Tuesday, January 3, 2012

ጾመ ገሃድ

ጾመ ገሃድ ካብቶም ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ሓደ እዩ። እዚ ጾም’ዚ ድማ ድሮ (ዋዜማ) በዓለ ልደትን በዓለ ጥምቀትን ኣብ ዘሎ መዓልቲ ዝጽወም ጾም እዩ። ብዛዕባ’ዚ ጾም ዝምልከት ዓመት መጸ ከም ሕቶ ስለዝለዓዓል ደጊምና ከነብርሆ ክንፍትን ኢና። ብዝኾነ ግና ኣቐዲሙ ንዝወጸ ጽሑፍ ጾመ ገሃድ ምምልካት ድማ ሓጋዚ እዩ።

መሠረት ጾመ ገሃድ

ታሪኻዊ መሠረት ጾመ ገሃድ ኣብ በዓላት ዘሎ ናይ ኣኸባብራ ሥርዓትን ትምህርትን እዩ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና በዓላት ካብቲ ዝበዓሉሉ ኣገባብ ወይውን ሥርዓት ገሊኣቶም ብጾም፣ ብሱባኤ፣ ብሓዘን ብስግደት ልማኖ ክኾኑ ከለዉ፡ ገሊኣቶም ድማ ብፍስሓ ብሓጐስ ብተድላ ዝኽበሩ እዮም። እምበኣር ብፍጹም ተድላን ፍስሓን ካብ ዝኸበሩ በዓላት ድማ ጥምቀት ልደት ትንሣኤ እቶም ቀንዲ ተጠቐስቲ እዮም። ምኽንያቱ ድማ ኣብዞም ዕለታት እግዚአብሔር ኣምላኽ ሰብ ኮይኑ ስሌና ንዝገበሮን ንዝሃበናን ዓቢ ጸጋታቱን ውዕለቱን እናዘከርና፡ ብምስጋና ብቅዳሴ ብሓጐስ ብፍስሓ ከነኽብሮ ግቡእ ምዃኑ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ስለትእዝዘና እዩ። ሓቂ ድማ ጐይታ ስለዝተወለደልና፤ ጐይታ ድኅነት እንረኽበሉ ጥምቀት ምሳሌ ስለዘርኣየናን ሥርዓት ስለዝሠርዓልናን ዓቢ ምሥጢር ስለዝተገለጸልናን፤ ካብ ምውታን ተፈልዩ ንሞት ሥዒሩ በኵረ ትንሣኤ ስለዝኾነልናን ንሕጐስ እምበር ኣይንሓዝንን። ስሌና ጸዋተወ መከራ ብኢድ ኃጥኣን ንዝተቐበለሉን ንዝተሰቕለሉን ድማ ፍቕሩ እናዘከርና ንበኪ፤ ንሓዝን። ኵሉ ገጊዜኡ ኣለዎ። ሥርዓት ድማ ብጊዜን ፍጻሜታቱን ዝተሠርዐ እዩ። ስለዚ ድማ ልደትን ጥምቀትን ኣብ ጾም ክውዕሉ ከለዉ (ረቡዕን ዓርብን) ኣብ ክንዲኡ ለውጢ ብምግባር ብድሮ ክንጾሞ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሥርዓት ሠሪዓትልና ኣላ።

ኣብዞም በዓላት (ልደትን ጥምቀትን) ድማ ካብ ፍርቂ ለይቲ ብቅዳሴ ብቍርባን ድኅሪኡ ድማ ብመንፈሳዊ ሓጐስ ብምጡን መበልዕን መስተን ይኽበር። ኣብዘን መዓልትታት ሓዘን ብኽያት ዝፍቐድ’ውን ኣይኮነን። ሰማያዊ ትርጉሙን መልእኽቱን ድማ ካብቲ ምድራዊ ነገራት ኣዝዩ ዝዓዝዝ ብምዃኑ፡ ናይ ቀረባ ቤተ ሰብ እኳ ብሥጋ እንተዓረፈ ክብከየሉ ኣይፍቐድን እዩ። ብዝቐለለ ምሳሌ ንምርድኡ ዝኣክል ነዚ ዚስዕብ ንርኣይ። ሓደ ሰብ ሓንቲ በጊዕ ጠፊኣቶ እንከሎ፣ ብኣንጻሩ ልዕሊ ሽሕ/1000 ብዝኸውን ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ መጓሰ ጥሪት ኣብቲ ዕለት እቲ ብህያብ እንተዝረክብ፣ ሓንቲ በጊዕ ጠፊኣትኒ ኢሉ ክሓዝን ዘይኮነሲ በቲ መዋዕሉ ጽዒሩን ግዒሩን ዘይረኽቦ ሃብቲ እዩ ከሐጒሶ ዝግባእ። ብኣምሳሉ’ውን ሓደ ሰብ ካብ ቤተ ሰቡ ሓደ ብሞት እንተተፈለዮ፣ ፍቓድ እግዚአብሔር ኮይኑ ንብረቱ ኣከበ፡ ናብቲ ሰማያዊ ቤቱ ከደ ኢሉ ክጸናናዕ ኣለዎ ደኣ እምበር እምብዛ ክሓዝን ኣይግብኦን። እኳ ደኣ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ንዝወዓሎ ውዕለትን ዝሃቦ ዘለዓለማዊ ሕይወትን ሃብቲ ገነት መንግሥተ ሰማያትን እናዘከረ ከብዕሎ ኣለዎ። ኣብቲ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ክብል ንዝፈጸሞ ትንሣኤ ዝኣመሰለ ዓቢይ ግብርን ውዕለት ዘንጊዕኻን፤ ብምድራዊ ነገር ለዊጥካን ምሕዛን ምስ ኣይሁድ ዘጸብጽብ እዩ። ኣይሁድ ዜና ትንሣኤ ጐይታ ሰሚዖም ከምዝሓዘኑ፣ እቲ ዝሓዝን ሰብ ምስኣቶም ከም ምጽንበር የቝጽሮ ኣሎ ማለት እዩ፤ ወይውን ነቲ ዓቢ ውዕለት ጐይታ  ክንዲ'ቲ ዝግብኦ ክብሪ ኣይሃበን ዘስምዕ እዩ። ብሓጺሩ እዚ ምሳሌ ክሳዕ ክንደይ ትንሣኤን ገሊኦም ካልኦት ናይ ጐይታ በዓላትን ንደቂ ሰባት ዓቢይ ሓጐስን ተድላን ምዃኖም ንምግላጽ እዩ።

እምበኣርከስ ገሃድ መበገሲኡ እዚ እዩ። ጥምቀትን ልደትን ድማ ጐይታ ዓበይትን ድንቂ ግብሩን ምሥጢሩን ዝፈጸመሎም ዕለታት ስለዝኾኑ ብተድላ ብሓጐስ እዮም ዝኽበሩ እምበር ሓዘን ኣይሕወሶምን እዩ። እዚኦም ክልተ በዓላት ዝውዕሉሉ ዕለታት ድማ ከም ትንሣኤ ዓዋድያት ኣይኮኑን። እዚ ማለት ኸኣ ኣብ ዓመት ኣብ ፍሉጥ ዕለት ዝበዓሉ እዮም ማለት እዩ። ልደት ዓመት መጸ ፳፱ ታኅሣስን (ብዘይካ ዘመነ ዮሐንስ ፳፰ ምዃኑ) ጥምቀት ድማ ፲፩ ጥሪ ይበዓል። ኣይድይቡን ኣይወርዱን ብሓጺሩ ኣይቀየየሩን እዮም።  ብምዃኑ ድማ እዞም በዓላት ካብ ሰኑይ ክሳዕ ሰንበት ኣብ ዝኾነ ዕለት ክውዕሉ ተኽእሎ ኣሎ ማለት እዩ። ስለዚ ድማ ረቡዕን ዓርብን እንተወዓሉ እኳ፤ ረቡዕን ዓርብን ጾም እዩ ተባሂሉ ካብ ተድላን ሓጐስን ምፍላይ ዝግባእ ስለዘይኮነ፡ ትርጉምን ተድላን ናይዚ በዓል ዕዙዝ ስለዝኾነ ገሃድ (ጋድ) ተገብረሎም። ለውጢ፤ ምግላጽ ከም ማለት እዩ። በዚ መሠረት ከኣ እዞም በዓላት ረቡዕ እንተወዓሉ ገሃዶም ሠሉስ፤ ዓርቢ እንተወዓሉ ድማ ገሃዶም (ለውጦም) ኃሙስ ይጽወም።

ብሓጺሩ መበገሲ ሥርዓት ናይዚ ገሃድ፣ ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ምእንቲ ደቂ ሰባት ዓቢ ግብሪ ዝፈጸመሎም ዕለታት፡ ብተድላን ሓጐስን ደኣ እምበር ብጾም ብሓዘን ወይውን ብኡኡ ብዝመስል ነገር ምብዓል ግቡእ ኣይኮነን ካብ ዝብል መሠረታዊ ትምህርቲ እዩ። ትንሣኤ ዝኣመሰሉ ካልኦት በዓላት ግና ጾም ምስ ተፈጸመ ኣብ ሰናብቲ ወይ ካብ ጾም ወጻኢ ኣብ ዘሎ ዕለታት ወይውን ቅድሚ ጾም ዝበዓሉ ስለዝኾኑ ገሃድ ኣየድልዮምን እዩ። ስለዚ ገሃድ ንልደትን ንጥምቀትን ጥራይ እተሠርዐ እዩ ማለት እዩ።  

ገሃድ ንልደት ስለምንታይ ኣድለየ

ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናይ ጥምቀት ገሃድ ቕቡል ክገብርዎ ከለዉ፤ ኣብ ናይ ልደት ግና ብዝተፈልየ ሓሳብ ዝዛረቡ ኣይሰኣኑን እዮም። ምኽንያቱ ኸኣ ድሮ ልደት ዘሎ መዓልትታት ጾመ ነቢያት ስለዝኾነ ኣብኡ ይጥቕለል፣ ንበይኑ ድማ ገሃድ ምባል ኣየድልን ዝብል እዩ። ስለዚ ልደት ገሃድ የብሉን ክብሉ ይስምዑ እዮም። ሓደ ነገር ብንጹር ክንፈልጦ ዝግባእና ግና ገሃድ ክልተ ምዃኑን፤ እቲ ሓደ ናይ ጥምቀት፡ እቲ ካልእ ድማ ናይ ልደት ምዃኑን እዩ። ስለዚ ልደት ገሃድ ኣለዎ ማለት እዩ። እንተዘይኮይኑ ልደት ገሃድ የብሉን ኢሉ ዝዛረብ ሰብ ለውጢ የብሉን ይብል ስለዘሎ ልደት ዓርቢ ወይ ረቡዕ ዝብዕል እንተኾይኑ ይጽወም ከም ማለት ዘስምዕ እዩ ማለት እዩ። ከመይ ንዝብል ድማ፦

ትርጉም ገሃድ ናይ ልደት ምስ ጾመ ነቢያት ሓደ ገይርካ ምሕሳብን ምጥቕላልን ጌጋ ስለዝኾነ እዩ። ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ገሃድ ቅያር ወይውን ለውጢ ናይቲ ረቡዕ ወይውን ዓርቢ ዝውዕል በዓለ ልደት እምበር በብክፍሉ ክርአ ከሎ ኣካል ናይ ጾመ ነቢያት ኣይኮነን። ገሃድ እንብሎ ዘሎና ልደት ረቡዕ ወይውን ዓርቢ ብምብዓሉ ኣብቲ ዕለት በዓል ከምዘይንጸውም ዘመልክትን፤ ቅያሩ ግና ብድሮ ከምእንጾሞ ዘመልክትን ነዚ ትርጉም ዝህብን እምበር ምስ ካልእ ጾም ሓደ ገይርና ወይውን ኣካል ናይ ካልእ ጾም ገይርና እንጽብጽቦ ኣይኮነን። ስለዚ ናይ ጥምቀት ይኹን ናይ ልደት ጾመ ገሃድ ርእሱ ዝኸኣለ ጾም እዩ። ብርግጽ ድማ ልደት ረቡዕ ወይውን ዓርቢ እናወዓለ ናይ ብልዖት እንበልዕን ዘይንጸውምን ኮይንና ገሃድ ከምዘለዎ ብቀሊሉ ንርዳእ ኣሎና እምበር፡ ጾመ ነቢያት መተካእታ ኮይኑ ገሃድ ናይ ልደት ዝኾነሉ ኣይኮነን። 

ነዚ ዝያዳ ንጹር ዝገብሮ ድማ ኣቖጻጽራ ዕለታት ጾመ ነቢያት እዮም። ጾመ ነቢያት ብጠቕላላ ፵፬/44 መዓልቲ ዝሓቘፈ ኮይኑ ይረኣየና ኣሎ ደኣ እምበር ኣብ ዝርዝር ብዝኂ ዕለታት እንተመጸና ካልእ ኣጽዋማት ኣብ ውሽጡ ይርከቡ እዮም። ፵/40 መዓልቲ ጾመ ነቢያት፤ ፫/3 መዓልቲ ድማ ናይ ኣብርሃም ሶርያዊ (ካብ ኣይሁድ ብዝመጾም ፈተና ንሓደ ዓቢይ ጎቦ ከምቲ ወንጌል ዝብሎ ብእምነት ንምልዓሉ ዝጾምዎ) እቲ መወዳእታ ድሮ ልደት እንረኽባ ሓንቲ መዓልቲ ድማ ጾመ ገሃድ እያ። ስለዚ እዚ ናይ ነቢያት ጾም እናተባህለ ዝጽዋዕ ጾም ካብ ፲፭/15 ኅዳር ክሳዕ ፳፰/28 ታኅሣስ ብጠቕላላ ፵፬/44 ዕለታት ይሓዝ ደኣ እምበር ብዝርዝር ግና ከምቲ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ እዩ ዝመጽእ።

ልደት ኣብ ካልእ መዓልቲ (ብዘይካ ረቡዕን ዓርብን) ምስ ዝውዕል ስለምንታይ ገሃድ ምባል ዘይተርፍ

እሞ ከምኡ እንተደኣ ኮይኑ በዓለ ልደት ረቡዕን ዓርብን ኣብ ዘይውዕለሉ እዋን ንምንታይ ጾመ ገሃድ ኢላ ዝኣተወት ሓንቲ መዓልቲ ዘይትጐድል ወይውን ስለምንታይ ንጾማ ዝብል ሕቶ ይለዓል ይኸውን። ኮይኑ ግና ሊቃውንቲ ብንጹር ነዚ ሥርዓት ክሠርዑ ከለዉ ኣብ መጽሓፈ ፍትሓ ነገሥት ኣስፊሮሞ ኣለዉ። “ረቡዓ ወዓርበ በኵሉ ሱባኤ፤ ዘእንበለ መዋዕለ ፶ ወበዓለ ልደት ወበዓለ ጥምቀት ሶበ ኀብሩ ቦሙ” (ሰሙን ሰሙን ምሉእ ዓመት ረቡዕን ዓርብን ምጻም ይግባእ፤ ብዘይካ በዓለ ፶/50ን በዓል ልደትን በዓለ ጥምቀትን)። እዚ ማለት ገሃድ ንበዓለ ልደት ዘለዎ ምዃኑ የመልክት። ብተወሳኺ’ውን “ወጾመ ድራረ ልደት ወጾመ ድራረ ጥምቀት”  (ናይ ልደትን ጥምቀትን ዋዜማ ምጻም እዩ) … “ልደት ጥምቀት ረቡዕ ዓርቢ እንተውዒሉ ናቱ ለውጢ ሠሉስ ሓሙስ ይጽወም” ይብል።

እዚ ኸኣ ብቀዳማይ ደረጃ ሥርዓት ክወጽእ ከሎ በብእዋኑ ዝፈርስ ወይውን ዝቀያየር ተባሂሉ ዘይኮነሲ ንሓዋሩ ከገልግል ተባሂሉ እዩ፤ ስለዚ ንገሃድ ኢሉ ዝኣተወ ተወሳኺ ዕለት፤ ብኡኡ ኣቢሉ ጸኒዑ ይርከብ ኣሎ። ብካልኣይ ድማ ምእንቲ ከይንርስዖ ተባሂሉ እዩ። እዚ ኸኣ ሓንሳብ ኣብ ኵሉ ዕለታት ጸኒዑ እንተደኣ ተረኺቡ፤ ዝኾነ ሰብ ሓንሳብ ብምጻም፡ ሓንሳብ ድማ ብምግዳፍ ከይተደናገረን ከይረሰዐን ወትሩ ከኽብሮን ክፍጽሞን ክርከብ የኽእሎ ኣሎ ማለት እዩ። 

ገሃድን ሰንበትን

በዚ መሠረት ከኣ ዝውዕለሉ ዕለታት ዋላ ዓርብን ረቡዕን ኣይኹን፤ ድሮ (ዋዜማ) ጥምቀትን ድሮ (ዋዜማ) ልደትን ገሃድ (ጋድ) እናተባህለ ይጽወም። ገሃድ ኣብ ሰናብቲ ኣብ ዝውዕለሉ እዋን፤ ብሰንበት (ብዘይካ ቀዳም ሥዑር) ከይጠዓምካ ምውዓል ክልኵል ስለዝኾነ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዓቢዪ ጾም ዘለዋ ሰናብቲ ካብ ጥሉላት መባልዕት (ናይ ፍስኽ መባልዕት) ተኸሊክልካ (ጾይምካ) ካልእ ናይ ጾም መባልዕ ግና ብምብዓል ከነሕልፎ ይግባእ ማለት እዩ።

ገሃድን ቅዳሴን

ቅዳሴ ብዝምልከት ድማ ልደት ወይውን ጥምቀት ቅዳሴ ዝሥርዓሉ ፍርቂ ለይቲ ስለዝኾነ ብድሮ ኣብ ጾመ ገሃድ ምሉእ መዓልቲ ይጽወም (ክሳዕ ጸዓተ ኮከብ) እምበር ጾም ስለዝኾነ ተባሂሉ ፍርቂ መዓልቲ ቅዳሴ ኣይስርዓን እዩ።

እምበኣርከስ ንሕና ሊቃውንቲ ሓቲትና መጻሕፍቲ ተወኪስና ብብዝኂ ንዝሕተት ሕቶ ብኸምዚ ኣገባብ መልሲ ንህብ ኣሎና። ምናልባሽ ዘይነጸረ ነገር እንተደኣ ሃልዩ ምሕታት ዝከኣል እዩ።

በረኸቱን ረድኤቱን ኣይፈለየና። ዓውደ ዓመትና ይባርኸልና።

1 comment:

  1. kale hiwot yesmealna amlake kidusan agelglotkum yibark mstiru yigltselkum.

    ReplyDelete