Friday, May 4, 2012

ርክበ ካህናት (ቀዳማይ ክፋል)

ትርጉም ርክበ ካህናት   
          
ካህናት ጉባኤ ሰሪዖምን ተጋቢኦምን ብዛዕባ ኣገልግሎቶም ምኽሪ ዝገበሩሉ ናይ ካህናት መራኸቢ ኣኼባ፡ ጉባኤ ማለት እዩ። ብቀንዱ ንካህናት ዝሓቝፍ ብምዃኑ ከኣ ርክበ ካህናት ተባህለ። ካህን ዝብል ቃል መበቖሉ ዕብራይስጢ ኮይኑ፡ ኣብ ግእዝን ትግርኛን ከምኡውን ካልኦት ቋንቋታት ከምዘለዎ ዝረዓመ እዩ። ሊቃውንቲ ግና ምስቲ ቋንቋ ግእዝ ክሕውስዎ ከለዉ ተክህነ ዝብል ግሢ ፈጢሮሙሉን፤ ካህን ዝብል ዘርኢ ኣፍርዩን፡ መበቖላዊ መሲሉን ኮይኑን ከኣ ምስ ግእዛዊ ስድራ ተወሓሒዱ ይርከብ። ካህናት ክልተ ዓይነት ዓበይቲ ዕዮታት ጕስነት ኣብ ዝባኖም ይርከብ። እቲ ሓደ ናይቲ ዝጓስይዎ ሕዝቢ ሽግር ተሸኪሞም ምስ እግዚአብሔር ብምርኻብ ረድኤት፡ ጸጋ፡ መፍትሔ ምምጻእ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልእ ከኣ ንርእሶም ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ኣብነታውያንን መስዋአትን ብምዃን ዝምህሩን፡ ነቲ ምእመን ብኵሉ ዓይነት ክህነታዊ ኣገልግሎት ዘገልግልዎ እዮም። እዚ ማለት ከኣ ንእግዚአብሔር ወኪሎም ኣብ ቅድሚ ምእመናን ዝርከቡ፤ ንምእመናን ወኪሎም ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቖሙን ዝዓዩን እዮም። ስለዚ ኣብዚ ኣገልግሎት’ዚ ብዛዕባ ዝምልከት ንምምኽኻር ዝራኸቡሉ ሓፈሻዊ ጉባኤ ርክበ ካህናት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሓሓንሳብ’ውን ረክበ ካህናት ወይ ርክብ ተባሂሉ ዝጽውዓሉ ጊዜ’ውን ኣሎ።

ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ርክበ ካህናት ከም ጉባኤ ካህናት ጥራይ ዘይኮነስ ከም በዓል’ውን ዓመት መጸ ዝኽበር ውሱን መዓልቲ ዘለዎ እዩ። ትንሣኤ ኣብ ዝወዓለ ኣብ መበል ፳፬ መዓልቲ ከኣ ይዝከር። ዳርጋ ኣብ ፍርቂ በዓለ ኃምሳ (ጰራቅሊጦስ) ከኣ ይውዕል። እዚ ጉባኤ’ዚ ከም ካልኦት በዓላት ተውሳክ ዘለዎን ኣብ ዓመት ሓደ መዓልቲ፤ ንረቡዕ ከይገደፈ ዝኽበር መንፈሳዊ በዓል ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ናይ ምሉእ ዓመት ኣጽዋማትን በዓላትን ኣብ ሓዲሽ ዓመት ባሕረ ሓሳብ ንሕዝቢ ክፈስስ ከሎ ርክበ ካህናት’ውን ዕለቱ መዓስ ከምዝውዕል ድኅሪ በዓለ ትንሣኤ፡ ቅድሚ በዓለ ዕርገት ተሰሪዑ ብወግዒ ይእወጀሉ።

ኣጀማምራ ርክበ ካህናት


ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ደቂ ሰባት ብሰንኪ ከከምቲ ቀጸላን ክፋልን ኅብረተሰብ ኣብ ውሽጦም ይኹን ካብ ደገ ብዝመጾም ሽግር ጉባኤታት ይሰርዑ ነበሩ። ሓደ ሰብ ንዘጓንፎ ሽግር በይኑ ክፈትሖን ክሰግሮን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ምስ በጸሐ ግድነት ነቲ መቕርቡን መዘንኡን ኣማኺሩ ሓባራዊ መፍትሒን ውሳነን ክህቡሉ ንቡር ነገር እዩ። ሓረስታይ ብዛዕባ ሕርሽኡ፤ ነጋዳይ ብዛዕባ ሸቐጡ፤ ሠራሕተኛ ብዛዕባ ሥርሑ፤ ሓኪም ብዛዕባ ሕማማትን ሕሙማንን ወቦ ዘተርፈ ክዝትይን ክማኸርን ሓሳብ ንሓሳብ ተዋሃሂቡ ከኣ በብሞያኡ ብዛዕባ ዘልዕሎ ርእሰ ነገር ሓባራዊ ውሳነ ክህበሉ ኣብ ዓለም እቲ ዝበለጸ ኣገባብ እዩ። ካህናት ከኣ ከም ኣዕይንተ እግዚአብሔር፤ ከም ጓሶት ሕዝቢ፤ ከም መንፈሳዊ ኣገልገልቲ ስለ ጸገማትን ምምሕያሽ ዝተመርጹሉን ዝተሾሙሉን ኣገልግሎቶም ወቦዘተርፈ ብሓፈሻ መንፈሳዊ ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ዝዛረቡሉ ጉባኤ ክህልዎም ንቡር ነገር እዩ። ብምዃኑ ከኣ ካህናት ብዛዕባ ዝተቐደሰ ክህነታዊ ኣገልግሎቶም ክዝትዩ ዝግባእ ስለዝኾነ ርክበ ካህናት (ኣኼባ) ተሠርዓሎም።

ምርኻቦምን ምምኽኻሮምን ኣዝዩ ብዙኅ መንፈሳዊ ረብሓታትን ተዛማዲ ጒዳያትን ዝረኣየሉን ዝምርመረሉን እኳ እንተነበረ፤ ብመሠረቱ ግና ሥነ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ቀኖናን ዝድንግጉሉ፤ ንምእመናን ብዛዕባ ዝወሃብ ትምህርትን ዘቕርብዎ ኣገልግሎትን ዝመኽሩሉ፤ ዝጐደለ ዝምልኡሉ፤ ዝቀነነ ዘስተኻኽሉሉ፤ ዝተበላሸወ ዘመሓይሹሉ፤ ንዝጸበቐ ዘበርትዑሉ፤ ብዛዕባ ዘጓንፎም ሽግራት፤ ብዛዕባ ሕዝቦም፤ ብዛዕባ ናብራኦም ሽግሮምን መኺሮም መፍትሒ ዘናድዩሉ፤ መምርሒታትን ውሳኔታትን ዝህቡሉን ዘመኃላለፉሉን እዩ ነይሩ። ስለዚ እዚ ከምዚ ዓይነት ጉባኤ’ዚ ኣብዚ ዕለት’ዚ ተጀሚሩ ዝብል ውሱን ዕለትን ዓመትን ምጥቓስ ዝከብድ እኳ እንተኾነ፡ ሕዝበ እግዚአብሔር ዝተባህሉ እስራኤላውያን ብሊቀ ነቢያት ሙሴ እናተመርሑ ካብ ምድሪ ግብጺ ወጺኦም ናብታ ተስፋ ዝተዋህቦም ምድሪ ኣብ ዘመርሑሉ እዋን ከምዝተጀመረ ግና ይፍለጥ።

ርክበ ካህናት ኣብ ብሉይ ኪዳን
ደቂ ሰባት ብሕገ ልቦና ኣብ ዝምርሑሉ ዝነበሩ ዘመን፦ ከም እኒ አበ ብዙኃን አብርሃም ዝኣመሰሉ ኣርእስተ ኣበውን፡ ከም እኒ መልከ ጼዴቅ ዝኣመሰሉ ካህናትን፡ ከም እኒ ሳሙኤል ነቢይ ዝኣመሰሉ ነቢያት ኣብ ዝነበሩሉ ዘመን፡ ጉባኤ ካህናትን ነቢያትን ተጀሚሩ ከምዝነበረ ብንጹር ዝተገልጸ ነገር የልቦን። ሊቀ ነቢያት ሙሴ ነቲ ሕዝቢ መሪሑ ኣብ ዝወጸሉ እዋን ግና ርክበ ካህናት ብርግጽ ከምዝተጀመረ ቅዱስ መጽሓፍ የረድኣና።

ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ኣምላኽ ጸሎትን ብኽያትን ሕዝቡ ሰሚዑ፤ ንኣቦታት ንዝኣተዎ ቃል ኪዳን ዘኪሩ ብዘደንቑ ፲ተ ተኣምራት፤ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብስጥመተ ባሕረ ፈርዖን ጸላእቲ እስራኤል ደምሲሱ ናብታ ዘተስፍዎም ምድሪ መሪሑ ንኸውጽኦም ዝመረጾ፡ ንሙሴን ኣፍ ኮይኑ ክራድኦ ከኣ ንኣሮን ሓዉን ነበረ። ሊቀ ነቢያት ሙሴ፡ ምስቲ ኵሉ ዘሽግር ጠባያት ሕዝብን ምዕዝምዛማቱን ከኣ ንሕዝቡ በይኑ  ብትዕግሥቲ ይመርሕ ነበረ። ሕዝቢ ምምራሕን ምምሕዳርን ቀሊል ነገር ኣይኮነን፤ ገዛእ ነፍስኻን ቤትካን እኳ ምስራዕን ምምሕዳርን እኳ ዓቢይ ሓላፍነት ዘሰክም፡ ጥበብ’ውን ዘድልዮ እዩ። ኣብ ዘመነ ሙሴ ከኣ እቲ ምሉእ ሕዝቢ ንዝደቐቐ ይኹን ንዝዓበየ ጒዳያት፤ ጒዳያቱ ከመልክት ጥርዓኑ ከቕርብ ናብ ሙሴ ይውሕዝ ነበረ። እቲ ሕዝቢ ይኹን ነቢይ ሙሴ ከኣ ይሽገር ነበረ። ነዚ ዘስተውዓለ ሓምኡ የትሮ ከኣ፡ ምስቲ ኵሉ እግዚአብሔር ንሙሴ ሂብዎ ዝነበረ ጸጋን ኃይልን፤ ንሕዝቢ ናይ ምእላይን ምጕሳይን (ምምሕዳርን) ምሉእ ሓላፍነት ንበይኑ ብሒትዎ ስለ ዝነበረ ኣቕሪቡ ክገብሮ ብዛዕባ ዘለዎ ነገራት ብጥበብ ከምዝመኸሮ ቅዱስ መጽሓፍ የረድኣና። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ጽፈት ምሕደራ እዩ። ኣብ ክንዲ ንኵሉ ባዕሉ ክገብሮ ዝፍትን ኣብ ትሕቲኡ ዝተሓጋገዝዎ በብብርኩ ሰባት ክሸይም ዘመልክትን፤ እቲ ደደቂቕ ጒዳያት እቶም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ዝተሾሙ ክፈትሕዎ፤ ንሱ ከኣ ብዛዕባ ዝተገብረ ነገር በብደረጅኡ ጽማቝ ጸብጻብ ክቕበል ምኽሪ ዝልግስ ነበረ። ናይ እግዚአብሔር ሰብ ዝነበረ ሙሴ ግና መስተውዓልን፡ ክብርን ሥልጣንን ዘየዕሽዎ ትሑት ኣገልጋሊ እግዚአብሔርን ሕዝቡን ብምንባሩ፤ ንምኽሪ የትሮ ተቐቢሉ፤ ነቲ ማኅበር ናብቲ ናይ ምርኻብ ድንኳን ብምእካብ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዕዮ ምስ አሮንን ሰብዓ ሊቃውንትን (እቶም ዝተመርጹ) እናኣከበ ምዝርራብ ጀመረ (ዘጸ ፲፰፥፱-መወ/18፥9-መወ) ፤ እዚ ጉባኤ’ዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ናይ መራኸቢ ድንኳን ብሓድነት ደው ብምባል ብመንፈስ እግዚአብሔር ናይ ዝተሾሙ ናይ ካህናት ጉባኤ ምንባሩ ስዒቡ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። እቶም ኣባላት ናይዚ ጉባኤ’ውን ናይቲ ሕዝቢ ጾር ዝጾሩ ምንባሮም ተገሊጹ ኣሎ (ዘኁ ፲፩፥፲፮-፲፯/11፥16-17)። እምበኣር እዚ ጉባኤ እዩ ርክበ ካህናት ብወግዒ ምጅማሩ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዘረድኣና።

እዚ ጉባኤ ሌዋውያን’ዚ ብዘይካ’ቲ ካብ እግዚአብሔር ዝዋሃቦም ሥርዓት፤ ነቲ ዝተረፈ ብዛዕባ ክህልዎም ዝግባእ ሥርዓት ኣገልግሎት፦ ኣለባብሳ፤ ኣነባብራ፤ ኣቀራርባ መሥዋዕቲ፤ ኣከፋፍላ ኣሥራት በኵራት ተኣኪቦም ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ይውስኑ ነበሩ። እዚ ጉባኤ’ውን ነቲ ድኂሩ ዝመጸ ጉባኤ ኣይሁድ (ሳንሄድሬን) መሠረት ዘንጸፈ ምዃኑ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ኣብሪሁ ይገልጾ። ኣብ ዘመነ ብሉይ’ውን እዚ ጉባኤ’ዚ ከምቲ ኣጀማምርኡ ብዙኅ ነገራት የሳልጥን እወታዊ ሥራሕ ይዓምምን እኳ እንተነበረ፤ ብኣንጻሩ ኮይኑ ዝርከበሉ እዋን’ውን ነይሩ። እዚ ድማ ኣብ መጻሕፍተ ብሉያት ብሰፊሑ ከም እንረኽቦ፤ እቶም ንእግዚአብሔርን ሕዝቡን ከገልግሉ ዝተመርጹ ካህናት፤ ሓሓንሳብ ንእግዚአብሔር ዝብድሉሉን ትእዛዙ ብምጥሓስን ካብ ሕጉ ብምውጻእን ፍቓዶምን ሓሳቦምን ክፍጽሙን፡ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ዘይኮነስ ፍቓድ ነገሥታቶምን ክምልኡ፡ በቲ ዝብድል ሕዝብ’ውን ተመሊኾም ክኽዱ ይርከቡ ስለዝነበሩ እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ነቢያቱ እናተንሠአ ይወቕሶምን ይግስጾምን፡ ሓሓንሳብ’ውን ይቐጽዖም ነበረ። እዞም ነቲ ዝተቐደሰ ጉባኤ’ቲ ናብ ካልእ ክፉእ ሓሳባት ዝጠወዩ ካህናተ ኣይሁድ፡ ካብ ቅድም ኣትሒዞም ነቶም ዝቃወምዎም ዝነበሩ ነቢያት የጋፍዕዎምን ይቐትልዎምን፤ ነቲ ይቃወመና ንዝበልዎ ክፋል ቅዱሳት መጻሕፍቶም’ውን ይቐዱን ካብ ከብሕታቶም የጥፍእዎም ከምዝነበሩ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኣርጊጹን ኣስፊሑን ዝገልጾ እዩ። ግዳይ ዝኾኑ ከም እኒ ተረፈ ኤርሚያስ፤ ተረፈ ዳንኤል፤ ዕርገተ ኢሳይያስ፤ ራእየ ኤልያስ ወቦ ዘተርፈ ዝኣመሰሉ ቅዱሳት መጻሕፍቲ’ውን ናይዚ እንብሎ ዘሎና ሕማቕ ታሪኽ ተጠቐስቲ ኣብነታት እዮም። ሥርዓተ ጽዮን ብዝምልከት ሕዝቅኤል ኣብ ትንቢቱ ንዝጸሓፎ ክፋል መጽሓፉ’ውን ንምትራፍ ኣብ ከባቢ ፸ ዓ.ም. ዝገበርዎ ዘይሰለጠ ጉባኤ’ውን ውጽኢት ናይቲ ኣንፈቱ ዝሰሓተ ጉባኤ ኣይሁድ ነበረ። (መቅድመ ሕዝቅኤል ተመልከት)

ጺኒሑ’ውን እዚ ዓቢይ ጉባኤ’ዚ፡ ኣብ ክንዲ ብፍቕሪ እግዚአብሔር ሕዝቢ ዝኣልይ፤ ኣመንቲ ዘይክእልዎ ናቱ ሕጊ እናብዝኀ፤ ነቲ ሕዝቢ ጾር የሸክም ምንባሩ ኣብ ወንጌል’ውን ዝተገልጸ እዩ። ንውሱናት ኣርቢሑን ልዕሊ ሕጊ ኣቐሚጡን፡ ንዝበዝኁ ከኣ ኣብ ድኽነት ይሸመም  ነይሩ እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣግሂዱ ዝወቐሰሉ ምኽንያት’ውን ንሱ ነበረ። (ማቴ ፳፫፥፬-፳፫/23፥4-23 ማቴ ፲፭፥፭/15፥5)። እዚ ጉባኤ’ዚ፡ ኣብ መዋዕለ ስብከት ጐይታ ኣዝዩ ፍሉጥን ዝፍራህን ጉባኤ ኮይኑ ነበረ። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ሮማውያን ክነሱ፡ ብዘይካ ናይ ሞት ፍርዲ፡ ኣብ ኵሉ ጒዳያት ብዓል ምሉእ ሥልጣን ኮይኑ ይዓዪ ነበረ።

ንመድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ክሳብ ምስቃል ዘብጽሐ ክፍኣት ኣይሁድ ኣብ ቦትኡ ስለዝነበረ፤ ኣንፈቱ ዝሰሓተ ዓብሊሉ ብዝወጸ ጉባኤ ኣይሁድ ኣሉታዊ ነገራት ኣብ ዘመነ ብሉይ ይፍጸም እንተነበረ’ውን፤ ብሓፈሻ ግና ርክበ ካህናት ኣጀማምርኡን ፍሬኡን ኣብ ኣገልገሎት ካህናት ዘበርክቶ ኣዝዩ ብዙኅ እወታዊ ነገር ከምዝነበረ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። 

                                                                                                  ይቕጽል...




No comments:

Post a Comment