Friday, August 24, 2012

ዜና ኅትመት መጽሓፍ


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ኣብ ትንሣኤ ጥንታዊ ልሳነ ግእዝ ኣበርክቶ ክህልዎ ትጽቢት ዝግበረሉ: ብኣቀራርብኡን ትሕዝቶኡን ፍሉይን በዅሪ ተባሂሉ ክጥቐስ ዝከኣል መጽሓፍ “ጥንታዊ ግእዝ ብዘመናዊ ኣቀራርባ” ብዝብል ርእሲ ተኃቲሙ ይዝርጋሕ ከምዘሎ ዝበጻሕና ሓበሬታ የመልክት። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኢድና ኣትዩ ዘሎ ቅዳሕ ናይዚ መጽሓፍ’ውን: ነቲ ኣቐዲምና ሰሚዕናዮ ዝጸናሕና ሓበሬታ ዘረጋግጽን: ጥቕሚ ናይዚ መጽሓፍ ንዝኾነ ግዱስ ኣንባቢ ልዕሊ እቲ ዝተባህለ ንኡድ ኮይኑ ዝርከብን: ሞሳ ንጸሓፊኡ ዘውህብን እዩ።

ከምቲ ኵልና እንፈልጦ ቋንቋ ግእዝ ኣዝዩ ጥንታዊ ልሳን ቤተ ክርስቲያንና እዩ። ዝበዝኁ ቅዱሳት መጻሕፍትን ኣገልግሎትን ቤተ ክርስቲያን ብልሳነ ግእዝ ዝተጻሕፉን ዝቐርቡን ምዃኖም ከኣ ዝተፈልጠ ነገር እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ብፍላይ ኣብዚ ዘመን’ዚ: ምስ ምምጻእን ምዕብላልን ዘመናዊ ትምህርቲ ኣስኳላ ኣፍልጦ ልሳነ ግእዝ ኣብዚ ሓዲስ ወለዶ ፈጺሙ ደኺሙ እዩ ክብሃል ይከኣል። እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ ልሳነ ግእዝን ሰዋስውኡን ከኣ ንዝተወሰኑ ኣብ ኣገልግልቲ ቤተ ክርስቲያን ዝሳተፉ ጥራይ ተደሪቱ ምጽንሑ ዝተፈልጠ እዩ። ዋላ እኳ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንኣገልገልቲ ካብ ምቍጽር ፊደል ጀሚሩ ክሳብ ዝለዓለ ደረጃ ንዝርከቡ ዓይነታት ትምህርትን ሞያን: ብቋንቋ ግእዝ ይወሃብ ደኣ እምበር: ኵሉ እቲ ዝመሃር ንልሳነ ግእዝ ይመልኮን ብዝግባእ ይጥቐመሉን እዩ ክብሃል ኣይከኣልን እዩ። ይትረፍ ቅርብ ኢሉ ካብ መምህራን ቤተ ክርስቲያን ዘይተማህረ: ነቲ ዝተማህረ’ውን ንምምላኹ ቀሊል ዘይኮነ ልሳነ ግእዝ እምበኣር ሎሚ ንዅሉ ብዘገልግል ኣገባብ ንምምሃሩ እዚ መጽሓፍ’ዚ ቀዳማይ ተበግሶ ዝወሰደ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።

ምእመናን ብፍላይ እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ይኹን ኣብ ካልእ ሥርዓት ዝወሃብ ኣገልግሎት ብዝበዘኀ ክፋሉ ብልሳነ ግእዝ ብምዃኑ ተሳትፍነቶምን ተቐባልነቶምን ድሩት ኮይኑ ክሽገሩ ምርኣይ ልሙድ ነገር እዩ። ምሉእ ብምሉእ ቅቡል ኣይኹን እምበር: መንእሰያት ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ከይቀርቡ ዝገብሮም ተባሂሉ ከም መመሳመሲ ዝቐርብ’ውን ትሑት ኣፍልጦ ልሳነ ግእዝ ምዃኑ ይጥቐስ እዩ። ኮይኑ ድማ ብዙኃት ሰባት ኣብ ልዕሊ ኣቀራርባ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘለዎም ርእይቶ: ሓደው ንኵሉ ኣገልግሎት ናብቲ ዝሰምዖን መዓልታዊ ዝጥቀመሉን ቋንቋ ምልዋጥ: ሓደው ከኣ እቲ ሓፋሽ ሕዝቢ ልሳነ ግእዝ ዝመሃረሉ ኣገባብ ምትእትታው ዝብል እዩ ነይሩ። እምበኣር ብብዙኅን ርዱእን ምኽንያት እቲ ቀዳማይ ሓሳብ ዘይከኣልን ዘይቅቡልን ካብ ኮነ: እቲ ካልኣይ ኣማራጺ ኣገዳሲ ኮይኑ ይረኸብ እምበር ብግብርሲ ተበግሶ ዝወስድ ኣካል ክርከብ ኣይተኻእለን ነይሩ። እምበኣር ሎሚ ብኣዳላዊ ናይዚ መጽሓፍ ዝኾኑ መሪጌታ ሄኖክ ገብረሚካኤል ዝተወስደ ፈላሚ ስጉምቲ ኣዝዩ ዘሕጉስን: ኣብዚ ጕዳይ’ዚ ንዝነበረ ጸመ ልጓም ዝፈትሕን: ነቲ ጐልቢብዎ ዝነበረ ጸልማት ዝቕንጥጥን እዩ።
ከምቲ ኣብ መቅድም ናይዚ መጽሓፍ’ውን ብሰፊሑ ተጠቒሱ ዘሎ: ልሳነ ግእዝ ኣገልግሎቱ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዝተደረተ ዘይኮነስ: ኣብ ብዙኅ ካልእ ዓውድታት ትምህርትን ሞያን ዘገልግልን ከገልግል ዝኽእልን እዩ። ከምቲ እቶም ጸሓፊ ዝበልዎ “ብቋንቋ ግእዝ ዘይተጻሕፈ ወይውን ቋንቋ ግእዝ ዘይዳህስሶ ዓውደ ፍልጠት የልቦን” እሞ ንቋንቋ ግእዝ ምፍላጥ: ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ሱታፌ ክህልወና ዝሕግዘና ጥራይ ዘይኮነስ: ባሕሪ ፍልጠት ኣብ ውሽጦም ዓቚሮም ዘለዉ ጥንታውያን መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ክንላለዮምን ክንፈልጦምን ዘኽእለና እዩ። ምእመናን ተሰሚና ናይ ኣፍኣ (ግዳም) ሰባት ካብ እንኸውን: ኣገልግሎትን ትምህርትን ታሪኽን … ቤተ ክርስቲያንና ቅርብ ኢልና ክንፈልጦን ክንሳተፍን ከም መሳልል ኮይኑ ዘራኽበና እዩ።

ግእዝ ክቡር ሃብትን ዋኒን ሃገርን ምዃኑ ዝጠቐሱ ጸሓፊ ናይዚ መጽሓፍ: ልሳነ ግእዝ ብደረጃ ዓለም ዘለዎ ኣገዳስነት ገሊጾምን ተንቲኖምን ኣለዉ። ግእዝ ከምቲ ገሊኦም ዝብልዎ ምውት ቋንቋ ዘይኮነስ ብርእሱ ይኹን ብደቁ ሕያው ቋንቋ ምዃኑ ዝጠቐሱ ደራሲ: ንትንሣኤኡን ዕብየቱን ግና ብዙኅ ሥራሕ ክሥራሕ ከምዘለዎ ኣይሓብኡን። ክግበርን ብዛዕባ ዘለዎ ለበዋኦም ዘቕረቡ እዞም ጸሓፊ ናይ’ዚ መጽሓፍ: ብዝግባእ እንተደኣ ተሠሪሑሉ ኣብ ልዕሊ ትንሣኤ ግእዝ ዘለዎም ተስፋ ብንጹር ገሊጾም ኣለዉ።
ትሕዝቶ መጽሓፍ ብዝምልከት ከኣ እዚ መጽሓፍ’ዚ ከምቲ ስሙ ዝሕብሮ ካብቲ ጥንታዊ መገዲ ከይረሓቐ ብዘመናዊ ኣገባብ ንኵሉ ግዱስ ልሳነ ግእዝ ብዝቐለለ ኣገባብ ምርኣይን ምስትምሃርን እዩ። እዚ መጽሓፍ’ዚ ኣብ ፲፩/11 ምዕራፋት ዝተኸፋፈለ ትሕዝቶ ዘለዎ ኮይኑ ብዘይካ መቅድምን መእተውን ብጠቕላላ ፫፻፳፬/324 ገጻት ዘጠቓልል ማእከላይ ዓቐን ዘለዎ ግሩም መጽሓፍ እዩ። እዚ መጽሓፍ’ዚ ብሆሄያትን ኣኃዛትን ቃላትን ትርጎሞምን ዝጀመረ ቀዳማይ ምዕራፉ: ብምቕጻል ናይ ግእዝ ሥርዓተ ንባብ እንታይ ከምዝመስል የረድእ። ቀጺሉ ከኣ መራሕያን (ክንዲ ስም): ቅጽል: ገቢርን ተገብሮን (ንጡፍን ልኡምን): ሰምዕን ወርቅን: ሙራደ ግሥ (ረባሕታ ግሢ): ነውረ ሰዋስው (ልሙድ ጌጋታት ሰዋሰወ ግእዝ): ነጸላ ግሥ: ነባርን ዘርእን በብምዕራፉ ብምዝርዛር ኣብ መወዳእታ መጠናዊ ዝኾነ መላመዲ ግእዝ ንባብ ምስ ምሳሌታቱ ኣቐሚጡ ኣሎ። በብምዕራፉ ከኣ ነቶም ኣንበብቱ ነቲ ዝመሃርዎ ትምህርቲ ብቀሊሉ ምእንቲ ክርድኡን ክኽልስዎን ዝሕግዞም ምሳሌታትን መላማመዲ ዝኸውን ሕቶን መልስን ተገይሩ ኣሎ።

እምበኣር ከምቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝገልጽናዮ: እዚ መጽሓፍ’ዚ ኣብ ተጠቓምነት ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ይኹን: ምእመናንን ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ምርኻብ ሓደ ዓቢይ ማዕፆ ዝኸፈተ ይመስል። እዚ ተኃቲሙ ዘሎ ቀዳማይ ክፋሉ እዩ እምበር: ካልኦት ሠለስተ  መጻሕፍቲ ከምዘለዉዎም እቶም ጸሓፊ ኣብ መእተዊ መጽሓፎም ጠቒሶም ኣለዉ እሞ: ከምቲ ንሶም ዝወሰድዎ ተበግሶ ካልኦት ሊቃውንቲ’ውን ክወስዱን ፍልጠቶም ከኻፍሉን ኣርኣያ ይኾኑ ስለዘለዉ: ኵልና ደቂ ቤተ ክርስቲያን ከነበራትዖም ይግባእ። ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ንገለ ውሑድ ግድፈታት ገዲፍና ብኵለተናዊ ኣቀራርብኡ ጽፈት ዘለዎን: ደረጅኡ ዝዓቀበን ኮይኑ ዝተዳለወ እዩ እሞ ኵልና ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብዝቐልጠፈ ኣብ ኢድናን ኣብ ከብሒ መጻሕፍትና ክህልዉ ካብ ዝግብኦም መጻሕፍቲ ክንምድቦን: ኣንቢብና ክንጥቐመሉን ይግባእ።

ኣንቢብና ንዘሎና ርእይቶን ምትብባዕን ከኣ በቲ ኣድራሻኦም ክንሰደሎምን: እቲ መጽሓፍ ከኣ ኣብ ኢድና ዝበጽሓሉ መገዲ ከኣ ክንሓቶምን: ኣብቲ መጽሓፍ ሰፊሩ ንዘሎ ኣድራሻኦም ንኣንበብትና ብምልላይ: ናይ ሎሚ ዜና ኅትመት መጽሓፍ ክንዓጹ ከሎና: ጸሓፊ እዚ መጽሓፍ’ዚ ዝኾኑ መሪጌታ ሄኖክ ገብረሚካኤል በቲ ዝጀመርዎ ክቕጽሉን ዝበለጸ ሥራሕ ደጋጊሞም ከቕርቡልና ምኅፅንታና ብምቕራብ እዩ። ካልኦት ሊቃውንቲ ሃገርና’ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ዘሎ መሰናኽላት ኅትመት መጻሕፍቲ ተስፋ ከየቝረጸኩም: ንኵሉ ብዓወት ሰጊርኩም ነቲ ከም ዕንቈ ዝጸረየ መንፈሳዊ ፍልጠትኩም ከተኻፍሉና ሓደራ ንብል።

To: Mergeta Henok Gebre Michael
P.O.Box: 11191
Asmara, Eritrea
Email: henok_tgba-2004
Tel: 291-7-289956

   

2 comments:

  1. ጽቡቕ ተበግሶ እዩ። ነመስግን። ኩሉ ከምኡ ዓቕሙ እንተዘበርክት ኣበይ ምበጻሕና። ናትና ገዲፍና ብናይ ካልኦት ዝተጻሕፈ ነንብብ ዘሎና ስለዝተሸገርና እዩ እሞ በርትዑ በልሉና።

    ReplyDelete
  2. ብጣዕሚ ብኣቀራርባኣን ትሕዝቶኣን ጽብቕቲ መጽሓፍ ኢያ። ቋንቋ ግእዝ ሃብቲ ናይ ቤተክርስቲያንና ስለ ዝኾነ፡ ኣብቶም ውሉደ ክህነት ጥራሕ ተወሲኑ ክተርፍ ዘይኮነስ ኩልና ክንፈልጦን ክንጥቀመሉን ኢዩ ዝግባኣና። እግዜኣብሔር ከምዚ ጌሮም ዘዳልዉ ሊቃውንቲ ዝሃበና ይኽበር ይመስገን።

    ReplyDelete