Wednesday, January 4, 2012

ኖሎት ናብ ሊቀ ኖሎት

ጓሶትን - እታ ዕፅብቲ ዕለትን 
ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣብ ኣውራጃ ይሁዳ፡ ቤተ ልሔም (ዘኤፍራታ) ኣብ ዝተባህለት ከተማ ቅድሚ ፪ሺሕ፬ ዓመታት ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ፤ ብሕጂውን ክረአ ፈጺሙ ዘይከኣል ሓድሽን ድንቅን ነገር ብዙኃት ከይፈለጥዎን ከየስተውዓልዎን እንከለዉ ጋህዲ ኮነ። እዚ ከኣ ልደት ሰማያዊ ንጉሥ ነበረ። ግልጸት እዚ ሓድሽ ነገር’ውን ነገሥታትን ስድርኦምን ኣብ ዝሰፍርዎ ኣብ ቤተ መንግሥቲ ወይውን ልዑላን ኣብ ዝርከቡሉ ዘጌጹን ምልኩዓትን ኣባይቲ ኣይነበረን። እንታይ ደኣ ሓታቲን ተገዳሲን ኣብ ዘይብሉ ኣብ መብልዒ ማል እምበር። 

ደጊምካ ደጋጊምካ ክትዛረበሉውን ወትሩ ዘድንቕ እዚ ምግላጽ’ዚ፡ ንምድራውያንን ንሠራዊት ሰማይ ንቅዱሳን መላእኽቲ ዘሥመረ ፍሉይ ዕለት እዩ ነይሩ። ቅድሚ ዓለም ዝነበረ፡ ሰማይን ምድርን ኣብኡ ዘሎ ኵሉን ዝፈጠረ፡ ፈጢሩ’ውን ዝገዝእ፡ ኣኅሊፉ’ውን ዝነብር፡ ንቅድምንኡ መጀመርያ ንፍጻሜኡ መወዳእታ ዘይብሉ አልፋ ወዖ ዝኾነ ጐይታ ብተዋሕዶ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ቤተ ልሔም ተወልደ! ነዚ ድንቂ ግብሪ ኣምላኽ’ዚ መን የስተውዕሎ መን’ከ ይምርምሮ ዘመን ዘይጽብጸበሉ ፈጣሪ ተወሊዱ ማለት ክንደይ ዘየደንቕ
እዚ ዕለት’ዚ አማናዊ ፀሐየ ጽድቅ ክርስቶስ ኣብቲ ጸልማት ዓለም ዝበረቐሉን ብርሃኑ ዝፈነወሉን፡ ኣማናዊት ቤተ ልሔም ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቤተ ልሔም ዝኸደትሉ፡ ጓሶት ናብቲ ሊቀ ኖሎት ዝኾነ ሕያዋይ ጓሶ ብስራት መላእኽቲ ሰሚዖም ዝኸዱሉ ድንቂ ዕለት እዩ። ነቲ ካልእ ኣብቲ ዕለት ዝተፈጸሙ ብዙኅ ድንቂ ነገራትን ትርጉሞምን ንካልእ ጊዜ ኣስጊርና፡ ንሎሚ ነቶም ጓሶት ዘኪርና ክነመሃሃር ኢና። 

ጓሶትን - ምፍጻም ትንቢትን 

ስለዛ ክብርቲ መዓልቲ እዚኣ ብዙኃት ነቢያት ትንቢት ተነቢዮምላን ምሳሌ መሲሎምላን እዮም። ነዛ ዕለት እዚኣ ንምርኣይ ደልዮም ብዙኃት አበው ሱባኤ ኣትዮምን ጾይሞምን ተመንዮምን፡ ንብዓቶም’ውን ኣፍሲሶም እዮም። ከም ኣብነት ቅዱስ ዳዊት “ኣብ መንጽፍ ዓራተይ ኣይድይብን፡ ነዒንተይ ድቃስ ንዀበሮ ዓይነይ’ውን ሰላምታ ኣይህብን” መዝ ፻፴፪፥፬ ዝበሎ ነዛ ዕለት እዚኣ ንኽገልጸሉ ኣብ ዝኣተዎ ሱባኤ እዩ። ነዚኣ ዕለት ክርእዩ ደልይታ ብዙኃት እኳ እንተነበሩ፡ ክርኣይዋ ዝተኃርዩን ኣብ ቤተ ልሔም ኣብ መብልዕ ማል ዝተረኽቡ ግና ውሑዳት እዮም። ብቀዳምነት ዝጥቀሱ ድማ እቶም ጓሶት እዮም። 

ከምቶም ክቡራት ነቢያት እተነበይዎ፡ ኣብዛ መዓልቲ’ዚኣ እምበኣር ንዓለም ዝፈጠረ ናይ ኃያላን ኃያል፡ ናይ ነገሥታት ንጉሥ፡ አምላኽ ብሥጋ ማርያም ተገሊጹ ብግዕዘ ህጻናት ክዛረብ ከሎ ተሰምዐ። “ናሁ ሰማዕናሁ በኤፍራታ ወረከብናሁ ውስተ አመ ገዳመ” (እንሆ ኣብ ኤፍራታ ሰሚዕናዮ፡ ኣብ ዱር ድማ ረኸብናዮ” ኢሉ ድማ ቅዱስ ዳዊት ንዝተገልጸሉ ነገር ነጊሩና ነይሩ (መዝ ፻፴፩፥፮/132፥6)። ነዚ ድንቂ ምሥጢር ኣምላኽ እዚ ዝተፈጸመላን፤ ኣምላኽ ንዝወለደት ክብርት ወላዲተ ኣምላኽ ቅድሚ ኵሉ ዝበጽሕዋ፡ እቶም ኣብ ማኅፀና ፱ ወርሕን ፭ መዓልትን ዝጾረቶን ንማኅፀና ከተማ ገይሩ ንዝነገሠሉን ጐይታ፡ ብስብሐትን ውዳሴን ዘይፍለዩ ቅዱሳን መላእኽቲ እዮም። ዜና ልደቱ ከመስግኑን እልፍ አእላፋት ወትእልፊት ሰማያውያን ሠራዊት መላእኽቲ ንፈጣሪኦምን ንሰብ ክብል ሰብ ንዝኾነን ጐይታ ኣመስጊኖም እዮም። እቲ ምስጋና’ውን ኣብኦም ከይተሓጽረ፤ ነቲ ዘድንቕ ልደት ጐይትኦም ንምብሳርን ምስጋናኦም ንምኽፋልን ናብቶም ክቡራትን ልዑላንን ዓለም ኣይተላእኹን። እንታይ ደኣ ናብቶም ዝነኣሱ ምሉእ ለይቲ ኣብ መሮር ማሎም ክሕልዉ ናብ ዝኃደሩን ብርሃን ፀሓይ ክርእዩ ናብ ዝናፍቑን ናብቶም ኅሩያን ጓሶት እምበር። 

ጓሶትን - ሓድሽ ሰማያዊ ምስጋናን 

ዓለም’ኳ ኣብ መዝገብ ክብራ እንተዘይኣሰፊራቶም’ውን፡ እግዚአብሔር ነቲ ንዑቕ ከምዘኽብር፤ ነቲ ንኡስ ከምዘልዕል ደጊሙ ከርእይ ነቶም ቅዱሳን መላእኽቱ ናብቶም ጓሶት ለኣኾም። እቶም መላእኽቲ ድማ ብድሙቕን ዘድንቕ ግሩም ብርሃንን ተዓጂቦም ነቶም ጓሶት ነዚ ዜና ብስራት ኣብጽሑሎም። በዚ ድማ እቲ ብማኅፀን ዝጀመረ ዕርቂ ኣብ ልደቱ ዝያዳ እናተጋህደ ምምጽኡ ኣርኣየ። እቶም ብሰንኪ በደል ኣዳምን ደቂ ሰባትን ተፈላልዮም ዝነበሩ መስተጻርራን ብልደቱ ብሓደ ክሠምሩ ተራእዮም። 

ቅዱሳን መላእኽቲ ጊዜኡ ኣኺሉ ጽንሰቱ ንምብሳር ከምዝትኃርዩ፡ ሕጂ’ውን ካብ ኣዳም ጀሚሮም ዝነበሩ ኵሎም ደቂ ሰባት ክሰምዕዎ ንዝጽበይዎ ዝነበረ ተስፋ ድኅነት ንምንጋርን፡ ልደቱ ንምብሳርን ብኣምላኽ ዝተመርጹ ንሳቶም እዮም ነይሮም። ደቂ ኣዳም ንዘመናት ንዝተጸበይዎ ናይ ብስራት ቃል ነቶም ጓሶት ነገርዎም “እንሆ፡ ሎሚ መድኃኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ፡- ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ ንዅሉ ሕዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ።” (ሉቃ ፪፥፲/2፥10) ብዙኃት ናይ እግዚአብሔር ሰባት ነዛ ቃል ብስራት እዚኣ ዝንገረላ መዓልቲ ክርእዩን ክሰምዑን ተመንዮምን ነቢኦምን እኳ እንተነበሩ፤ ኣብ ክንድኦም እቶም ጓሶት፡ ነዚ ብስራት’ዚ ቅድሚ ኵሉ ክርእዩ ክሰምዑን ብቅዱሳን መላእኽቲ ተነግሮም። እቲ ብስራት ንኵሉ ዓለም እዩ እሞ ነቶም ጓሶት ኣቢሉ ብዝተነግረ ቃል ድማ ኵልና ሰማዕናዮ። እዝንና እዝኒ ጓሶት፤ ኣዕይንትና ኣዕይንቲ እቶም እግዚአብሔር ዝኃረዮም ጓሶት ኮይኑ ድማ ሎሚ’ውን ብዜና ልደቱ እናተሓጐስና ንነብር። ምስቶም ጓሶት ተጸምቢርና ድማ ብሰማያዊ ምስጋና ንኣምላኽና ከምቶም ቅዱሳን መላእኽቲ ከነመስግን ንነብር። “ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ሥምርቱ ለሰብእ” (ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ) እናበልና ድማ ዝማሬ መላእኽቲ ኣብታ ዳግማዊት ቤተ ልሔም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክንዝምር ንነብር ኣሎና። ልደት ጐይታ፡ ምድራውያንን ሰማያውያንን ብሓደ ቃል ዘሥመረ እዩ። ቅድሚኡ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ድንቂ ምስጋና ብኣፍ ምድራውያንን ሰማያውያንን ብሓጐስ ተዘመረ። 

ነዚ ምስጋና ድኅሪ ምምስጋን እቶም ጓሶት፡ ቃል እቶም ቅዱሳን መላእኽቲ ኣኽቢሮም ተቐላጢፎም ነቲ ዝሰምዕዎ ክርእዩ ምልክት ኣጽኒዖም ናብቲ ዝለመድዎ መብልዕ ማል ገስገሱ። ነቲ ብስራት’ውን ረኣዩ። ኣብ ሰማይ ኣብ ብርሃናዊ መንበሩ ብየማነ አብ፡ ኣብ ዝባነ ኪሩብ ዝቕመጥ ጐይታ ኣብ ጐል ብጨርቂ ተጠቒሉሉ ረኸብዎ። ምስ ቅዱሳን መላእኽቲ’ውን እናሰገዱ ኣመስገንዎ። 

ሓቀኛ ጓሳ ዝኾነ ጐይታ ኣብ መብልዕ ማል ምውላዱን፤ ነቶም ጓሶት ብቀዳምነት ልደቱ ክሰምዑ ምምራጹን ንዓዓቶም ድማ ልደቱ ክርእዩ ናብ መብልዕ ማል ምጽውዑ ኣየገርምን ክሳዕ ክንደይ እዩ’ከ ንጓሶትን ነቲ ናቶም ዘበለን ዘፍቀረን ዘኽበረን እምበኣር ክጓስየና ዝመጸ ሊቀ ኖሎት ጐይታ፡ ኖላዊ ኄር ምዃኑ ብነቢያት ክንገር ዓመታት ዘቑጸረ ትንቢት ጋህዲ ክኸውን ጀመረ። 

ጓሶትን - ብርሃንን 

ከምቲ ወትሩ፡ ከውታን ቈራርን ለይቲ ሓሊፉ፡ ነታ ዝናፍቕዋ ብርሃኖምን ሙቐቶምን ዝኾነት ፀሓይ ክትበርቀሎም ምብራቕ ንዘቋምቱ ዝነበሩ ጓሶት እታ ለይቲ ፍልይቲ ነበረት። በታ ለይቲ እቲኣ ፍጥርቲ ፀሐይ ሰዓታ ዓቂባ ቅድሚ ምብራቓ፡ ዘይሓሰብዎ ካልእ ኣማናዊ ፀሓይ ኣብቲ ለይቲ በሪቑ ነበረ። ንሱ ኸኣ ካብ ኣማናዊት ምብራቕ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝበረቐ (ዝተወልደ) ፀሐየ ጽድቅ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱኸኣ ፈጣርን ብርሃንን ኵሉ ዓለም እዩ። 

ዓለም ብሰንኪ ኃጢኣት ብጸልማት ተዋሒጣ፡ ን፭ሺሕን ፭፻ ዓመታት ግዝእቲ ሞት ኮይና ጸኒሓ ነይራ። ጸልማታ ተቐንጢጡ ብርሃን ክበርህ፡ ሞታ ተሣዒሩ ሕይወታ ክመጽእ፤ ኣማናዊ ፀሓይ ካብታ ኣማናዊት ምብራቕ፡ ፈዋሲ መድኃኒት ካብታ ኅትምቲ ዒላ ክትጽበይ ኢያ ጸኒሓ። ብነቢያት ኣቢሉ ከነስተውዕሎ ኣቐዲሙ ዝተነግረን፡ ምስ ምልክቱ ዝተዋህበናን ከኣ ንሱ እዩ። “ስለዚ እግዚአብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ።” (ኢሳ ፯፥፲፬/7፥14) ነዛ ምልክት እዚኣ ድማ እቶም ዝቐደሙ አበው ወነቢያት ይጽበይዋ ነይሮም። ሽዑ እታ ምልክት ምብራቓዊት ሰማይ ምስ መጸት ብርሃኖም ከምዝገሃድ እሙን ተስፋ ነበሮም። ነቢይ ሚልክያስ’ውን እምበኣር ነዚ እዩ ኣርጊጹ ተዛሪቡ “ንኣኻትኩም ስመይ እትፈርሁ ግና ፀሓይ ጽድቂ ክትበርቀልኩም እያ” (ሚል ፬፥፪/4፥2) ሽዑ እቲ ኣማናዊ ፀሐይ ምስ በረቐ ድማ ብርሃን ከምዝበርሃልናን ሞትና ከምዝድምሰስን ልዑለ ቃል ኢሳይያስ ነጊሩና ነበረ። “እቲ ኣብ ጸልማት ዚመላለስ ሕዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፤ ነቶም ኣብ ምድሪ ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ዝነብር’ውን ብርሃን ኣብርሃሎም” (ኢሳ ፱፥፪) እቲ ቃል ድማ ብጐይታ ፍጻመ ከምዝረኸበ ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ምስክርነቱ ሂቡ እዩ። (ማቴ ፬፥፲፮/4፥16) 

ፀሐይ ልዕሊ ኣኽራናትን በረኽትን ኣቐዲማ ነቲ ትሕት ዝበለ ስፍራ ከምእተውዕዮ፡ እቲ ዝተወልደ ፀሐይ’ውን ነቶም ድኻታትን ትሑታንን ቅድሚ ኵሉ ብርሃኑ ኣብረቐሎም። ቅድሚ ኵሉ ድማ ነዚ ዝበረቐ ፀሓይን ዘብረቐቶ ሰማይን ክርእዩ ናብ ቤተ ልሔም ዝገስገሱ ካልኦት ልዑላን ዘይኮኑስ እቶም ኣብቲ ለይቲ እቲ ኣብ መሮር ዝነበሩ ጓሶት ነበሩ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ንናይ ኣምላኽ ድንቂ ጥበብን ግብርን ኣብ ዝገለጸሉ “ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ክትህብትሙ ሃብታም ክነሱስ ምእንታኻትኩም ደኸየ” ይብል (ካልኣይ ቆሮ ፰፥፱/8፥9) ኣብ ወንጌሉ ከም ዝነግረና፡ ጐይታ ቅድሚ ኵሉ ነቶም ብደዌ ሥጋን መንፈስን ተታሒዞም፡ ብኣጋንንቲ ይሳቐዩ ንዝነበሩ፣ ብትምህርትን ካልእን ድኻታት ንዝነበሩ እዩ በጺሕዎም። ብቄናን ግብሪ ዓለምን ኣጋንንትን፡ ከቢድዎም ብሰንከልከል ንዝነበሩ ኵሎም ቅቡጻነ ተስፋ፡ ፍጻመ ተስፋ ኮኖም። ብደዌ ሥጋን ነፍስን ንዝለመሱ፡ ንዝዓወሩ፡ ንዝደኸዩ፡ ንዝጸመሙ፡ ንዝጐበጡ… ንሱ መድኃኒት ኮኖም። ብዝተፈላለየ ደዌ ሥጋን ደዌ ነፍስን ዓለም ጸልሚትዎም ንዝነበሩ ኵሎም ብርሃኑ አብርሃሎም። ስለዚ እዩ ድማ ፍቁረ እግዚእ ቅዱስ ዮሐንስ “ንነፍስ ወከፍ ሰብ ዘብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ” (ዮሐ ፩፥፱/1፥9) ክብል ብዛዕባ ምምጻእ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመስከረ። ስለዚ እዩ ድማ ብዙርይኦም ብርሃን ተጐልቢቦም ዝመጹ እልፍ ኣእላፍ ቅዱሳን መላእኽቲ መሪሑ ዝመጸ ቅዱስ መልኣኽ “ንዅሉ ሕዝቢ ዝኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበሰርኩም” ብምባል ንሱ ክርስቶስ መድኃኒት ዓለም ምዃኑ ነቶም ጓሶት ዘበሰሮም። (ሉቃ ፪፥፲/2፥10) 

ኣብታ ለይቲ ድሙቕ ብርሃን መላእኽቲ ዝረኣዩ ጓሶት፤ ናብቲ ምንጪ ኵሉ ብርሃን ዝኾነ ኣማናዊ ብርሃን ክርስቶስ ክኸዱ ተነግሮም። ርእዮም ድማ ኣመስገኑ። እምበኣር ብርሃን ክርስቶስ ከምዝተወልደ፡ ዓለም ቅድሚ ኵሉ ብኣዕይንቲ እቶም ጓሶት ኣቢላ ክትርእይ ከኣለት። ካብ ዓለም ኣቐዲሞም ጓሶት ነቲ ኣዳምን ደቁን ንዝተጸበይዎ ብርሃን ክርስቶስ ክርእዩ ምምራጹሲ ንሞያ ጕስነት ክሳዕ ክንደይ ዓቢይ ምዃኑ ዘርእይ እዩ። እቶም ሰብአ ሰገልስ ካብ ርሑቕ ምብራቕ ብብርሃናዊ ኮኸብ ተመሪሖም ናብቲ ብርሃን ዝኾነ ጐይታ ምምጽኦም ኣይደንቕን ዶ 

ጓሶትን - እንስሳትን 

ምስቶም ጓሶት ነዚ ድንቂ ልደት ሊቀ ኖሎት ክርእዩ ዝተዓደሉ እንስሳት ዘቤተ ልሔም እዮም ነይሮም። እስራኤል ብድቃሱ ከየስተውዓለ፤ ኣምላኽ ክውለደሉ ዝመረጾ ስፍራ መዕረፊ እንሰሳት ዝኾነ መብልዕ ማል እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ጓሶት ዘዘውትርዎ ስፍራ እዩ። ኣብኡ ድማ ምስቶም ጓሶት ልደት ጐይታ ክርእዩ ዝኸኣሉ እቶም እንስሳታት እዮም። እስራኤል ግና ገና ኣይስተውዓለን ጥራይ ዘይኮነሲ፡ ነቲ ናብ ዓለም ዝመጽእ ንዝነበረ ፈጣሪ ኵሉ ዓለምን ወላዲቱን ስፍራ ኣይረኸበሎምን ነይሩ። እስራኤል ኣምላኹ ረሲዑ ብቀቢጸ ተስፋ ተመሊኡ ኣብ ኃጢኣትን ክፉእ ግብርታትን ጥሒሉ እንከሎ እዩ እምበኣር ጓሶትን እንሰሳትን ኣብ መብልዕ ማል ንኣምላኾም ዝረኣዩ። እምበኣር ነቢየ እግዚአብሔር ኢሳይያስ’ውን ነዚ ኣመልኪቱ “ብዕራይ ንዋናኡ፡ ኣድጊ ድማ ንመብልዕ ማል ጐይታኡ ይፈልጣ። እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን። ሕዝበይ’ውን ኣየስተውዕልን እዩ” ብምባል ኣቐዲሙ ተነቢዩ ነበረ። (ኢሳ ፩፥፫/1፥3) 

ጠቢባንን ለባማትን፡ ፈላጣት መጻሕፍትን ሕግን ዝተባህሉ ሰባት ኣብ ክቡር ስፍራ ተቐሚጦም ሥራሕ ኃጢኣት እናገበሩ ምስትውዓል ስኢኖም ከለዉ፤ እንስሳት ግና ኣብቲ መብልዕ ማልሲ ጐይትኦም ፈሊጦም ትንፋሶም ገቢሮሙሉ እዮም። ንኸይቖሮ ሙቐት ወፍዮሙሉ እዮም። ፈጣሪኦም ኣብ መዕረፊኦም ካብ መጾም፡ ንሶም’ውን ዝከኣሎም ገይሮም እዮም ተቐቢሎሞ። ሎሚ’ከ ዝበዛኅና ንሕና ነቲ ዝተወልደ ጐይታ ብዛግባእ ፈሊጥናዮ ዶ ኣሎና ስሌና ንዝተወልደ ጐይታ ነቲ ዝከኣል ገይርና ዶ ኣሎና ካልእ ይትረፍሲ ምስጋና ነቕርበሉ ዶ ኣምላኽ ካባና ዘድልዮ ብዙኅ ነገር ሃልዩ ዘይኮነሲ፡ ከምቲ ንሱ ዝፈትዎ ብትእዛዙን ቃሉን ንነብር ዶ ኣሎና? ነቶም ብኣምሳሉ ዝተፈጥሩ ኣኅዋትናን ኣኃትናን እሞ ንዝቖረሩ ንዝዓረቑ ንዝጥመዩ ዝከኣልና ዶ ገይርና ኣሎና? ቅዱስ መጽሐፍ ግና ከምዚ ይብለና “ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወደ መዝሙር ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ ዜስቲ፡ ዓስቡ ከቶ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” ማቴ ፲፥፵፪/10፥42 “ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስ፡ ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ።” ቀዳማይ ዮሐ ፬፥፳/4:20 ኣብታ መዓልቲ ኣደ ጐይታ ነቲ ንዓለም ዝኸድን ውላዳ፡ ክዳን ስኢናትሉ በለሶን ዝተባህለ ቆጽሊ ከደነቶ ይብል ቅዱስ ያሬድ ኣብ ድጓዑ። ዕጽዋት እኳ ንኣምላኾም ኣበርከቱ። ንሕና እነቕርቦ ምስጋና እኳ ከመይ ገይሩ ይሰኣነና፧ 

ናይ እግዚአብሔር ጥበብ ዘድንቕ እዩ። ጓሶት ንጐይታ ክረኽቡ ናብቲ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎን፡ ዝኣትዉሉን ዝወጹሉን መብልዕ ማል እምበር ናብ ቤተ መንግሥቲ ኣይተጽውዑን፤ ናብ ኣደባባይ ወይውን ቅርዓት ኪዱ’ውን ኣይተባህሉን። ኣብ ቤተ መንግሥቲ’ውን ተወሊዱ እንተዝኸው ነይሩ ዘእትዎም’ውን ኣይምተረኽበን። ኣብ ኣደባባይ እንተዝኸውን ነተን ማል ገዲፍኩም እንታይ ክትገብሩ መጺእኹም ምተባህሉ። ጓሳ ኣብ መብልዒ ማል እንተተርኽበ ግና ከሳሲ ወቓሲ ስለዘይብሉ ናብ ስፍራ ናጽነት ጽውዖም። (ሉቃ ፪፥፰-፳/2፥8-20) 

ጓሶትን ንሕናን 

እምበኣርከስ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንጓሶት ነዚ ዓቢይ ብስራት’ዚ ቅድሚ ካልእ ዓለም ንኽርእዩ ምኅራዩ ዘደንቕ እዩ። በቶም መላእኽትውን ናብ መብልዕ ማል ቤተ ልሔም ክኸዱ ምንጋሩ ንዓና ዓቢይ መልእኽቲ ዘለዎ እዩ። ናብ ቤተ ልሔም ምስ እንኸይድ ኣብኡ ጐይታ ኣሎ። ኣብ ቤተ ልሔም ኣማናዊት ቤተ ልሔም (ቤተ ሕብስት) ቅድስት ድንግል ማርያም ኣላ። ጻድቕ ዮሴፍ ኣብኡ ኣሎ። ጓሶት'ውን ይርከቡ እዮም። እምበኣርከስ ቤተ ልሔምና ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እያ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መኅደሪ መለኮት እያ። አምላኽ ወትሩ ዘይፍለያ ቤቱ እያ። ንእኡ ዝወለደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ወትሩ ብቃል ኪዳናን ብጸጋን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣላ። ጐይታን ኣዲኡን ዘኽብሩን ዘመስግኑን፤ ኣብ ሕይወቶም ሒዞሞም ዝኸዱን ዘይፈልይዎምን ጻድቃን ቅዱሳን ኣብ ቤተ ክርስቲያን እዮም ዝርከቡ። ጓሶት መምህራን ኣብ ቤቱ ኣለዉ። ብጸጋ ዝኸብዋን ዘጽልሉዋን ቅዱሳን መላእኽት’ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣለዉ። ስለዚ ናብ ኣማናዊት ቤተ ልሔም ናብ ቤተ ክርስቲያን ምስ እንኸይድ፡ ንጐይታ ምስ ኣዴኡን ምስ ኵሎም ቅዱሳኑን ክንረኽቦም ኢና። ኣብኡ ሥምረት ሰማያውያንን ምድራውያንን ኣሎ። ምድራውያን ዝዝምርዎ ሰማያዊ ዜማ መላእኽቲ ኣሎ። ሰማያዊ ስብሐት ወውዳሴ ኣሎ። ኣብ ምድሪ እንከላ ብሰማያዊ ሥርዓት ዝተሰርዐ ድንቂ መንፈሳዊ ኣገባብ ኣሎ። ናብቲ ሰማያዊ ክብርን ጸጋን እትወስድ ኣፍ ደገ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እያ እሞ ናብኣ ንኺድ። እምበኣርከስ ንጐይታ ክንረኽቦን ክንሰግደሉን ናብቲ መብልዕ ማል ዝርከበላ ቤተ ልሔም “ስብሐት ለእግዚአብሔር..” እናበልና ንኺድ። 

ኮይኑ ግና ብዙኃን ኣብዚ ቅዱስ ዕለት ሰማያዊ ሓጐስን ጸጋን ክንርኽበሉ ኣብ ዝግባእና ስፍራ ኣይንርከብን። ነቲ ኣምላኽን ስሌና ዝገበሮ ነገራት ኣስተውዒልና ከነመስግኖ ኣይንርአን ኢና። ነቲ ክንገብሮ ዝግባእና ብመሠረት ቃሉን ፍቓዱን ክንገብር ኣይንርከብን ኢና። ካባና እቶም እንሰሳታት ብርግጽ ንጐይቶኦም ዝፈለጡ ምዃኖምን፡ ዝከኣሎም ድማ ከምዝገበሩ ምስትብሃል ከድልየና እዩ። ሎሚ ኣብ ክንዲ ናብታ እግዚአብሔር ምስ ቅዱሳኑ ዝርከበላን፡ ሰባት ብሰማያዊ ሥርዓት ዝነብሩላን ኣማናዊት ቤተ ልሔም፤ ናብቲ እግዚአብሔር ዝጸየፎ ስፍራ ብምኻድን ብዘይግባእ ምድራዊ ሥርዓትን እነኅልፎ ኣይንሰኣንን። ስለዚ ትርጉም ክቡር ልደት ቅኑዕ ንባቡ ኣብ ሕይወትና ክንበብ እንተኾይኑ፤ ካብቶም ጓሶት ንመሃር። ናብ ቤተ ልሔም ብምኻድ ድማ ነቲ ሊቀ ኖሎት ነመስግኖ። ናብኡ ንቕረብ ንሱ ከብርሃልናን ክጓስየናን እዩ። 

                                                ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፤ አሜን። 













2 comments:

  1. kale hiwet yesmalna kburat yehwa ajokum bertu egzabher ybarkum tselot eme brhan qdste adusan ayfelekum !!!!

    ReplyDelete
  2. በረኸት ልደቱ ይሃበና። ብሰላም ናብ ልደቱ ዘብጽሓና እግዚአብሔር ኣምላኽ ምስጋና ነቕርበሉ።

    ማዕዶት ድማ ስለእትምግብና ዘሎኺ ትምህርቲ ዕድመ ይሃብኪ። ቀጥ በሊ!!!

    ReplyDelete