Friday, January 13, 2012

ሃይማኖተ አበው

 ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ - ድርሳነ ልደት (ምዕራፍ ፷፮፥ ክፍሊ ፫-፲ ቍ.፩-፭, ፲፬-፴፬) 

ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ዝኸበረ ልደት ጐይታ ኣብ ዝገለጸሉ ድርሳኑ ከምዚ በለ። 

ቀዳማዊ አምላኽ ሎሚ ተወሊዱ። ጥንቲ ገንዘቡ ብዘይኮነ ባህርይ ተረኽበ። ንሱ ቀዳማዊ ኣምላኽ እዩ። ሰብ ብምዃኑ’ውን ካብ ባህርይኡ ኣይተለወጠን። ጥንተ መለኮቱ’ውን (ናይ መለኮቱ ምጥንታውን) ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ድኅሪ ምውላዱ ኣይኮነን፤ ምስ አብ ምስ መንፈስ ቅዱስ ዓለም ከይተፈጥረ ዝነበረ ጥበብ እዩ እምበር። ዘይሓምም ንሱ ካብ ባህርየ መለኮቱ ከይተለወጠ፡ ሕማም ንዝሰማምዖ ሥጋ ተዋሒዱ። (ዮሐ ፩፥፩-፲፬/1፥1-14 ቀዳማይ ቆሮ ፪፥፮-፲፪/2፥6-12) 

ኣብ ልዕሊ ልዑል ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ንሱ ኣብ መብልዕ ማል ተደርበየ። ቅድሚ ሥጋ ምዃኑ ዘይድህሰስ ዝነበረ፡ ወልድ ዋሕድ ሎሚ ሥጋ ብምውሓዱ ተዳህሲሱ። ኃጢኣት ዘስተሥርዪ ንሱ ብኣጭርቕቲ ተጠቕለለ። (ሉቃ ፪፥፮-፲፱/2፥6-19) ደጊሙ’ውን ከምዚ በለ፡ ዘይውሰን እግዚአብሔር ኣብ ማኅፀን ድንግል ከም ዝተወሰነ መን ረኣየ መን ሰምዐ ሰማያት ዘይውስንዎ ንሱ፡ ማኅፀነ ድንግል ኣይጸበቦን። ባህርይኡ ከይተለወጠ ተወሊዱ እምበር፡ ካብ መለኮቱ ዝተፈልየ ዕሩቅ ብእሲ ኣይኮነን። 

ደጊሙ’ውን እዚ ፍጹም መምህር ዮሐንስ አፈወርቅ’ዚ ነገረ ልደት ኣብ ዝተዛረበሉ መጽሓፍ ከምዚ በለ። ጥበበኛ ሰራሒ መሬት ንዝሰርሓሉ ጽቡቕ ጽቡር መሬት ምስ ረኸበ፡ ካብኡ ሰናይ ኣቕሓ ከምዝሠርሕ፤ ከምኡ ድማ ጐይታና ናይ ድንግል ንጹሕ ሥጋኣን ንጹሕ ነፍሳን ምስ ረኸበ፡ ነፍስ ንዘላቶ ሥጋ ክወሓድ ፈጠረ። (ሉቃ ፩፥፳፮-፴፱) ከምቲ ዝፈቐዶ ንሰብ ፈጠሮ፡ ካብ ድንግል ካብ ዝፈጠሮ ነፍስን ሥጋን ለበሰ። ንእኡውን ተዋሒዱ ሎሚ ተወሊዱ። ሕፀፅ ዘለዎ እዩ ኢሉ ባህርይና ኣይገደፎን። ሥጋ ኣብ ዝተወሓደሉ ጊዜ ቃል ካብ ምልኣቱ ኣይተወሰነን፤ ሥጋ ናይ ፈጣሪ ኣካል ባህርይ ኣብ ዝኾነሉ ጊዜ ፍጹም ኣምላኽነት ረኸበ እምበር። (ሉቃ ፪፥፲-፲፬/2፥10-14 ዮሐ ፩፥፲፬/1፥14) 
ሠራሒ መሬት ኣቐዲሙ ብኢዱ ጽቡር መሬት ከይሓዘ ምሥራሕ ከምዘይከኣሎ፡ ብፍዳ ተታሒዙ ዝነበረ ባህርይ፡ ዳግማይ ብዘይ ኢድ እግዚአብሔር ብዘርኢ ተፈጢሩ ክበሃል ኣይግባእን፤ ፈጣሪ ምእንቲ ክወሓዶ ብዘይ ዘርኢ ብኢድ እግዚአብሔር ተፈጥረ እምበር። እንታይ ክብል እየ እንታይሲ ክዛረብ እየ ቅድሚ ዘመን ዝነበረ ንሱ ንእሽቶይ ሕጻን ኮይኑ ኣሎ። ኣነስ ፈጺመ የድንቕ፡ ልዕሊ ሰማየ ሰማያት ዝኸውን ኣብ ዘለዓለማዊ ዙፋኑ ዝነብር ንሱ ኣብ መብልዕ ማል ተደርበየ። ቅድሚ ሥጋዌኡ ዘይድህሰስ ዝነበረ ሓደ ንሱ፡ ብኢድ ምድራውያን ተዳህሲሱ። ኃጢኣት ንዘስተሥርይ ንእኡ ኣብ ኣጭርቕቲ ጠቕለልዎ። ነዚ ስለዝፈቕደ። (ሉቃ ፪፥፲-፲፫/2፥10-13 ዕብ ፩፥፰/1፥8 ዕብ ፯፥፳፮/7፥26 ማቴ ፱፥፩-፯/9፥1-7) 

ኽብሪ ተፈልይዎ ንዝነበረ ሥጋ ኽቡር ኣምላኽ ክገብሮ፤ ናይ ጸጋ ገዛኢነት ስኢኑ ንዝነበረ ሥጋ ናይ ባህርይ ገዛኢ ክገብሮ ፈተወ። አዳም ከም ሓደ ኻባና ኮነ ንዝበሎ፡ ሰብ ብምዃን ክገልጾ ፈተወ። (ዘፍ ፫፥፩-፳፬/3፥1-24 መዝ ፵፥፯ ዕብ ፲፥፯/10፥7 ዮሐ ፩፥፩-፲፬/1፥1-10) ስለዚ ድማ ሥጋይ ተዋሓደ፤ ወንጌል ክምህር ከሎ ክሰምዖ ምእንቲ ሥጋይ ብተዋሕዶ ገንዘቡ ገበረ። መንፈስ ቅዱስ ሃበኒ። ሃብኩ፡ ተቐበልኩ። ንዓይውን ፍጹም ሕይወት ገንዘብ ገበርኩ። ንሱ ከኽብሮ ምእንቲ ሥጋይ ተዋሓደ። ዘድኅንኒ መንፈስ ቅዱስ ሃበኒ። (ዕብ ፪፥፲፬-፲፰/2፥14-18 ዮሐ ፩፥፲፩-፲፰/1፥11-18) 

ኣነስ እንታይ ክብል እየ እንታይስ ክዛረብ እየ እንሆ ድንግል ክትፅንስ እያ፡ ከመይሲ ክትወልድ እያ ኣይበሉ። ልደቱ ክድነቕ ምእንቲ ከመይ ኮነ ኣብ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊኦም ዝተነግረ ተፈጸመ። ንሕና’ውን ብኣጻዋውዓ ስሙ (አማኑኤል ብምባሉ) ብእኡ ኣመንና። (ኢሳ ፯፥፲፬/7፥14 ማቴ ፩፥፲፰-፳፭/1፥18-25) 

ብወገን ኣይሁድ ድንግል ከምእትፀንስ ተነግረ። ብወገንና ግና ሓቂ ኮነ። ትንቢት ንምኵራብ፡ ሃይማኖት ንቤተ ክርስቲያን እዩ እሞ፤ እቲኣ ትንቢት፡ እዚኣ ድማ ሃይማኖት ገንዘባ ገበረት። ምኵራብ ምሳሌ ሃበት፤ ቤተ ክርስቲያን ኣመነትሉ። ምኵራብ ትንቢት ኣምጸአት፤ ቤተ ክርስቲያን ተቐበለቶ። ምኵራብ ትንቢቱ ብምሳሌ መሃረት፤ ቤተ ክርስቲያን ብሃይማኖት ጸንዓትሉ፡ ረቢሓትሉን ተጠቒማትሉን። 

ኣብቲኣ ሓረገ ወይን ተተኽለ፤ ኣባና ግን ፍሬ ጽድቂ ተረኽበ። እቲኣ ንወይኒ ኣብ ዓውዲ ኣኼደቶ፤ ኣሕዛብ መስተ ምሥጢር ሰተዩ። እቲኣ ንውሑድ ዘርኢ ስርናይ ዘርአት፤ ኣሕዛብ ጽጌ ረዳ ብምሕረቱ ኣከቡ። እቲ ኣእሻዅ ግና ኣብ ኣይሁድ ተረፈ። እዚ ኸኣ ክህደት ኑፋቄ እዩ። (መኃ ፪፥፩-፫/2፥1-3 ዮሐ ፬፥፴፮-፴፰/4፥36-38 ዕብ ፮፥፰/6፥8) ንእሽቶይ ዑፍ ሰናፋት ተቐሚጦም ከለዉ ጽላሎቱ ኣውዲቑሎም ከደ። ኣይሁድ ብብራና ንዝተጻሕፈ መጽሓፍ ይትርጒሙ፤ ኣሕዛብ ፍሬኡ (ምሥጢሩ) ይቐስሙ። (ኢሳ ፳፱፥፲፩-፲፬/ ግብ ፲፫፥፵፭-፵፰) 

እንሆ ድንግል ክትጸንስ እያ፤ ኣንታ ኣይሁዳዊ እስኪ ንገረኒ? ድንግል ዝወለደቶ መን እዩ? ንሄሮድስ ከምዘረዳእኻዮ ንኣይውን ኣረድኣኒ። ንዓይሲ ኣይተነግረንን ዶ? ክቐትሎ ምእንቲ ንእኡ ነገርካዮ እምበር፤ ምእንቲ ክሰግደሉ ንዓይ ንምንታይ ዘይትነግረኒ? ድንግል ዝወለደቶ እዚ መን እዩ? ንሱስ ፍጥረታት ኵሉ ዝፈጠረ ጐይታ እዩ። (ኢሳ ፯፥፲፬/7፥14 ማቴ ፪፥፩-፲፬/2፥1-14) ንስኻ እንተዘይተዛሪብካ ፍጥረት ኵሉ ይዛረብ እዩ። ካብ ምንጋር’ውን ኣይክልከሉን እዮም። ባዕሉ ከም ዝፈቐደ ክውለድ’ውን ዝከኣሎ ወልድ ተወሊዱ። ፍጥረታት ኵሉ ዝፈጠረ እዩ እሞ፡ ልደቱ መንክር ዝኾነ ንሱ ተወሊዱ። ንሱ ባዕሉ ሰብ ከምዝኾነ ኣረድአ። (ሉቃ ፪፥፰-፳/2፥8-20 ዮሐ ፲፮፥፳፰/16፥28) 

ከም ሰብ ብዘርኢ ሰብኣይ ኣይተወልደን። ኣምላኽ ክነሱ ሰብ ኮነ እምበር። ሰብ ኮይኑ ሎሚ ካብ ድንግል ተወልደ። ብዘርኢ ካብ ምውላድ ብዝረሓቐ ልደቱ፡ ብዓና ባህርይ ንዲያብሎስ ሠዓሮ። ኵሉ ንዝፈጠረ ጐይታ ንጽሕቲ ፍልይቲ ብዝኾነት ልደት ምውላድ ተገብኦ። (ቈላ ፪፥፲፬/2፥14) ብቀደሙ’ውን ንኣዳም ካብ ዘይተሓርሰት ምድሪ ፈጠሮ። ዳግማይ’ውን ንሔዋን ካብ ኣዳም ብዘይ ኣደ ፈጠራ። ኣዳም ብዘይ ኣደ ንሔዋን ከምዘርከበ፡ ከምኡ ድማ ሎሚ ድንግል ንክርስቶስ ብዘይ ኣቦ ወለደት። (ዘፍ ፪፥፯-፳፬/2፥7-24 ገላ ፬፥፬/4፥4) 

ነቢይ ብዛዕባ ናቱ ሰብ ምዃን መርሚሩ ክበጽሖ ዝከኣሎ መን እዩ በለ። ንሰብኡት ዝኽፈል ዕዳ ኣብ ልዕሊ ኣንስትዮ ነበረ። ብዘይ ኣደ ሔዋን ተረኺባ ነበረት እሞ ድንግል ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ንክርስቶስ ወለደቶ። ናይ ሔዋን ዕዳ ንኣዳም ክትከፍሎ ምእንቲ። አዳም ብዘይ ኣደ ንሔዋን ስለዘርከበ ከይምካሕ ምእንቲ ድንግል ብዘይ ኣቦ ንክርስቶስ ወለደት። ድንቂ ብዝኾነ ሓድነት፤ እዚ ናይ ፍጥረት ማዕርነት ክፍለጥ ምእንቲ። (ቀዳማይ ቆሮ ፲፩፥፰/11፥8) 

ካብ ጐድኒ ኣዳም መሰንገለ ከምዝወሰደን፡ በዚ’ውን ናይ ኣዳም ኣካል ከምዘይጐደለ ከምኡውን ካብ ድንግል ነባቢት ለባዊት ነፍስ ዘላቶ ሥጋ ወሰደ። ማኅተመ ድንግልናኣ ኣይተለወጠን። ናይ ጐድኒ መሰንገለ ካብኡ ድኅሪ ምውሳዱ፡ ኣዳም ኣካል ከይጐደሎ ፍጹም ኮይኑ ይነብር ነበረ። ድንግል’ውን ሕጻን ክርስቶስ ካብኣ ድኅሪ ምውላዱ ከምኡ ብዘይምልዋጥ ብድንግልና ጸኒዓ ነበረት። (ሕዝ ፵፬፥፩-፫/44፥1-3 መኃ ፬፥፲፪/4፥12) 

ስለዚ ድማ ክወሓዶ ምእንቲ ንሥጋ ካብ ካልእ ባህርይ ኣይፈጠረን። ንሱ ባህርየ ኣዳም ነቒፉ ዝገደፎ ከይመስሎም፡ ሰይጣን ንሰብ ኣጋጊዩ ነበረ። ገንዘቡ ኮይኑዎ ነበረ። ገንዘቡ ምዃኑ ዝጥርጥርዎ ዝነበረ ባህርይ ንኸድኅን ጐይታ ነፍስ ንዘላቶ ሥጋ ተዋሒዱ። ምስ ፈጣሪኡ ብምውሓዱ ካብ መግዛእቲ ዲያብሎስ ክፈልዮ ምእንቲ። (ዘፍጥ ፫፥፩-፲፭/3፥1-15 ራእ ፲፪፥፱/12፥9 ሮሜ ፭፥፲፬/5፥14 ዕብ ፪፥፲፮/2፥16) 

ከምዚ ከማይ ብዘርኢ ብሩካቤ ተወሊዱ እንተዝኸውን ብዙኃት ሰባት ዕሩቅ ብእሲ ምበልዎ ነይሮም። ኣምላኽነቱ ምኽሓዱ ነይሮም። እምበኣርከስ ከምኡ ከይብልዎ ካብ ድንግል ተወሊዱ። ምስ ወለደቶ’ውን ድንግልናኣ ብዘይምልዋጥ ኣጽንዐ። ድንቂ ብዝኾነ ፅንሳ ነቲ ርቱዕ ሃይማኖት መራሒ ክትኸውን ምእንቲ። (መዝ ፻፲፥፫ ሚክ ፭፥፪/5፥2) 

ጣዖት ዘምልኽ ወይውን ኣይሁዳዊ ብሓቂ ክርስቶስ ከም ኵሉ ሰብ ድዩ? ወይውን ካብ ኵሉ ሰብ ንሱ ይበልጽ? ኢሉ እንተሓተተኒ እወ ካብ ኵሉ ሰብ ንሱ ፈጺሙ ይልዕል። ንቃል ምስክር ካብ እትኸውን ካብ ድንግል ብኅቱም ድንግልና ምውላዱ ምስክር ገይረ ክዛረብ እየ። ንኵሎም ፍጡራን ወሲኑ ገቲኡ ንዝነብር ኃጢኣትን ሞትን ዝሠዓረ ንሱ እዩ። ማኅፀን ኣዲኡ ዝፈጠረ ድንግልናኣ ዘጽንዐ ንሱ እዩ። ዘርኢ ብዘይብሉ ልደት ተወሊዱ እዩ እሞ፡ ንሱ ብዘይምርመር ግብሪ ብዝፈቐዶ መልክዕ ሥጋ ፈጢሩ ተዋሒዱ። (ዮሐ ፪፥፳፩/2፥21) 

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ። 








1 comment:

  1. Kale hiwey yesimialina Maidawiyan !!!
    Bertue ketisiliwo. Nizibelese agelglot Egziabher haylun tibebun yihabkum . Weladite Amlake misakum tikun.

    ReplyDelete