Friday, February 11, 2011

ገድለ አቡነ ኣብራንዮስ ተኃቲሙ ይዝርጋሕ ኣሎ።


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። 

ነዊሕ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐን ብዙኅ ድኻም ከምዝፈሰሰሉን ዝንገረሉ ገድሊ ኣቡነ ኣብራንዮስ ብትግርኛን ተተርጒሙ ቅድሚ ቅሩብ እዋን ከምዝተኃትመን ይዝርጋሕ ከምዘሎን ካብ ኣሥመራ ዝበጽሓና ዜና መጻሕፍት የመልክት። 

አቡነ ኣብራንዮስ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ቅዱሳን ሓደ ኮይኖም መሥራቲ ገዳም ደብረ ጥሉል ድማ እዮም። እዚ ገዳም እዚ ብወገን ዞባ ደቡብ ኣብ መንገዲ ኣሥመራ - መንደፈራ: ተራ እምኒ ሓሊፍካ ኣስታት ፭ ኪ.ሜ ምስተጓዓዝካ ካብቲ ቀንዲ ጽርግያ ንጸጋም 2 ኪ.ሜ ምስ ተኣለኻ ዝርከብ ቅዱስ መካን እዩ። ኣቡነ ኣብራንዮስ ኣብ መፋርቕ ፲፰ ክፍለ ዘመን: ልዑል ተጋድሎን ምናኔን ካብ ዝወነኑን ኣብ ዓቢይ መንፈሳዊ ብቕዓት በጺሖም ካብ ዝነበሩን ኣቦታት ሓደ ምንባሮም ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና የረድእ። 

ኣቡነ ኣብራንዮስ ብ “ኣቦና” ገዳሞምውን ብ “እንዳ ኣቦና” ብዝብል ስም ብዝያዳ ዝፍለጥን ካብ ዝበዝኁ ቅዱሳን ፍልይ ዘብሎ'ውን እግዚአብሔር ኣምላኽ ጌና ኣብ ማኅፀን ኣዴኦም ከለዉ ዝኃረዮምን፤ ኣወላልድኦም ድማ ፍልይ ዝበለ ሃይማኖታዊ ታሪኽ ዘለዎ ምዃኑ እዩ። እዚ'ውን ኣብቲ ንሶም ዝተጸንሱሉ ዘመን ሓድሽ ሃይማኖት ይተኣታቶ ብምንባሩን: ሓገዝ ምዕራባውያን ምእንቲ ክረክብ ክብል በቲ ዘመን ነጊሡ ዝነበረ ንጉሥ ነቲ ሓድሽ ሃይማኖት ንርእሱ ተቐቢሉ ነቲ ሕዝብ'ውን ጥንታዊ ተዋሕዶ ሃይማኖቱ ገዲፉ ናብ ካቶሊክ ክቕይር ብምእዋጁ እቲ ሕዝቢ ሰማዕትነት ዝሓተተ ተቓውሞ ዝገብረሉ ዘመን ነበረ። ኣቦና'ውን ጌና ኣብ ማኅፀን ከለዉ እዚ ነገር’ዚ ከይተለወጠን: ሃይማኖት ከይተመልሰን ኣዋጅ'ውን ከይተቀየረ: ካብ ከርሲ ኣደይ ፈጺመ ኣይወጽእን እየ “ኣይውለድን” ብማለት ፯ ዓመት ዚኣክል ኣብ ከርሢ ኣዲኦም ከምዝጸንሑ ይፍለጥ። 



እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ: ነገር ጽንሲ ኣዲኦም ንኵሉ ሰብ ኣዛራቢ ኣርእስቲ ኣብ ዝነበረሉ: ሓንቲ ጐረቤቶም ሓዊ ክትልምን ናብ ቤቶም መጸት እሞ ነዲኦም “እዚ ጽንስኺስ ክሳዕ መኣስ እዩ ዘይውለድ፧ ብሓቂ ጽንሲ ድዩ ሕማም፧!” በለተን። ሽዑ ኣቡነ ኣብራንዮስ ኣብ ማኅፀን ከለዉ “ዘምጽኣኪ ጌርኪ ዘይትምለሲ: ዘየምጽኣኪ ትዛረቢ” ኢሎም ምስ ተዛረብዋ፤ ኣዝያ ሰንበደት፤ በቲ ነገር’ውን እናተደነቐት ኣብ ከብዲ ኣዲኡ ከሎ ክንድዚ ይዛረብ እዚኦምስ “ኣቦና” እዮም ከምዝበለት ይፍለጥ። እዚ ስያመ ድማ ክሳዕ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ እዩ። 

ኣቦና ጌና ከይተወልዱ ከይርእይዎን ከየርክቡሉን ዝተጸየፍዎ ንክርስቶስ ክልተ ባህርይ ኢሉ ሓድነቱ ዝመቅል ሃይማኖት ብኣዋጅ ተሳዒሩ፤ ሃይማኖት ተዋሕዶ ዳግም ብተጋድሎ ምእመናንን ካህናትን ጸሎት መናንያንን ከምኡ'ውን ብተኣምራት እግዚአብሔር ተሰንዩ ናብቲ ዝቐደመ ስፍርኡ ምስ ተመልሰ ቅዱስ ኣቦና ተወልዱ። 

ዛጊት በጺሑና ብዘሎ ሓጺር ሓበሬታ: እዚ ብመልክዕ መጽሓፍ ዝተኃትመ ገድሊ አቡነ ኣብራንዮስ ብክልተ ቋንቋታት ኣብ ክልተ ዓምድታት (ግእዝን ትግርኛን) ዝተሠርዐ ኮይኑ ኣብ ፲፬ ምዕራፍ ተኸፊሉ ዝተዳለወ እዩ፤ ከምኡ ድማ ከምቲ ልሙድ ኣብ መጀመርያ ክፍሊ ናይቲ መጽሓፍ መእተውን መቕደምን ዘለዎን: ኣብ መወዳእታ ድማ ኣቡነ ኣብራንዮስ ቅድሚ ምዕራፎም መተካእቶም ንዝኾኑ ኣባ አካለ ክርስቶስ ከም ዝሸሙን፤ ብድኅሪኡ ድማ ኪዳን ካብ እግዚአብሔር ከም ዝተቐበሉን፤ ንናይ መንፈስ ደቆም ከምዝፍለይዎም ነጊሮም ክላበዉዎም ከለዉ ኣርድእቶም ንዝበኸይዎ ብኽያት በብኣንቀጻቱ ይገልጽ። ኣብ መፈጸምታ ድማ ኵሎም ካብ ኣብራንዮስ ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ኣብዚ ገዳም እዚ ንዝተሾሙ ፳፪ መምህራን (ኣበ ምኔታት) ድኅሪ ምዝርዛሩ መልክዕ ኣቡነ አብራንዮስ በብኣካላቱ ተጻሒፉሉ ኣሎ። ጠቕላላ ገጻት ናይዚ ገድላዊ መጽሓፍ ፪፻፵ ይበጽሕ። 

ነዚ ኣብ ብራና ጥራይ ዝርከብ ዝነበረ ገድሊ ኣቦና ብመልክዕ መጽሓፍ ተርጒሞም ዘሰናደዉዎ መሪጌታ ክነፈርግብ ማርቆስ ዝተባህሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቅን መምህርን እዮም። እዞም ኣቦ እዚኦም ተመሳሳሊ መጻሕፍተ ገድልታት ከም እኒ መጽሓፈ ገድሊ ኣቡነ ፊልጶስን ኣቡነ ዮሓንስን ዘደብረ ቢዘን፥ መጽሓፈ ገድሊ ኣቡነ ሰይፈ ሚካኤል ዘደብረ ጻዕዳ እምባ ብትግሃቶም ዘዳለዉ ምዃኖም ይዝከር። ኣኅታሚ እዚ መጽሓፈ ድማ ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ማሕበረ ሓዋርያት ፍሬ ሃይማኖት እዮም። እዚ ገዲም ቤት ማኅተም ንልዕሊ ፶ ዓመት መንፈሳውያን መጻሕፍት ብምብርካት ንቤተ ክርስቲያንና ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝገበረ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። 

ንሕና'ውን ብዙኅ ትምህርትን ታሪኽ ኣቦታትና ሓቍፉ ከምዝርከብ ዝእመነሉ ነዚ መጽሓፈ ገድሊ ብዝተኻእለና መጠን ረኺብና ወይውን ብእንፈልጦም ሰባት ኣቢልና ከም ዝሰደደልና ብምግባር ከነንብቦን ናይ በረኸቶም ተሳተፍቲ ክንከውንን ምኽርና ንውፊ። ፍሉይ ታሪኽ ኣቦናን ቅድስናን ነዚ ዘመንን ወለዶን ዝህቦ ዓቢ ትምህርቲ ከምዘለዎ ድማ ትንተና ዘይድልዮ ግሁድ ሓቂ እዩ። “ሓደ እንዲና: ፍልልይ እኳ ዘይብልና” እናተባህለ ከም ነፋሒቶ ተመሳሲሎም ካብ ዝኣትዉናን: ልዕሊ ፩ሺሕ፭፻፶ ዓመት ንዝገበረ ፍልልይን ሓጹር ውግዘት ዲዮስቆሮስ ኣቦናን ሰጊሮም ክዝመቱና ካብ ዝወፍሩ መሳሕትያን ምእንቲ ክንዕቀብ ታሪኽ ኣቡነ ኣብራንዮስ ዝህቦ ግብራዊ ምስክርነት ክንዲ እምባ ቢዘን ዓቢይ እዩ። 

ነዚ መጽሓፍ ገድሊ ኣብ ኵሉ ምድላ'ዉን ምኅታሙን ንዝደኸሙ ድማ ኣምላከ ኣብራንዮስ ጻምኦም ኣብዚኁ ክህበልና እናተማኅጸንና ንዝያዳ ስራሕ ድማ ክተግሁ ኃይሊ ክህቦም ንልምን። 

ናይ ኣቡነ ኣብራንዮስ በረኸቶም: ጥርጥር ዘይብላ ንጽሕቲ ተዋሕዶ ሃይማኖቶም ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ንኵል ግዜ ጸኒዓ ትንበር። 

መዘከርታ፦ ገድሊ ኣቦና ኣቡነ ኣብራንዮስ ምስ በጻሕና ነቲ ትሕዝቶ ገድሊ ዝምልከት ሓጺር ትንተናዊ ጽሑፍ ከነቕርብ ምዃናን ኣቐዲምና ንሕብር። ብወገንኩም ድማ እቲ ገድሊ ኣብ ኢድኩም ዝበጸሐ እሞ ገለ ትምህርቲ ክትህብሉ ትደልዩ እቲ ዕድል ክፉት ምዃኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ስእሊ እዚ ገድላዊ መጽሓፍን ሓፈሻዊ ሓበሬታ ዝሃብኩምና ብስም እቶም ጻድቕ ኣቦ ኣመስጊንና ንኣመስገንቲ ነሕልፈኩም ኣሎና። ካልኦት’ውን ብተመሳሳሊ ክትተሓባበሩና ብትሕትና ንሓትት ኣሎና።

1 comment:

  1. yekeneylena sle eti habereta. Gena kabey kenedege nekel? Haberuna.

    bezterfe xubuk, Amlak yehgezkum.

    ReplyDelete