Saturday, January 14, 2012

በዓለ ግዝረት

ሎቱ ስብሐት (ንስሙ ስብሐት ይኹኖ እሞ)፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፈልያ እተኽብረሉ ፱ተ ዓበይትን ፱ተ ንኡሳን በዓላት ኣለዋ። ሓደ ካብቶም ንኡሳን በዓላት ድማ ኣብ ሻሙናይ ዕለተ ልደት ዝኽበር በዓለ ግዝረት ጐይታ እዩ። ሠራዔ ሕግ እግዚአብሔር፡ ብዝተፈለየ ኣካሉ ወልደ እግዚአብሔር ሥጋ ለቢሱ ፍጹም ሰብ ብምዃን ነቲ ደቂ ሰባት ንክሕልዉዎ ካብ ዝሠርዖ  ሕግታት ነቲ ሓደ ባዕሉ ዝፈጸመሉ ዕለት እዩ።

ግዝረት ብዘመነ አብርሃም ዝተተኽለ ሕጊ እዩ። ትርጉሙ ድማ ዕልቦ ሥጋ ካብ ኣካላትካ ምውጋድ፡ ምቑራጽ ማለት እዩ። እዚ ከኣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ምስ ኣቦና አብርሃም ናይ ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ምልክት ነበረ። ግዝረት ናይቲ ክመጽእ ዝነበሮ ጥምቀት ምሳሌ ኮይኑ ከኣ መፍለዪ ኣብ ሞንጎ ብእግዚአብሔር ዝኣመኑን ዘይኣመኑን ሕዝብታት ኮይኑ የገልግል ነበረ። ግዝረት ሕዝብን አሕዛብን ዝፈላለዩሉ ሥርዓተ ሕጊ ከምዝነበረን፤ ጥምቀት ከኣ ኣብ ሞንጎ እሥራኤል ዘሥጋን እሥራኤል ዘነፍስን ዝፈልዪ ምሥጢር ኮነ።

ግዝረተ አብርሃም

አብርሃም ካብ ኣቡኡ ታራ ዝወረሶ ልማድ ጦዖት ነበሮ። ኣቦኡ ድማ ሸያጢ ጣዖት ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ሓደ እዋን ንወዱ አብርሃም ጣዖት ክሸጠሉ ናብ ዕዳጋ ለኣኾ። አብርሃም ግና ነቲ ተሸኪምዎ ንዝነበረ ብኢድ ሰብ ጽሩብ ዝኾነ “ኣምላኽ” (ጣዖት) ከዛርቦ እንተፈተነ’ውን መልሲ ክረኽበሉ ኣይከኣለን። ጥሜቱ ከዐንግለሉ እንተለመኖውን ዝሰምዕ ኮይኑ ኣይረኸቦን እሞ ኣብ ዕዳጋ ወሲዱ ከቃልሎ ተራእየ። ኣብ ምምላሱ ድማ ንዕኡ ደርቢዩ ሓቀኛ ኣምላኹ ንምርካብ ብሥነ ፍጥረት ተመራሚሩ ሃልዎተ እግዚአብሔር ምስ ፈለጠን፤ ብፍጹም እምነቱን ብግብሩን ንእግዚአብሔር ባህ ብምባሉን ዓርከ እግዚአብሔር - ፍቁረ እግዚአብሔር ተባህለ።
አብርሃም አቦና ሀልዎተ እግዚአብሔር አብ ዝፈለጠሉ ጊዜ ውላድ ኣይነበሮን። ዕድሜኡ’ውን ፻ ዓመት ኣኺሉ ነበረ። ሰበይቱ ሳራ’ውን ጓል ፺ ትኸውን ነበረት። በዚ ምኽንያት’ዚ ንኽልቲኣቶም ሙቐት ልምላሜ ተፈልዩዎም እንከሎ እግዚአብሔር ንአብርሃም ናይ “ብዙኃት ሕዝቢ አቦ ክገብረካ እየ” ዚብል ተስፋ ሃቦ። ከምኡ’ውን ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብ ገምገም ሩባ ኣቕሪቡ “ኈልቊ ኆፃ ባሕር” (ነዚ ኆፃ ባሕሪ ቍጸሮ) በሎ፤ ኣይከኣለንን በሎ’ሞ ‘ከማሁ ይከውን ዘርእከ” (ደቃኻ ክንድኡ ኪኾኑ እዮም) በሎ። ካብ ለያልይ ሓደ ለይቲ፡ ኣብ በሪኽ ጎቦ ኣውጺኡ “ኈልቊ ከዋክብተ ሰማይ” (ከዋኽብቲ ሰማይ ቍጸር) በሎ፤ ክቈጽሮም ኣይኽእልን በለ። ደቕኻ ድማ ከምኡ ዘይቊጸሩ ኪኾኑ እዮም በሎ። አብርሃም ግን ንሱ ወድ ፻ ዓመት በዓልቲ ቤቱ ጓል ፺ ዓመት እንከለዉ፡ እንወልደሉ እዋን ኃሊፉ እዩ’ሞ ዘይኸውን ነገር እዩ ኢሉ ኣይተጠራጠረን፤ ኣይተወላወለን። ከም እምነቱ ኮይኑሉ ድማ ኣብ ጊዜኡ ብብሥራት ሥላሴ ወዲ ወለደ፤ ነዚ ብስራት ብዝሰምዐት ሰበይቱ ሣራ ስሒቓ ነበረት እሞ፡ ንሱ ድማ ኣዝዩ ታሓጕሱ ነበረ እሞ “ይስሐቅ” ኢሉ ሰመዮ።

ነገር ግን ኣቦ ብዙኃት ሕዝቢ ክገብረካ እየ ኢልዎ ነበረ’ሞ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኢ ካልኦት ኣሕዝብን ናይ እምነት ምልክት ምእንቲ ኪኸውን ነዚ ወድኻ ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ ግዘሮ ኢሉ ኣዘዞ። ከምቲ እተኣዘዞ ድማ ገበረ። ንይስሓቅ ወዱን ንኵሎም ኣብ ቤቱ ዝነበሩ ድማ ገዘሮም። ምልክት ቃል ኪዳን ድማ ኮነ። ካብዚ ንደኃር ዘዝተገዝረ ዘርአ አብርሃም፡ ዘዘይተገዝሩ ኣሕዛብ እናተባህሉ፡ እቲ “አልቦ አይሁዳዊ ወአልቦ አረማዊ” ብማለት ንኵሉ ዝሓዋወሰ እግዚእነ ወመድኃኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳዕ ዝውለድ፡ ካብ አብርሃም ዚውለዱ “ሕዝብ” ካብ ካልኦት ነገድ ዝተወልዱ “አሕዛብ” እናተባህሉ ብሽም ክልተ ሕዝብ በብወገኖም ይጽውዑ ነበሩ። ግዝረት ከምዚ ኢሉ ጽኑዕ ሕጊ ኮነ። (ዘፍጥ ፲፯/17 ዘሌ ፲፯፥፫/17፥3 ሉቃ ፩፥፴፩/1፥31  ግብ ሐዋ ፯፥፰/7፥8 ገላ ፫፥፳፰/3፥28 ቈሎ ፫፥፲፩ ፍት ነገ ፶፩)

ግዝረተ ክርስቶስ

ደቂ ሰባት ከምዚ እናበሉ ድኅሪ ምንባር፡ ብ፭ ሽሕን ፭፻ ዓመተ ዓለም ክርስቶስ ካብ ሕዝብን አሕዛብን ካብ ክልቲኣቶም ወገን ተወልደ። ከምቲ ሕጊ ነገደ አብርሃም ማለት ከም ሕገ ኦሪት ኣብ ሸሞንተ መዓልቲ ኣብ ቤተ ግዝረት ኣትዩ፡ ሕገ ግዝረት ፈጺሙ እዩ። (ወፈጸመ ሕገ ኦሪት በከመ ይቤ ሐዋርያ ጳውሎስ ልሳነ ዕፍረት እስመ ክርስቶስ ተወክፈ ግዝረተ በሥጋሁ ከመ ይፈጽም ሥርዓተ አበው)።

ኣዲኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ልደቱ ሸሞንተ መዓልቲ ምስ ቀረበ ንጻድቅ ዮሴፍ ‘ወደይ ከምቲ ሕገ ሙሴ ምእንቲ ክግዘርን ስሙ’ውን ኢየሱስ ኢልና ክንሰምዮ ኬድካ ገዛሪ ጸውዕ” በለቶ። ጻድቕ ዮሴፍ’ውን ዝተባህሎ ገበረ። እቲ ገዛሪ ድማ ከም ካልእ ሕፃን መሲልዎ ከይንቀሳቐስ እሞ ከየቝስሎ ጽቡቕ ጌሮም ክሕዝዎ ኣተሓሳሰቦም። ጐይታ ግና ነቲ ገዛሪ ዕፁብ ነገር ተዛረቦ፣ “እስኪ ደም ከይፈሰሰኒ ብኸመይ ገይርካ ከም እትገዝረኒ ጥበብካን ኃይልኻን ግብርኻን ክርኢ እፈቱ” ብምባል ናቱ ደም ኣብ ቀራንዮ መድኃኒተ ዓለም ኣብ ዝኾነሉ ዕለተ ዓርቢ ምስ ተሰቕለ ጥራይ ዝፈስስ ምዃኑ ምስ ተዛረቦ እቲ ገዛሪ ሰንበደ። ነዚ ዕፁብ ነገር ካብቲ ዘይተጸበዮ ሕፃን ምስ ሰመዐ ኣምላኽነቱ ተረዲኡ። ተንሢኡ ኣብ ትሕቲ እግሩ ከኣ ሰገደ፤ ኣምላኽ ንዝወለደት ኣዴና ቅድስት ድንግል’ውን “ቡርክት አንቲ እምአንስት ወቡሩክ ፍሬ ከርሥኪ” ብምባል ወደሳ። እቲ ዝወለደቶ’ውን ናይ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ በላ። እቲ ገዛሪ’ውን ንጐይታ ድኅሪ ምሕታቱን ምርድኡን “ሥረይ ሊተ እግዚኦ እስመ ኢይክል እትናገር ምስሌከ” (ይቕረ በለኒ ምሳኺ ክዛረብ ኣይከኣለንን እዩ) ብምባል ድማ ደጊሙ ሰገደሉ።

ከምቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ድማ ቅዱስ ገብርኤል ኣዴና ቅድስት ድንግል ገና ከይጸነሰት ከላ ወዲ ክትወልዲ ኢኺ፡ ስሙ ድማ ኢየሱስ ክትብልዮ ኢኺ ኢልዋ ነበረ’ሞ ቃል መልአኽ ዘይሕሶ ስለ ዝኾነ፡ ስሙ “ኢየሱስ” ተባህለ፤ ኢየሱስ ማለት መድኃኒት ማለት እዩ። “ኪገዝርዎ ሾሞንተ መዓልቲ ምስ መልኣ ድማ፡ ከምቲ መልኣኽ ኣብ ከርሲ ኸይተሀንጸ ኸሎ ዝሰመዮ፡ ስሙ ኢየሱስ ኢሎም ሰመይዎ።” (ሉቃ ፪፥፳፩/2፥21) እዚ ማለት ግና ከምቲ ሥርዓት ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ ናብ ቤት ግዝረት ክገዝርዎ ወሰድዎ እምበር ብኢድ ሰብሲ ኣይተገዝረን። እቲ ገዛሪ ኪገዝረሉ መላጸታት ሒዙ ቀሪቡ እኳ እንተነበረ፡ ቅድሚ ስቕለቱ ደሙ ስለ ዘይፈስስ፡ ብተኣምራት ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ግዙር ኮይኑ ተረኽበ። እቲ ክግዘረሉ ተቐሪቡ ዝነበረ መላጸ’ውን ከም ኣብ ሓዊ ዝቐረበ ጠስሚ መኺኹ ማይ ኮይኑ ተረፈ (እስመ ተመስውይ መላፂያቲሁ ወኮኑ ማይ)እቲ ገዛሪ ነዚ ድንቂ ነገር ምስረኣየ  ትሕት ኢሉ ሰገደ። “አማን አንተ ውእቱ ወልደ እግዚአብሔር ወንጉሠ እስራኤል።” ብምባል ድማ ኣምላኽነቱ መስከረ።

እቲ ግዝረቱ’ውን ዕፁብ ድንቂ እዩ። ከምቲ ካብ ማኅፀነ ድንግል ዝተወልደሉ ድንቂ ልደት፤ ግዝረት ጐይታ’ውን ብደቂ ሰባት ዝምርመር ኣይኮነን። እዚ ብኣምላኻዊ ጥበቡ ዝፈጸሞ እዩ። ንሱ ስለዝተገዝረ ድማ እቶም ደለዪቲ ምኽኒት ኣይሁድ ምኽንያት ኣይረኸቡሉን፡ ነቲ ሥርዓተ አበው ስለዝፈጸመ። (ወኮነት ግዝረቱ ለእግዚእነ ዘኢትትዓወቅ በከመ ምሥጢረ ልደቱ እማኅፀነ ድንግል ማርያም ወኢያማሰነ ድንግልናሃ ወከማሁ በአቱ ኀበ ሐዋርያት እንዘ ዕፁው ኆኅት። ወከማሁ ግዝረቱኒ እንዘ ኢይትበተክ ምንተኒ እምነ ሥጋሁ ከመ ይክሥት በዘፈቀደ ክሂሎቶ እምኪነ ጥበቡ ንስቲተ ወዘንተኒ ዘገብረ ከመ ይፈጽም ሕገ ዘሠርዐ ለሊሁ እምቀዳሚ።)

ግዝረት - ጥምቀት

ሕጊ ክፍጽም እምበር ክሥዕር ዘይመጸ ጐይታ ድማ፡ ንዓና ንሰብ ሓዲስ ኪዳን ኣብ ክንዲ ግዝረት ጥምቀት ሠርዓልና። ከምቲ ግዝረት ኣብ ዘመነ ብሉይ ብእግዚአብሔር ናይ ዝኣመኑ ሕዝቢ መፍለዪ ዝገበሮ፡ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ጥምቀት ሰባት ካብ እግዚአብሔር ውልድነት ዝርኸቡሉን፤ ናይ ብእግዚአብሔር ምእማኖም መፈለዪ ገበሮ። ኣማናዊ ግዝረት፡ ጥምቀት ኮነ። እቲ ዕልቦ ሥጋ ካብ ኣካላትና ከምዘርሕቕ፤ ጥምቀት ድማ መደምሰሰን መስተሥርዪን ኃጢኣት ኮነ። (ቈሎ ፪፥፲-፲፪/2፥10-12 ሮሜ ፪-፬) እምበኣርከስ ኣቐዲሙ ሕጊ ሠሪዑ ነቶም ፈተውቱ ከምዝሃበ: ደጊሙ ድማ ነቲ ባዕሉ ዝሠርዖ ሕጊ ፈጸሞ። ንዓና ድማ ምልክት ዘይኮነ ድኅነት ዘውህብ ሓድሽ ሕጊ ሠርዓልና።

ኣብዚ ዕለት’ዚ ዘብጽሓና ልዑል እግዚአብሔር ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ።

ሰላም ለግዝረትከ በመዋዕል ሰሙን
ከመ ትፈጽም ለሊከ ሥርዓተ ኪዳን
አንተ ወሀብከ እግዚኦ እምቀዳሚ ዘመን
ግዝረተ መጥባሕት ለወልደ ታራ ምእመን
ወበእብነ ዕዝኅ ለአውሴ መስፍን። 

No comments:

Post a Comment