ኣብ ዘመነ ሓዋርያት
ቅድም ይኹን ድኅሪ
ስቅለት ጐይታ፡ ኣብ ዘመነ ሓዲስ እቲ ብፈሪሳውያን ዝተዓብለለ ዓቢይ ጉባኤ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያቱን ከምኡውን ዝኣመኑ
ኵሎም ሰዓብቱን ዝተፈላለየ ተንኮላትን ግፍዕን ይፍጽም ከምዝነበረ ቅዱስ መጽሓፍ ዝገልጾ እዩ። ንኵሉ እቲ ብጐይታናን መድኃኒናን
ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ወትሩ ይቃወምን፤ ካብ ትምህርቱ ገለ ንምርካብ ኸኣ መኽሰሲ ምኽንያት የናድይን
ነበረ። ዝኾነ ሰብ ከኣ ብጐይታ ከይኣምን፤ ንሱ ክርስቶስ (መሲሕ) ምዃኑ ከይምስክርን ከኣ ሕጊ ኣውጺኡ ነበረ። ከምኡ ኢሉ
ክምስክር ዝተረኽበ ካብ ካብ ኣብያተ ጸሎቶምን ምዅራቦምን ክስጐዎ እዚ ጉባኤ’ዚ ምኽሪ ነበሮ፤ እቶም ሕዝቢ ከኣ ነዚ ጉባኤ’ዚ
ይፈርህዎ ነበሩ (ዮሐ ፱፥፳፪/9፥22)።
ብምስክር ሓሶት
ንጐይታ ኣብ ቅድሚ’ዚ ጉባኤ ኣቕሪቦሞ ከምዝነበሩ ከኣ ወንጌላውያን ዝመስከርዎ እዩ። ኣኅሊፎም ከኣ ሰቐልዎ። ትንሣኤኡ ክሒዶም
ከኣ ነቲ ብስራት ትንሣኤ ብገንዘብን ሓሶትን ክዓብስዎ ፈተኑ። (ማቴ ፳፰፥፲፪-፲፭/28፥12-15)። ከምኡ እናበለ በዚ
ጉባኤ’ዚ ዝእለይ መሪሕነት ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ቀጻሊ ምስጓግን መግረፍትን ከምኡውን ዝተፈላለየ ክስታትን ጸዋተወ
መከራን የውርድ ከምዝነበረ ካብ መጽሓፍ ግብረ ሓዋርያት ክንርዳእ ንኽእል።
እዚ ጉባኤ’ዚ ግና
ኣብ ዘመነ ሓዲስ ምስ ምምሥራት ሓዲሽ ኪዳን፤ ኣብታ ሓዳስ ቤተ ክርስቲያን ብጉባኤ ሓዋርያት ተተኪኡ እዩ። ምኽንያቱ እዚ
ሥልጣን’ዚ ብሓጋጌ ሕግ፤ ሠራዔ ሕግ ብዝኾነ ጐይታናን መድኃኒንናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ዝተዋህበ እዩ። ሥልጣኑ’ውን
ካብቲ ምሳሌያዊ ዝነበረን ወይውን ኣብ ምድሪ ጥራይ ካብ ዝተደረተ ክህነተ ብሉይ ዝዓበየን፤ ኣብ ምድሪን ሰማይን፤ ኣብ ሥጋን
ነፍስን ሥልጣን ዘለዎ እዩ። መፍትሕ መንግሥቲ ኣምላኽ ኣብ ኢዶም ዘረከበ፡ ንሓዋርያት ዝለኣኸ ባዕሉ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ
ክርስቶስ እዩ። (ማቴ ፲፮፥፲፱/16፥19 ማቴ ፲፰፥፲፰-፳/18፥18-20 ማቴ ፲፥፩/10፥1 ዮሐ ፳፥፳፫/20፥23 ማር
፫፥፲፭/3፥15 ማር ፮፥፯/6፥7 ማር ፲፫፥፴፬/13፥34)