Friday, May 11, 2012

ርክበ ካህናት (፪ይ ክፋል)


ኣብ ዘመነ ሓዋርያት

ቅድም ይኹን ድኅሪ ስቅለት ጐይታ፡ ኣብ ዘመነ ሓዲስ እቲ ብፈሪሳውያን ዝተዓብለለ ዓቢይ ጉባኤ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያቱን ከምኡውን ዝኣመኑ ኵሎም ሰዓብቱን ዝተፈላለየ ተንኮላትን ግፍዕን ይፍጽም ከምዝነበረ ቅዱስ መጽሓፍ ዝገልጾ እዩ። ንኵሉ እቲ ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ወትሩ ይቃወምን፤ ካብ ትምህርቱ ገለ ንምርካብ ኸኣ መኽሰሲ ምኽንያት የናድይን ነበረ። ዝኾነ ሰብ ከኣ ብጐይታ ከይኣምን፤ ንሱ ክርስቶስ (መሲሕ) ምዃኑ ከይምስክርን ከኣ ሕጊ ኣውጺኡ ነበረ። ከምኡ ኢሉ ክምስክር ዝተረኽበ ካብ ካብ ኣብያተ ጸሎቶምን ምዅራቦምን ክስጐዎ እዚ ጉባኤ’ዚ ምኽሪ ነበሮ፤ እቶም ሕዝቢ ከኣ ነዚ ጉባኤ’ዚ ይፈርህዎ ነበሩ (ዮሐ ፱፥፳፪/9፥22)።

ብምስክር ሓሶት ንጐይታ ኣብ ቅድሚ’ዚ ጉባኤ ኣቕሪቦሞ ከምዝነበሩ ከኣ ወንጌላውያን ዝመስከርዎ እዩ። ኣኅሊፎም ከኣ ሰቐልዎ። ትንሣኤኡ ክሒዶም ከኣ ነቲ ብስራት ትንሣኤ ብገንዘብን ሓሶትን ክዓብስዎ ፈተኑ። (ማቴ ፳፰፥፲፪-፲፭/28፥12-15)። ከምኡ እናበለ በዚ ጉባኤ’ዚ ዝእለይ መሪሕነት ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ቀጻሊ ምስጓግን መግረፍትን ከምኡውን ዝተፈላለየ ክስታትን ጸዋተወ መከራን የውርድ ከምዝነበረ ካብ መጽሓፍ ግብረ ሓዋርያት ክንርዳእ ንኽእል።

እዚ ጉባኤ’ዚ ግና ኣብ ዘመነ ሓዲስ ምስ ምምሥራት ሓዲሽ ኪዳን፤ ኣብታ ሓዳስ ቤተ ክርስቲያን ብጉባኤ ሓዋርያት ተተኪኡ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ሥልጣን’ዚ ብሓጋጌ ሕግ፤ ሠራዔ ሕግ ብዝኾነ ጐይታናን መድኃኒንናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ዝተዋህበ እዩ። ሥልጣኑ’ውን ካብቲ ምሳሌያዊ ዝነበረን ወይውን ኣብ ምድሪ ጥራይ ካብ ዝተደረተ ክህነተ ብሉይ ዝዓበየን፤ ኣብ ምድሪን ሰማይን፤ ኣብ ሥጋን ነፍስን ሥልጣን ዘለዎ እዩ። መፍትሕ መንግሥቲ ኣምላኽ ኣብ ኢዶም ዘረከበ፡ ንሓዋርያት ዝለኣኸ ባዕሉ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። (ማቴ ፲፮፥፲፱/16፥19 ማቴ ፲፰፥፲፰-፳/18፥18-20 ማቴ ፲፥፩/10፥1 ዮሐ ፳፥፳፫/20፥23 ማር ፫፥፲፭/3፥15 ማር ፮፥፯/6፥7 ማር ፲፫፥፴፬/13፥34)


ኣብ መዋዕለ ስብከት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፤ ወንጌል ንኽሰብኩ ሓዋርያት እቶም ቀዳሞት ኅሩያት (ምሩጻት) ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምንባሮም፤ ንኵሉ ዝረኽብዎ መምርሒ ብቀጥታ ካብቲ ዝመረጾም ጐይታ ይቕበልዎ ነይሮም። ንኵሉ ጸገማቶም መፍትሒ፤ ንዘለዎም ሕቶታት መልስን ትርጉምን፤ ንኣካይድኦምን ዝምልከት መምርሒ ከኣ ኣብ ማእከሎም ካብ ዝመላለስ ኣምላኽ፡ ሥጋው ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ይረኽቡ ነበሩ። ንኵሉ ዝፈልጥን ዝምርምር ከሃሊ ኵሉ ዝኾነ ጐይታ ኣብቲ እዋን ንዝገጥሞም ጥራይ ዘይኮነስ፤ ንኵሉ እቲ ክገብርዎ ዘለዎምን፤ ክመሃርዎን ክምህርዎን፤ ክምርሕሉን ክመርሑሉን ዝግባእ ነገራት ኵሉ የስተምህሮም ነበረ። መጻኢ’ውን እንታይ ዓይነት ፈተና ከምዝረኽቦም፡ ብኸመይ ከኣ ክሰግርዎ ከምዝግብእ ይገልጸሎም ነበረ።

ጐይታ ቅድሚ ስቅለቱ ጥራይ ዘይኮነስ ድኅሪ ትንሣኤኡ ኣብ ሞንጎኦም እናተረኽበ ሥርዓትን ምሕደራን ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ሰፊሕ ትምህርቲ ሂብዎም እዩ። ጉባኤ ሠሪዑ’ውን ቅድሚ ዕርገቱ ኣብ ዝነበሩ 40 መዓልትታት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ብዝምልከት መጽሓፈ ኪዳን፤ ትምህርተ ኅቡኣት ምሂርዎም እዩ። (ሓዋ ፩፥፩-፬/1፥1-4) ቅዱስ ያሬድ’ውን “ወመሐረ እስከ አመ ዓርገ እምኀቤነ ይኩነነ ሰምዓ ተንሥአቱ ዘይሄሉ ምስሌነ” ክብል ዘሚሩ እዩ። (ምስክርነት ትንሣኤ ምሳና ክሳዕ ዘለዓለም ምእንቲ ክነብር፤ ካባና ካብ ዝዓረገሉ ጊዜ ጀሚሩ መሃረ ማለት እዩ)። ኣብ ባሕረ ጥብርያዶስ ተረኺቡ “ኣባጊዐይ ሓሉ” ንቅዱስ ጴጥሮስ ዝሃቦ ትእዛዝን መምርሒ’ውን ኣካል ናይዚ ድኅሪ ትንሥኤ ስለ ቤተ ክርስቲያን ምሕደራ ዝመሃሮ እዩ። እምበኣር ድኅሪ ትንሣኤኡ ርክበ ካህናት ምስርዑ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን።

ሓዋርያት’ውን ኣብ በዓለ ኃምሳ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ድኅሪ ምቕባሎም፤ ካብ ጐይታ ብዝተቐበልዎ ሥልጣን ንዓለም ተዘዋዊሮም ይምህሩ ነበሩ። ኣብታ እግሪ ተኽሊ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ከኣ ብሓደ ወገን ካብ ጐይታ ንዝተመሃርዎ ብኣፍ ብመጽሓፍ፤ በቲ ካልእ ከኣ ንዝገጥሞም ሓደሽቲ ነገራትን ሕቶታትን ከምኡውን ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ብዝምልከት ይጽሕፉን ይምልሱን የረድኡን ብጉባኤ ኸኣ ይዝትዩን ምንባሮም ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን የረድኣና እዩ። ኣብቲ ዝነበሮም ኣኼባ’ውን ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ተበጊሶም ብቅንዓት ሃይማኖት እናነደዱ ኣብ ልዕሊ ምእመናን ዘለዎም ረዚን ሓላፍነትን ተሓታትነትን ብዝግባእ ተረዲኦም ብዝለዓለ መንፈስ ይማኸሩን፤ ንዝኾነ ሥጋዊ ነገራትን ዓለማዊ ጸቕጥታቱን ዕድል ከይሃቡ ንቤተ ክርስቲያን ይጠቕም ንዝብልዎ ውሳኔ ብመንፈስ ቅዱስ እናተመርሑ ይውስኑ ነበሩ። ካብቲ ሓዋርያት ኣብቲ ቀዳማይ ዘመኖም ካብ ዝገብርዎም ጉባኤያትን ርክባትን ንገሊኦም ምርኣዩ ኸኣ ብዛዕባ ርክበ ካህናት ጽቡቕ መረዳእታ ክህበና ይኽእል እዩ። 


No comments:

Post a Comment