Monday, August 20, 2012

ፍረ ሓድነት ሕብረት ትምህርቲ ሰንበት ሕ.ሃ.ሰሜን ኣሜርካን ካናዳን


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ክሰዓብን ክቕጽልን ዘለዎ ፍረ ሓድነት

እቲ ሕያው ዝኾነ ቃለ እግዚአብሔር ኣብ መጻሕፍተ ብሉያትን ሓዲሳትን: ሕብረትን ሓድነትን ኣብ ሞንጎ ምእመናን ኣገልግልቱን ክህሉ ይእዝዝ እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽና ንሓድነት ደቁ ይደልዮን ይፈትዎን እዩ። ሰብ ኣብዚ ዓለም’ዚ ስለዝተፈላለየ ነገርን ዕላማን ይሓብርን ይሠምርን እዩ። ካብ ኵሉ እቲ ዝበለጸን: ምድራዊ ጥራይ ዘይኮነስ ዘይሓልፍ ዘለዓለማዊ ጸጋ ዝርከቦን ግና ስለታ ቅድስት ቤተ እግዚአብሔር ዝግበር ኣብ ቃሉን ሕጉን ዝሥረት ሕብረትን ሓድነትን እዩ። ኣብቲ ሓድነት እግዚአብሔር ኣሎ። ኣብቲ ሕብረት በረኸት ኣሎ። ቅዱስ ዳዊት’ውን ብዛዕባ እዚ ሕይወትን በረኸትን እተኣዘዘሉ ሰናይን ጥዑምን ሥምረት ኣኅዋት ዘሚሩ ነበረ። “ናሁ ሠናይ ወናሁ አዳም: ሶበ ይሄልዉ አኃው ኅቡረ …. እስመ ህየ አዘዘ እግዚአብሔር በረከቶ ወሕይወተ እምይእዜ ወእስከ ለዓለም” (እንሆ፡ ኣሕዋት ብሓደ ሓቢሮም ኪነብሩስ፡ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ: … እግዚአብሔር ኣብ በረኸትን ሕይወትን ንዘለኣለም ኣዚዙ እዩ እሞ) (መዝ ፻፴፪/133) እምበኣር ኣብ ሞንጎ እቲ ቅኑዕን ሓቀኛን ሓድነት እግዚአብሔር ካብ ሃለወ: እቲ ናይ እግዚአብሔር ዘበለ ኵሉ ኣሎ ማለት እዩ። ስለዚ ከኣ ኵሉ ነዚ በረኸት ኣምላኽ ዝደሊ ኣገልጋሊ ይኹን ምእመን ስለታ ሓቀኛ መንፈሳዊ ሓድነት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ክሓስብን ክጋደልን ይግባእ።

ሎሚ ዓለም ብዙኅ መገዲ ምፍንጫልን ምፍልላይን ኣብ እትምህረሉን: ነዚ ምፍልላይ ከኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከተስርጽ ኣብ እትጋደለሉ እዋን: ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዘበልና ሓድነትና ከም ዓይኒ ብሌንና ነቒሕና ክንሕልዋን ክንከናኸናን ይግባእ። ምስ ምስኣን ሓድነት: በረኸት እግዚአብሔር ስለዝርሕቀና: ኣዚና ነታ ናይ እግዚአብሔር ዝኾነት ቅድስት ሓድነት ክንብህጋን ክንጽዕረላን ይግባእ። ጸላኢ ሠናያት ነታ ኣብ ሓድነት ዘላ ጸጋ እግዚአብሔር ስለዝፈልጣ: ብዝተፈላለየ ሥጋዊ ጥበብን ሜላን ክዘርጋ ለይትን መዓልትን ምስ ጸዓረ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ቅዱሳን ሓዋርያት በብወገኖም ስለታ ሓቀኛ ሓድነት: መሲሎምን ኣመሥጢሮምን ንደቆም ዝመሃሩ። ልዕሊ ኵሉ ድማ ስለ ሕዝቡ በጃ ክኸውን ዝመጸ ኣምላኽ ስለ ልዕልና ሓድነት ብዝግባእ ዝመሃሩ (ዮሓ ፲፩፥፶፪/11፥52 ፲፯፥፳፩-፳፫/21-23 ሮሜ ፲፪፥፭/12፥5 ሮሜ ፲፭፥፭-፯/15፥5-6 ፊል ፪፥፪/2፥2 ቀዳማይ ተሰ ፭፥፲፩/5፥11 ቀዳማይ ቆሮ ፲፪፥፳፮/12፥26)

እምበኣር ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን: ሓድነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብምዝራግ: ስዉርን ድርብን ዕላማታቶም ንምስላጥ ድቃስ ለይቲ ስኢኖም ዝሓድሩ ዘለዉ ልኡኻት ጸልማት: ካብቲ ዘይፈትዉዎ ብቀዳማይ ደረጃ ዝጥቐስ: ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብሓደ ኮይኖም ክመኽሩን ክሠርሑን ምርኣይ እዩ። ኵልና ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎና ደቂ ቤተ ክርስቲያን: በብሰበኻናን ከባቢናን ብዘሎና ጕዳያት ጥራይ ክንውሰንን ክንድረትን: ስለታ ሓንትን ሓዋርያዊትን ጥንታዊትን ቤተ ክርስቲያን ኣርሒቕና ኣስፊሕና ከይንጥምትን ከይነማዓዓድን ካብ ውሽጣዊ ድኻምና ይኹን ካብ ግዳማዊ ተጻብኦ ብዙኅ ዝዓይነቱ ዕንቅፋት ክገጥመና ጸኒሑን ኣሎን። ኵልና ሓደ ሥጋ ምዃንና ፈሊጥና: ሕማም እቲ ሓደ ኣካል: ቃንዛ ናይቲ ካልእ ምዃኑ ከይነስተውዕልን ዓቕምና ከየነበርክትን በብመድረኹ ዝተፈላለየ ፈተናታት ክገጥመና ጸኒሑ እዩ። ይኹን ደኣ እምበር ጊዜ እናመሃረናን: ካብ ድኽመትና’ውን እናለበምና ኣብ እንመጸሉ ኣብ ክንዲ በብውልቅና: ብሕብረትን ሓድነትን ጥራይ ሽግራትና ከነለልዪን ክንፈትሕን: ኣብ ልዕሊ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ደባቢኑ ዘሎ ደመና መከራን: ኣንጠጥዩ ዘሎ ዝናም ተጻብኦን ብዝግባእ ክንርድኦን ክንቃለሶን ከምእንኽእል እናተነጸረ ከምዝመጽእ ርዱእ ነገር እዩ።    

እምበኣር ካብ ዕለት ፳ ክሳዕ ፳፪ ሓምለ ኣብ ሰዋውሰ ብርሃን ደብረ ኢየሱስ ቤተ ክርስቲያን (ሂዩስተን - ሰሜን ኣሜሪካ) ብዓወት ዝተዛዘመ ፯/7ይ ዓመታዊ ጉባኤ ሓድነት ቤት ትምህርቲ ሰንበት ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግሥታት ኣሜርካን ካናዳን ዝመስከሮ ሓቂ  እንተነበረ ፍረ ሓድነት ጥዑም ምዃኑ እዩ። ብብፁዕ አቡነ ሲኖዳ እናተኣልየ “ዝተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትነብሩ እልምነኩም ኣሎኹ” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተኻየደ ጉባኤ: ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተኻየዱ ጉባኤታት: ብኣወዳድባ መርሓ ግብርታት ይኹን ኣቀራርባ: ብዝተለዓሉ ኣገደስትን እዋናዊን ዛዕባታት ይኹን ብዓይነትን ብዝኂ ተሳተፍትን ዝበለጸ ተባሂሉ ክግለጽ ዝከኣል እዩ። ልኡኻት ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ሰበኻታት ዝተሳተፍዎ እዚ ዕዉት ጉባኤ’ዚ: ብሕቶን መልስን ዝተሰነየን: እዋናዊ ጕዳያት ቤተ ክርስቲያን ተላዒሎም ዘዕግብ ምላሽ ዝተዋህበሎምን: ተሳተፍቲ’ውን ሓደ ዓይነት ርቱዕን ሥሙርን ምላሽ ሰኒቖም ነናብ ቦትኦም ዝኸዱሉን ምንባሩ ካብ ተሳተፍቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት። ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ሣልሳይ ፓትርያርክ አቡነ እንጦንዮስን: ብስሞም ዝሽቕጥ ዘሎ መስሓቲ ጉጅለ ኣትላንታን ትምህርቱን ብዝምልከት ዝተዋህበ መብርሂን: ሕድሕድ ምርድዳእን ዝያዳ ነቲ ኣብ ምድንጋር ዘሎ ጕጅለ መንነቱ ዝያዳ ዘቃልዕ ኮይኑ ዝተረኽበሉ እዩ። ኵሎም ዝተላዓሉ ኣርእስትታን ዝቐረበ ዓውደ ምርኢትን ንህልዊ ኵነታት ቤተ ክርስቲያንን ግደ ኵሎም ኣካላትን ዘመላኽት ብምንባሩ ብኵሉ ተሳታፊ ጦብላሕታ ዘሕደረ ጽቡቕ ምድላዋት ዝተራእየሉ እዩ ክበሃል ይከኣል።

ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ተተካእትን ሓደሽቲ ኣካየድቲ ምምራጾምን ድማ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ሓድነታዊ ኣካይዳን ዝያዳ ብዘደልድልን ዘኅይልን ኣገባብ ንኽቕጽል ዓቢይ ሕድሪ ዘሽክም ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ኮይኑ ድማ እዞም ሓደሽቲ ተመረጽቲ: ነቲ ቅድሚ ሕጂ ክሥርሓሉ ዝጸንሐ ጉዳያት ብምኅያል: መምስቲ መድረኹን ዓውዱን ዝኸዱ ሓደሽቲ መደባት ብምሕንጻጽ ፍረ ዝረኣየሉ ሥራሕ ክሰርሑ ትጽቢት ኵልና እዩ። ነቲ ቀሊል ዘይብሃል ድኻም ተደኺሙሉ: ዛጊት ተረኺቡ ንዘሎ ሓድነታዊ ዓወት ብምዕቃብ ዝያዳ ዓወት ከምጽኡሉ ከኣ ተስፋ ተነቢሩሎም ኣሎ።

እምበኣር ብሕብረት ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ሃገረ ስብከት ሕ.መ. ሰሜን ኣሜርካን ካናዳን: ብብፁዕ አቡነ ሲኖዳ እናተመርሐ: ሊቃውንትን ካህናትን ዲያቆናትን መንእሰያትን ምእመናን ኣብ ሓደ መኣዲ ብዘሳተፈ ኣገባብ ዝቐነየ ጉባኤ: ዓቕሚ ከለዎ ብዝተፈላለየ ድኹም ምኽንያት ክዕንቀፍ ንዝጸንሐ እሞ ብሕጂ እግሪ ክተክል ትጽቢት ንዝግበረሉ ሕብረት ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዝህቦ ትምህርትን መልእኽትን ንጹር እዩ። ሓድነት ኣብ ዘለዎ እግዚአብሔር ኣሎ: ሕብረት ኣብ ዘለዎ ኃይሊ ኣሎ: ፍረ ኣሎ ዝብል ከኣ እዩ።

ብምዃኑ ድማ ኣብ ስዊዝ ኣብ መጀመርታ ወርኃ መስከረም ዝጋባእ ጉባኤ: ብኵሉ መደያቱ ዕትበት ዝተመልኦን: ብሱል መሪሕነት ዝተላበሰ ክኸውንን: ካብ ዝመጾን ዝህንደሰሉ ዘሎን ፈተና ብጥበብ ንኽሰግሮ: ሓድነት መራሕቱን ኣወሃሃድቱን ግድነት የድልዮ እዩ። መርሓ ግብርታቱ ካብ ምንጻር: ምድላዋቱ ካብ ምጽፋፍ: መደባቱ ካብ ምውዳድን ምውህሃድን ኣትሒዙ ንዝዝተየሎም ቍም ነገራት ንምኽትታሎምን ኣብ ግብሪ ንምውዓሎምን ተራ መንፈሳዊ መሪሕነት ኣገዳሲ እዩ። ካብ ናይ ኣንነት መንፈስ ርሒቕና: ብሓባር እንሰርሓሉን: ብናይ ትሕትና መንፈስ ተገዚእና ኣብ ሓድነት ንዘሎ ፍረ እንርእየሉን እንዕቅበሉን ክኸውን: ትዕግሥቲ ዝተመልኦ ነዊሕ ጕዕዞ ከምዘድልየና ክንዝንግዕ የብልናን። ኣብቶም እነቕርቦም መዛተዪን ዛዕባታት’ውን ሰነዳትናን ጭብጥታትናን ብዝግባእ ከነብርሆምን: ንህልዊን ሓቀኛን ምስሊ ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ዘርእዩ ኮይኖም ክቐርቡ ይግባእ። እምበኣር እቲ ቍም ነገር: ኣብ ምጅማር ከምዚ ዚኣመሰለ ኣኅዋት ዝራኸቡሉ ሠናይ ጉባኤ ጥራይ ዘይኮነስ: ቀጻሊነቱ ብኃይሊ ኣምላኽ ዝረጋገጸሉ መገዲ ምጽዓርን ንኸምኡ ዘገልግል ድልዱል መሪሕነት ምምሥራት ግድን ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ነቲ ኣብ ኵሉ ዓለም ዝበጋገስን ዝነቃቕሕን ዘሎ: ስለታ ብብዙኅ መንገዲ ብፍሕሶ ዲያብሎስን ልኡኻቱን ትናወጽ ዘላ ኣዴና ቤተ ክርስቲያን ዋልታ ናይ ምዃን ዕዮ: ተስፋ ዝህብ እዩ እሞ ነዚ ምርኣይ ዘብቕዓና እግዚአብሔር ልዕሊ ኵሉ ከነመስግን ንፈቱ። ብርግጽ በብምኽንያቱ ካብታ ሓቀኛ መገዲ ስለ ካልእ ድርብ ዕላማታቶም ብዙኃን እንተላገሱ’ውን: ንሕና ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎና ደቂ ቤተ ክርስቲያን ሓድነትና ዓቂብና ኣቦታትና ኣብ ዝጸንሑልና መንገዲ ጸኒዕና ክንርከብ ይግባእ። ናትና ሓድነት ስለ ምክልኻል መናፍቓን ጥራይ ዘይኮነስ: ጽባሕ ትንሣኤኣ ኣብ ቅድሜና ንዘሎ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኵሉ መዳያት እጃምና ኣብ ምብርካት’ውን ክቕጽልን ክኅይልን ይግባእ። ንሕና ሓድነትና እንተደኣ ኣጽኒዕና ሒዝና: ብርግጽ እቶም ዝላገጹልና ዝነበሩ ክሓፍሩ እዮም። ብዘይፍላጥ ዝወጹ ድማ ተጣዒሶም ከምዝምለሱ ዘጠራጥር የብልናን።

እግዚአብሔር ኣምላኽ ሓድነትና ይዓቅበልና።  



No comments:

Post a Comment