Tuesday, October 9, 2012

“ዘይቅላዕ ክዱን፤ ዘይፍለጥ ድማ ስዉር የልቦን” ማቴ ፲፥፳፮ (ቀዳማይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ መንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ኣብ ምሉእ ዓለም እትርከብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ኣብ ምንታይ ደረጃን፤ ኵነታት ምፍልላይን ትርከብ ከምዘላ ካብ ዝኾነ ምእመንን ኣገልጋሊን ዝተሠወረ ኣይኮነን። ጠንቁን ምዕባሌታቱን ብዘየገድስ፤ ካብዚ ዕግርግርን ነውጽን ዝኸስብ ኣካል እንተዘይኮይኑ፤ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደገኛ ኵነታት ግና ዘይሓዝን ፈታዊ ቤተ ክርስቲያን ኣሎ ክብሃል ኣይከኣልን። ኮይኑ ድማ ስለቲ ዘሎ ርኡይ ጸገማት ምዝርራብ ንመፍትሒኡ ሓጋዚ እኳ እንተኾነ፤ ልዕሊ ኵሉ ግና ካብ ላዕለዋይ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ቅዱስ ሲኖዶስ ክሳዕ እቶም በብደረጅኡ ዘለዉ ብቀጥታ ዝምልከቶም ታሕተዎት መሓውራት ቤተ ክርስቲያን፤ ከምቲ ዝግባእ ይዓዩን ንመፍትሒታት ዝዓለመ ተበግሶ ክወስዱ ይረኣዩ ብዘይምህላዎም፤ እቲ ዝኸፈአ ኣካል ናይቲ ሽግር ይኸውን ከምዘሎ ዝሰሓት ኣይኮነን። ኣብ ጉዕዞ ክርስትና፤ ዘይትፈተን ቤተ ክርስቲያን ክትህሉ ኣይትኽእልን እያ። ስለዚ ድማ ንታሪኽን ህልዊ ኵነታትን ነፍስ ወከፍ ኣኃት ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናት ክንርኢ ከሎና፤ ይብዛኅ ይውሓድ ነናተን ዝተፈላለየ ዓይነትን መጠንን ዘለዎ ፈተና ክገጥመን ጸኒሑን ኣሎን። ናትና ግና ዝተፈልየ ጥራይ ዘይኮነስ ፍሉይ’ውን እዩ። ከመይ እንተበልና ቃንዛ ፈተናና ኣንፈት ዘይብሉ እዩ።
ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ዘለዉ ገጻተ ብዙኅን ኵሉ ማእዘናዊ ሽግራት ተጸቢጽቦም ዝውድኡ ኣይኮኑን። ሎሚ ንእንረከበሉ ኵነታት ቤተ ክርስቲያን ጠንቂ ዝኾኑ፤ እጃሞም ዘበርከቱ ኣካላት ኣዝዮም ብዙኃት ጥራይ ዘይኮኑስ ዓይነቶምን መበገሲ ዕላማታቶም’ውን ክንዲኡ ብዙኅ እዩ። እቲ ሓደ ሽግር ከይተፈትሐ፤ ኣብ ርእሲኡ እቲ ካልእ ሽግር ይድረብ ብምህላዉ ድማ ቤተ ክርስቲያንና ከም ወሰን ግራት፤ ወይውን ሓጹር ከምዘይብላ ግራት ዘዝመጸ ክቕንጥባን፤ ፍሬኣ ክጽይቕን ይረአ ኣሎ። እግዚአብሔር ብምሕረቱ ይጠምተና እምበር፤ መጠን ብዝኂ ናይቲ ዘሎና ሽግር ብኸምዚ ኣካይዳ ቍሩብ እኳ እንተቐጺሉ ናብ ኸመይ ዓይነት ደልሃመት ክንኣቱ ከምእንኽል ንምግማቱ ክኢላ ብዓል ሞያ ወይውን ነቢይ ምዃን ኣየድልን እዩ። ንመፍትሒታቱ ክግበር ብዛዕባ ዘለዎ ነገራት ዝተፈላለዩ ግዱሳት ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለየ ሓሳብ እንተለዎም’ውን፤ ብዝበዝኁ ግና ዝሰማምዑሉ ሓደ ነጥቢ ኣሎ። እዚ ኸኣ ከምቲ ሕማቕ ጨና ዓሣ ካብ ርእሱ ምዃኑ ብምሳሌ ዝንገር፤ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን’ውን እቲ ዝዓበየ ጠንቂ ሽግራት ብቝዕ ዘይኮነ ላዕለዋይ መንፈሳዊ ምምሕዳርን፤ መሓውራቱን ምዃኑ እዮም ዝጠቕሱ። እቲ ርእሲ እንተዘይጠዓየን፤ ምስ ምሉእ ጥዕናኡ ድማ ክዓዪይን እንተዘይክኢሉ እቶም ካልኦት ኣካላት ከምቲ ዝግባእ ክሠርሑ እዮም ኢልካ ምሕሳብ ዕሽነት እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ከም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ዘሎ ሽግር፤ እቲ ምምሕዳራዊ ጕድለት ጥራይ ዘይኮነስ ንርእሱ እቲ “ምምሕዳር” ዝብሃል ኣካል፤ ኣሳሳዪን ንዕንወት ዝተዓጥቐን፤ ኣካል ናይቲ መፍትሒ ዘይኮነስ ኣካል ናይቲ ሽግር ኮይኑ ክርከብ ከሎን፤ ንካልኦት ኣጽራር ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ኣካላት ድማ መጋበርያ ኮይኑ ክቐውም ከሎ ኣዝዩ ዝኸፈአ ከምዝኸውን ጥርጥር የብሉን። እምበኣር እቲ መፍትሒ ክመጽእ እንተኾይኑ’ውን ካብ ርእሲ ክጅምር ከምዘለዎ ዝከሓድ ኣይኮነን።

ኣብ ነፍስ ወከፍ ዓውዲን ኣካላትን ቤተ ክርስቲያን (ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ) ክብሃል ዝከኣል ዝርዝራዊ ጸገም ብዙኅ እኳ እንተኾነ፤ እቶም ሽግራት ባዕላዊ ወይውን ውሽጣዊ ጥራይ እዮም ኢልካ ምሕሳብ’ውን ግርህነት እዩ። ካብ ኵሉ ግና እቲ ኣስጋኢን ህጹጽ ኣቓልቦን ፍታሕን ዘድልዮ ድማ ንጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ከዳኽሙን፤ ኣይ ምዉት ኣይ ስሩር ኮይና ክትነብር ዝቅጥቕጥዋን፤ ኣባጊዓ ክገልባን እተባረራ ኮይነን ክተርፋን፤ ግዳይ ተዃሉ ክገብርወን፤ ጓሶታ ብኽሕደት ዝወቕዑ ናይ ዘመንና ረቀቕቲ መስሓትያን ክሳዕ ላዕለዋይ ኣካል ቤት ጽሕፈት ተሰግሲጎም፤ ብገሊኡ’ውን ምስቲ ምምሕዳር ዝብሃል ኣካል ኢድን ጓንትን ኮይኖም፤ ካብዚ ኣብ ወጻኢ ብዝምጠወሎም መሳለጥያታትን መደባትን፤ ኣብ ምሉእ ሃገር ብዝዘርግሕዎ ጨናፍራትን ርቱዕ ሃይማኖትና ንምብካል፤ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲይን ንምብራዝ ዝኸተልዎ ዘለዎ ኣካይዳ ልዕሊ ኵሉ ሓደገኛ ምዃኑ ዘይንክሕዶ ግሁድ ሓቂ ይኸውን ኣሎ። ብኸምኡ እንተሰሊጥዎም ጽቡቕ፤ ኣይሰለጦምን ድማ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ክልተ ኸፊልካ እቲ ምስ ዓለማዊ ኣካላት ተመሓዚኻ ድጉል ዕላማኻ ብስም ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ንምትግባር ዘሎ ምጕያይ ላዕልን ታሕትን ድማ ኣብ ከከባቢና ንርእዮ ዘሎና ኣካል ናይቲ እኩይ ዕላማ እዩ።

ከምዚ እናበልና ብቀጻሊ እንጠቕሶ መለበሚን ጠንቀቕታን ምናልባሽ ብገሊኦም ኣካላት ስም ንምጽላም ተገይሩ ይውሰድ ከይህሉ ዘስከፍና ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ እቲ ሓቂ ንሱ ምዃኑ ኣጸቢቕና ስለ እንፈልጦን ምስ እኹል መርትዖታቱ ከኣ ስለ እንርድኦን እዩ። ኮን ዶ ኾን ካብ ሎሚ ጽባሕ ይልብሙን ካብ ጌጋኦም ይምለሱ ይኾኑ እናበልናን፤ ምናልባሽ’ውን ግዳይ ካልእ ዝኸፈአ ሳዕቤን ከይኮኑ ዕድል ንምሃቡን፤ ከምኡውን ዕንቍ ዝኾነ ውሽጣዊ ጕዳያት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ቅድሚ “መፋልስ” ከይንድርብዮ ተሰኪፍና እምበር፤ ኣብ ኢድና ንዝበጽሕ ዘሎ መርትዖታት ምዝርግሑን ምቕልዑን ጠፊኡና ኣይኮነን። ናይ ጊዜ ጉዳይ እምበር፤ ስለ ሓድነትን ክብርን ቤተ ክርስቲያን ክንብል ግና ንኵልሳዕ ብኣርምሞ ወይውን ብናይ መለበሚ ቃላት ጥራይ ብትዕግሥቲ ንሓለፎ ማለት ግና ኣይኮነን።

ንሰባት ብዛዕባ “ተዃሉ” ክንነገርን ከነጥንቅቕን ናትና ናይቶም ድኹማት ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ኵሉ ፈታዊ ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት ምዃኑ ኣጸቢቕና ስለእንርድኦ ኢና ድማ ነዚ ኣርእስቲ ደጋጊምና ከነዕልዕሎ ንግደድ ዘሎና። እናተዘመትካ ትም ምባል ካብ ክሕደት ዘይንእስ በደል ምዃኑ ድማ ንዝንግዖ ኣይኮናን። ከምቲ ኣብ በረኻ ዝሓደረ ፈራህ ሰብ’ውን እናተበላዕና ትም ክንብል ኣይንደልን ኢና። ሓደ እዋን ክልተ ሰባት ኣብ መሮር በረኻ ወፊሮም፤ ስለዝመሰዮም ኣብቲ በረኻ ጥቕልል ኢሎም ደቀሱ ይብሃል። ኣጋ ፍርቂ ለይቲ ዝብኢ መጸሞ ንናይቲ ሓደ ፈራህ ሰብ እግሪ ክተናኽፎ ጀመረ። ኮርማሕ ዝብል ድምፂ ዝሰምዐ እቲ ካልኣዩ ካብ ድቃሱ ሰንቢዱ ተበራቢሩ “እንታይ እየ ዝሰምዕ ዘሎኹ ኣታ” ኢሉ ነቲ ዝብኢ ዝተናኽፎ ዘሎ ብጻዩ ሓተቶ። እቲ ፈራህ ግና “ትም በል፤ ትም በል፤ ዝብኢ እዩ እግረይ ዝተናኽፈኒ ዘሎ” በሎ ይብሃል ይብሉ ኣቦታት ብምስላ ክምህሩ ከለዉ። ሎሚ’ውን ውሑዳት ዘይኮኑ ሰባት፤ እንታይ ገደሶም “ትምህርትን ስብከትን ጥራይ ዘይጽሕፉ” ዝብል ኅሊና ክህልዎም ይኽእል ይኸውን። በጨቕ ዘብሉልና’ውን ካብዚ ግርህነት ዝተመልኦ ኣበሃህላ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ንሕና’ውን ቀሲንና ቃለ እግዚአብሔር ክንመሃር፤ ብዛዕብኡ ጥራይ ክንዛረብን ደስ ምበለና። ግና ዘራጊ ከሎ ጽሩይ ማይ ነይስተ ከምዝብሃል፤ ቤት ኣቦና መሻየጥን መናገድን እናገብርዎ፤ ኣባጊዕ ክርስቶስ እናተዘምታ ከለዋ ትም ምባል ብቃል ቅዱስ መጽሓፍ ይኹን ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ቅቡል ኮይኑ ኣይረኸብናዮን። ሎሚ ኵልና ፈሪህና ወይውን እንታይ ገደሰና ኢልና ትም ምስ እንብል፤ እቲ እግርና ዝተናኽፍና ዘሎ “ዝብኢ” ጽባሕ ናበይ ከምዝመጽእ ኣይጠፍኣናን እዩ። ይብልዓና ኢልና ትም እንተደኣ ኢልና፤ ጽባሕ ናብ ቤት ነፍስ ወከፍናን ደቅናን ከምዝመጽእ ክንስሕቶ ዘይብልና ሓቂ እዩ።

እምበኣር በዚ ይኹን በቲ፤ ካብ ኵሉ መፍትሒታት ናይቲ ሽግር እቲ ዝበለጸ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር፤ ስለታ ኣፍደገ መንግሥተ ሰማያት ዝኾነት ቤቱን፤ ቤተ ክርስቲያንናን ጸሎትን ጾም … ዝርከቦ መንፈሳዊ ኣካይዳ ምምኅፃን ምዃኑ ንሕና’ውን እምነትና ንሱ ምዃኑ ኣርጊጽና ንፈልጥ ኢና። ስለተዛረብና ጥራይ መፍትሒ ይመጽእ ወይውን ይዕገት ማለትና ከምዘይኮነ’ውን ድማ ርዱእ እዩ። ግና ነቲ ሓቂ እወ፤ ነቲ ሓሶት ድማ ኣይፋል ክንብል ትእዛዝ ጐይታ እዩ። ንኵሉ እወ ምባል፤ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ምባል ቅኑዕ ኣካይዳ መንፈሳውነት ኣይኮነን። ሰለዝኾነ ድማ ኵልና ስለታ ጐይታ ዘይግባእ ነገር ክፍጸመላ ንዝረኸባ እሞ ዘጽረያ ቤቱ፤ ንሕና’ውን ስለ ቤቱ ክንቀንእን፤ ግዝፊ ናይቲ ዘሎ ጸገም ብዘይገድስ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ግቡእ ሓዋርያዊ ተልእኾኣ ንኽትፍጽም ዘላትና ውሑድ ዓቕምና ከነበርክት ይግባእ። ብዓቢኡ ኸኣ ኣምላኽ ንቤቱ ስለዝሕሉ፤ እቶም ገበርቲ እከይ ንጊዜኡ ንሰባት ከጋግዩ ይፈትኑ እምበር ንሓዋሩስ ኪሰልጦም ከምዘየፍቐደሎም ንኣምን ኢና። ነቲ ቅዱስ እግዚአብሔር ዝገብሮ ብጸሎት እናለመንና፤ ብተስፋ እናተጸበናን፤ ኵልና በብዘሎናዮ ተንሢእና ክንዓዪይ ድማ ግቡእ እዩ። እቲ ቅዱስ ወንጌል “ዘይቅላዕ ክዱን፤ ዘይፍለጥ ድማ ስዉር የልቦን” ይብል እዩ እሞ ኣብ ጊዜኡ ኵሉ ኣብ ብርሃን ምስ ወጸ፤ እቲ ጸልማት ከኣ ክጋሃድ እዩ። ድሮ እኳ ኣብዞም ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዝተፈጸሙ ተግባራት ተስፋ ዝህቡ ኮይኖም ረኺብናዮም ኣሎና። 

No comments:

Post a Comment