Tuesday, February 22, 2011

ኪዳነ ምሕረት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን። 

ቀዳማይ ክፋል 

“ኪዳነ ተካየድኩ ምስለ ኅሩንያነ” (መዝ ፹፰ (፹፱))፥ ፫ (ምስቶም ኅሩያተይ ኪዳን ኣተኹ) 

እግዚአብሔር አምላኽ ነቶም ሰናይ ገድሊ ዝተጋደሉን፡ ጕያኦም ብዝግባእ ፈጺሞም ስሞም ኣብ መጽሓፈ ሕይወት ብዓምደ ወርቂ ንዝተጻሕፉ ቅዱሳን ዘይጠፍእ ስምን ቃል ኪዳንን ይህቦም እዩ። ኣሽንኳይ ዶ ነቶም ብኵሉ ኣካይድኦም ምስ እግዚአብሔር ዝገበሩ ቅዱሳን፡ ፈጣሬ ዓለማት እግዚአብሔር ብሓፈሻ ምስ ፍጥረቱ ዘለዎ ሕያው ርክብ እኳ ካብ ዝግለጸሉ መገዲ እቲ ሓደ ዘይናወጽ ቃል ኪዳኑ እዩ። ንምድሪ ብዘይ መሠረት ንሰማይ ብዘይ ዓንዲ ዘቖመሉን፤ ዝረአን ዘይረአን ፍጥረታቱ ፈጢሩ ዝምግበሉ ሥርዓት ኣቐዲሙ ብዝሃቦን ብዘይልወጥን ቃል ኪዳኑ ጸኒዑ ዝርከብ ምዃኑ ምዝካር የድሊ። ፀሓይሲ ንኃጥኣን ጻድቃን ከይበለ ምብራቑ፡ ዝናብ ከ ንኵሉ ከይፈለየ ምዝናብ ናቱ ናይ ምሕረት ኪዳን እዩ። ካብዚ ብዝተፈለየ ግና ንቅዱሳን ፍሉይን በብዓይነቱ ዝኾነ ቃል ኪዳን ይኣትወሎም እዩ። ቃል ኪዳን ድማ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረን ኣብ ሓዲስ ኪዳን ድማ ብዝያዳ ጸኒዑ ዝርከብ ዘሎን እዩ።


ቃል ኪዳን ማለት ግና እንታይ ማለት እዩ፧ 

ኪዳን ዝብል ቃል ተካየደ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝተረኽበ ኮይኑ ምምሕሓል፡ ምስምማዕ፡ ውዕል ምእታው ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ቃል ኪዳን ከከም ኣገባቡ ዝተፈላለየ ትርጉም ዘስምዕ እኳ እንተኾነ ሕጂ ንዛረበሉ ዘሎና ቃል ኪዳን ግና ኣብ ሞንጎ እግዚአብሔርን ሰብን ንዝእቶ ውዕል ወይውን ስምምዕ ማለትና ምዃኑ ክንጸር ይግባእ። ብካልእ ኣገላልጻ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንፍቁራት ቅዱሳኑ ስለ ብዙኅ ምኽንያት ዝኣትወሎም ቃል ኪዳን ዝምልከት ይኸውን። ደቂ ሰባት በብእዋኑ ካብ እግዚአብሔር ዝተዋህቦም ሕግን ትእዛዝን እናፍረሱን እናጠሓሱን ኣብ ዝርከቡሉ እዚ ዘመን’ዚ፤ ቅዱሳን ግና ብዝተፈለየ ሓንሳብ ካብ እግዚአብሔር ዝወሃቦም ቃል ኣጽኒዖም ስለዝተረኽቡን ስለ ዝርከቡን ብቃሉ ዘለዓለም እሙንን ዘይልወጥን እግዚአብሔር ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰግር ቃል ኪዳን ሂብዎምን ይህቦም’ውን እዩ። ነቲ ዘይገብሮ ዘይዛረብ፡ እተዛረቦ ድማ ዘየትርፍ ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ኣብ ዝተፈላለየ ዘመን ምስቶም ኅሩያኑ ዝኣተዎ ዘይሃስስ ቃል ኪዳን ድማ ነዚ ምስክር እዩ። 


ኪዳነ አበውን ፍጻሜኡን 

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብሰፊሑ ተጻሒፉ ከምንረኽቦ: እግዚአብሔር ኣምላኽ ምስቶም ኣብ ዘመነ ብሉይ ዝነበሩ ኣበው ካብ ኣዳም ኣትሒዙ በብዓይነቱ መበገሲ ምኽንያትን ታሪኽን መሠረት ዝገበረ ቃል ኪዳን ክኣትወሎም ንርኢ ኢና። ንኵሎም እቶም ኪዳናት ድማ ደቂ ሰባት ከስተውዕልዎ ምእንቲ ብምልክት የሰንዮ ነበረ። ንኣብነት ንኣቦና ኖኅ ድኅሪ ብሰንኪ ኃጢኣት ወዲ ሰብ ዝወረደ ማየ ኣይኅን ምድኃን ሸሞንተ ነፍሳትን ንሰብን ሥጋ ዝለበሰ ፍጡርን ዳግማይ ካብ ገጽ ምድሪ ከምዘይድምስስ ቃል ኪዳን ኣትዩሉ እዩ። ነዚ'ውን ምልክቱ ቀስተ ደበና እዩ (ዘፍጥ ፱)። አበ ብዙኃን ምስ ዝተሰምየ ኣቦና ኣብርሃም’ውን ብተመሳሳሊ፡ ኣሕዛብ ኵሎም ብስሙ ከምዝባረኹን ዘርኡን ኣብዚ ምድር እዚ ከም ሑጻ ምድሪ ከም ከዋክብት ሰማይ ከምዝበዝኆን ዝገልጽ ቃል ኪዳን ኣትዩሉ ነበረ። ናይ እግዚአብሔር ሕዝቢ ተባሂሎም ክፍለዩ ድማ ምልክቱ ግዝረት ገበሮ (ዘፍጥ ፳፪)። ከም ልበይ ረኸብኩ ንዝተባህለሉ ቅዱስ ዳዊትን ንዘርኡ ንዘለዓለም ኣብ መንበሩ ከምዘጽንዕ ቃል ኣትዩሉ ነበረ። (መዝ. ፹፭) ወቦ ዘተርፈ… 

ገለ ውሑዳት ግና ዓበይቲ ማለት ንኪዳነ ኣዳም፤ ኖኅ፤ ኣብርሃም፤ ከምኡ'ውን ንኪዳነ ዳዊት ከም ኣብነት ጠቐስና እምበር እግዚአብሔርሲ ምስ ብዙኃት ኣእላፍ ኅሩያኑ ቃል ኪዳን ኣትዩ እዩ። እዞም ኵሎም ኣብ ብሉይ እንረኽቦም ኪዳናት ግና እቲ ጸጋ ንግዚኡ ምሳሌኡ ኣብ ዘመን ናይቲ ኪዳን ዝተኣትወሉን ውላዶምን ዝትግበር እኳ እንተነበረ ፍጻሜኡ ግና ኣብ ሓዲስ ኪዳን ኣማናዊ ኮይኑ ንዝመጽእ ዘለኣለማዊ ናይ ምሕረት ኪዳን ምሳሌ ኮይኑ ዝግለጽን ዘገልግልን ነበረ። እዚ’ውን እግዚአብሔር ኣምላኽ ንውድቀት ኣዳምን ደቁን ደምሲሱ ናብቲ ዝቀደመ ክብርን ጸጋን ክምልስ በብዙኅ መገዲ ምሳሌኡ ይገልጽ ንዝነበረሉ ዘመን ኣኅሊፉ: ባዕሉ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ሥግኡ ቆሪሱ ደሙ ኣፍሲሱ ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቒሉ ምስ ርእሱን ምስ ናይ ባህርይ ኣቡኡ አብን ምስ ናይ ባህርይ ሕይወቱ መንፈስ ቅዱስን ከምዝተዓረቐናን ናይ ምሕረት ኪዳኑ ከምዝኣወጀልናን ዘመላኽት እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ እዞም ኵሎም ተምሳላውያን ኪዳናት አበው ከም ጽላሎት ናይቲ ዝመጽእ ኣካል ዓቢይ ግደ ዝነበሮም እኳ እንተነበረ ፍጻሜ ዝረኸቡ ግና ብተሠግዎተ ወልደ እግዚአብሔር እዩ። 

ኣብ ዘመነ ሓዲስ’ውን ምእመናን ንዝረኽብዎ ጸጋን ክብርን፡ መገዲ ጽድቅን ትሩፋትን ገይሩ ካብ ዝሠርዓልናን ዘቐመጠልናን ሓደ ሕጂውን እቲ ኪዳን ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። እዚ’ውን በቲ ሓደ ክብሪ ቅድሳኑ ክግለጽ ዝፈቅድ ኣምላኽ ክንደየናይ ጽኑዕን ዘይናወጽን ኪዳን ንፈተውቱ ከምዝኣተወሎም ከርኢ ከሎ በቲ ካልእ ድማ ንሕና ጸጋን ዓስብን ክንረክብ እንታይ ዓይነት መገዲ ከምዝኸፈተልና ዘረድእ እዩ። በቲ እሙን ቃሉ ድማ ከምዚ ይብለና፦ “ንኣኻትኩም ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል፡ እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚቕበሎ። ንነብዪ ብስም ነብዪ ዚቕበል፡ ዓስቢ ነብዪ ይረክብ፡ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዚቕበል ድማ ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወደ መዝሙር ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ ዜስቲ፡ ዓስቡ ከቶ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” (ማቴ ፲፥፵-፵፪) 

ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ዘመነ ብሉይ ናይ ዝነበሩ አበው ተስፋ: ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ዘለዉ ቅዱሳን መመክሒት ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ናይዞም ኵሎም ኪዳናት ማእከልን መሠረትን ምዃና ክንስሕቶ ዘይብልና ሓቂ እዩ። ብምዃኑ ድማ ተስፋ ኵሎም ኣዳምን ደቁን ብመድኅን ዓለም ክርስቶስ ፍጻሜ ክረክብ ከሎ መሠረተ ጽድቅን ሕይወትን ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ምኽንያቱ ካብኣ ስለዝተወልደ። ክቡር ወዳ ንዓለም ስለዘድኃነ መድኃኔ ዓለም ክንብሎ ከሎና ሰብ ዝኾነላን ምሥጢረ ተዋሕዶ ዝተፈጸመላን ኣደ ድማ ቤዛዊት ዓለም ንብላ። እወ ኣዴና፦ ኣዳም ብሰንኪ በደሉ ካብ ጐይትኡ ክፍለን ካብታ ጽብቕቲ ስፍራ ገነት ክስጐግን ከሎ ዳግማይ ናብ ዝቐደመ ቦትኡ ክምለስ ተስፋ ሰኒቑ ዝወጸላ ክፋል ኣብራኹ ጓል ጓሉ ኪዳነ ምሕረት እያ ነይራ። ስለዚ እዩ ድማ ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም “አንቲ ውእቱ ተስፋሁ ለአዳም አመ ይሰደድ እምገነት” ዝበለ። ኣምላኽ ካብ ኣዳም ኣትሒዙ በብዘመናቱ ንኣቦታት ዝሃቦ ተስፋ ድኅነት ካብኣ ተወሊዱ ዝፈጸሞ ስለዝኾነ ኪዳነ ምሕረት ንብላ። ምልክት ድኅነትና ንሳ ስለዝኾነት። ኣቦታትና ነቢያት ነዛ ምልክት ክርእዩን ማለት ድንግል ብድንግልና ክትጠንስን መድኃኒት ክትወልድን ትንቢት ክዛረቡ ተስፋ ክገብሩን መዋዕሎም ኣሕሊፎም እዮም። ንኵልና ደቂ ሰባት ኣማናዊ ብርሃን ዝኾነ ኮኸብና ዘሥረቕትልናን ፀሓይና ዘበረቐትልናን ሰማይና ኪዳነ ምሕረት እያ። ምልክት ናይቲ ዝረኸብናዮ ምሕረት ኣምላኽ ንሳ ስለኾነት ኪዳነ ምሕረት ክንብል ግቡእና እዩ። እዚ ጥራይ’ውን ኣይኮነን ኪዳነ ምሕረት ዘበላ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ካብ ፍቁር ወዳ ፍሉይ ናይ ኪዳን ምሕረት ተቐቢላ እያ። ቅድሚ መዓስን እንታይን ዝብል ቃል ኪዳን ምርኣይና ግና ብዛዕባ ቅድስት ድንግል ገለ መእተዊ ክንገብር። 

ድንግል ማርያም መልዕልተ ፍጡራን 

ኣብታ ፈታኒት ሰዓት ክሳብ እግረ መስቀሉ ጸኒዑ ንጐይታ ዝሰዓበን ካብ ፍቁር ወዳ ሓደራ ዝተቐበለን ናብ ቤቱ ዝወሰዳን ፍቁረ እግዚእ ቅዱስ ዮሓንስ ባዕሉ ኣብ ድርሳኑ ከምዝገለጾ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ነገረ ቅድስንኣን ኪዳናን ኣዝዩ ፍሉይ እዩ። 

ቅድስት ድንግል ማርያም፡ እግዚአብሔር አምላኽ ዓለም ቅድሚ ምፍጣሩ ዘመን ቅድሚ ምቝጻሩ ኣብ ኅሊንኡ ተሓሲባ ዝነበረት እያ። ምልኣት ዘመን ምስ ኮነ፡ ንሳ ንኣደነት ኣምላኽ ዝተኃርየትን ካብ ኣንስቲ ኵለን ፍልይቲ ምዃናን ዘበሰረና ድማ ኣብሳሬ ትስብእት ቅዱስ ገብርኤል እዩ። ነዚ ዕፁብን ድንቅን ብስራት ክትሰምዕን ክትሕጐስን ዝፈቐደ: ካብኣ ብዘይ ምርመር ምሥጢር ዝተወልደ፡ ፈጣሬ ፍጥረታት፡ ኣምፃኤ ዓለማት፡ ንጉሠ ነገሥት፡ ጐይታ ጐይቶት፡ አምላከ አምላክት ዝኾነ እግዚአብሔር ነዲኡ ካብ ማኅፀነ ሐና ሓልዩ ካብ ትውልደ ኣንስት ኣልዒሉ ፈጠራ። መኅደሪኡ ክትከውን ድማ ቀደሳን ኣኽበራን። ካብ መላእኽቲ እኳ ኣብሊጹ ልዕል ኣበላ። “ይእቲ ተዓቢ እምኪሩቤል ወትፈደፍድ እምሱራፌል” ከምዝበለ ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ውዳሴ ማርያም። 

ብዛዕባ ዘለዓለማዊ ድንግልናኣ ከዘክር ከሎ ቅድመ ወሊድ፡ ግዜ ወሊድ፡ ድኅረ ወሊድ ድንግል እያ በለ። ብበኃልዮ: ብነቢብ፡ ብገቢር ንጽሕት ቅድስት ፍጽምት ቡርክት እያ። (ሉቃ ፩፥፳፮-፴፰ ኢሳ ፯፥፲፬ ሕዝ ፵፬፥፩-፫ ንመልከት) 

ካብ ወዳ ዝተቐበለቶ ቃል ኪዳን’ውን ንዘለአለም ጸኒዑ ዝነብርን ኣብ ኵሉ ወለዶታት ድማ ዝምስከርን ሕያው ኣብነት ዝርከበሉን እዩ። ብፍላይ ድማ ሃገርና ብቃል ኪዳን ቅድስት ድንግል ዝረኸበቶ ጸጋን ክብርን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመስከረሉ ዝነብር እዩ። ተኣምራ ክንገር ከሎ’ውን ኣዝዩ ዘደንቕ ንዲያብሎስ'ውን ዘርዕድ ንተጠራጠርቲ ድማ ጸላእላእ ዘብልን ዘሰንብድን እዩ። 

ፍሉይ ቃል ኪዳን ወላዲት ኣምላኽ 

ቅዱሳን ካብ ኣምላኾም ዝተፈላለየ ቃል ኪዳን ዝቕበሉ እኳ እንተኾነ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ግና ብዝያዳ ፍሉይነት ኣለዎ። ከመይሲ ባዕሉ ጐይታ ኣብ ጌተሰማኔ ዝተገልጸሉን ንኣዲኡ ዝሃቦ ምዃኑን እዩ። እዚ ጐይታ ዝተገልጸሉን ቃል ኪዳን ዝኣተወሉን ዕለት ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብፍሉይ ድምቀት ዝዝከርን ዝበዓልን ምዃኑ እዩ። እዚ ድማ እቲ ቀዳማይ ንሳ ምልእተ ጸጋ ፍጽምት ርኅርኅተ ኅሊና ብምዃና ስለ ድኅነት ኵሎም ምእመናን ኣብዚኃ ዝለመነት ብምዃና እዩ። ይትረፍሲ ብባህርይኡ ጥፍኣት ደቂ ሰባት ዘይፈቱ ርኅሩኅ ኣምላኽ ተለሚኑስ እቲ ጨካን ዳኛ እኳ ነታ ኣብዚኃ ዝለመነቶ መበለት እኳ ልማኖኣ ሰሚዑ እዩ። (ሉቃ ፲፰፥፩-፰)። እቲ ካልኣይ ፍሉይነት ድማ ወላዲተ ኣምላኽ ንምዃን ብዘይከኣ ዝበቐዐን ዝተኃርየን ስለዘየሎ። በዚ’ውን መልዕልተ ፍጡራን ንምዃን ኣምላኽ ዘኽበራ ኣደ ከም ምዃኑ ፍሉይ ቃል ኪዳን ክትወሃብ ዝግብኣ እያ። ኣደ ኣምላኽ ምዃና ዝኣምን ሰብ ፍሉይ ቃል ኪዳን ከምዝተዋህባ ክኣምን ዝኸብዶ ኣይኮነን። ነቢይ ኢሳይያስ’ውን <<ወይወጽእ እምጽዮን መድኅን ወየአትት ኃጢአተ እም ያዕቆብ ወዛቲ ይእቲ ኪዳኖሙ እንተ እምኀቤየ ይቤ እግዚአብሔር>> (ኢሳ ፶፱፥፳) ትርጉሙ ድማ <<መድኅን (ክርስቶስ) ካብ ጽዮን (ድንግል ማርያም) ክወጽእ እዩ፤ ኃጢኣት ድማ ካብ ያዕቆብ (እስራኤል) ከርሕቕ እዩ፤ ንእስራኤል ዝመሓልኩሎም መሓላ ዝኣተኹሎም ቃል ኪዳን ድማ እዚ እዩ>> ይብል። ካብዚኦም ቃል ኪዳናት ድማ እቲ ቀንዲን ቅድሚ ኵሉን ዝጥቀስ ድማ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ዝኣተዎ እዩ። እቲ ቃል ኪዳን ከ እንታይ ይብል፧ መኣስ ከ ቃል ኪዳን ኣትዩላ፧

ይቕጽል

2 comments:

  1. Kale Hiwot Yesmalana!

    ReplyDelete
  2. Kemey alokum Maeadotawyan? Menfesawi selamtay teqebelu. Enqua'e nezi abq'ana!!! Egziabhier bhaki aygedefenan. Amlake abottna Egziabhier yhagzekum. Ajokum. Ab godnkum alona.

    ReplyDelete