Sunday, February 27, 2011

ዓቢይ ጾም

ቀዳማይ ክፋል
መእተዊ 

ሎቱ ስብሐት ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሓንስ መጥምቅ ድኅሪ ምጥማቝ ናብ ገዳመ ቆሮንቶስ ብምኻድ ፵ መዓልትን ለይትን ጾይሙን ጸልዩን እዩ። (ማቴ ፬፥፩-፪) 

ንወልድ ዋሕድ ክርስቶስ ኣብነት ብምግባር ቤተ ክርስቲያን ካብ ኣብራከ መንፈስ ቅዱስ ካብ ማኅፀነ ዮርዳኖስ ንዝወለደቶም ደቃ ብጾም ምስ ኣምላኾም ክራኸቡን ጸጋ ክረኽቡን ምእንቲ ብኣዋጅ ካብ ዝሓገግትሎም ፯ተ ኣጽዋማት ሓደን እቲ ቀዳማይን ዓቢይ ጾም እዩ። በቲ ንዋሓት መዓልትታት ኣጽዋም ዘይኮነስ ዋንኡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞን፡ ጾይሙ ድማ ዝባረኾን ኣብነት ዝገደፈልናን ጾም ስለዝኾነ ዓቢይ ተባህለ። ዓቢይ ጾም ኣይከም ገሊኦም ኣጽዋማት ዘይውስኽን ዘይንክይን ፶፭ መዓልትታት ዝጽወም ጾም እዩ። እዚ ድማ ናቱ መበገሲ ምኽንያት ዘለዎ እዩ። 

ብፍሉይ ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ጾም እዚ ንዘለዋ ፰ ሰናብቲ ነናተን ስያመ ብምሃብ ምስቲ ዕለት ብዝሰማማዕ መገዲ ንባባት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብምምራጽ ተንብብን ሰማያዊ ውህብቶ ብዝኾነ ኣዝዩ ጥዑም ያሬዳዊ ዜማ ብሰዓታታን ማኅሌታን ክትጽልይን ስብሐተ እግዚአብሔር ከተብጽሕን ትሓድር።

ትርጉም ስያመ ዓቢይ ጾም 

ስለምንታይ ከምቶም ካልኦት ስያሚኡ ምስቲ ዋና ጸዋምን (ከም ብዓል ጾመ ነቢያት ወይውን ጾመ ነነዌ) ወይ ታሪኽ ናይቲ ጾም (ከም እኒ ጾመ ፍልሰታ) ዘይከይድ ፍሉይ ስም ተዋህቦ ዝብል ሓታቲ ክርከብ ግድነት እዩ። እዚ ጾም እዚ ካብ ካልኦት ኣጽዋማት ተፈልዩ ዓቢይ ዝተባህለሉ ምኽንያት ብዓቢኡ ተወካፌ ጾምን ጸሎትን ዝኾነ ጐይታ ብተዋሕዶ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ዝጾሞ ጾም ብምዃኑ እዩ። ምስኡ ድማ ዓበይቲ ዝበሃሉ ኣርእስተ ኃጣውእ ዝተሳዕሩሉን ዝሳዕሩሉን ስለዝኾነ እዩ። 

ከመይሲ ጐይታና ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ኣትዩ ብፍቓዱ ብሠለስተ ዓበይቲ ፈተናታት ሰይጣን ተፈቲኑ ስዒርዎም እዩ። ንሳቶም ድማ ስስዕቲ፡ ትዕቢትን ኣፍቅሮተ ንዋይን እዮም። ዲያብሎስ ብስስዕቲ እንተመጽኦ ብትዕግስቲ፤ ብትዕቢት እንተመጽኦ ብትሕትና፤ ብኣፍቅሮተ ንዋይ እንተመጽኦ ብመንኖ ጥሪት እዩ ስዒርዎ። 


ንጐይትኡ ኣብነት ገይሩ ነዘን ንዓለም ሰላም ከሊአን ህውከት ዘእትዋሉ ዘለዋ ኣርእስተ ኃጣውእ ዝስዕር ሰብ ካልኦት ኃጢኣታት ክንድ’ቲ ከምዘይፈታተንዎ ኣቦታትና ሊቃውንቲ ይምህሩ። ስለዚ እዚ ጾም’ዚ ዓበይቲ ኃጢኣት ካብ ሕይወት ደቂ ሰብ ዝምንቈሱሉ ስለዝኾነ ዓቢይ ክበሃልውን ከምዝተኻእለ ይግለጽ። 

ካልኦት መጸውዒ ስያመታት ዓቢይ ጾም 

ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጾመን ዝተመሥረትን ስለዝኾነ እዚ ጾም’ዚ ዓቢይ ከምዝተሰምየ፤ ነቲ መሠረታዊ ታሪኽን ግብርን እዚ ጾም’ዚ ዝገልጽን ዝሰማማዕን ካልኦት ስያመታት ከምዘለዉ ምፍላጥ የድሊ። 

                                                                                                                                   ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment