Tuesday, October 2, 2012

ማርያም ኣሥመረይቲ (፫ይ ክፋል)

ታሪኽ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም 

እምበኣር እዛ ሎሚ ኣሥመራ ተደኵናትሉ ዘላ ከባቢ ዝነብር ሕዝቢ ኣምልኮቱ ካብ ጥንቲ ካብ ብሉይ ኣትሒዙ ይፍጽም ከምዝነበረ እዩ ዝንገር። ብፍላይ ከኣ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ይጥቀሙላን ኣምልኾቶም ይፍጽሙላን ዝነበረት ቤተ ጸሎት ኣብ ኣስታት 900 ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብዚ ከባቢ ብዝሰፈሩ ነገደ እስራኤል ዝተሓንጸት ምንባሩ ትውፊታዊ ናይ ቃል መረዳእታ ዘረጋግጾ እዩ። ኣብ ታሪኽ ከምዝፍለጥ በኵሪ ወዲ ንጉሥ ሰሎሞን ንዝኾነ ቀዳማዊ እብነ ምልክ (ምኒልክ) ኣሰንዮም ዝመጹ፤ ካብ ኵሎም ነገደ እስራኤል ዝተዋጽኡ እስራኤላውያን፤ ገለ ካብኣቶም’ውን ካህናተ ኦሪት ምስ መጻሕፍተ ብሉያቶም ከምዝነበሩ ይጥቐስ። እታ ዝሓነጽዋ ቤተ ጸሎት ከኣ ከም ልምዲ እስራኤላውያን ቤተ ጸሎት ወይውን ምኵራብ ኮይና ተገልግሎም ነበረት። ኣብኡ ከኣ መሥዋዕተ ኦሪት የዕርጉ ምንባሮም ይጥቐስ። ታቦተ ጽዮን’ውን ቅድሚ ናብ ኣክሱም ምምራሓ ምስቶም ዘሰነይዋ ኣብዚ ከባቢ ብኽብሪ ኣዕሪፋ ከምዝነበረትን፤ ንዝተወሰነ እዋን ከምዝቀነየትን ነቲ ቦታ’ውን ባሪኻቶ ምንባራ ብትውፊት ይጠቐስ እዩ። እቲ ኦሪታዊ እምነት፤ ናብ ሓዲሳዊ እምነት ክርስትና ምስ ሰገረ ከኣ እቶም ፬ተ ዓድታት ብስም ታቦተ ጽዮን ቅድስት ማርያም ኣባሪኾም፤ ቤተ ክርስቲያን ብሳዕሪ ሃዲሞም ኣህነጹ። እዚ ስለዝኾነ ድማ ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፤ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ምስ ኣክሱም ጽዮን ካብ ስያመን ክብረ በዓልን ኣትሒዙ ካልእ መንፈሳዊ ምትእስሳራት ዘጣቕልል ጥቡቕ ታሪኻዊ ዝምድና ከምዝጸንሓ ይፍለጥ። ዳሕራይ እዋን እቶም ኣርባዕተ ዓድታት ሓደ ኮይኖም ምስ ሓበሩ ኣብ’ቲ ታቦቶም “ዝታቦት ዘአርባዕተ አሥመራ ምስለ አህጉራ” ኢሎም ኣጸሓፉ። በዚ ከኣ ኣብ ከባቢ ኣርባዕተ ዓድታት ዝነበራ ዓድታት ከይተረፈ በዚኣ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ ይግልገላ ነይረን።

ከምዝፍለጥ ጥንታዊ ከባቢታት ኣሥመራ ዝበዘኀ ክፋሉ ብዱርን ሰፈር ኣራዊትን ዝተዓብለለ እዩ ነይሩ። ክሳዕ ቀረባ እዋን’ውን ብወሓይዛትን ንኣሽቱ ቀላያትን ዝጠለለ፤ ብሸኻታትን ልሙዕ ሳዕርታትን ዝመልከዐ፤ ብዕምባታት መሮር ዝተሰለመ ምንባሩ ይፍለጥ። ኣብዚ ከባቢ ዝነብር ሕዝቢ’ውን ኣብ ሰፊሕ ጐልጉል ናይዚ ከባቢ ብሕርሻን ጥሪትን ኣኺሉ ዝተርፍ እቶት ዝነበሮ ሃብታም ሕዝቢ ከምዝነበረ ይንገር። ብቤት ጸሎት እስራኤላውያን ዝጀመረት ምእኩል ቤተ ኣምልኮት’ውን ኣብቲ ዝቐደመ መዋዕል ዘመነ ሓዲስ ቀስ ብቀስ ምስ ምብዛኅ ሕዝብን ምጥርናፍ በበይኑ ዓድታትን ዓባይ ቤተ ክርስቲያን ኮይና ከምዝተሓንጸት ይጥቐስ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ናብ ግብጺ ኣብ ዝተሰደትሉ እዋን፤ እቲ ጕዕዞ ናብ ሃገርናን ከባቢናን ኣብ ዝቕጸለሉ እዚ ከባቢ’ውን ብፈጣሪ ወዳን ብኣኣን ብኪደተ እግሮም ይኹን ብቃሎም ከምዝተባረኸ ይንገር። ምምጻእ ኣቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን፤ ኣብ ፬ይ ክፍለ ዘመን ክርስትና ብወግዒ ኣብ ዝተኣታተወሉ እዋን’ውን፤ እዚ ከባቢ’ዚ ምስቲ ኣብ ድባርዋ ዝነበረ ማእከልነት ብምትሕሓዝ፤ ብምስፋሕ ስብከተ ወንጌልን፤ ምሕናጽ ሓደሽቲ ኣብያተ ክርስቲያናትን፤ ምምላእ ንዋያተ ቅዱሳትን ዝያዳ እናማዕበለ ከምዝኸደ ይፍለጥ። ዝጠንተወ ታሪኽ ናይዚ ከባቢ ኣብ ቦትኡ እንከሎ፤ ኣብ ፯ይ ክፍለ ዘመን ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ናብ እትርከበሉ ከባቢ፤ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዝያዳ ምትእኽካብ ሕዝቢ ከምዝቀጸለ ከኣ ይንገር። እቲ ብሓደ ቤተ ክርስቲያን ብሓባር ዝጥቀማ ዝነበራ ዓድታት፤ ኣብ ከባቢ 7ይ-8ይ ክፍለ ዘመን ግና ኣብ ነናተን ዓድታት ተወሳኺ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣህነጻ። እተን ዝተሓንጻ ኣብያተ ክርስቲያናት ከኣ እንዳ ቂርቆስን፤ እንዳ ገብርኤልን፤ እንዳ ጊዮርጊስን፤ እንዳ ቅዱስ ሚካኤል እየን። 

ታሪኽ ናይዚ ሕጂ ቆይሙ ዘሎ ቅርጺ ከተማ ብንጹር ዝገልጾ ነገር እንተደኣ ሃልዩ፤ ኣሥመራ ዝብል ስም’ውን ብሥምረት በብነገዶም ኣብቲ ከባቢ ብዝሰፈሩ ኣርባዕተ ዓድታት ዝተረኽበ ምዃኑ እዩ። እዚ ኸኣ ኣሥመራ ዝብል ስያመን ከተማን ብሓድነት ኮይንካ ጸላእትን ወረርትን ንምክልኻል ብምሕሳብ፤ ብምኽርን ጥበብን ኣንስቲ እዘን ዓድታት ብዘሥመረኣ ዝቖመትን ዝተማእከለትን ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ። ኣንስቲ ን፬ተ ዓድታት ሓደ ገበርኣ ኣሥመርኣ ማለት ከኣ እዩ። ኣብቲ ጊዜ’ውን ኣንስቲ ብዝገበረኦ ዋዕላን ኣድማን፤ ነቶም ሰብኡተን ኣገዲደን ከምዘሰምዖዖም ይፍለጥ። ናይቲ ሽዑ ካብ ወራሪ ጸላኢን ዘማትን እተከላኸለሉ ጥበብ፤ “ለይቲ ደረቶም” ዝብሃሉ ዋርድያታት ኣብ ከኵርባታቶም ኮይኖም ብምሕላውን፤ ብፋና (ሆየ) ብርሃን ነሕድሕዶም ብምርድዳእን እዩ። ጸላኢ እንተመጸ ከኣ ንሕዝቢ ካብ ድቃስ ለይቱ ንኽምክት የበራብርዎ ነበሩ። እዚ ኸኣ ብታሪኻዊ ገምጋም እተን ኣርባዕተ ዓድታት ሰሚረን (ሓቢረን)፤ ፬ተ ኣሥመራ ዝተሰየማሉ ጊዜ ኣብ ፳፩ ሕዳር ጽዮን ፲፭፻ (1500) ዓ.ም. ከምዝነበረ ብራናዊ መጽሓፍ ናይ ኣቡነ መርቆሬዎስ ይገልጽ። ገሊኦም ተመራመርቲ ታሪኽ ነቲ ጊዜ ኣቐድም ኣቢሎም ኣብ መጀመርታ ፲፬ ክፍለ ዘመን (1319-1320 ዓ.ም.) ምንባሩን፤ ሽዑ ድማ ማእከል እዘን ዓድታት ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ማርያም ከምዝነበረት ይጠቕሱ። እታ ቤተ ክርስቲያን ነተን ኣርባዕተ ዝተጠርነፋ ዓድታት ናይ ኣርባዕተ ኣሥመራ ኣገልግሎት ትህብን፤ ብመገዶም’ውን ትመኃደር ከም ዝነበረት ከኣ ዝተፈልጠ እዩ። ብትእዛዝ ንጉሥ ዘርአ ያዕቆብ ከኣ ኣብ 1434-1458 ዓ.ም. ኣሥመራ ከም ከተማ ከምእተፈልጠት’ውን ይጥቐስ። ብቀጻሊ’ውን ኣቡነ እንድርያስን (ሰፍአ) ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን ብሓባር ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ናብ ቅድስት ማርያም (ኣሥመራ) ይመጹ ከምዝነበሩ ኣብ ገድሊ ኣቡነ እንድርያስ ብሰፊሑ ዝተገልጸ እዩ። እምበኣር እቲ ንሳቶም ዝነበሩሉ ዘመን ኣብ ፲፫/13 ክፍለ ዘመን ምስ ምንባሩ፤ ኣብቲ ጊዜ’ቲ ብቝዕ ኣገልግሎት እትህብ፤ ብደረጃ ሃገር’ን ከባቢናን ስምይቲ ቤተ ክርስቲያን ከምዝነበረት ከነስትውዕል ዘገደድና ታሪኽ እዩ። ንኣቡነ እንድርያስ’ውን ኣብ ምድሪ ሓበላ ጉበር እንከለዉ እዮም ድማ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተገሊጻ ኣብ መቅደሳ ክቕድሱ ዝነገረቶም። ከምቲ እቲ ታሪኽ’ውን ብሰፊሑ ዝንገር ነቲ ኣብ ከባቢ ኣሥመራ ዝነበረ እሞ መገዲ ዓጽዩ ዘደክሞም ዝነበረ ዓቢይ ጎቦ ብተኣምራቶም ኣልዒሎም ዘግዓዝዎ ናብዛ ቤተ ክርስቲያን ንኣገልግሎት ይመጹሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እዩ።

ከምዝፍለጥ’ውን ከባቢ ኣሥመራ ግዳይ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ባሕሪ ድዮም ሩባ ሰጊሮም ዝመጹ ወረርትን፤ ዘመትትን ኮይና ጸኒሓ ነይራ። እዚ ኸኣ ነቲ ሽዑ ናይ ዝነበረ ልዕልና ምዕባሌኣን ተጠማቲ ብዝኂ ሕዝብን ዘመልክት እዩ። ተቐመጥታ’ውን ከይፈተዉ ሠሚሮም ክከላኸሉ ይገደዱ ደኣ እምበር፤ ፈጺሞም ውሑስነት ይረኽቡ ስለዘይነበሩ ገሊኦም ነበርታ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገር ፈቐድኡ ፋሕፋሕ ኢሎም ይቕመጡ ምንባሮም ይፍለጥ። ንኣብነት ኣብ 1866 ዓ.ም. ኣሥመራ ከም ሓፈሻዊ ማእከል ግዝኣት ባሕሪ ነጋሽ ጉራዴ ዘርኣይ ኮይና ከተገልግል ጀሚራ እኳ እንተነበረት፤ ኣብ 1873 በቶም ኣብ ባፅዕ ዓስኪሮም ብዝነበሩ ምስራውያን ዝወረዳ ስርቅን ዝምታን ክጥቐስ ይከኣል እዩ። ነዊሕ ኣይጸንሐን ደኣ እምበር፤ ኣብ 1884 ዓ.ም. ኣዛዚ ሠራዊት ሃጸይ ዮሐንስ ዝነበረ ራእሲ ኣሉላ መዓስከሩ መሥሪቱላ’ውን ነይሩ እዩ። እታ ቤተ ክርስቲያን’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜ ዝተፈላለየ ዕንወት በጺሕዋ እዩ። ካብኣቶም’ውን እቶም  ኣብ 10ይ ክፍለ ዘመን ብሠራዊት ንግሥቲ ዮዲት (ጎዲት እሳቶ)፤ ከምኡውን ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ድማ ብወራር ኣሕመድ ግራኝ ኣብ ልዕሊኣ ዝወረደ ፍጹም ዕንወት ብፍሉይ ይጥቐስ። ኣብቲ ብ ፲፮/16 ክፍለ ዘመን ፖርቱጋላዊ ኣባል ሚሲዮናውያን ጽሒፉ ዝገደፎ ታሪኻዊ መዘከርታ ከምዘምልክቶ፤ እታ ሽዑ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ቅርጻ ቅኑዕ ኵርናዕ ኮይኑ ኣዝያ ዓባይ ሕንፃ ከምዝነበረት እዩ ገሊጹ። ኣብ ውሽጣ ከኣ 12 ኣዕኑድ ከምዝነበራን 3 ማይ ቤት ኣብ ውሽጢ ከፋፊልዋ ምንባሩን ነፍስ ወከፍ ድማ 6 ብ6 የቕውም ከምዝነበረ ገሊጹ ኣሎ።

ብድኅሪ ሥዕረት ኣሕመድ ግራኝ ግና ኣብ መፈጸምታ ፲፮ - መጀመርታ ፲፯ ክፍለ ዘመን ንጉሥ ገብረ መስቀል ካብቲ ዝነበራ ቅርጺ እንደገና ብምቕያር ዳግማይ ከምዝሓነጻ ይፍለጥ። ብኸምኡ ከኣ ዳግማይ ተሓኒጻ ኣገልግሎታ ትህብ ነበረት። እዚ ይኹን እምበር እንደገና ብ1916 ዓ.ም. ፈረንጂ ብሰንኪ ዝወረደ ብርቱዕ ዝናም እቲ ናሕሲ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ስለዝፈረሰ፤ ሽዑ ኸኣ ሃገርና ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያውያን ብምንባራ፤ ገዛኢ ድማ ገዛኢ ምዃኑ ስለዘይተርፎ፤ ኢጣልያውያን ነታ ዝፈረሰት ቤተ ክርስቲያን ዳግማይ ንምሕናፁ ፍቓድ ክህብ ነይርዎም። ኢጣልያዊ መግዛእቲ ንኣሥመራ ዋና ከተማ ኤርትራዊት ግዝኣቱ ገይሩ ብምእዋጅ ቀዳምነታት ዝሠርዖ ካልእ ነገር ብምንባሩን፤ ብሓደ ወገን ድማ ከም ኣካል መግዛእቲ ነቲ ካቶሊካዊ እምነቱ (ብደገፍ ለኣኽቱ ቫቲካን) ንምስፋሕ ይጽዕር ብምንባሩን ከምዚ ዓይነት ሕቶታት ብእወታ ዝጥመት ኣይነበረን። ከም ኣብነት ባሕቲ ጥሪ ብ1890 ዓ.ም.ፈ ንኤርትራ ከም በኵሪ መግዛእታዊ ግዝኣቱ ዝኣወጀ ኢጣልያ፤ ተቐላጢፉ ንሱ ብዝሃንደሶ ውጥን ሰፈራን ካልእ ጐድኒ ጐድኒ ዘካይዶ ሰፊሕ መደባት ህንጸታቱ፤ ንማእከል ከተማ ኣሥመራን ኣገደስቲ ቦታታትን ብካቶሊካውያን ኣብያተ ጸሎት ክውቅበንን፤ ምልክትን እምነትን ግዝኣቱ ክገብሮን፤ ንኸምኡ ዝኸውን ከኣ ሰፋሕቲ ቦታ ክሓዝእን፤ ኣብታ ዝጸንሐት ጥንታዊት ኦርቶዶክሳዊ ሃይማኖት ጸብለልትነቱ ከርኢ እዩ ዝጓየይ ነይሩ። ንኣብነት ገና ኣብ ኣሥመራ ከይኣተወን ምሉእ ንምሉእ ከይተቖጻጸርን፤ ብ1895 ዝሓነጾ ሳን ማርኮ (ቅዱስ ማርቆስ ሕጂ ካቴድራለ) ዝጥቐስ እዩ።

ስለዚ ጒዳይ እንዳማርያም’ውን ኣብ ጠልጠል እንከሎ፤ ድኅሪ ጻዕሪ ነበርቲ ዓዲ ብ1920 ዓ.ም. ፍቓድ ምስ ተረኽበ፤ እዛ ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ቤተ ክርስቲያን ከም ብሓድሽ ተሓንጸት። ገዛኢ ኢጣሊያ ከተማታት ብዝተፈላለየ ኢንተርናሽናል ቅዲ (ኣርት ዲኮ) ክሃንጽ ላዕልን ታሕትን እናበለ ብዙኅ ወፍርታት እኳ ይገብር እንተነበረ፤ ጓና ጓና ምዃኑ ስለዘይተርፍ ነዛ ቤተ ክርስቲያን ግና ንጣብ ዝኣክል ሓገዝ ኣየበረከተን። ይኹን ደኣ እምበር ነቲ ሥራሕ ተኮናቲሩ ይሠርሕ ዝነበረ ኢጣሊያዊ ኢንጂነር ጋሎ፤ ኣብቲ ሕንፃ ዝተጠቕመሉ ቅዲ ነቲ ዝጸንሐ ባህላዊ ኣሰራርሓ ፈጺሙ ከይለቀቕ ዘመናዊ መልክዕ እዩ ኣትሒዝዎ። ብዘይካ እቲ ኣብቲ ሩቡዕ ኵርናዕ ቤተ ክርስቲያን ዝረአ ጥንታዊ ሠረት ዘለዎ ኣነዳድቓን ኣጸፋጽፋን ኣእባን፤ እቲ “ርእሲ ህበይ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ቅዲ ጥንታዊ ሕንጻ ሃገርና ኣብ ርእሲ እንዳ ደወል ዝርከብ ኣጕዶኣዊ ኣተሓናንጻ ክስተውዓል ዝከኣል እዩ። ገዛኢ ኢጣልያ ጽባቐ እንዳማርያም ኣተሓሳሲብዎ ይመስል፤ እንደገና ልዕልንኡን ዓብላሊነቱኡን ከርኢ፤ ነታ ቤት ጸሎቱን ማእከል ካልእ ንጥፈታት እምነቱ ዝነበረት ሳን ማርኮ ኣፍሪሱ፤ ብ1922-23 ኣስፊሑ ሓኒጹ ብካቴድራል ተከኣ። እቲ ንእንዳማርያም ዝሓነጸ ኢንጀነር’ውን፤ እንደገና እዛ ሕጂ ምልክዕትን ብልጽትን ዘላ ቤተ ክርስቲያን ኣብ 1938 ዓ.ም. ፈረንጂ ካብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ሕንፃ ነቲ ባህላዊ ዝነበረ ኣሠራርሓ ብዝያዳ ዘመናዊ መልክዕ ዘለዎ ገይሩ ኣወቀቦ። መዘከርታ ሥርሑ ዝገልጽ ጽሑፍ ከኣ ኣብ እምነ በረድ ወቂጡ ብወገን ደቡብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣንበሮ። ዕብየት ልዕልናን ጥንታውነትን እዛ ርእሲ ኣድባራት ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ብዘመስክር ኣገባብ ከኣ፤ ኣብቲ ዕለት ምምራቕ እዛ ቤተ ክርስቲያን’ዚኣ ካብ ኵለን ገዳማት ኤርትራ ዝመጽኡ መነኮሳት ከምኡ ድማ ዓበይቲ ሰብ ሥልጣን ገዛኢ መንግሥቲ ኢጣልያ ተሳቲፎም ነበሩ።




1 comment: