5.0 አቡነ ፊልጶስን ተጋድሎኦምን
5.1 ደምበ ደገፍቲ
ልክዕ ከምቲ ኣብ ዘመን አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝነበረ ኣገባብ፤ ተመሊሱ ኣብ አቡነ ፊልጶስ ክድግም እንርእዮ ናይ ኃይሊን ደገፍን ኣሰላልፋ ነበረ። እዚ ኸኣ እቲ ጕዳይ ክርክር ኣብ ግብጺ ተበጺሒሉ ሓቁ ይቀላዕ ደኣ እምበር ከምቲ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝተጋደሉሉ፤ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሓበሻ መዕለቢ ስለዘይተገብረሉ፤ ኣቡነ ፊልጶስን ገዳሞምን ንደቂ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን ገዳማቶምን ከም ማእከልን ወኪልን ኮይኑ ኣብ ዝተረኽበሉ ዘመን ዳግማይ ከምዝተለዓለ ክንርዳእ ንኽእል። እቶም ተዋሳእቱ ተቐያይሮም እምበር፤ ዝውክልዎም ኣካላትን እቲ ዛዕባን ኣገባብ ክርክርን ተመሳሳልነት ነበሮ።
በዚ መሠረት’ዚ ከኣ ድኅሪ ኣስታት ፍርቂ ክፍለ ዘመን እቲ ጉዳይ ዳግማይ ምስ ተለዓለ፤ ኣቡነ ፊልጶስ ካብ ገዳሞም ተጸዊዖም ኣብ መጋብእያ ንጉሥ ቀረቡ። ብተመሳሳሊ ንጉሥ ዳዊት፤ ምስቶም ኣብቲ ዘመን ግብጻዊ ጳጳስ ሓበሻ ዝነበሩ አቡነ በርተሎሜዎስን፤ ኣማኸርቲ ንጉሥ ዝኾኑ ካህናተ ደብተራን ካብ ቤተ ተክለሃይማኖት ዝኾኑ ተሰማዕነት ዝነበሮም ገዳማት ኢትዮጵያን፤ ዓቃቤ ሰዓት ዝብሃሉ ዝፍርሁ መራሔ ደሴት ገዳም እስጢፋኖስ ኮይኖም እዮም ክድህልዎምን ከፈራርህዎምን ፈቲኖም። ብተወሳኺ’ውን ካብቶም ደቂ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዝኾኑ አቡነ ማትያስ ዘዓዲ ቀ፤ ድኅሪ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ትምህርቲ ኣቦኦም ገዲፎም፤ ቀዳሚት ሰንበት ማዕረ ሰንበተ ክርስቲያን ክትኽበር ኣይግባእን እዩ እናበሉ ኣንጻር ኣቡነ ፊልጶስ ዝገጠሙሉ እዋን እዩ ነይሩ። አቡነ ፊልጶስ’ውን ከም ኣቦኦም አቡነ ኤዎስጣቴዎስ፤ ብብዝኂ ደጋፊን ኃይሊ ሥልጣንን ናይቶም ዝጻብእዎም ኣካላት ድምብርጽ ኣይበሎምን። ልዕሊ ኵሉ ዝኾነ ኣምላከ ቅዱሳን ምስ ሓቂ ከምዝኾነ ስለዝኣመኑ፤ ነቲ ነገር በይኖም ምስቶም እሙናት ሰዓብቶም ገጠምዎን መከትዎን።