Saturday, February 12, 2011

“ትግሁ ወቁሙ በሃይማኖት ተዐገሡ ወአጥብዑ ወኵሎ በተፋቅሮ ግበሩ” ፩ይ ቆሮ ፲፮፥፲፫

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። 

“ትግሁ ወቁሙ በሃይማኖት ተዐገሡ ወአጥብዑ ወኵሎ በተፋቅሮ ግበሩ” ፩ይ ቆሮ ፲፮፥፲፫ 
(ንቕሑ ኣብ ሃይማኖት ጽንዑ በርትዑ ንኵሉ ድማ ብፍቕሪ ግበርዎ) 

እዚ ዓቢይ ምዕዶ ዝሓዘ ቃል ናይቲ ኅሩይ ንዋይ ተባሂሉ ዝተጸወዐን: ብሃይማኖቱ ናይ ዝተጋደለን ብሰማእትነት ጽዋዕ ኣኽሊል ዘልዓለን: ዕንቍ ቤተ ክርስቲያን ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ እዩ። እቲ ቃል ድማ ብቀጥታ ነዚ ምኽሪ ንዘድልዮም ሰብዓ ቆሮንቶስ ዝተጻሕፈ እዩ። ሰብዓ ቆሮንቶስ ብዓል መን እዮም፧ 

ታሪኽ 

ቆሮንቶስ ብዙኅ ታሪኽ እተፈጸመላ ኣብ ደቡባዊ ግሪኽ እትደኰነት ጥንታዊትን ዋና ከተማን ዞባ ኣካያይ እይ ነይራ። ኣብቲ ቀዳማይ ዘመን ክርስትና ድማ ብዘይካ እቲ ንቡር ሕይወት ዝመርሕ ዝነበረ ተራ ሕዝቢ: ብዙኃት ዓበይቲ መኳንንትን መሳፍንትን ዝቕመጥዋ ከተማ እያ ነይራ። ተወላዶ ግሪኽ፥ ሮማውያን፥ ኣይሁድ ድማ ኣብዛ ከተማ እዚኣ ብብዝኂ ተሃናፊጾም ዝቕመጡላ ከተማ ድማ እያ ነይራ። እዛ ከተማ ብዝገነነ ኣምልኮተ ጣዖትን ጽዩፍ ተግባራት ኣሕዛብን: ብሃብቶም ዝምክሑ ሰባት ብዝገብርዎ ዓቐኑ ዝሓለፈ ናይ ምቾት ናብራ እትልለይ ድማ እያ ነይራ። ስለዚ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ኣካል ናይቲ ሓዋርያዊ ዑደቱ ኣብዛ ከተማ ኣትዩ: ጐይታ ካብ ጽንሲ ኣትሒዙ ክሳብ ዕርገቱ ንዝገበሮ ተኣምራት: ዝሰርሖ ትሩፋት: ዝመሃሮ ትምህርቲ ምስ ነገሮም: ብዙኃት ካብ ኣምልኮተ ጣዖት ናብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር፤ ካብ ገቢረ ኃጢኣት ናብ ገቢረ ጽድቅ ተመልሱ። ኣሚኖም ድም ተጠምቁ። ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ቀዳማይ ትምህርቱ ኣብዛ ከተማ ምስ ፈጸመ ናብቲ ካልእ ወንጌል ዘይበጽሖም ኣሕዛብ ከስተምህር ካብ ቆሮንቶስ ወጺኡ ናብ ኤፊሶን ከደ። 


ቅዱስ ጳውሎስ ንዝቀረበ ብቃሉ ንዝረሓቐ ድማ ብጽሑፉ ነቶም ኣብያተ ክርስቲያናትን ማኅበራትን ምእመናን ይምህርን ይጓስይን ከም ምንባሩ መጠን: ምእመናን ቆሮንቶስ'ውን ኣብ ምንታይ ኵነታት ከምዘለዉ ንምፍላጥ ደሃዮም ክገብር ኣብ ኤፌሶን እንከሎ ንረድኡ ጢሞቴዎስ ሰደዶ። ጢሞቴዎስ ናብ ቆሮንቶስ ምስ ኣተወ ግና እቶም ምእመናን ከምቲ ጳውሎስ ዝማሃሮምን ሥርዓት ዝሥርዓሎምን ኣይጸንሕዎን፤ እኳ ደኣ ክርዳድ ኑፋቄ ተዘሪእሎም: ንኣስተዋጽኦ ከይተግሁ: ንምግባር ትሩፋት ከይተቀዳደሙ: ሰበይቲ ኣቡኡ ንዝወሰደን ዘይግብኦ ሹመት ንዝወሰደን ከይፈለይዎም: ነንሕድሕዶም ተጐጃጂሎም “አነ ዘጳውሎስ ወአነ ዘአጵሎስ ወአነ ዘኬፋ ወአነ ዘክርስቶስ” ክበሃሃሉ ረኸቦም። በዚ ነገር ድማ እናጓሃየ ምስ ተመልሰ ንመምህሩ ጳውሎስ ነገሮ። ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ተግሳጽን ምኽርን ምእንቲ ክኾኖም ንኵሉ ዘይቅኑዕን ዘይክርስቲያናዊን ተግባራቶም ብምውቃስ ናብቲ ቅኑዕ እምነትን ሰናይ ግብርን ክምለሱ ብምምዓድን ብምግሳጽን ነታ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ኣስፊሑ ስለ ብዙኅ ምኽንያታት ጸሓፈሎም። 

መደምደምታ ናይቲ ክብሎ ዝጸንሐ ሰፊሕ ትምህርቱ ድማ ከም መጠመሪ ኃይለ ቃላቱ “ንቕሑ: ኣብ ሃይማኖት ጽንዑ: በርትዑ: ኣብ ኵሉ ተዓገሱ: እትገብርዎ ዘበለ ድማ ብፍቕሪ ግበርዎ” ዝብል ምኽራዊ ቃል ጸሓፈሎም። እዘን ኃይለ ቃላት ንሕናውን ኣብ ሃይማኖት ኣሎና እንብል ከነስተውዕለን ዝግብኡና ቃላት ቅዱስ መጽሓፍ እዮም። ምስቲ ዘመንናን ቤተ ክርስቲያናን ከነነጻጽሮምን: ብመንጽር እዘን ቃላትን ታሪኽን ድማ ሕይወትናን ቤተ ክርስቲያንናን ክንርእየሉን ክንፍትሸሉን ድማ ይግባእ። 

ጌጋታትን በደላትን ማኅበረ ቆሮንቶስ እንታይ ዝመስሉ እዮም ነይሮም፧ 

ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንቶስ ካብቲ ቅኑዕ ፍኖተ ሃይማኖትን ሥርዓቱን ኣልጊሶም ዘይግቡእ ነገራት ክፍጽሙን ንኣምላኾም ክብድሉን ድማ ስለዝረኸቦም ክግስጾም ግድን ኮኖ እምበር ሸልለስ ኣይበለን። ማእቶተ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጳውሎስ ክጽሕፍ ምኽንያት ዝኾንዎ ቀንዲ ጌጋጋት ቆሮንቶሳውያን ግሁዳት እዮም ነይሮም። እቶም ኣውራ በደላቶም ድማ 


  • ገለ ካብቲ ንሱ ዝገደፎም ብግብሮም ንኡሳን ዝኾኑ መራሕቲ ኣብ ማዕርግ መምህራን ዘይበጽሑ ክነሶም በጺሕና እናበሉ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክዘባበቱን ክከራኸሩን ምጅማሮም፤ 
  • ኣብ ልዕሊ እቶም ዓቢይ መንፈሳዊ ጸጋ ዘሎዎም ቅዱስ ጳውሎስን ኣጵሎስን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ መምህራን ክዕበዩን ከናሽዉን ምርካቦም፤ 
  • ገሊኦም ድማ ኣብ ልዕሊ ስሕተት ስሕተት እናወሰኹ ክሳብ ክሕደት ሃይማኖት ዝበጽሑ ምንባሮምን አረ ገሊኦምስ ትንሳኤ ሙታን የለን ምባል ምጅማሮም፤ 
  • ገሊኦም ድማ ብሰናይ መንፈሳዊ ኣካይዳ ንዝፈለምዎ ኣገልግሎት በብቍሩብ እናገደፉ ናብቲ ዝቀደመ ሥጋዊ ጥበቦም ምምላሶምን ፍልስፍናን እምነትን ክሓዋውሱ ምጅማሮም አረ ገሊኦምሲ ክሳብ ንጣዖት ዝተሰወዐ ምብላዕ ዝፈቐዱን ዝርከብዎም ምንባሮም፤ 
  • ካልኦት ድማ ጽዩፍ ግብረ ዝሙት ከምዝነበሮምን ካብቲ ማኅበር'ውን ዘይምፍላዮምን 
  • በዝን ካልእን ምኽንያት ድማ ኣብ ሞንጎኦም ምፍልላይን ምክርኻርን ከምኡውን ምጉጅጃል ገኒኑ ከምዝነበረን ብዙኃት ብሰሪ እዚ በደሎም ዝተዓንቀፉን ንድኅሪት ዝበሉን ምንባሮም እዩ። 
  • በዚ ምኽንያት ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ በደላቶም ሸለል ከይበለ ተግሳጻዊን ምኽራዊን ጽሑፋቱ ሰደደሎም። ኣብ ሞንጎኦም ንዝተፈጥረ ምፍልላይን ክርክርን ድማ ነጊሮሞ ስለዝነበረ በዚ ሓዚኑ ማዕዳን ተግሳጽን ጸሓፈሎም ካልኦት'ውን ብኦኦም ከይዕንቀፉ ሥርዓት ገበረሎም፤ ነቶም ክምለሱ ዘለዎም ድማ ኣጸናናዖም። 

በደላት ቆሮንቶሳውያንን ቤተ ክርስቲያንናን 

ምኽንያተ ጽሒፍ ቀዳማይ መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ ብኣንክሮ ከነስተውዕል ከሎና: ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ኣብ ልዕሊን ውሽጢን ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ምስ ተፈጸሙን ዝፍጸሙ በደላትን ዝመሳሰሉ: እዋናዊ ገጻትን ምስልን መሪሕነት ቤተ ክርስቲያናን ኣጕሊሖም ዘርእዩ ጌጋታት ንርከብ ኢና። ሎሚ እዞም ጌጋታት እዚኣቶም ጎልባቦም ቀሊዖም ብጋህዲ ኣብ ሞንጎናን ከባቢናን ኣብ በብሰበኻናን ክብ ኢሉ'ውን ብቀንዱ ኣብ ላዕለዋይ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ዝረኣዩን እዮም። ብሰንኪ እዞም ክገድዱ እምበር ክእረሙ ዘይንርእዮም በደላት ድማ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓደጋ ውዲቑ ከምዘሎ ዘይንስሕቶ መሪር ሓቂ እዩ። ዳርጋ ኣብ ኵሎም ኣካላት ቤተ ክርስቲያን (ገዳማውያን መነኮሳትን መነኮሳይያትን: ሊቃውንቲ: ኣገልገልቲ ካህናትን ዲያቆናትን: መዘምራንን ተምሃሮ ሰንበትን: ምእመናንን ምእመናትን ኣቦታትን ኣዴታትን ወለዲ) ህልዊ ኵነታት ቤተ ክርስቲያንን ድኹም መሪሕነቱን መዛረቢ ዛዕባን ንኵሉ ስለ ሃይማኖት ኣቦታቱ ዝሓምምን ዝቀንዕን ዘሰክፎን ዘሰቅቖን ኣርእስቲ ኮይኑ ከምዝርከብ እሙን ነገር እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዝተኣወጀን ንኵሉ ዝተመሓላለፈን ኣዋጅ “ኣስገዳድ ቍርባን ኣብ ግዜ ናይ መርዓ ቃል ኪዳን” ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል ድኽመት ናይዚ ንብሎ ዘሎና መሪሕነት ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ብካልእ “ድጉል ዕላማ” እዛ ሓመር ቤተ ክርስቲያን ኣንፈታ ይቕየር ከምዘሎ ዘርእይ እዩ። 

ብደም ክርስቶስ ዝተሠረተት ቤተ ክርስቲያንና ከምቲ ዝግባእ ሓዋርያዊ ተልእኾኣን ስብከተ ወንጌልን ከተስፍሕን ክትፍጽምን ይትረፍሲ ብሰንኪ መራሕታ ነታ ወልድ ዋሕድ እትብል ሃይማኖተ ኣበውን መንፈሳዊ ሥርዓታን እኳ ክትዕቅቦ ከቢድዋ ሰንከልከል ኣብ ትብለሉ ዘመን ኢና በጺሕና ዘሎና። ብሕገ እግዚአብሔርን ሥርዓት ሓዋርያትን ኣብ ክንዲ ትምራሕ፤ መፈጸሚን መፈተኒ ሓሳባትን ትምኒታት “ውልቀ ሰባት” እናኾነት ትምጸእ ከምዘላ ሕቡእ ምሥጢር ኣይኮነን። ምስኡ ድማ ብኑፋቄኦም ዝልለዩን ካልእ ዕላማ ዘለዎምን “ዕግርግር ዕዳጋ …” ከምዝበሃል ጥጡሕ ባይታ ተፈጢሩሎምን ባዕሎምን ሃንደስቲ እዚ ዕግርግር ኮይኖም ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ምክፍፋልን ሕንፍሽፍሽን ብዝተወደበ መልክዕ የተኣታትዉ ከምዘለዉ ጋህዲ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። 

እዛ “ርትዕት ሃይማኖቶሙ ለቅዱሳን አበዊነ” ተባሂላ ዝተመስከረላ ቅዱሳን ሓዋርያት: ሰማእታት ጻድቃን ሊቃውንቲ ዝተጋደሉላ ሃይማኖት ኣቦታትናን ሥርዓት ቤተ ክርስቲያንናን ኣብ ዘመንና “ከመይ ኣላ፧” ኢልና ደሃያ ክንሓትት ግቡእና እዩ። ከመይሲ ቤተ ክርስቲያን እግዚአብሔር ብደሙ ዝሠረታን መኅደሪኡ ዝኾነትን፤ ምእመናን ድማ ዝቕደሱላን መንፈሳዊ ምግቢ ዝረኽቡላን፤ ዝጓሰዩላን ኣፍ ደገ መንግሥተ ሰማያት እያ። እወ! ቤተ ክርስቲያን እግዚአብሔር ምስ ደቁ ብጸሎትን ቅዳሴን ዝራኸበላ ምሥጢራቱ ዝፍጸመላን ጸጋ እግዚአብሔር ዝወሃበላን ኣምልኾቱ ዝፍጸመላ ኣምሳል ሰማያዊት ኢየሩሳሌም እያ። ብምዃኑ ድማ ነዛ ቤት እዚኣ ብዝግባእ ከመሓድሩን: ደቂ ኣዳም ኵሎም ብቝዓት ዜጋታት መንግሥተ ሰማያት ኮይኖም ክርከቡ ድማ ብኵሉ ሓዋርያዊ ጥበብ ቅድስት ሃይማኖት ኣቦታቶም ከጽንዑን ሰናይ ምግባር ትሩፋት ክገብሩን ክጓስይዎም ዝተመደቡን ዝተሾሙን ዓቢ ኃላፍነትን ሰማያዊ ሥልጣንን ዘለዎም መምህራን ካህናትን መራሕቲ ጳጳሳትን ከምዘለዉ ኵልና'ውን ኣይንስሕቶን ኢና። ቅዱስ መጽሓፍ'ውን ነዚ ዓቢ ኃላፍነት የዘካኽረና። “ስለዚ ንርእስኹምን ነታ እግዚአብሔር ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያን ክትጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሾመኩም ኵሉ መጓሰ ሓልዉ” ሓዋ. ፳፥፳፰ እቲ ሓቂን ትእዛዝ ናይቲ ሓዋርያ ከምኡ እኳ እንተኾነ ንሕናን እቲ ጽሑፍን ግና ፈጺምና ኣይተራኸብናን። ብሓቂ ቤተ ክርስቲያን ደቃ ብዝግባእ ትጓስዮም ኣላ ዶ፧ ዝዓበዩን ዝነኣሱን ደቃ ከ ኣበይ ኣለዉ፧ ይዝመቱን ይዕንቀፉን ይጐጃጀሉን የለዉን ድዮም፧ ቤተ ክርስቲያን ዕላማ ክርስቶስ ኣብ ክንዲ ትፍጽምን ኣብ ኵሉ ማኅበራዊ ሕይወትን ሕዝባን ሃገርን ሃናጺ ተራ ዝህልዋ ንድኽመታት ኣቦታት እናመዝመዙ ካልእ ዕላማታቶም ዘሳውሩ ይዕብልላዋ ከምዘለዉ መን ኣሎ ኣሉ ዝብል፧ 

ኣብዚ ዘመን እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ብወገን ምምሕዳርን ጕስነቱን ዝረአ ዘሎ ህጸጽን ድኽመትን ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንኵለንተናዊ ዝሕታለን ምግምማዕን ኣቃሊዕዋ ይርከብ። መን ኣሎ ካብ ልቡ ነዚ ዘሎ መሪሕነት ቤተ ክርስቲያን ዝቕበሎን ዝኣምነሉን፧ እዚ ኣብ ደገ ዘሎ ምእመን ስለቲ ዝተፈላለየ ምኽንያት ነናቱ ኣረኣእያ እኳ እንተለዎን ምስ ጕዳይ ሃገርን ሓድነትን ኣተሓሒዙ ነቲ ጉዳይ ክርእዮ ዝፍትን እኳ እንተኾነ፤ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዝርከብ ኣገልጋልን ምእመንን ግና ነቲ መሪሕነት ቤተ ክርስቲያን “ገለ ከይገብሩና” እናበለ ብሥጋ እናፈርሐ እንተዘይኮይኑ ብኣፉ እናጸበቐ ካብ ልቡ ካብ ዘርሕቖም ዓመታት ተቖጺሩ ኣሎ። ኮን ዶ ኾን እናበለ ካብ ሎሚ ጽባሕ ይመሓይሽ ይኸውን ዝብል ዝነበረውን ቶባእ ደኅሪ ደጊም ኣብ ምባል በጺሑ ኣሎ። 

ቤተ ክርስቲያን ኣትያቶ ዘላ ታኼላ ድኽመት ብሓፈሻዊ ኣገላልጻ ንዛረብ ኣሎና ደኣ እምበር ንድኽመት ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ሕይወትን ቤተ ክርስቲያን ካብ ጠንቅን መሠረትን ጀሚርና ዘምጽኦ ዘሎ ሳዕቤን ክንትንትን እንተጀመርና መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ምዕራፍ ከየብጸሓና ኣይተርፍን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ነፍስ ወከፍ ዝለዓል ኣርእስቲ ቤተ ክርስቲያንና ብስራትን ዘሐጕስ ጥዑም ዜናን ዘይኮነስ ዘሕዝንን ዘብክይን ወረታትን ግብርታትን ጥራይ ብመልክዕ ዘይትግበሩን ዘይተጸንዑን ውሳነታት ጥራይ ክፍልፍል ኢና ንርእይ ዘሎና። ቅኑዕ ኣገባብ ዘይተኸተለን ዘይሓለፈን: ምኽሪ መንፈሳውያን ሊቃውንትን ኣቦታትን ዘይብሉ: ብሱባኤ ዘይስነ: ንቤተ ክርስቲያንን ምእመናን ረብሓ ዘይብሉ እኳ ደኣ ዝጐድእ: ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ንምዝራግ ዝዓለመ: በብቍሩብ ናብ ካልእ ባህልን ኑፋቄያዊ ትምህርቲ ዝመለስን: ንሊቃውንትን ጸለውትን ሓቀኛታት ካህናት ዘዳኽምን ዘርሕቕን ወዘተ ውሳነታትን “ምኽሪ ይሁዳ”ን ዕለታዊ ደሃይ ቤተ ክርስትያንና ኮይኑ ይርከብ። 

ይኹን ደኣ እምበር ከነስተውዕሎ ዝግባእና ግና ሓደ ሓቂ ኣሎ፤ እዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ዋናኣ እግዚአብሔር እምበር ደቂ ሰባት ከምዘይኮኑን እቲ ንዓዓ ዝምልከት ዘበለ ድማ ኵሉ በብማዕርጉን ሥልጣኑን ከገልግል ዝግባእ እኳ እንተኾነ'ውን እቲ ኃላፍነትን ኃልዮትን ግና ናይ ኵሉ ደቃ ምዃኑ እዩ። ስለዚ ብመሠረቱ ጕዳይ ቤተ ክርስቲያን ንኵሉ ዝምልከት እዩ። ንዕብየት ቤተ ክርስቲያን’ውን ናይ ኵሉ ሥመረት ማለት ናይ መራሕታን ተመራሕታን፤ ናይ ኣገልግልትን ተገልገልትን፤ ናይ ካህናታን ምእመናን፤ ናይ ዓበይትን ንኣሽቱን፤ ወዘተ ድማ ግድን ዘድልያ ምዃኑ እዩ። ምኽንያቱ ኵሉ ናይ እግዚአብሔር ስለዝኾነን ዝግበር ዘበለ ሰናይ ነገር ድማ እቲ ዓስብን ኵሎም ዝጸበይዋን ዝተስፈውዋን ድማ ሓንቲ መንግሥቲ ኣምላኽ ስለዝኾነት። እዚ ሓድነት ግና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከይህሉ በዞም ኣመሓደርቲ ቤተ ክርስቲያን ዝተባሃሉ ብሰፊሑ ዝስርሓሉን ዘይምትእምማን ነጊሱ ከምዘሎ ርጉጽ ነገር እዩ። ብሓቂ ንቤተ ክርስቲያን ክመርሑን ከመሓድሩን ብቕዓት ዘለዎም ሊቃውንትን ካህናትን እዛ ቅድስት ሃገርና ስኢና ድያ፧ ካን እዚኦም ኣብ መናብርት ጥራይ ዘለዉ ድዮም ፍሪኣ፧ ስለ ሓቂ ብሓቂ ዝሰርሑ መስቀል ኣቦታቶም ዘልዕሉ ተተካእቲ ተሳኢኖም ድዮም፧ኦ ደቂ ተዋሕዶ ናብ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ እግዚኦ ንበል! 

እዛ ሕግን ትእዛዝን እግዚአብሔር ዝዓንዳ ሰማያዊ ሥርዓት ዝሥርዓታ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ካብቲ መምህራ ክርስቶስን ኣገልገልታ ሓዋርያትን ሊቃውንትን ካብ ዝገደፉላ ትምህርትን ሥርዓትን በብቍሩብ እናተፈንተት ትኸይድ ከምዘላ ህልዋን ሊቃውንታ ከይተረፉ ኣፎም ከፊቶም ኣምሪሮም ክዛረቡሉ፤ ብዕሮምን ወረቐትን ኣዋዲዶም ክጽሕፉሉ ጀሚሮም ዘለዉሉ ጉዳይ እዩ። ንሳቶም እዮም ድማ ቀዳሞት መሰካኽርና። 

ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ሰብዓ ቆሮንቶስ ዝሰምዖምን ዝረኣዮምን ነገራት ሎሚውን ብሰንኪ መሪሕነት ቤተ ክርስቲያን ኣባና'ውን ክረኣዩን ክፍጸሙን ንዕዘብ ኣሎና። ሊቃውንትን መምህራንን ቤተ ክርስቲያን እናተደፍኡን እናተኣልዩን ካልኦት ብኣፎም ተበለጽቲ ብሕጓ እናኣተዉ ሊቃውንቲ ክመስሉን መናብር መምህራን ክቆጻጸሩን ከመሓድሩን ንርኢ ኣሎና። ድኽመት ብቕዓት ምሕደራዊ ኣፍልጦ ብፁዓን ጳጳሳትና መዝሚዞም ኣማኸርቲ መሲሎም ትምህርተ ሃይማኖት ቤተ ክርስቲያንና ክለዋውጡን ሥርዓታ ክቀያይሩን ይፍትኑ ኣለዉ። ብሰንኮምውን ምፍልላይን ክርክርን ምጉጅጃልን ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ካብ ዝኣትው ዓመታት ንጽብጽብ ኣሎና። ኣብ ኣቦታትና ዘይነበረን ዘይጸንሐን ሓድሽ ጋሻ ትምህርቲ በዞም ከይተማህሩን ምስክርነት ጉባኤ ብዘይብሎም ክንሰምዕ ካብ ንጅምር ዓመታት ኣቝጺርና ኣሎና። 

ብገሊኦም ድማ ቤተ ክርስቲያን መሳርሒ ዓለማዊ ሓሳባቶም ፍቓዳቶምን ክገብርዋ ኣብቲ ቅዱስ ሕጊ ሥጋዊ ጥበብ ከተኣታትዉ ለይትን መዓልትን ይጽዕሩ ምህላዎም ኣዒንትና ዝርእይኦ ኣእዛና'ውን ንሰምዖ ዘሎና እዩ። ኣቦታትና ቅዱሳን ብመንፈስ ንዝነደቕዎ ብሥጋዊ ጥበብ ክዛዝምዎ ለይቲ ሕልሚ ዝሓልሙን ቀትሪ ድማ ክውን ክገብርዎ ኣእማን ዝፍንቅሉ ኣይተሳእኑን። ውሑዳት ዘይኮኑ ስለቲ ብኑፋቄ ዝተሰመመ ሃይማኖቶምን ጽዩፍ ተግባራቶምን ቀደም ካብ መሪሕነት ቤተ ክርስቲያን ክእለዩ ዝግብኦም ሎሚ'ውን ዋናታቱ ኮይኖም ክሰርሑን ከስርሑን ንርእይ ኣሎና። በዝን ካልእን ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ንዘሎ ዘይመንፈሳዊን ምዉት ኣካይዳን መዝሚዞም “ኣይንፍለጥን” ብምባል ኑፋቄኦም ሓቢኦም ብስም ተዋሕዶ ሃይማኖት ኣቦታትና ዝሽቅጡ ኣብ ምሉእ ዓለም ተወዲቦም ከምዘለዉ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ “መራሕትን ኣመሓደርትን ሃይማኖት” ከኣ ብገንዘብ ጠቢሮም ስዉር ዕላማታቶም ከምዘካይዱን ንሃገርን ቤተ ክርስቲያንን ከዕንዉ ይፍትኑ ከምዘለዉ መን እዩ ዝጠፍኦ፧ ብሰሮም ከ ክንደይ ምእመን ዘይተዓንቀፈ፧! ክንደይ ከ ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ኣቦታቱን ሥርዓታን ካብ ምፍላጥ ዘይተዓግተ፧! ክንደይ ምጉጅጃል ከ ዘይረኣና፧! ብሃይማኖት ምስ ዘይመስሉና ሰሚሮም ነዛ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ትምህርታን ሥርዓታን ትውፊታን ንምዕናው ክንደይ ምውድዳብ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዘይተገብረ፧ ክንደይ ከ ዘይተጻዕረ፧ ነዛ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንምቅባራ ክንደይ ጕድጓድ ዘይተኳዕተ፧! እዚ ኵሉ ኣብ ጥቕዖም እናተገብረን ንገንዘብን ካልእ ሥጋዊ ረብሓታትን ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ደም እናንብዕዋን ጽኑዕ ዝኾነ ሕዝባ እናከፋፈልዋን ድቃስ መራሕታ ግና መዓስ የብቅዕ ይኸውን፧! መዓስ ከ ይበራበሩ ይኾኑ፧! መን ደኣ እዩ ኣይፋልኩምን ትጋገዩ ኣሎኹም ኢሉ ዝግስጽን ዝእርምን፧ መን ደኣ እዩ ናይ ዘመንና ጳውሎስ ክኸውን፧ ኣምላኽ ይፈልጥ! ኣብ ቀረባ ጊዜ ግና ሓደ ካብ ገዳም ፈጺሞም ዘይወጹ ምስጉንን ሊቅን ምናኔ ባሕታዊ ናብቲ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ መጺኦም ተግሳጾም ደርብዮም ከምዝኸዱ ኣብዚ ዘሎናዮ ኮይንና ደሃይ ረኺብና ኣሎና። ኵሉ ኣፉ ሓቲሙ እንከሎ ከምዚኦም ኣሰር ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ዘለዎም ኣቦታት ከምዘለዉ ምስማዕና ዓቢ ተስፋ እዩ። 

ንንቃሕን ኣብ ሃይማኖትና ንጽናዕን! 

ቅዱስ ጳውሎስ ንኸምዚ ዝኣመሰሉ ብጥቕልሉ ኣብ ትምህርተ ሃይማኖት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያንን ከምኡ'ውን ጸጋ እግዚአብሔርን ሰናይ ምግባራትን ከምኡ'ውን ምምሕዳርን መሪሕነትን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ኣብ ሰብ ቆሮንቶስ ንዝተራእየን ዝተሰምዐን በደል ብትሪ ወቒሱን ገሲጹን ንዝምከሩ ድማ መኺሩ መሊሱን። ኣብ ኸምዚ ፈታኒ እዋን ድማ ሰባት እቲ ሓደ ናይ ክስቶ እቲ ካልእ ድማ ናይ ካልእ ሰዓቢ ብምዃን ከይከፋፈሉን ከይጐጃጀሉን ኵልና ናይ ሓደ ክርስቶስ ምዃንና እዩ ቅዱስ ጳውሎ መኺሩና። እወ ኵልና ናይ ክርስቶስ ኢና እሞ ነታ ብ፵ን ፹ን መዓልትን ንዝተዋህበና ውልድነትን ጸጋ ሥላሴን ዓቂብናን ኣጽኒዕና ኵልሳዕ ጸግዕና ቤተ ክርስቲያን ንግበራ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተና ኣብ ግዚኡ ምብቅዑ ዘይተርፎ እዩ፤ ምኽንያቱ ባዕሉ ይፈርስ እምበር: ቤት እግዚአብሔር ከፍርስ ዝከኣሎ ሓደ እኳ ስለዘየልቦ። ስለዚ በዚ እዋናዊን ናይ ዘመንና ማዕበላዊ ፈተና ከይተዓንቀፍና ኣሰረ ፍኖት ኣቦታትና ነጽንዕ። ቅዱስ ጳውሎስ'ውን እቲ ዝግብእ ማዕዳ ድኅሪ ምሃቡ ነቲ ኣብ ርእሲ ንዘሎ ኃይለ ቃል እዩ ኣውሲኡ፤ “ንቕሑ ኣብ እምነት ጽንዑ”። 

ብሓቂ ድማ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎና ኣገልግልቲ ካህናት ዲያቆናት ከምኡውን ምእመናን ስለቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሃይማኖታን ዝግበር ነገር ጓኖት ከይኮንና ኣብ ነፍስ ወከፍናን ደቅናን ዝመጽእ ጉዳይውን ስለዝኾነ ንቝሓት ክንከ'ውን ይግባእ። እወ ስለ ሃይማኖትና ንንቃሕን ኣብ ሃይማኖት ኣቦታትና ድማ ንጽናዕ። እግዚአብሔር ክሠምረና ድማ ግብርና ኵሉ ብፍቕሪ ሰናይ ተግባራት ዝተሰነየ ይኹን። ስለ ቤተ ክርስቲያን ገጢምዋ ዘሎ ፈተና ድማ ንጹምን ንጸልይን፤ ንሕዘንን ንብከይን። እግዚአብሔር ስለ ቤቱ ዝኃልዩ ጓሶት ከተንሥኣልና፤ ንዘለዉ'ዉን ከበራብረልናን ክዕቀበልናን ንልመኖ። ስለ ጽንዓት ሃይማኖት ኣቦታትናን ምእመናንን ዝሓስቡን ዝደኽሙን ኣቦታት ክህልዉና፤ ስለ ትንሣኤ ቤተ ክርስቲያንና ዝጭነቑን ዝጣበቡን ምኽሪ ሰብ ዘይኮነስ ምኽሪ እግዚኣብሔር ዘለዎም ኣቦታት ከተንሥኣልና ንሕና ኵልና እግዚኦ መሐረነ ንበሎ። 

ግዴና ድማ ንግበር ንንቃሕን ነቶም ኑፋቄ እናእተዉ ዝፈላልዩና ነስተውዕለሎም እምበር ንሕና ደቂ ቤተ ክርስቲያ ኣይንፈላለ! 

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ። 

5 comments:

  1. ናይ በሓቂ ዓቢ ትምህርትን ምዕዶት

    ንንቃሕ ኩሉና ውን ካብ ድቃስና ንበራበር፣ ንሕና ደቃ ደቂስና ኮለና ቤተክርስትያንና ትዝመት አላ ዝምስገን ስራሕ እዩ ማእዶታውያን፣ እግዚአብሔር ይሓግዝኩም. እቶም ዝተረፍና ደቃ ከ? አይምልከተናን ድዩ እዚ ጉዳይ? ዘይነተባብዖም፡ ሓሳብና ዘይንገልጽ እንተወሓደ አጆኩም ኢልና ኮመንት ዘይንገድፍ ክሳብ መዓስ ኢና ኮን ኪንድቅስ፡ እግዚአብሔር በተክርስትያና ይሓሉ።

    ReplyDelete
  2. Great article and notes for the children of the church at the right time, please keep up your good work. We will support you and try my best to let my brothers and sisters to know about your blog.

    Amalke Kudusan mesakum yukun!

    ReplyDelete
  3. hi dear brother keep it up.

    ReplyDelete
  4. It is a good start, please reveal the evil work introduced in our church by the so called TEHADSO MENAFEKAN for the sake of the renaissance of our beloved church and safeguarding the children of Chirst.

    But don't be emotional and be responsible on your blogs.

    ReplyDelete
  5. the entrance of thy words giveth light it giveth understanding unto the simple psalm 119; 130

    ReplyDelete