Tuesday, September 20, 2011

መስቀል (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። 

እንቋዕ ንብርሃነ መስቀሉ ብሰላም ኣብጽሓና፡ ኣብጽሓኩም። 
“ወወሀብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ፤ ከመ ያምስጡ እምገጸ ቅስት፤ ወይድኀኑ ፍቁራኒከ” መዝ ፶፱፥፬ 
(“ነቶም ዝፈርሁኻ ሰንደቕ ዕላማ ሃብካዮም ፈተውትኻ ምእንቲ ክናገፉ” መዝ 60፥4) 

መስቀል ኣብ ዘመነ ብሉይ 
መስቀል ቅድሚ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት በበይኑ ትርጉምን ዕላማን ከምዝነበሮ ይንገር እዩ። ኣብ ፈሪሳውያን፡ ፋርሳውያን፡ ከለዳውያን፡ ሮማውያንን ከም መቕጽዒ ገበነኛ፤ ኣብ ኣይሁድ ከም ምልክት መርገም ወቦ ዘተርፈ ይውሰድን ይጥቐሙሉን ነበሩ። (ዘዳ ፳፩፥፳፪/21፥22) ብኸምኡ ኸኣ ብዙኃት ገበነኛ ምዃኖም ዝተበየነሎም ሰባት፡ ብመስቀል ተቐጺዖምን ጽዋዕ ሞት ኣልዒሎምን እዮም። 

ዋላ ሓደ በደል ንዘይተረኽቦ ጐይታ፤ እኩያን ሰባት ንሞት ክፈርድዎ ከለዉ ነቲ ንሳቶም ዝኸፈአ መቕጽዒ ኢሎም ንዝሓሰብዎ ናይ መስቀል ሞት መሪጾም ነበሩ። ይኹን ደኣ እምበር ሰባት ብኽፍኣቶም ብኸምኡ ይሕሰቡ ደኣ እምበር፡ እግዚአብሔር ንኵሉ ብመደብ ስለዝገብሮ፤ ጐይታ ብፍቓዱ ኣብ መስቀል ክስቀል ምምራጹ፡ ኣቐዲሙ ምሳሌ ዝተመሰለሉ ትንቢት ዝተነግረሉ ምንባሩ ደቂ ሰባት ኣየስተውዕልዎን ነበሩ። ነቲ ትንቢት ይፍጽሙ ከምዘለዉ ኣይርድኦምን ነበረ። ብሓቂ ድማ መድኃኒታ ኣብ ቅድሚኣ ተሰቒሉ ከሎ እስራኤል ኣይፈለጠቶን ነበረት። ስለዚ ኸኣ ነገረ መስቀል ጐይታ ሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነሲ ኣቐዲሙ ትንቢት ዝተነግረሉ ሱባኤ ዝተቖጽረሉ ምዃኑ መጻሕፍቲ ዝምስክርዎ ምዃኑ ምስትውዓል ይግባእ እዩ። 
ደቂ ሰባት ኣብ ዝንዕቕዎ ስፍራ መብልዕ ማል ብትሕትና ዝተወልደ ጐይታ፤ ነቲ ሰባት ከም መርገምን ውርደትን ዝቖጽርዎ ናይ መስቀል ሞት ክመውትን፡ መርገምና ክጸውርን ኅስረትና ናብ ክብረት ክልውጥን ፍቓዱ ስለዝኾነ፤ ጐይታ፡ ሰባት ምልክት መርገም ንዝሓስብዎ ዝነበሩ መስቀል መረጸ። ብክቡር ደሙን ቅዱስ ሥግኡን ኸኣ ንመስቀል ቀደሰ፡ ኣኽበረ። እግዚአብሔር ዝገለጸሎም ኣቦታት ነገረ መስቀሉ ብመንፈስ ኣቐዲሞም ተረዲኦም ይባረኹሉ ከምዝነበሩ ያዕቆብ ኣብነት ይኾነና እዩ። ያዕቆብ ኣእዳዉ ብኣምሳል መስቀል ኣመሳቒሉ ንደቁ ከምዝባረኾም ጽሑፍ እዩ። (ዘፍ ፵፰፥፰-፲፮/ 48፥8-16) ምሳሌን ኅብረ ነገርን ናይ መስቀል ዝኾኑ ነገራት ኸኣ ኣቐዲሞም ካብ ኦሪት ኣትሒዞም እግዚአብሔር ብፈተውቱ ኣቢሉ የርእይን ይፍጽምን ነበረ። ንኣብነት ያዕቆብ ቅድሚ ምማቱ ኣብ መተርኣሱ ዝሰገደላ በትሩ (ዘፍጥ ፵፯፥፲፬/47፥14)፤ ባሕሪ ኤርትራ ዝኸፈለት በትረ ሙሴ (ዘፍ ፲፬/14)፤ ሙሴ ኣብ በረኻ ዝሰቐሎን ኣስራዝ ተመን ዝገበረሉን (ዘኁ ፳፩፥፩-፱/21፥1-9 ዮሐ ፫፥፲፬-፲፭/3፥14-15) ወቦ ዘተርፈ ምጥቓስ ይከኣል። 

መስቀል ኣብ ዘመነ ሓዲስ 
ድኅሪ ልደት ክርስቶስ ግና መስቀል ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ሥግኡ ዝተቖርሰሉ ክቡር ደሙ ዝፈሰሰሉ ብምዃኑ፡ ትእምርቲ መርገምን ውርደትን ምዃኑ ተሪፉ፡ ትእምርቲ በረኸትን ልዕልናን ኮይኑ ኣሎ። ትእምርቲ ሓፍረትን ሕስረትን ዘይኮነስ ትእምርቲ ክብርን ናጽነትን ኮነ። 

መስቀል መሠረት ሕይወትናን ምልክት ድኅነትናን እዩ። መስቀል ኃይልነ፤ መስቀል ጽንዕነ፤ መስቀል ቤዛነ፤ መስቀል መድኃኒተ ነፍስነ ከምቲ እንብሎ መስቀል ካብ ክፉእ ዘበለ እንድኅነሉ ኃይልና እዩ። ንርእሱ ብክቡር ደምን ቅዱስ ሥጋን ክርስቶስ ተባሪኹ፡ ነቲ ናትና ዘበለ ኸኣ ንባርኸሉን ንቕድሰሉን ክቡርን ቅዱስን ንዋይ እዩ። መስቀል ኣብ ሞንጎ እግዚአብሔርን ሰብን ፍጹም ሰላምን ዕርቅን ከምዝወረደ ዘብስር ናይ ክርስቲያን ኮኸብ እዩ። ሰይጣን ከምዝተሣዕረ ዝምስክር ዋልታ ክርስቲያናት እዩ። ሓድሽ ኪዳን ከምዝተተኽለ ዝሰብኽ ዓንዲ ሃይማኖት እዩ። 

መስቀል ቅድሚ ክርስቶስ ኣምላኽና ምስቃሉ ካልእ ናይ ውርደትን መርገምን ታሪኽ እኳ እንተነበሮ፤ ጐይታ ግና ነዚ ታሪኽ መስቀል ቀይርዎ እዩ። ክርስቲያናት ኣምላኾም ብምስማር ተሸንኪሩ፡ ክቡር ደሙ ዘፍሰሰሉ ቅዱስ ሥግኡ ዝቖረሰሉ ስለዝኾነ ነዚ ፍቕሪ እናዘከሩ ዝምክሑሉ ቅዱስ ትእምርቲ እዩ። 

ሊቃውንት’ውን ምሳሌን ፍጻሜን እናመሳሰሉን እናመሣጠሩን ከምዝገልጽዎ፦ ሞት ብምኽንያት ዕፅ (በለስ) ከምዝኣተወ፡ ሕይወት ኸኣ ብዕፀ መስቀል ተረኺቡ። ብዕፅ ምኽንያት ኣብ ልዕሌና ዝተጻዕነ ናይ ሞት ኣርዑት፡ ብምኽንያት ዕጽ(መስቀል) ተሰብረልና። ዲያብሎስ ንኣዳም ብምኽንያት ዕጽ ከምዝሠዓሮ፡ በትሪ ብበትሪ ከምዝምከት ጐይታና ከኣ ብዕፀ መስቀል ሠዓሮን ርእሲ ናይቲ ጥንተ ጸላኢና ተመን (ዲያብሎስ) ቀጥቀጦን። ከምቲ ኣብ ዘመነ ኖኅ ዝነበረ ዓለም ብማይ ጠፊኡ ከብቅዕ፡ ጐይታ ግና ብጥምቀት ገይሩ ነቲ ማይ ናብ ድኅነትና ዝለወጦ፤ ነቲ መቕጽዒ ገበነኛ ዝነበረ መስቀል፡ ብባህርይኡ ንጹሕን ቅዱስን ዝኾነ ጐይታ ምእንታና ከም ገበነኛ ተቖጺሩ ነቲ መስቀል ቀደሶን መቕጽዒ ዲያብሎስ ገይሩ ድማ ሃበናን። 

ስለቲ ኵሉ መስተንክር ግብሩ ኣምላኽና ዝተመስገነ ይኹን። 

ምኽንያት ክብረ በዓል 
ኣብ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓመት መጸ ፲፯ መስከረም ብዓቢይ ድምቀት እያ እትብዓል። እዚ በዓል’ዚ ኣዝዩ ዓቢይ ብምዃኑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነስ ሃገራዊ በዓል ኮይኑ ይኽበር ኣሎ። በዓል መስቀል ኣብ ፲፯ መስከረም ዝኽበረሉ ምኽንያት፡ ኣይሁድ ድኅሪ ስቅለት ጐይታ ብዕጸ መስቀሉ ዝግበር ዝነበረ በበይኑ ተኣምራት ርእዮም ስለዝቐንኡ፡ ሰባት በቲ ተኣምራት ተሳሒቦም ናብ እምነት ከይመጹን ግብሩ ተደፊኑ ምእንቲ ክተርፍን፡ ኣብ ጥቓ ኢየሩሳሌም ቀቢሮሞ ነበሩ። ብኣዋጅ ድማ ኵሉ ነባሪ ኣብ ልዕሊኡ ጓሓፍ ክጕሕፈሉ ብምእዛዝ ኣብ ልዕሊ ጓሓፍ ካልእ ጓሓፍ እናተወሰኾ ጎቦ ኮይኑ ኣሰር መስቀል ንኽሰኣን ተደርበየ። ናይ ደቂ ሰባት ዕሽነት ኸኣ እዚ እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ጌጋኦም ፈሊጦም ኣብ ክንዲ ዝንስሑ ኣብ ልዕሊ ጌጋ ጌጋ ክፍጽሙን፡ ምስ ኃይሊ እግዚአብሔር ክራጸሙን ዝረኣዩ ምዃኖም እዩ። ኃይልን ምኽርን ሰብ ጊዜያዊ ስለዝኾነ፡ ጊዜኡ ምስ ኣኸለ ግና ኣምላኽ ከልካሊ ዓጋቲ ስለዘይብሉ መስቀሉ ተቐቢሩ ክተርፍ ኣይከኣለን። ንግብሪ ኣምላኽ ሰብ’ውን ሓቢኡ ዝሓብኦ ስለዘይኮነ፡ ኣብቲ ዝመደቦ ጊዜ ክግሃድ ግድን ኮነ። 

እምበኣር እግዚአብሔር ዝሰርሓሉ ናቱ መደብን እዋንን ስለዘለዎ፡ ድኅሪ ኣስታት ሠለስተ ሚእቲ ዓመት እቲ ኣሰቃቒ ዘመነ ሰማእታት ኣብ ምብቕዑ፡ ንኣደ መፍቀሬ ሃይማኖት ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ፍቕሪ መስቀሉ ኣኅዲሩ ኣልዓዓላ። እቲ ንጉሥ’ውን ምሉእ ሮም ጠቕሊሉ ቅድሚ ምሓዙ፡ ነቲ ሓደ ክፋል ሮም ዘመሓድሩ ዝነበሩ ነገሥታት “ኣብያተ ክርስቲያናት ይትዓጸዋ፤ ኣብይተ ጣኦታት ይረኃዋ” ዝብል ኣዋጅ ከምዝነበሮም ይዝከር። ንሱ’ውን ምስቲ ኣንጻሩ ዝነበረ ኣረማዊ ንጉሥ (መክሲሚያኖስ) ክገጥም ኣብ ዝተበገሰሉ እግዚአብሔር ኣብ ጸፍጸፍ ሰማይ በዚ ምልክት ክትዕወት ኢኻ ዝብል ቅርጺ መስቀል ኣርእይዎ ነበረ። ንሱ ኸኣ ንሠራዊቱ ኣብ ዋልትኦምን ኣፍራሶምን ምልክት መስቀል ክገብሩ ኣዚዝዎም ነበረ። ብኸምኡ ኸኣ ስለዝተዓወተ እምነትን ፍቕርን መስቀል ሓዲርዎ ነበረ። ኣቐዲማ’ውን ኣዲኡ ካብ ኣረማዊ ንጉሥ ቍንስጣ ዝወለደቶ ወዳ ቈስጠንጢኖስ ክርስቲያን እንተኮይኑላ፡ ካብ ቍስጥንጥንያ ናብ ኢየሩሳሌም ተሳጊራ ነቲ ቅዱስ መስቀል ከተውጽእን፡ ዝፈረሱ ኣብያተ ክርስቲያናትን ክትሓንጽን ተማባጺዓ ነበረት። እቲ ጸሎታን ትምኒታን ስለዝሠመረላ ኸኣ ከም መብጽዓኣ ነቲ መስቀል ከተናዲን፡ ካብቲ ዝተቐብረሉ ከተውጽኦን ሓሰበትን ተበጋገሰትን። ወዳ ድማ ብሓሳባ ተሓጒሱ ብዝኅ ዝበለ ገንዘብን ሠራዊትን ኣማሊኡ ናብ ኢየሩሳሌም ክሰዳ ፍቓደኛ ኮነ። 

ካብ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዛ ድማ እግዚአብሔር ክገልጸላን ሓሳባ ከፈጽማን ሱባኤ ኣተወት። ነቶም ኣንጻር መስቀሉ ዝነበሩ ኣይሁድ ክነግርዋ ዝገበረቶ ፈተነ ኸኣ ኣይሰለጣን። ስለዚ ኸኣ ንግሥት እሌኒ ኣብ ከባቢ ፫፻፳፯ ዓ.ም. (327) ነዚ መስቀል ንኽትረክብ ብፍጹም እምነት ንእትገብሮ ጻዕሪ መጀመርታ ካብ ኣባ መቃርስ ብዝረኸበቶ ሓበሬታ ፈለመት፤ ንሱ’ውን ሓመድ ኣብ ልዕሊኡ ተኾሚሩ ከምዝተደርበየ ብታሪኽ ከምዝዝንቶ ነገራ። ቀጺሉ ኸኣ ንኣረጋዊ ኪራኮስ ረኺባ ኣቦታቱ ኣብ ከባቢ ቀራንዮ ከምዘሎ ከምዝነገርዎ ኣዘንተወላ፤ ካብ ሱባኤኣ ኸኣ ቅዱስ ሚካኤል ብዝነገራ ንሕዝቢ ኣዚዛ ዳሜራ ተኺላ (ደሚራ) ዕጣን ወሲኻ፡ ጸሎትን ምሕለላን ብምብጻሕ ንኣምላኽ ምስ ለመነቶ፡ እቲ ትኪ ናብ ሰማይ ደይቡ፡ ነታ ቦታ ከመልክት ኣብቲ ቅዱስ መስቀል ዝተቀብረሉ ቦታ ብምውራድ ሓበረ (ሰገደ)። ካብቲ ሕዝቢ ዳሜራ (ዕንጨይቲ) ኣኪባ ዘቃጸለትሉን ምልክት ዝሃባን ዕለት ፲፮ መስከረም እዩ። ኵዕታ ኸኣ ፲፯ መስከረም ከምዝተጀመረ ይግለጽ። 

ብመሠረት ሓበሬታ እቲ ተኣምራታዊ ትኪ፡ ንሸውዓተ ኣዋርሕ እቲ ቦታ ተዃዒቱ ድኅሪ ብዙኅ ድኻም መስቀለ ክርስቶስ ፲ መጋቢት ክርከብን ክውጽእን ኸኣለ። ካብቶም ምስኡ ዝተረኽቡ መሳቅል ከኣ በቲ ዝገበሮ ተኣምራት ክፍለ ክኢሉ። ሎሚ ዳሜራ ደሚርና እነኸብሮ ፲፮ መስከረም ቅድስት እሌኒ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብያተ ክርስቲያናት ኣሕኒጻ ዝተባረኸሉ ክኸውን ከሎ፡ ፲፯ መስከረም ድማ ቅዳሴ ቤቱ ዘኽበረትሉን ብምዃኑ እዩ። ኣብ ፲ መጋቢት ከይከውን ግና እቲ እዋን እቲ ናይ ጾም (ዓቢይ) እዋን ስለዝኾነ፤ ኣብ ጊዜ ጾም ድማ ሓጐስን ይባቤን ምግባር ክልኵል ስለዝኾነ፡ ከምቲ ልማድ ሊቃውንቲ በዓል ምስ በዓል ብምዝማድ ኣብዚ መስከረም ተሳሒቡ ከምዝኽበር ይግበር ኣሎ። ነቲ እሌኒ ዝፈጸመቶ ታሪኽ ንምዝካር ድማ ዳሜራ ኣብሪህና ነብዕሎ ኣሎና። እቶም ምእመናን ድማ ነቲ ብብዙኅ ድኻም ዝተረኽበ መስቀል ዜናኡ ምስ ሰምዑ ተሓጒሶም፡ ነቲ ዜና ነቶም ዘይሰምዑ ንምብሳር ሆየ ሆየ እናበሉ ሽግ ንዝወልዕዎ ምኽንያት ብምግባር ኸኣ ሽግ ንውልዕ።

                                                                                                                               ይቅጽል..

No comments:

Post a Comment