Thursday, August 23, 2012

ጥንተ አብሶን ቅድስት ድንግል ማርያምን (ካልኣይ ክፋል)


ቅድት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብትንቢት ነቢያት: ብስብከተ ሓዋርያት: ብምሥጢረ ሊቃውንት ዝተነድቀ ናይ ዶግማ: ሥርዓት ትውፊትን ታሪኽን ትምህርቲ እትውንንን እግዚአብሔር ብደሙ ዝመሥረታን ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን እያ። ኵሉ ትምህርታ መንፈስ እግዚአብሔር ዘለዎ: ኵሉ ሥርዓታ ድማ ብሰማያት ሥርዓት ዝተሠርዐ እዩ። በዚ ድማ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ምሳሌ እታ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ኮይና ዝተቐደሰ ትምህርታ: ሥርዓታ: ትውፊታን ታሪኻን ከይከለሰትን ከይበረዘትን ቅኑዕ ፍኖተ አበው እናሰዓበትን ካብኣ መንፈሳዊ ጸባ ኪሰትዩ ንዝመጽኡ ኵሎም ዓንጊላን ኣጽጊባን ብመንገዲ ጽድቂ ናብ እግዚአብሔር ተብጽሖም። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብሉያትን ሓዲሳትን ኣናቢባ: ትንቢትን ፍጻሜን ኣላጊባ: ምሳሌን ክውንነትን: ንባብን ምሥጢርን ኣሰማሚዓ: ትውፊትን መጻሕፍትን ኣወሓሒዳ ብኣፍ ኮነ ብመጽሓፍ እናመሃረት: ሰባት ምስ ፈጣሪኦም ተዓሪቖም: ሃይማኖትን ግብርን ኣጣሚሮም: ፍቕሪ እግዚአብሔርን ፍቕሪ ብጻይን ኂዞም ወረስቲ መንግሥተ ሰማያት ኪኾኑ ወትሩ ትጽዕር።
እዚ ትምህርቲ እዚ ሓደ ጳጳስ ወይ ካህን ወይ ዲያቆን ወይ ሰባኺ ወንጌል ወይ ምእመን ዚልውጦ ወይ ዚገላብጦ ኣይኮነን። ብሓፈሻ ዶግማዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ፈጺሙ ዘይመሓየሽ: ዘይክለስ ትምህርቲ እዩ። ቀኖናዊ ትምህርቲ’ውን እንተኾነ ብሓደ ወይ ብኽልተ ሰባት ወይ ጉባኤታት ዚመሓየሽ ዘይኮነስ: ቅዱስ ሲኖዶስ መጻሕፍት መርሚሩ: ኣበው ዘኪሩ: ሱባኤ ቈጺሩ: ምስ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ተማኺሩ ኣድላይን ግቡእን ምኽንያታውን ኮይኑ ምስ ዝረኽቦ እዩ ዘመሓይሾ። 

ነዚ ክንብል ዘገደደና ነገር: ሎሚ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወፃኢ ብዙኃን ንናይ ውልቆም መናፍቕነት ብቅዱስ ሲኖዶስ: ብግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ውልቃዊ ርድኢትን ብምሽፋን ኣብ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ክርዳድ: ኣብ ምእመናን ምፍርራድ (ምፍልላይ) ይዘርኡ ምህላዎም እዩ። ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ማእከላይ ምብራቕን ዝካየድን ዝስማዕን ዘሎ ኣሰካፊ ወረታትን ጐስጓሳትን ድማ ዝያዳ የራጉዶ።

ሓደ ካብቲ ኣዘራቢ ጉዳያት: ጉዳይ “ንጽሕት ድንግል ማርያምን ጥንተ ኣብሶ (ኣዳማዊ ኃጢኣትን)ን እዩ። ብወገንና ኣብ ሣልሳይ ኅታም መጽሔትና ትርጒም: መሠረት: መሥርሕ ምትኅልላፍን ምድምሳስን ጥንተ ኣብሶ (ኣዳማዊ ኃጢኣት) ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣቕሪብና ነይርና። ልዑል እግዚአብሔር ብምሕረቱን ብጸሎት ቅድስት ወላዲቱን ብኣማላድነት ቅዱሳኑን ብጸሎት ኣንበብትን ኣብ’ዚ ኣብጺሑ: ኣብዚ ኃሙሻይ ኅታም መጽሔትና ንዝጀመርናዮ ክንቅጽል: ንዝተለምናዮ ክንምልእ ስለ ዘኽኣለና ክብርን ምስጋናን ንእኡ ይኹን።

ጥንተ ኣብሶን ንጽሕት ድንግል ማርያምን
“ድንግል ማርያም ጥንተ ኣብሶ ኣለዋ/ነይርዋ’ዶ?” ዝብል ሕቶ: ሎሚ ኣእምሮ መንእሰያት ኣናዊጹን ሰላሞም በጽቢጹን ዘሎ ሕቶ እዩ። ሎሚ ዓለም ብመርበባት መራኸቢታት ናብ ቍሸት ተቐይራትሉ ኣብ ዘላ ዘመን: ሓደ መንእሰይ ናብ ብዙኃን መልሲ ብድምፅን ብጽሑፍን ክረክብ ይኽእል እዩ። ነዚ ሕቶ’ዚ ዘልዕል ሰብ “ግብጺ ከም’ዚ ኢሎም”: “ኢትዮጵያ ከምቲ ኢሎም” “ኣባ እገለ ከም’ዚ ኢሉ” “ቀሺ እገለ ከም’ቲ ኢሉ”: “መምህር እገለ ከም’ዚ ኢሉ”: “መምህር እገለ ከም’ቲ ኢሉ” ዝብሉ መዕለብን መጠርነፍን ዘይብሎም መልስታት ኣብ እዝኑ ኪድውሉ ይኽእሉ እዮም። ነየናይ ኪኣምን? ነየናይ’ከ ኪነጽግን ኪቃወምን? ቅድስት ቤተ ክርስቲያን’ከ ብዛዕባ እዚ እንታይ ትብል?

ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ እምነታ ዘየጠራጥር: ትምህርታ ንጹር እዩ። ነዚ ብእግዚአብሔርን ብቅዱሳኑን ንዝኃለፈ ትምህርትን ትምህርትን ሥርዓትን ብግቡእ ተረኪቡ: ንመጻኢ ወለዶ ብግቡእ እናኣረከበ ዝኸይድ መሥርሕ ምምሃር ከኣ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ቦታ ኣለዎ።

እግዚአብሔር ዓለም ምስ ፈጠረ: ኣብ መወዳእታ ሰብ ፈጢሩ: ኣኽቢሩ: ኣብ ገነት ኣቐሚጡ ትእዛዝ ሃቦም። ነቲ ሕይወትን ዚህብ ትእዛዙ ግና ንናይ ዲያብሎስ ምኽሪ ሞት ብምስማዕ ጠሓሶ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ሞተ ሥጋን ሞተ ነፍስን: መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ተፈሪድዎ: ካብ እግዚአብሔር ዝኣክል ጐይታ: ካብ ገነት ትመስል ቦታ ረኃቐ። ሳዕቤን እዚ ሞተ ሥጋን ሞተ ነፍስን: መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ዝኾነ ጥንተ ኣብሶ ድማ ተሰከመ። እዚ ጥንተ ኣብሶ እዚ’ውን ኣብኡ ጥራይ ተወሲኑ ኣይተረፈን: ናብ ኵሎም ዘርኡ (ብዘይካ ናብ ቅድስት ድንግል ማርያም) ኃለፈ። በዚ ኸኣ ሰባት መወትን ብኃጢኣትን ተሰነፍትን ኮኑ። 

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ካብ’ዚ ኃጢኣት (ጥንተ ኣብሶ) እዚ ናጻ ኮይና ተፈጥረት: ተወልደት’ውን። ምኽንያቱ: “እግዝእትነ ማርያም ነበረት ብሕሊና አምላክ እምቅድመ ዓለም/ ኣዴና ማርያም ካብ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣብ ሕሊና ኣምላኽ (ተሓሲባ) ነበረት” ከምዝብል መቅድመ ተአምረ ማርያም ዘወትር: እግዚአብሔር ንኵሉ ዝኃለፈን ዘሎን ጥራይ ዘይኮነስ: ንዝመጽእውን ዚፈልጥ ኣምላኽ ስለዝኾነ: ውድቀትን ጣዕሳ ኣዳምን ፈሊጡ ምኽንያት ድኅነት ክትኮኖ ኣዳለወሉ። ኣዳምን ሔዋንን ምስ በደሉ: ጸጋኦም ተገፈፈ: ኃፊሮምን ፈሪሆምን ድማ ተኃብኡ። “ምድሪ ምስ ወልወለ ድማ: ድምፂ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ገነት ኪመላለስ ሰምዑ” ከም ዝበለ ድምፂ ኪደተ እግሩ ኣስምዖም (ዘፍጥ ፫፥፰/3፥8)። እዚ ኸኣ ሓደ ከይስንብዱ ኢሉ እዩ፤ ብኻልእ ወገን ድማ “ድምፂ ኪደተ እግሩ ዚስማዕ ሥጋ ለቢሰ ከድኅነካ እየ” ማለቱ እዩ። እዚ ከኣ እግዚአብሔር ብሠለስትነቱ “እንሆ ኣዳም ከም ሓደ ካባና … ኮነ” (ዘፍጥ ፫፥፳፪/3፥22) ኢሉ እግዚአብሔር ወልድ ሥጋ ኣዳም ከምዝለብስ: ብምሥጢር ተዛረበ። ኣዳም በደሉ ኣሚኑ ንስሓ ምስ ኣተወ ድማ ብግሁድ: “እትወለድ እምወለተ ወለትከ: ወአድኅነከ፦ ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድኅነካ እየ”  (ቀሌምንጦስ ኣክሲማሮስ) ኢሉ ተስፋ ሃቦ። ነዚ ዘስተውዓለ ናይ ብህንሳ ኤጲስ ቆጶስ ኣባ ሕርያቆስ: እንቲ ውእቱ ተስፋሁ ለአዳም አመ ይሰደድ እምገነት/ ኣዳም ካብ ገነት ክስደድ ከሎ ንስኺ ኢኺ ተስፋኡ ነይርኪ” ኢሉ ገለጻ (ቅዳሴ ማርያም)።
ስለዚ ነዛ ተስፋ ድኅነት ኣዳም ኮይና ብእግዚአብሔር ዝተመርጸት ንጽሕተ ንጹሓን ቅድስት ድንግል ማርያም እግዚአብሔር ካብ ጥንተ ኣብሶ ሓልዩ: ኣብ ሕቖ ኣዳም ዝነበረ ዘርኢ ኵሉ ብጥንተ ኣብሶ ኪልከፍ ከሎ: ንሳ ግና ንጽሕቲ ኮይና ካብ ኣበው ናብ ኣበው እናኃለፈት ድኅሪ ስሳን ሽዱሽተን ወለዶ ኣብ ዘመና (ና ላሕሊሑ ይንበብ) በጽሐት።

ቅድስት ድንግል ማርያምም ልዕል ዝበለት እያ። ምኽንያቱ ልዑል እግዚአብሔር ዓበይቲ ነገራት ገይሩላ እዩ። “እስመ ገብረ ሊተ ኃይለ ዐቢያተ/ እቲ ልዑል ዓበይቲ ነገራት ገይሩለይ እዩ እሞ: …. “ (ሉቃ ፩፥፵፰/1፥48)። እዞም ዓበይቲ ነገራት እዚኣቶም ከኣ ኣቐዲሞም ኮነ ድኂሮም ንኻልኦት ዘይተገብሩ እዮም። እግዚአብሔር ንድንግል ማርያም ካብ ጥንተ ኣብሶ ናጻ ኮይና ክትውለድ: ካብ ምልአተ ኃጢኣት ድማ ናጻ ኮይና ክትነብር ፈቒዱላ። ሰማይ ዙፋኑ ምድሪ መርገጺ እግሩ ንዝኾነ መለኮታዊ ኣምላኽ ብድንግልና ጸኒሳ ብድንግልና ክትወልድ ኣኽኡሉዋ: በዚ ከኣ “ድንግል ወእም/ ድንግልን ኣደን” ኮይና “እመ እግዚአብሔር ጸባኦት/ኣደ እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት” ተባሂላ ክትጽዋዕ ኣብቂዕዋ። “እዚ ኵሉ ብኸመይ ኪኸውን ክኢሉ? ንሳ ሰብ’ዶ ኣይኮነትን? ብኸመይ በደል ኣዳም ከይኃለፋ ክትውለድ ክኢላ?” ንዝብል ሕቶ ብዙኃን ሰባት: መልስና ምስ ቅዱስ ገብርኤል “አልቦ ነገር ዘይሰአኖ ለእግዚአብሔር/ ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ ነገር የልቦን” ዝብል እዩ (ሉቃ ፩፥፴፯/1፥37)።

ብፍላይ ኣንጻር ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝለዓሉ ሰባት (ፀረ ማርያም) ግና ድጋፍ ድፍረቶም ዝኾንዎም ጥቕስታት ካብ መጻሕፍቲ ስለ ዘልዕሉ: በብሓደ ክንርእዮ ኢና። ቅድሚኡ ግና ብዛዕባ እቶም ሃንደስቲ ናይ’ዚ ነገር እዚ ዝኾኑ ዘመናውያን ግብጻውያን ክንዛረብ።

ኦርቶዶክሳውያን ኣኃት ሃገራት ዝብሃላ ግብጺ: ኣርመንያ: ሶርያ: ህንዲ: ኢትዮጵያ: ኤርትራ እየን። እዘን ሽዱሽተ ሃገራት እዚኣተን ኣብ’ዚ ጊዜ እዚ ነናተን መንበርን ፓትርያርካትን ዚውንና እየን። እዚኣተን ኵለን ኦርቶዶክሳውያን ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያን ኢየን። ብዶግማአንን ሥርዓተንን ሓደ ዝነበራ ድማ እየን። ምስ ጊዜ ግና ብፍላይ ኣብ ሥርዓት ምስ ጊዜን ኵነታትን ሓደ ሓደ ፍልልያት ኣለወን። ኵለንውን ከቢድ ፈተነታት ዘኅለፋን ዘኅልፋ ዘለዋን እየን። ንኣብነት ህንዲ ብምትእትታው ተሓድሶ ናብ ክልተ ክትምቀል ክኢላ እያ። ኣርመንያ’ውን ክሳዕ ካብ ሓደ ንላዕሊ ፓትርያርካት ምሻም ዝበጽሓትሉ ጊዜ ነይሩ እዩ። ግብጺ ብወገና ከኣ ብምትእትታው እስላም ብዙኅ ሃስያታት ወሪዱዋን ይወርዳ ኣሎን። ኢትዮጵያውን ክሳዕን ናይ ወጻእን ናይ ውሽጢ ሃገርን ሲኖዶስ ብምባል ኣብ ምፍልላይ በጺሓ ኣላ።

ኣብ ከምዚ ኵነታት ዚፍጠሩ ጸገማትን ዚመጽኡ ትምህርትታትን ብዙኃን እዮም። ልዕሊ ኵሉ ግና: ኣቦታትካ ዘቖሙልካ ደረት ዘይምዝባል እዩ። (ምሳ ፳፰፥፳፪/28፥22)።

ስለዚ ኣብ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ግብጻውያን ብዙኅ ትንታነታት ይህቡ ኣለዉ። “ድንግል ማርያም ጥንተ ኣብሶ ኣይኃለፋን” ዝብል ትምህርቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ: ብዘይሕንከት “ናይ ካቶሊክ ትምህርቲ” እናበሉ ይጽውዕዎ ኣለዉ። ሓደ ሓደ የዋሃን ደቂ ዓድና’ውን እንተስ ናቶም ጣዕሚ ሰብነትን ዓለማዊ ደረጃን ብምርኣይ: እንተስ ንኻልእ ጕዳያቶም ጉልባብ ንምግባር ነዚ ኣተሓሳስባን ትምህርትን እዚ ርዒሞምዎ ኣለዉ።

ብመሠረቱ: “ድንግል ማርያም ብዘይ ኃጢኣት ኣዳም (ጥንተ ኣብሶ) እያ ተወሊዳ” ምባል ካቶሊካዊ ትምህርቲ ድዩ? ያእ ኣይፋሉን: ኣይኮነን። ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ: ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ሓደ ሽሕ ዓመት ሕጊ ብሉይ ኪዳን ተቐቢላ: ኦሪትን ነቢያትን ብምጽናዕ ጸኒዓ ትነብር ዝነበረት ሃገር እያ። ብድኅሪኡ’ውን ኣብ ፴፬/34 ዓ.ም. ሕጊ ወንጌል ናይ ዋላ ሓደ ሓዋርያ ደም ብዘይምፍሳስ ብሰላማዊ መንገዲ ብሓጐስ ዝተቐበለት እያ። ስለዚ እዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ ኣብ ትምህርቲ ነቢያትን ሓዋርያትን ተሠሪታ እትነብር ቤተ ክርስቲያን እያ። ካቶሊክ: “ድንግል ማርያም ብዘይ ኃጢኣት ኣዳም እያ ተወሊዳ” ዝብል ትምህርቲ ብጉባኤ ኣጽዲቖም ዝተቐበሉ ኣብ መበል ዓሠርተው ትሽዓተ ክፍለ ዘመን እዮም። ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ግና: ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ: “ማርያምሰ ተሐቱ ውስተ ከርሡ ለአዳም ከመ ባሕርይ ፀዐዳ እምትካት/ ማርያምስ ካብ ቀደም ኣትኂዛ ኣብ ከርሢ (ሕቖ) ኣዳም ከም ፃዕዳ ዕንቍ ኮይና ተብርህ (ትበርህ) ነበረት” (ድጓ ዘኅዳር ጽዮን) እናበለት ትዝምርን ትምህርት ጸኒሓን ኣላን: ብሕጂ’ውን ክትነብር እያ።

ንምዃኑ ግና ግብጻውያን ነዚ ክብሉ ኸለዉ ዝጠቐስዎ ጥቕሲ መጽሓፍ ወይ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ኣሎ ድዩ? ብርግጽ የልቦን። መዓስን ካበይን ደኣ ኣምጺኦምዎ: ቀዳሞት ኣቦታትናን ኣቦታቶምን’ከ ብዛዕባ እዚ እንታይ ኢሎም ይምህሩ ነይሮም? ሕጂ ዘለዉ ግብጻውያን’ከ ናይ ኣቦታት ትምህርቲ ይስዕቡ ኣለዉ ድዮም? ማለት ንሕና ዲና ካብ’ቲ ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ ዘንቢልና: “ድንግል ማርያም ጥንተ ኣብሶ ፈጺሙ ኣይኃለፋን” ንብል ዘሎና: ወይስ ንሳቶም እዮም ናይ ኣቦታት ትምህርቲ ስዒቦም: “ንድንግል ማርያም ጥንተ ኣብሶ ኃሊፋዋስ: ብብሥራት ቅዱስ ገብርኤል እያ ነጺሓ” ዝብሉ ዘለዉ? ቀዳሞት ኣቦታትናን ኣቦታቶምን ብዓል ቅዱስ ኣትናቴዎስ: ቅዱስ ቄርሎስ: … እዮም። ናይ’ዚኣቶም ትምህርቲ ኣብ’ዚ ዘልዓልናዮ ጉዳይ ድማ እዚ ዚስዕብ እዩ።

፩. “ወኢረኵሰት በምንትኒ እምዘፈጠራ/ ካብ ዚተፈጥረትሉ ጊዜ ጀሚራ ርኹስ ነገር ኣይተረኽባን፤ ብነፍሳን ብሥጋኣን ኵሉ ጊዜ ንጽሕት እያ።” (ቴዎዶጦስ ዘዕንቆራ ሃይ.ኣ አበ. ፶፫፥፳፪/53፥22)።
፪. “ኢያእመረ (ዮሴፍ) እስመ ዘተፈጥረት እምነ ጽቡር ጽሩይ ትከውን መቅደሶ ለእግዚአብሔር/ ካብ ንጹሕ ዘርኢ ዝተፈጥረት ድንግል መኅደሪት እግዚአብሔር ከምትኸውን ኣይለጠን።” (ቅዱስ ኤራቅሊስ ሃይ. አበ. ፵፰፥፴፩/48፥31)
፫. “ከመ ገባሪ ጠቢብ ሶበ ይረክብ ግብሮ ዘይትገበር ይገብር እምኔሁ ንዋየ ሠናየ: ከም ዝ እግዚእነ ሶበ ረከበ ሥጋሃ ቅዱስ ለዛቲ ድንግል ወነፍሳ ቅድስተ: ፈጠረ ሎቱ መቅደሰ ዘቦቱ ነፍስ/ ከም’ቲ ሠራሒ መሬት ዚሥራሕ መሬት ምስ ረኸበ: ጽቡቕ ንብረት ዚሠርሕ ጐይታና’ውን ነዛ ድንግል ቅዱስ ሥጋኣን ቅድስት ነፍሳን ምስ ረኸበ: ንእኡ ትኸውን ነፍሲ ዘላቶ ሰብነት ፈጠረ።” (ዮሐንስ ኣፈወርቅ ሃይ. አበ. ፷፮፥፲፬/66፥14)

ካብቲ መድበል ትምህርትታት ኣበው ዝኾነ ሃይማኖተ አበው ቀዳሞት ኣቦታትና ብዛዕባ ንጽሕና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝጸሓፍዎ: “ካብ ባሕሪ ብጭልፋ” ከምዝብሃል: ሠለስተ መሰኻኽር ኣቕሪብና ኣሎና። እዞም ኣቦታት እዚኣቶም ንኣና ኾነ ንግብጻውያን ኣኅዋትና ብእምነቶምን ብትምህርቶምን ሕይወቶምን ብርሃን ኣብነት ዝኾኑና እዮም። እምነቶምን ትምህርቶምን ድማ “ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ እትፍጠር ኃጢኣት ኣዳም ዘይኃለፋ ብቕዱስ ፍቓድ ፈጣሪ ንጽሕት ኮይና ከምዝተፈጥረት ዚገልጽ እዩ። እሞ ግብጻውያን ደኣ እዚ ሓድሽ ትምህርቶም ካበይ ኣምጺኦምዎ? ንሕና ዲና ሓድሽ ትምህርቲ ኣምጺእና ወይስ ንሳቶም? ንሕናስ ምስ ቅዱስ ቄርሎስ “ንሕነሰ ነተሉ እምነተ አበዊነ ቅዱሳን ዘእንበለ ተወላውሎ/ ንሕናስ ብዘይምውልዋል ሃይማኖት ቅዱሳን ኣቦታትና ኢና እንስዕብ” ንብል (ሃይ አበ ፸፥፩/70፥1)። ነቶም ዝዘንበሉ ኣኅዋትና’ውን ከምኡ ክብሉ ንምዕድ። ምኽንያቱ ትምህርትን ሥርዓትን ትውፊትን እዛ ሃይማኖት እዚኣ ካብ ቅዱሳን ሓዋርያት እናተወራረሰ ዝመጽእን ዝቕጽልን ደኣ እዩ እምበር: ዕለተ ዕለት ዚፍልሰፍ ኣይኮነን።

ካብ’ተን ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ዝተጻሕፋ ናይ ዘመናውያን ግብጻውያን ጽሑፋት ክንርድኦ ከምዝኸኣልና: ብዘይጥቕሲ (መጽሓፍ ቅዱሳዊ መረዳእታ) ልቢ ብዝወለዶ ትንተና፦ “ዘርኢ ሰብ እምበር ካብ ሰማይ ዝወረደት ስለዘይኮነት” ዝብል እዩ። ንሕና’ውን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዘርኢ ሰብ ብወገን ኣቦኣ ኢያቄም ካብ ነገደ ይሁዳ: ብወገን ኣዴና ሓና ድማ ካብ ነገደ ሌዊ ምዃና ኵሉ ጊዜ እንምህረሉ ትምህርቲ እዩ። “ካብ ዓሌት (ዘርኢ) ሰብ ስለዝኾነትሲ: ጥንተ ኣብሶ (ኃጢኣት ኣዳም) ኪኃልፋ ናይ ግድን እዩ” ዝብሃል እንተኾይኑ ግና ሓደገኛ ሳዕቤን ኣለዎ። ምኽንያቱ: ቅድሚ ሕጂ ኾነ ብድኅሪ ሕጂ ብዘይካ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፦ 

  •  ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ዝወለደት ሰበይቲ የላን፤ ኣይክትህሉን’ውን እያ።
  •  ብድንግልና ጸኒሳ ብድንግልና ዝወለደት ማለት ኣብ ሓደ እዋን ኣደን ድንግልን ዝኾነት ሰበይቲ የላን፤: ኣይክትህሉን’ውን እያ።
  • ወርኃዊ ልማደ ኣንስት (ጽግያት) ዘይትርኢ ሰበይቲ የላን: ኣይክትህሉን’ውን እያ።
  • ሰማይን ምድርን ዘይፆርዎ መለኮታዊ ሓዊ (እግዚአብሔር) ዝፆረት ሰበይቲ የላን፤ ኣይክትህሉን’ውን እያ።
  • “ወላዲት ኣምላኽ: ኣደ እግዚአብሔር” ተባሂላ እትጽዋዕ ሰበይቲ የላን፤ ኣይክትህሉን’ውን እያ።
 ስለዚ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ጥንተ ኣብሶ ናጻ ብምዃና ጥራይ ዘይኮነትስ: ብብዙኅ ነገር እያ ካብ ደቂ ሰባት እትፍለ። ነዚ ዝፈልጥ መጋቤ ሐዲስ ቅዱስ ገብርኤል: ቡሩክት አንቲ እምአንስት፦ ንስኺ ካብ ኵለን ኣንስቲ ዝተባረኽኪ (ዝተፈለኺ) ኢኺ” ኢሉ ምሂሩና እዩ። (ሉቃ ፩፥፳፰/1፥28)

ምስ’ዚ ብምትእስሳር ዝጠቕስዎውን ዕረፍቲ (ሞት) ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ። “ጥንተ አብሶ ስለዝነበራ እያ ሞይታ” እዮም ዝብሉ። በቲ ሓደ “ብብስራት ገብርኤል ነጺሓ” እናበሉ: በቲ ካልእ ድማ “ጥንተ ኣብሶ ስለዝነበራ ሞይታ” ይብሉ። እቲ ሓሳባት ነንሕድሕዱ ዝጋጮ እኳ እንተኾነ: ትርጕምን ምሥጢርን ሞት ካብ ዘይምርዳእ ዝመጽአ ስሕተት እዩ። ንምዃኑ ግና ሞት እንታይ እዩ?

እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ካባ ሓቂ ዝረኃቐ ጥራይ ዘይኮነ: ኣብ ነገረ ድኅነት (ኣብ ሞት ወልደ እግዚአብሔር) ዓቢይ ተፋልሶ ዘምጽእውን እዩ። ብርሃነ ዓለም ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ: “ወዘኒ ሞተ ምዕረ ሞተ: ወበሞቱ ሰዐራ ለኃጢአት/ እቲ ዝሞተ ሓደ ጊዜ እዩ ሞይቱ: ብሞቱ ድማ ንኃጢኣት ሰዓራ” (፮፥፲-፲፩/6፥10-11) ከምዝበለ (ሎቱ ስብሐት) ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ኃጢኣት ኣዳም (ኃጢኣትና) ክብል ገዛእ ርእሱ ሠዊዑ ንሞትና ሞይቱልና: ንሞት ብሞት ቀቲሉ ብምፍሳስ ደሙ ካብ ናይ ውርሻ ኃጢኣት ናጻ ኣውፂኡ ዝቐደመ ውልድነትና ስለዝመለሰልና: ካብ ዕለተ ዓርብ (ዓርቢ ስቕለት) ንደኃር ኵላትና ብስሙ እንኣምን ካብ ጐኑ ብዚወፅአ ማየ ገቦ ዝተጠመቕና: ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝተቐበልና ካብ ጥንተ ኣብሶ ናጻ ኢና። ምኽንያቱ ሓንሳብ ኣብ  መስቀሉ ስለዝደምሰሶ።

ስለዚ ንሕና’ውን: “ወእመሰ ተመሰልናሁ በሞቱ ንትመስሎ: በሕይወቱሂ/ ብሞቱ እንተ መሲልናዮ: ብሕይወቱ’ውን ክንመስሎ ኢና” (ሮሜ ፮፥፭/6፥5) ከምዝብል ንሞቱ ተኸቲልና ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንኽንከይድ: ሞይትና ብትንሣኤኡ ከኣ ንትንሥእ እምበር: ብጌጋ ኣዳም ኣይንተኃዝን: ኣይንመውትን። ነዚ ከረድእ መዶሻ ተዋሕዶ ዝተሰምየ ቅዱስ ቄርሎስ “… ወአሜሃ በውእቱ መዋዕል ኮና ነፍሳት ሶበ ይወፅኣ ነፍሳት እምሥጋ ሰብእ ይወርዳ መትሕተ ምድር ወይትፌነዋ ውስተ ገሃነም እስከ ይመልኣ አብያተ ሞት። ወሶበ መጠወ እግዚእነ ክርስቶስ መንፈሶ ውስተ እደ እግዚአብሔር አቡሁ: አስተዳለወ ለነ ፍኖተ ሐዲሰ ውስተ ሰማያት ወኢነሐውር እንከ ውስተ ገሃነም አላ ንተልዎ እንከ ውስተ ገሃነም አላ ንተልዎ ለዘፈጠረነ በከምዝ ንሜጡ ነፍሳቲነ ውስተ እዴሁ/ በቲ ጊዜ እቲ ነፍሳት ካብ ሥጋአን ምስ ተፈለያ ናብ ትሕቲ ምድሪ ዘላ ሲኦል ይከዳ ነበራ። ኣብያተ ሞት ክሳዕ ዝመልኣ ኸኣ ናብ ገሃነም ይኸዳ ነበራ። ጐይታና ክርስቶስ ነፍሱ ናብ እግዚአብሔር አብ ምስ ሃበ ግና ናብ መንግሥተ ሰማያት ንምእታው ሓድሽ መገዲ ኣዳለወልና። ካብ ሕጂ ንደኃር ግና ንሱ ብሥልጣን ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ከም ዝፈለየ ነፍስና ድማ ብሥልጣኑ ካብ ሥጋና ተፈልያ ንፈጣሪና ንኽተሎ እምበር: ናብ ገሃነም ኣይንኸይድን ኢና።” ይብል (ሃይ አበ ፹፥፲፯/80፥17)

እቲ ጥንተ ኣብሶ ካብ ዝጠፍእ: ሞት ካብ ዝሠዓር ድኅሪ ዓሠርተው ኃሙሽተ ዝተፈጸመ ዕረፍቲ (ሞት) ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም: “ኃይል ኣርያማዊት እያ” ንዝብሉ “ኣምላኽ ዝተወሓዶ ሥጋ ካብ ሰማይ እዩ” ንዝብሉ (ኣፍትኪስ): “ሥጋ ብቕድምና ነበረ” ንዝብሉ (ንስጥሮሳውያን): “ምትሓት እዩ” ንዝብሉ (መንክዮን) ዝኣመሰሉ መናፍቓን ዘኅፍር: እግዚአብሔር ኣድልዎ ዘይብሉ (ሓቀኛ ፈራዲ) ምዃኑ ዝምስክር ኩነት እዩ።

ካልእ ዘልዕልዎ ነጥቢ ቅድስት ኣዴና ዝጸለየቶ ጸሎት እዩ። “ታዐብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር: ወትትኃሠይ መንፈስየ በአምላኪየ ወመድኃንየ/ ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ (ተኽብሮ ተመስግኖ): ብኣምላኸይን መድኃንየንውን ባህ ይብላ (ትሕጐስ)” (ሉቃ ፩፥፵፮-፵፰/1፥46-48)።

ኣዴና: “ኃጢኣተይ ዝኃደገለይ ዘሥተስረየለይ: ኣይበለትን። “መድኃኒየይ” እያ ኢላ። ሰብ ብምኽንያት በደሉ ተሰካሚ ኃጢኣት ኮይኑ እዩ። ነዚ ኃጢኣት እዚ ግና ጐይታና ካብኣ ሥጋን ነፍስን ወሲዱ ብዝተቐበሎ መከራ መስቀል ኣርኂቕዎ እዩ። በዚ ከኣ ትንሣኤን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ንሰባት ተዓዲሉ። ስለዝኾነ ድማ ነዚ ተግባር ቤዛነት እዚ መሠረቱ ድማ ንሳ እያ። እዚ ጸጋ እዚ ንኣኣ ንበይና ጥራይ ዝተዋህበ ጸጋ እዩ። ስለዚ ድማ እያ “መድኃኒየይ” ዝበለት። ነዚ ቃል እዚ ልዑለ ቃል ነቢይ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ: “ወትብል ናሁ አምላኪየ ወመድኃንየ ወእትዌከል ቦቱ ወአሐዩ ቦቱ ወኢይፈርህ እስመ እግዚአብሔር ክብርየ ወትርሢትየ/ በቲ ወርኃት እቲ እንሆ ኣምላኸይ: መድኃኒየይ: ብእኡ እኣምን: ብእኡ ብሕይወትን እነብር እየ እሞ ኣይፈርህን: ኣይስንብድን እየ። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ክብረይን ስልማተይን እዩ ክትብል ኢኻ።” ብምባል ተጠቒሙሉ ነይሩ እዩ (ኢሳ ፲፪፥፪/12፥2) ። ነቢይ ኢሳይያስ: “ኣምላኸይ መድኃኒየይ” በለ እምበር “ካብ ጥንተ ኣብሶ ኣንጺሑኒ” ኣይበለን። ድንግል ማርያም ድማ ብእግዚአብሔር ትኣምን እያ: ብእኡ ብዝተዋህባ ፍሉይ ሕይወት ድማ ጸኒዓ ትነብር። ኣቦኣ ዳዊት “ርስዒ ሕዝበኪ ወቤተ አቡኪ/ ሕዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ” (መዝ ፵፬፥፲/45፥10) ከምዝበለ: ክብርን ሞገስን ቅድስት ድንግል ማርያም ንእኣ ንበይና ጥራይ ብዝተዋህበ ኣደ: መቕደስ: ዙፋን እግዚአብሔር ናይ ምዃን ጸጋ ደኣ እምበር: ካብ ዓሌት ወይ ወገን “ጓል እገለ እኳ እያ!” ተባሂሉ ዚግለጽ ኣይኮነን።

ነቢየ እግዚአብሔር ኢሳይያስ ቀጺሉ’ውን “እምጽዮን ይወፅእ መድኅን ወያአትት ኃጢአተ እምያዕቆብ: ወዛቲ ይእቲ ኪዳኖሙ እንተ እምኀቤየ ይቤ እግዚአብሔር/ መድኅን ካብ ጽዮን ኪወፅእ እዩ። ምሳይ ዘላቶም ቃል ኪዳን እዚኣ እያ: ይብል። እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት” ኢሉ ኣሎ ኢሳ ፶፱፥፳፩/59፥20-21)። በዚ ኸኣ እግዚአብሔር ካብ ጽዮን (ድንግል ማርያም) ምውላዱ: ካብ ሕዝቡ ኃጢኣት ምርኃቑ ምዃና እታ ምስኣታቶም ዘላቶ ኪዳን ገለጸ። እዚ ቃል እዚ ብዛዕባ ምንታይ ከምዝተጻሕፈ ብርሃነ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ተርጒሙ ገሊጽዎ ኣሎ። (ሮሜ ፲፩፥፳፭-፳፯/11፥25-27)

ምዕዶ ንዅሉ

ሃገርና ኤርትራ ብትምህርቶምን ብሕይወቶምን ርቱዓን ዝኾነ አበው ወእማት (ኣቦታትን ኣዴታትን) እትውንን ሃገር እያ። እዚ ኮይኑ ግና ብሰንኪ መግዛእታዊ ጽልዋታትን ግፍዕታትን ብብዝኅን ዓይነትን ምሁራንን ጸሓፍቲ ታሪኽን ኣዝያ ኣይሰጐመትን ክትከውን ትኽእል እያ። እዚ ግና ንኣና ዝያዳ ኃላፍነት ዘሰክም ሃብታም ድንግል መድበል ትምህርትን ሥርዓትን ትውፊትን ታሪኽን መንፈሳዊ ባህልን ቅርስን ከም ዘለዋ ዘረድእን ደኣ እምበር: ሩባ ተሣጊርካ ተረፍ መረፍ እትምእርረሉ ጕዳይ ከምዘየልቦ ዘረድኣና እዩ።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ብዅለትናኣ ምልእቲ እያ። ንሕና የማን ጸጋም ከይበልና ትምህርትን ሕይወትን ቅዱሳን ኣቦታትናን ቅዱሳት ኣዴታትናን እንተኂዝና ድማ ወረስቲ መንግሥተ እግዚአብሔር ክንከውን ኢና። “ነቶም ቃለ እግዚአብሔር ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም: መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም ብሃይማኖት ምሰልዎም” (ዕብ ፲፫፥፯/13፥7)። ምኽንያቱ ንሳቶም በዛ ሃይማኖት እዚኣ ኣሚኖም: በቲ ንሳ እትምህሮ መንገዲ ተጓዒዞም እዮም ኣኽሊል ዓወት ተቐቢሎም: ገነት መንግሥተ ሰማያት ወሪሶም።

ስለዚ ሊቃውንትና ሓቲትና: መጻሕፍትና ተወኪስና ብዝግባእ ተማሂርና ምዕባይ ደኣ ይሕሸና እምበር ናብ ትምህርቲ ካልኦት ከነቋምት ኣይግብኣናን እዩ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር።

(ምንጪ ጽሑፍ፦ መጽሔት ማዕዶት ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ፤ ቤ/ት/ሰ/ደ/ግ/መድኃኔ ዓለም ገዛ ባንዳ - ኣሥመራ - ፪ይ ዓመት ቍ.2 ሚያዚያ ፳፻ወ፫ ዓ.ም.)

No comments:

Post a Comment