Thursday, October 11, 2012

“ፍስሓ” እቲ ዘይበኵር ነጋዳይ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። 

ነዚ ኣርእስቲ ዝረኣየ ሰብ፤ ብዛዕባ ፍስሓ ዝብሃል ሰብ ንዛረብ ዘለና ይመስሎ ይኸውን። እቲ ሓቂ ግና ካብቲ ግምት መብዛኅትና ርሑቕ ከምዝኸውን ኣይንጠራጠርን። ከመይሲ እዚ ዘገርም ድንቒ ተርእዮ’ዚ፤ ጥንታውያን ገዳማት ሃገርና ኣብ ዝኾነ እሞ ዓመት መጸ ክብረ በዓሉ ኣብ ዕለት ፴ መስከረም ኣብ ዝኽበር ኣብ ገዳም ኣቡነ አብሳዲ ዝረአ ናይ ሓደ ፍልይ ዝበለ እንሰሳ ንግደት ናብዚ ገዳም እዩ። እንታይ ዓይነት እንስሳ ኢልና ኣብ እንሓስበሉ፤ ኣየናይ እንሰሳ ዘቤት ወይ ኣራዊት ዘገዳም ኢልና ኣእምሮና ምናልባሽ ሰሚዕናዮ ካብ ዝጸንሑ ታሪኻት ሃሰው ይብል ይኸውን። 

እዚ ሓቐኛን ዘደንቕን ታሪኽ ግና ነጀው እዩ። እምበኣር ንዞረቦ ዘሎና፤ ብዛዕባ ካብቶም ዓሌት ደቀቕቲ ነፈርቲ፤ መጠኑ ክንዲ ንእሽቶይ ትንኵልብ ወይውን ማእከላይ ዝዓቐኑ ሓመማ ወይውን ጽንጽያ ፈረስ፤ ፬ተ ዝጅሩ፤ ከፊላዊ ጭላቝ ዝቕርጹ፤ እቶም ገዳም “ፍስሓ” ኢሎም ስም ብዛዕባ ዘውጽኡሉ ሓደ ከደራይ ዝሕብሩ ዘይናኸስ ደቂቕ ሓሸራ እዩ። እዚ ፍጡር’ዚ ዓመት መጸ፤ ከም ሓደ ትጉህ ነጋዳይ ሰብ ኣብ ዋዜማ ናይቲ ክብረ በዓል ናብቲ ገዳም ደበኽ ይብል። ኣብ ኵሉ ኣባይቲን ንብረትን ናይቲ ገዳም ብብዝኂ ወረር ወረር እናበለ ብፍላይ ኣጋይሽ ኣብ ዘዕረፉሉ ስፍራታትን ምርፋቅን ይርከብ። ንጋሻ ሰከፍከፍ ምባል እንተዘይኮይኑ፤ ነቶም ብቐጻሊ ነዚ ገዳም ዝፍልጡን፤ ነቶም ነበርቲ ገዳምን ከባቢ ዓድታትን ግና ከም ልሙድ “ነጋዳይ” ስለዝፍለጥ፤ ኪድ ዝብሎን ኢዱ ወስ ዘብለሉን የልቦን። ንሱ’ውን ከም ልቡ ካብ ሓደ ናብ ካልእ ንብረት፤ ካብ ጠፈረ ቤት ናብ ምድሪ ቤት፤ ካብ ሓደ ናብቲ ካልእ እናበለ ከም ልቡ ይዕንድርን “መምጽኢኡ” ይገብርን፤ ካብቲ በረኸት ክሳተፍ ድማ ይረአን። 

“ንግደት ፍስሓ” መራሕ ማይ ኣብ እዋን ምምጻእ ማይ ዝናም ከም ዝቕልቀል፤ ወይውን ዕውራ ወይውን ዕዝሮ ኣብ ክራማት ከም ዝረአ ወይውን ገለገለ መስቀል ኣብ እዋን ሓድሽ ዓመት ቅዱስ ዮሐንስ - መስቀል ብብዝኂ ከም ዝዕምብብ ከም ወቕታዊ ተርእዮ ኣይኮነን። ፍልይ ዝበለ ኣገባብ “ንግደት” ዘለዎ ምዃኑ ኵሎም እቶም ዝፈልጥዎ ይሰማምዑሉ እዮም። እንታይ ቃል ኪዳን ምስቶም ቅዱስ ኣቦ ከምዘለዎን፤ መዓስ ክነግድ ከምዝጀመረን ዝፍለጥ ወይውን ዘረድእ ሰብ እኳ እንተዘይተረኽበ፤ ብርግጽ ግና ወቕታዊ ተፈጥሮኣዊ ነገር ኮይንዎ ዝቕልቀል ዘይምዃኑ እዮም ብዙኃት ዝዛረቡ። 

ሓደ ካብቲ ፍሉይ ነገር ድማ ድኅሪ ጸሎተ ቅዳሴን ዑደተ ታቦትን ናይቲ ክብረ በዓል፤ ኵሉ ተባሪኹ ነቲ ዝተቐረበ ሲሳይን ጸበልን ምስ ጠዓመን ካብቲ በረኸት ምስ ተሳተፍን ኵሉ ነጋዳይ ናብ ዘዘምጸሉ ማእዘን ከቕንዕ ከሎ፤ “ፍሱሕ” እውን በየን ከደ ከይተባህለ ምስ “ሠራዊቱን ጭፍርኡን” ጥቕልል ኢሉ “ዓመ ከመ ዮም ያስተራክበነ” ብምባል ክሳዕ ንዓመታ ኣብ ዋዜማ ዝምለስ ይስወር። 

መቸስ ጥልቕ ኢሉ ንዝምርምሮ፤ ኣብ ነፍስ ወከፍ ቅዱሳን ገዳማት ዝርከብ ድንቂን ፍሉይን ተኣምራት ተጸብጺቡ ዝውዳእ ኣይኮነን። “ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ የልቦን” ከምዝብሃል፤ ታሪኽ “ፍስሓ” ከም ንእሽቶይ ኣብነት ኣምጺእና እምበር፤ ቅዱሳን ኣቦታት እግዚአብሔር ኣምላኽ ብዝሃቦም ጸጋ፤ ጨካናትን ኃያላትን ኣራዊት ከይተረፉ ዝግዝኡሎም፤ ዝልኣኹዎምን፤ ዝሰግዱሎም፤ ዝምለኹሎም ምንባሮም ኣብ ገድልታቶም ተጠቒሱ ዝርከብ እዩ። እዚ ኸኣ ብጥንተ ተፈጥሮ እግዚአብሔር ንኣዳም ሂብዎ ዝነበረ ጸጋ፤ ኣሠሩ ኣብዞም ቅዱሳን ምርኣይ ልሙድ ነገር ምዃኑ ዝምስክር እዩ። እቶም ቅዱሳን ብኣፀደ ሥጋ ከለዉ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ሓንሳብ ዝተዋህቦም ኪዳን ንዘለዓለም ጸኒዑ ስለዝነብር ከኣ፤ ድኅሪ ዕረፍቶም’ውን እንተኾነ ኣብ ከባቢ ገዳማቶም ዝርከቡ ኣራዊት፤ ነቶም ደቆም ከኽብሩ እምበር ክደፍሩ ወይውን ክጻብኡ ፈጺሞም ኣይረኣዩን እዮም። እምበኣር፤ እዚ ከምዚ ዓይነት ተኣምራታዊ ታሪኽ ኣብ ገዳማት ልሙድ ግና ዘድንቕ ጽኑዕ ኪዳን ኣብ ሞንጎ እግዚአብሔርን ቅዱሳኑን ንዘለዓለም ሕያውን በረኸት ዘለዎን ምዃኑ ዘመልክት እኳ እንተኾነ፤ ናይ “ፍሱሕ” ታሪኽ ግና ብፍሉይ ስለዝዓፀበና እዩ ናብ ኣንበብትና ከነኻፍል ዝመረጽና። ንምንታይ “ፍስሓ” ዝብል ጽቡቕ ሳጓ ከምዝተዋህቦ እንተዘይፈለጥና’ውን ገለ ጥፉእ ታሪኽ ክህልዎ ከምዝኽእል ግና ኣማቲ እዩ። 

ክቡራት ኣንበብትና፤ ንስኻትኩም’ውን ከምዚ ብፍሉይ ክጥቐስ ኣለዎ እትብልዎ፤ ጐዲሉ እትብልዎ እሞ ክትምልእዎ እትደልዩ፤ ብፍላይ ኣብ ሃገርናን ኣብ ገዳማትናን ዝረኣዩን ዘደንቑን መንፈሳዊ ነገራት፤ ብጦማርና ኣቢልኩም ንኸተመሓላልፉ እቲ ማዕጾ ርኁው ምዃኑ ክንሕብር ንፈቱ። 

በረኸትን ረድኤትን አቡነ አብሳዲ ኣይጋደፈና። 

No comments:

Post a Comment