ሎቱ ስብሐት (ንስሙ ስብሐት ይኹኖ እሞ)፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፈልያ እተኽብረሉ ፱ተ ዓበይትን ፱ተ ንኡሳን በዓላት ኣለዋ። ሓደ ካብቶም ንኡሳን በዓላት ድማ ኣብ ሻሙናይ ዕለተ ልደት ዝኽበር በዓለ ግዝረት ጐይታ እዩ። ሠራዔ ሕግ እግዚአብሔር፡ ብዝተፈለየ ኣካሉ ወልደ እግዚአብሔር ሥጋ ለቢሱ ፍጹም ሰብ ብምዃን ነቲ ደቂ ሰባት ንክሕልዉዎ ካብ ዝሠርዖ ሕግታት ነቲ ሓደ ባዕሉ ዝፈጸመሉ ዕለት እዩ።
ግዝረት ብዘመነ አብርሃም ዝተተኽለ ሕጊ እዩ። ትርጉሙ ድማ ዕልቦ ሥጋ ካብ ኣካላትካ ምውጋድ፡ ምቑራጽ ማለት እዩ። እዚ ከኣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ምስ ኣቦና አብርሃም ናይ ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ምልክት ነበረ። ግዝረት ናይቲ ክመጽእ ዝነበሮ ጥምቀት ምሳሌ ኮይኑ ከኣ መፍለዪ ኣብ ሞንጎ ብእግዚአብሔር ዝኣመኑን ዘይኣመኑን ሕዝብታት ኮይኑ የገልግል ነበረ። ግዝረት ሕዝብን አሕዛብን ዝፈላለዩሉ ሥርዓተ ሕጊ ከምዝነበረን፤ ጥምቀት ከኣ ኣብ ሞንጎ እሥራኤል ዘሥጋን እሥራኤል ዘነፍስን ዝፈልዪ ምሥጢር ኮነ።
ግዝረተ አብርሃም
አብርሃም ካብ ኣቡኡ ታራ ዝወረሶ ልማድ ጦዖት ነበሮ። ኣቦኡ ድማ ሸያጢ ጣዖት ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ሓደ እዋን ንወዱ አብርሃም ጣዖት ክሸጠሉ ናብ ዕዳጋ ለኣኾ። አብርሃም ግና ነቲ ተሸኪምዎ ንዝነበረ ብኢድ ሰብ ጽሩብ ዝኾነ “ኣምላኽ” (ጣዖት) ከዛርቦ እንተፈተነ’ውን መልሲ ክረኽበሉ ኣይከኣለን። ጥሜቱ ከዐንግለሉ እንተለመኖውን ዝሰምዕ ኮይኑ ኣይረኸቦን እሞ ኣብ ዕዳጋ ወሲዱ ከቃልሎ ተራእየ። ኣብ ምምላሱ ድማ ንዕኡ ደርቢዩ ሓቀኛ ኣምላኹ ንምርካብ ብሥነ ፍጥረት ተመራሚሩ ሃልዎተ እግዚአብሔር ምስ ፈለጠን፤ ብፍጹም እምነቱን ብግብሩን ንእግዚአብሔር ባህ ብምባሉን ዓርከ እግዚአብሔር - ፍቁረ እግዚአብሔር ተባህለ።




