Thursday, September 29, 2011

ከፋሌ ባሕር አቡነ ኤዎስጣቴዎስ (ሣልሳይን ክፋል)

5.6 ካብ ዝፈጸምዎ ተኣምራት 

ኣቦና በብዝተዘዋወርዎን ኣብ ኵሉ መንፈሳዊ ተጋድሎኦምን እግዚአብሔር ብዝሃቦም ጸጋ ዝፈጸምዎም ገቢረ ተኣምራት ፍቕዲ የብሉን። ንሎሚ ግና ሓደ ካብኣቶም እሞ ብትውፊት ክሳብ ሕጂ ንዝነገረላ ታሪኽ ጐዳይፍ ክንዝክር። 

ኣቦና ኣብ ከባቢ ኣሥመራ ስብከተ ወንጌል ይህቡ ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ መወጽ ናይ ኣፎም ኣብ ከባቢ ሎሚ ጐዳይፍ ዝብሃል ቦታ ተረሲኣ ገዲፎማ ከዱ። ዳኅራይ ተምሃራዮም ዝነበሩ ተመሊሶም ከምጽእዋ እንተበሉ “ግደፋ” ኢሎሞ። ብድኅሪኡ እቲ ናቶም ብቕዓት ቅድስና መመስክሪ ክትኸውን ምእንቲ እታ መወጾም ጠጢዓ ዓባይ ገረብ ኮይና ኣብዛ ሎሚ ብስሞም ኣብ እትጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን ብወገን ምበራቕ ትርከብ ኣላ። ኣቡነ ኣብሳዲ ዝተባህሉ ቅዱስ ወዶም’ውን ብድኅሪኦም ንሓደ ዓመት ኣብታ ቦታ ከምዝተቐመጡን ይምህሩላ ከምዝነበሩ ታሪኾም ይገልጽ። 

ኣብ ከባቢ ማይምነ (ቆሓይን) ሰባት ብምኽሪ ሰይጣን ተጋግዮም ብሕይወቶም ከቃጽሎም እኳ እንተፈተኑ ብተኣምራት ከምቶም ሠለስቱ ደቂቅ እቲ ሓዊ ዋላ ሓደ ክትንክፎም ኣይከኣለን። እቲ ሕዝቢ’ውን ጌግኡ ኣሚኑ ተነሥሐ። 

5.7 ተጋድሎ ስለ ክብሪ ቀዳሚት ሰንበት 

ቅዱስ አቦና ብፍሉይ ካብ ዝዝከረሉ ገድሎም ሓደ ስለ ክብሪ ቀዳሚት ሰንበት (ከም ሰንበተ ክርስቲያን ክትኽበር) ዝገብርዎ ተጋድሎ እዩ ነይሩ። እቲ ዝነበሩሉ ዘመን ብሰንኪ ቀዳመ ሰንበት ዓቢይ ዘይምስማማዕ ኣብ ሞንጎ ክልተ ሓረጋት መነኮሳት ዝተላዕለሉ ኸኣ ነበረ። ታሪኽ ጸሓፍቲ ኣብ ሞንጎ ቤት ኤዎስጣቴዎስን ቤት ተክለ ሃይማኖትን ዝተኸፈተ ዓቢይ ክርክር ኢሎም ይገልጽዎ። እዚ ኸኣ ኣብ ኤርትራን (ገለ ክፋል ሰሜን ኢትዮጵያን) ዝነበሩ ብኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝምርሑ ዝነበሩ እሞ ቀዳሚት ሰንበት ከም ሰንበተ ክርስቲያን ክብርቲ እያ፡ ብሓድነት ክትኽበር ኣለዋ ዝብሉ ዝነበሩን፤ ብኣንጻሩ ድማ ኣብ ማእከላይ ኢትዮጵያ ዕብለላ ዝነበሮም ደቂቀ ተክለ ሃይማኖት ብንጉሥን ናይ ግብጺ ጳጳስን እናተደገፉ ንኽብሪ ቀዳሚት ሰንበት ዘይቕበሉ እዮም ነይሮም። 

ኣቦና እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝነበረ ተቓውሞ ከየገደሶም በቲ ዝተዋህቦም ሓደራ፡ መጻሕፍተ ነቢያትን ወንጌልን ሕግን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን እናመሃሩ ምስ ደቆም ብዙኅ ዓድታት ዞሩ። ብዛዕባ ማዕርነት ቀዳመ ሰንበት ካብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ቆሓይን ክሳዕ ምድሪ ሓማሴን ድማ ኣስፊሖም መሃሩ። 

ብመሠረቱ ክብሪ ቀዳሚት ሰንበት (ሰንበተ አይሁድ) ካብ ምፍጣር ዓለም ኣትሒዙ ብሕገ እግዚአብሔር ክብርቲ እያ። ኣብ ዘመነ ሓዲስ’ውን ሰንበተ ክርስቲያን ስለቲ ድኅነት ደቂ ሰባት ጐይታ ዓበይቲ ሥርሓት ስለ ዝፈጸመላ ክብርቲ እያ። ንክልቲኡ ምኽባር ድማ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ ደኣ እምበር ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዘመጽእዎ ሓድሽ ትምህርቲ ኣይኮነን። እቲ ጥንታዊ ትምህርትን ሥርዓትን ግና ከይቕየር ኣጽኒዖም ተጋደሉ። ኣብ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን እንተኾነ’ውን፡ ንክልቲኡ ምኽባር ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ ሐዋርያዊ ሥርዓት ከምዝነበረን ክሳብ ውሑድ ክፍለ ዘመን (ቅድሚ ምምጻእ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ) ብኸምዚ ኣገባብ ክልቲኡ ይኽበር ከምዝነበረ መዛግብት ታሪኽ ዝገልጽዎ እዩ። 

እምበኣርከስ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ነቶም ድኂሮም ትምህርቶም ዝቐየሩ ግብጻውያንን፡ ብሰንኮም ኣብ ቤተ ተክለ ሃይማኖት ከም ዝተኣታተወ ንዝንገረሉ ሓድሽ ትምህርትን ብምቕዋም እዮም ድምጾም ኣስሚዖም። ንኣብነት ጳጳስ ቤተ ክርስቲያን ሓበሻ ግብጻዊ አብነ ሳዊሮስ ነቲ ኣብ ግብጺ ዝተቐየረ ትምህርቲ፡ ኣብ ምድረ ሓበሻ’ውን ክቕየርን ኦሪታዊ ዝበልዎ ልምዲ ክተርፍን መልእኽቲ ክጽሕፉሎም ናብ ፓትርያርክ ቄርሎስ ካልኣይ (1077-1092) መልእኽቲ ምስዳዶምን፤ ብተመሳሳሊውን ብቢን ኣል ዓሳል ኣብ ፲፫ ክፍለ ዘመን ከምዝተጠናቐረ ዝንገረሉ መጽሓፈ ቀኖና’ውን ነዚ ብሂል ዝያዳ ዘጒልሖ እዩ። 

ስለዚ ነዚ ምፍልላይ ኣብ ሞንጎ ሊቃውንቲ ንምፍታሕ ብንጉሥ ዝምእከልን ብግብጻዊ ጳጳስ ዝምራሕ ጉባኤታት ይካየድ ነበረ። እቶም ንጉሥን ጳጳስን ድማ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ነቲ ትምህርቶም ክገድፉን ብዙኅ ሜላታት እኳ ተጠቒሞም እንተነበሩ ክሰልጦም ኣይከኣለን። ኣብቲ ዝተገብረ ጉባኤ ድማ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ብዛዕባ ክብሪ ቀዳሚት ሰንበት ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ዓምደጽዮን ሞጒቶም ረቲዖም ነይሮም። ይኹን ደኣ እምበር እቲ ንጉሥን ጳጳስን ነቲ ዝተጸወዐ ጉባኤ ከምቲ ዝሓሰብዎ ስለዘይከደሎም ንኣቡነ ኤዎስጣቴስ ኣሲሮሞም ነበሩ። በቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተኣስሩላ ከተማ ብዝወረደ መዓት እቲ ንጉሥ ሰንቢዱ ግና ቀልጢፉ ፈትሖም። ቀዳሚት ሰንበት ክትኽበር ከምዘለዋውን ብኣዋጅ ነገረ። እዚ ብምኽንያት ቀዳሚት ሰንበት ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ጉባኤ ተሰሪዑሉ ንጊዜኡ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ይሥዓሩ ደኣ እምበር ፈኸም እናበለ ብድኅሪኦም’ውን ቀጺሉ እዩ። 

አቡነ ኤዎስጣቴዎስ’ውን ነቲ ትምህርቲ ኣብ ደቆምን ኣብ ኵሉ እናተዘዋወሩ የስፍሕዎ ነበሩ። ምስ አቡነ መርቆሪዎስ ኮይኖም ድማ በርቋሕ (ከባቢ ደብረ ድማኅ) ኣብ እትብሃል ዓዲ ፯ ዓመት ብተባሕትዎ ብጸሎት ተጸሚዶም ኣብ ዝጸንሑሉ ድማ ንአርመንያ ክኸዱ ምዃኖም ተገሊጹሎም ነበረ። እግረ መገዶም ድማ ነቲ ምንጪ ትምህርቲ ስሕተት ኮይና ንዝተረኽበት ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ከረድኡ ምኽንያት ከምዝረኸቡ ይፍለጥ። 

5.8 መገሻ ናብ ግብጽን ጒዳይ ሰንበትን 

ድኅሪ እዚ አቡነ ኤዎስጣቴኦስ ምስ ደቆም ኮይኖም መጀመርያ ናብ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቢሎም (ክሳብ ምድረ ቦጎስ፡ ምድረ ማርያ)፡ ስብከተ ወንጌል እናሰፍሑ ትምህርቶም ቀጸሉ። ጊዜ ምፍልላይ ምስ ቀረበ ንኵሎም ደቆም ድማ ተላበውዎም። ነቶም ምስኦም ናብ አርመንያ ዘይከዱ (ዝተርፉ) ደቆም ንብዓል ኣቡነ ኣብሳዲን ብጾቶምን ምሂሮምን መኺሮምን ባረኽዎም። ንኣቡነ ኣብሳዲ መጠምጠሚኦምን መስቀልን ከምቲ “ኤልያስ ንኤልሳዕ ባርኖስ ዝሃቦ” ኸኣ ባሪኾም ሃብዎም። ካብቶም ደቆም ድማ ገሊኦም ከም እኒ አቡነ መርቆሪዎስ በኪሞስን አቡነ ገብረ ኢየሱስን ዝኣመሰሉ ፰ ደቀ መዛሙርቶም ምስኦም ጒዕዞኦም ቀጸሉ። ቅድሚ ኣብ ምድረ ማርያ ምፍልላዮም ግና ንደቆም ካብ ጥንታዊ ትምህርቶም ከይዝንበሉ ሓደራ ኢሎሞም፤ ኣብ ክንዲኦም ኮይኖም ድማ ክመርሕዎምን ክኣልይዎምን ድማ ንአቡነ አብሳዲ ገበሩሎም። ስለዚ ቡራኬ ንአቡነ አብሳዲ ክህብዎም ከለዉ፤ መንበር ድማ ንአቡነ መርቆሪዎስ ተዋህበ። በዚ መሠረት ኸኣ ኣቦታት ገዳማት ኤርትራን ገለ ገዳማት ሰሜን ኢትዮጵያን ከምቲ ዝበልዎም ነዚ ትምህርቲ ኣጽኒዖም ሒዞሞ ነበሩ። 

ድኅሪኡ ኸኣ ብጋሽ ባርካ ኣቢሎም ሱዳን (ኑቢያ) ኣተዉ። ካብኡ ብምቕጻል ድማ እግረ መገዶም ናብ ግብጺ ኣብ ዝኣተዉሉ ጒዳይ ሰንበት ምስ ፓትርያርክ እስክንድርያ አቡነ ብኒያም ካልኣይ (1327-1340) ተራኺቦም ዘተዩ። ትምህርቶም ድማ ኣረድኡ። “… ኣብ ኤርትራ ከሎኹ ሰናብትን በዓላትን ሠዓር በሉኒ፤ ኣብዚ ድማ ነዚ ከየነጸርኩም ብጸሎት ንተሓባበር ትብሉኒ..” ኢሎም’ውን ብቀጥታ ወቐሶኦም ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ቅብጣዊት ቤተ ክርስቲያን ኣስሚዖም ነበሩ። ምምጻእ ፓትርያርክ አርመንያ ናብ ግብጺ ስለዝሰምዑ ድማ ኣብ ገዳም አስቄስጥ (መቃርስ) ቍሩብ ጸንሑ። ካብኡ ቀጺሎም ናብ ቆጵሮስ ቀጺሎም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ኣተዉ። ኣብኡ’ውን ንዅሎም ቅዱሳን መካናት ምስ ተሳለሙ መንፈሰ እግዚአብሔር እዚ ቦታኻ ኣይኮነን ኢሉ ስለ ዝሓበሮም ጒዕዞኦም ናብ ኣርማንያ ገበሩ። 

5.9 አቡነ ፊልጶስን ሰንበትን፤ መዕለቢ ጒዳይ ቀዳሚት ሰንበት 

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ድኅሪ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ጒዳይ ሰንበት ናይ ንጉሥን ጳጳስ ግብጽን ደገፍ ስለዝነበሮ ምልዕዓሉ ኣይተረፈን። እቶም በብጊዜኡ ዝተንሥኡ ነገሥታትን ጳጳሳት ግብጽን ሥልጣኖም እናተጠቕሙ ነዚ ትምህርቲ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከትርፉ ንኵሉ ዘለውም ኃይሊ ተጠቒሞም እዮም፤ ግና ኣይተኻእሎምን። እቲ ብኃይሊ ናይ ምጥፋእ ስጉምቲ’ውን ጥርዚ በጺሑሉ ዝነበረ ኣቡነ ፊልጶስ ዘደብረ ቢዘን ንትምህርቲ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ይምህሩ ብምንባሮምን፡ እቲ ተጋድሎኦምን ቅድስናኦምን ንብዙኃን ጸልዩ ዝነበረሉ ሃጸይ ዳዊት ዝተባህለ ንጉሥ ዝነገሠሉ ዘመን ከኣ እዩ ነይሩ። 

አቡነ ፊልጶስ’ውን ኣብ ጊዜ ዕርጋኖም እዚ ክትዕ ከም ዓቢይ ኣርእስቲ ገኒኑ ስለዝተላዕለ እንደገና ከምቲ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ስለ ቀዳሚት ሰንበት ብዝነበሮም ትምህርቲ ተኸሲሶም ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ኢትዮጵያ ዳዊትን ጳጳስ በርተሎሜዎስን ኣብ ከባቢ ደሴ (ሰሜን ኢትዮጵያ) ቀሪቦም። እቲ ጊዜ ድማ ኣብ መወዳእታ ፲፬ ክፍለ ዘመን ወይውን ምእታው ፲፭ ክፍለ ዘመን ምዃኑ ይእመን። ትምህርቶም ክገድፉ ብዙኅ ምፍርራሕን ጸቕጥን ድማ ኣብ ልዕሊኦም ተገብረሎም። ምስ ኣቕበጽዎም ድማ ኣብ ማእሰርትን ካብኡ ሓሊፉ ብዘሰክሕ መቕጻዕቲ ክሳብ ብቈርበት ተጠቕሊሎም ብሕይወቶም ናብ ቀላይ ዝተደረበዩሉ ፈተና ኣጋጢምዎም ነበረ። ንሶም ግና ብተኣምራት ንኵሉ ፈተና ሥዒሮም። ነቲ ባሕሪ’ውን ከምዘንደድዎ ገድሎም ይገልጽ። ክሳብ ሕጂ’ውን አንዳዴ ባሕር እናበልና ነዚኦም ቅዱስ ኦቦ ንዝክሮም ኣሎና። በዚ ናይ መወዳእታ ተኣምር ኸኣ ንጉሥን ጳጳስን ኣሚኖም ቀዳሚት ሰንበት ከም ሰንበተ ክርስቲያን ክትኽበር ኣወጁ። 

ታሪኽ ከምዝገልጽዎ ግና እዚ ክርክር መደምደምታ ዝረኸበ ብንጉሥ ዘርእያዕቆብ ኣብ ዝተጸወዐን፡ ኣብ ከባቢ ፍርቂ ፲፭ ክፍለ ዘመን ቡልጋ (ደብረ ምጥማቅ ማእከል ኢትዮጵያ) ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኵሎም ኣካላት (ኣሽሓት ሊቃውንቲ) እንተላይ ክልተ ጳጳሳት ግብጺ (አቡነ ሚካኤልን አቡነ ገብርኤልን) ኣብ ዝተረኽቡሉ ጉባኤ እዩ ነይሩ። እቲ ውሳነ ድማ ክልቲኦም ሰናብቲ ማዕረ ክኽበሩ ዝብል ኮነ። ይኹን ደኣ እምበር ኣከባብራ ቀዳሚት ሰንበት ከም ኣይሁድ ዘይኮነስ ብክርስቲያናዊ ሥርዓት ክትክበር ዝግባእ ምዃኑ ተነጸረ። 

6. ለበዋ ኣቦና 

ቅዱስ አቦና ቅድሚ ናብ አርመንያ ምኻዶም እግዚአብሔር ብዝገለጸሎም ንደቆም ብሃይማኖቶም ክጸንዑ፤ ነቲ ዘስተምሃርዎም ትምህርቲ ክዕቕቡ፤ ስለ ሃይማኖቶም ክጋደሉ፤ ምንኵስናኦም ኣጽኒዖም ክቕጽሉ፤ ስብከተ ወንጌል ከስፍሑ ተላብዮምም እዮም። 

ብሓጺሩ ግና ነዞም ዝስዕቡ ጒዳያት ከምዝተላበውዎም ዜና ሕይወቶም ይገልጽ። 
  • ንዕለተ ቀዳሚት ሰንበት (ሰንበተ አይሁድ) ከም ሰንበተ ክርስቲያን ብማዕርነት ከኽብሩ 
  • ተዝካሮም ዓመት መጸ ብሓንሳብ ኮይኖም ተኣኻኺቦም ትምዛእ ደብረ ጽጌ ክገብሩሎም 
  • ቡራኬን መስቀልን ንአቡነ አብሳዲ፤ መንበርን አፈ ጉባኤነትን ሲኖዶስን ድማ ንአቡነ መርቆሪዎስ ክኸውን ዝብሉ እዮም። 
እቲ ናይ ቀዳመ ሰንበት ክሳብ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያን ጸኒዑ ዝርከብ ኮይኑ፤ ተዝካሮም ግና ፲፰ መስከረም ወትሩ ዝዝከሩ ኮይኖም እቲ ንሶም ዝተላበውዎም ብሓባር ኮይኖም ናይ ምኽባርን ምዝታይን ጒዳይ ግና ብዘይጠቕም ዕንቅፋት ተሪፉ ይርከብ። እቲ ሣልሳይ ድማ ደቂ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣብ ዝርከቡሉ ዝኾነ ጉባኤ ይኹን ክብረ በዓል፤ ከምቲ ለበዋኦም ደቂ ኣቡነ መርቆሪዎስ ዝኾኑ መነኮሳት ማእከላይ መንበር ክሕዙን ከምርሑን ክዛረቡን ከለዉ ቡራኬ ግና ደቂ ኣቡነ አብሳዲ ይህቡ። 

7. ብስሞም ዝጽዋዓ ኣብያተ ክርስቲያን 

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና በብዝፈጸምዎ ገድልን ተኣምራን ዝተፈላለየ መዘከርታ ኣለዎም። እዚ ንርእሱ ሰፊሕ ዳህሳስን መጽናዕትን ዘድልዮ እኳ እንተኾነ ንገሊኡ ምጥቓስ ግና ነቶም ዘይንፈልጥ መምሃሪ ይኸውን። 

እታ ኵሉ ሰብ ዝፈልጣ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰት ኣብ ጐዳይፍ እትርከብ (ስም እቲ ዓዲ’ውን ካብቲ ተኣምር ዝነቐለ ምዃኑ ይእመን) ብስሞም ዝተሰየመት ቤተ ክርስቲያን ኣላ። ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ መንፈስ ወዶም አቡነ እንድርያስ (ሰፍአ) ኮይኖም’ውን ንኣገልግሎት ናብ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣሥመራ ይመጹ ከምዝነበሩ ገድሊ ኣቡነ እንድርያስ ብሰፊሕ ዝገልጾ እዩ። 

ኣብ ዞባ ማእከል እትርከብ ሰላዕ ዳዕሮ ዝተባህለት ዓዲ’ውን ዝምህሩላን ዘዕርፉላን ምንባሩ ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ብስሞም ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ዓዲ ተሃኒጹሎም ይርከብ። ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ከባቢ ድባርዋ (ገዛ ላምዛ) ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ብጸሎቶም ማይ ኣፈልፊሎም ስለዝነበሩ ክሳብ ሕጂ ፈውሲ ኮይኑ ንብዙኃት ሕማማት ክፍውስ ይነብር ኣሎ። ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ቆሓይን መቃብር ጻብላ ኣብ ዝተባለ ዓዲ’ውን ዝምህሩሉን ዝመላለሱሉን ስለዝነበሩ ብስሞም ዝተሠርሐ ቤተ ክርስቲያን ይርከብ። ካልኦት’ውን ከምኡ።
                                                                                                                                      ይቅጽል...

No comments:

Post a Comment