Friday, October 19, 2012

እወ “ዓቢ ዕዮ ገዛ ረኺብና” - ብቀዳምነት ግን ንመን?

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ መስከረም፤ ጋዜጠኛ ዞባ ደቡብ ኣቡበከር ዓብደልኣወል ምስ ፮ተ ብጾቱ (ሰኣልትን ጋዜጠኛታትን) ነበርቲ እቲ ከባቢ ብዝግባእ ንዝፈልጥዎ፤ ብደረጃ ሃገር ግና ዛጊት ብወግዒ ተፈሊጡ ንዘይጸንሐ ሓደ እኩብ “ሙምያት”፤ በክዓር ኣብ ዝተባህለ ልጉስን ብሑትን ስፍራ ከምዝረኸቡ ኣብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣቓሊሖሙልና ኣለዉ። ብካልእ ዜናዊ ስራሕ ኣብ ዕለት ቅዱስ ዮሐንስ ፳፻ወ፭ ዓ.ም. ኣብ ከባቢ እምባሶይራ (ሰንዓፈ) ብሥራሕ ኣብ ዝተንቀሳቐሱሉ እዋን፤ ምስ ደቂ ከባቢን ሠራዊትን ወዝቢ ብዝተለዓሉ ዝርርባት፤ ብዝረኸብዎ ጥሉል ሓበሬታ ተመሪሖም ናብዚ “ተፈሊጡ ናብ ዘይጸንሐ” ጥንታዊ ስፍራ ምብጽሖም ምስ ምሉእ ተሓጓስ ኣበሲሮምና እዮም። እምበኣር ነዞም ሞያዊ ግዴትኦም ጥራይ ዘይኮነስ ሃገራዊ ፍቕሮም’ውን ደሪኽዎም ብተገዳስነት ነቲ ዝሰምዕዎ ርጡብ ሓበሬታ፤ ናብቲ ግሁድ ዓለም ከቓልሕዎ ንዘርኣይዎ ሞያዊ ሥራሕ ዘሎና ናእዳን ሞገስን ከነቕርበሎም ንፈቱ።

እምበኣር ጋዜጠኛ አቡበከር፤ ብዕለት 26 መስከረም 2012 ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ ኣብ ዝዘርግሖ ተወሳኺ መልእኽቱ “ዓቢ ዕዮ ገዛ ረኺብና” ብዝብል ርእሲ ካብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፤ ንውሑድ ነጥብታት መበገሲ ብምግባር፤ ዋላ ቍሩብ እኳ ካብ ምጥቓሱ ንሳቶም እንተተሓረሙ’ውን፤ እዚ ዓቢ ዕዮ ገዛ ብቀንዱ ንቤተ ክርስቲያን ከም ዝምልከት ስለእንኣምን፤ ብተመሳሳሊ ኣርእስቲን ፍረ ሓሳብን፤ ንሕናውን ብቀጻሊ ክንዛረበሉ ንዝጸናሕና ጕዳያት ሓቅነቱ ዘረጋግጸ ተርእዮ’ውን ስለዝኾነ፤ ገለ ክስትውዓለሎም ንዝግብኦም ሓሳባት  እወ “ዓቢ ዕዮ ገዛ ረኺብና” ኢና - ብቀዳምነት ግን ንመን? ብዝብል ርእሲ መልስና ከነውፊ ብምባል ነዚ ሓጺር ጽሑፍ’ዚ ኣቕሪብና ኣሎና። ሰናይ ንባብ፦
ሚካኤል በክዓር - “ሓድሽ” ስፍራ ዓጽመ ቅዱሳን
ብመሠረት እቲ ዝተፈነወ ዜና፤ በክዓር ካብ ከተማ ሰንዓፈ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ጎሎ ዝብሃል ስፍራ ድኅሪ ምውራድካ፤ ኪንዮ ጎሎ  ኣብ ዝርከብ ስፍራ ዝርከብ ተኸተልቲ ምስልምና ዝኾኑ ብሔረ ሳሆ ዝቕመጡሉ ንእሽቶ ዓዲ እዩ። እምበኣር እዚ ሎሚ ዝዜንወሉ ዘሎ መካነ ቅዱሳን፤ ካብ በክዓር ፳ ደቂቕ ምስ ተጓዓዝካ ዝርከብ “ብዓበይቲ ናይ ኣኻውሕ ጎቦታት ዝተኸበ ሓምላይ ምድረ ገነት” ምዃኑ ተገሊጹ እዩ። ብርግጽ ድማ ብኣዝዩ ዘፍርህን ንኽትከደሎም ብዘጸግሙ፤ መኒንካ ክትሰጕመሎም ብእትኽእል ሸለው ዝበሉ ኣጻድፋት ዝተደኰነ እዩ። ዝተፈላለዩ ኣእዋም ዝርከቦ ጽዑቕ ጫካ፤ ጥንታዊ ማይ ጸሎት፤ ዝተፈላለየ ኣዕዋፍን ኣህባይን ዝርከቦ ንኽትርእዮ ኣዝዩ ዘብህግ ገዳማዊን ብሑትን ስፍራ ምዃኑ ድሮ ኣብቲ ጸብጻብ ዜና ተገሊጹ ኣሎ። እቶም ዝተረኽቡ ኣዕጽምተ ቅዱሳን’ውን “ብኣማይት” ክቝጸሩ ተስፋ ዝግብረሎም ኮይኖም፤ ኣብ “ጸግዒ ሓውሲ በዓትታትን ብጻዕዳ ሓመድን ኣእማን ኣብ ዝተዓብሰ ጋህስታት” ዝተረኽቡ እዮም።

ናእዳ ዝግብኦ ድንቂ ባህሊ ሕዝብና
ከምቲ ኣብቲ ዜና ዝተጠቕሰ፤ እዚ ክቡር ሃብቲ ሃገርን፤ መንፈሳዊ ጸጋ ቤተ ክርስቲያንን ዝኾነ ኣዕጽምተ ቅዱሳን፤ ካብቲ ነበርቲ ከባቢ ዝኾኑ ተኸተልቲ ምስልምናን፤ ቅድስና ናይዚ ከባቢ ዝፈልጡ ምእመናን ቤተ ክርስቲያንን ዝተሰወረ ኣይነበረን። እኳ ደኣ ገለ ምእመናን ብቀጻሊ ኣብቲ መካነ ቅዱሳን ናብ ዝርከብ ብስም ቅዱስ ሚካኤል ናብ ዝተሰየመ ማይ ጸሎት እናኸዱ ተሳተፍቲ ናይቲ ጸጋ ፈውስን በረኸትን ክኾኑ ከምዝጸንሑ ተገሊጹ ኣሎ። እምበኣር እዚ ቅዱስ ቦታ’ዚ፤ ብዝግባእ ክዕቀብ ዝተኻእለ፤ ብዘይካ ረድኤት እቲ ዓጽሚ ቅዱሳን ዘኽብርን ዝዕቅብን እግዚአብሔር ዘይተፈልዮ ምዃኑ፤ ነበርቲ እቲ ከባቢ ነዚ ክቡርን ቅዱስን መካነ ቅዱሳን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብዝገበርዎ ምክንኻንን ሓለዋን ምዃኑ ይፍለጥ። እዚ ሰናይ ተግባሮም ከኣ ኣማን በኣማን ንኵሉ ዓለም ከድንቕ ዝግባእ ተግባር ምዃኑ እሙን ነገር እዩ።

ሎሚ ዓለም ይትረፍ ዘይእምነታ ንዝኾነ እሞ ኣብ ጥቓኣ ንዘሎ ዝተቐደሰ ቦታ ክትሕልዎን ክትከናኸኖን፤ እቶም ሰብ እምነቱ እኳ ንዝተቐደሰ ስፍራኦም ዘለዎም ኣረኣእያን ኣተሓሕዛን ዘንቈልቈለሉን፤ ከም ታራ ነገር እናተወስደ ዝተደፍረሉን ኵነት ኢና ንርከብ ዘሎና። ካብኡ ሓሊፎም ናይ ሎሚ ጽንፈኛ ኣረኣእያ ዘለዎም “ሃይማኖተኛታት” ብደረጃ ዓለም ብዘለዎም ናይ ኣረኣእያን ኣተረጓግማን ፍልልይ ጥራይ፤ ካልኦት ሰብ እምነቶምን ኣኅዋቶምን “ቅዱስ” ንዝብልዎ መካናትን ቅርስታትን ከዕንዉን ክድርምሱን ኣብ መሳዅቲ ቴሌቪዥን ምርኣይ ልሙድ እናኾነ ዝመጸሉ እዋን እዩ። እምበኣር ኣብ ሃገርና ዘሎ ሕውነትን ምክብባርን ክሳዕ ክንደይ ዓቢይ ምዃኑ ሰብ በክዓር ሕያዋን ምስክር እዮም። ኣቦታቶም ንዝሓደጕሎም ታሪኽ’ዚ ስፍራ ዓቂቦም፤ ቅድስንኡ ኣኽቢሮም “ጓሶቶም ከይደፍርዎ ኣጣሎም ከይገስዎ” ይሕልዉዎን ይከላኸሉሉን ምንባሮምን ምህላዎምን ልዕሊ ምስጋና ፍሉይ ኣድናቖት ዝግብኦም ሕዝቢ እዮም።

እምበኣር እቶም ዋናታቱን ኣመንቱን እንብሃል ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ካብ ነበርቲ እዚ ከባቢ እንመሃሮ ነገር ከምዘሎ ክንኽሕዶ ኣይከኣልን እዩ። ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ሃገር ዝርከቡ ህልዋን ይኹን ጠፍ ኮይኖም ዝተረፉ መካነ ቅዱሳን ኣዝዮም ብዙኃን እኳ እንተኾኑ፤ ስለ ተዓቅቦን ክብርን እዞም ቅዱሳን ስፍራታት ድማ በብከባቢኡ ፍሉይ ኣቓልቦ ተገይሩሉ ሕዝቢ ዝሠረቱ፤ ቤተ ክርስቲያን ዝዋንኡ ክንክንክን፤ ዘይፈልጦ ዘበለ ክፈልጠሉ ዝኽእል ግቡእ መጽናዕትን ዕቃቤን ይገብረሉ ኣሎ ክበሃል ኣየደፍርን እዩ። እቲ ሓለዋን ክንክንን ተሪፉ’ውን ገለ ዓድታትን ገለ ተቐማጦአንን “ኣብ ኢድ ዘሎ ወርቂ….” ኮይንወን ኣብ ከከባቢኦም ንዝርከቡ ምንጪ በረኸት ንዝኾኑ ቅዱሳን መካናት ስለቲ ጊዜያዊን ውልቃዊን ረብሓታቶም ክብሉ ዝፍጽምዎ ምግሃስን ዘሕዝን ተግባራትን ኣብ ዝስምዓሉን፤ ዝረኣየሉን ዘሎ እዋን፤ ሰብ በክዓር እሞ ሰዓብቲ ምስልምና ዝፈጸምዎን ዝፍጽምዎ ዘለዉ ሰናይ ተግባር ልዕሊ ናእዳ ኣኽብሮት ዝግብኦም ሕዝቢ እዮም እንተበልና ይውሕዶም እምበር ኣይበዝኆምን። እምበኣር ኤርትራ ውህደት ናይ ከምዚኦም ዝኣምሰሉ ሕዝብታት ብምዃና ድማ ንኣምላኽና ስለቲ ዝሃበና ጸጋ ከነመስግኖ ይግባእ።  

ዘሎና ታሪኻዊ ገምጋም
ዛጊት ብዝተዋህበ ሓበሬታ፤ ኣብዚ ቦታ’ዚ “መዓስ ከምዝተጀመረ ዘይፍለጥ ጥንታዊ ማይ ጸሎት” ከምዘሎን፤ እቲ ማይ ጸሎት ዓመት ምሉእ ካብ ጎቦ ዝፈስስ መንጫዕጫዕታ ከምዘለዎ’ውን ክንርዳእ ክኢልና ኢና። እምበኣር ስሙ (ቅዱስ ሚካኢል) ዝፍለጥ፤ ማይ ጸሎት ብዘይ ዝኾነ ምኽንያት ኣብቲ ቦታ ተነጺሉ ዝርከብ ኣይኮነን። ፈዋሲ ብምዃኑ ስለዝፈልጡ ድማ እዮም ካብ ካልእ ዓድታት ምእመናን እናመጹ ክሕጸቡ ዝረኣዩ። ማየ ጸሎት ድማ ብዘይ ቤተ ክርስቲያን ዝቐውም ስለዘይኮነ ሓደ ንጹር ነገር የመላኽት ኣሎ። ብዓቢኡ ድማ ዛጊት ኣብቲ ከባቢ ዝተረኽቡ ግኑዛትን ቍንጡያትን ኣዕጽምተ ቅዱሳን፤ ካልእ ዘይተዳህሰሰ መንፈሳዊ ሃብቲ ዝቐደሙ ቅዱሳን ኣቦታት ኣብቲ ከባቢ ክርከብ ዘለዎ ተኽእል ብዙኅ ምዃኑ ዝእንፍት እዩ። ብዝግባእ ምስ ዝድህሰስ ድማ እቶም ክርከቡ ይኽእሉ እዮም ኢልና ተስፋ እንገብረሎም ጽሑፋዊ ቅርስታት፤ ንዋያተ ቅዱሳት፤ ኣሰር ጥንታዊ ገዳምን ቤተ ክርስቲያንን፤ ወዘይመስሎ፤ ካብ ሓደ ንላዕሊ ጥፉእ ጋግ ታሪኽ ናይቲ ዘመን (missing link) ኣብ ምምላእ እጃሞም ከበርክቱ ከምዝኽእሉ እምንቶና ጽኑዕ እዩ። ኣብ ጊዜ ኣቡነ ሊባኖስ ይኹን ድኅሪኦም ብኣማይት ዝቝጸሩ ቅዱሳን ገዳማት ተመሥሪቶም ከብቕዑ፤ ብስም እምበር ብግብርስ ኣሰሮም ኣጢፍኦም ዘለዉ ብዙኃት ምዃኖም ኵልና እንፈልጦ ሓቂ እዩ። እዚ ተረኺቡ ዘሎ ሓደ ካብኦም ክኸውን ከምዝኽእል’ውን ሰብ ብዙኅ ተስፋ ኢና።

“ናይ መን ምዃኖም እንታይ ንፈልጥ” ዝብል ሕቶ ዛጊት ቀሪቡ እንተሎ’ውን፤ ካብቲ ተዋሂቡ ዘሎ ናይ ቃል መረዳእታን ትውፊትን፤ ከምኡውን ብዘሎና ናይቲ ከባቢ ኣፍልጦን ዝተገልጸ መልክዓዊ ምድር ኣቐማምጣን፤ እቲ ከባቢ ጥንታዊ ገዳም ምንባሩ ግምትና ልዑል እዩ። እቶም ዛጊት ዝተራእዩ ኣዕጽምተ ቅዱሳን፤ ብሥርዓተ ኣገናንዝኦም ይኹን፤ ብባእታዊ መንቀራቕሮ (ከውሓዊ) ኣቀብብርኦምን ቓማምጥኦምን፤ ሙሚያዊ ባህሊ ምዕቃቦምን፤ ከምኡውን ኣብቲ ተመሳሳሊ ኣዕጽምተ ቅዱሳን ምስ ዝርከብዎ ከባቢ ሃም፤ ባረክናሃ፤ መጠራ፤ እምባ ሓርጎም፤ ጉና ጉና… ዝተቐራረበ መልክዓዊ ምድሪ ዝርከብ ብምዃኑ መንነቶም ንምፍላጥን ንምግማትን ብዙኅ ዘጸግም ኣይኮነን። ብዓቢኡ ድማ ኣዝዮም ብዙኃን ጻድቃነ ንኑም ኣብቲ ከባቢ ከምዝተቐብሩ ዝእምት ብራናዊ ጽሑፋዊ ታሪኽ ከምዘሎ ዝሰሓት ኣይኮነን። ብዛዕባ ጻድቃን ንኑም ዝገልጽ ጥንታዊ መጽሓፈ ገድሊ ጻድቃን’ውን ኣስፊሑ ዝገልጾ ሓቂ ምስቲ ኣብቲ ዜና ዝቐረበ ትሕዝቶ ዝመሳሰል እዩ። ንሳቶም ድማ ኣብ ፭-፮ይ ክፍለ ዘመን ካብ ርሑቕ ሃገራት ሶርያን ቍስጥንጥንያን ዝመጹ ጻድቃን ኮይኖም፤ ኣብ ዝተፈላለየ ካባቢ በብማኅበሮም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣብ በዓትታት ሣዕርን ቈጽልን ጥራይ እናተመገቡ ብተባሕትዎ ዝነበሩ ጻድቃናት ምንባሮም፤ ኣብ ኣማውታኦም ፍሉይን ሓባራዊ ታሪኽ ዘለዎምን፤ ብቅዱሳን መላእኽቲ ከምዝተገነዙ ዝእመነሎምን እዮም። ድሮ እኳ እቲ ኣፍኣዊ ታሪኽ ዓበይቲ ዓዲ በክዓር፤ እዞም ሕጂ ዝግለጹ ዘለዉ ኣዕጽምተ ቅዱሳን ናይ “ሶርያውያን ፈለስቲ” ምዃኑ መስኪሮም ኣለዉ።

“ዕዮ ገዛ” ቤተ ክርስቲያን
ኣብ ጸብጻብ እቲ ጋዜጠኛ እቲ ዝቕጽል ዕዮ ንመን ከም ዝምልከትን፤ ዓቢይ ዕዮ ገዛ ይጽበየና ከምዘሎ ኣብ ዘመልከተሉ ጸብጻቡ፤ ሓደ ካብቶም መለስቲ ንመን ኣብ ዝብል ሕቶ “ንቤተ መዘክር” ክብሉ እዮም ተሰሚዖም። እቲ ንጹል መልሲ ቍሩብ ዘየስደምም ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት “ቅርሲ” ከም ሃገራዊ ሃብቲ ክውሰድ ግቡእ እኳ እንተኾነ፤ ብቀንዱ ግና ዓጽመ ቅዱሳን ልዕሊ እቲ ቅርስነቶም ብዘይወዳደር ዓጸፋታት በቲ ሕያው በረኸቶም ንሃገር ይኹን ንሕዝቢ እምብዛ ዘገድሱ ኣካላት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እዮም። ስለ ተዋሕዶ ሃይማኖቶም ዝተቓለሱ፤ ንዓለም መኒኖም፤ ንርእሶም ንጹሕ መሥዋዕቲ ገይሮም ንእግዚአብሔር ዝወፈዩ፤ ምድራዊ ገድሎም ብዓቢ መንፈሳዊ ብቕዓት ዝፈጸሙ ክቡራት ኣዕናቍ ውሉድ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብምዃኖም ልዕሊ ኵሉን ብቀጥታን ጕዳዮም ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ይምልከት። ብዘየወላውል ድማ ሃብትነቶም ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ከም ምዃኖም ድማ ነዚ ኣብ ቅድሜና እተገተረ ሕያው ሓቂ ጐሲና፤ ቤተ መዘክር ዶ ገለ ዶ እንተበልና “ኣዴኣ ገዲፋ … ትናፍቕ” ከይኮነና ዘየሰክፍ ኣይኮነን።

ዓጽመ ቅዱሳን ንቤተ ክርስቲያን “ሙምያ” ጥራይ ኣይኮኑን። ልዑል ክብረት ዘለዎም፤ ብፍሉይ ዝዝከሩ፤ ሥጋን ኣዕጽምትን ናይቶም ውሉደ ብርሃን ተባሂሎም ዝስየሙ ደቂቅ እቲ ኣምላከ ሕያዋን እግዚአብሔር እዮም። ስለዚ ኣካል ሕያዊት ቤተ ክርስቲያን ተባሂሎም ክጽውዑ ግቡኦም እዩ። ብኣካለ ሥጋ ካብዚ ዓለም ይፈለዩ ደኣ እምበር፤ ብኣካለ ነፍስ ሕያዋን ስለዝኾኑ፤ ኣዕጽምቶም ክቡር እዩ። ኣምላኾም ድማ አምላክ ሙታን ዘይኮነስ አምላከ ሕያዋን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስለዝኾነ፤ ጸጋ እግዚአብሔር ካብ ሥጋኦምን ኣዕጽምቶምን ኣይፍለይን እዩ። ብዛዕባ ክብሪ ኣዕፅምተ ቅዱሳን ዝምልከት ቅድሚ ሕጂ ኣብ ክልተ ክፍሊ ኣውጺእናዮ ዝነበረ ምጡን ጽሑፍ ምምልካት ጽቡቕ እዩ። ኣብ ከምዚኦም ኣዕጽምተ ጻድቃን ዝርከቡሉ መካናት ድማ ብዙኅ ሥርዓተ ምሥጢር ዝፍጸመሉን፤ ሥውራን ቅዱሳን ዝርከቡሉን፤ ፈውሲን ተኣምራትን ብቀጻሊ ዝርከበሎም ስለዝኾኑ ብድፍረት ዘይኮነስ ንነገራት ብሃይማኖት ምርኣዮም ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ከባቢኦም ኣመንቲ ይሃልዉ ኣይሃልዉ፤ ንሕና ዘየንቕለበሎም ተኣምራትን ግብርታትን ኣብ ከባቢ እዞም ኣዕጽምተ ቅዱሳን ንኵሉ ብቀጻሊ ከምዝፍጸም ጥንታዊ ምዃኑ ዝእመነሉ ብራናዊ ገድሊ ጻድቃን ከረድኣና ይኽእል። እቶም ከባቢ ሕዝቢ’ውን ኣመንቲ ክርስትና ይኹኑ ካልኦት ካብዚ ከባቢ ብዝመንጨዉ ማየ ጸሎታት እናተሓጽቡ ፈውስን ምሕረትን ክረኽቡ ዝረኣየሉ ምሥጢር ድማ እዚ እዩ።

ሃገርና ኤርትራ’ውን ካብ ፬ይ ክፍለ ዘመን ኣትሒዞም ስብከተ ወንጌል ንምስፋሕን ሥርዓተ ምንኵስና ንምጽናዕና ንምድልዳልን ብዝተጋደሉ ቅዱሳን ዝመልአትን ዝኸበረትን ዝተባረኸትን ምዃና ዝተፈልጠ እዩ። ካብዞም ቅዱሳን’ውን፡ እግዚአብሔር ብዝፈልጦ ብጥበብ እግዚአብሔር ክሳዕ ሕጂ ኣስከሬኖም ቈንጥዩ (ሥጋኦም ደሪቑ) ቈርበቶም ካብ ዓፅመ ኣካሎም ከይተገፈፈ መግነዞም ከይግለሰን ከይኣረገን ኣብ ዝተፈላለዩ በዓትታትን ሕቡእ ስፍራታትን ዝጸንሑ ምሉእን ክፋላትን ኣካላተ ጻድቃን ከምዘለዉን፤ ገና ዘይተዳህሰሱን ዘይተረኽቡን ተመሳሳሊ ርኽበታት ከምዝህልዉ ዝእንፍቱ ተርእዮታት ከምዘለዉ ቅድሚ ሕጂ ጠቒስና ነይርና። ዘለዎም ክብረትን፤ ኣብ ኣተሓሕዝኦም ዝምልከት ዘሎና ስክፍታ’ውን ገሊጽና ነይርና።  

እሞ ኸ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነዚ ዝምልከታ ዓቢይ ሃገራዊን መንፈሳዊን ሃብቲ ብኸመይ ትሕዞ ኣላ፤ ብሕጂ’ስ እንታይ ክንጽበ ኢና ናይ ኵልና ሕቶ እዩ። ብርግጽ ንምዝራቡ ግና፤ ይትረፍ ነቶም ሓደሽቲን ብሕጂ’ውን ኣብ ብሑትን ልጉስን ቦታ ዝተረኽቡን ዝርከቡን ዘለዉ፤ ነቶም ድሮ ብዝግባእ ዝተፈልጡን ኣብ ውሽጢ ህልዋን ገዳማት ዝርከቡ ኣዕጽምተ ቅዱሳን እኳ ግቡእ ኣተሓሕዛን ኣተዓቃቕባን ይርኽቡ ኣለዉ ማለት ኣይከኣልን እዩ። ምናልባሽ ኣብ ገዳም ደብረ ሊባኖስ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጀመረ ከፊላዊ ዘመናዊ ሜላ ዕቀባ፤ ከም ንእሽቶይ ተበግሶ ክውሰድ ዝከኣል እኳ እንተኾነ፤ ብርእሱ ግና ኣኻሊ ኣይኮነን። እቲ ክኾኖ ዝግባእን፤ እቲ ብደረጃ ሃገር ዘሎ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተበግሶን ክነጻጸር ከሎ ፈጺሙ ኣብ ሚእታዊት እኳ ዘይኣቱ፤ መትሕተ ታሕቲት ምዃኑ ዘይከሓድን ዘሕዝንን ሓቂ እዩ።

ሕጂ’ውን እዚ ርክበት’ዚ ብቀጥታ ንቤተ ክርስቲያን ይመልከት ደኣ እምበር ነዚ ዝምልከት ክፍሊ ብስም እምበር ብግብሪ ህልዌኡ ካብ ዝቕሕም ነዊሕ ዓመታት ምግባሩ ዘየከሓድ እዩ። ቤተ ክርስቲያንና ካብ ሃገርና ሓሊፉ ንዓለም ዘሕብን መንፈሳዊ ሃብትን ቅርስን ዘለዋ እኳ እንተኾነ፤ ነኸምዚ ዓቢይ ሃብቲ ሒዛ ብቝዕ ብዝኾነ ዓቕሚ ሰብ ዝቖመ፤ ብኣገደስቲ መሳርሒታትን መሳለጥያታትን ዝተማልአ ቤት ጽሕፈት ወይውን ክፍሊ ፈጺሙ ከምዘይብላን ዘሎና ሓበሬታ ዘረጋግጾ ሓቂ እዩ። እቲ ዝኸፈአ ድማ ንኸምዚ ዓይነት ኣገዳሲ ሃገራዊ ዕዮ ራእይ ዘለዎ “ምምሕዳር” ኣለዋ ክብሃል ኣይከኣልን እዩ። ክንዲ’ዚ ዝኣክል ጥንታዊ መንፈሳዊ ሃብትን፤ ቅርሲን እትውንን ቤተ ክርስቲያን፤ ኣብ ትሕቴኣን ውሽጣን ንዘሎ ሃብቲ እኳ ብዝግባእ ዝፈልጥን ንበጻሕቲ ተንቲኑ ከረድእ ዝኽእልን ዓቕሚ ድኅሪ መምህር ተወልደብርሃን ዓምደመስቀል ዝሰኣነትሉ ኣጸጋሚ ኵነት ከምዘላ ካብ ዝኾነ ዝተኸወለ ሓቂ ኣይኮነን። ካብኡ ናብኡ’ውን ድኽመታ ዝፈልጡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ዝኾኑ ኣካላትን ኣብያተ ጽሕፈትን፤ ነቲ ናታ ስራሕ ኣሕዲጎም ወይውን በይኖም ክዓምዎ ዝርከቡሉ እዋን ብዙኅ እዩ። ካብ ቤተ ክርስቲያን’ውን ኣትዮም ክርእዩን ክምርምሩን ዝደልይዎ ነገር እንተሎ፤ ፍቓድን ጻዕዳ ወረቐትን ጥራይ ብምዃኑ፤ ንታሪኽን ሃብትን ቤተ ክርስቲያን ብናቶም መገዲ (ዓለማዊ) ክትንትንዎን ይረአ እዩ። እዚ’ውን ቤተ ክርስቲያንና ምስ ሃብታ ብህየታ ትቕበር ከምዘላ ዘመስክር እዩ። ገለ ዝምልከቶም መንግሥታውያን ኣብያተ ጽሕፈት ኣብዚ ጕዳይ’ዚ ንቤተ ክርስቲያን ንምሕጋዝ ብዝገብርዎ ሰናይ ተበግሶ (ባዕላ ክትብገስን፤ እጃማ ከተበርክትን) ካብቲ “ምምሕዳር” ቤተ ክርስቲያን ብዝረኽብዎ ኣዝዩ ዝሑል ግብረ መልስን፤ ሳሕቲ’ውን  ብዝመጾም ካብ መሃይም ዘይሓይሽ ርእይቶ “ምምሕዳር” ኣዝዩ ከምዝሓዝኑን ኣፍ ኣውጺኦም’ውን ክዛረቡ ዝስምዑሉ ጊዜ ከምዘሎ ኣብቲ ጕዳይ ብቀረባ ዝዋስኡ ዘለዉ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዝቐንዝወሉ ሕማም እዩ።

ዝሓለፈ ሓሊፉ፤ ሕጂ’ውን ከምዚ ንዝኣመሰለ ሓደሽቲ ርኽበታትን፤ ብሕጂ’ውን መጽናዕቲ ምስ ዝግበር ኣብ ኵሉ ማእዘናትን ኵርንዓት ኤርትራ ከም ዓይኒ ማይ ክፍልፍሉ ንዝኽእሉ ዘደንቑ ታሪኻት፤ ቤተ ክርስቲያንና ብብቝዕ ዓቕሚ ሰብን መሳለጥያን ተማሊኣ ክትጸንሕን፤ ብዝግባእ ታሪኾም ክትስንዶምን፤ ብናታ መገዲ ምርምር ከተካይደሎምን ይግባእ። ብዓቢኡ ድማ ንኸምዚ ዓይነት ጕዳያት ሓደ ንጹር መመርሒን ቅርጺ ምምሕዳርን ከትቕውም ክትክእል ኣለዋ። ኣብቲ ዝግብኦ ድማ ኣብ ክንዲ ነቲ ሥራሕ ብካልኦት ኣካላትን ኣብያተ ጽሕፈትን ክዕመም ምግዳፍን፤ ወይውን ካልኦት ጥራይ ክሳዕ ዝብገሱሉ ምጽባይ፤ ብናታ መደብ መምስ ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብያተ ጽሕፈትን እናተዘራረበት፤ ነቲ መጽናዕታዊ ሥራሕ ብሓባራዊ መገዲ ከተዕብዮ ይግብኣ ንብል። ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ታሪኻ ኣፋ ተለጒሙ፤ ካልኦት ከም ዝመስሎም ጥራይ ክዛረቡሉ ምግዳፍ ንውሉድ እዛ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን ዘየሕፍር ኣይኮነን። ስለዚ በቲ ንእሽቶይን ብዙኅ ገንዘባዊን ንዋታዊ ዓቕሚ ዘይሓትት ምዕቃብን ምስናድን ታሪኻ ክትጅምር ክትክእል ኣለዋ።

ንግባእኬ ኀበ ጥንተ ነገር እዩ እሞ፤ ናብቲ መበገሲና ጕዳይ ኣዕጽምተ ቅዱሳን በክዓር ክንምለስ ከሎና፤ ልዕሊ ኵሉ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣመላኽቲናዮ ዝጸናሕና፤ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነዚኦም ዘለዉን ብሕጂ’ውን ክርከቡ ዝኽእሉ ኣማይት/ኣሽሓት ኣካላተ ቅዱሳን ብኽብሪ ክትሕዞምን፡ ነቲ ክጸንሑሉ ዝግባእ መዕረፊ ቦትኦም ብዓይኒ ሃይማኖት ጠሚታን ክብሪ ሂባን ዝግባእ ሥርዓተ ጸሎት እናፈጸመት ክትከናኸኖምን ኣለዋ። ዘዝመጸ ከም ናይ ሙዚየም ኣቕሓ ወይውን ንብረት ቅርሲ ጥራይ ክቀልዖምን ከግዕዞምን ከምኡውን ኽብሮም ክነፍጎምን ኣይግባእን።

ስለዚ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብደረጃ መንበረ ፓትርያርክ ድዩ ዋላስ ብደረጃ ሃገረ ስብከት ደቡብ፤ ብዝቐለጠፈ ሓደ ሞያዊ ክኢላታት ዝሓቖፈ ሽማግለ ቤተ ክህነት ብምቛም፤ ናብቲ ቦታ ኣፈናዊ ዳህሳስ ብምግባር ጸብጻቡ ከቕርብ ክትገብርን፤ ብምቕጻል ድማ እንታይ ክግበር ከምዝግባእ ከተእንፍትን ኣለዎ። በዚ ይኹን በቲ ድማ ቅድስና ናይዚ ቦታን ኣብ ውሽጡ ሓቍፍዎ ዘሎ ቅዱስ ነገራትን ብሕጊ ዝኽብረሉ ዕማም ብቀዳምነት ክትሰርዖ ይግባእ።  

እቶም ኣብ ሃይማኖት ዘሎና ድማ ናብዚኦም ዚኣመሰሉ ቅዱሳን ክንበጽሖም ክንርእዮምን ካብቲ በረኸቶምውን ክንሳተፍ ይግባእ። ኵሉ ናብዞም ቅድሳት መካናትን ኣዕፅምቲ ቅዱሳንን ምስላምን ምስጋድን ኣብ እንገብረሉ እዋን ድማ ብኣኽብሮት፡ ብፍቕሪ፡ ብሃይማኖት፡ ብትሕትና፡ ብፈሪሃ እግዚአብሔር ክኸውን ይግባእ። ስለ ምርኣይን ምድናቕን እንርእዮም ክኸውን የብሉን።
ሰላም ለበድነ ሥጋክሙ ዘኢተምዕዘ በአፈው፤
አምጣነ ምዑዝ ውእቱ በጽጌ ምግባር ቅድው፤
ኦ ጻድቃን ዘብሔረ አግዓዚ አኃው
ዕቀቡኒ እመናስው፤ በውስተ ኵሉ ፍናው፤
ወአድኅኒኒ እምልሳኑ ለብእሲ ፅልህው። (ገድለ ጻድቃን ዘንኑም)
ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ። በረኸቶም ይዓድለና።

1 comment:

  1. በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን፡ ኣነ እውን በታ ድኽምቲ ዓቕመይ ነዞም ክቡራት ዓቐብቲ ቅርሲ ፍሉይ ኣድናቖተይ ክገልጸሎም እፈቱ ፡፡ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕነት ብሄራትን ሃይማኖትን እኳ እንተለዎ ካብ ካሎት ኣህዛብ ዝፈልዮ ግን ፉሉይ ሃብቱ ሓድሕዳዊ ምክብባር እዩ ፡፡ እዚ ድማ በእዞም ናይ ሕጂ ወለዶ ተዓቂቡ ነባሪ ክኸውን ሙሉ ተስፋ ኣሎኒ ፡፡እግዚኣብሔር ህዝብናን ሃገርናን ይባርኽ፡፡

    ReplyDelete