Saturday, May 5, 2012

ሃንደበታዊ ምቅይያር ጳጳሳትን ሊቃነ ጳጳሳትን ካብ - ናብ ሃገረ ስብከት


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ኦርቶዶክሳዊት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢን ኣብ ዘለዉዋ ኣህጉረ ስብከት ብዝለዓለ ሓላፍነት  ነነዊሕ ዓመታት ተመዲቦም ምእመናይ ይጓስዩ ካብ ዘለዉ ክቡራን ጳጳሳትን ሊቃነ ጳጳሳትን ንዝበዝኁ ናይ ሃገረ ስብከት ምቅይያር ከምዝተገብረሎም ካብ ኣሥመራ ዝበጽሓና ዘሎ ዜና መንበረ ፓትርያርክ የመልክት።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ምስ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፲፱፻፺ (1998) ዓ.ም. ብዝገበረቶ ወግዓዊ ስምምዓት ናታ ልዑላዊ ዝኾነ መንበረ ፓትርያርክን መናብርተ ጵጵስናን ኣቚማ ርእሳ ክኢላ ክትካየድ ካብ ዝጀመረትሉ፡ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዝኂ ዘለዎ ምቅይያር ሃገረ ስብከት ክግበር እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ምንጪታትና ኣመልኪቶም።

በዚ ሕጂ ተገይሩ ዘሎ ምልውዋጥ ኣህጉረ ስብከት ከኣ፦


  1. ብፁዕ አቡነ ሰላማ፦ ተሓጋጋዚ ቅዱስ ፓትርያርክ ዝነበሩ፤ ብሕጂ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ - መንደፈራ
  2. ብፁዕ አቡነ ቄርሎስ፦ ሊቀ ጳጳስ ደቡብ - ዓዲ ቀይሕ ዝነበሩ፤ ከም ዘለዉዎ ክቕጽሉ
  3. ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ፦ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓንሰባ ዝነበሩ፤ ብሕጂ ሊቀ ጳጳስ ደቡባዊን ሰሜናዊን ቀይሕ ባሕሪ
  4. ብፁዕ አቡነ ማርቆስ፦ ጳጳስ ሰሜናዊ ሃገረ ስብከት ዝነበሩ፤ ብሕጂ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣውሮጳ
  5. ብፁዕ አቡነ ጴጥሮስ፦ ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ጳጳስ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበሩ፤ ብሕጂ ጳጳስ ዞባ ማእከል
  6. ብፁዕ አቡነ ሉቃስ፦ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ጋሽ ባርካ ዝነበሩ፤ ብሕጂ ጳጳስ ድባርዋ
  7. ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ፦ ጳጳስ ዞባ ማእከል ዝነበሩ፤ ብሕጂ ጳጳስ ዓንሰባ
  8. ብፅዕ አቡነ ሼኑዳ፦ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካን ካናዳን ዝነበሩ፤ ንጊዜኡ ኣብ ዘለዉዎ ክጸንሑ።
  9. ብፅዕ አቡነ አትናቴዎስ፦ ጳጳስ ኣውሮጳ ዝነበሩ፤ ብሕጂ ጳጳስ ጋሽ ባርካ
ኮይኖም ስርሖም ክቕጽሉ ብዕለት ፳፭ ሚያዚያ ፳፻ወ፬ ዓ.ም. (03/05/2012) ኣብ ዝተጋብአ ኣኼባ ቅዱስ ሲኖዶስ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ዝተገብረ ለውጢ ብመንጽር እዋናውነቱ ይኹን ኣገዳስነቱ፤ ብመንጽር መበገሲ ምኽንያቱ ይኹን ዕላማ ከወንቱ፤ ብመንጽር ቀጻሊ ሳዕቤኑ ይኹን ጽልዋታቱ፤ ብመንጽር ሕጋዊ ባይትኡ ይኹን ምሕደራን መምርሒን ቤተ ክርስቲያን ወቦ ዘተርፈ ብዙኅ ዘይተመልሰ ሕቶታት ኣብ ቤተ ክህነት ኣለዓዒሉ ከም ዘሎ ዝበጻሕና ሓበሬታ የመልክት።

ከም ፍቓድ ኣምላኽ፦ ንሕና’ውን ነቲ በጺሑናን ዝበጻሕናን ዘሎ ሓበሬታ መሠረት ብምግባር፤ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ክህልዎ ንዝኽእል እወታዊን (እንተሎ) ኣሉታዊን ገጻቱ ብመንጽር ሥርዓትን ሕግን ቤተ ክርስቲያን በቲ ሓደ ሸነኽ፤ ብመንጽር ኣብ ልዕሊ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ይጥጃእ ካብ ዘሎ ፍሕሶታት በቲ ካልእ ገጻቱ ብምብጋስ ትንታነ ክንህበሉ ክንፍትን ኢና።

ሓደ ካብኡ ድማ ብፍላይ ኣብዚ ወጻኢ ኣብ ዘለዉ ሃገረ ስብከታት ክግበር ዝተሃቀነን ብኸፊል ዝተተግብረን ምልውዋጥ፤ ኣቐዲሙ ቤተ ክርስቲያን ክኸፋፍል ተዓጢቑ ኣብ ምድንጋር ሕዝቢ ብዝርከብ ዘሎ ናይ ኣትላንታ ጉጅለ፡ ነቲ ዘሎ መሪሕነት በቶም ውሽጢ ኮይኖም መሲሎም ብዘሳሳዩ ልኡኻቱ ኣቢሉ ነቲ ናቱ ኣካይዳ ዝሰማማዕ ባይታ ንምፍጣር ወሰንቲ እዮም ንዝብሎም “ኣካላት” ምወላን ብላዕን ክካይድ ከምዝጸንሐ ገለ ግዱሳት ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ልዕሊ አቡነ ሼኑዳ ጳጳስ ዘሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካን ካናዳን፤ ክግበር ዝጸንሐ ጸቕጥታት’ውን ናይዚ መርኣያ እዩ። ናይ ኣውሮጳ ሃገረ ስብከት ጳጳስ አቡነ ኣትናቴዎስ’ውን፤ ብኻልእ ጉዳይ ተደልዮም ከምዘለዉ ኣምሲሎም ካብ ሃገረ ኢጣልያ ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዝኣትዉ ዝተገብረሉ ሜላ’ውን፤ ነቲ ኣብ ኣቡነ ሼኑዳ ዘጋጠመ ፍሽለት ንምኽዋል ዝተወጠነ ምዃኑ ካልኦት መቕርቦም ዝኾኑ ግዱሳት ኣርድእቶም ካብ ኣውሮጳ ዝሃቡና ሓበሬታ የመልክት።   

እግዚአብሔር ኣምላኽ ቤቱ ካብቲ ዝውርወር ዘሎ ኵናት ክሕልዋን፤ ዝተገብረ እንተተገብረ፡ እግዚአብሔር ንጽቡቕ ክልውጦን፤ ንብፁዓን ኣቦታትና ጥበቡን ኃይሉን ከዕጥቖምን ኵልና ደቂ ቤተ ክርስቲያን ጸሎትናን ልማኖናን ወትሩ ተጊህና ናብቲ ኵሉ ዝከኣሎ ኣምላኽ ከነቕርብ ይግባእ።

እግዚአብሔር አምላኽ ሃገርናን ማኅደርናን ይባርኽ። ኣቦታትና ይዓቅበልና።




11 comments:

  1. Yoftah kemedilayu ab betekirstiyan yiendir, Tedelu Papasat yesheyme, tedelu yewurdi tedelyu yekayayir. bitami zegerim eyu. Papasat kab hagere sibketom kikeyayeru bimeseret higi Tewahdo betekirstiyan yifiked diyu?

    ReplyDelete
  2. ewe ykeal eu pap lion zhawey papas eu neru khdet msdegefe dma tealu. slezy aytgerem dyablos zegageyom khlwu eyom `nmntay tegagyom aynbel tselot gna ydly

    ReplyDelete
  3. Anes buzuh hazine aleku. Bflay etom ab libna atyom enefkrom Butsue Abune Atnatyos keman nab Eritrea kikyeru eyom. Egziabher Amlak fekadka tekoynus Abona aykidu kabana

    ReplyDelete
  4. ATO YUFTAHE ZBEHAL SEBAY KEY REHAKE KAB MENBERE PATRIARCH SELAM YELEN

    ReplyDelete
  5. ezi kene elka ab mengo papasatin kahnatin hizbin zeymisimimae metan kimesi zitegebire mikiyiyar eyu. Papasat kab haeger sibketom fetsimom aykiyerun nay mengisti tserehateinatat Aykenun. ezi tegeru zelo mikiyiyar dima edi mengisti kem zelewo filot eyu, aynishato.

    ReplyDelete
  6. Betekirstiana b alemawi mihdera mimreha yehezin!

    ReplyDelete
  7. egzabeher neta berkety bato nehgernana notom merahte hageronan lobom soro abe lobom yemloselona enbare negobero negr yelon tezarebena entay kenkeyer nekolo hemake embare soboke ayenemasenena gen xolatene somen eu eu zedolona zelo egzabeher bemheroto yetmetananan

    ReplyDelete
  8. zegerm eyu kulu ab resu ms bexho eyu zrdeo ember kedem etom amlak zgelexelom abotat tezaribomo eyom yoftahe zemadra betekrstiyan xbah bmaedo knria ena tebahilu nhna gn ayestewalnayon nerna enqae kea nknfelto gebere amlak

    ReplyDelete
  9. menfesawi hiwetb alemawi mihdera kikayed ab zemene abew ayterayen antirfo ab zemene yftahen ab zemenkumin btsuan abotat amoke hanti hiwet hizkum muguaz antay eu afrihkum !!!

    ReplyDelete
  10. amalake Israel selamu yahbena. kulna ka sle betekrstiyana tsom tsolot neto . ab merakebi bzuhan tm eilna bzuh mzerab gn tsbuk aykonen.selam kwerdena nay selam frenfre

    ReplyDelete
  11. ewe kuluu neger be xelot eyu zefetah

    ReplyDelete