በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ መስከረም፤ ጋዜጠኛ ዞባ ደቡብ ኣቡበከር ዓብደልኣወል ምስ
፮ተ ብጾቱ (ሰኣልትን ጋዜጠኛታትን) ነበርቲ እቲ ከባቢ ብዝግባእ ንዝፈልጥዎ፤ ብደረጃ ሃገር ግና ዛጊት ብወግዒ ተፈሊጡ ንዘይጸንሐ
ሓደ እኩብ “ሙምያት”፤ በክዓር ኣብ ዝተባህለ ልጉስን ብሑትን ስፍራ ከምዝረኸቡ ኣብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣቓሊሖሙልና ኣለዉ።
ብካልእ ዜናዊ ስራሕ ኣብ ዕለት ቅዱስ ዮሐንስ ፳፻ወ፭ ዓ.ም. ኣብ ከባቢ እምባሶይራ (ሰንዓፈ) ብሥራሕ ኣብ ዝተንቀሳቐሱሉ እዋን፤
ምስ ደቂ ከባቢን ሠራዊትን ወዝቢ ብዝተለዓሉ ዝርርባት፤ ብዝረኸብዎ ጥሉል ሓበሬታ ተመሪሖም ናብዚ “ተፈሊጡ ናብ ዘይጸንሐ” ጥንታዊ
ስፍራ ምብጽሖም ምስ ምሉእ ተሓጓስ ኣበሲሮምና እዮም። እምበኣር ነዞም ሞያዊ ግዴትኦም ጥራይ ዘይኮነስ ሃገራዊ ፍቕሮም’ውን ደሪኽዎም
ብተገዳስነት ነቲ ዝሰምዕዎ ርጡብ ሓበሬታ፤ ናብቲ ግሁድ ዓለም ከቓልሕዎ ንዘርኣይዎ ሞያዊ ሥራሕ ዘሎና ናእዳን ሞገስን ከነቕርበሎም
ንፈቱ።
እምበኣር ጋዜጠኛ አቡበከር፤ ብዕለት 26 መስከረም 2012 ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ብዛዕባ’ዚ
ጕዳይ ኣብ ዝዘርግሖ ተወሳኺ መልእኽቱ “ዓቢ ዕዮ ገዛ ረኺብና” ብዝብል ርእሲ ካብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፤ ንውሑድ ነጥብታት መበገሲ ብምግባር፤
ዋላ ቍሩብ እኳ ካብ ምጥቓሱ ንሳቶም እንተተሓረሙ’ውን፤ እዚ ዓቢ ዕዮ ገዛ ብቀንዱ ንቤተ ክርስቲያን ከም ዝምልከት ስለእንኣምን፤
ብተመሳሳሊ ኣርእስቲን ፍረ ሓሳብን፤ ንሕናውን ብቀጻሊ ክንዛረበሉ ንዝጸናሕና ጕዳያት ሓቅነቱ ዘረጋግጸ ተርእዮ’ውን ስለዝኾነ፤ ገለ
ክስትውዓለሎም ንዝግብኦም ሓሳባት እወ “ዓቢ ዕዮ ገዛ ረኺብና” ኢና - ብቀዳምነት ግን ንመን? ብዝብል
ርእሲ መልስና ከነውፊ ብምባል ነዚ ሓጺር ጽሑፍ’ዚ ኣቕሪብና
ኣሎና። ሰናይ ንባብ፦


