Thursday, February 10, 2011

ታሪኽ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ

ካልኣይ ክፋል
3.1 ስያመ 

እዚ ገዳም እዚ ምሉእ ስሙ ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ጺዳርዋ ተባሂሉ ይፍለጥ። ብልምዲ ግና በቲ እቲ ገዳም ተደኵኑሉ ዘሎ ኣድያማዊ ስም ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ተባሂሉ ይፍለጥ። እዚ ስያመ’ውን ካልእ ተመሳሳሊ ስም ብዘለዎም ጻድቕ ኣቦ ካብ ዝተገደመ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን ብቀሊሉ ንመፍለዪ የገልግል። 

3.2 መልክዓ ምድሪ (ኣቀማምጣ) 


እዚ ገዳም’ዚ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ሰፍኣ ይርከብ። ካብ ኣሥመራ ንዝብገስ ሰብ እዚ ገዳም ዝርከበሉ ቦታ: መጀመርታ ናብ ዞባ ደቡብ ከተማ ድባርዋ ብምቅናዕ ጐላጉል ጽልማ ወዲእካ ብዓዲ ናህባይ ኣቢልካ ቍልቍል ምስ ወረድካ: ዓዲ ፈለስቲ’ውን ንየማን ገዲፍካ ርሑቕ ምስ ከድካ ዝርከብ ገዳም እዩ። እዚ ገዳም እዚ ካብ ድባርዋ ብሸነኽ ምዕራብ ኣብ ኣስታት ፵ ኪሜ ርሒቑ ይርከብ። ብሓፈሻ ካብ ኣሥመራ ብወገን ደቡባዊ ምዕራብ ኣስታት ፸፭ ኪ.ሜ ርሒቑ ይርከብ። ክነግድን ክሳለምን ንዝሓስብ ድማ መዓልታዊ ክሳብ ዓዲ ፈለስቲ ምድብቲ ኣውቶብስ ትርከብ እያ፤ ካብኡ ድማ ብእግሪ ክሳብ እቲ ገዳም ፫-፬ ሰዓት ይወስድ። ብራኸ እዚ ገዳም ኣብ ኣስታት ፩ ሺሕ ፭፻ ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ይርከብ።

መልክዓ ምድሪ እዚ ገዳም እዚ ኣዝዩ ሰሓብን ካብ ማዕዶ ብቀሊሉ ክረአ ብዝኽእል ኣዝዩ በሪኽ ውጡሕ እምባ ዝልለ እዩ። ከምዚ ኣብ መንጎ ብዙኃት ሰንሰለታውያን ታባታት ተጸሪቡ ዝተሳሕለ በሪኽ እምኒ እዩ ድማ ዝመስል። እቲ ቤተ ክርስቲያንውን ኣብ ጸግኢ እዚ ጎቦ እዩ ዝርከብ። ደብረ ጽጌ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ኣብ ልጉስ ቦታን ኣጻድፍን ዝተደኰነ እዩ። ዝበዝኀ መሬት ገዳም ኣብ ኣኻውሕ ዝዓልብ ዝለዝኾነ ኣብቲ ከባቢ ንሕርሻ ዝኸውን መሬት ክርከብ ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ እዩ ድማ ስግሪ ዶብ ኣብ ኢትዮጵያ ትግራይ ኣድያቦ ማይ ጨው ከምኡውን ጅማ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ: ኣብ ሃገርና ድማ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ከባቢ ባድመ ሕርሻዊ ንጥፈታት ዘካይዱ ነይሮም። 

ኣብዚ ከባቢ ገዳም ብብዝኂ እንስሳ ዘገዳም ነብሪ፥ ዝብኢ፥ ዓጋዜን፥ ሰሳሕ፥ ቆቛሕ… ከምዘለዉዎ ደቂ እቲ ከባቢ ዝምስክርዎ እዩ። 


3.3 ኣመሠራርታ ገዳም 

ኣቦና ኣቡነ እንድርያስ ምስ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኮይኖም ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ንታቦተ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣሥመራ እናተመላለሱ ንኃያሎ ዓመታት ድኅሪ ምግልጋሎም ሰዓት ምፍልላዮም ምስ ኣኸለ ኣቡነ እንድርያስ ናብ ማይ ምጫቃ (ከባቢ ዓዲ ናህባይ) መጹ። ኣብኡ ድማ ወሰን ሩባ ኣብ ዝነበረት በዓቶም ብጸሎቶን ብጾምን ብስግደትን ተወሲኖም እንከለዉ ኣብዚ ቦታ ክሳዕ ሎሚ ንብዙኃት ፈውሲ ዝኾኖም ማየ ጸሎት ኣፈልፈሉ። 

ድኅሪ ነዊሕ ተባሕትዎ ድማ ሓደ ብመፍቅድ ዝራድኦም ዝነበረ ሃዳኒ ንእእም ዝኸውን ዝሓሸ ቦታ ከምዝረኸበሎም ድኅሪ ምስትውዓሉ፤ ጐይታ ተገሊጹ “እንድርያስ ኅሩየይ ዓጽምኻ ዝዓርፈሉን ቃል ኪዳን ዝፍጸመሉን ቦታ ከርእየካ ነዓ” በሎም። ብድኅሪ’ዚ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ናብቲ ጺዳርዋ ዝበሃል ዝነበረ ሕጂ እቲ ገዳም ተገዲሙሉ ዘሎ ስፍራ መጹ። እቲ ቦታ በቲ ጊዜ እቲ ብዙኃት ኣራዊት ገዳም ዝርከቡሉን ተጻባእትውን ዝመልኦ እዩ ነይሩ። ይኹን ደኣ እምበር ኣቦና ነቲ ቦታ ብኵሉ ማእዝን ብትእምርቲ መስቀል ምስ ባረኽዎ ኵሉ ተጻባኢ ከም ትኪ በኒኑ ጠፍአ። ቅዱስ ኣቦና ነዚ ቅዱስ መካን እዚ ካብ እግዚአብሔር ምስ ተዋህቦም ብንብዓት እናሰገዱ ንእግዚአብሔር ኣመስገኑ። ኣስዒቦም ከኣ “ዛቲ ይእቲ ምዕራፍየ ለዓለም” (እዚኣ ናይ ዘለኣለም መዕረፊት ሥጋይ እያ) ብምባል ፈተውዋ። ኣቦና ኣብዚ ስፍራ ክሰግዱ ከለዉ ከም መንኮራኩር፤ ደው ኢሎም ክጽልዩ ከለዉ ድማ ከም ዝተተኽለ እሞ ነቕ ዘይብል ዓንዲ ይመስሉ ነበሩ። ሽዑ ዓቢ ብርሃን ካብ ሰማይ ይወርድን ኣብዚ ደብሪ እዚ ድማ ይትከልን ብርሑቕ ድማ ይረአን ነበረ። 

ነቲ ብርሃን ዝረኣዩ ኣርድእትን ካህናትን ዲያቆናትን’ውን ብብዝኂ ናብዚ ብርሃን ይመጹ ነበሩ። ቅዱስ ኣቦና ድማ ሃይማኖትን ሥርዓተ ምናኔን ይምህርዎም ነበሩ። ከምቲ ኣቐዲማ ቅድስት ድንግል ማርያም ንወለዶም ብትንቢት ዝነገረቶም ድማ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣቖሙ። ነቶም መነንቲ ድማ ሥርዓተ ኣንድነት ማኅበር ሰርዑሎም። እዚ ዝኾነሉ ማለት ሓድነት ገዳም ዝተመሥረተሉ ዘመን ድማ ብ፲፪፻፸፬ ዓ.ም. ነበረ። እንሆ ሎሚ ድማ ፯፻፴ (730) ዓመታት ተገማጊሙ ኣሎ። 

3.3 ኣበርክቶ ገዳም 

እዚ ገዳም’ዝን: ኣብዚ ገዳም እዚ ዝፈረዩ ኣቦታትን ኣብ ምዕቃብን ምጽናዕን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ሃይማኖት፤ ጕስነት ምእመናንን ምስፋሕ ስብከተ ወንጌልን ዘበርከትዎን ዘበርክትዎ ዘለዉን ብኵሉ ዝተፈልጠን ዝተመስገነን እዩ። ብፍላይ ድማ ብዝተፈላለየ ሕማምን ደዌን ተደኒሶም ናብዚ ገዳም ብእምነት ዝመጹን በቲ ፈዋሲ ማየ ጸሎት መድኃኒት ዝረኸቡን ኣእላፋት እዮም። ሕጂውን እዚ ጸጋ እዚ ጸኒዑ ዝርከብን ብዙኃት ድማ ዝረብሑሉን እዮም። ገዳም አቡነ እንድርያስውን ነቶም ኣጋይሽ ብዝግባእ ዝቕበሉን ዘአንግዱን ዓቕሞም ዘፍቅዶ ድማ ዝገብሩን ስለዝኾኑ ምስጉናት እዮም። 

እዚ ገዳም’ዚ ብዘይካ እቲ ክሳብ እዚ እዋን ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ተሓልዩ ክኸይድ ዝተጋደሎ ሓዋርያዊ ገድሊን ዘፍረዮም አበው ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን፤ ቅድሚ ናጽነት ክልተ ሊቃነ ጳጳሳት: ድኅሪ ናጽነት ድማ ሓደ ፓትርያርክ ፍረታት እዚ ገዳም’ዚ እዮም። ንሳቶም ድማ ብፁዕ ኣቡነ ፊልጶስ፥ ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ፥ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሣልሳይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ እዮም። 

3.4 ክብጻሕን ክረአን ዘለዎ ሃብቲ ገዳም 

ኣብዚ ጥንታዊ ገዳም እዚ ካብ ቅርጺ መሬትን መልክዓ ምድርን ኣትሒዙ ክረአን ክብጻሕን ዘለዎ ብዙሕ መሳጥን ዘድንቕ ነገርን ከምዘሎ ርዱእ ኮይኑ ንሎሚ ግና ኣብቲ ፈዋሲ ዝኾነ ማየ ጸሎት ኣተኵርና ክንጽሕፍ መሪጽና። 

ህንጻ ቤተ ክርስቲያን እዚ ገዳምን ፈዋሴ ድውያን ዝኾነ ማየ ጸሎቱን ኣብ ውሽጢ በዓቲ ዝርከብ ኮይኑ እቲ ናይ ቀደም ህንጻ ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት ሓደ ናይ ኣእምሮ ሕማም ብዘለዎ ተሓጻቢ ማየ ጸሎት ዘሳወሮ ተባሂሉ ብዝንገር ሓዊ እቲ ቤተ ክርስቲያን ባርዕ ኣትይዎ ተቓጺሉ ከምዝነበረን ብምትሕብባር ገበርቲ ሰናይን ገዳማዊ ኣቦታትን ብፍላይ ድማ ብትግሃት ሣልሳይ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ (ኣብቲ ጊዜ እቲ ጳጳስ ዞባ ማእከል ዝነበሩ) ዳግማይ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ህንጻ ከምዝተሃንጸን ቅድሚ ፲ ዓመት ከምዝተዛዛመ ይዝከር። 

እዚ ገዳም እዚ ብፈዋስነቱ ዝፍለጥ ማይ ጸሎት ስለዘለዎ ናብኡ ዝመጹ ሕሙማት ብዙኃት እዮም። ከምቲ ኣብ ኵሎም ቅዱሳን ገዳማትና ክፍጸም ዝርአ ትእምርትን ተኣምራትን፤ ኣብዚ ገዳም’ዚ ብቓሬዛ መጺኦም ብእግሮም ዝኸዱ፥ ምስ ለምጾም መጺኦም ነጺሖም ከም ህጻን ሓድሽ ቈርበት ኣጥርዮም ዝኸዱ ወዘተ ውኅዳት ኣይኮኑን። ናብዚ ገዳም እዚ ፈውሲ ደልዮም ዝመጹ ዳርጋ ኵሉ ዓይነት ሕማም ዘጥቅዖም ይኹኑ ደኣ እምበር ብፍላይ ግና ሰባት ዝያዳ እምነት ኣሕዲሮም ብብዝኂ ግና ዝመጹ ምስ ቈርበት ዝተተሓዘ ሕማማት ዘለዎም እዮም። እዚ ክበሃል ከሎ ናይ ሰባት እምነት ንዛረብ ኣሎና እምበር ኣሚኑ ንዝመጸስ ንኵሉ ፈውሲ ዘለዎ እዩ። ኣብቲ መጽሓፈ ገድሎም’ውን ተመልኪቱ ከምዘሎ ብዙኃት ብለምጽን ሕማም ደዌን ዝሳቐዩ ዝነበሩ ሕሙማት ኣብዚ ማየ ጸሎት’ዚ ሓውዮም እዮም። ስለዚ ብእምነት ናብ ማየ ጸሎትና ንኺድ፤ ብምሕረት እግዚአብሔር ብረድኤት እቶም ቅዱስ ፈውሲ ክንረክብ ኢና። እዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ቅዱሳት ገዳማትና ካብ ሕማምን ደዌን ሥጋ ጥራይ ንምሕዋይ ዘይኮነስ ብዓቢኡ ተወሲንካን ካብ ዓለም ተገሊልካን ብሱባኤ (ጾምን ጸሎትን ስግደትን) ምስ ኣምላኽ ንምርኻብን ሕይወትካ ንምሕዳስን መተካእታን መወዳድርትን ዘይብሎም ኣፍ ደገ መንግሥተ ሰማያት እዮም። 

ከነስተውዕሎ ዝግባእና ድማ ማየ ጸሎት ኣቡነ እንድርያስ ብማይ ምሕጻብ ጥራይ ኣይኮነን ዝፍጸም። ምስኡ ዝኸይድ ዝተመርጸ ቀይሕ ጸበል ኣሎ። እቲ ማይ ኮነ እቲ ጸበል ምሉእ ለይቲ ጸሎት ክግበረሉ ምስ ሓደረ’ዩ ነቲ ተሓጻባይ ማይ ጸሎት ዝኾነ ሕዝቢ ዝዕደል። ብኣጸዋውዓ እቲ ገዳም እቲ ማይ “ማይ ዮርዳኖስ” እዩ ዝብሃል። እቲ መጽሓፍ ገድሊ ከምዝብሎ ኣቡነ እንድርያስ ናብታ ቅድስቲ ሃገር ኢየሩሳሌም ንምብጻሕ ትምኒት ነይርዎም። ካብ እግዚአብሔር ዝረኸብዎ መልሲ ግና “ገዳምካ ከም ኢየሩሳሌም ማይካ ከኣ ከም ዮርዳኖስ ክገብረልካ እየ” ዝብል እዩ ነይሩ። እዚ ማየ ዮርዳኖስ ልዕሊ ፴ ሜትሮ ንዝስፍሓቱን ብቅዱሳን ኣሣዕል ንዝወቀበን በዓቲ ሓሊፍካ ብኮንክሪት ዝተሃንጸ መሳልል ምስ ደየብካ ካብ ፮-፯ ሜትሮ ካብ ዝዕምቆቱ ዒላ ማየ ጸሎት ዝርከብ እዩ፤ ዓመት ምሉእ ድማ ይፍልፍል። ኣብቲ ታሕቲ ሽንጥሮታት ዝርከብ ሩባታት ብቀሊሉ ማይ ክትረኽበሉ ኣብ ዘይከኣል ከባቢ ኣብ ውሽጢ እዚ በሪኽ ጎቦን በዓትን ክንድዚ ዝኣክል ፈልፋሊ ማይ ምርካብ ዕፁብ ድንቂ እዩ። 

ኣቦና መዐንገሊ እቶም መነኮሳት ዝኸውን ማና ዝዝነበሎም ብወገን ደቡባዊ ምዕራብ ናይቲ ገዳም ዘሎ ቦታ “ስርናይ አርያም” ተባሂሉ ክስመ ከሎ እታ ኣቡነ እንድርያስ ነቲ ማና ክሰፍሩላ ነቶም ኣርድእቶም ዝሃብዋ “ጎመር” ዝተባህለት መስፈር ከኣ ክሳዕ ሕጂ ብዝግባእ ተዓቂባ ኣብ መቕደስ ኣላ። ምስኡ ድማ ኣቦና ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ገንኢ ማይ መስፈርን ምርባብ ወርቂን ድማ ክሳብ ሕጂ ተዓቂቡ ዝርከብ ምዃኑ እዩ። 

3.6 መደምደምታን ለበዋን 

ታሪኽ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ሰፍአን መሥራቲኡ ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ እንድርያስን በዚ ሓጺር ጽሑፍ ንበረኸት ክኸውን ኢልና ተናኸፍናዮም እምበር ብዙኅ ክበሃልን ክጸሓፈሉን ዝግባእ ታሪኽ ዘለዎም እዩ። ጽሑፍና ቅድሚ ምትማምና ግና ለበዋ ኣሎና። 
  • ኣቦና ብዙኅ ከባቢታት ሃገርና ዑደት ከምዝገበሩን ዝተፈላለየ ብስሞም ዝጽዋዕ ማየ ጸሎት ከምዘፈልፈሉን ብቃል ይንገር። እዚ ብዝግባእ ክስነድ ዝግብኦ ታሪኽ እዩ። 
  • ኣጻድፍ ዓረበ ረቡዕ ኣቦና ካብ ዝፈጽምዎም ድንቂ ዝኾነ ተኣምራት እቲ ሓደ ኣብ ከባቢ ኣሥመራ (ቍሸት - ጻዕዳ እምባ) ንዝነበረ እምባ ናብ ገማግም ዓርበ ረቡዕ ምግዓዞም እዩ። እዚ ተኣምር ዝተፈጸመሉ እምባ ብንጹር ክልለይን ክኽለልን ቤተ ክርስቲያን ድማ ክስረተሉን ዝግባእ ኮይኑ ይስምዓና፤ እዚ ናይ ዘመንና ወለዶ ድማ ንቅዱሳን ኣቦታቱ ብቃል ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሪ ክዝክረሉ ካብ ዝግባእ መገዲ ግብራዊ መዘከርታ ብምግባርን ቀዋሚ ዓንዲ ታሪኽ ብምጽሓፍን ክኸውን ይግባእ ንብል። ሓደ ካብኡ ድማ ኣብዚ ኣቦና ዘግዓዝዎ እምባ ቤተ ክርስቲያን ብምህናጽ ክኸውን ከምዘለዎ ንኣምን። ተበግሶ ዝወስድ ኣካል እንተዝርከብ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ይኹን ንሃገርና ዘለዎ ታሪኻዊ ጸጋ ብቀሊሉ ዘይረአ ዓቢ ትርጉም ዘለዎ ምኾነ ንብል። ስለዚ ቅዱስ ሓሳብ ድማ ኵሉ ክጽዕተሉ ዝግባእ ቅዱስ ተግባር እዩ። 

ኣብ ግብጺ ዝርከብ ገዳም ስምዖን ሰፋይ ሳእኒ 

ኣብ ግብጺ ዝርከብ ገዳም ስምዖን ሰፋይ ሳእኒ ብሓቂ ድማ ቅዱሳን ሃገርና ንሕና ደቆም እንተዘይዘኪርናዮምን ግብሮምውን ንዓለም እንተዘየፋሊጥናዮን መን ደኣ መጺኡ ክነግረልናን ክሰራሕልናን ንጽበ?! ንቅዱሳን ምዝካር ድማ ብቅዱሳኑ መንክር ንዝኾነ ግብሪ እግዚአብሔር ምዝካር እዩ እሞ እናስተዋዕልና ንኺድን ንስራሕን። 

ምኽንያተ ታሪኽ ይፈላለ ደኣ እምበር እዚ ናይ ኣቦና ታሪኽ ምግዓዝ ጎቦ ንተመሳሳሊ ፍጻመ ታሪኽ ቅዱስ ስምዖን ግብጻዊ የዘኻኽረና። እቲ ታሪኽ ብሓጺሩ ከምዚ እዩ ነይሩ። ኣብ ግብጺ ኣቡነ ኣብርሃም ዝበሃሉ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ዝነበሩሉ ዘመን ገለ ኣይሁድ ናብ መራሒ ግብጺ ብምኻድ እዞም ክርስቲያናት ዘይእመን ነገር ኣብ መጽሓፎም (ሓዲስ ኪዳን) ተጻሒፉ ይርከብ ኣሎ እሞ ሓቅነት እንተለዎም ብግብሪ ፈጺሞም የርእዩና ኢሎም ከሲሶሞም። ኣቡነ ኣብርሃም ሃይማኖቶም ብዝምልከት ካብ ዝገጠሞም ፈተና ዘይኣመንቲ ንምድኃንን ሃይማኖቶም ቅንዕቲ ምዃና ድማ ከመስክሩን፤ ብጾምን ጸሎትን ንሠለስተ መዓልቲ ብሱባኤ ምስ ሕዝቦም ተወሲኖም ንኣምላኾም ድኅሪ ምምልካቶም ቅድስት ድንግል ማርያም ባዕላ ተገሊጻ፤ እቲ ዝኾነሉ መገዲ ድማ ንኣቡነ ኣብርሃም ሓበረቶ። ነዚ ቃል ጐይታ ብግብሪ ከምዘምስክር ብቕዓት ዘለዎ መን ምዃኑ ገሊጻ ንክረኽቦ ድማ ናብ ስምዖን ሰደደቶ። በዚ መሠረት ድማ ኣብቲ ጊዜ እቲ ከም ታራ ሰብ ሳእኒ እናሰፈየ ዝናበር ዝነበረ ጻድቕ ስምዖን ሓቀኝነት ተዋሕዶ ሃይማኖቱ ምእንቲ ከምስክር ነቲ ኣብ ግብጺ ዝነበረ ጎቦ ኣልዒሉ ብምግዓዝ እቲ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ዝተነገረ ቃል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እሙንን ሓቀኛን ምዃኑ ኣረጋጊጹ እዩ። እዚ ሕያው ታሪኽ ነባሪ ኮይኑ ኣብዚ ወለዶ ምእንቲ ክቕጽል ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ግብጺ መንበረ ማርቆስ ፓትርያርክ ዘለዉ ፖፕ ሺኖዳ መዘከርትኡ ኣብቲ ተኣምር ዝተገብረሉ ስፍራ ነቲ ጥንታዊ መካን ቤተ ክርስቲያን ብምሕዳስ ዳግም ኣህኒጾሙሉ። ካብዚ ከ እንታይ ትምህርቲ ኢና ንቀስም?! 

እቲ ዘገርም ምምስሳል ገዳም ኣቡነ ኣቡነ እንድርያስን ገዳም ጻድቕ ስምዖን ሰፋይ ሳእኒን ኣብ ትሕቲ ጎቦ ኣብ ውሽጢ ባዕቲ ዝርከብ ምዃኑ እዩ። ንሕና ኸ ስለምንታይ ነቲ ሰናይ ታሪኽ ቅዱሳንና ኣብ ምፍታሽን ኣብ ምጽናዕን ኣብ ምኅያልን ስለምንታይ ድኹማት ዘይግዱሳት ኮይንና ንርከብ ኣሎና? ስለዚ ነቲ ጽቡቕ ምእንቲ ክንገብርውን ኣምላኽውን ቤቱ ንዝሰርሕ ሰብ ምኽርን ጥበቡን ክገልጽ ናብ እግዚአብሔር ነመልክት፤ በረኸት ውሰድ ዝበሎን ዝዕወትን ናይ እግዚአብሔር ሰብ ድማ ቤቱ ይስራሕ። 

ካልእ ክንላበዎ ንደሊ ነገር ከ ኣሎ። ውኁዳት መጻሕፍተ ገድሊ ገዳማት ሃገርና ብትግሃት መምህር ክነፈርግብ ማርቆስ ዝበሃሉ ሊቅ ተተርጒሞም ከምዝተኃትሙን ናብ ሕዝቢ ከምዝተዘርገሑን ገሌና ርኢናን ሰሚዕናን ኣሎና። ምእመናንውን ገድሊ ኣቦታቱ ቅዱሳን ብዝርድኦ ቋንቋ ትግርኛ ምትርጓሙን ምንባቡን ምስምዑን ክንደይ ከምዘሕጉሶ ዝሰሓት ኣይኮነን። ገድሊ ኣቡነ እንድርያስውን ተርጒሞሞ እዮም ዝብል ነገር ካብ ንሰምዕ እኳ ዓመታት ተቖጺሮም፤ “ተኃቲሙ” ዝብል ግና ደሃይ የብልናን። እዚ ሰናይ ስራሕ እዚ ኣብ ምንታይ ደኣ ተዋሕጠ? ንመብዛኅትኡ ከምዚ ዓይነት ቅዱስ ተግባር ዓንቃፊኡ ጕዳይ ገንዘብ ኮይኑ ከምዝርከብ ጥርጣረ ኣሎና። እሞ ገበርቲ ሰናይ ደኣ ካብዚ ዝበልጽ እንታይ ዓይነት ሰናይ ተግባር ኣሎ እዩ እሞ ሸለል ኢልና ዘሎና? እቲ ጕዳይ ሕቶ ገንዘብ እንተደኣ ኮይኑ በረኸት ዝደለየ ነቲ ጉዳይ ምስቶም ገዳማውያን ይዛራረበሉ እሞ ኣብቲ ፍታሕ ይተሓባበሮም። እቲ ጸገም ጕዳይ ምሕደራ እንተኾይኑ ድማ ምብርባር የድሊ እዩ። 

ብርዱእ ምኽንያት ኣብ ቤተ ክርስቲያንና “ዓሻ ዘተኸሎ” ለባማት ድማ ምንቃል ዝዓበዮም ኣብ ዓለም ዘይተራእየን ዘይተሰምዐን “ሕጊ ማኅተም” ከምዘሎ ኣይንስሕቶን ኢና እሞ ኣይንደቅስ። 

በረኸትን ጸሎትን ቅዱስ ኣቦና ምስ ኵላትና ይኹን።

No comments:

Post a Comment