Thursday, January 12, 2012

አፅመ ቅዱሳን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ሎሚ ዕለት ፫ ጥሪ ዕረፍቲ ናይ ቅድስ ኣቦና አቡነ ሊባኖስ እዩ። ኣብ ገዳሞም ደብረ ሊባኖስ ድማ ክብ ብዝበለ ሥርዓት በዓሎም ይበዓል። ገዳም ደብረ ሊባኖስ ካብ ኣሥመራ ፻፶/150 ኪ.ሜ ንሸነኽ ደቡብ ርሒቑ ዝርከብ ኮይኑ ኣብ ውሽጡ ልዕሊ ሓደ ታቦት ዝሓቘፈ ገዳም እዩ። ገለ ካብ ታቦታቱ ድማ ደብረ ኢየሱስ፡ ደብረ ሐዋርያት፡ ደብረ ኪዳነ ምሕረት ይርከብዎ። ብዛዕባ እዚ ጥንታዊን ኣብ ፭ይ ክፍለ ዘመን ዝተመሥረተን፡ እዚ ገዳም’ዚን መሥራቲኡ ዝኾኑ አቡነ ሊባኖስን ዝምልከት ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝወጸ ጽሑፍ አቡነ ሊባኖስን ገዳሞምን ክንምልከት ከኣ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ንሎሚ ግና ከም ፍቓድ እግዚአብሔር፡ ብዛዕባ ኣብቲ ገዳም ንዝርከቡ ኣካላተ ቅዱሳንን ኣዕፅምቶምን መበገሲ ብምግባርን ብምዝካርን ተዛማዲ ጽሑፍ ነቕርብ ኣሎና።

በረኸትን ረድኤትን ናይ አቡነ ሊባኖስን ኵሎም ቅዱሳንን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ኽብሪ ኣዕጽምቲ ቅዱሳን

እግዚአብሔር ነቶም ብስሙን ስለስሙን ንዝተጋደሉን ዝጋደሉን ቅዱሳን ብሕይወት ከለዉ ኣብ ኣፀደ ሥጋ፡ ድኅሪ ዕረፍቶም ድማ ኣብ ኣፀደ ነፍስ ዘይሓልፍ ክብርን ልዑል ጸጋን ሂብዎምን ይህቦምን እዩ። ቅዱሳን ኣብ ምድሪ ከለዉ ዝረኽብዎ ጸጋን ክብርን ናይቲ ብዕጽፍታት ኣብ ሰማይ ናይ ዝረኽብዎ ምሳሌ ከኣ እዩ። መርገመ ሥጋ ናይ መርገም ነፍስ ርደተ መቃብር ናይ ርደተ ገሃነም ተምሳል ኮይኑ ከምዝቐርብ፤ በረከተ ሥጋ ናይ በረከተ ነፍስ ምሳሌ እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ስለ’ቲ ቃሉን፡ ክብሩን፡ ኣምልኾቱን ብሃይማኖት ገድሎም ንዝፈጸሙ፡ እዚ ዘይብሃል ጸዋተወ መከራ ንዝተቐበሉ ቅዱሳን ዓስቦም ዝርስዕ ኣምላኽ ኣይኮነን። ይትረፍ ኣብ ሰማይ ንሶም’ውን ናይ ዝተተስፈውዎ ኽብሪ፡  ኣብ ምድር እኳ ብብዙኅ ጸጋታት ልዕሊ ካልኦት ጸብለል ከብሎምን ከኽብሮምን ይነብር ኣሎ። ቅዱሳን አበውን ነቢያትን፡ ሓዋርያትን ሰማእታትን ጻድቃንን ከኣ እቶም ቀዳሞት ምሳሌታትና እዮም። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ ቅድስተ ቅዱሳን፤ ንጽሕተ ንጹሓን፤ ካብ ኵሎም ፍጡራን ንላዕሊ ዝኸበረት መልዕልተ ፍጡራት መትሕተ ፈጣሪ እያ።

ቅዱሳን እቲ ብእግዚአብሔር ዝወሃቦም ጸጋ ካብ ርእሶም ሓሊፎም ንኻልኦት በረኸት ክኾኑ፡ ብቃል ኪዳኖም ድማ ንብዙኃት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ምሕረተ ሥጋን ነፍስን ከውህቡ ከምዝነብሩ ቅዱስ መጽሓፍ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። (ዘፀ ፴፬፥፯ ዘዳ ፭፥፲ ፯፥፱ መዝ ፻፬፥፭-፱) ብኣካይድኦምን ናብራኦምን ባህ ስለዘብልዎ ኸኣ እግዚአብሔር ነቶም ቅዱሳኑ እግዚአብሔር ይፈትዎምን፤ የኽብሮምን፤ ልዕሊ ካልኦት ድማ ጸሎቶምን ልማኖኦምን ይሰምዕን፡ ይምልስን ከኣ። ኣብ ቅድሚ ካልኦት ስለዘኽብሮም ከኣ ነቲ ተኣምርን ኃይልን ዝገብር ጸጋኡ ኣብኦምን ኣብቲ ናቶም ዘበለን ኣብዚኁ ክህብ ይረአ እዩ። እቲ ኽብርን ጸጋን ከኣ ካብ ምሉእ ኣካላቶምን መሳቕሎምን ሓሊፉ፡ ኣብ መጠምጠሚኦም፡ ቅናቶም፡ መአረሚኦም፡ አልባሶም፡ መቋሚኦም፡ ስፍራ መጸሊዪኦም፡ መጽሓፍቶም፡ ወቦ ዘተርፈ ብግሁድ ዝረኣየሉን፡ ተኣምራታዊ ሥርሑ ክሠርሕ ዝርከበሉን ከኣ ስለዚ እዩ። ነዚ ዝምልከት’ውን ብውሑድ ምሳሌ ኣብ ብርሃናተ ዓለም ሓዋርያት ቅዱስ ጳውሎስን ቅዱስ ጴጥሮስን ዝነበረ ጸጋን ኽብርን ብዝገብርዎ ዝነበሩ ተኣምራታዊ ሥራሕ ‘ካብ ባሕሪ ብጭልፋ’ ከም ዝበሃል ብሓጺሩ ምምልካት ይከኣል።

ቅዱስ ጳውሎስ በቲ ክዳኑ ኣቢሉ ሕሙማት የሕዊ ነበረ። “ኣምላኽ ከኣ ብኢድ ጳውሎስ ብዙኅ በይኑ ዝዀነ ተኣምራት ገበረ፡  መኣረምያኡ ወይስ ክዳኑ ኻብ ዝባኑ ወሲዶም ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ ሕማሞም ይሐድጎም፡ ርኹሳት መናፍስቲውን ካባታቶም ይወጹ ነበሩ።” (ግብ ሐዋ ፲፱፥፲፪) ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ካብዚ ፍልይ ብዝበለ ብጽላሎቱ ገይሩ ተኣምራት ይገብር ነበረ። “ብኢድ ሐዋርያት ድማ ብዙኅ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል እቲ ሕዝቢ ተገብረ፡ ኲላቶም ድማ ብሓንቲ ልቢ ሐቢሮም ኣብ ገበላ ሰሎሞን ነበሩ። ካብቶም ካልኦት ደፊሩ እተጸምበሮም ኣይነበረን፡ እቲ ሕዝቢ ግና የኽብሮም ነበረ።  ዝበለጸ እኳ ብዙኃት ሰብኡትን ኣንስትን ብጐይታ ዚኣምኑ ይውሰኽዎም ነበሩ። ጴጥሮስ ኪሐልፍ ከሎ፡ ጽላሎቱ ኣብ ገሊኦም ምእንቲ ኺወድቕ ኢሎም፡ ንሕሙማት ኣብ ዓራትን ኣብ ቃሬዛን ገይሮም፡ ተሰኪሞም ናብ ኣደባባይ የውጽእዎም ነበሩ። ኣብ ዙርያ ኢየሩሳሌም ካብ ዘለዋ ኸተማታት ከኣ ብዙሓት ተኣኪቦም ይጒዐዙ ነበሩ፡ ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩን ድማ ኣምጽኡ ዅላቶምውን ሐወዩ።” (ግብ ሐዋ ፭፥፲፪-፲፮)

ቅዱሳን ኣብ ኣፀደ ሥጋ ከለዉ ጥራይ ዘይኮነሲ ኣብ ኣፀደ ነፍሲ ከለዉ’ውን እቲ እግዚአብሔር ኣምላኽ ሓንሳብ ዝሃቦም ጸጋ ስለዘይሕደግ ኣዕጽምቶም ከይተረፈ ተኣምራት ክገብር ይነብር እዩ። ንምሳሌ’ውን ኣብቲ ናይ ጸልማትን ኲነኔን ዘመን - ዘመነ ብሉይ ከይተረፈ ካብ ቅዱሳኑ ጸግኡ ፈጺሙ ዘይፈለየ እግዚአብሔር ንኤልሳእ ዘኽብረሉ ነገራት ንረክብ ኢና። እዚ ኸኣ ነቢየ እግዚአብሔር ኤልሳእ ብሕይወት ከሎ ምውት ኣተንሢኡ ከምዝነበረ፤ ድኅሪ ዕረፍቱ’ውን ኣዕጽምቱ ምውት ኣተንሢኡ እዩ። “ኤልሳእ ድማ ሞተ፡ ቀበርዎውን። ብመጀመርታ ዓመት ከኣ ሓደጋ ዚወድቁ ኻብ ሞኣብ ናብታ ሃገር መጹ። ኰነ ድማ፡ ሰባት ንሓደ ሰብኣይ ኪቐብሩ ኸለው፡ እንሆ፡ ነቶም ወደቕቲ ሓደጋ ርእዮም ነቲ ሰብኣይ ናብ መቓብር ኤልሳእ ደርበይዎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ኣዕጽምቲ ኤልሳእ ምስ ተንከየ፡ ሐወየ፡ በእጋሩ ድማ ደው በለ።”  (ካልኣይ ነገ ፬፥፴፬ ካልኣይ ነገ ፲፫፥፳፪)

ንቅዱሳን ክንዲ’ዚ ክብሪ ዝሃበ እግዚአብሔር ምስጋና ይኹኖ። ናይዚኦም ክልተ ሓዋርያትን ናይ ነቢዪ ኤልሳእን ከም ኣብነት ኣምጻእና እምበር እግዚአብሔር ብዝሃቦም ጸጋ፡ ዕፁብ ዝኾነ ተኣምራት ዝፈጸሙ ቅዱሳን ፍቕዲ የብሎምን። ብደም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሠረተት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ብኣዕጽምቲ እዞም ቅዱሳን ዝዓንበበትን ዝተነደቀትን እያ።

ዕቃቤን ኽብርን ኣዕፅምቲ ቅዱሳን

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ቅዱሳት መጻሕፍት ገይራን ሓዋርያዊ ትውፊት ዓቂባን ንቅዱሳን እቲ ዝግብኦም ክብሪ ትህብ እያ። ደቃ’ውን ነቶም እግዚአብሔር ዘኽብሮም ቅዱሳን እቲ ዝግባእ ኽብሪ ክህቡ ትምህርን ትምዕድን እያ። ንቅዱሳን ብምኽባር፡ ጸጋ እግዚአብሔርን ረድኤት ቅዱሳኑን ይርከብ እዩ። እግዚአብሔር ንዘኽበሮ ክኽብሮ እምበር ከሕስሮ ዝከኣሎ ሓደ እኳ የልቦን። እቲ ከሕስር ዝመጣጠር ድማ ሕስረት ንርእሱ እዩ። (ሮሜ ፰፥፴-፴፫ ሮሜ ፲፫፥፯ ቀዳማይ ጢሞ ፭፥፲፯-፲፱)

እምበኣር ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሕይወቶም ንቃለ እግዚአብሔር ሂቦም ንዝተጋደሉ ቅዱሳን፡ ትምህርቶምን ገድሎምን ብምዕቃብ፡  ብስሞም ቤተ ክርስቲያን ብምስያም፤ በዓላቶም ብምግባር፤ ገድሎምን ተኣምራቶምን ብምጽሓፍን ብምምስካርን ብምዝካርን፤ ጸበል ብምግባር፤ ብኣማላድነቶም ብምምኅጻን፡ ሥዕሎም ብምሥዓልን፡ ስም ደቃ ብስሞም ብምጽዋዕ፤ ወቦ ዘተርፈ ከትኽብሮም ትነብር ኣላ። ሓደ ካብቲ መግለጺ ኣኽብሮታ’ውን ከኣ ኣዕፅምቶም ብኽብሪ ብምዕራፍን፡ ብምዕቃብን፡ ዝግባእ ሥርዓት ብምፍጻምን እዩ። ይትረፍ ናይ ቅዱሳን ኣዕፅምቲ ናይ ዝኾነ ብአርአያ ሥላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ኣዕፅምትን ኣስከሬንን ናቱ ክብሪ ኣለዎ። ኣዕፅምቲ ቅዱሳን ግና ብፍላይ ብእግዚአብሔር ዝኸበረ ብምዃኑ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብኽብሪን ብፍሉይን ተዓቂቡ፤ ነቲ ዘዝመጸ ወለዶ በረኸት ክህብ ይነብር ኣሎ።  

ኣዕፅምቲ ቅዱሳን አበው ብኽብሪ ኣብ ዝግባእ ቦታ ከምዝዓርፍ ምግባርን፤ ካብቲ ዝጸንሖ ስፍራ ኣፍሊስካ ናብቲ ቀንዲ መዕሪፊኡ ምዕራፍን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ፍሉይ ኽብሪ ዝወሃቦ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ‘ፍልሰተ ዓጽሙ’ እናተባህለ’ውን በዓል ቅዱሳን ክግበር እንርኢ። እዚ ኸኣ ሕጂ ዝተጀመረ ዘይኮነስ ካብ ጥንቲ ካብ ኦሪት ዝነበረ እዩ። ኣፅመ አዳም ኣቦና ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብኽብሪ ተዓቂቡ እዩ ጸኒሑ፤ እቶም ደቁ ደቁን መሥዋዕቲ ከዕርጉሉ፡ ዕጣን ኪዓጥኑሉ ከምዝነበሩን ማእከል ሥርዓተ መሥዋዕቶም ገይሮም ይጠቐሙሉ ከምዝጸንሑ መጻሕፍትን ትውፊትን ቤተ ክርስቲያን ብሰፊሑ ዘረድኡና እዮም። ኖኅ’ውን ንዓጽሚ ኣዳም ብኽብሪ ሒዙ ናብታ ሐመሩ ከምዝደየበን ኣብኡ ኮይኑ ጸሎቱ የዕርግ ከምዝነበረ ዝተፈልጠ እዩ። ድኅሪ ማይ ኣይኅ ድማ ሴም መልከጼዴቅን ኣብ ቀራንዮ ቀቢሮሞ። ሴም ንመልከጼዴቅ ከኣ ዝሃቦን ሓደራ ዘጽንዓሉን ዓጽሚ ኣዳም ንክሕሉን ኣብኡ ኮይኑ መስዋዕቲ ከዕርግን እዩ ነይሩ። ከምኡ እናበለ ንኣዳምን ደቁን ክብጆ ዝመጸ ክርስቶስ ኣምላኽና ንቤዛ ዓለም ዝተሰቕለሉ ማእከለ ምድር ቀራንዮ - ጐልጐልታ ኣዕጽምቲ ርእሲ (ናይ ኣዳም) ኣብ ዝተባህለ ስፍራ ምዃኑ ቅዱስ መጽሓፍ ይነግረና። (ማቴ ፳፯፥፴፫) ያዕቆብ ወዲ ይስሐቅ ናብ ምድሪ ግብጺ ወሪዱ ኣብ ዝተቐመጠሉ እዋን ድማ ኣጋ ዕረፍቱ ንደቁ ሕድሪ ዝበሎም ነገር ኣዕፅምቱ ኣብታ መካነ ኣቦታቱ አብርሃምን ይስሐቅን ክቕበርዎን እዩ ነይሩ። (ዘፍ ፵፱፥፳፱-፴፪) ወዱ ዮሴፍ’ውን ንደቁ ዝተላበዎም ናይ ምፍላስ ኣዕፅምቱ ጒዳይ እዩ ነይሩ። (ዘፍ ፶፥፳፭ ዘፀ ፲፫፥፲፱) ሊቀ ነቢያት ሙሴ ንሕዝበ እሥራኤል መሪሑን ሓራ ኣውጺኡን ናብ ምድረ ከነዓን ቅድሚ ምውጽኡ ዓጽሚ እቶም ቀዳሞት ኣቦታቱ ኣኪቡ ከምዝኸደ መጻሕፍቲ ይነግሩና እዮም። ኣብ ብሉያት ዘለዉ ከም ኣብነት ጠቕስና ደኣ እምበር ኣብ ዘመነ ሓዲስ እዚ ሥርዓት እዚ ካብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ኣብ ሓዋርያት ኣርድእትን ካልኦት ቅዱሳንን ብሰፊሑ ዝተሠርሓሉ እዩ። እዚ ዅሉ ግና ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ኣዕጽምቲ ኣቦታት ክቡር ስለዝኾነን፤ ልዑል ዝኾነ በረኸትን ትምህርትን ስለዘለዎ እዩ። ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ብመንጽር እዚ ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ኣለዋ።

እቲ ንኢዮርብዓም ስለቲ ክፉእ ግብሩ ክግሥፆ ካብ እግዚአብሔር ዝተላእከ ነቢየ እግዚአብሔር (ኢዩሄል)፤ በቲ ሓሳዊ ሽማግለ ተታሊሉ ፤ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንዝበሎ ትእዛዝ ኣፍሪሱ በቲ ዝኸዶ መገዲ ስለዝተመልሰን፤ ካብቲ ዓዲ’ውን እንጀራ ስለዝበልዐን ማይ’ውን ስለዝሰተየ፡ ብእግዚአብሔር ብቀጥታ ዝተነግሮ መርገም ድማ “ስለዚ ሬሳኻ ኣብ መቓብር ኣቦታትካ ኣይኣቱን እዩ።” ዝብል ነበረ። ምስ ኣዕጽምቲ ኣቦታትካ ምጽንባር ክሳዕ ክንደይ በረኸት ከምዘለዎ ነስተውዕል ዶ ኣሎና። ምናልባሽ ገለ ሰባት ብሥጋ ንዘለዎ ድኻም ጥራይ ብምርኣይ የቖናጽብዎ ደኣ እምበር ብዙኃት ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ዓድታትን ጥቓ መቓብር ቅዱሳን ኣቦታቶም ክቕብሩ ምልባዎም ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ነዚ በረኸት’ዚ ብትውፊት ስለዝጸንሖም እዩ። እቲ መጋገዪ ነቢይ ዝኾነ ሽማግለ’ውን ኣብ ልዕሊ እቲ ነቢየ እግዚአብሔር ዝተፈጸመ ነገር ምስ ረኣየ ንደቁ ዝተላበዎም ነገር ከኣ እዚ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ኣዕጽምቱ ምስ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ኣዕጽምቲ ምዃነን ዝረኽቦ በረኸት ስለዝስተብሃለ ከምዚ ኢሉ ንደቁ ተላበዎም “ምስ ሞትኩ፡ ንኣይ ድማ ኣብዛ ናይ ኣምላኽ ሰብ ተቐቢርዋ ዘሎ መቓብር ቅበሩኒ፡ ኣዕጽምተይ ኣብ ጥቓ ኣዕጽምቱ ኣንብሩ፡” (ቀዳማይ ነገ ፲፫፥፳፪)።

እቶም ቅዱሳን ብመሠረት ካብ እግዚአብሔር ዝተቐበልዎ ቃል ኪዳን፡ ዝባረኽዎ መካናቶም ቅዱስን ጸጋ ዘለዎን ብሕይወት ንዘለዉ ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ዝተማኅጸንዎም’ውን ከምዝጠቕም፡ ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ኣጸቢቖም ዝፈልጡ ምእመናን ሃገርና፡ መካነ ዕረፍቶም ምስ ቅዱሳን ክኾነሎም ብምልባው ኣብ ቅዱሳት ገዳማት ሃገርና ጥቓ ኣዕፅምቲ ቅዱሳን ክቕበሩ ንርኢ ኢና። ንምሳሌ’ውን ናይ ኣቦና አቡነ ፊልጶስ ዘደብረ ቢዘን ቃል ኪዳን ምጥቓስ ይከኣል። ሓደ ሓደ ሰባት ኣጸቢቖም ከይመርመሩን ከይተመሃሩን “እንታይ ኣድለየ እዚ ኵሉ ድኻም’ዚ - ኵሉ ኣይ ሓመድ ኣዳም ምልባስ እንድዩ?” ኢሎም ከስተናዕቕዎ ይስምዑ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ዕሽነት እዚ ወለዶ’ዚ እዩ። ገሊኦም ድማ ሰብ ብዝገበሮ ሥራሕ እምበር ኣብ ቅዱስ መካን ስለዝተቐብረ ኣይኮነን ኢሎም ናይ ልዕልና ዘረባ ክዛረቡ ይስማዕ። እዚ’ውን ንባቡ ቅኑዕ ዝመስል ይኹን ደኣ እምበር ውስጠዘ ዘለዎን ኣማላድነት ቅዱሳንን ካብ እግዚአብሔር ንዝተቐበልዎ ቃል ኪዳን ዘቘናጽብ እዩ። ብመሠረቱ ኣዕፅምትኻ ምስ ኣዕፅምቲ ቅዱሳን ከምዝኸውን ምግባር፡ እግዚአብሔር ንቅዱሳን ብዝኣተወሎም ቃል ኪዳን ዝኸይድን ኣማላድነቶምን በረኸቶምን ካብ እንረኽበሉ ሓደ መገዲ እምበር ምስ ዝኾነ ናይ እምነት ይኹን ናይ ምግባር ሕጋጋት ወይውን ምስ ነገረ ፍርድን ድኅነትን ዝጋጮ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ምስ ሰፊሕ ምሕረትን ረድኤትን እግዚአብሔር ዝዛመድ፡ ምስ ትምህርቲ ፍትሓት ዘነፍስ ተሰማሚዑ ዝኸይድ እዩ። እዚ ቃል ኪዳን’ዚ ኣብ ነገረ ድኅነት ኣገደስቲ ንዝኾኑ እምነትን ሥነ ምግባርን ዝቃረን ዘይኮነስ ኣብኡ ተጠቓሊሉ ዝረአ እዩ። (ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ነዚ ኣርእስቲ’ዚ ካልእ ጊዜ ብሰፊሑ ክንመለሰሉ ኢና)

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነቶም ብቅድስና መዋዕሎም ንዝፈጸሙ ቅዱሳን ብፍሉይ ስፍራ ተንብሮም እያ። ብፍሉይ ከኣ ነቶም ቀንዲን ስሙያትን ቅዱሳን ኣዕፅምቶም ኣብ ትሕቲ ታቦተ እግዚአብሔር ብፍሉይ ከምዝዓርፉ ትገብርያ። ኣዕጽምቶም ድማ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ተኣምራት ክገብርን በረኸቱ ክህብን ይነብር። ንገሊኦም ድማ ክብሮም ብዝዕቅብን በረኸቶም ብዘይግህስን መገዲ ቦታ ፈልያ ኣብ በዓትታትን፡ ኣብ ኣባይትን ተዕርፎም እያ። ጸሎተ ዕጣን ድማ ተብጽሓሎም። ንሕና’ውን ንመቃብራቶምን መዕረፊኦምን ኣብ እንሳለመሉ እዋን ምስዞም ቅዱሳን ዘሎና ረቂቕ ኅብረት ነርኢ ኣሎና ማለት እዩ፤ ፍቕርና ንገልጸሎም፤ ንተጋድሎኦምን ንጽንዓቶምን ንዓወቶምን ዘሎና ኽብሪ ንገልጸሎም። ጸሎቶምን ኣማላድነቶም ንምኅጸን።  

ኣዕፅምተ ቅዱሳን ኣብ ሃገርና

ሃገርና ኤርትራ ካብ ፬ይ ክፍለ ዘመን ኣትሒዞም ስብከተ ወንጌል ንምስፋሕን ሥርዓተ ምንኵስና ንምጽናዕና ንምድልዳልን ብዝተጋደሉ ቅዱሳን ዝመልአትን ዝኸበረትን ዝተባረኸትን እያ። ካብዞም ቅዱሳን’ውን፡ እግዚአብሔር ብዝፈልጦ ብጥበብ እግዚአብሔር ክሳዕ ሕጂ ኣስከሬኖም ቈንጥዩ (ሥጋኦም ደሪቑ) ቈርበቶም ካብ ዓፅመ ኣካሎም ከይተገፈፈ መግነዞም ከይግለሰን ከይኣረገን ኣብ ዝተፈላለዩ በዓትታትን ሕቡእ ስፍራታትን ዝጸንሑ ምሉእን ክፋላትን ኣካላተ ጻድቃን ኣለዉ።

ብዛዕባ’ዚ ብግቡእ ዝተገብረ መጽናዕቲ ብፍላይ ብወገን ቤተ ክርስቲያን ኣሎ ክብሃል እኳ እንተዘይተኻእለ፡ ይብዛኅ ይውሓድ ኣዕፅምቲ ቅዱሳን ቅዱሳን ዘይርከቦ ገዳም የልቦን። ብፍሉይን ብብዝኅን ግና እሞ ሥርዓት ኣካላቶም ተዓቂቡ ዝርከቡ ኣዕፅምቲ ቅዱሳን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ኣብ ዝርከቡ ጥንታውያንን ቅዱሳት መካናትን ከምዘለዉ ዝተፈልጠ እዩ። ካብኣቶም ድማ ደብረ ሊባኖስ (ሃም) - ደብረ ሐዋርያት፡ ደብረ ወርቅ፡ ባረክናሃ፡ ጉናጉና፡ መጠራ፡ ክሳድ ዳዕሮ (ጉሕጭዓ)፡ ደቂ ሸሓይ ምጥቃስ ይከኣል። ገና ዘይተዳህሰሱን ዘይተረኽቡን ተመሳሳሊ ርኽበታት ከምዝህልዉ ዝእንፍቱ ተርእዮታት ከምዘለዉዉን ይንገር። ሃገርና ኣምበኣር በዚኦም ዝኣመሰሉ በረኸት ብዘውህብዋ ኣእላፍ ቅዱሳት ዝተባረኸት ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ።

ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ኣተሓሕዛን ካልእ ሕፀፅን ናይዚ ወለዶ’ዚ ነዞም ቅዱሳን ይሃስዮም ከምዘሎ ዝስሓት ኣይኮነን። ገሊኣቶም ኣማይት ዝኾኑ ኣዕፅምቲ ቅዱሳን ዳርጋ ንሽሕን ኃሙሽተ ሚእትን ዝኸውን (ገምጋም ታሪኽ) ዓመታት ብዘይ ገለ ጸገም ኣብዚ ወለዶ’ዚ በጺሖም ክነሶም፤ ሕጂ ሕጂ ግና ናይ ምዕናውን ምብልሻውን ሓደጋ ብብዝኂ ከጋጥሞም ከምዝጸንሐን ከምዘሎን ብሰፊሑ ይዝረብ። ነዚ’ውን ሰባት ዝተፈላለየ ምኽኒት ክህቡሉ ዝፍትኑ እኳ እንተኾነ እቲ ናብቲ ሓቂ ዝጽጋዕ ክውንነትሲ ኣብ ልዕሊ እዞም እግዚአብሔር ዘኽበሮም ቅዱሳንን መዕረፊ ስፍርኦምን ዘይግባእ ነገራት ይዝውተሩ ስለዘለዉ ኢልና ርእይቶና ክንህብ ንፈቱ። ሃይማኖት ይርሕቕ ኣሎ፤ ሰባት ብመንጽር ‘ቅርሲ’ን ‘መስሕብ በጻሕትን’ ጥራይ እምበር ብመንጽር ዘለዎምን ዝህብዎን በረኸት ብዘይምጥማቶም ከኣ እዩ። ኽብሪ ይንፈጎም ኣሎ። ብዘይኣምንን ንምእማንውን ብዘይዕድም ኣካይዳ ይርገጹ ኣለዉ። ንዝኾነ ኣብ ልዕሊኦም ንዝረአ ዘሎ ጸገማት መንፈሳዊን ቤተ ክርስቲያናዊ መፍትሔ ኣብ ክንዲ ምንዳይ፤ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ከይተረፉ ‘ዓለማዊን ሳይንሳዊ’ መፍትሒታት ጥራይ ከናድዩ ምርኣይ ዘየግምት ኣይኮነን። ቅዱሳን፡ ብሃይማኖት ብትሕትና ንዝመጾም እምበር ብኻልእ ንዝመጾምሲ ጽቡቕ ከምዘይህቡ ዝተፈልጠ ነገር እዩ እሞ ኣዕሚቑና እንተሓሰብናሎም ጽቡቕ እዩ። ዓለም ደኣ እንታይ ከምዝገበረት ሓንቲ መዘክር ጥራይ ክንጠቕስ፤ እዚ ኸኣ ኣብ ምጅማር ፳ ክፍለዘመን ብጀርመናውያን ናብ ሃገሮም ዝተወስደ ክሳዕ ፴፩ ዝኸውን ምሉእ ኣካላተ ጻድቃን ካብ ገዳማትና ከምዝተዘምተ መዛግብቲ ዝምስክርዎ እዩ። ዓለም ናይ ‘ቅርሲ’ ነገር እምበር ናይ በረኸቶም ነገር ኣበይ ይግድሳ።
  
ስለዚ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነዚኦም ዘለዉን ብሕጂ’ውን ክርከቡ ዝኽእሉ ኣማይት/ኣሽሓት ኣካላተ ቅዱሳን ብኽብሪ ክትሕዞምን፡ ነቲ ክጸንሑሉ ዝግባእ መዕረፊ ቦትኦም ብዓይኒ ሃይማኖት ጠሚታን ክብሪ ሂባን ዝግባእ ሥርዓተ ጸሎት እናፈጸመት ክትከናኸኖምን ኣለዋ። ኣይኮነን ግና “ክስቶ ክርእዮም ክመጽእ እዩ” እናተባህለ ከም ናይ ሙዚየም ኣቕሓ ክንቀልዖምን፡ ክንሰጥሖምን ከነዘዋውሮምን ከምኡውን ኽብሮም ክንነፍጎን ኣይግባእን።

እቶም ኣብ ሃይማኖት ዘሎና ግና ናብዚኦም ዚኣመሰሉ ቅዱሳን ክንበጽሖም ክንርእዮምን ካብቲ በረኸቶምውን ክንሳተፍ ይግባእ። ኵሉ ናብዞም ቅድሳት መካናትን ኣዕፅምቲ ቅዱሳንን ምስላምን ምስጋድን ኣብ እንገብረሉ እዋን ድማ ብኣኽብሮት፡ ብፍቕሪ፡ ብሃይማኖት፡ ብትሕትና፡ ብፈሪሃ እግዚአብሔር ክኸውን ይግባእ። ስለ ምርኣይን ምድናቕን እንርእዮም ክኸውን የብሉን።

እግዚአብሔር ኣምላኽ በረኸትን ረድኤት ናይ ኵሎም ቅዱሳን ይኽፈለና።

No comments:

Post a Comment