Tuesday, October 16, 2012

ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን አቡነ ፊልጶስን፤ ነዚ ዘመን ዝኸውን ገድላዊ ትምህርቶም(፩ይ ክፋል)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

1.0 ግብጻውያንን ንሕናን

ከምዝፍለጥ፤ ሎሚ ውሑዳት ዘይኮኑ ብፍላይ መንእሰያት ደቂ ቤተ ክርስቲያን፤ ብዝተፈላለየ መገዲ ኣብ ልዕሊኦም ብዝዘንብ ዘሎ ድርብ ዝዕላምኡ ጐስጓስ መናፍቓን እናተሰናበዱን ግዳይ ጥርጥር እናኾኑን፤ ቤተ ክርስቲያን ሃገሮም ንዘለዋ ጥንታዊ ትምህርቲ ከቆናጽቡን፤ ኣብ ትምህርተ ሃይማኖትን፤ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ንዘለዎም እምነት ከህጽጹን ይስምዑን ይረኣዩን እዮም። “ንሕና ናይ ግብጺ ኢና እንኽተል” ብዝብል ፈሊጥ ድማ፤ ትምህርትን ገድልን ኣቦታቶም ከምቲ ዝግባእ ከይፈለጥዎን ከይመርመርዎን ከለዉ ካብ ማዕዲ መናፍቓን ብዝቐርብሎም ዘለዉ ናይ መደናገሪ ውሑዳት ነጥብታት ጥራይ ተመርኲሶም፤ ትምህርቲ ኣቦታቶምን ወለዶምን ኣትሒቶም ክርእዩን፤ ከስተናዕቕዎን ይስምዑ እዮም። እቲ ብስም “ትምህርቲ ግብጺ” ዝጉስጉስ ኣካል፤ ጸኒሕን ሓቀኛ መንነቱን ፍሒርዎ ዘሎ ጕድጓድን ከይረኣዩ ድማ፤ ሰተት ኢሎም ክቕበልዎን፤ ልቦም ከፊቶም ከዐንግድዎን ይረኣዩ እዮም። ብመጋረጃ “ግብጺ” ዝተኸወለ ካልእ ዕላማ ከምዘሎን፤ ሓንሳብ ብስም ግብጺ ልቢ ምስ ሸፈተን ካብ እምነት ኣቦታቱ ምስ ተመንቈሰን ግና፤ ናብ ከመይ ዓይነት ደልሃመት በብቝሩብ ንምእታዉ መደባት ይትግበር ከምዘሎ፤ ቀስ እናበለ ዝገሃድ ዘሎ ሓቂ እዩ። ሓንሳብ ብስም አቡነ እንጦንዮስ እናተጐልበበ ዝጀመረ ክውል ሽፍትነት፤ ምስ ጕዳይ እዞም ክቡር ኣቦ ብዘይተሓሓዝ ኣጀንዳ ካልእ ኑፋቄያዌ ዕላማን ትምህርትን ይስዕቦ ምህላዉ ኣብ ቅድሜና ከም ፀሓይ ቀትሪ ተወሊዑ ዘሎ ሓቂ እዩ።
ዋላ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከይተረፈ፤ ብዙኃት ተምሃሮ ትምህርቲ ሰንበት፤ ካብ ዝተፈላለየ ማእከናትን መርበባትን ሓበሬታ ብዝረኸብዎ ዘይተጻረየን፤ ዘይተነፍየን ትምህርቲ፤ ግዳይ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕላማታት መናፍቓን ይኾኑ ምህላዎም ዝበጽሓና ዘሎ ሓበሬታ የረጋግጽ። እቲ ጸገም ከኣ እቶም መንእሰያት ከምቲ ዝግባእን ብምልኣትን ትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን፤ ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ካብቶም ዝግብኦም መምህራን ከይተማህሩ ስለዝዓብዩን፤ ንዝሓትዎ ዘበለ ኵሉ እኹል ምላሽ ክህቡዎም ዝኽእሉ መምህራን ኣብ ኵሉ ዘይምርካቦም ምዃኑ ይጥቐስ እዩ። ገሊኦም ድማ ንትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ካብ ፍርቁን ብማእከሉን ይጅምርዎ እሞ፤ ገና ብዝግባእ እቲ መሠረታዊ ትምህርተ ሃይማኖት ከይተማህሩ ኣብ ስብከትን ምእላይን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ስለዝኣትዉ፤ ደጊሞም ተመሊሶም ናይ ምምሃር ዕድል’ውን ስለዘይረኽቡ፤ ዘዘረኽብዎን ይፈልጥ ዝብልዎን ክሓቱን፤ ንዝረኽብዎ “ምንጪ” ድማ ከየረጋገጹ ስለዝጥቐሙሉን ኣብ ዘይተደልየ ምብራዝ እምነትን ሥርዓት ካልኦትን ይእቶ ከምዘሎ ብዙኃት ዝዛረቡሉ ኣሰካፊ ዛዕባ መንእሰያት ኮይኑ ይርከብ። እቲ “ዝምልከቶ” ድማ ብቝዕ ሥርዓተ ትምህርቲ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ብዘይምትእትታዉን፤ ዝግባእ ቆላሕታ ሂቡ ንሽግራት ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ክፈትሕ ይረአ ብዘይምህላዉን፤ ዕቱብ ምክትታል ካብ ምግባር ዓዲ ብምውዓሉን እቲ ጸገማት ናብ ዘይተደለየ ኣንፈት ከይከይድ ዘለዎም ስክፍታ ዝገልጹ ወገናት ቤተ ክህነት እናበዝኁ ይመጽኡ ምህላዎም ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

እምበኣር ንሎሚ ንዘሎ ሽግራት ንምግላጽ ዘይኮነስ፤ መናፍቓን ካብቲ ክጥቐሙሉን ዝጉስጉሉን ዝፍትኑ እቲ ሓደ፤ ግብጻውያን ኣቦታት፤ ካብ ኣቦታት ሃገርና ብኵሉ መገዲ ብልጫ ከምዘለዎም ብዘመስል ቃና፤ ንትሕትና ዘይኮነስ ብርእሰ ምትሓት ንነገራት ግብጺ ከምዘለዎ ጥራይ ተቐቢልካ ብምኻድን፤ ን“ውሑድ” ፍልልያት ኣጋኒንካን ኣተኲርካን ብምስባኽን፤ ኣብ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ተኣማንነት ንምጕዳል ንዝግበር ዘሎ ጐስጓስ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ዝኸውን፤ ኣቦታትና ካብ ዝፈጸምዎ እሙን ገድሊ ንሓደ ከም ኣብነት ብምጥቓስ፤ ከነስተውዕለሎምን ርእስና ክንፍትሸሎም ዝግብኡና ነገራት ከምዘለዉ ንምዝክኻር እዩ።

እዚ ክንብል ከሎና፤ መንበረ ማርቆስ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን መሠረትና፤ እስክንድርያ ኣደ ቤተ ክርስቲያንና ምዃና ንምቍናጽብ ወይውን፤ መራሕቲ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን፤ ክኽብሩን ክፍተዉን ዝግብኦም ኣቦታትና ምዃኖም ዘንጊዕና ኣይኮናን። እንታይ ደኣ፤ ብስሞም ንዝግበር ዘሎ “ሸቐጥ” መናፍቓን ንምቕዋምን፤ ኣብ ገለ ታሪኾም ብሰንኪ ዝተፈላለየ ምኽንያት ንሳቶም ካብቲ ዝጸንሐ መገዲ ኣቦታቶም ስሕት ኢሎም ወጺኦም ክኸዱ ከለዉ፤ ኣቦታትና ግና ሓንሳብ ንዝተቐበልዎ ትምህርቲ ኣጽኒዖም ዝሓዙ ምዃኖም ንምርኣይን፤ ኣቦታት ሃገርና ንግብጻውያን ኣቦታት ክሳዕ ምእራምን ምምሃርን ዝበጽሕ መንፈሳዊ ብቕዓት ዝውንኑ ምንባሮም ንምጥቓስ ጥራይ እዩ። ብርግጽ ኣቦታቶም ኣቦታትና እዮም። ናትና ይበልጽ፤ ናቶም ይንእስ ኢልና ንምውድዳር ዘይኮነስ፤ ንሶም ብዝተፈላለየ ታሪኻዊ ጉዕዞ፤ ብዝወርዶም ዝነበረ መከራን ካልእ ተጻብኦን፤ ንገለ ውሑድ ትምህርትን ሥርዓት ቅዱሳን ኣቦታቶምን ከጓድሉ ከለዉ፤ ኣቦታትና ግና ሓንሳብ ካብ ጥንቲ ንዝተኸተልዎ መገዲ ክሳዕ ሎሚ ይስዕብዎ ብምህላዎም፤ ዝያዳ እኳ ኣብ ገለ ጕዳያት ክርክር፤ ኣቦታትናን እቶም ዝቐደሙ ኣቦታቶምን እምበር ሎሚ ዘለዉ ኣቦታቶም ከም ፍጹም መወከሲ ምውሳድ ዘለዎ ፍረ ምቁር ክኸውን ከምዘይክእል ንምምስካር ዝኣክል እዩ። 

እኳ ደኣ እቲ ምስልን ሕይወትን ቀዳሞት ቅዱሳን ኣቦታቶም ዝናፍቑ ሎሚ ዘለዉ ኣቦታት ዘመናዊት ግብጺ፤ ተመሊሶም ጥንታውያን መዛግብቶምን ታሪኾምን ኣብ ዝፍትሹሉ ዘለዉ እዋን፤ እቲ ናይ ቀደም ርቱዕ ሕይወትን፤ ብቅድስና ዝወቀበ ተጋድሎ ኣቦታቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓበሻ ተዓቂቡ እዩ ዘሎ እናበሉ ዘለዎም ናዕዳን ኣኽብሮት ክገልጹ ይስማዕ እዩ። ነዚ ሕይወት ዳግማይ ክረኽብዎን ክመልስዎን ድማ ሃረርትኦም ክገልጹ ዝስምዑ ውሑዳት ኣይኮኑን። “ሎሚ ቅዱስ ኣባ እንጦንስ ተመሊሱ እንተዝመጽእ፤ ንዕኡ ዝመስሉ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓበሻ እምበር ኣብ ግብጺ ከምዘይረክብ ዝተፈልጠ እዩ” ክሳብ ምባል ዘብጽሖም ጕዳይ ከኣ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ብሓቂ ንሕና ደቂ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን፤ ደቂ ቅዱስ ማርቆስ፤ ደቂ አባ እንጦንስ፤ ደቂ ቅዱስ አትናቴዎስ ሓዋርያ፤ ደቂ ቅዱስ ቄርሎስ፤ ደቂ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ፤ ወቦ …ዝኾኑን መገዶም ዘጽንዑን ኣቦታት ብምርካብና፤ ንኣምላኽ ከነመስግኖ ይግባእ። ናይዞም ቀደምት ቅዱሳን ኣበው ትምህርቲ ድማ ቤተ ክርስቲያንና ኣጽኒዓ ትርከብ ብምህላዋ ከሐጕስናን ከጸናንዓናን እምበር፤ ከሕፍረና ኣይግባእን እዩ። እቶም ክሓፍሩን ክሰከፉን ዘለዎም ካብ ትምህርቲ ኣቦታቶም ሸተት ዝበሉን፤ ብሽግሮም ባዕላዊ ትምህርቲ ለቂቦም ከም ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዝዛረቡሉን ጥራይ እዮም። ሎሚ’ውን ኣብዚ ትምህርቲ፤ ኣብዚ ሥርዓት … እናበልና ምዝርዛሩ፤ ካብ መኽሰቡ ጕድኣቱ ስለዝምዝን፤ ንሓድነታውን ዘየገልግል ብምዃኑ ባዕልና ከይነጥቕሶ ክንገድፎ ንግደድ ኣሎና እምበር፤ ካብቲ ኣጥቢቑ ዝምርምሮ ዝኾነ ኣካል ስውር ነገር ኣይኮነን። ግብጻውያን ኣቦታትና’ውን ኣፍ ኣውጺኦም ዝዛረቡሉን ዝምስክሩሉን ጕዳይ ስለዝኾነ ደጋጊምካ ምግላጹ’ውን ኣገዳሲ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ልዕሊ ጥንታዊት ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያንን መነኮሳት ኣቦታትና ዘለዎም ኣኽብሮትን፤ ፍቕርን ድማ ነዚ ኵሉ ስለዝፈልጡን ምዃኖም ክንዝንግዖ የብልናን። ነቲ ዝቐደመ ዘመን ኣቦታትና ገዲፍና፤ ኤርትራዊ ጻድቕ አባ ገብረክርስቶስ (ዓብዱል መሲሕ) ቅድሚ ኣስታት ፶ ዓመታት ኣብ ታሪኽ ዘመናዊት ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተኸልዎ ግብራዊ ትምህርትን፤ መስተንክራዊ መቐይሮ ታሪኽን ኣብ ሕይወት ግብጻውያን ኣቦታት ዝገደፎን ዘለዎን ልዑል ቦታ ድማ ከም ኣብነት ዝጥቐስ እዩ።
ሎሚ ሎሚ፤ ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን፤ “ጥንተ አብሶ ኣለዋ” ኢላ ትምህር እያ፤ “ሥዕለ ሥላሴ ኣይትቐበልን እያ”…ወዘይመስሎ እናበልካ ዝግበር ዘሎ ጐስጓስ፤ ነቲ ክውል ዕላማኻ ንምውቓዕ ከም መጐለበቢ ክትጥቐመሉ እንተዘይኮይኑ፤ ኣብ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ከም መንቅብ ክጥቐስ ዝግብኦ ክኸውን ኣይምተገበአን። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ታሪኽ ፈቲሽና፤ ዝቐደሙ ኣቦታትን ናብርኦምን መርሚርና፤ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣገላቢጥና ክንበጽሖ እንኽእል ሓቂ፤ እቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ታሪኽን፤ ከም ዕንቈ ዘብርህ ዘይተኸለሰን ዘይተበረዘን ትምህርቲ ቅዱሳን ኣቦታት (ናይ ግብጺ ይኹን ናትና) ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ተዓቝሩን ተዓቂቡን ከምዘሎ እዩ። ብመሠረቱ እዚ ዚብሃል “ሓድሽን ዘመናዊን” ድርሰት ግና፤ ኣብ ውሽጢ ከርሳ ተገሊጹ ዘይውዳእ ሃብቲ ቅድስናን፤ መንፈሳዊ ጸጋን ሒዛ ንእትርከብ፤ ብዙኃን ቅዱሳንን ብዙኃት ቅዱሳትን ንዝፈረየት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና መቖናጸቢ ኮይኑ ክጥቐስ ፈጺሙ ነቶም ባህልቱን ተቐበልቱን ከሕፍሮም ምተገበአ ነይሩ። እግዚአብሔር ኃይሉን ጥበቡን እንተደኣ ሂቡና ብካልእ ኣርእስቲ ኣብ ጊዜኡ ክንምለሰሉ ኢና። ንሎሚ ግና ገድሊ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን ኣቡነ ፊልጶስን ምኽንያት ብምግባር፤ ኣብ ዘመኖም ካብ ዝፈጸምዎ ምስ ግብጻውያን ኣቦታት ዘዛምድ ጕዳይ ቀዳሚት ሰንበት ንትምህርትን መለበሚን ክኾነና ንሓደ ክፋል ገድሎም ጥራይ ክንርኢ ኢና።

2.0 ሓጺር ታሪኽ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን አቡነ ፊልጶስን
ከምዝፍለጥ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣብ ዘመን ንግሥነት ዓምደጽዮን፤ አቡነ ፊልጶስ ድማ ኣብ ዘመን ንግሥነት ዳዊት እዮም ዝነበሩ፤ ብመንፈሳዊ ተጋድሎኦም ዝልለዩ ቅዱሳን ኣቦታት ከኣ እዮም። ታሪኽ ሕይወቶምን ሓጺር ገድሎምን ብዛዕባ ዝምልከት፤ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝወጹ ተኸታተልቲ ጽሑፋት ማዕዶት ክንርኢ ንኽእል ኢና። (አቡነ ኤዎስጣቴዎስ 1,2,3አቡነ ፊልጶስ 1 , 2 , 3)

ብሓጺሩ ግና እዞም ክልተ ቅዱሳን ቅድሚ ኣስታት ፯፻ (700) ዓመታት ኣብ መበል ፲፫ን ፲፬ን ክፍለ ዘመን ዝተላዕሉን ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዓበይትን ኣገደስትን ተጋድሎ ዝፈጸሙ ቅዱሳን ኣበው ምዃኖም ድማ ይፍለጥ። ብመንፈሳዊ ሓረግ’ውን ክረአ ከሎ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ካብቶም ሎሚ ንመብዛኅትኦም ገዳማት ኤርትራ ንዘቖሙ ቅዱሳን ኣበው ዝወለዱን ዝፈረዩን ቅዱስ ኣቦ ክኾኑ ከለዉ፤ አቡነ ፊልጶስ ከኣ ሓደ ካብኦም ኮይኖም፤ ብሓረገ ምንኵስና ንኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ወዲ ወዶም እዮም (ኤዎስጣቴዎስ ንበኪሞስ፤ በኪሞስ ድማ ንፊልጶስ) ።

ዓመት መጸ ፲፰ መስከረም፤ ጽባሕ በዓለ መስቀል፤ ናይ ኤርትራ ሓዋርያ ዝኾኑ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ፀሐይ ኣብ ኵለን ብፍላይ ድማ ብስሞም ኣብ ዝተሰመያ ኣብያተ ክርስቲያናት፤ ካብኡ ብዝበለጸ ድማ ናይ መንፈስ ደቆም ብዝተኸለወን ዝበዘኃ ገዳማት ኤርትራ ክብ ብዝበለ ሥነ ሥርዓትን መንፈሳዊ ክብረ በዓልን ይዝከሩን ይኽበሩን እዮም። እኳ ደኣ ቀደም፤ ከምዚ ሎሚ ብዘይጠቕም ምኽንያት ከይተሰናኸሉ ከለዉ፤ ገዳማት ነዚ ክብረ በዓል ኣቦኦም ቅድሚ በበይኖም ምኽባር ምጃማሮም፤ ማእከላይ ቦታ መሪጾም ኣብ ገዳም ደብረ ጽጌ አቡነ ዮናስ ብሓባር የብዕልዎ ምንባሮም ይፍለጥ።

እምበኣር ታሪኽ ኣቡነ ፊልጶስን ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ክንርኢ ከሎና፤ ብዘይካ እቲ መንፈሳዊ ዝምድናኦምን ካልእ ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ታሪኻዊ ምትእስሳርን፤ ብዝፈጸምዎ ሓደ ተመሳሳሊ ገድሊ’ውን ይዝከሩ እዮም። ሓደ ካብኡ ድማ ምስ ግብጻውያን ኣቦታት ዘሰሓሓቦምን ዝተዓወቱሉን ጕዳይ ክብሪ ቀዳሚት ሰንበት እዩ። ከምዝፍለጥ፤ ብመሠረት ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን፤ ቀዳምን ሰንበትን ማዕረ ከም ሓደ ብዘይ ኣፈላላይ ዝኸበራ ዓበይቲ በዓላት ጐይታ እየን። ዝኸበራሉ ድማ ነናተን እኹል ምኽንያት ኣለወን። ይኹን ደኣ እምበር ኣብቲ ዘመን’ቲ ቀዳሚት ሰንበት (ቀዳም) “ኦሪታዊት” ስለዝኾነት ማዕረ ሰንበተ ክርስቲያን ክትኽበር የብላን ዝብል ትምህርቲ ብምቅልቓሉን፤ ኣብቲ ቤተ መንግሥትን ሊቃውንተ ኢትዮጵያ ከይተረፈ ተቐባልነት እናረኸበ ብምምጽኡ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ነዚ ሓድሽ ትምህርቲ ኣጥቢቖም ተቓወሙ፤ ስሌኡ ድማ ተጋዲሎም። ብሰንኩ ድማ ብዙኅ ፈተናን ተጻብኦን ተጓኒፍዎም ነይሩ። እቲ ተቓውሞ ናብ ደቂ ደቆም’ውን ስለዝሰገረ፤ ኣብ ልዕሊ ደቆም ብዙኅ መከራ ወሪዱ እዩ። እቲ ክርክር’ውን ኣብ ጊዜ ኣቡነ ፊልጶስ ቀጺሉ፤ ንሶም’ውን ስለቲ ሓቀኛ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን ሕገ እግዚአብሔርን ብዙኅ መከራ ተቐቢሎምን፤ ክሳብ ባሕሪ ምንዳድ ዝበጽሕ ተኣምራት ብምፍጻም ድማ ነቶም ዝተቓወምዎምን ደገፍቶምን ስዒሮም እዮም። እምበኣር ብዛዕባ እቲ ኣብ ዘመን ክልቲኦም ኣቦታት ዝነበረ ኵነታትን ናይ ግብጻውያን ኣቦታት ታራን፤ ስለቲ ሓቀኛ ትምህርቲ ዝተፈጸመ ገድሊን፤ መጻሕፍቲ ፈቲሽና ንዝረኸብናዮ ታሪኻዊ ሓቂ ምስዚ ዘሎናዮ ዘመን እናነጻጸርና ናባኹም ነቕርቦ ኣሎና። ታሪኽ ሃገርና’ዩ እሞ፤ ካብቶም ዝቐደሙ ኣቦታትና ክንመሃረሉ እንኽእል ብዙኅ ሓቅታት ስለዘሎ፤ ርእስና ክንፍትሽ ዝዕድመና’ውን ስለዝኽእል ብምስትውዓል ክንምልከቶ፤ ኣምላከ ቅዱሳን ጥበቡ ይሃበና።

3.0 መበቈል ጋእዝ (ክርክር)
ጕዳይ ማዕርነት ክብሪ ቀዳሚት ሰንበት ምስ ሰንበተ ክርስቲያን ዝምልከት፤ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ሓበሻ (ኢትዮጵያን ኤርትራን) ካብ ቅድም ኣትሒዙ ከም ዛዕባ ዘዛረበ ርእሲ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ሕገ ኦሪት ተኣዚዙ ከምዘሎ “አክብር ሰንበቶ ለእግዚአብሔር አምላክከ”፤ ምኽባር ቀዳሚት ሰንበት ሓንቲ ካብ ፲ተ ትእዛዛተ እግዚአብሔር ኮይና፤ ኣገባብ ኣከባብርኣ ይፈላለ እምበር፤ ካብ እስራኤላውያን ጀሚሩ ኣብ ኵለን ብሉይ ኪዳን ዝቕበላ ሃገራት ክርስትና፤ ምስታ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ፈላሚት በዓላትን ዕለት ጐይታ ተባሂላ እተጸወዐትን ሰንበተ ክርስቲያን ብሓባር ክኽበራ ጽኒሐን እየን። (ዘፍጥ ፪፥፪-፫/2፥2-3 ዘጸ ፳፥፰-፲፩/20፥8-11 ዘዳግ ፭፥፲፪-፲፭/5፥12-15 ማቴ ፭፥፲፯-፲፱/5፥17-19 ግብ ፳፥፯/20፥7 ቀዳማይ ቆሮ ፲፮፥፪/16፥2 ራእ ፩፥፲/1፥10) እዚ ክልቲኡ ትእዛዝ’ዚ ብኣምላኽ ዝተዋህበ እምበር ሰብ ዝሰርሖ ሕጊ ኣይኮነን። ጐይታ’ውን ኣጽኒዕዎን ኣኽቢርዎን እምበር ኣይሰዓሮን። እኳ ደኣ ኣይሁድ ንዝፍጽምዎ ዘይግባእ ኣበዓዕላ ነቒፉ፤ ባዕሉ ጐይታ ሰንበት ምዃኑ ገለጸ። ኣብ ሰንበት ድማ ሰናይ መንፈሳዊ ተግባር ምፍጻም ከምዝግባእ ኣጽኒዑ መሃረ። ንሱ’ውን ኣብታ ናይ መንግሥተ ሰማያት ዕረፍቲ ተምሳል ኣብ ዝኾነት ሰንበተ ክርስቲያናት ትንሣኤኡ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ግብራታቱ ፈጸመ። እምበኣር ክልቲአን ሰንበታት ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ክኽበራ ከምዝግባእ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ ሲኖዶሶም ዝያዳ ኣስፊሖም ዝገለጽዎ እዩ። (ትእዛዝ ሲኖዶስ ፷፯/67) ድኅሪ ኣዋጅ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ (መጀመርታ ክፍላ ፬ይ ክፍለ ዘመን) ድማ ቤተ ክርስቲያን ብኣዋጅ ናጽነታ ምስ ረኸበት ዕላዊ ኮይኑ እምበር፤ ቤተ ክርስቲያንሲ ንክልቲኡ ሰንበት ካብ ዘመን ሓዋርያት ኣትሒዛ ከተኽብሮ ጸኒሓ እያ። ኣባ ጳኵሚስ’ውን ኣብ ሥርዓተ ሕገ ምንኵስና’ውን ብዛዕባ ክብሪ ክልቲኦም ሰንበታት ጠቒሶሞ እዮም። ብዓል ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሓዋርያ ኣብ ቅዳሴኦም’ውን ክብሪ ሰንበት ኣስፊሖም ዝገለጽዎ እዩ።    

እምበኣር እዚ ብሉይን ሓዲስን ዘዛመደ ትምህርትን ሥርዓትን ካብ ቀደም ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ብዝግባእ ክትግበር ይጽናሕ እምበር፤ ኣብ ከባቢ መወዳእታ ፲፩ ክፍለ ዘመን፤ ግብጻዊ ጳጳስ አቡነ ሳዊሮስ አብ ቤተ ክርስቲያን ሓበሻ፤ ቀዳሚት ሰንበት (ኦሪታዊት ስለዝኾነት ብዝብል ምኽኒት) ከም ሰንበት ክርስቲያን ማዕረ ክትክበር የብላን ዝብል ሕቶ ናብ ፓትርያርክ እስክንድርያ ዳግማይ ቄርሎስ (1077-1099/ 1079-1092?) ኣለዓዒሎም ምንባሮም ይፍለጥ። ስለዚ ነቶም ሕገ ኦሪት ዘይነበሮም ኣሕዛብ ዝመበቖሎም ምዕራባውያን ኣመንቲ ንዝኽተልዎ ትምህርቲ ዝመስል እዚ ሓድሽ ትምህርቲ’ዚ፤ ብግብጻውያን ዝተበጋገሰ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል። ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ግና በቲ ጊዜ’ቲ ገና ብዛዕባ’ዚ ሥርዓትን ትምህርትን መራሕታ ኣብ ዘንጹር ሓሳባት እዮም ዝርከቡ ነይሮም። እዚ ክብሃል ከሎ፤ ነቲ ዝጸንሐ ትምህርቲ ኣቦታታ ሸለል ኢሎሞ እምበር ጠፊእዎምሲ ኣይመስልን። ምኽንያቱ ኣብ ጥንታዊያን ቅብጣዊን ዓረባዊን ጽሑፋት ቀዳሚት ሰንበት ዓቢይ ክብሪ ከምዝወሃባ ተጻሒፉ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር ዳኅራይ ኣብ 1238 ዓ.ም.ፈ. ዝተጠርነፈ እኩባት ጽሑፋት (ምዕላደ ሥርዓት) ካኖን ኢብን ኣል ኣሳል ግና ክብሪ ቀዳሚት ሰንበት ኦሪታዊ ስለዝኾነ ፈጺሙ ንጹግ እዩ ዝብል ነገራት ተኣታቲዎ ይርከብ። ካብዚ ንደኃር’ውን ይመስል መራሕቲ ቅብጢ፤ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ሓበሻ ነዚ ሓድሽ ትምህርቲ ከስርጹን ክጸቕጡን ዝጀመሩ ይብሉ ተመራመርቲ ታሪኽ።

ነዚ ሓድሽ ትምህርቲ’ዚ፤ ዋላ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ብዘለዋ ልዕልና ሥልጣን ከም ቅኑዕ ትምህርቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓበሻ ከተተኣታትዎ ትፈትን እምበር፤ ብቅዱሳት መጻሕፍቲ ብሱላት ሊቃውንቲ፤ ብመንፈሳዊ ብቕዓት፤ ሓዋርያዊ ተጋድሎ’ውን ኣብ ዝለዓለ ቅድስና ዝነበሩ አቡነ ኤዎስጣቴዎስን ደቀ መዛሙርቶምን እምበኣር ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ከምዚ እያ ትኣምንን ትምህርን ኢሎም ትም ኢሎም ኣይተቐበልዎን። ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንዝምህርዎን ንዝእዝዝዎን፤ ከምኡ’ውን ዝቐደሙ ኣቦታቶም ንዝገደፉሎም ትምህርቲ ጥራይ ኣጽኒዖም ክኸዱ እምበር መምስ ዝመጸን ዝተኣታተወን ሓድሽ ትምህርቲ ክስዕቡ ኣይደለዩን ጥራይ ዘይኮነስ ብወግዒ ተቓወምዎ። እቶም ብድኅሪኦም ዝተንሥኡ ደቂ ኣቡነ ኤዎስጣቴስ’ውን ትምህርቲ ኣቦኦም ተኸቲሎም፤ ነቲ ናይ ስሕተት ሓዲሽ ትምህርቲ ነጸግዎ። ሓደ ካብኦም ድማ ከም ዓቢይ ኣብነት ዝጥቐሱ ኣቡነ ፊልጶስ እዮም። እምበኣር እቲ ጕዳይ ካልኦት ወገናት ደገፍትን ኣዳመቕትን ኮይኖም ይተሓወስዎ ደኣ እምበር፤ ቀንዲ እቲ ጋእዝ ኣብ ሞንጎ እዞም ናይ ኤርትራ ሓዋርያትን፤ ናይቲ ዘመን ግብጻውያን መራሕቲ ጳጳሳትን ምዃኑ ድማ ንጹር ነገር እዩ።

እምበኣር ኣስዒብና ነዞም ከም ኣብነት ኣምጺእናዮም ዘሎና ቅዱሳን ኣቦታት፤ ብዛዕባ ክብሪ ቀዳሚት ሰንበት ንዝፈጸምዎ ተጋድሎን ዘጋጠሞም ፈተናን ኣሕጽር ኣቢልና በብተራ ከነቕርቦ ኢና። ብመጀመርያ ድማ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ፦

                                                                                                               ይቕጽል...

1 comment:

  1. BESMAB WWELD WMENFES KUDUS AHADU AMELAK AMEN.im glad very happy when i red this spiritual food .every tewahedo people special the young orthodox tewahdo follow this web site [maeadot] .kal hiwet yesmalna amen. THUS SAITH THE LORD STAND YE IN THE WAYS, AND SEE,AND ASK FOR THE OLD PATHS,WHERE IS THE GOOD WAY, AND WALK THEREIN,AND YE SHALL FIND REST FOR YOUR SOUL .BUT THEY SAID, WE WILL NOT WALK THEREIN.JEREMIAH . 6. 16.

    ReplyDelete