Saturday, October 6, 2012

ስለ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ተዋሕዶ ጸሎት ይግባእ።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። 

ርእሰን ብርእሰን ዝመኃደራ፤ ነናተን ፓትርያርክ ዘለዎን ኣኃት ኦሪየንታል ኣብያተ ክርስቲያናት (ተዋሕዶ) ፮ተ እየን። ንሳተን ድማ ኣብያተ ክርስቲያናት ኤርትራ፤ ኢትዮጵያ፤ ግብጺ፤ ሶርያ፤ ኣርመን፤ ህንዲ ምዃነን ድማ ይፍለጥ። እዚአን ጥንታውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ድማ ብዶግማዊ ትምህርተን ዝዛመዳን፤ ብሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ዝመሳሰላን፤ ንጉባኤ ኬልቄዶን ብምቕዋምን ብምንጻግን ከምኡ ድማ ወልድ ዋሕድ ብምባለን ሥሙራትን ብምሥጢራት ቤተ ክርስቲያን ሓድነታዊ ኣካይዳ ዘለዎን እየን። ዝምድናን ስድራ ቤታዊ ኣካይዳ እዘን ኣብያተ ክርስቲያናትን፤ ናይ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ተበግሶአን ከምቲ ዝድለ እኳ እንተዘይኮነ፤ ኣብ ዓበይቲ ጕዳያት ዘለዎም ሓባራዊ ተበግሶን ጽልዋን ግና ብቐሊሉ ዝረአ ኣይኮናን። እዘን ኣብያተ ክርስቲያናት፤ ነቲ ሓዋርያዊ ትምህርቲ ኣጥቢቐን ብምሓዘንን ብምስዓበንን፤ እተን ካልኦት ብዝነበረን ኃይሊ ሥጋን ጸግዒ ዓለምን ዓቢለለን ክደፍንዖ ንዝፈተና ሓቂ ብምቕልሐንን፤ ንምድኻመንን ንምብትታነን ዝዓለመ ግዳይ ዝተፈላለየ መሠሪ ተንኮላትን፤ ውዲታት ዓለማዊ ጸግዒ ዘለዎም እምነታት ከምዝነበራን ከምዘለዋን ታሪኽ ዝዛረበሉ እዩ። ኣብ ነፍስ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ናይዘን ሃገራት፤ ኣብ ውሽጠን መናፍቃዊ ትምህርቲ ንምዝራእን፤ ብስም “ተሃድሶኣዊ” ምንቅስቓስ ጥንታዊነተን ንምብራዝን፤ ጐጃጂልካ ንምድኻመንን ንምሕቓቐን ዝተገብረ ኵሉ መደያዊ ምትእትታው ታሪኽ ዝምስክሮ ምዝጉብ ሓቂ እዩ። 
ሰይጣን ሒዘንኦ ነዘሎዋ ሓቂ ክብርዝ፤ ምእመናን ምእመናትን እዘን ሃገራት ኣብ ከቢድ መከራን ሰፍ ዘይብል ሽግራትን ከጥሕለንን፤ ብዙኃት ኣባላተን ድማ ከምቲ ብዘመን ኣላውያን ነገሥታት ዝፍጸም ዝነበረ ሰማእትነት፤ ኣብዚ ዳኅረዋይ ዘመን ክኻፈሉን፤ ደም ምእመናነን ከም ውሑጁ ክዛሪዪ ዝተራእየሉ ኣጋጥሚ ውሑድ ኣይኮነን። ጠንቁ ብዘየገድስ ድማ ጸላኢ ሰናይ ዲያብሎስ ኣብዘን ሃገራትን ሕዝብታትን፤ ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ ግርጭታት ብምውላዕን ብምጕሃሃርን፤ ክቡራንን ክቡራትን ደቂ እዘን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ መጋርያ ሓዊ ተጠቢሶም እዮም። ብሥጋ ወለዶም ዝኾኑ ስድራ ቤቶምን፤ ብመንፈስ ዝወለደት ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣብ ዓቢይ ሓዘንን ጓሂን ብተደጋጋሚ ክኣትዉ ተራእዮም እዮም። ብሰንኪ እዚ ድማ፤ እዘን ኣብያተ ክርስቲያናት ደቀን ብምስኣነን ጥራይ ዘይኮነስ፤ እቲ ሓዊ ብቀጥታ ስለዝልብልበን ኣብ ቀጻሊ ኣገልግሎተንን ሓዋርያዊ ተልእኾአንን ብዙኅ ዕንቅፋትን ምስንኻልን ምድካምን ከጋጥመን ተራእዩ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ዝተፈጸመ ዘስክሕ ሰማእትነት ኣርመናውያን፤ ክሳዕ ሎሚ ዝቕጽል ዘሎ ናይ ቅብጣውያን ሰማእትነት፤ ሎሚ ሶርያውያን ምእመናን ኣብ ክልተ ሓዊ ተቐርቂሮም ዝረኽብዎ ዘለዎ ጭንቅን ሰማእትነትን፤ ብዘመን ካቶሊካዊት ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ምእመናን ኢትዮጵያ፤ ከምኡውን ቅድሚ ቍሩብ ዓመታት ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ሰማእትነት ከም ውሑድ ኣብነት ክጥቐስ ዝከኣል እዩ። ኣብ ሃገርና’ውን ከምቲ ዝግባእ ኣይተሰነደን እምበር፤ በቶም ዝነበሩ ድርብርብ መግዛእታውያን ሥርዓታት ኣብ ምእመናንን ቤተ ክርስቲያንን ዝተፈጸመ መከራን ሰማእትነትን ብቀሊሉ ዝግመት ኣይኮነን። ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ይኹን ድኅሪ ናጽነት ዝተገብረ ኵናት’ውን ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያናትን ደቀንን ክሳዕ ክንደይ ጕድኣት ከምዝበጽሐንን፤ በሰልኡ ድማ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ እቶም ግዳያቱ ኣጸቢቕና እንርድኦ እዩ። 

ብተዛማዲ ዝኾነ ዝኽሠት ዓቢይ ይኹን ንእሽቶይ ሽግር ናቱ ዓለማዊ መግለጽን ምኽንያታዊ ትንታነን ይወሃቦ እዩ። እቲ ዓለማዊ ትርጓሜኡን ምኽንያታዊ ገጻቱን ናይቲ ሽግር ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፤ መንፈሳዊ ትርጉምን ከም ኣካል ናይቲ ሽግር ቤተ ክርስቲያናዊ ገጻቱ ምርኣይ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ይኸውን። ምኽንያቱ ኣብ ሃገራት ዝመጽእ ሽግር፤ ነተን ኣብ ውሽጢ ዝረከባ ኣብያተ ክርስቲያናትን ደቀንን ኣብ ኵሉ መዳያዊ ሕይወተን ምትንካፉ ዘይተርፍ ስለዝኾነ፤ ቤተ ክርስቲያናዊ ትንተናን ሳዕቤኑን መፍትሒታቱ ምግላጽ ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከገድሳ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ልዕሊ ኵሉ ሰላም ክሳዕ ክንደይ ንዓለምን ቤተ ክርስቲያንን ኣገዳሲ ምዃኑ ምግላጽ ካብ ቤተ ክርስቲያን እንጽበዮ ነገር እዩ። ስቕ ኢልካ ብብሓዋርት ምኻድ ግና፤ ኣብ ዘይትወጾን ዘይተዳለኻሉን ታኼላ ከእትወካ ስለዝኽእል፤ ኵልሳዕ ቦሳላ ኵነታት ዓለም ናበይ ገጹ የምርሕ ኣሎ ኢልካ ምምርማርን ክግበር ብዛዕባ ዘለዎ ንምእመናን ምዝክኻርን ምንቓሕን ለባምነት እዩ። 

ዓለም ኣብዘን ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝረኣየቶ ነውጺ፤ ጠንቁን ውጽኢቱን ብዘየገድስ፤ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶን ደቃን ግና ረስኒ ናይቲ ሓዊ፤ ምረት ናይቲ ሽግር ለብሊብዎን እዩ። ይትረፍ እተን ሎሚ ምእመናን ተዋሕዶ ብብዝኂ ዝረከበለን ሃገራት፤ እቲ ነውጺ ኣብ ዝተኸሥተሉ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ቦታታት ዝርከቡ ውሑዳትን ተረፍ ጥንታውያን ዓቀብቲ ክርስትና ተዋሕዶ ዝኾኑ ምእመናን ኣብ ዘዘለውዎ እቲ ሓዊ ኣረኻኺቡለን እዩ። ሳዕቤን ናይቲ ዝካየድ ነውጺ ድማ ኣብ ምትፍናን ምዕራባዊ ዓለምን እቲ ካልእ ዓረባዊ ዓለምን ጥራይ ተባሂሉ ዝውሰን ዘይኮነስ፤ ናብ ምትፍናን ክልተ እምነታት ይዛዙን ይድፋዕን ከምዘሎ ኣብ ዓይንና ንርእዮ ዘሎና ክውን ሓቂ እዩ። 

ኮይኑ ድማ እዘን ካብ ፍልስፍና ሰባት ርሒቐን፤ ትምህርቲ ጐይታን፤ ትንቢት ነቢያትን ስብከት ሓዋርያትን ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ኣጽኒዐን ዝኸዳ ኣብያተ ክርስቲያናት፤ ንኣካይዳ ዓለምን ኣንፈቱን ከማእዝና እኳ እንተዘይከኣላ፤ ብዘለወን ጽኑዕን ውኩፍን ጸሎት ስለ ሰላም ዓለም ናብቲ ኵሉ ዝከኣሎ እግዚአብሔር ኣጠንኪረን ክልምናሉ ዝግባእ እዋን ኮይኑ ይስምዓና። ስለ ወግዓዊነትን መንፈስ ኢኮሜኒዝም ዝግበር ምስሉይ ኣኼባታትን ኣዋጅ ጸሎታትን ዘይኮነስ፤ እዘን ብሃይማኖተን ዝሠመራ ኣብያተ ክርስቲያናት ነቲ ሚዛንን ኣንፈት ዓለምን ብዝግባእ ኣስተውዒለን፤ ናይ ሱባኤን ምህለላን እዋናት ፈልየንን ኣዊጀንን፤ ብዝግባእ ደቀን ብሃይማኖትን ብመንፈሳዊ ጽንዓትን ክጓስያን ክመርሓን ይግብአን። ምኽንያቱ፤ ብዝተፈላለየ መገዲ ይገለጽ እምበር፤ እቲ ነውጺ ነዘን ኣብያተ ክርስቲያናት ብቀጥታ ይጽለወን ብምህላዉ፤ ክገብርኦ ዘለዋ ብዙኅ ነገራት ከምዘሎ ርዱእ ነገር እዩ። ስለ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ክበሃልን ክዝረብን፤ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ጸሎት ክግበረሉ ዝግባእ ኣዝዩ ብዙኅ ነገራት ከምዘሎ ክንስሕቶ የብልናን። እግዚአብሔር ኣምላኽ፤ ብርሃን ኅርየቱ ይስደደለን እምበር፤ ድሮ እኳ ካብዘን ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ብዕብየተን ዝግለጻ እተን ክልተ ኣብያተ ክርስቲያናት ቅብጥን ኢትዮጵያን፤ ፓትርያርካተን ብምስኣነን፤ ምስቲ ዝመጽእ በዳሂ ዘመን ዝመጣጠኑን ክገጥሙ ዝኽእሉ ሓቀኛ ኣቦታት ኣብ ምትክኦም፤ እቲ መስርሕ ጉዕዞ ጸኒዕወን፤ ውሽጣዊ ፈተናታት ኣስዒቡለን ከምዘሎ እንርድኦ ክውል ሓቂ እዩ። 

ሃገርና ኤርትራ፤ እግዚአብሔር ዝባረኻን፤ ብኪደተ እግረ ቅዱሳን ካብ ወሰን ናብ ወሰን ዝተረግጸትን በረኸት ቅዱሳን ዘይተፈልያ ቅድስቲ ምድሪ እያ። ኣቦታትና ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም፤ ሃይማኖቶም ዓቂቦም፤ ቤተ ክርስቲያንን ሕዝቦምን ብዝግባእ እናገልገሉ፤ ንኵሉን ምስ ኵሉን ኣብ ማኅበራዊ ሕይወትን ዕለታዊ ናብራን ተሓቋቝፎምን ተሳንዮምን ዝኸዱ፤ ሎሚ ዓለም ቀመር ክትቕምረሉ ጸጊምዋ ዘላ ምስ ኵሉ እምነታታት ተሰማሚዕካን ተኸባቢርካን ናይ ምኻድ ሥርዓት ዝተኸሉን፤ ዝኽተሉን ኣብነታውያን እዮም። እንሆ ድማ ሃገርና፤ ብኃይልን ጥበብን ሰብ ዘይኮነስ፤ ብመንጽር እንጠቕሶ ዘሎና ሽግር ብረድኤት ኣምላኽ ደሴት ሰላም ኮይና ትቕጽል ኣላ። ኣብ ሕዝብና ዘሎ በይናዊ እምነት ዘይሠረቱ ማኅበራዊ ሥምረትን ሕውነታዊ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ምትኅልላይን፤ ሎሚ ዝተሠረተ ዘይኮነስ፤ ካብ ጥንቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ኣጸቢቑ ሡር ዝሰደደን እዩ። ሰብ ንዘስተውዕሎ ኣብ ከተማታት ዘሎ ምቅርራብ ገዲፍና፤ ኣብ ውሽጢ ሃገረ ሰባትን ገጠራትን ዘሎ ምኽብባርን ምድግጋፍን እምነታት፤ ዓለም ዘይትፈልጦ ዕንቊ ሃብቲ ሃገርና እዩ። እዚ ንማለቱ ዝብሃል ዘይኮነስ፤ ሓቀኛ ሃብትና ስለዝኾነ ኣብዚ ሓድሽ ወለዶ’ውን ብዝግባእ ክዕቀብ ይግባእ። እዚ ክንብል ከሎና፤ ኣብ ኣቦታትና ዘይጸንሐ እሞ፤ ንይምሰልን ሃልኪ ካልእ ጐስጓስን ኣብ ዓበይቲ መንፈሳዊያን ክብረ በዓላት ዝግበር፤ ትምህርቲ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ዝዳፈር “ሓድነት እምነታት” ኣብ ክንዲ እወታዊ ኣሉታዊ፤ ኣብ ክንዲ ሓናጺ ኣፍራሲ ስምብራት ኣብ ኣመንቱ ከምዝገድፍ ኣሉ ክንብሎ ዘይንኽእል ሓቂ እዩ እሞ ነቲ ቅኑዕን ሓቀኛ ፍቕርን ማኅበራዊ ሥምረትን ዓቂብና እንተኸድና ዝበለጸ እዩ። 

ብዝተፈላለየ መገዲ ማእከናት መራኸቢታት ዓለም፤ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ብዝፍኖ ዘሎ ዘይሓናጽን ኣዕናዊን፤ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ምስ ክውንነት ሃገርና ዘይዛመድ ስብከታት ዝተፈላለዩ እምነታት፤ ነዚ ሓድሽ ወለዶ ከይሰብሮን ግዳይ ተልእኾኡ ከኣ ከይገብሮን ምጥንቃቑ የድሊ። ቤተ ክርስቲያን’ውን ብዘለዋ መሓውራት፤ ብዝግባእ ክትኣልዮን ክትምህረሉን ይግባእ። ስምዒት ዝዝውሮ ጽንፋዊ ኣረኣእያ፤ ንገለ ክፋል ጥራይ ቈንጺልካን ኣጋኒንካን ንምሉእ ሓሳባት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሸፊንካ ዝግበር ጐስጓስ፤ ሕውነት ዘይኮነስ ሓዊ እዩ ክኣጕድ እሞ ምስትብሃሉ ይጠቕም። 

ካብኡ ብዝተረፈ እምበኣር፤ ሎሚ ነዚ ዘሎናዮ ዘመን ክንምርምሮ ከሎና ከምቲ ኣብ ትንቢት ቅዱሳት መጻሕፍቲ (ማቴ ፳፬/24) ዝተጻሕፈሉ ይኸይድ ብምህላዉ፤ ንሕና ምእመናንን ኣገልግልትን፤ ነቲ ቃለ እግዚአብሔርን ዘመንን ኣዛሚድና ርእስና ዝያዳ ናብ ኣምላኽ እነቕርበሉ፤ ብሰናይ ግብሪ እንመላለሰሉ፤ ስለ ሰላም ዓለምን ቤተ ክርስቲያንን ጸሎት እነቕርበሉ ክኸውን ከምዘለዎ ሸለል ክንብሎ ዘይግባእ ሓቂ እዩ። ኣብ ልዕሊ እዘን ጥንታውያን ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ዝወርድ ዘሎ መከራ ድማ ካብ ልቢ ክስምዓናን፤ ነቲ ዘመን መከራን ጭንቕን ድማ ናብ ሰላምን ህድኣትን ክቕይረለን ኣጥቢቕና ናብቲ ወሃቢ ኵሉ ዝኾነ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከነብጽሕ ይግባእ። ሎሚ ብጸሎት እንዘይተደጋገፍና፤ ኅውነትና ድማ ብኸምኡ መገዲ እንተዘይገለጽና፤ ጽባሕ እቲ ሓዊ ናብ መን ከምዘብል ስለዘይንፈልጥ፤ ጕድኣተን ጕድኣትና ምዃኑ እናስተውዓልናዮ፤ ስሌአን እቲ ዘሎና ጸሎት ክነቕርበለን ይግባእ። 

እግዚአብሔር ኣምላኽ ብምሕረቱ፤ ነቲ ዝዕጐድ ዘሎ ሓዊ ናብ በረድ፤ ዝለዓል ዘሎ ሰይፊ ናብ ማሕረሻታት፤ ንዝዛሪዪ ዘሎ ደም ድማ ይኣኽል ኢሉ ከንቕጸልና ናቱ ቅዱስ ፍቓድ፤ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ ኵሎም ቅዱሳን ተራዳእነት ኣይፈለየና።

1 comment:

  1. amen kal hiwet yesmealna lel amelak amalekti zekone egziabeher mehrto yhabena amen.

    ReplyDelete