Friday, September 23, 2011

ከፋሌ ባሕር አቡነ ኤዎስጣቴዎስ (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

1.0 መእተዊ
ብቅድስናኦምን በቲ ዝፈጸምዎ መንፈሳዊ ገድልን ተኣምራትን፡ ብዝሠረትዎ ሓረገ ምንኵስና፡ ከምኡውን ስለ ክብሪ ቀዳሚት ሰንበት ብዝገብርዎ ተጋድሎ ብቀንዱ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብኡ ሓሊፎምን ኣብ እስክንድርያን ኣርመንያን ካብ ዝፍለጡ እቶም ብቀዳምነት ዝጥቐሱ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ጻድቕ እዮም።

እዞም ኣቦ’ዚኦም ብስሞም ዝጽዋዕ ገዳም ኣብ ኤርትራ እኳ እንተዘይብሎም፡ ዳርጋ ንመብዛኅትኦም ሓዋርያ ተልእኾኦም ብምፍጻምን መንፈሳዊ ገድሊ ብምግዳልን፡ ሎሚ ህልዋን ኮይኖም ብቀዋምነት ንዝርከቡ ገዳማት ኤርትራ መሥሪቶም ዝሓለፉ ቅዱሳን አበው መምህርን ኣቦን እዮም። ኣብ ብዙኅ ከባቢታት ሃገርና ብፍላይ ኸኣ ሎሚ ብዘሎ ምምሕዳራዊ ቅርጺ ዞባ ደቡብን ማእከልን ብምዝውዋር ኸኣ ስብከተ ወንጌል ዘስፍሑን ብተባሕትዎ ዝተጋደሉን ኣቦ እዮም። ናብ እስክንድርያን ኢየሩሳሌምን ብኡኡ ኣቢሎም ድማ ናብ አርመንያ ቅድሚ ምኻዶም ንከባቢታት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዞባ ዓንሰባ ከምኡውን ጋሽ ባርካ እግረ መገዶም ቃለ እግዚአብሔር እናሰበኹ ተኣምራት እናፈጸሙ ከምዝባረኽዎ ታሪኾም ይገልጽ። በዚ ኸኣ ዳርጋ ዘይረገጽዎን ዘይባረኽዎን ክፋል ሃገርና የሎን ክበሃል ይከኣል። 

ኣብ ዘመኖም ይኹን ብድኅሪኦም ንዝተንሥኡ ኣቦታት ብዙኅ መንፈሳዊ ጽልዋ ዘኅደሩን ኣሰር ቅዱሳን ዝገደፉን እዚኦም ቅዱስ ኣቦ፡ ስለቲ ኣብ ዘመኖም እንተላይ ኣብ ቤተ መንግሥቲ ይኹን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ኣብ ዝነበሩ ግብጻውያን ጳጳሳት ብዝነበሮም ጽልዋን፡ ከምኡ’ውን ስለቲ ሓቀኛን ዘይተበረዘን ጥንታዊ ትምህርቲ ዝፈጸምዎ ተጋድሎን ኣበርክቶን ብዙኃን ተመራመርቲ ታሪኽ ብዙኅ ጽሒፎሙሎምን ተዛሪቡሙሎምን እዮም። ከም ምዃኑ ድማ ካብ ሃገርና ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ኢትዮጵያን እስክንድርያን ካልኦት ሃገራትን ሓዋርያ ኮይኖም ዘገልግሉ እዞም ኣቦ እዚኦም፡ ነዚ ብጊዜያዊን ዘመን ዝወለዶ ትምህርትን ንዝናወጽ እዚ ወለዶ’ዚ ዝህብዎን ዝሓድገዎን ትምህርቲ ብዙኅ ስለዝኾነ ክንፈልጦን ብሰፊሑ ከነጽንዖን ዝግባእና እዩ። ታሪኽን ገድልን ኣቦታት ምፍላጥ ከም ኣካል ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሕሉፍ ንምፍላጥ፡ ህልዊ ንምስትውዓል፡ መጻኢ ድማ ንምእማት ዝሕግዝ ሠረት ርቱዕ ፍኖተ ሃይማኖት እዩ።

መሥረትቲ ገዳማት ሃገርና (ሎሚ ህልዋን ዘለዉ) ዝኾኑ ቅዱሳን ብዝበዝኁ ደቂ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ብምዃኖም ዓመት መጸ ጽባሕ መስቀል ክብረ በዓል ነዚኦም ቅዱስ ኣቦ መዘከርታ በዓሎም ከምዝገብሩሎም ድማ ዝተፈልጠ እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ቅድም ብሓባር ኮይኖም ኣብ ሓደ ጉባኤ ዘብዕልዎ ዝነበረ ብምትራፉ፡ እቲ ዝነበሮ ብዙኅ ጐድናዊ ረብሓ ኣብዚ ሎሚ ክኽሰበሉ ኣይተኻእለን። ክብረ በዓል አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ሎሚ ገዳማትና ኣብ ክንዲ ብሓድነት በብናቶም ዝግበርዎ ብምዃኑ፡ እቶም ዝምልከቶም ኣካላት ምእንቲ ዕቤት ገዳማትናን ቤተ ክርስቲያናን ዘለዎ ግደ ዓቢይ ምዃኑ ዘኪሮም ንዳግማይ ሕውየቱ ክሓስቡሉ ዝግባእ እዩ። ከመይሲ ሓድነት ዝመስልዎ ነገር ስለዘየልቦ። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን ቅዱሳን ደቆምን ብሓድነት ስለዝቖሙን ስለዝተጋደሉን እዮም ኸኣ ቅድሚ ኣስታት ፯፻ ዓመት ኣብ ዝነበረ ጊዜ ልዕሊ ፻፳/120 ዓመት ዝኣክል ኣእዳዎም ኣብ ጒዳይ ሃይማኖት ብዝመልሱ ዝነበሩ ተጻብእቲ ነገሥታት ኢትዮጵያን፡ ብገለ ፈጸምቲ ፈቓድ ነገሥታት ብዝነበሩ ግብጻውያን ጳጳሳትን ንዝነበሮም ጸቕጢ ተጻዊሮም፡ ብናጽነት ዕቤት መንፈሳዊ ሕይወትን ስብከተ ወንጌልን ምስፍሕፋሕ ገዳማትን ዘካይዱ ዝነበሩ። እቲ ዘመን እቲ ድማ እዩ ሓደ ምዕራፍ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያናን ገዳማትናን ዝነበረ።

እምበኣርከስ ሎሚ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር፡ ኣብ ከባቢ ፲፫-፲፬ ክፍለ ዘመን ኣብ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ሓድሽ ምዕራፍ ንዝኸፈቱን ዳግማይ ሓዋርያ ንዝኾኑን አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ካብ ብዙኅ ብሒደት ዜና መዋዕሎም ክንዝክር ኢና እሞ ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

2.0 ትውልዲ
ትውልዲ እዞም ጻድቕ ኸኣ ኣብ ትግራይ ኣውራጃ እንድርታ ፍሉይ ስሙ ጽራእ ዝተባህለ ዓዲ ኮይኑ ካብ ስድራ ጻድቓን ዝተረኽቡ እዮም። ኣቦኦም ኸኣ ክርስቶስ ሞዓ ኣዴኦም ድማ ሥነ ሕይወት ይብሃሉ። ኣቦኦም ክርስቶስ ሞዓ ካብ ወገን ስድራ መኳንንቲ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ወለዲ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ፍርሃት እግዚአብሔር ዝነበሮም፡ ሕገ እግዚአብሔር ንምፍጻም ወትሩ ትጉሃትን ከምዝነበሩ ገድሎም ይገልጽ። ንጽጉማትን ዘኽታማትን ምርዳእ፤ ንኣረጋውያንን ሰብኡተን ንዝሞትወን መበለታት ምሕጋዝ፡ ኮታ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ኮይኖም ከምቲ ሕገ ወንጌል ንዝጠምዩ ምብላእ ንዝጸምኡ ምስታይ መዓልታዊ ስርሖም ነበረ።

ብቃል ኪዳኖም ጸኒዖም፡ እዚ ኵሉ መንፈሳዊ ግብርን ትሩፋትን እናፈጸሙ ይንበሩ ደኣ እምበር ወሊዶም ክስዕሙን ክሓቝፉን ኣይተዓደሉን ነበሩ። ክሳዕ ዕርጋኖም ኸኣ ብቃለ እግዚአብሔር እናተጸናናዑ ብጸሎትን ተስፋን ይጽበዩ ነበሩ። ኣዴኦም ሥነ ሕይወት ብፍላይ ድማ ውላድ ብዘይ ምርካባ ብዙኅ ትኃዝን ነበረት። ኣብ ጸሎታ ድማ ወትሩ እናነብዐት ውላድ ክህባ ናብ ኣምላኽ ትልምን ነበረት። ጸሎታ’ውን ልክዕ ከም ጸሎት ብዓልቲ ቃል ኪዳና “ኦ ኣምላኸይ ንኣኻ ዘሥምር ግብሪ ጽድቂ ዝገብር ውላድ ሃበኒ። ካብ ኃዘነይ ዝናዝዘኒ ንልበይ ዘረስርስ ውላድ ሃበኒ” እናበለት ብቀጻሊ ትልምን ነበረት።

ልማኖኣ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር በጽሐ እሞ ኣምላኽ ጸሎቶም ሰሚዑ ሓሳቦም ዝፍጽመሉ ጊዜ ምስ ኣኸለ፡ ቅዱስ ገብርኤል ነኸብስራ ለኣኾ፡ ከምዚ ድማ በላ “ሓደ ቅዱስን ኅሩይን ንጹሕን ውላድ ክትወልዲ ኢኺ፡ ብትምህርቱ ድማ ነቶም ብመገዲ ጥፍኣት ዝመላለሱ ዓያሹ ብቃል ወንጌል ክመልሶምን ከድኅኖምን’ዩ”። እቲ መልኣኽ እቲ ዝውልድ ብትምህርቱ ንብዙኅ ሕዝቢ መድኃኒት ከምዝኸውንን መጻሕፍተ ነቢያት ዝትርጒም ሕገ ሓዋርያትውን ዝፈልጥ ምዃኑ ወሲኹ ትንቢት ነገሮም። ሥነ ሕይወት ቃል እቲ ቅዱስ መልኣኽ ብዝስመዐት ፈርሀት፤ ግና ክትወልዲ ኢኺ ስለ ዝበላ ኣዝያ ተሓጐሰት። ነቲ ዝሰምዓቶ ድማ ንክርስቶስ ሞዓ ነገረቶ። ይኹን ደኣ እምበር ንሱ ቅድሚኣ ፈሊጡ ጸኒሑ ነበረ። ከምቲ እቲ መልኣኽ ዘበሰሮም ድማ ኣብነ ኤዎስጣቴዎስ ተፀኒሶም ብ፳፩ ሓምለ ተወልዱ። ማዕቀበ እግዚእ (ማዕቀበ አልፋ) ኢሎም ሰመይዎም።

3.0 ኣተዓባብያ
ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከም ብዓል ነቢይ ኤርሚያስ መጥምቀ መለኮት ዮሐንስ ገና ካብ ማኅፀን ኣዴኦም ከለዉ ዝኃረዮምን ዝባረኾምን ብምንባሩ፡ ውልድ ምስ በሉ ጡብ ኣዴኦም ክጠብዉ ከለዉ ኣዒንቶም ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም ንእግዚአብሔር የመስግኑ ነበሩ። እዚ ኸኣ ከምቲ ልበ አምላክ ዝተሰምየ ቅዱስ ዳዊት “እም አፈ ደቂቅ ወሕጻናት አስተዳሎከ ስብሐተ” (መዝ ፰፥፪/8፥2) ዝበሎ እዩ። ኣዴኦም በቲ እትርእዮ ዕፁብ ዝኾነ ነገር ብምግራም ኣብ ቀዳሞት ይኹን ዳኅረዎት ኣቦታት ዘይተራእየ እዚ ተኣምራት’ዚ እንታይ ይብሃል ትብል ነበረት። ኣስዕብ ኣቢላ’ውን “ኦ ወልድየ ወብርሃነ አዕይንትየ መኑ መሀረከ ዘከመዝ ስብሐታተ” (ኦ ወደይ ብርሃን ዓይነይ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ምስጋና መን መሃረካ) በለቶም። ንሶም ምስቲ ህጻን ምዃኖም ነቲ ዝተባህለ ካብ ምስማዕ ሓሊፎም ምላሽ ኣይህቡዋን ነበሩ።

እዞም ብብስራት መልኣኽ ዝተወልዱ ጻድቕ ሕጻን፡ ኣብ ቤት ወለዶም ብዙኅ ኣይጸንሑን፤ እንታይ ደኣ ወለዶም ቁሩብ ምስ ጎበዙሎም ዝበለጸ መንፈሳዊ ትምህርቲ ክመሃሩሎም ደለዩ።

4.0 ትምህርትን ምንኵስናን
በዚ መሠረት ኸኣ ትምህርትን መንፈሳዊ ሥነ ምግባርን ሥርዓትን ክመሃሩሎም መምህር ቤተ ክርስቲያን ናብ ዝነበሩ ኣኮኦም ዝብጽሕዎም አባ ዳንኤል (ዘካርያስ) ዝርከቡሉ ገዳም (ገርዓልታ) ወሰድዎም። ምስ አባ ዳንኤል ብምዃን ድማ ብዙኅ ትምህርትን ተግሣጽን ከምኡውን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ተምሃሩ። ብትግሃት ኸኣ በብዓይነቱ ትምህርቲ እንተላይ ፹፩ዱ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተምሃሩ። ብትምህርቲ እናበሰሉ ብዝኸዱ ድማ ናብራ ምናኔ ስለፈተዉ ብጸሎት ብጾምን ምትጋህ ተተሓሕዝዎ። ንኣዕይንቶም ሰለምታ፡ ንሕቖኦም ድማ ምንጻፍ ከይሃቡ ነቒሖም ንእግዚአብሔር ይልምኑ ነበሩ። ብኸምዚ ናይ ምናኔ ሕይወት ዝያዳ እናበርትዑ ምስ ከዱ፡ ማእቀበ እግዚእ ንአባ ዳንኤል ከመንኵስዎም ሓተትዎም።

አቡነ ኤዎስጣቴዎስ “ብማዕቀበ እግዚአ” እናተጸውዑ ገና ትሕቲ ዕድመ ንእሽቶ ከለዉ፡ እቲ ሰናይ ተጋድሎኦም ኣብ ኵሎም መነኮሳት ክስማዕን መዛረቢ ዛዕባ ክኸውንን ጀመረ። ኵሎም መነኮሳት ድማ ብቕዓቶም ምስ ረኣዩ “መኑ መሀሮ ለዝ ሕጻን ዘመጠነዝ ጥበበ ወስብሐታተ” (ነዚ ሕጻን እዚ ነዚ ኵሉ ጥበብን ምስጋናን መን ምሂርዎ) እናበሉ ይግረሙ ነበሩ።

ገና ብሕጻንነቶም መንፈስ ቅዱስ ገሊጹሎም ስለዝነበረ እንተለመኑ ይሠምረሎም። ገና ብሕጻንነቶም ስለ ዝመነኑ ድማ ከም መተዓቢቶም ከም ሕጻን ኣይተጻወቱን፤ ኣይሰሓቑን፤ ካብ ኣፎም ዘይጠቅም ዘረባ ኣይወጸን። ኣዕይንቶም ሕማቕ ካብ ምርኣይ፡ ኣእዛኖም ዘይቅዱስ ነገር ካብ ምስማዕ፡ ኣእዳዎም ዘይናቶም ካብ ምትንካፍ፡ ኣእጋሮም’ውን ካብ መገዲ ጽድቂ ወጻኢ ናብ ካልእ ኣየግለሱን። ነዚ ኵሉ ክገብር እግዚአብሔር ትጉሃን መላእኽቱ ልኢኹ ይዕቅቦ ኣሎ ኢሎም ብዝርእይዎን ብዘስተውዕልዎን ጥበብ ኣቦና ኵሎም መነኮሳት ይግረሙ ነበሩ። ኣቦና ብጾምን ብጸሎት ስግደትን ብሕትውናን እናተግሁ ንእግዚአብሔርን ንማኅበረ መነኮሳትን የገልግሉ ኣብ ዝነበሩሉ፤ እቲ ዝፍጽምዎ ዝነበረ ቅድስና ኣዝዩ ልዑል ስለዝነበረ እቶም መነኮሳት “መልአክ ድዩ ሰብ” ክሳብ ምባል ይድነቑ ከምዝነበረ ይንገር። በዚ ምኽንያት ኸኣ መዓርገ ዲቁና ይግብኦም እዩ ኢሎም ከም ሓደ ልቢ መኸርቲ ከም ሓደ ቃል ተዛረብቲ ኮይኖም ወሰኑ።

ኣቦና ገና ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ከለዉ መዓርገ ዲቁና ተቐበሉ። ነዚ ማዕርግ ምስ በቕዑ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገብርዎ ዝነበሩ መንፈሳዊ ግብሪን ትሩፋትን ብዝያዳ ክሰርሑን ተጋድሎኦም ክውስኽሉን ተራእዮም። ከም ሊቀ ዲያቆናት እስጢፋኖስ ብቅንዕና ንቤተ ክርስቲያን የገልግሉ ነበሩ። ንዓበይቲን ንኣሽቱን መነኮሳት ብተልእኾን ብርድእናን የገልግልዎም ነበሩ። ብፍላይ ድማ ንዝተደነሱን ንዝሓመሙን ንኣረጋውያንን ብፍሉይ ይራድእዎምን ነቲ ንእኦም ካብ ዝወሃብ ዝነበረ መቝነን ከይተረፈ ብምምቃል፡ ንሶም ግና ብስዉር ምጻም ይመርጹ ነበሩ። ነቶም ካብኦም ብዕድመ ንዝንእሱ ከይተረፈ ብትሕትና ይእዘዝዎም ነበሩ።

አባ ዳንኤል ትምህርትን ጸጋን ማዕቀበ እግዚእ ብዝረኣዩ ኵሉ ሥርዓተ ምንኵስና ድኅሪ ምምሃር ‘ይደልዎ’ (ይግብኦ) ብምባል አርዑተ ምንኵስና ኣሰከምዎም። ልብሰ ምንኵስና ኸኣ ለበሱ። ኤዎስጣቴዎስ ኢሎም ኸኣ ሰመይዎም። ትርጉሙ ኸኣ ሥነ እግዚእ ማለት እዩ። ካብቲ ሰዓት ጀሚሮም “ምእንቲ ጽድቂ ዝስደዱ ብፁዓን እዮም” ዝብል ናይ ጐይታ ቃል ንምትግባር ነቲ ቀዲሞም ዝመረጽዎን ክጋደሉሉ ዝጀመሩ ገድላዊ ሕይወት ኣበርቲዖም ቀጸልዎ። ጥዑም መብልዕ ከይበልዑ፡ ወይኒ ከይሰትዩ ኣብ መዓልቲ ቁራስ ቅጫ እናበልዑ ብጾምን ጸሎትን ተወሰኑ። አባ ዳንኤል ድማ “ንስኻ እሙን ኣገልጋሊ ኹን፡ ንዓኻ ኾይንካ ንካልኦት ትኸውን ኢኻ፡ ካብ እግዚአብሔር ተዋሂቡካ እዩ እሞ ነቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ ጸጋ ኣይትንዓቖ” ኢሎም መዓድዎም። ንሶም ድማ ከም ዝበልካዮ ይኹን ብምባል ኣብ ጸሎቶም ከይፍለይዎም ብምምኅጻን ቡራኬኦም ተቐበሉ።

ብኸምዚ ኣገልግሎት ተጊሆም እናገልገሉ ከለዉ፤ ኣኽሊል ቅዱሳን ዝኾነ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ንቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ኣኸቲሉ ብምምጻእ ንኣቦና ብምስዓም ፍቕሩ ገለጸሎም። ቅዱስ እስትንፋሱ ኸኣ ኡፉ በለሎም። “ኣታ ፍቁር ወደይ ኤዎስጣቴዎስ ኣብ ማኅፀን ኣዴኻ ከሎኻ ኃርየካ እየ እሞ ንብዙኃን ኣሕዛብ መምህር ክትኸውን መሪጸካ እየ… ንዓኻ ዝሰመዐ ንዓይ ከምዝሰምዐ፤ ንዓኻ ዝኣበየ ንዓይ ከም ዝኣበየ” ቢልዎም ናብ ሰማይ ዓረገ።

ድኅሪ ትግሃት ዝመልኦ ኣገልግሎት ድማ አባ ዳንኤል ናብ ሊቀ ጳጳስ ወሲዶም ክህነት ከምዝቕበሉ ገበርዎም።
                                                                                                                        ይቅጽል...

No comments:

Post a Comment