ ሓደሽቲ መጻሕፍቲ ጥራይ ዘይኮነሲ፡ ንሶም ብዝመርሕዎ ጉባኤ መጻሕፍቲ እናተማእከሉ እናኣረሙን እናዳለዉን ዘኅተምዎም መጻሕፍቲ ኣዝዮም ብዙኃን እዮም ነይሮም። ሓቂ እዩ ኣብ ምድላውን ምእራምን መጻሕፍቲ ጥራይ ዘይኮነሲ ብኡ መጠን’ውን ብቀጻሊ ይኅተማ ኣብ ዝነበራ ጋዜጣታትን ሓጸርቲ ጽሑፋትን ተመሳሳሊ ስራሕ ይሰርሑ ከምዝነበሩ ዝተፈልጠ እዩ። ገለ ካብተን መጻሕፍቲ ንምጥቓስ ኸኣ ብሉይ ኪዳን (በብክፋል መጻሕፍቱ)፡ ሓዲስ ኪዳን፡ ፍትሓ ነገሥት መንፈሳዊ ወሥጋዊ (ብግእዝ) ወቦዘተ ምጥቓስ ይከኣል። 

እዞም መጻሕፍቲ ከምቲ ኣብ ካልእ ቦታ ጠቒስናዮ ዘሎና’ውን ኣዝዮም ብዙኅ ጊዜን ጉልበትን ኣእምሮን ዝፈሰሰሎም እዮም ነይሮም። ብጽቡቕ ስለዝተኣረሙ ኸኣ መወከሲ ኮይኖም ክሳብ ሕጂ የገልግሉ ኣለዉ። ብኸምዚ መገዲ ኣቦና ዝጀመርወንን ክፍጽምዎም ድማ ልዑል ባህግን ጸሎትን ዝነበሮም መጻሕፍቲ ዝርከብዎም ከኣ እዮም። እዚ’ውን ጥራይ ዘይኮነሲ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ብቀሊሉን ብጥርኑፍን ክርከባ ዘይክእላ መጻሕፍቲ ካብ ዝተፈላለዩ መምህራንን ሊቃውንትን ገዳማትን ብምእካብ፡ ብጽፉፍ መገዲ ናይ ምኅተም መደብ ከምዝነበሮም ዝዝከር እዩ። ንኸምዚ ዓቢይ ናይ ምእካብ ሥራሕ ድማ ንቡረ እድ ቀሺ ድሜጥሮስ ኣብ ቤተ ክህነት ኣዲስ ኣበባ (ብሓፈሻ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ) ንዝነበሮም መዝነትን ተሰማዕነትን ብዝግባእ ይምዝምዝዎን ይጥቀሙሉን ነይሮም። 

በዚ መሠረት ኸኣ ኣብ ምእካብን ምድላውን መጻሕፍቲ ጀሚሮሞ ካብ ዝነበሩ መጻሕፍቲ ብዓል ፹፩ዱ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብምሉኡን፡ ካልኦት መጻሕፍተ ሊቃውንቲ ዝበሃሉ ከም መጻሕፍተ ቄርሎስ፡ ኤጲፋንዮስ፡ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፡ ሳዊሮስ ወቦዘ ዝኣመሰሉ መጻሕፍቲ ይርከብዎም። እዚ ከምዚ ዓይነት ዓቢይ ሥራሕ እዚ ድኅሪ ፶ ዓመት እኳ ተተካኢን ፍጻመ ዘይርኸበ ምዃኑ፡ ቤተ ክርስቲያንና ዘላቶ ደረጃ ብሓደ ገጹ ኣነጺሩ ዘርእየና እዩ። እዞም ኣቦታት ይሰርሕዎ ምስ ዝነበሩን ሎሚ ዘሎናዮን ክነጻጸር ከሎ ኸ ቤተ ክርስቲያንና ኣበይ ደረጃ ትህሉ ትኸውን? ኵልና ገዛእ ርእስና ንፈትሽ። 

ኣቦና ሊቀ መዘምራን ነዞም መጻሕፍቲ ምስ መሳርሕቶም ኮይኖም ከዳልዉ ከለዉ ገለ መንቅብ ከይርከብ ብዝጸፈፈ ቋንቋን ፊደላትን ምእንቲ ክጸሓፍ ልዑል ጥንቃቐን ኣበርክቶን እዮም ዝገብሩ ነይሮም። ነዚ ባህሊ ኸኣ ኣብቲ ቤተ ማኅተም ዝዘርእዎን ዝኾስኮስዎን ንሶም ምንባሮም ይንገር። 

እቲ ሊቅነቶም ኸኣ ኣብ ኵሉ ምስኩር ስለዝነበረ ብናቶም መገዲ ዝሓለፈ ጽሑፍ ዘበለ ኵሉ ዝኾነ ወቐሳን ነቐፌታን ኣይርከቦን ነበረ። ብኸምዚ መገዲ ምድላዎምን ኣብ ላዕለዎት ኣካላት ኣኅዲሮሞ ዝነበረ እምነትን ካብ ምንታይ ፈተና ከምዘድኃኖም ዝንገር ሓቀኛ ታሪኽ ኣሎ። ንሱ ኸኣ ኣብ ሓደ እዋን ከም ስሙ ሓዋርያዊ ኣበርክቶ ዝገበር ዝነበረ ማኅበረ ሓዋርያት ብወገን ቤተ ክህነት ናይ ኢትዮጵያ ተጻባኢ ረኺቡ ነበረ እሞ ከምዚ ዝብል ክሲ ቀረበሉ “ጽሑፋቶም ብዘይተማእከለ ኣገባብ ብናቶም መገዲ ጥራይ ይኅተምን ይዝርጋሕን ስለዘሎ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መጺኡ ብሊቃውንትና ክምርመር ኣለዎ”። እቲ ክሲ ናብ መንበረ ፓትርያርክ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ኮይኑ ብሓደ ወገን ፓለቲካዊን በቲ ካልእ ድማ መንፈሳዊ ሕስድና ዝተመልአ እዩ ዝመስል ነይሩ። 

ይኹን ደኣ እምበር በቲ ጊዜ እቲ ነቲ ጉዳይ ዝረኣዩ ፓትርያርክ፡ ኣሠራርሓ ማኅበረ ሓዋርያት ክንጽረሎም ምስ ሓተቱ፤ ነቲ ጽሑፋት ቅድሚ ምዝርግሖም ብሊቀ መዘምራን ተማእኪሉ ከምዝምርመር ምስ ተነግሮም ናብ ካልእ ከይሰገሩ “ሞገስ እንተሎ ደኣ እንታይ ትብሉና ኣሎኹም” “ካብኡ ንላዕሊ ደኣ ካበይ ክርከብ ኮይኑ” ኢሎም ነቲ ክሲ ውዱቕ ከምዝገበርዎን እቲ ማኅበር’ውን ከምቲ ዝነበሮ ክቕጽል መተኣማመኒ ሰንድ ከምዝተዋህቦ ዝዝክሩ ኣቦታት ኣለዉ። 

እዚ ኸኣ ብሊቀ መዘምራን እናተማእከሉን ዝምርመሩን ዝእረሙን መጻሕፍቲ ክሳብ ክንደይ ተቐባልነት ከምዝነበሮም ዘረጋግጽ እዩ። ኣቦና’ውን ብትግሃት ነዚ ጽፉፍ ስራሕ ይዓዩ ከምዝነበሩ ዝተረጋገጸ ነገር እዩ። እዚ ኵሉ ክዓዩ ከለዉ ኸኣ ነቲ ብቐጻሊ ንዝወጹ ሓጸርቲ ጽሑፋትን ጋዜጣታትን ብተወሳኺ እናምልኡ ምዃኖም ክዝከር ዝግብኦ እዩ። 

፭.፪.፬ ጋዜጣን ሓጸርቲ ጽሑፋትን 
ሊቀ መዘምራን በቲ ንሓዋሩን ቀዋምን ሥራሕ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ዓበይትን ንኣሽቱን መጻሕፍቲ ኣብ ምድላውን ኣብ ምእራምን ከይተሓጽሩ፡ ናብ ምእመናንን ካህናትን ኣገልግልትን ቤተ ክርስቲያን ዝቐንዑ እዋናዊ ትምህርትን መበሃሃሊ መድረኽ ዝኸፈቱን ጋዜጣታት ኣብ ምድላው፡ ዝተፈላለዩ ዓንቀጻትን ዓምድታት ኣብ ምጽሓፍን፡ ንዝመጹ ጽሑፋት ኣብ ምርታዕን ዓቢይ ሥራሕ ይሰርሑ ነይሮም። 

በዚ መሠረት ኸኣ ኣብተን ቅድሚ ፶ ዓመት ጀሚረን ወርሓዊ ይዳለዋን ይኅተማን ኣብ ዝነበራ ጋዜጣታት ብፍላይ ኸኣ ኣብ ዜና ሓዋርያት ቀንዲ ጸሓፊን ኣራሚን ምንባሮም ይፍለጥ። በዚ ኸኣ ከም ሓዋርያት ኣብ ቀረባ ንዘሎ ብኣካል ኣብ ርሑቕ ንዘሎ ድማ ብጽሑፍ ገይሮም፡ ሕዝቢ ኣብታ ቅንዕትን ርትዕትን ሃይማኖት ተዋሕዶ ክጸንዕ ዝተጋደልዎ ኣብዚ ዳኅረዋይ ዘመን ቤተ ክርስቲያን ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። 

ኣብዚ ናይ ጋዜጣ ጽሑፋቶም ኸኣ ከምቲ መጽሓፎም ንኵሉ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ዝጠቕም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርእስቲ ማለት ኣብ ነገረ ሃይማኖት፡ ኣብ ክብረ ቅዱሳን፡ ኣብ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ምፍሳስ ባሕረ ሓሳብ፡ ኣብ እዋናዊ ርእሰ ዓንቀጽን ዜናታት ቤተ ክርስቲያንን ወዘተ ይጽሕፉ ከምዝነበሩ ይዝከር። እተን ጋዜጣታትውን ብኣንበብተን ተፈተውትን ተናፈቕትን ከምዝነበራ ይዝከር። ብዘይ ኣጋንኖ’ውን መንፈሳዊያን ጋዜጣታት ኣብ ሃገርና ኣብ ምትእትታውን ብዝግባእ ዕላምኡ ከምዝወቕዕን ዝገበሩ ቀዳማይ ማኅቶት እዮም ነይሮም ክበሃል ይከኣል። 

፭.፪.፭ ካልኦት ሥነ ጽሑፋት 
ሊቀ መዘምራን በቲ ዝነበሮም ፍልጠት ብፍላይ ኸኣ ኣብ ቋንቋን ሥነ ጽሑፍን ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነሲ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ’ውን ስሙም ፍሉጥ ስለዝነበረ ኣብ መንግሥታዊ ሥርሓት’ውን መጸዋዕታ ይቐርበሎምን ኣበርክቶ ይገብሩን ኸኣ ነበሩ። ንኣብነት ኣብቲ ጊዜ እቲ ክፍሊ ማስታወቂያ ዝበሃል ዝነበረ ሚኒስትሪ ዜና ኣዳላዊ ጋዜጣ “ዕለተ ሰንበት” ኮይኖም ብሱል ሥነ ጽሑፋዊ ኣበርክቶ የወፍዩ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። በዚ ኸኣ በቶም ዓለማውያን ምሁራን ቋንቋ ከይተረፈ ኣድናቖት ይረኽቡ ነይሮም። ጽሑፋቶም’ውን ንጠባያት ሕይወት ኣዕሚቕካ ዝምርምርን ነቲ ሰናይ መገዲ ሕይወት (ማኅበራዊ) ዝሕብር ብምዃኑን፡ ፍልስፍናዊ ቅዲውን የሰንዮ ብምንባሩ በቶም ዓለማውያን ከይተረፈ ተፈታውነት ነበሮ። 

በዚ ኸኣ ነቲ ዓሚቕ ፍልጠት ቋንቋን ካልእ ፍልስፍናዊ ሓሳባትን እናካፈሉ ሥነ ጽሑፍ በቲ ዝግብኦ መስመር ክዓቢ ጻዕሪ ኣካይዶም እዮም። በዚ’ውን ከይተደረቱ ኣባል ማኅበር ደራስያን ኢትዮጵያ ኮይኖም እጃሞም ከበርክቱ ጸኒሖም ነይሮም። በዚ መሠረት ኸኣ ኣብ ፲፱፻፸፰ ዓ.ም. ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝተጋብአ ዋዕላ ናይቲ ማኅበር ተሳታፋይ ነይሮም። 

፭.፫ ገለ ካብ ባህርያት ጽሕፈቶምን መለለዪኦምን 
ዕምቈትን ርትዑነትን (ጽፈት) ጽሑፍ 
ኣቦና ኣብ ጽሑፍ ዝነበሮም ኣበርክቶ ልዑል ነይሩ ተባሂሉ ዝሕለፍ ዘይኮነሲ፡ ዓይነት ጽሑፋቶም ዕምቘትን ብስለትን ዘለዎ ነቲ ዝነበሮም ዓሚቕ ፍልጠትን ትምህርትን ቤተ ክርስቲያን ኣግሂዱ ዘርእይ እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። በብእዋኑ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ክወጽእን ክኅተምን ንርእይ ኢና፤ ናይ ኣቦና ግና ኅልፊ ኣለዎ ኢልና ደፊርና ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ብመንጽር መልእኽቱን ትምህርቱን ጥራይ ዘይኮነሲ ግና ንመምሃሪ ርቱዕን ብስሉን ኪነ ጥበብ ብፍላይ ሥነ ጽሑፍ ከገልግል ዝኽእል ብምንባሩ’ውን እዩ። 

ኣብቲ ቀጥታዊ መልእኽቲ ኣርእስቲ ዘተኮረ፡ ብውሑድ ቃላት ምሉእን ጥሙርን ሓሳብ ናይ ምግላጽ ፍሉይ ክእለት ዘነበሮም ኣቦ እዮም ነይሮም። ዝጠቐሙሉ ቃላት’ውን መበቖሎም ዝዓቀቡ፤ ከም ኣብነት ትግርኛ ንግእዝ ጸግዒ ብምግባር ርእሱ ክኢሉ ክዓቢ ከምዝኽእልን መምስቲ ዘመኑ ዝመጹ ምዕባለታት ምሉእ ሓሳባት ናይ ምግላጽ ዓቕሚ ዘለዎ ምዃኑ ብግብሪ ዘርኣዩ እዮም ነይሮም። ኣቦና ቋንቋታትና ብዝግባእ ክንፍትሾምን ክንፈልጦምን ከምዝግባእ ኣብነትና እዮም። 

ጽሑፋት ምጽሓፍ’ውን ጥራይ ኣኻሊ ዘይኮነሲ፤ ናብ ኣንበብቶም ቅድሚ ምዝርግሖም እቲ ኣንባባይ እናተዓንቀፈ ከይሰላቾ ጽፈት ክህልዎም ዝጸዓሩን ኣብነት ዝኾኑን ኣቦ እዮም። 

ፍልስፍናዊ ጽሑፍ 
ኣቦና ኣብ ትምህርቶም ይኹን ኣብ ጽሑፋቶም ፍልስፍናዊን ዓሚቕ ኣገላልጻን ይፈትዉ ከምዝነበሩ፡ ዝኾነ ኣንባቢኦም ከስተውዕሎ ዝኽእል ነገር እዩ። እዚ ኸኣ ካብ ዓሚቕ ፍልጠት መጻሕፍትን ከምኡውን ንፍኖተ ሕይወት ደቂ ሰባት ብብዙኅ ገጻት ካብ ምርኣይን ካብ ምስትውዓልን ካብ ምስትንታንን ዝርከብ እዩ። 

ንኣብነት ኣብ መጽሓፎም ኣብ ትሕቲ ሥዕሎም ብመልክዕ ግጥሚ ካብ ዘቕመጥዎ ሓሳብ ምስ እንርኢ ከምዚ ዝብል ንረክብ። ኣብዚ ጽሑፍ ኣብ ሞንጎ ሕይወትን ሞት ብመልክዕ ኣካል ሥዕልን እናነጻጸሩ ገሊጾሞ ኣለዉ። 

ዘይሞተ ሰብ ዝንቀሳቐስ ሬሳ እዩ 
ሥዕሊ ግና ዘይንቀሳቐስ ሕያው እዩ 
ካብ ኃይሊ ሰብ ፤ ኃይሊ ሥዕሊ ይብርትዕ 
ሰብ ክድቅስ (ክመውት) ከሎ ንሱ ይቕመጥ ብምጽጋዕ 
ኦ ሥዕለይ! ካብ ዕድመይ ዕድሜኻ ይነውሕ 
ኣነ ክመውት ከሎኹ ዘገርም እዩ ናትካ ምጽናሕ 
ሰላምታይ ኣቕርበለይ ንመጻኢ ትውልዲ 
ንስኻ ክትቅንዪ ኣነ ናብ ሓመድ ከያዲ (ንሶም ኣብቲ ኣምሓርኛ ነዛ ቤት ብቅኔ እዮም ዛዚሞማ) 

ኣብ ካልእ መጽሓፍም’ውን ኣብ እግሪ ሥዕሎም ኣብ ዝርከብ ጥቕሲ ብኸምዚ ዝስዕብ ፍልስፍናዊ ኣገባብ ከንቱነት ዓለም፤ ሕልፈት ወዲ ሰብ ብዝምዕድ ቃላት ገሊጾሞ ኣለዉ። መልእኽቶም ኸኣ ንሓጺር ህላዌን መዋዕልን ወዲ ሰብ ኣብዚ ዓለም በቲ ሓደ፤ ብሥዕላዊ ውክልና ኸኣ እቲ ተራፋይን ተዘካርን ግና ጽቡቕ ግብሪ ስምን ምዃኑ ብምግላጽ ደቂ ሰባት ብዛዕባ እታ ሕይወቶም ክልብሙ ዝምህርን ዘዘኻኽርን እዩ ተባሂሉ ክትርጐም ይከኣል። 

“ኣነ ሞገስ እዩ ትብሉኒ ትኾኑ፡ ኣነ ግና ምሳሌኡ (ሥዕሉ) ድኣ እምበር ሞገስ ኣይኮንኩን። ሞገስ ሓደ እዩ፡ ኣነ ሥዕሊ ሞገስ ግና ሓደን ብዙኅን እየ። ሞገስ ኣብ ሓደ ቦታን ኣብ ሓደ ቤትን እዩ ዝርከብ። ኣነ ግና ኣብ ብዙኅ ስፍራን ኣብ ብዙኅ ኣባይትን እርከብ። ሞገስ ሎሚ ኣሎ፡ ጽባሕ ግና እንድዒ፤ ድኅሪ ጽባሕ ግና ብርግጽ የሎን። ኣነ ሥዕሉ ግና ዓለም ክሳብ ዘሎ ምሳኻትኩም ምስ ህልዋን ኣሎኹ። ይኹን ደኣ እምበር ንሱ ክሓምም ዘይትሓምም፡ ንሱ እንተሞተ ዘይትመውት ሓንቲ ነገር ብሕድሪ ሂቡኒ ኣሎ። ንሳ ድማ ብሠለስተ ቀለማት ዝቖመት ስሙ እያ። ክሳብ ዘሎኹ ካባይ ኣይክፈልያን እየ” 

ኣብቲ አንጋረ ፈላስፋ ዝብል መጽሓፎም’ውን ኣብቲ ናይ መወዳእታ ክፋል ዝወሰኽዎ ውልቃዊ ፍልስፍናዊ ርእይቶኦም ኣዝዩ መሳጥን ክሳብ ክንደይ ንሕይወት ብፍልስፋናዊ መልክዕ የዕሚቖምን ኣስተንቲኖም ይምርምርዋ ከምዝነበሩ ዝምስክር እዩ። ገለ ካብኡ ንምጥቓስ፦ 

ምንዮት፡ ናይ ጋህዲ ሕልሚ እዩ። ብሓሳብ ተፀኒሱ ብሃተፍተፍ ዝውለድ እዩ። 
መከራ፡ ናይ ጠባይ መአረምታ፡ ናይ ስራሕ መነቓቕሒ፡ ናይ ጥበብ መጽንዒ እዩ። 
ተስፋ፡ ካብ ስእነት ናብ ርካብ ንምስግጋር ዘገልግል መሳልል ድልድል እዩ። 
ትዕግስቲ፡ ተሓቢእኻ ጸኒሕካ ዓወት ንምርካብ ዝጠቅም መሳርሒ እዩ። 
ትሕትና፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ጊዜ ልዕልና ንምርካብ ዝግበር መቆናጠጥን መሰጋገርን እርከን እዩ። 
ታህዋኽ፡ ጸላኢ ትዕግስቲ፡ ኣቦ ጣዕሳ እዩ። ወዱ ድማ ‘ዋይ ኣነ’ ይበሃል። 
ሃብታምን ድኻን፡ ዝበልዕልዎ ሓንቲ ሓንቲ እንጀራ ስለ ዝኾነ ናይ ሃብትን ድኽነትን ፍልልይ ኣለንን የብለይን ምባል ጥራይ እዩ። 
ሰባት ንዘይፈልጥ ሰብ ብብዕራይ እዮም ዝምስልዎ፡ ይኹን ደኣ እምበር ብዕራይ ዝፈልጦ ከምዘይፈልጥዎ ግና ኣይዝክርዎን እዮም። 
ወሊዱ ዝሞተ ሰብ መልክዑ ደኣ ተለወጠ እምበር ኣይሞተን። 

ኣቦና ኣብ ብዙኅ መጻሕፍቶም ብትሕዝቶ መጻሕፍቶም ጥራይ ዘይኮነሲ፡ ብዝጥቀሙሉ ገላጺ ፍልፍስናዊ ቅዲን፡ ብዘለዎ መሳጢ መቅድምን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ መጽናዕታዊ ጽሑፋት መወከሲ እዮም ነይሮም። እቲ ብስለትን ርቀትን ጽሑፎም ዘመን ዝሰግርን ዓሚቕ ትንተና ዝሓቘፈን ብምዃኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ምርምራዊ ጽሑፋት ዘረብኦምን ጽሑፎምን ብዝግባእ ክብሪ ተጠቒሶም ምርኣይ ልሙድ ነገር እዩ። እኳ ደኣ ገሊኦም ‘ሳይንሳዊ ምሁር’ (science scholar liqe -mezemeran Moges Eqube G'org's) ክብልዎም ዝኸኣሉሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ። ንኣብነት’ውን ኣብ መቅድም ‘መጽሓፈ ሥነ ፍጥረት’ ነቲ ሓድሽ ወለዶ ሳይንስ ዝመሠረቱ ምዕባለን ርኽበትን ካብ እምነቱ ከየዛንብሎን፡ እቲ ሎሚ ሓድሽ ዝበሃል ነገር ቀደም ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተጠቒሱ ዝነበረ ምዃኑ ብምጥቓስ ጥንታዊ መጻሕፍቲ ክርእይን ኣብ እምነቱ ክጸንዕን ዝመዓዱሉ ኣገባብ ምጥቓስ ይከኣል እዩ። 

“ሳይንስ (ሥነ ፍልጠት) ዝተባህለ እምነት ኣብ ዝሰፈነሉ ኣብዚ ዘመን እዚ፡ ብነቢያት ብሓዋርያት ዘይተራእዩ ሓደሽቲ ጥበባትን ፍልስፍናታትን ስለዝረኣዩ፡ ናይዚ ዘመን መንእሰይ ወለዶ ነቲ ምድራዊ ጥበብ ክስዕብ እየ ክብል፤ ቅድሚ ሕጂ ከምዘይተፈጥሩን ከምዘይነበሩን ኣምሲሉ ኣብ ውሽጢ ቅዱስ መጽሓፍ ንዝርከብ ናይ ሥነ ፍጥረት ጽሑፍ ካብ ምምልካት ብዝያዳ ናብ ሳይንሳዊ እምነቱ ኣዘንቢሉ ስለዝርአ፤ እኳ ደኣ ንዓለምን ኣብ ዓለም ዘሎን ሥነ ፍጥረት ብኸምኡ ብልማድ ዝተፈጥረን ዝነበረን ክሳብ መሲሉ ዝረኣዮን ስለዝጠራጥሮን፤ ነቲ ጥንታዊ ጽሑፍ መላሊሱ ክርእዮ ንምዝክኻርን ንምትሕስሳብን ዝኣክል እዩ…” ይብሉ። 

ብተመሳሳሊ ሓሳብ’ውን ኣብቲ ‘አንጋረ ፈላስፋ’ ኣብ ዝብል መጽሓፎም እቲ ሎሚ ዘሎ ምዕባለ ቀደም ዝተገብረ ምርምርን ፍልስፍናን መሠረት ከምዝኾኖ ጠቒሶም ኣለዉ። 

“ብፍላይ ድማ እዚ መጽሓፍ እዚ ነዞም ናይዚ ዘመን እዚ መንእሰያትን መምህራንን ተመሃሮን ኣብ ሃይማኖት ከይረሓቑ ብፍልጠት ከም ዝራቐቑ ኣብ ልዕሊ ምግባሩ ንዘመናዊ ሳይንሶም ኣዝዩ ዘገልግሎም ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ። ነዚ ከኣ ናይዚ ጊዜ ሳይንቲስት ፍልጠቶም ክሳብ ክንደ’ዚ ከስፋሕፍሑ ዝኸኣሉ፡ ናይዞም ፈላስፋታት ፍልስፍና መበገስን መምርሕን ብምግባር ከም ዝኾነ ኣብኡ ክረኽብዎ ክኢሎም እዮም።” ይብሉ። 

ብኸምዚ ኣገባብ ኸኣ ነቲ ሓድሽ ወለዶ በብዝመጸ ፍልስፍናን ሳይንሳዊን ነገር ተደናጊሩ ነቲ ሃይማኖቱ ሸለል ከይብል ዝጸዓቱን ዝመኸሩን ኣቦ እዮም።

                                                                                                                                     ይቅጽል...

No comments:

Post a Comment