Thursday, February 24, 2011

ኪዳነ ምሕረት

ካልኣይ ክፋል

ኪዳነ ምሕረት - ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን 

ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ እግሪ መስቀል ጐይታ ተረኺቡ ንእመ ብርሃን “ነያ እምከ” ተባሂሉ ሕድሪ ካብ ጐይታ ምቕባሉ ናብ ቤቱ ወሲድዋ እዩ። ሓዋርያት’ውን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ተፈልዩ ድኅሪ ምትንሥኡ ኃይልን ጸጋን መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ዝለብሱ ኣብ ኢየሩሳሌም ክጸንሑ ብዝኣዘዞም መሠረት ኣብቲ ዝተባህልዎ ጸኒዖም ከለዉ ኣዴናውን ካብኦም ኣይተፈለየትን። ሓዋርያት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ድኅሪ ምቕባሎም ወንጌል ንምስትማሃር ኣብ ዝወፈሩሉ፡ ንሳ ግና ዕለት ዕለት ኣብ ጎልጎታ መካነ መቃብሩ ብምኻድ ነገረ መስቀሉ ብምዝካር ጸሎት ተብጽሕ ነበረት። ምእንቲ ምሕረት ደቂ ሰባት ከኣ ኣብ ጸሎታ ንወዳ ተዘክር ነበረት። መላእኽትውን ንሲኦል ገነትን ኣርእዮማ ስለዝነበሩ ምእንቲ እቶም ኃጥኣን ኣብዚኃ ትልምን ነበረት። 

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ፲፮ የካቲት መድኃኒትና ክርስቶስ ከምቲ ኣብ ደብረ ታቦር ብርሃነ መለኮቱ ዝገለጸ ንኣዴናውን ተገልጸላ። ምግላጽ መድኅን ዓለም ኣዝዩ ዘደንቕ ድማ ነበረ። ከመይሲ ከምቲ ኣብ ግዜ ሞቱን ትንሣኤኡ ዝተራእየ፡ ምድሪ ተናወጸት፤ መቃብራት ተኸፍቱ፤ ኣካውሕ ተጨዱ፤ ፺፱ ግሩማን ነገደ መላእኽቲ ብርሃን ለቢሶም ብርሃን ተጐናጺፎም ኣብ የማንን ጸጋምን ጐይታ ደው በሉ። እዚ ብቃላት ንምትንታኑ ዘይከኣል ምግላጽ ጐይታ፡ ኣዴና ምስ ረኣየት ብምግራም ነቲ ድንቂ ሥራሕ ጐይታ ተስተውዕሎ ነበረት። ወላዲተ ኣምላኽ ነቲ ድንቂ ግብሪ ኣምላኽ ኣድኒቓ ትም ትብል ነይራ እምበር ትዛረብ ኣይነበረትን። ንሱ ጌና ኣብ ማኅፀና ከሎ ኣዕይንታ ዝረኣይኦ ድንቂ ስራሕ ኣምላኽ እንተዝግለጽ ነይሩ ክንደይ ዘይተሰምዐ ዕፁብ ነገር ምሰማዕና ነይርና። ዘሎና ሕይወት ከ ክጾሮ ዶ ምኽኣለ፧ ኣዴና ግና ኣደ ኣርምሞ እያ ነይራ። ናይ ምሥጢር መዝገቡ ከም ምዃና ቅዱስ ሉቃስ'ውን መስኪሩላ እዩ። “ኣዲኡ ድማ ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት።” (ሉቃ ፪፥፶፩) 

ንጠባያት ኣዲኡ ዝፈልጥ ጐይታ ብምግራም ተስተውዕል ንዝነበረት ክብርት ወላዲቱ “በዚ ነገር ዶ ትድነቕ ኣሎኺ፧ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ዶ ኣብ ማኅፀንኪ ዝጾርክኒ ኣይኮንን ዲኺ፧” በላ ቅድስት ኣዲኡ ድማ “ሥጋ ሰብ ተዋሓሒድካ ረኤኹኻ እምበር ቀደምሲ ብኸምዚ ኣገባብ ኣይረኣኹኻን፤ ሎሚ ግና ኣዝዩ ብዘፍርሕን ብዘሰንብድን ግርማ መለኮት እርየካ ኣሎኹ” በለቶ ጐይታ'ውን መሊሱ “ኣደይ ወላዲተይ ትሽዓተ ወርሒ ኣብ ማኅፀንኪ ዝጸይርኪኒ፡ ኣብ ዝባንኪ ዝሓዘልክኒ፡ ካብ መዓርን ስኮርን እምብዛ ዝምቅር፡ ካብ በረድ’ውን ዝጽዕዱ፡ ካብ ማየ ገነት'ውን ንጽሑ ዝኾነ ጸባ ኣጥባውኪ ዘጥበኽኒ ኣደይ እንታይ ክገብረልኪ ትፈትዊ፧ ዝለመንክዮ ክገብረልኪ ዝደለኽዮውን ክፍጽመልኪ እየ” በላ። ብቀደሙሲ ኣብ ቃና ዘገሊላ ኣብ ቤት መርዓ ዶኪማስ ተረኺቡ ነቶም ዝጸበቦም ክራድኦም “ወይኒ እምበር የብሎምን” ኢላ ንዘዘካኸረት ኣደ “አንቲ ሰበይቲ ምሳኺ እንታይ ኣሎኒ” ኢሉ ልማኖኣ ከምዝሰምዕ ዝበለቶውን ክፍጽመላ ምዃኑ ኣረጋጊጹላ ነይሩ። ሕጂ'ውን ኣብ ጌተሰማኔ ብዓቢ ክብሪ ተገሊጹ እንታይ ትደልዪ በላ። ኣዴና'ውን ነዚ ዚስዕብ ለመነቶ። 
  • ብስማ ቤተ ክርስቲያን ንዝሃንጹ 
  • ብስማ ዝዓረቑ ንዝኸድኑ 
  • ብስማ ሕሙማት ንዝበጽሑን ዝሓዘኑ ድማ ንዘጸናንዑን 
  • ብስማ ጥሙይ ንዘብልዑን ጽሙዕ ንዘስትዩን 
  • ምስጋናኣ ዝዛረቡ መጻሕፍቲ ንዝጸሓፉ ዘንበቡ ዝተርጐሙ 
  • ኣብ በዓላ ዝክሪ ንዘዘክሩ ምስጋና ዘቕርቡ 
  • ብስማ ኣብ ዝተሃንጹ ኣብያተ ክርስቲያናት ጥዋፍ ዕጣን ሽምዓ መባእ ንዝውፍዩ 
  • ሰነ ጎልጎታ ወትሩ ከም ማኅተም ንዝኅዝዎ ካብ ሲዖል ገሃነም ይድኅኑ ይብል። ስም ፈጣሪኦም ንምቅዳስ ክብሩ ድማ ንምውራስ ብቝዓትን ንቑሓትን ይኾኑ ዝብል እዩ ነይሩ። 
እዚ ኪዳን ምስቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ዘሎ ንባብ ዝሰማማዕ እዩ። ከመይሲ ጐይታ ብስም ደቀ መዛሙርተይ ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ ዜስቲ፡ ዓስቡ ከቶ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ ዝበሎ እዩ። “እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ እሞ” ንዝብል ቃል ዝሰምዐት ቅድስት ድንግል ማርያም ምኽባርን ምፍታውን ቃል ኪዳና ድማ ምሕላው ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መረዳእታ ዘለዎን ኣምላኽ ዝቕበሎን ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። 

ኣብዚ ዕለት ዝንበብ ስንክሳርውን ኣብ መእተዊኡ ነዚ ዘዘካኽር ንባብ ኣለዎ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “ኣብዛ ዕለት እዚኣ ክርስቲያናት ኵሎም ኣምላኽ ንዝወለደት ቅድስት ድንግል በዓል ይግብሩ። ኣብዛ ዕለት እዚኣ መዘከርትኣ ንዝገብር ስማ ንዝጽውዕ ንድኻታትን ጽጉማትን ዋላ ዝሑል ማይ ዜስቲ እኳ፤ ጐይታ ክብሪ ካብ ዝኾነ ካብ ፍቁር ወዳ ካብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን ተቐቢላ እያ።” ጐይታ’ውን ነዚ ቃል ኪዳን ኣብ ፲፮ ነሓሰ - ፍልሰታ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ደጊምዎ እዩ። 

ቃል ኪዳን ቅዱሳንን ንሕናን ከ፧ 

ንሕና’ውን ተረባሕቲ ኪዳን ቅዱሳን ክንከውን ብሃይማኖትና ጽኑዓት፡ ብግብርና ድማ ውሉደ ብርሃን ኮይንና ክንረከብ ይግብኣና። ቃል ኪዳን ቅዱሳን ንሰነፋት ወይ ህኩያት ወይውን ተጠራጠርቲ ዝተዋህበን ዘገልግልን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብ ሃይማኖት ኑፋቄ ንዘይብሎም ኣብ መንፈሳዊ ኣካይድኦምን ሕይወቶምን ንቑሓትን ትግሁታን ኮይኖም ንዝርከቡ ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። ነቲ እግዚአብሔር ንቅዱሳን ዝኣተዎ ቃል ኪዳን በረኸት ክንረኽበሉን ኣብቲ ጸጋ ተሳተፍቲ ክንከውን እንተደኣ ደሊና ክንጠራጠር የብልናን። ብእምነት ዘይቀርብ ከም ንፋስ ንየው ነጀው ዘብሎን ገለ እኳ ካብ ኣምላኽ ዝረኽቦ ከምዘይብሉን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝነግሩና ሓቂ እዩ። ነቲ ኪዳን’ውን ዝበቅዕ ሰናይ ግብሪ ግድን ክህልወና ከምዝግባእ’ውን ክንፈልጦ ኣሎና። ጐይታ’ውን ነቲ ዓስቡ ከምዘየትረፈሉ እተዛረበሉ ኪዳን በቲ ዝተሓተን ዝቀለለን ክንገብሮን ብዝግባእና ነገር ኣብነት ጠቒሱ እዩ ምሂሩና። ግብሪ ከምዘድልዮ ከነጽርውን “ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ ዜስቲ” ብምባል እዩ ተዛሪቡ። እቲ ዝወሃብን ዝግበርን ሰናይ ግብሪ ድማ ብስም ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ምስ ዝግበር ዝቕበሎ ምዃኑ በቲ ኪዳኑ ኣረጋጊጹልና እዩ። “ብስም ደቀመዛሙርተይ..” ብምባል!። እሞ ሰናይ ግብሪ ዘበለ ክንገብር ተጊህና ክንርከብ ይግባኣና። ኣብ ትንሣኤ ዘጉባኤ ኣብ ቅድሚ መንበሩ ንሕተተሉ ሰናይ ግብርታት ኵሎምን ካልኦትን ብስም ቅዱሳን ምስ ንገብር ካብቲ ዓስቡ ኵሉ ምሳይ ኣሎ ዝበለ ጐይታ ዓስቢ ንረኽበሎም ኢና እሞ ንምፍጻሞም ተጊህና ክንርከብ ኣሎና። ባዕሉ ጐይታ'ውን ንሰባት እንገብሮ ሰናይ ግብሪ ንእኡ ከምዝገብርና ዝሕሰብ’ውን ስለዝኾነ ቃል ኪዳን ቅዱሳን ክሳብ ክንደይ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ዘረድኣና እዩ። “እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ብሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡” (ማቴ ፳፭) 

መዛግብ ጉዕዞ ክርስትናና ዝምስክሮ ሓቂ እንተሎ ድማ ምእመናን ሃገርና ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ቅዱስ ቃል ኣጸቢቖም ዝርድእዎን ብኸመይ ኣገባብ ከምዝትርጉምዎን ዝፈልጡን ዝተሞከሩን እዩ። ብፍላይ ንኪዳነ ምሕረት ዘለዎም ፍቕሪ ደስ ዘብልን መግለጽ’ውን ዘይርከቦ እዩ። ጣዕምን መቐረትን፤ ጸጋን በረኸትን ቅዱሳንን ኪዳኖምን ኣብ ሕይወት ሕዝብና ተዋሃሂዱ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ዘመናት ዘቝጸረ እዩ። ነፍስ ወከፍ ቤት ድማ ብዛዕባ ዘስተማቀረቶን ዝተሳተፈቶን በረኸት ቅዱሳን ትምስክሮ ተኣምር ኣይሰኣናን እዩ። ሃገርና መፍለቒትን መዕረፊትን ቅዱሳን ክትከውን ዝኸኣለት ብዘይ ምኽንይት ከምዘይኮነት'ውን ንርድኦ ንቅዱስ ኣነባብራ ሕዝብና ምስ ነስተውዕል እዩ። ምኽንያቱም እቶም ቅዱሳን ፈሪሓ እግዚአብሔርን ሕገ ኣምላኽ ካብ ዘኽብሩን ምስ ቅዱሳንን ኪዳኖምን ከኣ ጥቡቕ ዝምድና ካብ ዘለዎም ስድራታት ዝርክቡ ብምዃኖም። 

ይኹን ደኣ እምበር ብኸምዚ ዓይነት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ግብርን ሥርዓትን ተኰስዂሱ ዝዓበየን ከም ባህሊ ኣብ ውሽጡ ንዘመናት ሰሪጹ ምስ ቅዱሳን እግዚአብሔር “ዕርክነት ኣጥርዩ” ጽድቂ ክሓፍስ ካብ ዝጸንሐ ኣማኒ ሕዝቢ ዝተረኽበ ናይ ሕጂ ወለዶ ከ ከመይ ኣሎ፧ ብሓቂ ዶ ኣሰረ ፍኖት ቀዳሞት ኣጽኒዑ ኣሎ፧ ሎሚ ብኵሉ መዐቀኒታት ዘሰክፍ መንፈሳዊ ኣካይዳን ዝሩግ ዘይክርስቲያናዊ ባህልን ንርእይ ኣሎና። እቲ ስለ ርትዕትን ሓዋርያዊትን ሃይማኖት ኣቦታቱ ኣደልዲሉ ዘይፈልጥን ብልምዲ ጥራይ ዝጕዓዝን፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሕይወትን ሥርዓቱን እንዶ ዘይብሉ ወለዶ ገዲፍና፤ ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እመሃር ወይውን አገልግል ኣሎኹ ዝብል ወለዶ ከ ከመይ ኣሎ፧ ነዚ ጽድቂ ዘውህብ ኪዳን ቅዱሳን ንዕቅቦ ዶ ኣሎና፧ ከይተፈለጠና ብማዕበልን ነፋሳትን መናፍቃን እናተደፋእና ገለ ኣብ እምነትና ስክፍታን ጥርጥርን ዶ ነእቶ ኣየለናን፧ ገሌናስ ስለ ክብሪ ቅዱሳን ኣጸቢቕና እናፈልጥናን እናተከራኸርናን፤ ኣብ ሕይወትና መጺና ግና ብግብሪ ዝረአ ዝኾነ በረኸት ቅዱሳን ዘይምህላዉ ስለ ጥቕሲ ደኣ እምበር እምነትና ብግብሪ ይስነ ዘይምህላዉ ኣይምስክረልናን ዶ፧ ምስ ቅዱሳን ዘሎና ዝምድና ከ ከመይ ኣሎ፧ንሳቶም ንጐይታ ብኣካይድኦም መሲሎም ንዓና ምስሉ ካብ በሉና ብሃይማኖትን ሰናይ ግብርን ንመስሎም ዶ ኣሎና፧ ጐይታስ ከምዝኣዘዘና ምእንቲ ኣብ ሰማያዊን ዘለኣለማዊን ኣባይቶም ክቕበሉና ካብኣቶም አዕሩኽት ገይርና ዶ፧ 

ቀዳሞት ኣቦታትናን ኣዴታትናን ክንመስል እንተንኽእል እዚ ወለዶ ክንደይ ብዙኅ ነገር ክኸስብ ምኽኣለ፤ ዘየምስለና ባህርያት ነማዕብል ስለዘሎና ግና ንስከፍ ኣሎና። ንስክፍታና’ውን ምኽንያት ኣለዎ። ሕገ እግዚአብሔር ዝመሠረቱ ቅዱስ ባህልና እናረኣናን እናሰምዓናን ይጠፍእ ብምህላዉ። ቅዱሳን ኣቦታትና ንሕገ እግዚአብሔርን ሥርዓቱን ከምዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ኣብ ንባባት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኣይኮነን ዝፈልጥዎ። እኳ ደኣ ባህሎምን ልማዶምን ገይሮሞ ይነብርዎ ነይሮም። ኣብ ኵሉ ዕዮታቶምን ማኅበራዊ ርክባቶም ዝገብርዎ ዘበለ ድማ ንርእሱ ዝዛረብ ጥቕሲ እዩ። ሎሚ ግና ኣይግድን! 

ግደ ሓቂ እቶም ኣብ ምጉሳይ ሕዝቢ ዘሎና'ውን ኣገልግሎትና ኣፍኣዊ እምበር ውሽጣዊ ሕይወት ይድህስስን፡ በረኸትን ፍኖትን ቅዱሳን ኣባና’ውን ይረአ ዘይምህላዉን ዘስክፍ ነገር እዩ። ብምዃኑው እቲ ዝስዕበና ዘሎ ምእመን ብፍላይ እዚ ሓድሽ ወለዶ ኣብነት ክወስድን ከምቲ ዝግባእ ምስ ቅዱሳን ክዛመድን ኣይንርእዮን ዘሎና። ናይ ሎሚ ወለዶ ካብ ቃል ብዝያዳ ግብሪ ዘንብብ፤ ብኣፍ ዘረድኦን ዝምስጦን ዘይኮነስ ግብራዊ ሕይወት እናነበረ ኣብነት ዝኾኖ እዩ ጸሚኡን ናፊቑን ዘሎ እሞ ኣብ ኣሰር ቅዱሳን ንጽናዕ። 

ስለዚ ብስም ቅዱሳን ብምምጽዋት፥ ዝኽሪ ጸበል ብስሞም ብምግባር፥ ንዝጠመየ ብምብላዕ፥ ንዝጸመዐ ብምስታይ፥ ደቅና ብስሞም ብምጽዋዕ፥ ስንክሳር፡ ገድሊ፡ ዜና ቅዱሳን ብምስማዕን ብምጽሓፍን ብምንጋርን፥ መዘከርታ በዓላቶም ብምኽባርን ክብረ በዓላቶም ብምስታፍን፥ ብስሞም ንዝተሃንጹ ኣብያተ ክርስቲያናትን ገዳማትን ብምርዳእ፥ ብጸሎቶም ብምምኅጻን፥ ወዘተ ልዕሊ ኵሉ ድማ ብግብርን ሃይማኖቶምን ንኣኣቶም ብምምሳል ጽድቂ ንኣክብ። 

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን’ውን ደቃ ምስ ቅዱሳን እግዚአብሔር ዝላለዩሉን ዝዛመዱሉ ሰፊሕ ናይ ትምህርትን ካልእ ማኅበራዊ መርሓ ግብርታት ክትሰርዕ ዝግብኣ እዩ። መንበረ ማርቆስ ካብ ዝኾነት ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ እዚ ክንመሃሮን ኣብነት ክንወስደሉን ዝግብኡና ሰናይ ኣካይዳታት ኣዝዮም ብዙኃት እዮም። እስክንድርያዊት ቤተ ክርስቲያን ንደቃ ካብ ግዜ ህጻናንነቶም ኣትሒዞም ምስ ቅዱሳን ሰናይ ዝምድናን ፍቕርን ክምሥርቱ ኣብቲ ሥርዓተ ትምህርቲ፤ ነገረ ቅዱሳን ዝገልጹ ብዝኂ ዘለዎም ጽሑፋዊ ይኹን ድምጻዊን ምስላዊን ኅትመትን ድርሰትን ብምስንዳው፤ ክሳብ ስድራ ቤታዊ ቀጸላ ዘለዎ ጕስነቶምን ትምህርቶምን ወዘተ ክጥቀስ ይኽእል። 

ስለዚ መንገዲ ኣቦታትና ኣጽኒዕና ተሳተፍቲ ኪዳን ቅዱሳኑ ክንከውን ኣምላከ ቅዱሳን ረድኤቱ የብዝኃልና። 

በዚ ይኹን በቲ ካብቲ ዝበደልናዮን ዝጠፍኣናዮን ተመሊስና በረኸት ቅዱሳኑ ክንረክብ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና። ንደቅናን ኣኅዋትና ብዛዕባ ኪዳን ቅዱሳን ብምምሃርን ዘለዎ በረኸት ከምዘስተውዕልዎ ክንገብር፤ ንሕናውን ኣብነታውያን ኮይንና ክንርከብ ኣሎና። ቤዛዊት ዓለም ኪዳነ ምሕረት በረኸታን ረድኤታን ኣብ ሃገርናን ሕዝብናን ጸኒዑ ይንበር። 

ማዕዳ 

ከምቲ ጥፉእ ወዲ ካብ ቤት ኣቡኦም (ቤተ ክርስቲያን) ኣርሒቖም ንዝኾብለሉ ንግዚኡ ገዲፍና፤ ክብረ ቅዱሳን ምዝራብን ምግላጽን፤ ኪዳኖም ምስትንታንን ምስ ነገረ ድኅነት ክርስቶስ ኣምላኽና ዝጋጮ ወይውን ዘይሳነ ዝመስሎም ገለ “ተዋሕዶ” ኢና ዝብሉ ኮይኖም ዝስምዖም ለዋሃት ኣይሰኣኑን። ገሊኦም ክብረ ቅዱሳን ምምሃር ምዝካርን ንክብሪ ኣምላኽ ዘጐድልን ዝሻሞን ወይ ዝትንክፍን ኮይኑ ይስምዖም። እቲ ሓቂ ግና ብኣንጻሩ እዩ። እኳ ደኣ ክብሪ ቅዱሳን ብንጹር ምስ ንፈልጦ ክብሪ ክርስቶስ ኣምላኽና ክንደይ ዓብይ ምዃኑ ከነስተውዕሎ ምኽኣልና። ቅዱሳን ብዓቢ ተጋድሎ ንዝፈጸምዎ ጉዕዞ ክርስትና ምስትንታን ኵሉ ንክብሪ ክርስቶስ ምዃኑ ተረዲኡና ኣሰሮም ክንስዕብ በረኸቶም ክንሳተፍ ምተቀዳደምና ነይርና። መን እዩ ግና ነዚ ከየነስተውዕ ዝኣዘመና፧ 

እዞም “ተዋሕዶ” ኢና እናበሉ ዝስሕቱ ዘለዉ ሰባት ኣብ ሃይማኖት ዘለዉ ዝመስሎም ግና ዘየለዉ እዮም። ኸምዚኦም ዓይነት ሰባት ደው ኢሎም ዝመስሎም እሞ ብምኽሪ መምስልትን ጸላእትን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ባሕሪ ኑፋቄ ዝጠሓሉ እዮም። ይኹን ደኣ እምበር ነዚ ከስተውዕልዎ ግዜ ክወስደሎም እዩ። ብስምዒትን ካልእ ድፍኢታትን ከምኡ'ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያናን ብዘሎ ዘሕዝን እዋናዊ ኵነታትን መሪሕነቱን ከይተጸልዉ ኣማናዊት ፍኖተ ሕይወት ክፈልጥዋ እንተደልዮም ሊቃውንትን መምህራንን ቤተ ክርስቲያንን ክሓቱን መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያንን ድማ ክውከሱ ይግባእ። ብዓቢኡ ድማ ነቲ ሓቀኛን ጥንታውን መገዲ ክገልጸሎም ብቅኑዕ ልቦና ናብ ኣምላኽ ክልምኑ ዘድልዮም እዮም። 

ኣብ ሃገርና ከሎና ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ብስም ኦርቶዶክስ ብግሁዶ ብግዳም ዝተወደበ ፕሮቴስንታናዊ ትምህርቲ ክወሃብ ንሰምዕን ንርእይን ነይርና። በቲ ግዜ’ውን ዝነበሩ መንእሰያት በኵሪ እዝኖም ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዝሰምዕዎ ትምህርቲ ንሱ “ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ” ይመስሎም ነበረ። እቲ ዝስዕቦም ዝነበረ’ውን ትምህርቲ ኦርቶዶክስ ከምኡ እናመሰሎ ነቲ ናይ ኣቦታት ጥንታውን ሓዋርያውን ትምህርቲ ከም “ጋሻ” ሓድሽ ትምህርቲ ገይሩ ይርድኦን ክቕበሎ ድማ ይጽገም ከምዝነበረ ንዝክር። ሎሚ ኣብ ዝተፈላለየ ኣህጉራትን ሃገራትን ብፍረ ናይዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ዝተበከሉ ሰባትን ማኅበራትን ከምዘለዉ ንርእዮም ኣሎና። መጽሓፍ ብመጽሓፍ ምምላስ ምስ ከበዶም፤ መንነቶምን እኩይ ዕላማታቶምን ከይቅላዕ ሓንሳብ ብስም ፓለቲካ ሕዝብና ክኸፋፍሉ፤ ሓንሳብ ድማ ብስም ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ክሽቕጡ ንዕዘቦም ዘሎና እዩ። እዚ ድማ ሕዝብና ንምክፍፋልን ካብ ሃይማኖት ኣቦታቱ ንምልጋስን ዝግበር ፍሕሶ ሰይጣን ምዃኑ ኣጸቢቕና ንርድኦ ኢና። ኣብ ግዜኡ ድማ ብጭብጢ ኣሰኒና ከነጋውሖ ኢና። 

ስለዚ ናብ ሃይማኖት ኣቦታትኩም ተመለሱ፤ ኪዳን ናይ ቅዱሳን ተጠቐሙሉ ኢልና ንምዕደኩም ኣሎና። ኣብ ፵ን ፹ን መዓልቲ ካብ ኣብራከ መንፈስ ቅዱስ ካብ ማኅፀነ ዮርዳኖስ ንዝተወለድኩሙላን ምስ እግዚአብሔር ንዘራኸበትኩም ቤተ ክርስቲያን ኣይትበድሉዋ። ካልእ ምኽሪን ዕላማን ምስ ዘለዎምን፤ ውዲትን መሳርሒን ኣጽራረ ቤተ ክርስቲያን ምስ ዝኾኑ ሰባት ኣይትኅበሩ። ኅብረትኩም ምስ ክርስቶስን ብደሙ ዝሠረታትን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ይኹን። 

ንኵልና ዘስተውዕል ልቦና ይዓድለና። 

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር። 

3 comments:

  1. ኣቱም ኣኅዋተይ ዶ ክብለኩም ኣቦታተይ!

    ከምዚ ዓይነት ጥንታዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንና እኳ ስኢንና ንሽገር ነይርና። ብፍላይ ኣብ ዘለናሉ ሃገረ አሜርካ ከምዚ ዓይነት ትምህርቲ የድልየና ኣሎ። መንእሰያትና ብፍላይ ከምዚ ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ እናሰኣኑ እንድዮም ናይዞም ካልኦት ሃገራት ቤተ ክርስቲያን ከምኡውን ብቋንቋኦም ክመሃሩ ክብሉ ኣብ ኢድ እቶም ዘይንኣምኖም መደናገርቲ ዝወድቁ ዘለዉ።

    ጸሎት ወለድና ኣይጋደፈኩም። በርትዑ!!!! ካባኹም ብዙሕ ኢና ንጽበ።

    ReplyDelete
  2. ቃለ ሂወት የስመዓልና !!! ቀጽልዎ ኣምላኽ ይሓግዝኩም። ሓቅነት ናይ ተዋህዶ ከኣ ሰብ ይፍለጦ። ነዞም ብስም ተዋህዶ ኣብ ዓዲ ወጻኢ ኮይኖም ዘምስሉን ዝሽቅጡን ከኣ ናይ ሓቂ ዕላማኦም ኣምላኽ ከጋልጾ ኢዩ። ኣብ ዓዲ ዝገበርዎ ከይኣኽሎም ኣብዚ ከኣ ይቕጽልዎ ኣለዉ። ንተዋህዶና ከኣ ቅኑዓት መራሕቲ እግዚኣብሔር ይሃባን ይፍጠረላን። ርእሳ ትኸለሉ ግዜ ከኣ ኣምላኽ የርእየና እመ ብርሃን ከኣ ብጸሎታ ትሓልዋ። ኣሜን

    ReplyDelete
  3. ብታጣዕሚ የዕጽምቲ ዘጥልል ቃል እዩ እግዚኣብሔር ይሓግዝኩም የሕዋት ከጽልዎ ኣይትሕመቁ ኢኩም ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ምእመናን ብዘይፍላት ዝጠፍኡሉ ዘለዉ ግዜ እዩ። እዞም ተሃድሶ ዘብልዎም መናፍስቲ ሰብ ኣብ 3 መቂሎም ንገሊኡ ብፖሎቲካ ንገሊኡ ከኣ ብክሕደት ብዓሌት . ሓቂ ዘይብሉ ተከተልቲ ግብጺ ኢና እናበሉ ኢሞ ኣጆኩም ኢቲ ታሪክ ናይ አቦታትናስ ወስ ምባል ኣይትሕመኩ ኢኩም ። እግዚኣብሔር ምሳኩም ይኩን የሕዋት !!!

    ReplyDelete