Tuesday, August 28, 2012

“እቲ ቓል ኣምላኽሲ ኣይእሰርን እዩ” ካልኣይ ጢሞ ፪፥፱


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ኅትመትን ዝርገሐን ርቱዓት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣብ ትንሣኤን ዕብየትን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ግደ ልዑል ምዃኑ ካብ ዝኾነ ኣካል ቤተ ክርስቲያን ዝተሰወረ ኣይኮነን። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ርእሳን መሠረታን ካብ ዝኾነ መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝተቐበለቶ ሓዋርያዊ ሕድርን: ዕዮ ስብከተ ወንጌልን ምእንቲ ብዝግባእ ክትፍጽም ክትክእል ከኣ ህላዌን ሰፊሕ ዝርገሐን ጥንታውያንን ከምኡውን መምስቲ ዘመንን ዝመጽእ ሓዲሽ ትውልድን እናተዋደዱ ዝጸሓፉ መንፈሳዊያን መጻሕፍቲ እንበለ መጠን ኣገዳሲ እዩ። ኮይኑ ግና ኣይ ከምቲ ኣብ ካልኦት ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት እንርእዮ: ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን: ጕዳይ ኅትመት መንፈሳውያን መጻሕፍቲ “ክድስክል”: እቲ ቃለ እግዚአብሔር’ውን ክእሰር ዝተፈርዶ ክቡር ሞያ ኮይኑ ካብ ዝርከብ ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ። ኣብ ስብከተ ወንጌልን ኵሉ መደያዊ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ብዘለዎ ኣገዳስነት: ካልኦት ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ከም ዓቢ ዕዮን ጸጋን ኣነጺሮም: ብሰፈሐ ኣገባብ ምትብባዕ እናገበሩሉ ዝሠርሑሉ ኅትመት መንፈሳውያን መጻሕፍቲ: ኣብ ናይ ሃገርና ቤተ ክርስቲያን ብሸለልትነት ክረአ ምኽኣሉ ዲግዲጊት ተዓጢቕካ ብዓውታ ዝብከየሉ ጕዳይ ኮይኑ ከምዘሎ ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎም ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ዝምስክርዎ ግሁድ ሓቂ ኮይኑ ኣሎ።

ከምቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ሰብ ብቃለ እግዚአብሔር እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” ኢሉ ዝመሃረና: ደቂ ሰባት ሃይማኖቶም ኣጽኒዖም: ብሕግን ትእዛዝን እግዚአብሔር ክመላለሱን: ምስ እግዚአብሔርን ኣእላፍ ቅዱሳን ስድርኡን ክዛመዱን እንተደኣ ኮይኖም: ሕያዊት ለባዊት ነባቢት ዝኾነት ነፍሶም መግቢ ኣምላኽ ከድልያ ግድነት እዩ። ከምቲ ሥጋና እኽለ ማይ እንተዘይረኺቡ: ዝደክምን ጊዜ ምስ ሓለፎ ከኣ ዝመውትን: ነፍስና’ውን በብእዋኑ ቃለ እግዚአብሔር ክትምገብን ክትሰትዪን እንተዘይኽኢላ ምድካማን ምማታን ኣይክተርፋን እዩ። (ማቴ ፬፥፬/4፥4) ደቂ ሰባት ሕያው ንዝኾነ ቃለ እግዚአብሔር ክምገቡሉ ካብ ዝኽእሉ እቲ ዝበለጸ መገዲ ከኣ ብዘይካ እቲ ዓቢይን እስትንፋስ እግዚአብሔር ዝኾነ ቅዱስ መጽሓፍ: በብእዋኑ ንቅዱስ መጽሓፍ መሠረት ብምግባር ከከም ዓይነቶምን ትሕዝቶኦምን ብሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን እናተቃመሙ ዝዳለዉን ዝኅትሙን መንፈሳዊያን መጻሕፍቲ እዮም። ብጸላኢ ሰናያት ዲያብሎስን ልኡኻቱን ዝፍተኑን: ሓደጋ ዝወድቖምን በቲ ርኅሩኅ ሳምራዊ ዝተባህለ መድኃኒት ክርስቶስ ምሕረትን ፈውስን እንተረኸቡውን: ባዕሉ ጐይታ ነቶም ሓለውቲ ማኅደር ኣጋይሽ (መምህራነ ቤተ ክርስቲያን) ንዝወደቑን ዝወድቑን ኵሎም: በቶም ክልተ ዲናራት (ብሉያትን ሓዲሳትን) ጥራይ ዘይኮነስ ካብኡ ንላዕሊ ኣውጺኦም (ኣዋልድ መጻሕፍቲ ጽሒፎም) ኣጸቢቖም ክሳብ ዝሓውዩ ንደቂቀ ኣዳም ክከናኸንዎምን ንመንግሥቱ ብቝዓት ክገብርዎምን ኣዚዝዎምን ተላቢዎምን እዩ። ከምኡ ንዝገብሩ ከኣ ኣብ ዳግማይ ምጽኣቱ ዓስቦም ከምዝህቦም ኪዳን ኣትዩሎም እዩ። (ሉቃ ፲፥፴፭/10፥35) 

ካብ ሓዋርያት ጀሚሮም ዘለዉ ኣቦታትና ከኣ ብቃል ጥራይ ዘይኮነ መጻሕፍቲ’ውን ብምጽሓፍ: ምእመናን እናመሃሩን ብሃይማኖት እናጽንዑን: መናፍቓን ከኣ እናሕፈሩን ተጋድሎኦም ብምፍጻም ኣብዘሎናዮ ዘመን ኣብጺሖሙና ኣለዉ። እሞ’ከ ደኣ ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ዝግበር ዘሎ: ብዝኾነ ቤተ ክርቲስቲያናዊ መዐቀኒ ቅቡል ዘይኮነ: ክትሰምዖን ክትጸውየሉን ጉድ ዘብል ተግባር “ምዕጋድ ኅትመት መጻሕፍቲ” እንታይ እዩ ቍንቍኝኡ? ንመን’ከ የረብሕ ኣሎ? ምስ ኣየናይ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን’ከ ክጽብጸብ እዩ? ብዝግባእ ዝተመርመሩን: ብሊቃውንቲ ዝዳለዉን ርቱዓት መጻሕፍቲ ከይኅተሙ ምኽልካል ንቤተ ክርስቲያን ዘየርብሕ እንተኮይኑ: ብርግጽ ኣንጻራ ንዘለዉ ኣካላት እሞ ከም ድሌቶም ትምህርቶም የኅትሙን: ጽሑፋቶም እናባዝሑ ይዝርግሑ ንዘለዉ ግና ጽቡቕ ባይታ ኮይንዎም ከምዘሎ ዝሰሓት ኣይኮነን። ጽሑፍ ብጽሑፍ ይምለስ: ኣንጻርካ እናተጻሕፈ መልሲ ከይትህብ: ምእመናንካ ከይተለብምን ከይተነቕሕን በቲ “ዘመሓድረካ” ዘሎ ኣካል ክትኽልከል ዘየስደምም ኣይኮነን። እዚ ተግባር’ዚ ከም ሓደ ኣብ ዓውዲ መኸተ ጕስጢ ክጓሰጡ ዝኣተዉ ክልተ ሰባት: ነቲ ሓደ ኢዱ ጠፊርካ ንድኅሪት ኣሲርካ: ነቲ ካልእ ከኣ ናጻ ሰዲድካ ተጓሰጡ ዘስምዕ ይመስል። ሎሚ’ውን ተጓሳጢ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ዲያብሎስን ልኡኻቱን ከም ድሌቶም እናተወናጨፉ: ንሊቃውንቲ መልሲ ኣይትሃቡ: ምእመናን ብመጻሕፍቲ ኣይትምሃሩ ምባል መንቀሊኡ ካብ መን እዩ ክበሃል? ኣንጻር ሓድነት ቤተ ክርስቲያንን ትምህርታን ብዙኃን መርበብ ሓበሬታትት ከም ድሌቶምን ዝመሰሎምን ክጽሕፉ ከለዉ: እታ “ልሳን ተዋሕዶ” ዝተባህለት ልሳን ምምሕዳር’ከ ኣብኣ ንኸገልግሉ ንዝተኃርዩ ሊቃውንትን ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ሰጒግካ: ከም መሪጌታ ሰመረኣብ ዝኣምሰሉ ልኡኻቶም ከም ዝውንንዋ ብምግባር ትም ክትብልን ክትዕበስን ዝተገብረትሉ ተዋስኦ’ከ እንታይ ክብሃል እዩ? ከም ኣጀማምርኣ ኣበይ ክትበጽሕ እያ ተባሂላ ከምዘይተመረቐት: ዝቐሓመትሉ ምሥጢር ንዝፈልጥ ጕድ ናይዚ ርቱዕ ቃለ እግዚአብሔር ንከይመሓላለፍ ዝጽዕት “ምምሕዳር” መንነቱ ዝያዳ ዝቀልዕ እዩ።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሃገርና ዋላ እኳ ዋሕዲ ዘመናውያን ጸሓፍቲ የጋጥማ እምበር: ብመንጽር ሊቃውንታን ታሪኽ ሃብቲ ቅዱሳት መጻሕፍታን ካብ ካልኦት ኣኃት ቤተ ክርስቲያን: እንተቐደመትን እንተበለጸትን እምበር ከቶ ኣይትድኅርን እያ። ቀደም ብሉጻት ሊቃውንትን ዓቀብቲ ቅዱሳት መጻሕፍትን ነይሮማ: ሎሚ’ውን ኣለዉ። ርእስና ኣብ መድረኻት ዓለም ኣልዒልና ክንከይድ ዘኽእለና: ሃይማኖትናን ታሪኽ ገድሊ ኣቦታትናን ብቃልን ትውፊትን ጥራይ ዘይኮነስ: ብጽሑፍ ብዝግባእ እናተሰነደ ዝመጸ ወርቃዊ ጸጋ ኣሎና። እዚ ሃብትን ጸጋን ከኣ ምስቲ ዘሎናዮ ትውልዲ እናተዛመደ: ብኣቐራርብኡ’ውን ምስቲ ዘመን እናተጣበበ ክኸይድን ዝያዳ ዕብየት ከርእይን ከኣ ዝግባእ እዩ። ኮይኑ ግና ብፍላይ ኣብ ዘሎናዮ እዋን ብዘሎ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን: ኣገዳስነትን ተራን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዘተባባዕ ዘይኮነስ ዝደቝስ: ብዕላማ’ውን ንምድኻም ዝሥርሓሉ ኣገባብ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታትና ዝህቡና ዘለዉ ሓበሬታታት የመልክቱ እዮም። ከም መመኽነይታ ዝወሃብ ዘሎ ድኹም መጐተ ከኣ “መንፈሳውያን መጻሕፍቲ መኻዕበቲ እቶት ይኾኑ ኣለዉ” ዝብል ምዃኑ ምስ ነስምዕ ከኣ ኣዚዩ ከይደንፀወና ኣይተረፈን። “ክበልዕዋ ዝደለዩ ….” እዩ እቲ ምኽንያት እሞ: ነቲ ዘይከኣል ቃለ እግዚአብሔር ክኣስሩ ዝፈተኑ ኵሎም መወዳእታኦም ኣይጽቡቕን እዩ እሞ: ነዚ ነገር’ዚ ከም ኣካልን ልኡኻትን ኣጽራረ ቤተ ክርስቲያን ንምድኻም ቤተ ክርስቲያንና እትሠርሑ ዘሎኹም “ኣመሓደርቲ” ልቢ ይሃብኩም ንብል። በዚ ሓሶት ዝተመልአ ተግባር “ምምሕዳር” ተስፋ ዝቖረጹ ገሊኦም ኣቦታት’ሲ: ነቲ ዘሎ ኵነታት ኅትመት ቅዱሳት መጻሕፍቲ: ምስቲ ኣብ ዘመነ ሰማእታት “ኣብያተ ክርስቲያናት ይተዓጸዋ: ኣብያተ ጣዖት ይኸፈታ” እናበሉ ክርስቲያናትን ቤተ ክርስቲያናትን ምስ ዘበሳበሱን: ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምስዘቃጸሉን ነገሥታት ብምዝማድ “ዘመን ዲዮቅልጥያኖስ” ይቀላቀል ኣሎ ብምባል መሲሎም ክዛረቡ ብግሁዶ ተሰሚዖም እዮም።  

ብሓቂ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሃገርና: ገና ከምቲ ብዝግባእ ዘይተጻሕፈሎም ቋንቋታትና ኣቢሎም ክጽሕፉን: ክትርጉሙን: ብሓፈሻ ንምእመናን ብፍላይ ከኣ ነዚ ሓዲሽ ወለዶ ርቱዕ ሃይማኖት ኣቦታቱ ከጽንዕ: ሕግን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያኑ ብዝግባእ ክፈልጥ: ታሪኽ ቤተ ክርስቲያኑን ቅዱሳኑን ክላለይ ዘኽእልዎ መጻሕፍቲ ክደርሱ ዝኽእሉ ሊቃውንቲ ኣይተሳእኑን። እቲ ዝዓበየ ጸገም: በቲ ዝምልከቶ ዝግባእ ደገፍን ምትብባዕን ክግበረሎም ይትረፍ: ብዓቕሞም ጽዒሮምን ግዒሮምን ንኵሉ ዘሎ መሰናኽል ተጻዊሮም ንዝፍትንዎን ንዘቕርብዎምን መንፈሳዊያን መጻሕፍቲ “ፍቓድ ኅትመት ብምኽልካል” “መጻሕፍቶም ብምኽዛንን” ምብስጫውን ተስፋ ምቝረጽን እቲ ልሙድን ስሩዕን ተርእዮ “ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን” ምዃኑ እዩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ብሰንኪ እዚ “ምምሕዳር’ዚ” ከኣ ብዙኅ ከበርክቱ ዝኽእሉ ዝነበሩ: ከም ዓይኒ ብሌን ቤተ ክርስቲያን ዝጥመቱ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ዓቕሞም ከየበርከቱ: እጃሞም ከየወፈዩ: ተተካኢ ዘይርከቦ ወሓዚ ፍልጠቶም ከየመሓላለፉ ኡይ እናበሉን እናተራገሙን ይሓልፉ ምህላዎም እዩ። “ብቃል ዘሎ ይርሳዕ: ብጽሑፍ ዘሎ ይውረስ” ዝብል ጥርዓኖም ሰማዒ ስኢኑ: እኳ ደኣ ላግጺ ዝተሓወሶ ግብረ መልሲ እናረኸቡ ካብ ዝሓለፉ ናይ ቀረባ ኣበው ሊቃውንቲ መጋቤ ምሥጢር መብራህቱ ሞባእን: መምህር ተወልደ ብርሃን ዓምደመስቀል ክጥቐሱ ይከኣል። ሎሚ’ውን ኣምሪሮም ይዛረቡ ካብ ዘለዉ ሊቃውንቲ: ብጽንዓት ሃይማኖቶም ኣብ ልዕሊ መናፍቃዊ ትምህርትታት ተሪርን ቅልጡፍን ምላሽ ብምሃብ ዝፍለጡ መምህር ክነፈርግብ ማርቆስ ክጥቐሱ ይከኣል። ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ዝገበሩ መጻሕፍቲ ገዳም ደብረ ቢዘን’ውን ደጊሞም ከይኅተሙ ከምዝተኸለከሉ ይዝረብ እዩ። እምበኣር ዝኾነ ምእመን ኣብ ልዕሊ እዚ ንቤተ ክርስቲያን “የመሓድር” እያ እናበለ የዕኑ ንዘሎ ኣካል ክሓቶ ዝግባእ ሓደ መሠረታዊ ሕቶ ኣሎ: “ንመን ኢኻ ተገልግል ዘሎኻ???!” “መን’ከ ይልእኽካ ኣሎ???!”

ኅተመት መጻሕፍቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ዳርጋ ዘየለ ብምዃኑ ከኣ: ኣብ ውሽጢ ሃገርና ይኹን ኣብዚ ወጻኢ ሃገራት: ብዙኃን ዓበይቲ ይኹን ንኣሽቱ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ስለቲ ክፈልጥዎ ዝደለዩ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን: ብቋንቋ ሃገሮም ተጻሒፉ ዝርከብ ስለዘይኮነ: ብቋንቋታት ባዕድ ንዝተኃትሙ መጻሕፍቲ ከናድዩን ብኽቡር ክገዝኡን ይግደዱ ኣለዉ። እዚ’ውን ጊዜያዊ መፍትሒ ይኹን ደኣ እምበር ምስቲ ሳሕቲ ዘተኣታትዎ ነቅ ዘለዎን: ክርዳድ ዝተሓወሶን ትምህርቲ: ኣሉታዊ ጐድኑ እናተረኣየ ምምጽኡ ዘይተርፍ እዩ እሞ ቀጻሊን ነባርን ፍታሕ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ናጻ ሕዝቢ ካብ ኮንና: ምስ ባህልንን መንነትናን ታሪኽናን ዝኸዱ ብቋንቋታት ሃገርና ብሊቃውንትና ዝተጻሕፉ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ክንረክብን: ከነነብብን ግቡእና እዩ። ነዚ መሰል’ዚ ክንንፈግ ኣይግባእን እዩ። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ኣብ ጽላላ ዝኅተም መጻሕፍቲ ብጉባኤ ሊቃውንቲ ኣቢላ ክትምርምሮ: ክተርትዖን: ኣብ ምጽሓፍን ምኅታምን ምዝርጋሕን ነቶም ጸሓፍቲ ከተተባብዕን ይግባእ እምበር: ንቅዱስ ዕላማ “ብኣመሓደርታ” ኣቢላ ከተጐናድብ ዝጽበ ውሉድ ቤተ ክርስቲያን የልቦን። እኳ ደኣ ባዕላ ሊቃውንታ ጠርኒፋ ክትሰርሕን: ከተኅትምን ምተገበአ እምበር ብድፉኑ ምክልኻሉ: ይተረፍ ካብ “ኣመሓደርታ” ካብ ጸላእታ እኳ ብኸምዚ ቀርኒ ዘውጽአ ኣገባብ ተጻብኦ ይገጥማ ኢልና’ውን ዘይንጽበዮ ተግባር እዩ።

ቤት ማኅተም የብላን ከይብሃል: ዓጽሞም ይኸበር መንግሥተ ሰማያት የዋርሶም እቶም ትጉሃት ኣቦታት ብጽፍሮም ዝተኸልዎ: ካብ ሃገርና ሓሊፉ ንምሉእ ኢትዮጵያ ዘገልግል ዝነበረ ቤት ማኅተም ትውንን እያ። እኳ ደኣ እዚ ዘሎ “ምምሕዳር” ካብ ኢድ እቶም ነዚ ቤት ማኅተም ዘቖሙ ኣቦታት: መንዚዑ ወሪስዎ ይርከብ። ነዚ ብናጻ ጎቢጡ ንዝወረሶ ቤት ማኅተም: ከምቶም ዝቐደሙ ኣቦታት ክሰርሓሉ ይትረፍ: ኣማህሚንዎ ይርከብ ከምዘሎ ምንጪታትና ኣረጋጊጾሙልና ኣለዉ። ብዝቐለለ ኣብነት ዘረድኡና ምንጭታትና: ንተምሃሮ ግብረ ዲቁናን ዕለታዊ ጸሎት ምእመናንን ዘገልግል ንእሽቶይ መጽሓፍ “ውዳሴ ማርያም” ከምቲ ዝድለ በዚ ቤት ማኅተም’ዚ ክኅተም ስለዘይተኻእለ: ዶባት ሰጊሩ ኣሽሓት ኪሎሜትር ሰንጢቑ ብኮንትሮባንድ ካብ ኢትዮጵያ ምስ ዝኣቱ መጻሕፍቲ ተደባሊቑ ኣብ ዕዳጋታት ኣሥመራ የዕልቕሊቑን ብኽቡር ይሽየጥ ከምዘሎን ይጥቐስ። ብሓቂ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ጕዳይ ኅትመት መጻሕፍቲ ኣበይ ደረጃን ኵነትን ከምዘላ ጽቡቕ መርኣያ ተብሂሉ ክግለጽ ዝከኣል ኣብነት እዩ።

“መኽሰብ” ይረኽቡ ኣለዉ ኢልካ ሓሶት ምሒዝካ: ንሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ለይትን መዓልትን ኣእምሮኦም ጸሚቖም ብብዙኅ ጻዕርን ድኻምን ንዝዳለዉዎ መጻሕፍቲ: ከይኅተምን ከይዝርጋሕን ካብ ምኽልካል: ንሕዝብን ሃገርን ዝጠቕም ሕጋዊን መንፈሳዊን ሥራሕ ብምስራሕ: ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ተልእኾኣ እትፍጽመሉ ዕዮ ምስላጥ እምበር ምዕንቃፍ ውዒሉ ሓዲሩ ብእግዚአብሔር ይኹን ብታሪኽ ዘውቅስ ተግባር እዩ። ምናልባሽ እቶም ፈጸምቲ ይኹን ለኣኽቲ እዚ ክፉእ ተግባር’ዚ ትጋገዩ ከይትህልዉ: ብርሃነ ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝበሎ “ቃል ኣምላኽ ኣይእሰርን እዩ” እሞ ብኸንቱ ከይትደኽሙ ነተሓሳስበኩም ኣሎና። እቲ ንቃለ እግዚአብሔር ንምእሳርን: ሊቃውንትናን ገዳማትናን ንምድኻምን እተጠፍኡሉ ጊዜ: ብንስሓ ተመሊስኩም ሰናይ ተግባር እንተትፍጽሙሉ ጽቡቕ ምኾነ። ኣይኮነን ኣብቲ በሊሕ ሰይፍ ቃለ እግዚአብሔር ኮይንኩም ትላገጹ ከይትህልዉ እሞ ቀልጢፉ ከይልክመኩም ምኽርና ንልግሰልኩም ኣሎና።  

ቤተ ክርስቲያንናን ሃገርናን ብምሕረቱ ይሓልወልና።

3 comments:

  1. ወልደ ተዋሕዶAugust 28, 2012 at 7:04 AM

    እየ ልሳን ደቂ ተዋሕዶ!!!!! ኣዝዩ ዘሕጉስ እዩ። ንሕና ኢሕ ክንብል ዓመታት ሓሊፉ። ሕጂ ንስካትኩም ኣንፊስኩምልና። ግና እዚ ጉዳይ ኢድ ካልኦት መናፍቃን ኣለዎ።

    ReplyDelete
  2. ተክለሃይማኖትAugust 30, 2012 at 2:57 AM

    ጽቡቕ ጽሑፍ! ሽግርና ትገልጹልና ኣሎኹም እሞ ቀጽልዎ። ኣነ'ውን ግርም እዩ ዝብለኒ። ንካልኦት እምነታት ኣይተንክፍ፤ ንካልእ ሕግታት ሃገርን ህዝብን ኣይተንክፍ ደኣ እምበር ሃይማኖትናን ቤተ ክርስቲያናን እንፈልጠሉ መጽሓፍቲ ሃይማኖት ከይሕተም ምዕጻዉ ዘሕዝን እዩ። ንዝጽሕፉ ምትብባዕ እምበር፤ ረብሓ ኣለዎ ኢልካ ምዝራብ ከንቱ ዘረባ እዩ። እቲ ሰብ ዝገዝኦ ዘሎ ጽቡቕ ስለዝኾነ እዩ። ኣይኮነን ባዕሎም ጽሒፎም ኣሕቲሞምን ዘይህቡና። ንኩሉ ምዕጻው ግና ካልእ ዕላማ ዘለዎ ወይውን ብካልኦት ዝግበር ጸቕጢ ከይከውን የሰክፍ እዩ።

    ብሰንኪ እዚ ጉዳይ ገዳም ደብረ ቢዘን ምስ ፓትርያርክ ከምእተባእሱ ይስማዕ እዩ። ሓቅነቱ ግና ...

    ሓውኹም

    ReplyDelete