Tuesday, January 10, 2012

ቅዱሳት መጻሕፍትን ትውፊትን ቤተ ክርስቲያንና ብዛዕባ ሰብአ ሰገል እንታይ ይብሉ፧ (ቀዳማይ ክፋል)

ኦዝ መንክር በዘዚአኪ አምሳል 
ኮከበ ትንቢት ዘቦቱ መልክዐ ሕፃን ሥዑል 
ሠረቀ ያርኢ ተአምረኪ ድንግል 
ወመርሖሙ ለሰብአ ሰገል እምርኁቅ ደወል 
ጽጌኪ ኀበ ሀሎ ይሰክብ በጎል።  (ማኅሌተ ጽጌ)



ኣብ ጊዜ ዜና ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገዳሲን ልዑል ስፍራን ብዛዕባ ዘለዎም ሰብአ ሰገል ዘሎና ኣፍልጦ ከመይ ይመስል፧ 

ብዛዕባኦም ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ካብ ፍቕዲ ሓደ ክሳዕ ዓሰርተ ሽዱሽተ ኣብ ዘሎ ታሪኽ ዝጠቐሶም እንተዘይኮይኑ ኣብ ዝኾነ ክፋል ቅዱስ መጽሓፍ ታሪኾም ኣይንረኽቦን ኢና። 
ቅዱስ ማቴዎስ’ውን፡ ጐይታ ኣብ ዝተወለዱ ዘመን እዞም ሰብ ጥበብ እቲ እተወልደ ንጉሥ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ እናበሉ ብኮኸብ እናተመርሑ ካብ ምብራቕ ተበጊሶም ምምጽኦምን፤ ክሰግዱሉ ከምዝመጹ ምግላጾምን፤ ነቲ በቲ ዜና ልደት ዝሰንበደ ሄሮድስ መጺኦም ከምዝረኸብዎን፤ ካብቶም ሊቃውንትን ጸሓፍትን ብዛዕባ ቤተ ልሔም ድኅሪ ምርድኡ ድማ ኣጸዊዑ ብዛዕባ እቲ እተራእዮም ኮኸብ ኣጸቢቑ ከምዝሓተቶምን ናብ ቤተ ልሔም ከፋንዎም ከሎ ድማ ብዛዕባ እቲ ሕጻን ኣርጊጾም ክምርምሩን ምስ ረኸብዎ ተመሊሶም ክንገርዎ እሞ ንሱ’ውን ክሰግደሉ ከምዝደሊ ከምዝተዛረበን፤ ንሳቶም’ውን በቲ ኮኸብ ተመሪሖም ኣብ ቤተ ልሔም ንጐይታ ምስ ኣዲኡ ከምዝረኸብዎምን ሰጊዶም ድማ ገጸ በረኸት ምቕራቦምን፤ ብሕልሚ ድማ ካብ መልአከ እግዚአብሔር ተረዲኦም መንገዶም ቀይሮም ናብ ሃገሮም ከምዝተመልሱ እዩ ብሓጺሩ ገሊጹ ጽሒፉ። (ማቴ ፪፥፩-፲፮/2፥1-16) 

እዚ ቅዱስ ታሪኽን ፍጻሜኡን፡ ቀንዲ ትሕዝቶን ፍጻሜ መልእኽቱን ናይዞም ሰብ ጥበብ ፈልዩ ብምንጋሩ ኣገዳሲ ክፍሉ እንተነገረና’ውን ብዙኅ ዘይተመለሱ ግና ኣገዳሲ ሕቶታት የለዓዕል እዩ። ንምሳሌ’ውን ብዛዕባ እዞም ሰባት ኣቐዲሙ ዝተነግረ ትንቢት ነይሩ ድዩ፧ ካብ ሕዝቢ ዓለምን ነገሥታቶምን ተፈልዮም ብኸመይ ልደት ጐይታ ክፈልጡ ክኢሎም፧ ብኮኸብ ናይ ምምርሖም ነገር እንታይ ኣፍልጦ ነይርዎም፧ ብዛዕባ ልደት ‘ንጉሥ’ ከ መን ነገሮም፧ ነቲ ዝተራእየ ኮኸብ’ከ ክስዕብዎ ከምዝግባእ መን ኣዘዞም፧ እንታይ ነገራት’ከ ነቲ ዝተወልደ ንጉሥ ክገብሩሉ ከምዝግባእ መሃሮም፧ መን ከ ነቲ ህያባት ፈልዩ ነገሮምን ሃቦምን፧ ንሱ ፈጣሪ ኣምላኽ ምዃኑን ስግደት ከምዝግብኦ ከ መን መሃሮም፧ ብኸመይ’ከ ከለልይዎ ከምዝኽእሉን ንኡኡ ዝኸውን እንታይ መረጋገጺ ከ ሒዞም ነይሮም፧ ወቦ ዘተርፈ ሕቶታት ክምለሱ እንተደኣ ኮይኑ መዝገብ ቅዱሳት ታሪኽ ንዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምውካስ ግድነት ይኸውን። ኣብ ከምዚ ታሪኽ ድማ እዩ ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ክንርዳእ እንኽእል። ሎሚ ከም ኣብነት ነዚ ታሪኽ ምስ ክቡር ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣተሓሒዝና ንጠቕስ ኣሎና እምበር፤ ትውፊት ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ዓለም ንዝተሸገረሉን ኣብ ኑፋቄያዊ ሓሳባት ንዝወስዳን ዘሎ ብዙኅ ሕቶታት ቤተ ክርስቲያን ብእምነት ንዝቐርባ መልሲ ትህበሉ እያ። 

ኣብዞም ዝሓለፉ ነዊሕ ዘመናት፡ ነቲ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ተጻሒፉ ንዘሎ ውሑድ ታሪኽ ሰብአ ሰገል መሠረት ብምግባር ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ብዛዕባ ሰብአ ሰገል ብዙኅ ተባሂሉን ተጻሒፉን እዩ። ዝተፈላለየ ጥንታዊ ታሪኽ ዘለዎም ብፍላይ ድማ ምብራቓውያን ዝተፈላለዩ ትውፊታዊ ታሪኾም በብወገኖም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። ገሊኡ ታሪኽ ኣብ ኣብ መበቆላዊ ዓዶምን ኣመጻጽኦምን ዘተኰረ ኮይኑ፤ ገሊኡ ድማ ኣብ ህያባቶም ገሊኡ ድማ ኣብ ጻውዒቶምን መልእኽቱን ዘተዀረ እዩ። 

እቲ በብሃገሩ ዝቐርብ ትውፊታዊ ታሪኽ ዘለዎ ፍልልይ ኣብ ቦትኡ እንከሎ፤ ብዛዕባ እዚ ታሪኽ ዘጽንዑ ብዙኃት ተመራመርቲ ካልኦት ሃገራት’ውን ዝእመኑሉ ግና ሓደ ፍሩይ ሓቂ ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣብ ቅድስት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ብግእዝ ኣብ ዝተጻሕፉ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝያዳ ካልኦት ብተዛማዲ ምሉእነትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ፈጺሞም ዘይርከቡ ታሪኻት ብኽብሪ ተመዝጊቦምን ተዓቂቦምን ከምዘለዉ እዩ። እዚ ኸኣ ዓለም ዝያዳ እናኣመነትሉ ዘሎ ክብርን ልዕልናን ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያንና ኣጒሊሑ ዘርእይ ሓቂ እዩ። ንሕና’ውን ኣቦታትና ንዝዓቀቡልና ታሪኽ ኣጽኒዕና ምፍላጡ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ንሎሚ ብዛዕባ ሰብአ ሰገል ኣብ ዝተፈላለዩ መጻሕፍተ ቤተ ክርስቲያን ንዝተጻሕፈልና ታሪኽ ኣወሃሂድና ኣቕሪብና ኣሎና። 

ሎሚ ናይ ካልኦት ታሪኽን ባህልን ትውፊትን ምድናቕ ከም ‘ምዕባለ’ ተወሲዱ ከም መወከሲ ምርኣይን ምቕዳሕን እናተለምደ ምምጽኡ ዘየሰክፍ ኣይኮነን። እቲ ነገር’ውን ናይ… ከይፈለጥካ ኣብ ናይ.. ከም ምግዳስ እዩ እምበር ኣቦታትና ንዘጽንሑልና ታሪኽን መንፈሳዊ ሃብትን ቅርብ ኢልና እንተንምርምሮን እንተንፈልጦን ክንደይ ዝኣክል ጸጋ ምሓፈስናሉ ነይርና፧! ብዛዕባ ሰገል ንሕና’ከ ክሳዕ ክንደይ ንፈልጥ፧ ቤተ ክርስቲያን’ ከ እንታይ ትምህረና፧ ስዒብና መጻሕፍትና ንዝጠቕስዎ ጠቒስና፡ ሊቃውንትና ካብ ዝመሃሩና ኣዋህሊልና ናባኹም ነብሎ ኣሎና እሞ ብትዕግሥቲ ኮይንኩም ከተንብብዎ ንዕድመኩም ኣሎና። 

በረኸት ልደቱ የሳተፈና። 

ትርጉም 

ሰገል ማለት ጥበብ፡ ሜላ፡ ምርምር፡ ርቀት፡ ፍልጠት፡ ፍልስፍና ማለት ኮይኑ ብኻልእ ኣገላልጻ’ውን ጥንቊልና ዝብል ትርጉም ይህብ። ሰብአ ሰገል ማለት ሰብአ ጥበብ ወይውን ናይ ጥበብ ሰባት ማለት እዩ። ንፍጥረታት ዓለምን ኑባሬኦምን፡ ኣካይዳ ሥርዓቶምን ሕይወቶምን መሠረት ብምግባር ብዛዕባ ጥበብ ዓለም ዝግደሱን ዝመራመሩን ፈላስፋታት ወይውን ጠቢባን ማለት ከኣ እዩ። እቲ ጥበብ ድማ ልዕል ኢልና ኣብ ሰማይን ኪኖኡን ትሕት ኢልና ምድሪን ትሕቲኣን ዘሎ ኵሉ የጠቓልል። 

ዋና ጥበብ እግዚአብሔር እዩ። ጥበብ ንደቂ ሰባት ካብ ዝወሃብ ክቡር ጸጋታት እግዚአብሔር ሓደ እዩ። መንፈሳዊ ጥበብ ከምዘሎ ሥጋዊ ጥበብ ድማ ኣሎ። ሥጋዊ ጥበብ ብኣገባብ ሰባት ምስ ዝጥቀሙሉ ብሥጋን ብነፍስን ተጠቐምቲ ይገብሮም። ነቶም ዝረሓቑ’ውን ናብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር የብጽሖም። ብኣንጻሩ ድማ ንክፉእ መገዲ ዝጥቐሙሉ ከምዘለዉ ዝተፈልጠ እዩ። መንፈሳዊ ጥበብ ግና ልዕል ዝበለ ምስ እግዚአብሔር ዘራኽብ መገዲ እዩ። ነቢየ እግዚአብሔር ዳንኤል ካብ እግዚአብሔር ጥበብን ምፍላጥ ስዉራት ነገራትን ተዋሂብዎ ስለዝነበረ፤ ነዚ ነገር’ዚ ድማ ናቡከደናጾር ብዘስተውዓለ ኣብ ልዕሊ ጠቢባን ሃገሩ ሓለቓ ገይሩ ሸይምዎ ነበረ። (ዳን ፩፥፳/1፥20 ፪፥፵፰/2፥48) 

ጥበብን ጥበበኛታትን ጥበቦምን ዝምልከት ሰፊሕ ኣርእስቲ ብምዃኑ ኣብዚ ገዲፍና፡ ንግባእኬ ኀበ ጥንተ ነገር ከምዝተባህለ ናብቲ ቀንዲ መበገሲ ጽሑፍና ንመለስ። (ማቴ ፲፥፲፮/10፥16 ማቴ ፳፫፥፴፬/23፥34 ሮሜ ፲፪፥፲፮ ቀዳማይ ቆሮ ፩፥፲፰-፳፯/1፥18-27 ዘፍ ፵፩/41 አስ ፩፥፲፫/1፥13 ኢዮ ፲፭፥፲፯-፲፱/15፥17-1 መጽ ምሳሌ ንመልከት) 

እዞም ልደት ጐይታ ክርእዩ ዝተጸውዑ ሰብአ ሰገል ግና ላዕለዋይ ኣቦኦም ዠረደሽት ዝተባህለ ፈላስፋ ነበረ። ንሳቶም ድማ ነገሥታት ዝተፈላለዩ ግዝኣት ዝነበሩ ኮይኖም፡ ብወገን ምብራቕ ካብ ማእከለ ምድር ካብ ዝተባህለት ኢየሩሳሌም፡ ካብ ፋርስን ባቢሎንን ምድረ ሳባን ዓረብን ዝተረኽቡ እዮም። ኣቦኦም ድማ ምሕዋረ ዑደት ከዋኽብቲ ዘጽንዕ ፈላስፋ ምንባሩ ይጥቐስ። 

ትንቢት 

ብዛዕባ ካብ ወገን ኣሕዛብን፡ ሕዝበይ ካብ ዝተባህሉ እስራኤል ወጻኢን ዝኾኑ ነገሥታት ምድሪ፤ ናብ እስራኤል መጺኦም ከምዝሰግዱን ህያባትውን ከምዝውፍዩ ኣቐዲሙ ትንቢት ተነጊሩ ነይሩ። እዚ ትንቢት ኸኣ ምስ ልደት ጐይታ ዝተዛመደ ትንቢት እዩ። ስፍራ ምስጋዶም’ውን ጐይታ ኣብ ዝተወልደሉ ቤተ ልሔም እዩ ነይሩ። ዝሰገዱሉ ጐይታ ድማ ሰማይን ምድርን ፈጢሩ ዝገዝእ ንጉሠ ነገሥት ኮይኑ ብሥጋ ዝተወልደ ወልደ እግዚአብሔር እዩ። ካብቲ ትንቢታት ንምጥቓስ’ውን፦ 

ነቢይሚክያስ፦ “ኣቲ ቤተ ልሔም ምድረ ኤፍራታ፡ ንሕዝበይ እሥራኤል ብሥጋ ዝጓስዮም ሹም ካባኺ ኪወጽእ እዩ እሞ ካብ ሹማምንቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ” (ሚክ ፭፥፪/5፥2) እዚ ትንቢት ብሓደ ወገን ጐይታ ኣብ ቤተ ልሔም ዘይሁዳ ከምዝውለድ ዘመልክት ኮይኑ ሚክያስ ዝተነበዮ ትንቢት እዩ ነይሩ። በቲ ካልእ ድማ ናይ ሰብአ ሰገል ነገር ዘለዎ እዩ። እቲ ነቢየ እግዚአብሔር ክምህር ውዒሉ ኣማስዩ ብጥቓ ቤተ ልሔም ክሓልፍ ከሎ ባዲማን ኣእሻዂ በቚልዋን ምስ ረኣየ እተዛረቦ ድማ እዩ ነይሩ። ከምቲ ነቢይ ሚክያስ ዝተነበየላ ድማ ንጊዜኡ ዘሩባቤል ነጊሡላ፡ ነጋሪት ተሰሚዑላ እዩ። ድንኳን ተተኺሉላ። እሥራኤል ደገ ጸኒዖሙላ፡ ኣሕዛብ ገቢሮሙላ እዮም። ፍጻሜ ትንቢቱ ግና ንሕዝበይ እስራኤል (ዘሥጋን ዘነፍስን) ዝሕሉ ንጉሥ ክርስቶስ ካባኺ ስለ ዝውለድ ካብ ከተማታት ሹማምንቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ ማለቱ እዩ። ዘሩባቤል ከም ዝነገሠላ ክርስቶስ ተወሊዱላ፤ ድንኳን ከምዝተተኽለላ ናይ ብርሃን ድንኳን ተተኽለላ፤ ነጋሪት ከም ዝተሰምዓላ ቅዳሴ መላእኽቲ ተሰምዓላ፤ እስራኤል ደገ ከምዝጸንዑላ እቶም ሚእቲ ነገደ መላእኽቲ ደገ ጸኒዖሙላ፤ ኣሕዛብ ከም ዝገበሩላ ሰብአ ሰገል ገቢሮሙላ እዮም። 

ነቢዪ ዳዊት፦ “ነገሥታት ተርሴስን ደሰያትን ገጸ በረኸት ከቕርብሉ፡ ነገሥታት ሳባን ዓረብን ድማ ውህበታት ከምጽእሉ እዮም። ኵሎም ነገሥታት ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ክሰግዱ እዮም” ዝብል ትንቢት’ውን ብቅዱስ ዳዊት ተነጊሩ ነበረ። (መዝ ፸፩፥፲-፲፩/72፥10-11) እዚ ትንቢት ክፍጸም ምእንቲ ድማ፡ ነቶም ዝተጠቕሱ ሃገራት ዝገዝኡ ዝነበሩ ነገሥታት ምድሪ ወርቂ፡ ዕጣን፡ ከርበ ሒዞም ብኾኾብ ተመሪሖም ናብ ጐይታ መጹ። ገጸ በረኸት ኣቕረበሉ፤ ሰገዱሉ ድማ። 

ነቢዪ ኢሳይያስ፦ ነቢየ እግዚአብሔር ኢሳይያስ’ውን ተመሳሳሊ ትንቢት ተንቢዩ ነይሩ። “ብዝሒ ኣግማልን ረብዓት ኣግማል ሚድያንን ኤፋን ኪለማኺ እየን፡ ኲላቶም ካብ ሳባ ኺመጹ፡ ወርቅን ዕጣንን ኬምጽኡ፡ ውዳሴ እግዚአብሔር ከኣ ኪነግሩ እዮም።” (ኢሳ ፷፥፮/60፥6) 

ከም ኣብነት ነዞም ሠለስተ ነቢያት ጠቐስና እምበር ከከም ኣርእስቱ ነቶም ዝተረፉ ትንቢታትን ትውፊታትን ኣብ በብንኡስ ኣርእስቶም ክንጠቕሶም ኢና። ብሓጺሩ ግና እዞም ነቢያተ እግዚአብሔር ነገሥታት ምድሪ ናብ ጐይታ መጺኦም ከምዝሰግዱን ገጸ በረኸትን ከምዘቕረቡ ዝተነግረ ትንቢት ኣብ ጊዜኡ ብሰብአ ሰገል ከምዝተፈጸመ ቅዱስ ማቴዎስ ኣርጊጹ ጽሒፉልና እዩ።

                                                                                                                                                  ይቕጽል

No comments:

Post a Comment