Saturday, February 26, 2011

ጾም

ቀዳማይ ክፋል
ሰዋስዋዊ ትርጉም ጾም 

ጾም ጸወመ (ጾመ) ካብ ዝብል ግእዛዊ ቃል ዝተረኽበ ኮይኑ ቀጥታዊ ትርጉሙ ድማ ተኸልከለ፡ ተዓቀበ፡ ተቘጠበ ዝብል እዩ። ብዘይቤ ክፍታሕ ከሎውን ሰብ ንዝተወሰነ ግዜ ነፍሱ ካብ ምግብን መስተን ምኽልካሉ ምቝጣቡ የመልክት፣ ናብ ሥርዓታዊ ትናታንኡ ክንኣቱ ከሎና ድማ ብሕጊ ብሥርዓት ኣብ ዝተሓገገን ኣብ ዝተሠርዐን እዋን እኽልን ማይን ምግዳፍ ማለት እዩ። ኣብቲ ሕጉግ እዋን ድማ ጥሉላት ካብ ዘሎዎ መባልዕ ፈጺምካ ምርሓቕን ዘይምብላዕን ዘይምስታይን ማለት የመልክት። ኣብ ፍትሓ ነገሥት’ውን “ጾምሰ ተከልኦተ ብእሲ እመብልዕ በግዜ ዕውቅ፣ በውስተ ሕግ” (ጾምሲ ብሕጊ ኣብ ዝተፍልጠ እዋን ወይውን ግዜ ናይ ሰብ ካብ ምግቢ ምኽልካል እዩ) ይብል። ፍት መን. ኣንቀጽ ፲፭ 


ሃይማኖታዊ ትርጉም ጾም 

ጾም ማለት ሥጋና ካብ ዝደልዮም ነገራት ኵሉ ምኽልካል ኮይኑ ብሓፈሻ ድማ ንሰብነትካ ካብ ዝጸበቐን ዝጠዓመን ነገር ብምሕሳም ንሕግታትን ፈቓዳትን እግዚአብሔር ተገዛኢ ምግባር እዩ። (ፍት. መን ኣንቀጽ ፲፭፤ ማቴ ፮፥፲፮) 

ጾም ንዝተወሰነ ግዜ ካብ ዝብላዕን ዝስተን ተኸልኪልካ ኃይልን ፍትወትን ሥጋኻ ብምድኻም፤ ፍቓድ ሥጋኻ ንፍቓድ ነፍስኻ ከም እትግዛእ ምግባርን እዩ፤ ከመይሲ ጾም ንሥጋኻ ብምሕሳም ሰማያዊን ዘለኣለማዊን ሕይወት ምዝካር ስለዝኾነ። 


ጾም ዓይንኻ ክፉእ ካብ ምርኣይ፥ እዝንኻ ክፉእ ካብ ምስማዕ፥ ኣፍካ ክፉእ ካብ ምዝራብ፥ እግርኻ ናብ ክፉእ ካብ ምኻድ ኮታስ ሕዋሳት ሰብነትካ ካብ ክፉእን ኃጢኣትን ዘበለ ነገር ብምኽልካል ምስ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዘራኽበካ ሰናይ ግብርን ትሩፋትን ምፍጻም እዩ። (ኢሳ ፶፰፥፯-፲፬፤ መዝ ፴፫(፬)፥፲፩-፲፯ መጽ. ድጓ) 

ጾም ሰብነትካ ዋላ ካብቲ ዝግባእ ነገር’ውን ብፈቓድካ ወይውን ብብፅዓት (መብፅዓ) ምኽልካልን ምርሓቕን ምሕራምን ምዕቃብን ኮይኑ በዚ ድማ ነፍስኻ ወይ'ውን ትሕዝቶኻ ንእግዚአብሔር ምፍላይ ምሃብ ምብርካት ማለት ይኸውን። (መጽ ቀሌ፤ መጽ ፊልክ) 

ጾም ካብ ሥጋዊ ነገርን ፈቓዳትን ተሓሪማካ ካብ ካልእ ግዜ ብዝተፈልየን ብዝያዳን ናብ እግዚአብሔር ልማኖኻ፡ ምሕረት፡ ረድኤት፡ መንፈሳዊ ጸጋ ወዘተ እትልምነሉን፤ ሰማያዊ ርስቲ ክትረክብ ድማ “እግዚኦ ተዘከረኒ በውስተ መንግሥተከ” እናበልካ ብዛዕባ ዘይትሓልፍ መንግሥቱ እትምኅጸነሉ እዩ። 

ጾም ወዲ ሰብ ኣብዚ ምድሪ እንከሎ ናብራ ሰማያውያን ዝነብረሉን ኣምሳል ሰማያዊ ሕይወት ዘስተማቕረሉን እዩ። ምኽንያቱ ኣብታ ትመጽእን ኵሉ ተስፋ ዝገብራ ዓለምን ብሥጋ ምብላዕን ምስታይን ዘይብላ ፍቓድ ሥጋ ዘይርከበላን ሰባት ከም መላእኽቲ ዝኾኑላን እያ። ከም ምዃና መጠን ድማ ኣማናዊ ጾም ዝጸውም ሰብ ስብሐተ እግዚአብሔር ዘለኣለማዊ መግቢ፡ ፍቅረ መለኮቱ ድማ ዘለኣለማዊ መስተ ዝኾኖም ቅዱሳን መላእኽቲ ብግብሪ ዝመስለሉ እዩ። ኣብ ምግባረ ጽድቂ ድማ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ግብሪ ጾም እዩ። (ግብ. ሓዋ. ፲፥፧፩-፭ ፣ ፲፫፥፫ ፣ ፲፬፥፳፪-፳፬) 

ንባባት ቅዱሳት መጻሕፍት’ውን ክንርኢ ከሎና ጾም ማለት ናይ ኃዘን፡ ጸሎት፡ ንስሓን ምንዛዝን፡ ከምኡውን ዝያዳ ካልእ ጊዜ ሰባት ንሰናይ ተግባራት ጽድቂ ተጊሆሞን ነቒሖምን ዝርከቡሉ እዋን ማለት ብንጹር የረድኣና እዩ።


ብሓፈሻ ረብሓ ጾም ዝፈልጡን ኣብ ሕይወቶም ድማ ዘስተማቐሩ ቅዱሳን ኣበው ንጾም ኣደ ጸሎት፡ ምንጪ ንብዓት፡ መሠረተ ጽድቅ ኢሎም ድማ ይገልጽዋ። 

ጾም መኣስ ተጀመረ፧ ብመን ከ፧ 

ጾም ሰብ ሰርሖ ሕጊ ኣይኮነን፡ እግዚአብሔራዊ ሕግን ሥርዓትን እምበር። ሰብ ኣይኮነን ብኸምዚ መገዲን ሓሳብን ምስ እግዚአብሔር ክራኸብ ይኽእል እየ ኢሉ ዝሓንጸጾን ዝጀመሮን። ባዕሉ እግዚአብሔር ሰብ ክምርሓሎምን ክስዕቦምን ካብ ዝግብኦም መገድታት ኢሉ ካብ ዝሠርዖ ሕግታት ሓደን ቀዳማይን ድማ ጾም ምዃኑ ምስትውዓል ይግብኣና። 

እግዚአብሔር ኣምላኽ ፍጥረታቱ ክፈጥር ከሎ ንሰብ ብዝተፈልየን ብዝኸበረን ኣገባብ ብአርአያኡን አምሳሉን እዩ ፈጢርዎ፦ “ንግበር ሰብአ በአርአያነ ወበአምሳሌነ” ብምባል። ፈጢሩ ድማ ብኸምኡ ኣይሓደጐን። ኣብ ኵሉ ፍጥረቱ ሾሞን፡ ኣብ ኤደን ገነት ድማ ገዛኢ ገበሮን። ንዅሉ መላኺ ክገብሮ ከሎ ግና ኣምላኹ ምእንቲ ክዝክርን ናይ ፍጡርን ፈጣሪን፥ ናይ ገዛኢን ተገዛኢን፥ ናይ ሓጋጊ ሕግን ፈጻሚ ሕግን ወዘተ መፍለዪ ሓደ ትእዛዝ ተዋህቦ። በዚኣ ትእዛዛ ኣቢሉ ሕገ ኣምልኾት ከጽንዕን ክሕልውን ቀዳማይ ሕጊ ኮይና ንኣዳም ኣቦና ዝተዋህበቶ ሕጊ ጾም ምዃና ኵልና እንፈልጦ እዩ። “ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ምስ እትበልዕ ሞት ክትመውት ኢኻ፤ ካብኣ ኣይትብላዕ” ብምባል ድማ ኣዘዞ። (ዘፍጥ ፪፥፲፮) 

ካብ ዕጸ በለስ ብምጻምን ነፍሱ ብምዕቃብን ብምርሕቕን ድማ ንኣምላኹ ተኣዛዚ ኮይኑ ብፍቕርን ብኣምልኾትን ፯ ዓመት ኣብ ኤደን ገነት ብፍስሓ ወሓሴት ኣዳም ኣቦና ምስ ሔዋን ከምዝነበረ መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያን ኣስፊሖም ዝገልጽዎ እዮም። ብምኽሪ ዲያብሎስ ንዝተዋህቦ ሕጊ ብምጥሓስ ዝፈጸሞ በደልን ዝሰዓበ ውድቀትን ዝሰኣኖ ጸጋን ክብርን ክንርኢ ከሎና ነስተውዕሎ ነገር ድማ እታ “ኣይትብላዕ” እትብል ቀዳመይቲ ሕጊ ጾም ክሳብ ክንደይ ጽንዕትን ዓባይን ምንባራ እዩ። ምኽንያቱ ኣምላኽን ሰብን እተራኽብ፡ ሥርዓት ኣምልኾ እተፍልጥ ሕጊ ብምንባራ። ዝያዳ ድማ ርዝነት ናይዛ ቀዳመይቲ ሕጊ ዘነጽረልና ነገር እንተሎ ብሰንኪ ምጥሓስ ሕጊ ኣብ ደቂ ሰብ ዝኣተወ ጸልማትን ሞትን ክድምስስ ባዕሉ ወልደ እግዚአብሔር ሰብ ዝኾነሉን ንሰብ ዘድኃነሉን ምሥጢርን ጕዕዞን ከነስተንትን ከሎና እዩ። 

እግዚአብሔር አምላኽ ንውደቀት ኣዳም ሸለል ከይበለ ኣቐዲሙ “ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ፧” ኢሉ ደሃይ ከምዝገበረሉን ከምዝደለዮን፡ ድኅሪ ፭ሺሕ፭፻ ዓመታት ድማ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ዳግማይ ኣዳም ተሰምዩ ንጡፉኣት ኣባጊዑ ዘናደየሉን ናብ መጓሲኡ ዝኣከበሉን ጥበብ “ግሩም ግብርከ” ክንብሎ ዝግብኣና እዩ። እዚ ኸኣ ንደቂ ሰባት ካብ ዘሎዎ ፍቕርን ኃልዮትን ዝብገስ ስለዝኾነ እዩ። ንኣምላኽና ሰብ ምዃን ፍቕሪ ወዲ ሰብ እምበር ካልእ ዘስገደዶ ኣካል የልቦን፤ ክህሉ'ውን ኣይክእልን እዩ። “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ዮሓ ፫፥፲፮ ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም’ውን "ፍቅር ሰሐቦ ለወልድ እመንበሩ ወአብጽሖ እስከ ለሞት” ዝበሎ'ውን ነዚ ቅዱስ ዮሓንስ ዝጸሓፈለና ቃል ጐይታ ዝትንትን እዩ። 

ካልእ እቲ ብዙኅ ተተንቲኑ ዘይውዳእ ምሥጢራቱ ከይተናኸፍና፤ ኣዳም “ኣይትብላዕ” ንዝብል ሕጊ ጥሒሱ ሞት ክእወጆ ከሎ፤ ንሞት ኣዳም ብሞቱ ዝሰዓረ ጐይታ ድማ ዘለኣለማዊ ሕይወት ክረክብ ንዝፈቅድ ኵሉ ቅዱስ ሥጋይ “ብልዑ” ክቡር ደመይ “ስተዩ” ኢሉ ሕጊ ምእዋጁ እዩ። ብመብልዕ ዝኣተወ ሞት ዳግም ከይስዕረናን ከይገዛእናን፡ ብመብልዕ ሕይወት ክህበና ድንቂ ምሥጢር ፈጸመልና። ኣምላኽና መሓሪን ለጋስን እዩ። ንስሙ ድማ ምስጋና ይብጽሓዮ። ክንደየኖት ከ ናብኡ ብሓቂ ነጺሕናን ተነሲሕናን ካብቲ ዝቐረበልና ሕይወት ክንሳተፍ ቀሪብና ኣሎና፧ 

እግዚአብሔር አምላኽ ከምቲ ኣብ ነቢያት ሓዲሩ ብቐጻሊ ጾም ዝእውጅን ዝሕግግን ዝነበረ፤ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ሥጋና ለቢሱ ትምህርትን ስራሕን ቅድሚ ምጅማሩ ባዕሉ ኣብነት ብምዃን ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ጾይሙን ሕገ ጾም ኣጽኒዑልና እዩ። ሕግን ነቢያትን ክፍጽም እምበር ክስዕር ዘይመጸ ጐይታ ስለዝኾነ። (ማቴ ፬፥፪፤ ሉቃ ፬፥፪፤ ማቴ ፭፥፲፰) 

                                                                                        ይቕጽል...

No comments:

Post a Comment