Sunday, May 6, 2012

ምልክታ ምጅማር ሓዲሽ ዓምዲ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ክቡራት ተኸታተልቲ መደባት ጦማረ ማዕዶት፦ ጦማርና ካብቲ ዝጀመረትሉን ሒዛቶ ካብ ዝተበገሰትሉን ዕላማ እቲ ሓደ ንትንሣኤን ዕብየትን ቤተ ክርስቲያን ይጠቕሙ እዮም ንዝበለቶም መንፈሳዊ ሓሳባት ምቕራብን፡ ምዝታይን እዩ። ኵሉ ኸኣ በብደረጅኡ ነቶም ሰናይ ተግባራት ምፍላጥ ጥራይ ዘይኮነሲ ክፍጽሞም ምትብባዕ እዩ። ንኸምኡ ዝምልከት’ውን ሓደ ካብቲ ዓምድታት ኣርእስቲ ጽሑፋ “ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያን ብኸመይ?” ዝብል ከምዝርከቦ ኣቐዲማ ኣፍሊጣ ነይራ እያ። ክሳዕ ሕጂ ብዝተፈላለየ ምኽንያት፡ ኣብ ካልኣት ዓምድታት ኣተኲራ እንተጸነሐት'ውን፤ ካብ ብሕጂ ከኣ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ነዚ ዓምዲ ጽሑፋት'ዚ ኣብዚ ዘመነ ትንሣኤ'ዚ ጐድኒ ጐድኒ ክትጅምሮ ትበጋገስ ኣላ።


ብዛዕባ ትንሣኤ ጐይታ ክንገር ከሎ፡ ምእመናን ሓደ ካብቲ ንርእሶም ክሓትዎ ዝግባእ ነገር “ንሕና’ኸ ኣብ ትንሣኤ ልቦና ኣሎና ዶ” ዝብል ክኸውን ከምዘለዎ ዝሰሓት ነገር ኣይኮነን። ዕብየትን ትንሣኤን ቤተ ክርስቲያን ከኣ ኣዕዚዙ ስለዘገድሰና ብዛዕባ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያን ምልዓልን ምዝርራብን ደቃ ንዝኾንና ኵልና ዝምልከት እዩ። ጕዳይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንሓደ ዝያዳ ዝቐርቦ፤ ነቲ ካልእ ኸኣ ዝርሕቆ ኣይኮነን። ኵሉ በብማዕርጉን በብቲ ዝተዋህቦ ጸጋን የገልግል ደኣ እምበር፤ ቤት ኣቦና እግዚአብሔር ናይ ኵልና ቤት እያ። ካብ ኮነት ኸኣ፦ ኣገልገልትን ኵሎም ቅንዓት ቤቱ ዝብልዖም ከኣ ቤተ ክርስቲያንና’ኸ ከመይ ኣላ? ዝብል ሕቶ ኣብ ውሽጦም ተተኺሉ ክነብር ይግብኦ እዩ። ከምቲ ጕዳይ ሃገሩ ኢየሩሳሌም ዘተሓሳሰቦ ነህምያ “እፎ ይእቲ ኢየሩሳሌም” ኢሉ ነቶም ካብ ዓዱ ናብቲ ንሱ ዝተሰደደሉ ሃገር ዝመጹ ኣኅዋቱ ከምዝሓተተ፤ ንሕና’ውን ኣምሳል ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከመይ ኣላ ኢልና ኣብ በብዘለናዮ ኵርናዕ ዓለም ኮይንና ክንሓትትን ክንተሓታተትን ይግባእ። ብርሃነ ዓለም ኅሩይ ንዋይ ቅዱስ ጳውሎስ'ውን ዕለት ዕለት ዘተሓሳስቦ ዝነበረ ጒዳይ ቤተ ክርስቲያን ከምዝነበረ ትምህርቲ ክኾነና ጽሒፉልና እዩ። ኵሎም ዝቐደሙ ቅዱሳን ኣበው'ከ ስለ ሃይማኖቶም ዝተጋደሉ ስለ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ወትሩ እናስተንተኑ እዩ። ስለዚ ንሕና ኣብ ኵሉ ዓለም ፋሕ ኢልና ዘሎና ደቃ ስለ ኣዴና ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ምፍጣር፤ ምትሕብባር ይግባእና። እግዚአብሔር ኣብ ሓድነት እምበር ኣብ ምፍልላይ ኣይነብርን እዩ። ኣኅዋት ብሓደ ክነብሩ ሰናይ እዩ ዝብል ቃል'ውን ጽሑፍ እዩ።

እምበኣር ጦማርና ማዕዶት ብውሱን ዓቕሚ፤ በቲ ሓደ ትምህርታዊን ሓናጽን ብዝኾነ መገዲ፤ በቲ ካልእ ከኣ ንጒጉይ ኣካይዳ ገሳጺ ብዝኾነ ኣገባብ ንትንሣኤ ቤተ ክርስቲያን ይጠቕሙ ዝበለቶም ሓሳባት ትምህርታዊ ብዝኾነ መገዱ ምቕራብ ትጅምሮ ኣላ። "ርክበ ካህናት" ኢልና ዝጀመርናዮ ኣርእስቲ'ውን ሓደ ካብኡ እዩ። ስለ ዕብየታን ምህብታማን ከኣ ናይ ኵልና ተሳትፎ ብኽብሪ ትዕድም ኣላ። 


ብዙኅ ዝዓይነቱ ግብረ እከይን ክሕደትን ከም ባሕሪ ኣዕለቕሊቝሉ ኣብዘሎ ዓለም ንንበር ኢና ዘሎናሞ፤ ካብቲ ኵሉ ክፉእ ዘበለ ድኂንና፡ ነታ እግዚአብሔር ዘተስፈወና ሕይወት ርስት መንግሥተ ሰማያት ክንወርስ መዕረፊን መዕቖቢን ገይሩ ኣብ ዝሃበና ሐመረ ኖኅ ጸኒዕና ክንነብር ኣምላከ ቅዱሳን ብምሕረቱ ይሓልወና።

"ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያንና ብኸመይ?"

እግዚአብሔር ኣምላኽ ሃገርናን ማኅደርናን ይባርኽ።

No comments:

Post a Comment