Saturday, January 28, 2012

አስተርእዮ - ግልጸት ኣምላኽ


ብመንጽር ቀመርን ግጻዌን ቤተ ክርስቲያን እዚ ዘሎናዮ እዋን ዘመን አስተርእዮ ተባሂሉ ይፍለጥ። መሠረቱ ድማ አስተርአየ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝወጸ እዩ። ኣርኣየ ኣግሃደ ከሠተ ከም ማለት እዩ። ብቋንቋ ጽርዒ’ውን ኤጲፋንያ ይብልዎ። ትርጉሙ ድማ ብተመሳሳሊ ምግላጽ ምግሃድ ማለት እዩ። ስያሜኡ ከኣ እግዚአብሔር ኣምላኽና ኣብዚ እዋን እዚ ንደቂ ሰባት ካብ ዝፈጸሞምን ዘግሃዶምን ዕጹብ ነገራት ዝተበገሰ እዩ። አስተርእዮ ተባሂሉ ዝፍለጥ እዋን ድማ ካብ ልደት ጐይታ ዝጅምር ኮይኑ ክሳብ ምእታው ዓቢይ ጾም ዝቕጽል እዩ። እቲ ስያመ ዘመንን ትርጉሙን ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ብስያመ ዕለት ግና ብፍሉይ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ኣምላኽ ንዝወለደት ክብርት ወላዲተ አምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም ዕለተ ዕረፍታ ንዝኾነ ፳፩ ጥሪ ሂቦም ይሰምይዎ። እዚ ኸኣ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። እቲ ዓቢ ምግላጽ ማለት እቲ ዘይረአ ኣምላኽ ክረአ፤ እቲ ዘይውሰን ክውሰን፡ እቲ ዘይድህሰስ ረቂቕ ኣምላኽ ክድህሰስ፡ እቲ ዘመን ዘይውስኖ ኣምላኽ ዘመን ክቝጸረሉ ዝኸኣለ፡ ባህርዩ ከይገደፈ ብተዋሕዶ ሥጋ ለቢሱ ፍጹም ሰብ ናይ ዝኾነሉ ምሥጢር ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብምዃኑ እዩ። እምበኣር ብምድራውያንን ብሰማያውያንን ፍጡራት እትምስገን ወላዲት ኣምላኽ ንኣምላኽ ብዝወለደትሉን አስተርእዮ ብዝተፈጸመሉ ወርኃት ካብዚ ዓለም ናብቲ ዘይኃልፍ ዓለም ዝተሳገረትሉን ስለዝኾነ እዩ። ብዛዕባ’ዚ ማለት ዕረፍቲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝምልከት ቅድሚ ሕጂ አስተርእዮ ብዝብል ኣርእስቲ ንዝወጸ ትምህርታዊ ጽሑፍ ንመልከት።

እቲ ቀንዲ አስተርእዮ ምባሉ ግና ኣምላኽ ኣብዚ ወርኃት’ዚ ንደቂ ሰባት ዝፈጸሞ ርእሱ ናይ ምግሃድ ሥራሕ ምዃኑ ነስተውዕል። እቲ ብምልኣት ዘሎ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ብሓጺር ቁመት ብጸቢብ ደረት ተወሲኑ ምግሃዱ’ውን ቅዱስ ዳዊት ክንበ ከሎ “እግዚአብሔር እግዚእ አስተርአየ ለነ” ኢሉ ነይሩ (መዝ ፻፲፯፥፳፯/118፥27)። ኣብዚ ወርኃት እዚ ግና ነየናይ ፍጻሜ ጐይታ ኢና ብፍሉይ አስተርእዮ እንብሎ? ነባብና ንቐጽል።


ልደት እግዚእነ ወመድኃኒነ

ወዲ ሰብ ኣብ ኃጢኣት ብምውዳቑ ካብ እግዚአብሔር ጐይትኡ ካብ ገነት ቦትኡ ተፈልዩ ነበረ። ብሰንኩ ድማ ጸግኡ ተገፊፉ ባህሪኡ ጐስቊሉ እዩ ነይሩ። ቅድሚ ምውዳቑ’ውን እቲ ምስ እግዚአብሔር ኣብ ዝነበረሉ ሰናይ ዘመን፡ እቲ ብፍስሓ ወበሐሴት ዝሰምዖ ዝነበረ ድምፂ እግዚአብሔር ድኅሪ ምውዳቑስ ኣፍሪህዎ ነይሩ።  (ዘፍጥ ፫፥፲/3፥10) ኃጢኣቱ’ውን ምጻር ስኢኑ ሃዲሙ ነበረ። ሕፍረቱ’ውን ክኽውል ኣቝጻል ኣላጊቡ ነበረ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ግና ከምቲ ኣቐዲሙ ኣጠንቂቕዎ ንዝነበረ ሕጊ ብምጥሓሱ ሞት እኳ እንተኣወጀሉ፤ ፈቃር ዝኾነ እግዚአብሔር ተስፋ ምሕረትን ድኅነትን ሂብዎ ነበረ። ከምቲ ኣብ ገነት ኣዳም ኣበይ ኣሎኻ ኢሉ ድምፁ ኣስሚዕዎ ዝነበረ፤ ዳግማይ ካብ ጓል ጓሉ ተወሊዱ ከምዝዳሃዮን ከምዘድኅኖን ቃል ኣትዩሉን ነበረ። ነቲ ብሥጋ ከይሲ ተሰዊሩ ንዘስሓቶ ዲያብሎስ’ውን ካብ ዘርኡ ተወሊዱ ርእሱ ከምዝቕጥቅጦ ቃል ኣትዩሉ ነበረ።

እምበኣር እቲ ናይ ተስፋን ትንቢትን ጊዜ ምስ ኣኸለ፡ ዕርቂ ኣብ ማኅፀን ቅድስት ድንግል ተጀመረ። ብፍሉይ ልደት ድማ ተወልደ። “ቃል ሥጋ ኮነ” ከምዝብል ምሥጢረ ሥጋዌ ብካልኣይ ልደቱ ተፈልጠ። እቲ ዕርቂ ክጋሃድ ከምዝጀመረ ኣብቲ ድንቂ ልደቱ ተፈልጠ። ብልደት፡ ኣምላኽ ከምዝቐረበና ፈለጥና፤ ኣዕይንቲ ደቂ ሰባት ረኣይዎ። ድምፁ ተሰምዐ። እቶም ተፈላልዮም ዝነበሩ መላእኽቲን ሰብን ድማ ብሓደ ቋንቋ ክዝመሩ ተራእዮምን ተሰሚዖምን። ኣምላኽ ሰብ ብምዃኑ እቲ ግልጸት ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ተመስከረ። እቲ ክንገር ዝጸንሐ ትንቢት ነቢያት ከምዝተፈጸመን ከምዝተጋህደን ስለዝተፈልጠ ቤተ ክርስቲያን ንልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ሓደ ዓቢይ ፍጻመ ዘመን አስተርእዮ ትገልጾ።  ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ነዚ ብሥጋ ንዝተጋህደ ምሥጢር መለኮት ከምዚ ኢሉ ይገልጾ። “ብሓቂ እቲ ምሥጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ፡ ንሱ እቲ ብሥጋ ዝተገልጸ፡ ብመንፈስ ዝተረደአ፡ ንመላእኽቲ ዝተራእየ፡ ኣብ ኣሕዛብ ዝተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ዝተኣምነ፡ ብክብሪ ዝዓረገ እዩ።” (ቀዳማይ ጢሞ ፫፥፲፮/3፥16)

ጥምቀት እግዚእነ ወአምላክነ

እቲ ካብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዙ ክውል ዝነበረ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ምሥጢራተ መለኮት ግሁድ ዝኾነሉ ጐይታ ብኢድ ዮሐንስ መጥምቀ መለኮት ክጥመቕ ናብ ባሕረ ዮርዳኖስ ኣብ ዝወረደሉ እዋን እዩ። ሰማያት ተኸፊቶም ድማ ሰማያዊ ምሥጢር ተጋሂዱ። እዚ ኸኣ ሓድነትን ሠለስትነትን ዝገልጽ ምሥጢረ ሥላሴ እዩ። (ማቴ ፫፥፲፫-፲፯/3፥13-17)

ዘመን ዘይቝጸረሉ ኣምላክ ወልደ አምላክ ብሥጋዌ ዘመን ተቖጺሩሉ ፴ ዓመት ምስ ገበረ፤ ናብ ሕዝቢ ወጺኡ ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሩን ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ቅድሚ ምጻሙን፡ እቲ ቀዳማይ ዝገበሮ ነገር ናብ ዮርዳኖስ ምውራድን ብኢደ ዮሐንስ ምጥማቕን ነበረ። ኣብኡ ድማ ናይ ሓድነትን ሠለስትነት ክገሃድ ከሎ፤ ወልደ እጓለ እምሕያው ብሓጺር ቁመት ብጸቢብ ደረት ብኢድ ዮሐንስ ይጥመቕ ነበረ። “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ዚብል ድምጺ ካብ ሰማይ ካብ እግዚአብሔር አብ ተሰምዐ። መንፈስ ቅዱስ ድማ ብዝተፈለየ ኣካሉ ብርግቢት ኣምሳል ኣብ ርእሲ ጐይታ ዓለበ። በዚ ድማ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሓደ እዋን ብሠለስተ አካላት ተገልጹ። ብዳኅራዋይ ልደቱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብሥጋ ንዝተወልደ ኣምላኽ ‘ወደይ’ ብምባል ንሱ ባህርይ ዘእምባህርይ ብቀዳማይ ልደቱ ካብ አብ ብዘይምቅድዳም ዝተወልደ ወልደ እግዚአብሔር ምዃኑ ኣግሃደልና። ሥጋን መለኮትን ከይፈላለየ ‘ወደይ’ ብምባሉ ድማ ብተዋሕዶ ናይ ሥግው ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ አካል ሓደ ባህርይ ምዃን ኣረድኣና።   

እግዚአብሔር ከምቲ ኣብ ዘመነ ብሉይ ብዝተፈላለየ መገድን ምሳሌን ዝግለጸሉ ዝነበረ ዘይኮነስ፤ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ፍጹም ሰብ ኮይኑ እዩ ኣብ ሞንጎና ተረኺቡ ፍቕሩ ዝገለጸልና። ብኣፍ ነቢያት ገይሩ ሕገ ኦሪት ከምዝሠርዓልና ዘይኮነስ፤ ብፍጹም ተዋሕዶ ሰብ ኮይኑ ሕጊ ወንጌል ባዕሉ ሠርዓልና። ኣቐዲሙ ኣብ ዘመነ ብሉይ “ሰብ ርእዩኒ ብሕይወት ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ገጸይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ” ኢሉ ንሊቀ ነቢያት ሙሴ ከምዝተዛረቦ ዘይኮነሲ፡ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ብተዋሕዶ ሰብ ዝኾነ ወልደ እግዚአብሔር “እቲ ኣብ ሕቚፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሃዶ።” ብምባል ጋህዲ ገበረልና። (ዘጸ ፴፫፥፳/33:20 ዮሐ ፩፥፳/1፥20።)

ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ልደቱን ጥምቀቱን ስዒቡ ዝዝከር ንሕዝቢ ርእሱ ዘግሃደሉ ቀዳማይ ተኣምሩ እዩ። ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ብዘይምዝራብን ግብርን ብኃልዮ ጥራይ ብምእዛዝ፡ እቲ ቀዳማይ ተኣምሩ ኣብ ቃና ዘገሊላ ብምግባር ኣምላኽነቱ ንኵሉ ኣርኣየ። ምኽንያቱ ኣምላኽነቱ ንሰብ ዘግሃደሉ ስለዝኾነን ቀዳማይ ተኣምሩ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ዝፈጸመሉን ስለዝኾነ ምስ ዘመነ አስተርእዮ ይጽብጸብ።

መጠቓለሊ

ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኸምዚ መገዲ ምግሃዱ ፍቕሩ ክገልጸልና ስለዝደለየ እዩ። ክቐርበናን ከድኅነናን ከኽብረናን ናብቲ ዘዳለዎ ስፍራ ምእንቲ ከእትወናን ስለዝደለየ እዩ። ስለዚ ነዚ መግለጺ ዘይርከቦ ፍቕሩ ከነስትውዕሎን፡ ሕይወት ዝኾነ ቃሉ ብምኽባርን ትእዛዙ ብምሕላውን ከነኽብሮ ይግባእ። ዘፍቅሮ እንተሎ ትእዛዙ ክሕሉ እዩ ጐይታ ኣዚዙና። ጐይታ ጐይታ ብምባል ጥራይ ፍቕርና ክንገልጽ ዝከኣል ኣይኮነን። የግዳስ ጐይታ ንዝብለና ነገር ፈጺምና ክንርከብ ይግባእና።

እምበኣር ከም ፍቓዱ ክንመላለስ፤ ሰማዕቲ ጥራይ ዘይኮነስ ፈጸምቲ ቃሉ ክንከውን ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

2 comments: