Wednesday, October 10, 2012

“ዘይቅላዕ ክዱን፤ ዘይፍለጥ ድማ ስዉር የልቦን” ማቴ ፲፥፳፮ (ካልኣይ ክፋል)

ምስክርነት ስዊዘርላንድ 
ከምቲ ኵልና ክንከታተሎ ዝቐነና ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ (ባሕቲ መስከረም 2012) ቅንኢ ሃይማኖት ብዘንደዶም ኣብ ኣውሮጳ ብዝርከቡ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስዊዘርላንድ ዝተጋብአ ጉባኤ፤ ፍልማዊ መርኣያን ሓድነታዊ ዕዮን ምቅላዕ ናይዞም ኣጽራር ሃይማኖት ዝኾኑ ጉጅለታት እዩ። እዚ ጉባኤ’ዚ ከም ፈላሚ ጉባኤ ምስቲ ዝነበሮ ምምሕዳራዊ ሕጽረታትን ድኽመታትንን፤ እቲ ተበግሶን ምድላዋቱን ሓደ ዝላ ንቕድሚት ምዃኑ ድማ ግሁድ ነገር እዩ። ንኵሉ ክጻወደሉ ዝቐነየ መፈንጠራታት ብኃይሊ ኣምላኽ ፈንጢሱ፤ ምክያዱ ድማ ከም ዓቢ ዓወት ክረአ ዝግብኦ እዩ። ንዅሎም ኣካይድትን ኣወሃሃድቲ ናይዚ መደብን ድማ ዓቢ ትምህርቲ ኣስኒቑ ከምዝሓለፈ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ።

ብኣንጻሩ ድማ ነቶም ኑፍቄ ዝትልሞም ሓድነት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዘይደልዩ፤ መንነቶም ዝቓልዓሉ፤ መለበሚ መልእኽትታትን መልስታትን ዝፍነወሉ ጉባኤ ከይካየድ ብድሮ ይኹን ኣብ ዕለት ናይቲ ጉባኤ ዝገበርዎ ፈንጠርጠር መንነቶም ኣጕሊሑ ዘርኣየን፤ ክጽይቑ እምበር ነቲ ሓቂ ብትብዓት እኳ ክሰምዑን ክምክቱን ከምዘይክእሉ ዝተረጋገጸሉ ነይሩ ክብሃል ይከኣል። ኣብ ዘይተዓደሙሉ ጉባኤ ተረኺቦም፤ ኽሳብ እቲ ጉባኤ ዝውዳእ ክዕገሱ እሞ ክሓቱ ንዝተዋህቦም ዕድል እኳ ክጽመሙ ዘይምኽኣሎም፤ ብስምዒት እምበር ብርድኢት ዘይከዱ ነንበይኑ ኣጀንዳ ዘለዎም ባእታታት ምዃኖም ዘቃልዕ እዩ።

እዚ ናይ ሓድነት መንፈሳዊ ጉባኤ ገለ ውሑድ ሕጽረታት እኳ እንተነበሮ፤ ብዝኾነ መንጽር ናይ ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ ምዃኑ ዘይከሓድን፤ ዓይነት ተሳተፍቱን ትሕዝቶ መደባቱን ድማ ኣርጊጹ ዝምስክረሉ እሙን ነገር እዩ። ይኹን እምበር፤ ብኣንጻርነት ናይዚ ጉባኤ ብሓደ ወገን ዝቖሙ ኣካላት ከካይድዎ ብዝጸንሑ ናይ ምጽላምን ምስይጣንን ዘመተ፤ ገለ ዓለማውያን ሰባት ኣብ ምድንጋር ከምዝበጽሑ ኣብቲ ጉባኤ ክቓወሙ ዝተረኽቡ ሰባት ከም ምስክር ክጥቐሱ ዝከኣል እዩ።
ነፍሶም ውስተ ኅፅነ አብርሃም የንብረልና እሞ ኢትዮጵያዊ ምዃኖም ኣሉ ዘይበሃለሎም ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ፤ ፓትያርክ ኤርትራ ከምዝነበሩ ብዘመስል ኣገባብ ብዛዕባኦም ሰፊሕ ሸፈነን፤ ተዛማዲ ዜና ኢትዮጵያ ክትህበናን ዝቐነየት ኣፍ፤ ብዛዕባ ዘይንፈልጦምን ዘይብጽሑናን “በጋሻው” “ኣባ ክስቶ” እናበለት “ብስራት” ስምዑ እናበለት ብዛዕባ ዘይምልከተና ኢትዮጲያዊ ወረታት “ተሃድሶ” ከተስምዕና ዝሓገየት ልሳን፤ ነንሕድሕዱ ዝጋጮን፤ ሃይማኖታዊ ፓለቲካዊ ከተለዓዕል፤ ዘይራኸብ ነገር እናለቀብካ፤ ንግሩህ ኣንባቢ ዘደናግር ዜና ክትፍኑን ኣባላታውን ክጕስጉሱ ከምዝቐነዩ ርዱእ ነገር እዩ። ነቲ ዝተዳለወ ጉባኤ’ውን ዘይመልክዑ ከተለብሶ፤ ብዘይ መርትዖ መወናበዲ ሃሎውሎው ነገራት ከተቕርብ ጸኒሓ እያ። ሓሶትን ስንቅን እናሓደረ ምፍኳሱ ስለዘይተርፍ፤ ርግእ ኢሉ ንዘስተውዕሎ፤ እቲ ዝተገብረ ናይ ጸለመ ሥራሕ ምስቲ መንፈስ ናይቲ ጉባኤ ዘራኽብ ዘይብሉ፤ ዶብ መንፈሳውነት ሰጊሩ ፓለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ፤ ውሽጥኻ ከይቅላዕ ዝተገብረ ናይ ሓሶት ዘመተ ምዃኑ ዝጠፍኦ የልቦን። ርቱዕ ሃይማኖትን ሰናይ ተግባርን ደኣ እምበር መበቈልን ካልእ ካብቲ ቅኑዕ መንፈሳዊ ኣጀንዳ ወጺእኻ ሃጠው ቀጠው ምባል መምዘኒ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

እቲ ዘሕዝን፤ ፍቕሪ ሃይማኖት ብዘገደዶም፤ ቅንኣት ቤተ ክርስቲያን ብዝበልዖም፤ ከም ሰቦም ብክንደይ ጭንቂ ሓውን ባሕርን ሰጊሮም ብዝነብሩ እሙናት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ንዝተዋደደ ጉባኤ፤ ብኸምዚ ኣገባብን ብኻልእን፤ ፓለቲካዊ ዕላማ ከም ዘለዎ ኣምሲልካ ብምጽላም፤ ብሃይማኖት ዘይመስሉናን፤ ፓለቲካዊ ኣጀንዳ ጥራይ ንዘለዎም ወገናትና ኣብ ማእከል ኦርቶዶክሳዊ መንፈሳዊ ጉባኤታትና ኣትዮም ነቲ ጉባኤ ክዘርጉ ምድፍፋዕን ምርባሽን ብኸመይ መዐቀኒ እዩ “መንፈሳዊ” ክብሃል ዝከኣል? ኮይኑ ድማ እቲ ናይ ረብሻ ተግባር ዕላማን መንነትን ናይዞም “ካህናት” እናተባህሉ ብፍላይ ድማ ብአቡን መቃርዮስ “ክህነት” ከም መጐልበቢን መሳለጥያን ዕላማታቶም ዝተመጠወሎም ኣካላት ኣጸቢቑ ዘግሃደ ተርእዮ ነይሩ ክብሃል ይከኣል። ዳርጋ ኣብ ኵሉ ዝተረኽብሉ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣውሮጳ ብመናፍቃዊ ትምህርቶም ዝልለዩን ዝተሰጕን ከም ምሉእ ብርሃን ዝኣመሰሉ ሰባት፤ ሎሚ “ካህናት” ተባሂሎም “ጸሊም” ተኸዲኖም ወረጃታት ክመስሉ እንተፈተኑ’ውን፤ ገለ ነቲ ናቶም ኑፋቄያዊ መገዶምን ተልእኾኡን እኳ ገና ዘይበሰሉ ምዃኑ እዚ ጉባኤ መስኪርሎም ኣሎ።

ነቶም ኣብዚ ዓውደ ጉባኤ፤ ብዓቕልን ብትዕግስትን ንጕዳያት ክትኣልዩ ዝፈተንኩም ኣቦታት፤ ኣኅዋት ድማ ካብዚ ጉባኤ ተማሂርኩም፤ ሓድነታዊ ስራሕ ክሳብ ክንደይ ንመናፍቃን ከምዘርዕዶምን፤ ንኣጽራረ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ኣካላት ከምዘቃልዖምን ፈሊጥኹም ብሕጂ ክተገብርዎ ብዛዕባ ዘሎኩም ነገራት ኣጠንኪርኩም ክትመኽሩን ክትላዘቡን ከምዝግባእ ምዕዶ ዘድለይኩም ኣይኮንኩም። እቶም ከምዚ ዓይነት ተጻብኦ መናፍቃን ሓዲሽ ኮይንኩም ዝተሰናበድኩም፤ ዓቕሊ ጽበት መናፍቓን ዝፈጠሮ ህውከት እዩ እሞ ኣይትገረሙ፤ ክሳዕ ፍሽለቶም ዝቐርብ፤ መንነቶም’ውን ኣጸቢቑ ዝጋሃድ ብሕጂ’ውን መልክዕን መገድን ቀይሩ ክስዕበኩም ምዃኑ ኣይትረስዑ ንብለኩም። ኣቦታትና’ውን ብክንደይ መከራ ሰጊሮም ሃይማኖቶም ኣኽቢሮም ከምዝዓቀቡ ኣስተውዕሉ ክንብል ንፈቱ።

ምስክርነት ኣሥመራ
ብተወሳኺ ካብዚ ናይዚ ሰሞን ፍጻሜታት ድማ፤ ከም ካልእ ኣብነት ዝጥቐስ ብዕለት ፲-፲፩ መስከረም ፳፻ወ፭ ዓ.ም. (20-21/09/2012) ኣብ ኣሥመራ ዝተጋበአ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ካብቲ ዝሓለፉ ጉባኤያቱ ሎሚ ብኵሉ ኣቀራርብኡ ናብ ሓድነት ዝወስድ ኣንፈት ዝተራእየሉን፤ ንቅዱስ ሲኖድስ እናዋሰነ ንዝትግበር ዝነበረ ንገለ ጊጉይ በይናዊ ኣካይዳ እቲ “ምምሕዳር” ብትሪ ዝነቐፈሉን፤ ኣንጻር ገለ መናፍቃዊ ተርእዮታት ስጉምቲ ክወስድ ገለ ዘርእዮ ዘሎ ተበግሶ ተስፋ ዝህብ ኮይኑ ዝተረኽበሉ ምዃኑ ዝበጻሕና ዘይተማለአ ዜና ይሕብር።

ብመሠረት በጺሑና ዘሎ ሓበሬታ’ውን፤ ጉዳይ ወዲ መዝሙር መሪጌታ ሠመረአብ ወልደገብርኤል ዝኾነ ዲያቆን ኃይለአብ (ኣባል ትምህርቲ ሰንበት አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኮይኑ ተምሃራይ ሜዲካል ስኩል ኦሮታ) ንብዙኅ እዋን ከዛርብ ድኅሪ ምጽናሕን፤ በቶም ኣብ ላዕሊ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ መተዓይዪትን ጸግዒን ብዝኾንዎ ኣካላት ክድብስበስን ክሰናኸልን ዝጸንሐ ጉዳይ መናፍቅነቱ፤ ሎሚ ንኵሉ ከዋሊ መንደቕ ሰጊሩ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ምብጽሑ ተስፋ እዩ። መንነትን ኣካይዳን ናይዚ ውልቀ ሰብ ኣቐዲሙ ተመርሚሩ ውሳነ ተዋሂብዎን፤ ንሱ’ውን ተጸዊዑ ብዛዕባ ዝቐርበሉ ጭብጥታት ክምልስ ትብዓት ስኢኑ እኳ እንተነበረ፤ ብዝያዳ ቅዱስ ሲኖዶስ ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ርእዩ፤ ኣጸዊዑ ድኅሪ ምዝርራብ ክውስን ትጽቢት ዝግበረሉ ነገር እዩ።

ከምዝፍለጥ፤ ዲያቆን ኃይለኣብ ሓደ ካብ ኣማይት ስዉራት ልኡኻት ጉጅለ ኣትላንታን፤ ኣብ ትሕቲ መሪጌታ ሠመረኣብ ኮይኖም ካብ ዝዓዩ መጋብርቲ መናፍቓን ኮይኑ፤ ኣብ ውሽጢ ኮሌጅ ሕክምና ኦሮታ ቤተ ክርስቲያን ዘይተፈልጦ፤ ብቀጥታ ብገብረሚካኤልን ልኡኹ ሠመረኣብን ከምኡውን ተረፍ መረፍ ናይ ዝቀደሙ መናፍቓን ዝዝወር ጉባኤ ክሥርትን ከስፍሕን ዝፈተነ እዩ። ኣብዚ ጉባኤ ይኹን ካብዚ ጉባኤ ወጻኢ ዝተፈላለዩ ትምህርትታት ገብረሚካኤል ይኹን ካልኦት መከልኣን ብካሴት እናተባዝኁ ከምዝዕድል ክግበር ጸኒሑ እዩ። እምበኣር ብዘሎና ሓበሬታ፤ እዚ ጉባኤ ብገለ ግዱሳት ተምሃሮ ስለዝተፈልጠ ደኣ ተቓሊዑ እምበር፤ መሪጌታ ሠመረአብ ኣብ ምሉእ ሃገር ዘርጊሕዎም ዘሎ ክገሃዱ ዘይድለዩ ናይ ዋሕዮ ጉባኤታት (ኣብ ኣባይቲ ኣባላቱ) ቍጽሪ የብሎምን። ኣባላቶም ድማ ካብ ካህናት፤ ዲያቆናት፤ ኣባላት ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ዝተኣኻኸቡ ኮይኖም፤ በቲ መናፍቃዊ ኣካይዶኦም ዝልለዩ እዮም። እዞም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስዉር ጉባኤታት ዝስልጥኑ ዘለዉ ኣባላት ድማ ኣብ “በብዘገልግልዎ” ቤተ ክርስቲያን፤ ተመሊሶም ብምምስሳል ነቲ ኑፋቄያዊ ትምህርቶም ይዝርግሑን፤ ንካልኦት ጥዑያት ይብክሉን፤ እናተለሳለሱ ከኣ ስዉር ሃይማኖት ኣቦታት ናይ ምፍራስ ተልእኾኦም ይፍጽሙ ማለት እዩ። ስለዚ ናይ ዲያቆን ኃይለአብ ናይ ኦሮታ ጉባኤ ሓደ ካብቲ ብዙኅ ክቓላዑ ዝነበሮም ስዉር ጉባኤታት ኮይኑ፤ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝወስዶ ውሳነ’ውን ነቲ ዝመጽእ ዓበይቲ ተመሳሳሊ ተግባራት ባብ ዝኸፈት ክኸውን ትጽቢት ብዙኃት እዩ።

እቲ ዝገርም ግና፤ ተምሃራይ ሠመረአብ ዝኾነ ሓደ ዲያቆን ብኸምዚ መገዲ ክቓላዕን፤ ዝተፈላለየ ውሳነ ብዝምልከቶም ኣካላት በብደረጅኡ ክውሰደሉ ጸኒሑ ከብቕዕን፤ ነቲ ቀንዲ ኣዋፋሪኡ ዝኾነ ኣካል ግና ዛጊት ዝተዛረቦ ዘይምህላዉ፤ ላዕለዋይ ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኣብ ምንታይ ዝኣመሰለ ኑፋቄያዊ ሕብረት ከምዝኣተወ ዘመስክር እዩ። ነቲ ለኣኻይን መምህሩን ገዲፍካ፤ ነቲ ተምሃራይ ምጥቓን ግና ሚዛኑ ፈዅስ ከምዝኸውን ኣይሰሓትን እዩ። እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዝዝራእ ዘሎ መናፍቓዊ ዘርእን፤ ሓራጥቃዊ መርበባት ብዕቱብ ተጸኒዑ ሓደ ዕቱብ ውሳነ ክሳዕ ዘይተዋህቦ ድማ ኣብዚ ደገ ዝያዳ ባይታ እናረኸበ ከምዝኸይድ ኣይሰሓትን እዩ። ምኽንያቱ እቶም ካብ ሃገር ምስ ወጹ ኣብዚ ደገ ቀልጢፎም ናብዚ መናፍቃዊ ጉጅለ ዝጽንበሩ ኣባላት፤ ብዝያዳ ኣብ ውሽጢ ከለዉ ብሠመረኣብን መርበባቱን ዝተመልመሉን ፍሬታቱን ምዃኖም ብዓይንና እንርእዮ ሓቂ እዩ።

ምስክርነት ገዳም ደብረ ቢዘን
ብሣልሳይ ደረጃ በብቝሩብ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝስማዕ ዘሎ ሓደ እወታዊ ስጉምቲ ድማ፤ ብሃይማኖታዊ ጽንዓቶምን፤ መንፈሳዊ ተጋድሎኦምን ዝፍለጡ አበው ገዳም ደብረ ቢዘን፤ ኣብ ልዕሊ ብቀጻሊ ብዝረቀቐ ሜላ መናፍቃዊ ትምህርቲ ኣብ ሃገርና ከስፋሕፍሕ ኣብ ልዕሊ ዝጸንሐ መሪጌታ ሠመረአብ ወልደገብርኤል ዝወሰድዎ ሓደ ተባዕ ስጉምቲ እዩ።

እዚ ኸኣ ኣብ ክብረ በዓል አቡነ ፊልጶስ (ዝሓለፈ ፭ ነሓሰ ፳፻ወ፬ ዓ.ም.) ኣብ ገዳሞምን ቤተ ክርስቲያኖምን ቅዱስ ቍርባን ከይቕበል ምኽልካሎም እዩ። ኣበው ገዳም ደብረ ቢዘን ናብ ኸምኡ ዓይነት ውሳነ ዘብጽሖም ምኽንያት ወይውን መበገሲ ብንጹር እኳ እንተዘይተፈልጠ፤ ብታሪኹ ይኹን መንፈሳዊ ጽንዓቱ ኣብ ሀገርና ዝተፈልጠ ዓቢይ ገዳም ደብረ ቢዘን፤ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ውሳነ ዘብጽሖ እኹል ነገራት ክህልዎ ከምዝኽእል ግና ዝጠራጠር የልቦን። እዚ ስጉምቲ’ዚ ነቲ ኣብ ውሽጡ ሓቝፉ፤ ኣገዳሲ ኃላፍነትን መደባት ሥራሕ እናሃበን፤ ከም ድሌቱ ዕላማታቱ ክፍጽም እናፍቐደ ክተሓባበር ዝጸንሐን ኣካል “ምምሕዳር” መንበረ ፓትርያርክ ዓቢ ጽፍዒት ከምዝኸውን ከይተሓልመ ዝተፈትሐ ጉዳይ እዩ። ድሮ እኳ ሠመረኣብ እዚ ጉዱ ከይቓላዕ ብምፍራህ ከም ዕቡድ ከልቢ ዘርእዮ ዘሎ ከልፍለፍ ነቲ ጉዳይ ዝሰምዑ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ከየገረሞም ኣይተረፈን። ከምቲ ልሙድ ሰባት ብዘዳህለሉ ጥበቡ “ይቕረ በሉለይ፤ ከይፈለጥኩ እየ በዲለ” ሓሓንሳብ’ውን ዓይኑ ብጨው ሓጺቡ “ኣይውዓልክዎን” “ኣይፈልጦን” ሓሓንሳብ’ውን “ከምዚ ክብል ደልየ እምበር” እናበለ ከምዝክሕዶ፤ ንኣቦታት ደብረ ቢዘን መስድዒ ምኽንያት ብምምሃዝ፤ ነቲ ውሳኔኦም ዘልዕሉሉ ኣገባብ ይጽዕር ከይህሉ ጥርጣረ ዘለዎም ኣካላት ስኽፍትኦም ገሊጾም ኣለዉ።

ኣቦታት ገዳም ደብረ ቢዘን፤ ዋላ ይደንጒ ደኣ እምበር ዝወሰድዎ ስጉምቲ ምስጋና ዘውህቦም እዮም። እቲ ሓላፍነት ዝተዋህቦ ኣካል፤ ሃይማኖት ምሕላው ዝምልከት ቀንዲ ሥርሑ ምስራሕ ካብ ገደፈን፤ ንተረፈ መናፍቃን ባይታ ብምሃብ ምስ ኣጽራረ ሃይማኖት ካብ ሓበረን፤ ገዳማትና ከምቲ ኣብ ታሪኾም ስለ ሃይማኖት ዝፈጸምዎ ዓበይቲ ተጋድሎ፤ ሎሚ’ውን ኣብ ዘመንና ግቡኦም ብምፍጻም፤ እጃሞም ከበርክቱ ትጽቢት ኵሉ ኣማኒ ምዃኑ ኣይከሓድን እዩ። ኣብ ምእመናን ይኹን ኣብ ኣገልገልቲ፤ ኣብ ልዕሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዘሎ ሃይማኖታዊ እምነትን ትውክልትን እናሃሰሰ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፤ ቅዱሳት ገዳማትና ተራኦም ከበርክቱን ከዕዝዙን ድሌት ኵሉ ሕዝቢ ምዃኑ ድማ እናተገሃደ ዝመጽእ ዘሎ ሓቂ እዩ። ብሰንኪ ሸለልትነትን ኣተሓሕዛን ላዕለዋይ ኣካል መንበረ ፓትርያርክ፤ ምእመናንን ኣገልገልትን ግዳይ ተዃሉ መናፍቓንን ስዉር ዕላማታቶምን ይኾኑ ምህላዎም ድማ ኣብ ምሉእ ዓለም ብ ጕንዶም ሠመረአብ ተጨጪሖም ዝዝርግሑ ዘለዉ ጨንፈር ተምሃሮኡ ጽቡቕ ኣብነት እዮም።

መደምደምታ
ብሓፈሻ ኣብዘን ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ወጻኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ፤ ኣብ ልዕሊ መናፍቃንን ኣካይድኦምን ብዝተፈላለየ ኣካላት ዝረአ ዘሎ ውሁድ ተበግሶ ክተባባዕን ክቕጽልን ዘለዎ ኣገዳሲ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። ደጊምና ደጋጊምና ክንዛረበሉ ከምዝጸናሕና፤ ይውዓል ይሕደር እምበር፤ ተሸፋፊኑ ዝተርፍ ነገር ስለዘየልቦ፤ ብሕቡእን ብጸልማትን ዝምከርን ዝጥጃእን ክፉእን ኣንጻር ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ኵሉ፤ ኣብ ጊዜኡ ከም ቀትሪ ፀሓይ ክወጽእን ክገሃድን እዩ። እቲ ዘይሕሶ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ድማ እሙን እዩ።  “ዘይቅላዕ ክዱን፤ ዘይፍለጥ ድማ ስዉር የልቦን”።

4 comments:

  1. amelak semay wemder aglglotkum ybarkelkum. GBRI HAWARYAT MERAF 20.28.29

    ReplyDelete
  2. ወልደ ተዋሕዶOctober 10, 2012 at 10:12 PM

    በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፤

    ብመጀመርታ መንፈሳዊ ሰላምታይ አቐድም፤ ልዑል እግዚአብሔር ምኽሩን ጥበቡን ክልእከልና ወይ ድማ ልክዕ ንምኻን ንሕና ክንቅበሎ እቲ ጊዜ ዝጀመረ ይመስል። ሕጂ ተሪፉ ዘሎ ናትና እጃም እዩ። ብጹዓን ኣቦታትና ነቒሖሙሉ ዘለዉ ይመስሉ። ቅዱሳት ገዳማትና ድማ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ቆፎኡ ከም ዝተተንከፈ ንህቢ ተላዒለን ኣለዋ። ነዚ ብጸሎትን ሱባዔን ዝጀመረ ናይ ገዳማት ተበግሶ ኣንጻር መናፍቃን ድማ ዝዓግቶ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ የልቦን።

    ሰመረኣብ እኮ ኣዝዩ ተረብሹን ፈሪሁን፡ ዝሕዞን ዝጭብጦን ጠፊኡዎ እዩ ዘሎ፤፤ ብኣካልን ብልኡኻቱን ገይሩ ከኣ "ዋጋ ክንከፍል ኢና" ይብል ኣሎ። እቲ ዋጋ ግና ዋጋ ሃይማኖት ዘይኮነስ፡ ዋጋ መናፍቕነት ምኻኑ ንኹሉ ርዱእ እዩ። ግና እስከ ናትና እጃም ከ እንታይ እዩ፤ እንታይ ንግበር እስከ ንመኻኸር፤፤

    ReplyDelete
  3. AMLAK NIKULU HAKENIA FERADAY EYU, AB GIZIE DIMA NIKULU KEKEMGIBRU YIHBO, ETI FIRHAT EGZIABIHEIR ABEY KEYDU? NAY BIHAKI KUFIE ZEMEN, ZEYMINBAR YIHAYISH.

    ReplyDelete